“ኣጠቓቕማና እወንታዊ ብምግባር ካብ ተክኖሎጂ ረቢሕና ጥራይ ክንወጽእ ይከኣል’ዩ”

እንጂነር ቴድሮስ መሓሪ

እንጅ. ሚኪኤል በርሀ

 

  • ቅድሚ ምጅማርና። ዕላልና ኣብ ምንታይ ከተኵር ኢኻ ትደሊ?

ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ልዕሊ ዝኾነ ነገር ተክኖሎጂ እዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ። ሞያይ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብኡ ኣትኲረ ናተይ ተመኩሮ ንደቂ ሃገረይ ከካፍል ኣገዳሲ ኾይኑ እስመዓኒ።

  • ሓፈሻዊ ስእሊ መታን ክንሕዝ፡ ምስ ገዛእ ነብስኻ ክተላልየና

ቴድሮስ መሓሪ እምባየ እበሃል። ብ1974 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተወሊደ። ኣብኡ ድማ ዓብየ። ወዲ 17 ዓመት ምስ ኮንኩ፡ ናብ ሃገረ ሽወደን ተሰዲደ። ናብ ሽወደን ክኣቱ ከለኹ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዛዚመ ስለ ዝነበርኩ፡ ትኽ ኢለ ናብ ዩኒቨርስቲ ክኣቱ እዩ ነይሩኒ። ምስ’ቲ ዓዲ ክላለን ቋንቋ ክመሃርን ግና ከባቢ ሰለስተ ዓመት ምስ ጸናሕኩ እየ፡ ናብ ዩኒቨርስቲ ተጸንቢረ። ብ“ኢንቤዲድ ሶፍትዌር ፕሮግራምንግ” ድማ ትምህርተይ ዛዚመ። ትምህርቲ ድሕሪ ምዝዛመይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተመኵሮይ ድሕሪ ምዕባይ፡ ኣብ 2013 ናተይ ናይ ምህንድስና ኣማኻሪ ትካል ኣቝመ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ እሰርሕ ኣለኹ። እዚ ትካል እዚ ኣብ ኮምፕዩተር ምህንድስና ንዘጋጥሙ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ፡ ምምኻር ከምኡ’ውን ቅርጽታት ኣብ ምድላው ዝነጥፍ ትካል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከባቢ 13 ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን ገለ 8 ዝኾኑ ብኸፊል ዝሰርሑ መሃንድሳትን ኣብ ትሕቲኡ ኣመሓዲሩ ዝኸይድ ዘሎ ትካል እዩ።

  • ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊድካ ናብ ኤርትራ ከይመጻእካ ኢኻ ናብ ስደት ኣምሪሕካ። ኣብ ኤርትራን ምስ ኤርትራ ኣብ ዝተኣሳሰርን ብዙሕ ንጥፈታት ክተካይድን ከኣ ተዓዚበ ኣለኹ። ኣብ ኣዳራሽ ዳዕሮ (ጁንየር) ዘቕረብካዮ ሰሚናርውን ተኸታቲለዮ እየ። እዚ ምስ ሃገርካ ዘሎካ ጥቡቕ ርክብ ካበይ እዩ ዝብገስ፧

እቲ ቐንዲ ካብ ገዛ እዩ ዝብገስ። ኣተዓባብያ ኣብ ዝኾነ መዳይ ኣዝዩ ወሳኒ ነገር እዩ። ስድራቤተይ ድማ ክዓቢ ከለኹ ፍቕሪ ናይ ሃገረይ ከም ዝሓድረኒ ገይሮም እዮም ኮስኲሶምኒ። ካልኣይ ድማ እቲ ናብ ሽወደን ዝኸድኩሉ እዋን ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ ዓመት ብምንባሩ ናቱ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ኣብ ደገ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ኣጋጣሚታት ተሪፈ ኣይፈልጥን እየ። ካብ 2000 ኣትሒዘ ድማ ዓመት ዓመት እየ ናብ ኤርትራ ክመጽእ ጸኒሐ። እዞም ኩሎም ነጥብታት ተደማሚሮም ምስ ኤርትራ ዘለኒ ምትእስሳር ኣሐይለሞ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ካልእ ተወሳኺ ነጥቢ ድማ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኽተልዎ ብጂኦ ፖለቲካዊ ረብሓ ዝተጠምዘዘ ኣጠማምታ፡ ምስ ሃገርና ብጥቡቕ ከም ንተኣሳሰር ገይሩና እዩ።

  • ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ሞያኻ፡ ልዕሊ 18 ዓመታት ከም ዝሰራሕካ ኣዕሊልካኒ ኔርካ። ኣብ ዓመታት ዘጋጠሙኻ ብድሆታት እንታይ ይመስሉ፧

እቲ ብድሆ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ። ቀዳማይ ነገር ኣብ ሃገርካን ባይታኻን የለኻን። እቲ ናትካን ናታቶምን ክብርታት እውን ኣይራኸብን እዩ። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና እቲ ብድሆታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ነገራት ዘለካ ኣጠማምታ ግና ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ዝሃለወ ብድሆ ይሃሉ፡ ንስኻ ነቲ ጸጽብቑ ክትወስድ እንተ ተበጊስካ ክትዕወትን ናብ ቅድሚት ክትስጉምን ትኽእል ኢኻ። ኣነ ምስ ዓባየይ እየ ዓብየ። ዓባየይ ንብድሆታት ብኸመይ ከም ትሰግሮም እናረኣኽዋን እናተማሃርኩን እየ ዓብየ። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ብድሆታት ክረኽቦ ዝኽእል ረብሓ እናኣቋመትኩ እየ ዝነብር። እምበር ገዚፍ ናይ ሕብሪ ብድሆ እዩ ዘሎ። ንሕና ግና ንኹሉ ነገር ርግእ ኢልና ኢና ክንገጥሞ ዘለና። ብሓፈሻ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ ብድሆ ካባና ኣይፍለን እዩ። ጥራይ ጸጋታታት ኢና ክንቆጽር ዘለና።

  • ተክኖሎጂ እንታይ እዩ፧

ተክኖሎጂ ንዕለታዊ መነባብሮና ዘቃልሉ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ዘጠቓለለ ዓውዲ እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ንተክኖሎጂ ብኣሉታዊ ዓይኒ ዝጥምቱ ዘረባታት ይሰምዕ እየ። ተክኖሎጂ ኣሉታ ኾይኑ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ጸገም ንተክኖሎጂ ብኸመይ ትጥቀመሉ እዩ። እምበር ተክኖሎጂ ንደቂ ሰባት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽሓዅሩ ዝደረኸ ዓውዲ እዩ። ኣብዚ ዝመጽእ ሕቶ ግና፡ ንተክኖሎጂ ብኸመይ ኣገባብ ትጥቀመሉ ዝብል እዩ።

  • ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዛዕባ ተክኖሎጂ ብዙሕ ዘረባታትን ትንተናታትን ይቐርብ ኣሎ። ንሓይሊ ተክኖሎጂ ኣቃሊልና ክንርእዮ የብልናን ዝብል ስነሞጎት እውን ይለዓል እዩ። ሰባት ብተክኖሎጂ ክንግዛእ ንኽእል ኢና ዝብል እውን ኣሎ። ኣብዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ፧

ልክዕ እዩ እዚ ዓይነት ዘረባታት ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ገኒኑ ዝስማዕ ዘሎ ዘረባ እዩ። መብዛሕትአን እተን ናይ ተክኖሎጂ ካምፓኒታት ብውልቀ ሰባት እየን ዝውነና። ውልቀ  ሰባት ድማ ንረብሕኦም ክብሉ፡ ንሰባት ከገዝኡ ይደልዩ እዮም። ሓቂ ንምዝራብ እቲ ብድሆ ቀሊል ኣይኮነን። እዘን ትካላት ኣብ ስምዒታትካ ብምእታው ክቓንያኻ እየን ዝፍትና። ብልክዕ ብድሕሪ መጋረጃ ብኸመይ ይሰርሓ ብምፍላጥ ክንብድሀን ግና ንኽእል ኢና። ኣጠቓቕማና እወንታዊ ብምግባር፡ ካብ ተክኖሎጂ ረቢሕና ጥራይ ክንወጽእ ንኽእል ኢና።

  • ቅድሚ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ምስጋርና፡ ኣብዚ ዛዕባ እዚ ትውስኾ ነገር እንተሎ፧

ቀዳማይ ነገር ተክኖሎጂ እንረብሓሉ ባይታ እምበር፡ ጅሆ እንተ ሓዘሉ ዓውዲ ከም ዘይኮነ ምርዳእ የገድስና እዩ። ተክኖሎጂ ብግቡእ እንተ ድኣ ተጠቒምናሉ፡ ከም ተክኖሎጂ ገይሩ ዘርብሓና ነገር ኣብዛ ዓለም ክህሉ ኣይክእልን። ክንረብሓሉ እንተ ዄይንና ድማ ብልክዕ እንታይ ምዃኑ፡ ብድሕሪ መጋረጃኸ ብኸመይ ኣገባብ እዩ ዝሰርሕ ክንፈልጥን ክንርዳእን ኣገዳሲ እዩ።

  • ሰባት፡ ንስኻን ሺዳ ሜድያን ምትእስሳር ከም ዘለኩም ክዛረቡ ሰሚዐዮም ኣለኹ። ሽዳ ሜድያ እንታይ እያ ትገብር፧

ግዝያዊ ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ሺዳ ሜድያ እየ ብዘለኹ። ምሳይ ምትእስሳሮም ካብዚ ዝነቅል ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሽዳ ሚድያ፡ ሓደ ክፋል ናይ ሺዳ ኔትዎርክ ዝበሃል ማዕከን ሓበሬታ እያ። ሽዳ ኔትዎርክ፡ መርበብ ሽዳ ሚድያ፡ ሽዳ ኣኒሜሽን፡ ሽዳ ኮመርስ ከምኡ’ውን ሽዳ ሕትመት ዝበሃሉ ክፋላት ዝሓቖፈ ዓቢ መርበብ እዩ። መብዛሕትኡ ሰብ ግና ነታ ሺዳ ሜድያ እዩ ዝፈልጥ። ምኽንያቱ ክሳብ ሕጂ ንዓኣ ኢና ብዝያዳ ሰሪሕናላ ዘለና። ኣብታ ሺዳ ሜድያ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት፡ ዝተፈላለዩ ዓንቀጻት ይጽሕፉላ እዮም። ዕሙቕ ዝበሉ ጽሑፋት፡ ትንተናታት ከምኡ’ውን መጽናዕትታት ኢና ንዝርግሕ። ብሓፈሻ ንምስሊ ኤርትራ ዘጉልሕን በዳሂ ዝኾነ ጽሑፋትን ኢና ንዝርግሕ። ኣብዚ ሜድያ እዚ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ከም ብዓል ተመራማሪ ታሪኽን ደራስን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ደራሲ ዘምህረት ዮሃንስ፡ ናይ ካልኦት ሃገራት ፍሉጣት ሰባት ከም በዓል ደራሲ ኣብይ ብርለ፡ ናይ ፖለቲካ ተንታኒ ኢትዮጵያዊ ኦማር በናሚን፡ ፕሮፌሰር ኦመር ሃሰን (ኣማኻሪ ፕረዚደንት ክልል ሶማሊ ኢትዮጵያ)፡ ፕሮፌሰር ጊደወን ኣባይ ከምኡ’ውን ናይ ግሪኽ ናይ ፋይናንስ ሚኒስተር ነበር ያኒስን ካልኦትን ዝጽሕፉሉ ማዕከን እዩ።

  • ካብዚ ቀጺለ መለሳ ክኾነና ገለ ሓጸርቲ ሕቶታት ክሓተካ እየ።

ትፈትዎ ሰብ ከመይ ዝበለ’ዩ፧ ስለምንታይከ፧

ኣብ ህይወተይ ዝፈትዋ ሰብ ዓባየይ እያ። እዚ ሕጂ በጺሐዮ ዘለኹ ደረጃ ውጽኢት ናታ እዩ። ናይ ህይወት መምህረይ እያ ነይራ። ሕጂ ብህይወት የላን እምበር፡ ኩሉ እቲ ዝገበረትለይ ውዕለት ዘርዚረ ምነገርኩዋ። ካልኣይ ኣብ ህይወተይ ዝዓበየ ጽልዋ ዝገበረለይ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። ብቐረባ ኣይንፋለጥን ኢና።  ኣብ ዝተወሰና ኣጋጣሚታት ኢና ተራኺብና፡ ኣዕሊልና። እቲ ናቱ ጽንዓትን ኣብ ሓደ ዕላማ ነኺስካ ነዊሕ ምጉዓዝን ንዓይ ኣብ ሂወተይ ኣዝዩ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ብሓፈሻ ኣነ ውጽኢት ኣብ ህይወተይ ዝገጠሙኒ ሰባትን መድረኻትን እየ። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም እቶም ኣብ ህይወተይ ዝገጠሙኒ ሰባትን መድረኻትን ከመስግኖም እደሊ።

  • ደስ ዝብለካን ዘይብለካን ባህርያት ሰባት፧

ደስ ዝብለኒ ባህርያት፡ ኣብ ክንዲ ብድሆታት ዕድላት ዝረኣዮ ሰብ እዩ ዝብርሃኒ። በንጻሩ ዝጸልኦ ባህርያት ድማ ኣይክእልን እየ፡ ከቢድ እዩ ብምባል ኣሉታዊ ባህሪ ዝውንን እዩ። ሰብ ንፉዕ እንተ ኾይኑ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ ንፉዕ እዩ። እቲ ሕቶ ናይ ኵነተ ኣእምሮ እምበር ናይ ቦታ ኣይኮነን። ስለዚ ብድሆታት ዝጽብጽብ ሰብ ኣይብርሃንን እዩ።

  • ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝተሓጎስካላን ዝሓረቕካላን መዓልቲ፧

ዝተሓጎስኩላ መዓልቲ እታ ናተይ ትካል ኣውጺአ ሰብ ኣብ ትሕተይ ክቖጽር ዝበቓዕኩላ መዓልቲ እያ ነይራ። ንዓይ ዓቢ ስጉሚ ኣብ ህይወተይ ብምንባራ ብፍሉይ እየ ዝዝክራ። ዝሓረቕኩላ እኳ እዛ መዓልቲ ኢለ ክፈሊ የጸግመኒ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሕ ዘሕርቝ ነገራት ብቐጻሊ የጋጥሙኒ እዮም።

  • ወዲአለኹ እንጂነር። ብስም ማሕበርን መጽሔት መንእሰይን አመስግነካ።

ቀዲምካኒ። ምስጋና ንዓኹም እዩ ዝግባእ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *