ደራሲ በየነ ሃይለ ከም ገጸ-ባህርዪ
“ክቡራት ስነ-ጥበበኛታትን ዑዱማት ኣስተማቐርትን፡ ሎሚ መኣድና መኣዲ ስነ ጽሑፍ ዓዲ ቐይሕ ሓደ ዓቢ ስነ-ጥበበኛ ሃገርና ዓዲማ ካብ ኣስመራ ኣምጺኣቶ’ላ። እቲ ዕዱም ኣብ ማእከልና’ሎ። መብዛሕትኹም ብስሙ ትፈልጥዎ ኢኹም። ኣቡኡን ኣዲኡን ዘውጽእሉ ስም በየነ ሃይለ ዝብል’ኳ እንተ ዀነ ዝያዳ ግን ብወዲ እምኒ’ዩ ዝፍለጥ። ምኽንያቱ ንሱ ንእምኒ ናብ ሰብ፡ ንደንጐላ ናብ መንፈስ ዝቕይር ሓያል ስነ-ጥበበኛ’ዩ።”
ሽም በየነ ምስ ተጠቕሰ ኣዳራሽ ብጣቕዒት ተናወጸት። እታ ምጭውቲ መራሒት መድረኽ ቀጺላ፦ “ሎሚ ክቡር ደራሲ በየነ ሃይለ (ወዲ እምኒ) ምሳና ከዋግዕ’ዩ” ብምባል መድረኽ ንደራሲ በየነ ኣረከበቶ።
በየነ ብዘይ ጽሑፍ ወይ ወረቐት’ዩ ንመድረኽ ደይቡ። ቦርሳ ግን ሒዙ ነበረ። በየነ ኵሉ ነብሱ ጽሑፍ’ዩ፤ ዘይውዳእ ጽሑፍ! ድሕሪ ሰላምታ ከምዚ በለ፡-
“. . . . ኵሉኻትኩም ኣብዚ ዘለኹም ኣእማን ኢኹም እንተ ዝብለኩም፡ እንታይ ምተሰምዓኩም? ብርግጽ ምሓረቕኩም ምኽንያቱ ሰብ ካብ ሓቂ ክሃድም’ዩ ዝነብር። እምበር እምኒ ዘይኰነ ፍጥረት እንታይ ኣሎ? እዚ ኣዳራሽ እምኒ’ዩ፡ ማለት ብእምኒ’ዩ ተሃኒጹ። እዚ ኮፍ ኢልክሙሉ ዘለኹም መንበር ሓጺን እምኒ’ዩ፤ ምኽንያቱ ሓጺን እምኒ’ዩ። እዚ ረጊጽናዮ ዘለና ምድሪ ቤት እምኒ’ዩ። ኣነ’ኳ ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ ቐይሕ እምኒ ኸፊለ ብእምኒ’የ መጺአ። ማኪና እምኒ’ያ። ነፋሪት’ውን እምኒ’ያ። ኵሉ እምኒ’ዩ!” ጭብጨባ ሰማዕቲ ኣቋረጾ፡ ጽንሕ ኢሉ፡ “ኣብ ዓለም ዝተኻየዱ መብዛሕትኦም ውግኣትን ኲናትን ንእምኒ ተባሂሎም ዝተኻየዱ እዮም። ክቡር ሰብ ንኽቡር እምኒ ህይወቱ የሕልፍ።”
“ወርሕን ጸሓይን እውን እምኒ’የን። ዓለም ብዓባያ እምኒ’ያ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ዝብሎ፡ ወዲ ሰብ ካብ ሓመድ’ዩ ተፈጢሩ። ሓመድ ደቂቕ እምኒ’ዩ። ናይ ስነ-ፍልቀት ሊቕ ዳርዊን እውን እንተ ዀነ ፍጥረት ሰብ ካብ ሓመድ ከም ዝፈለቐ’ዩ ዝሕብር። ሙሴ ንህዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ኣናጊፉ ናብ ሃገር ተስፋ ክወስዶም እንከሎ፡ ኣብ ጎቦታት ሲናይ ወጸ። ጎቦታት ሲናይ እምኒ’ዩ። ቃል ፈጣሪ ካብ ኣኻውሕ ወጸ። ከውሒ እምኒ’ዩ። እቲ ካብ ኣኻውሕ ዝወጸ ቃል ማለት 10 ትእዛዛት ሙሴ ኣብ እምኒ ጸሓፎ! እነሆ እምበኣር ብዘደንቕ ተኣምር እቲ ቀዳማይ መጽሓፍ ዓለም እምኒ ዀይኑ ተረኽበ! ሙሴ ነታ እምኒ ሒዙ ናብ’ቶም ኣህዛብ ምስ መጸ፡ ወዲ ሰብ መሻረዊ እንድዩ ንእምኒ ገዲፉ ኣብ ወርቂ ከምልኽ ጸንሖ። ሙሴ በዚ ተተንኪፉ ነታ እምኒ ብሕርቃን ሰንደዋ’ሞ ተሰብረት። ሽዑ ሙሴ ኣምሪሩ በኸየ። ንመጀመርታ ግዜ ንእምኒ ዘልቀሰላ ሙሴ ነበረ። ሰብ ግን ረሳዒ’ዩ። ዳዊት ንጐልያድ ዝቐተሎ ብእምኒ ነበረ። ወዲ ሰብ ረሳዒ ብምዃኑ ግን ንእምኒ ረሲዑ ንዳዊትን ጐልያድን ይዝክር። ካብታ እምኒ ንላዕሊ እታ ወንጭፍ ትዝከር! እወ እታ ብዘይ ድሌታ ደም ዝተጸየቐት እምኒ ተረሲዓ ተረፈት። እታ ብመንበስበስታ ጐልያድ ኣትያ ዘይደማን ዘይሙግላን ዝተጸየቐት እምኒ ተረሲዓ ትነብር ኣላ።
“ሰብ ካብ ሓመድ መላእኽቲ ድማ ካብ ሓዊ ከም ዝተፈጥሩ እሰምዕ’የ። ካብ መላእኽቲ ንወዲ ሰብ ዝተዋህበ ህያብ ወይ ጸጋ ሓዊ’ዩ ክብሃል’ውን ሰሚዕና ንኸውን። ሓዊ ግን ክልተ እምኒ ኣጋጪኻ ዝፍጠር’ዩ። ሓዊ ህያብ እምኒ’ዩ! እነሆ ድማ ሕጂ ካልኣይ ተኣምረ እምኒ ተኸሲቱ። ወዲ ሰብ ካብ እምኒ ሓዊ ረኺቡ። እምኒ መልኣኽ’ዩ።
“በጃኹም ተራ እምኒ ኣይትረስዑ፡ ተራ እምኒ ዝርሳዕ ኣይኰነን፡ ኣነ’ኳ ተራ እምኒ ከይርስዕ ብእምኒ እምሕል ኣለኹ። ስጋ እምኒ!! ንእምኒ እንተ ረሲዐ ኸኣ እምኒ ይጽቀጠኒ . . .” ምስ በለ ተጋባኢ ብጣቕዒት ሓጐሱን ደገፉን ገለጸ። ድሕሪ’ዚ ናብ ካልእ ስነ-ጽሑፋዊ ኣስተምህሮ ሓለፈ። ብዛዕባቶም ጸረ ሓቂ ጣኦታት ብዕምቆትን ፍልጠትን ንጸሓፍቲ ኣነቓቕሐ።
ደራሲ ወዲ እምኒ ብዘዛኒ መልክዕ ንተራ እምኒ ገሊጹ ናብ ካልእ ፍልስፍና እምኒ ሰጊሩ ሰብን እምንን ማዕረ ምስ ገበረ’ሞ ካብኡ ሓሊፉ ንእምኒ ማዕረ መላእኽቲ ምስ ሰርዖ፡ ካብ ኣዳራሽ ባህታ ዝተፈላለየ ግብረ-መልሲ ተሰምዐ። እቲ ምስትምቓር’ውን ዝያዳ ሓየለ። ሓደ ነዊሕ ቀይሕ ዝመልክዑ መምህር ተንሲኡ፡ ንበየነ ድሕሪ ምምስጋን ብዛዕባ እምኒ ከምዚ በለ፡-
“ካብ ሰማየ ሰማያት እናተወንጨፈ ናብ ጫፋት መሬት ዝወደቐ ጭላፍ ኮኾብ ንዘበናት ተራ እምኒ ተቖጺሩ ነበረ። ንዕኡ ዘለሊ ብሌን ዓይኒ ክሳብ ዘይነቝሐ እምኒ ሩባ ከባጭወሉ ንቡር ይቝጸር። እምኒ ብሰብ ጥራይ ዘይኰነ ሳሕቲ እምኒ ብእምኒ’ውን ይንዓቕ’ዩ። ብባርዕ ሓዊ ተለብሊቡ ምስ ተቓጸለ፡ ጒላን ጒሒላን ሓሙኽሽቲ ዀይኖም ክበኑ እንከለዉ ጭላፍ ኮኾብ ደንጐላ ግን በርቂ ማሕታ ብልጭትኡ ወሊዑ ብልጭኡ ከርኢ ብርሃን ምዃኑ ዘይተርፍ’ዩ። ብርሃን እምኒ’ዩ!!” በለ። ካልእ ኣስተማቓሪ ናይ’ቲ መኣዲ ብዑምርጂ ዝፍለጥ ስነ-ጥበበኛ ተንሲኡ እውን፡-
“ስነ-ጥበበኛ ንሓላፍን ዘላፍን ናይ ህይወት ጨንገርን ጨንፈርን ነቓፍን ኣመዓራራይን፤ ብሜላ ሓባርን ገሳጽን ከምኡ’ውን ኣድናቕን ነዳቕን ጽባቐ ምዃኑ ብእምኒ ኣቢልና ተረዲእና ኣለና። ንወዲ እምኒ ድማ አመስግኖ! ከምዚ ደራሲ በየነ ዝበሎ ንሓቅነትን ጽባቐን እምኒ ክትርዳእ ገላጺ ስነ ጥበበኛ የድሊ፡ ሸክስፒር ኣብታ ማክቤዝ ትብል መጽሓፉ ነተን ኣዋርቕ ዝመስላ ኣዋልድ ‘ደሮና’የን’ ዝበለን ስለ ምንታይ ምዃኑ ሓርቢቱኒ ዝነበረ፡ ሎሚ ሳላ ገላጺ ስነ-ጥበበኛ ወዲ እምኒ ብንጹር በሪሁለይ! ስነ ጥበበኛ መብርሂ’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ’ዩ ኸኣ ብርሃን ዝብሃል። ብዘይ ስነ-ጥበበኛ ናይ ጸሓይ ብርሃን ንበይኑ እንታይ ይዓብስ? ስነ-ጥበበኛ ንእምኒ ጸሚቑ ንልቢ ዘርዊ’ዩ። ልቢ እንተ ዘይረውዩ፡ ማይ ንጐሮሮ ኣየተርክሶን’ዩ፡” ምስ በለ ካልእ ተዓዛቢ ብወገኑ፡-
“ደሮና ብንፋስ ተዘዊሩ ናብ ገጽና ገጹ ክመጽእ እንከሎ፡ ገጽና ንሽፍኖ ኢና። ሰብ እምኒ እንተ ዀይኑ ሓመድ ከኣ ደቂቕ እምኒ እንተ ዀይኑ ደሮና’ውን ሰብ’ዩ። ብኣፍን ኣፍንጫን ኣትዩ ጠንቂ ጸጸር ኲሊትን ነድሪ ሳንቡእን ክኸውን ይኽእል። እዚኦም ከኣ ቀንዲ ቀተልቲ ሰብ’ዮም። ስለዚ ሰብ ናይ ሞቱ ሰበብ ባዕሉ’ዩ ክንብል ንኽእል ኢና!” ምስ በለ፡ ዳርጋ ብምልኡ ኣዳራሽ “ባዕሉ’ዩ! ባዕሉ’ዩ!” ክብል ተሰምዐ። ኣብታ ምሸት ብዙሕ ተባህለ፡ ደቂ ሕድርትና ብወገነን ነቲ ኣጋጣሚ ፈትየን ኣብ ነንሕድሕደን ሕሹኽሹኽ ክብላ ተሰምዓ።
“ንእምኒ ክብሪ ሂቡ ንግስነት ጎቦ ዘረጋግጽ ስነ-ጥበበኛ ካብ ደቂ ሕድርትና ክውለድ ናይ ግድን ኣይኰነን። ንናብራኻ ምጽማቝ ጥራይ’ዩ ዘድሊ። ኣእምሮኻ ምዅሕኳሕ፡ ምጥሓል ከኣ ንውሽጢ። ውሻጠ ውሽጥኻን ውሻጠ እቶም ዓሚቝ ዝውሽጦም ምድህሳስ፤ ትምህርቲ ኮ ውሻጠ ፈላጣት ምድህሳስ’ዩ። ውሽጥኻ ጥርሑ እንተ ጸኒሑ ግን ዋላ ናብ ውሽጥኻ ጥሓል እንታይ ክትረክብ ትኽእል? መጀመርታ ናብ ውሽጥኻ ረዚን እምኒ ሩባ ኣጥሕል፡ ሽዑ ንውሽጥኻ ኣቲኻ ክቡር ኣልማዝ ክትሓፍስ ኢኻ። እምኒ ብብልሓት’ዩ ወርቂ ዝኸውን። ንእምኒ ናብ ሉል ንምቕያር ጥበብ የድሊ። ንግደተ ጥበብ። ውሻጠ ውሽጥኻ መጀመርታ መግቦን ምልኣዮን፡ ድሓር ንገዶ! ተነቚትካ ዑምቈትካ ፈትሽ! ንግደት ውሻጠ ዑምቈቱ በሪኽ’ዩ! ስፍሓት ኣእምሮን ሕልናን ዘይዕቀን ስለ ዝዀነ ንውሽጥኻ ደረት ኣይትግበረሉ። ደረትካ ደረት እምኒ ይኹን። እምኒ ደረት የብሉን። ዘርኢ መርገም ክትለቅም ግዜኻ ካብ ተሕልፎ ንውሽጥኻ ንገዶ’ሞ ኣብኡ ኽረም። ቆፎኻ በርብሮ! ንዂሉ ቅመሶ፡ መዓር እንተ ዘይቅመስ ነይሩ፡ ፎእ ተባሂሉ ምስተፈንፈነ ነይሩ። ቆፎ ውሽጥኻ ብጥበብ ሕለፎ። ዋላኳ መዓር ወለላ እንተ ዘይተረኽቦ ምጸምጸዶ ከይሰኣኖ! ከምቲ መዓር ንኽትረክብ ንህቢ ዘድሊ፡ ንህቢ ንኽትረክብ ከኣ ዕምባባ ትኸል። ንልብኻ ዕምባባ ምልኣዮ፡ ፈታው ዕምባባ ዅን። ዕምባባ’ዩ መዓር፡ ዕምባባ’ዩ ፍረ፡” ምስ በለታ፡ መሓዝኣ ኸኣ ምስኣ መዝሙር ዘመረት።
“ገምገም፡ ገምገም፡ ገምገም ሩባ ሩባ፤ ኣዳኖይ ንዓናይ ወጺኡ ዕምባባ!”
“ሻማ ሻማ ንበል ሻማ ሻማ፤ ጥበብ ብጥበቡ ተሰሊሙ ግርማ!”
“ማይዶ ጸባ ማይዶ ጸባ፤ ንዓይስ’ባ እሕሸኒ ዕምባባ!” እናበላ ተዘናግዓ።
ኣዳራሽ ባህታ ፉሕ ፉሕ ምስ በለ ቆለ ተስፋንኪኤል ተበራበረ። ምኩር ደራሲ ምስ ጀመርቲ ስነ-ጥበበኛታት ሓቢሩ ከውግዕ ምርኣዩ ፍስሃ ተሰምዖ። ቆፎ ሕልንኡ ተተንኪፉ ከም ወናም ሃራም ከበሮ ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ንኽዛረብ ሓይሊ ረኸበ። ሓደ ስነ-ጥበበኛ ንቆልኡ ዘበራብር ስነ-ጥበበኛ እንተ ረኺቡ ዓለሙ ኣብ ኢዱ’ያ። ይሕጐስ፡ ይጸግብ፡ ይረውን ይድሰትን። ተስፋንኪኤል ሓጐሱ ጥርዚ በጽሐ። ከተንፍሶ ኸኣ ደለየ። መተንፈሲ ስነ-ጥበበኛ፡ ስነ-ጥበበኛ’ዩ። ሃንደበት ብድድ በለ። ንደራሲ በየነ እናጠመተ፡
“ሰብ ካብ እምኒ እንተ ተፈጢሩ ደራሲ ኸኣ ካብ ጎቦ ዝተፈጥረ ክኸውን ኣለዎ። ካብ ጎቦ ዝተፈጥረ እምንን ኣብ ታሕቲ ኣብ ጐልጐል ዘራጠጠ እምንን ሓደ ኣይኰኑን። እቲ ካብ ጎቦ ብመደረጋሕ ተነውኒዉ ምስ ኣኻውሕን ዓበይቲ ደናጉላን እናተጋጨወ ብልጭታን ድምጽን እናስምዐ ንታሕቲ ዝወርድ እዩ ሓቀኛ ስነ-ጥበበኛ። ነዚ ሓቀኛ ስነ-ጥበበኛ ዝናፈቐት ልቢ ብምንታይ ከተዕግባ ትኽእል? ኣብ ቅድሚ ጥበብ ኵሉ ኰንቱ’ዩ። ብመቓልሕ ድምጹ ንማዕበል ጽምዋ መዓሙቕ ሰንጢቑ መዝሙር ሓቂ ዘስምዐ እቲ ደንጐላ’ቲ’ዩ እቲ ሓቀኛ ስነ-ጥበበኛ። ኣብ ጎቦታት ተሓቢኡ ዝነብር ደንጐላ።
“እቶም ንዅሉ ገዲፍካ ጥበብ ሃበኒ ኢሎም ዝጽልዩ ብጹኣን’ዮም። ምኽንያቱ ከም ደቂ ሕድርትና ሕቡኣን ግዲ ዀይኖም ብቐሊሉ ኣይርከቡን’ዮም። ንኽፉእ ዘይተቓልዐ ብጹእ’ዩ። ስነ-ጥበበኛታት ሳሕቲ’ዮም ዝበርቁ፤ በርቆም በርቂ ሓቂ’ዩ። ‘ብረቑ ብረቑ ጥበብ ናፊቕና፤ ብረቑ ብረቑ ከም በርቂ ሓጺና’ ዝጋረዶም መጋረጃ ጸልማት ይትኣለ። ጸላም ናብ ብዓቲ ይእቶ፡ ብርሃን ካብ ብዓቲ ይውጻእ! ጀውሃርሃር ዝብሉ ጽሩያት መንፈስ ልዋምን ድቃስን ፍቕርን መዝሙርን ንሳቶም’ዮም። ንዕኦም ዘባርር ተኽልስ ከይቦቖለ ይሕረር። ይበራበሩ እምበር ኣይባረሩ። እቶም ዘርኢ ሰናይ ዘርኦም ይሰስን፡ ፈልሶም ኣይማስን። ‘ሓቅን ጽባቐን ደቆም’የን’ ንዝበለ ኣሜን ንበሎ!” ምስ በለ ዕዱም ብኣዳራሹ ‘ኣሜን’ ክብል ተሰምዐ። ሓደ ካብ ተመሃሮ’ውን ብድድ ኢሉ፡-
“ኣሜን ኢልና ኣለና! እዚ ግን ንዅሉ ብርዒ ዘልዓለ ኣይኰነን! ነቲ ንውጹዕ ዝቃለስ ውጹእ ስነ-ጥበበኛ ጥራይ’ዩ! ነብሱ ጠቢሱ ብሂወት ዝተዋጠረ ፍረ ብስለት! ብመብረድ ተሳሒሉ ብበረድ ዝኸርደደ ካብ መላጸ ወጺኡ በርጊጉ ዘይነፈጸን ዘይቀበጸን ፍጥረት ብመናፍሕ ካብ ዝተባርዐ መጋርያ ጓህሪ ከም ጭፌታ በሊሑ፡ ሓጺን ምስ ሓጺን ኣጋጭዩ ወይ ተጋጭዩ ንዓዘቕቲ ደልሃመት ብወርቂ ሴፍ ቀዚፉ መበሰሪ ብርሃን!” ምስ በለ ኣዳራሽ ሓዊ ሓዊ ጨነወት።
ነገር ስነ ጥበብ ምስ ተባርዐ፡ መንፈስ ስነ-ጥበበኛታት ገንፈለ። ዑንቂ ባሕሪ ክትዛረብ ደለየት። ዘረብኣ ልክዕ ከም ስማ’ዩ፡ ክትርእዮን ክትጭብጦን ባህ ዘብል፡ ንሳ ኸኣ ዝስማዕ ድምጺ ወሰኸትሉ።
“እቶም ብፍርዙን ኣእምሮኦም ዝፋን ኵሉ ዝሰፈሩ ፍረ ዘርኢ ጥበብ’ዮም’ሞ ለውሃት መቐረት ላዝኦም ክብ ይበል። መርወይቲ ዝጸምአ ሃንቃሃንቃ፤ ቀለብ ደለይቲ ጽራይ ጽማቝ ሓቅን ስሓቕን፤ መዐገስቲ ወልፊ ወለላ ዛርያ ጥበብን መንጫዕጫዕታ ፍትሕን ስነ-ጥበበኛታት’ዮም። ዝሳቐዩ ፍጡራት ኣለውዎም። መንፈሳዊ ጸጋ ዝጠመዩ፤ ቀለብ ኣእምሮ ዝጸምኡ፤ ግጥሚ ዝናፍቑ፤ ስሓቕ ዝጽበዩ፤ ዓንኬል ጥርዚ ምልኣት ክርእዩ ኣብ ድርኩዂት ባሕሪ ፍልጠት ኰይኖም ደወል ድምጺ መፍትሕ ጥበብ ዝጸናጸኑ ደቂ ጸሓይን ወርሕን ደቂ ብርሃንን ፍትሕን ኣለዉ። ሃንቀውትኦም ከስምሮ ንዘይተወልዱ ክወልዱ ዘይተፈጥሩ ክፈጥሩ፡ ነቲ ከውሒ ርእሲ ከተርክሱ ሓቂቕ ማይ ሩባ ኣፈልፊሎም ንዝጸምአን ዝጸመዎን ክብርሆን ክርህዎን ኣብ ዱቋ ጽባቐ ኣፍሊሶምን በርቢሮምን ኣብ መሶብ ሓቂ ቀሪቦም ጆባእ ዝብሉ ምስ ጸሓይ በርቂ ክበርቁ’ዮም።
“ብስራት ዓወት ናይ’ዞም ጻድቃናት ምድሪ ከም ብርሃን ጸሓይ ቀደድ ምስ በለ ታሪኽ ዝጸምእ፡ ጽዋ ዝናፍቕ፡ ጽምዋ ዝወረሶ ፍጡር ኣይክህሉን’ዩ። ኵሉ ክዓግብ’ዩ። እቲ ዘይዓግብ ሸውሃት ወዲ ሰብ ከይተረፈ ክዓግብ’ዩ። ዕግበት፡ ጸላም ግብ ምስበለ ብርሃን ኳዕ ምስበለ’ዩ ዝኽሰት! ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ፡ ብርቀተ ዓኾኻይ!” ምስ በለት፡ ኣዳራሽ ሃውሃዋ መሊሱ። ጥበብ ዝነገሰ መሲሉ። ተጻባእቲ ጥበብ’ውን ተኾኒኖም፡ ተስፋንኪኤል ሽግ ሓቂ ዓቲሩ ሆየ ሆየ ክብል ዝተረፎ የብሉን።
“ሽግ ሓቂ ብቡጽእን ንጹህን ኣእዳው ተዓቲሩ ንዓለባ ደልሃመት ብመስታ በርቂ ሰንጢቑ ምስ ተርብዖ፡ መናፍስቲ ሕሶት ፍሕሶ ገመዶም ምስ ተበትከ ኣብ ሸውዓተ መዓሙቕ ጸላም ሰጢሞም ንስሓ ኣውያቶም ከቃልሑ’ዮም። መጻወድያ እከይ ተበቲኹ ሓጹር ሰሪኣን ምስ ተሰግረ እኩብ ፍሹል ሕሉፍ ጐሓፍ ብዳሜራን ነበልባል ሓቅን ተቓጺሉ ክህሞኽ’ዩ! ሓቅን ጽባቐን ኮኽድዱ፡ ገዓትቲ ግዕዘይን ዓገትቲ ጉልሕን ከኣ ክቐዙን ክፈዙን ክንርኢ ኢና፡” እቲ ወትሩ ጥበብ ዘይፍለዮ ኣዳራሽ ክስሕቕ ደለየ። ደቁ ረኺቡ። ደቁ ሓቝፉ። ካብ ደቅኻ ምሕቋፍ ንላዕሊ ዘሐጕስ እንታይ ኮን ይህሉ? ውዕሎ ምስ በየነ ተዛዘመ።
መወከሲ፡ መጽሓፍ ኔው ነጀው