1 |
ዝሕታለን ነውጽን ኣብ ፍቕራዊ ዝምድና
ዝምድና፡ ሓደ ካብ ብዙሓት ኣዕኑድ ህይወት ኮይኑ፡ ደቂ-ሰብ ብኡ ኣቢሎም፡ ጣዕምን መቐረትን ህይወት ከስተማቕሩን ጥዕና ኣእምሮኦም ክሕልዉን የኽእሎም። ገለ ካብ ኣገደስቲ ዝምድናታት ኣብ ህይወት፡ ዝምድና መጻምዲ፡ ዝምድና ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ-ቤት፡ ከምኡ’ውን ዝምድና ምስ ቅርበት ዘለዎም ኣዕሩኽን መሓዙትን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ዕምቖትን ስጥመትን ዘለዎ ዝምድና፡ ብሓጎስን ደስታን ኣእምሮ የዛኒ። ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ብሰንኪ ነንበይኖም ምኽንያታት ኣብ መንጎ ሰባት ዝኽሰት ጭንቀት፡ የፍኩስን ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ምውናን ዓቢ ተራ ይጻወትን።
ብኣንጻር’ዚ ዝተጠቐሰ ድማ፡ ዕምቈትን ስጥመትን ዘይብሉ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ብሕልኽላኽን ዘይግሉጽነትን ዝተሸበጠ ዘይቅርዑው እንተ ኾይኑ፡ ብሃንደበት ይኹን ዘገምታ፡ ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ይኽእል። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ጓህን ሓዘንን ዝመለለይኡ፡ ብምፍልላይ ዝፍጸም ይኸውን ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ብሓደ ወገን ውሁድ ዝምድና ንምሕያል፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ንምህናጽ ኮነ ምጽጋን ዝምድና፡ ዝግበር ሓገዝ ንዕብየትን ቅሳነትን ጥዕና ኣእምሮ ኣገዳሲ’ዩ።
ዝምድና፡ ከም ኣምር ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ’ኳ እንተ ኾነ፡ ንሎሚ ዝምድና ኣብ መንጎ መንእሰያት ሰብ-ሓዳር ወይ ፍቝራት ኢና ክንትንትን። ብዙሕ ግዜ፡ ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ሰብ-ሓዳር፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት ተጻመድቲ፡ ኣብ ሓጺር ናይ ሓዳሮም ዕድመ፡ ዘይሕጉስን ዘይርጉእን ህይወት ከሕልፉ ይረኣዩ። ጠንቁ ብዘይ ነጸረ ምኽንያት፡ ዝምድናኦም ኣብ ቅልውላው ክኣቱ ይኽእል። ዋላ’ኳ እቶም ጠንቅታት፡ ኣብ ፈለማ ብንጹር ከለልይዎምን ከስተውዕሉሎምን ዘይክእሉ እንተ ኾኑ፡ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ መንእሰያት ሰብ-ሓዳር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዕንቅፋታት ተመሳሰልቲ’ዮም። እቲ መሰረታዊ ሽግር፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ክዉንነት ከምኡ’ውን ድሕረ-ምቛም ሓዳር፡ ዋሕዲ ብቑዕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምድላዋትን’ዮም። እቶም ቀንዲ፡ ጠንቂ ዕንወት ፍቕራዊ ዝምድና እዞም ዝስዕቡ’ዮም፦
1 |
1.ዓበይቲ ፍጻመታት ህይወት
ድሕሪ ምቛም ሓዳር፡ ብዙሓት ዓበይቲ ፍጻመታት ህይወት’ኳ እንተ’ለዉ፡ ብዘለዎም ርዝነት ደረጃታቶም ኣብ ድሕረ-ምምስራት ሓዳር ዝውስኽን፡ ንቀጻልነት ምቅርራብ ተጻመድቲ ኣቃሊልካ ዘይረአ ጽልዋ ስለ ዘለዎም፡ ንዕብየትን ቀጻልነትን ዝምድና ተጻመድቲ ዘይከሓድ ተራ ኣለዎም። ምውላድ ቈልዓን መስርሕ ኣተዓባብይኡን፡ ኩነታት ስራሕ ማለት ምስንኻልን ስእነትን ስራሕን፡ ከም ቀንዲ ዓበይቲ ፍጻመታት ህይወት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ንኣብነት፡ ንምውላድ ቈልዓን ኣተዓባብይኡን እንተ ርኢና ኣብ ቅርበትን ዕምቆትን ፍቕሪ ተጻመድቲ፡ ብኣሉታ ክጸሉ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ። ቈልዓ ምስ ዝወለድ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ኣተዓባብይኡ ዘሎ ሃለኽለኽ፡ ንፍቑራት ዝነበሮም ሓድ-ሕዳዊ ኩለንትናዊ ፍቕሪ ክንክየሎም ይኽእል። ከም’ቲ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ፍቕራዊ ጉዕዞኦም፡ ዘታተይዎ መባእታዊ ሓዳር፡ ቀጻሊ ሓደ ነቲ ካልእ ዝህቦ ግዜ ክጎድል ወይ’ውን ክዝሕትል ይኽእል። እቲ ኣቐዲሞም ዘስተማቐርዎ ክልተኣዊ ፍቕራዊ ስምዒት፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ለጠቕ ይብል። ሽዑ፡ ኣብ ክንዲ ሽግራት ንምፍታሕ ምብህሃል ዝገብሩ፡ ንሓድ-ሕዶም ኣብ ምውንጃል ከምኡ’ውን ተገዳስነት ምጉዳል የርእዩ። ብድሕር’ዚ ድማ ብዘገምታ እናዓበየ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ይድይብ’ሞ፡ ዝምድና ተጻመድቲ ይበትኽ። እዚ ማለት ግን፡ ምውላድ ቈልዓ ጠንቂ ዘይምስምማዕ ይኸውን ማለት ከም ዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። እኳ ደኣ እቶም ተዳልዮምሉ ዝጸንሑ ወይ’ውን ነቲ ጉዳያት ብምብህሃልን ተገዳስነትን ዝኣለይዎን፡ ቈልዓ ምውላድ ድርዒ ፍቕሮም ብምዃን፡ ምዉቕ ስድራ-ቤት ክውንኑ ይሕግዞም።
ብዘይካ’ዚ ዝረአ ምጉዳል ሓድ-ሕዳዊ ተገዳስነት፡ ኵነታት ስራሕ’ውን ብሜላ እንተ ዘይተታሒዙ ስምብራቱ ቀሊል ኣይኮነን። ስእነት ስራሕ ወይ’ውን ትሑት ደረጃ ስራሕ ምህላዉ፡ ጠንቂ ጸቕጥን ጭንቀትን ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ሓሊፉ’ውን፡ ኣብ መንጎ’ቲ ግዳይን መጻምድቱን ምሕርፋፍ ዝምድና ከስዕብ ይኽእል።
1 |
2.ኣብ ጾታዊ ዝምድና ዘይምዕጋብ
ኣብ ጾታዊ ዝምድና ዘይምዕጋብ፡ ሓደ ካብ ተኣፈፍቲ ሸነኻት፡ ፍቕራዊ ህይወት ተጻመድቲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ጉዳይ ይትረፍዶ ዓው ኢልካ ክትዛረበሉ፡ ኣብ መንጎ’ቶም ክልተ ተጻመድቲ ዝተርፍ ምስጢር’ውን እንተኾነ፡ ብግሁድ ምዕላል ልሙድ ኣይኮነን። ናይ ሓቀኛን ነባርን ፍቕሪ መሰረት፡ እቲ ዝምስረት ሓዳር ኣብ ኩሉ መዳያቱ፡ ናይ ተጻመድቲ ግሉጽነትን ኢሂን-ምሂን ምብህሃልን ክህልዎ ምስ ዝኽእል’ዩ። ፍቑራት ነዚ ዛዕባ ተኣፋፊ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ብተፈጥሮ ንዝተመጠወሎም ህያብ፡ ብዘይ ነብሰ-ፍትወት ባህታ ብዝፈጥር ምንቕቓሕን ምዕጋብን ስምዒት፡ ንኽልቴኦም ብዝጥዕም ኣገባብን ምቹእ እዋንን ተጠቒሞም፡ ጾታዊ ባህግታቶም ብሓባርን ሓድ-ሕዳዊ ምትሕልላውን ስምዒቶም ከርውዩ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ጾታዊ ርክብ ብዘይካ ምቕጻል ዘርኢ ወይ ምርዋይ ባህጊ፡ ኪንዮኡ ዝኸይድ ባይታ ጥምረትን ሕድገትን ብምፍጣር፡ ኩራ’ውን የህድም’ዩ።
ይኹን ደኣ’ምበር፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ንዓይ ይጥዓመኒ ብዝብል ኣመለኻኽታ፡ ውልቃዊ ርውየትካ ጥራይ ምስ እተቐድም ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ኣብ ምንቕቓሕ ኮነ ምብጻሕ ጥርዘ-ስምዒት፡ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ምልዕዓልን ምንቕቓሕን ጾታዊ ስምዒት ቅልጡፋት’ዮም። ደቂ-ኣንስትዮ ድማ በንጻሩ ጾታዊ ስምዒተን ክሳብ ዝነቓቓሕ ይድንጉያ። ነዚ ካብ ዘይምርዳእ፡ ሓድ-ሕዳዊ ምትሕልላው ብዘይብሉ፡ ሓባራውን ዘገምታውን ምንቅስቓስን ምስ ዘይውሰድ፡ እቲ ርክብ ብናይ ሓደ ወገን ዘይምዕጋብ ይዛዘም።
ከም ውጽኢቱ ድማ ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ነቲ ዘይዕግበቶም ብካልእ መገዲ ክገልጽዎ ይፍትኑ። ንኣብነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይዚ ግዳይ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ዓዉ ኢለን ክዛረባ’ውን ስክፍታ ስለ ዝስምዐን፡ ዝተፈላለየ ዘይሕጉስ መንፈስ የንጸባርቓ’ሞ፡ ኣብ ቀጻሊ ገርጨውጨውን ዘይምስምማዕን ይኣትዋ። ነቲ ጠንቂ ብቐሊሉ ከተለልዮ ኣጸጋሚ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ብፍላይ ኣብ ዘይማዕበሉ ሕብረተ-ሰባት፡ ብሰንኪ ድሑር ኣመለካኽታ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ገዛ ዓቐኑ ብዝሓለፎ ሃለኽለኽ ተጸሚደን ይውዕላ። ኣማስያኡ ብድኻም ስለዝስነፋ፡ ናይ ስጋዊ ርክብ ሸውሃተን ይደክም። ኣብ ከምዚ ኩነት ደቂ-ተባዕትዮ፡ ኣብ ዕጹው ሸውሃት ስጋዊ ርክብ ንስምዒተን ከይተረድኡ፡ ዊንታኦም ከርውዩ ዝፍትኑ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ እዚ ዛዕባ ተኣፋፊ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንዝምድና ከሐርፍፎን ከዛሕትሎን ስለ ዝኽእል ክሕሰበሉ፡ ከምኡ’ውን ተላዚብካ መፍትሒ ክናደየሉን ይግባእ።
1 |
- ፋይናንስያዊ ጸገማት
ፋይናንስያዊ ጸገማት፡ ድሒሩ ዝኽሰት ተርእዮ’ዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ሓደስቲ ብርኪ ዝወጹ ሰብ-ሓዳር፡ እናሰደሩ ከምኡ’ውን ናብራኦም እናገፍሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከጋጥም ይኽእል። እዚ ፋይናንስያዊ ጸገማት፡ ብኽልተ መገዲ ክግለጽ ይከኣል። እቲ ቀዳማይ ኣብ ብዙሓት ሓደስቲ ሰብ-ሓዳር ዘጋጥም ኮይኑ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ወይ ትሑት ኣታዊ፡ እታ ስድራ-ቤት ድሌታን ዊንታኣን ካብ ምግባር ትዕንቀጽ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ዝምነይዎን ክገብርዎ ዝብህጉ፡ ካብ ምፍጻም ስለ ዝኽልክሎም ውሽጣውን መንፈሳውን ዘይዕግበት ይፈጥረሎም። ከም ውጽኢቱ፡ ብዝጠቅምን ዘይጠቅምን ነገራት ገርጨውጨው እናበሉ፡ ምስምማዕ ክሳብ ዝስእኑ ይኾኑ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ንሱ ብዘስዕቦ ጸቕጥን ምንዋጽ ኣእምሮን፡ ገለ ስድራ-ቤታት ዋላ’ኳ ቁጠባዊ ጸገም ኣይሃልወን፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ርድኢትን ኣመለኻኽታን ኣብ ፋይናንስያዊ ምሕደራ፡ ብዘይ ስምምዕ ዝግበር ወጻኢታት፡ ገንዘብ ብምህላኽ’ውን ተጻመድቲ ኣብ ቀጻሊ መረረን ምግርጫውን ክኣትዉ ይኽእሉ።
1 |
- ጎነጽ
ብልሙድ ኣበሃህላ፡ ጎነጽ ዘሰነዮን ዝኸበቦን ሓዳር ምስ ዝኸውን፡ “ሓዳር ዶ ሕዳር?” ተባሂሉ’ውን ይግለጽ’ዩ። ጎነጽ ኣብ ዝመለለይኡ ሓዳር፡ ምብህሃል የለን። ምብህሃል እንተ ዘየለ ድማ ምርድዳእ’ውን ኣይህሉን። ብሰንክ’ዚ ድማ፡ ፍቕራዊ ስምዒት ይዝሕትል። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ጎነጽ ናይ ዝመለለይኡ ሓዳር፡ ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ’ኳ እንተኾና፡ በቲ ቀጻሊ ዝናኸስን ዝጉህርን ሓዊ፡ እቶም ዝውለዱ ቈልዑ’ውን ብስክፍታን ሕማቕ ኣብነትን እናተለበለቡ ይዓብዩ። ብዘይካ’ቲ ጎነጽ ዘኸትሎ ኣካላዊ መጉዳእትን በሰላን፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮ እቶም ግዳያት ዝምዕብል ኣሉታዊ ሳዕቤን፡ ንቐጻልነት ዝምድና ተጻመድትን ደቆምን ዝበኣሰ ይገብሮ። ምኽንያቱ፡ “ኣነ ቅኑዕ’የ።” ምባል እንተዘይኮይኑ፡ ሓድ-ሕዳዊ ምብህሃል ስለዘየለ።
ብዘይካ’ዚ፡ ብምግንፋል ሕርቃንን ነድርን ዝብገስ ጎነጽ፡ ብሰንኪ ነብሰ-ፍትወት ዝዓብለሎ፡ ድኹም ሕልና ዘሰላሰሎ ክቱር ናይ ስጋዊ-ርክብ ህርፋን፡ ዝግበር ጎነጽ እዩ። እዚ ማለት፡ በዓልቲ ቤትካ ቅርብቲ ኣብ ዘይኮነትሉ እዋን፡ ንጾታዊ ርክብ ምስግዳድን ንድሌታ ዘይምርዳእን’ዩ። እዚ ድማ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ርዝነት ናይ’ቲ ተግባር ዝምርኮስ እንተ ኾነ፡ ንዝምድና ክበትኮ’ውን ስለዝኽእል፡ ኣቐዲምካ ብምስትውዓል ክረአ ተመራጺ’ዩ።
1 |
5.ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝምድና
ቃል-ኪዳን ወይ መርዓ፡ ምልክት ምትእስሳር እምነት ናይ ክልተ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ዝምድና ወይ ፍቕሪ’ዩ። ስለዚ፡ ብዝኣተኻዮ ውዕል ቃል-ኪዳን መሰረት፡ ምስ መጻምድኻ ብእምነት ተጣሚርካ፡ ንምሉእ ህይወትካ ከተሕልፎ፡ ኣብ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ እዋናት፡ ተኻፋሊ ብምዃን ጸኒዕካ ክትነብር ዘገድድ ተግባር፡ ትርጉም ሓቀኛ ፍቕሪ ኢልና ክንሰምዮ ንኽእል። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብሓደ ወገን ናይ’ቶም ተጻመድቲ፡ እንተ ብዕላማ ወይ’ውን ብሸለልትነት፡ ካብ ኪዳኑ ወጻኢ ዝኾነ ኣዝዩ ቅርበት ዘለዎ ተራ ዝምድና ወይ ድማ ግሁድ ዝሙት ምስ ዝፍጽም፡ እቲ ንዕምሪ ምሉእ ኣልፋን-ኦሜጋን ዝተባህለ ፍቕሪ፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል። ምኽንያቱ፡ ዝሙት ኮነ ኣብ ልዕሊ ሓዳርካ ዝፍጸም ድርብ ዝምድና፡ ብሃይማኖት ኮነ ባህሊ ዋላ’ውን ብሕጊ ኣነዋርን ውጉዝን ስለዝኾነ’ዩ። እዚ ኣነዋርን ካብ ስነ-ምግባር ወጻእን ተግባር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንሰብ-ሓዳር ዘጋጥም ዋላ’ኳ እንተኾነ፡ ብሜላ ኢሂን-ምሂን ብምብህሃል፡ ንጌጋኻ ተኣሚንካ ልባዊ ይቕሬታ ምሕታት ምስ ዘይህሉ፡ ረዚን ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል። ምኽንያቱ፡ እምነት ኣብ ዝጎደሎ ዝምድና ፍቕሪ’ውን ይዝሕትል’ዩ። ቅልጡፍን ጥንቁቕን ኣተሓሕዛ ምስ ዘይግበረሉ ድማ፡ ንሓዋሩ ይዓኑ።
1 |
- ሕማም
ኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማማት፡ ኣብ ሓደ ወገን ናይ ተጻመድቲ ቀጻሊ ወይ’ውን ንነዊሕ እዋን ብተደጋጋሚ ምስ ዘጋጥም፡ ምሕርፋፍ ዝምድና ከስዕብ ይኽእል። ምኽንያቱ፡ ቀጻሊ ምእላይን ምክትታልን ሕሙም፡ ነቲ ካልኣይ ኣካል ከድክሞን ከሰልችዎን፡ ጸኒሑ’ውን ምስ ገዛእ-ርእሱ ከም ዘማርር ክገብሮ ይኽእል። ዋላ’ኳ ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ሽግር ልሙድ እንተዘይኮነ፡ እቶም ውሑዳት ከምዚ ዘጋጥሞም ግን ንትርጉም ቃል-ኪዳኖም ክግዝኡ ይግባእ። ምናልባት ከምዚ ዓይነት ጸገም፡ ኣብቶም ብውልቃውነት ዝተዓበለሉ ሕብረተ-ሰባት ዝረአ’ኳ እንተ ኾነ፡ ብሰንኪ ግሎባላውነት ዘምጸኦ ጽልዋ፡ ኣባና’ውን ከይተረፈ ብትሑት ደረጃ ይረአ ብምህላዉ፡ ክንጥንቀቐሉ ይግባእ።
1 |
- መስተን ካልእ ወልፍታትን
መስተን ካልኦት ኣወለፍቲ ነገራትን፡ ብንጹርን መገዲ ካብ’ቶም ንዝምድና ፍቑራት ሰብ-ሓዳር ዘላሕልሕ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሓቂ’ዩ። ዋላ’ኳ ኩሎም ግዳያት ናይ’ዚ ወልፊ፡ ኣብ ጎነጽ ይኣምኑ’ዮም እንተ ዘይተባህሉ፡ ብሰንክ’ዚ ኣወላፊ ባእታ ዘልብሶም ባህርያት፡ እቲ ኣብ መንጎ ፍቑራት ክህሉ ዝግባእ ምቅርራብ የዋስንዎ’ዮም። ንኣብነት ምስ ናይ ሃገርና ኩነታት ብምስናይ፡ ‘መስተ’ ከም ሓደ ግኑን ወልፊ ክጥቀስ ይከኣል። ብሰንኪ ዓቐኑ ዝሓለፈ መስተ ምስታይ፡ ኣብ ዝምድና ሰብ ሓዳር ክህሉ ዝግባእ ኩለንትናዊ ፍቕሪ ክብረዝ ይኽእል። ምኽንያቱ፡ ሓደ ቀጻሊ ብመስተ ተሰኒፉ ዝኣቱ ሰብ፡ ኣብ ዕብየት እታ ስድራ ተራኡ ኣየበርክትን’ዩ። ግዜኡ ክሰቲ ስለዘሕልፎ ንገዝኡ ኣምስዩ ይኣቱ። ንኣባላት ስድራ-ቤቱ ኮነ በዓልቲ ቤቱ እኹል ዝኾነ፡ ኩለንትናዊ ፍቕሪ ክልግስ ኣይክእልን። እቶም ዝወልዶም ቆልዑ እንተ ኾነ እውን፡ እኹል ናይ ኣቦ ምእላይ ስለ ዘይረኽቡ ስምዒቶም ይጉድኡ።
ብዘይካ’ዚ ዝተጠቐሰ መስተ፡ ካልኦት ወልፍታት እውን ብገንዘብ ተሸሚቶም ስለ ዝመጽኡ፡ ዓቢ ቁጠባዊ ዕንወት ከውርዱ ይኽእሉ። ስለዚ፡ መስተ ኮነ ካልኦት ኣወለፍቲ ነገራት፡ ኣዕነውቲ ዝምድና ክሳብ ዝኾኑ ኣብ ምውጋዶም ክንዓዪ ይግባእ።
1 |
- ተራ ተጻመድቲ፡ ኣብ ምጽጋን ዝምድና
ዝሕታለን ነውጽን ፍቕራዊ ዝምድና፡ ብዘይ ዝኾነ መበገሲ ክመጽእ ከም ዘይክእል፡ ካብ’ዚ ዝተጠቐሰ ጠንቅታት ክንርድኦ ይከኣል’ዩ። እዚ ማለት ግን፡ ኩሎም ዝጠቐስናዮም ጠንቅታት፡ ኣብ ሓደ እዋን’ዮም ዘጋጥሙ ንምባል ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ድምር ናይ’ዞም ኩሎም ጠንቅታት ዝፈጥሮ ሳዕቤን፡ ንሓዳር ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ከቐጸሎ ኣይክእልን። እትረፍ ኩሎም፡ ሓደ ካብ’ዞም ዝጠቐስናዮም ኣብ ምልሕላሕን ምብታኽን ዝምድና፡ ዓቢ ረቛሒ ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ። ስለዚ፡ ሰብ ሓዳር ከስተውዕልሉ ዝግባእ፡ ኩሎም እዞም ዝጠቐስናዮም ሽግራት፡ ኣብ ሓዳሮም ብሓንሳብ ከጋጥሙ ክጽበዩ ኣይግባእን። ሓደ ካብ’ዞም ዝጠቐስናዮም፡ ንምሕርፋፍ ዝምድና እኹል ምዃኑ ተረዲኦም፡ ጠንቂ ዘይምስምማዖም ሃሰው ክብሉ ይግባእ። ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ብሰንኪ ሓደ ወይ’ውን ካብኡ ንላዕሊ ብንጹር ዘይተገንዘብዎን ዘየስተውዓሉሉን ሽግር፡ ሓዳሮም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ። እንተ ኾነ ግን፡ ብስንባደ ወይ ቅብጸት ሕልናኦም ከዕርቡ ኣይግባእን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓዳር ዘይምስምማዕን ግርጭትን ከጋጥም ባህርያዊ’ዩ። ነዚ ብምግንዛብ፡ ጠንቁን መፍትሒኡን ንምንዳይ፡ ዳግማይ ዝምድናኦም ኣብ ምህናጽ ኣተኲሮም ምስ ዝሰርሑ ክዕወቱ ይኽእሉ። ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ እዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ብምኽታል፡ ሽግሮም ከለልዩን ንዝተሰበረ ዝምድና ክጽግኑ ይኽእሉ።
2 |
- ምልላይ ጸገም
ኣብ መንጎ ሰብ-ሓዳር፡ ጠንቁ ብዘይ ተፈልጠ ምኽንያት፡ ዘይምስምማዕን ገርጨውጨውን ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ምፍልላይ ከጋጥም ይኽእል። ምናልባት፡ ምስ’ቲ ቅድመ-ምቛም ሓዳር ዋላ’ውን ብድሕሪኡ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ምቁርን ዘይምኖ ዝምድናን ብምንጽጻር፡ በቲ ድሒሩ ዝተኸስተ ዘይምቅዳው ዓቕሎም ከጽብቡን ሓጺር ክሓስቡን ኣይግባእን። ምኽንያቱ፡ ዝኾነ ይኹን ዝመጽእ ሳዕቤን ወይ ኣጋጣሚ ናቱ ጠንቂ ከም ዘለዎ ተገንዚቦም ንምልላዩ ክጽዕሩ ይግባእ። ኣብ መዓልታዊ ህይወት ናይ ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደ ዝኸይድ ዘይምስምማዕን ዘይምውህሃድን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ጠንቂ ሽግሮም ንምልላይ ብሓባር ኮፍ ኢሎም፡ ብናጻን ካብ ስምዒት ወጻኢ፡ ጠንቂ ዘይምስምማዖም ኮይኑ ዘሎ ነገር ንኽፈልጡ ሃሰው ክብሉ ይግባእ። ፍቑራት፡ ንብሕቶም ብርጉእ መንፈስ ኣብ ዝረዳድኡሉ እዋን፡ ምትህልላኽ ኮነ ንግብረ-መልሲ ተቐሪብካ ናይ ምጽናሕ ባህሪ ከርእዩ ኣይግባእን። ህድኣት ብዝዓሰሎ መንፈስ እናተወሓሓጡ፡ ነቲ ብኽልቴኦም ዝፈስስ ርእይቶ ብእወንታዊ ኣተሓሳስባን ከምኡ’ውን ምግራጭ ከየርኣዩ ክላዘቡ እንኮ ተመራጺ መገዲ እዩ። ምኽንያቱ፡ በዚ መገዲ ስምዒቶም ተቖጻጺሮም ክትዕ ኣወጊዶም፡ ምብህሃል ኣዘውቲሮም፡ ሽግራቶም ክፈትሑ ይሕግዞም። ከምዚ ዓይነት ኣገባብ ተኸቲሎም፡ ብወለንታን ሰናይ ድልየትን ንብሕቶም ክረዳድኡ ስጉምቲ ምውሳዶም ጥራይ፡ ኣብ ምህናጽ እተሰበረ ዝምድና፡ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት እዩ።
2 |
- ምንዳፍ ኣፋዊ-ሕግታት
ምንዳፍ ወይ ምቛም ኣፋዊ-ሕግታት፡ ከም ሓደ ቀይዲ መግበሪ ገይርና፡ ብኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ክንርደኦ ኣይግባእን። ፍቑራት ሰብ-ሓዳር ሽግራቶም ምስ ኣለለዩ፡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ናይ ሓዳር ቅዋም ዝመስል ኣገባብ ኮይኑ፡ ንኻልኣይ ግዜ ከይጋገዩ የዘኻኽሮም። ፍቑራት ድሕሪ ዝገብርዎ ምብህሃል፡ ሽግራቶም ምስ ኣለለዩ፡ ንኣብነት፦ ሰብኣይ ቀጻሊ መስተ ናይ ምስታይን ምምሳይን ጸገም ነይርዎ ንበል፡ በዓልቲ-ቤቱ ድማ ኣምሳያ ናይ’ዚ ተገሪጫ እትምልሰሉን ኣተኻ-ወጻእካ ምባል እተብዝሓሉን ነይራ ንበል። እዚ ድማ ናብ ቀጻሊ ዘይምቅዳው የምርሖም ነይሩ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ጸገም እዚ እንተ ነይሩ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ንድፈ-ሕጊ ክሰማምዑ ይኽእሉ። ብወገን እቲ ሰብኣይ ኣምሲኻ ምእታው፡ ቀጻሊ መስተ ምስታይ ከቋርጽ ወይ ክንክየሉ፡ ብወገን በዓልቲ ቤቱ ድማ ምጭቕጫቕ ክተቋርጾ ዝብል ሕጊ ብምንዳፍ፡ ካብ ጌጋታቶም ርሒቖም ሓድሽ ባህሪ ክሃንጹ ይሕግዞም። እዚ ግን ኣብ ሕልናኦም ከርዕምዎ ደኣ’ምበር፡ ብጽሑፍ ሒዞም ይጸባጸቡ ማለት ኣይኮነን።
2 |
- ኢሂን-ምሂን ምብህሃል
እዚ’ውን ሓደ ካብ’ዞም ኣገባባት ኮይኑ፡ ኣብ ምሕያልን ምህናጽን ዝምድና ፍቑራት ሰብ-ሓዳር ሓድ-ሕዳዊ ዝርርብ ምግባር፡ ኣብ ሓዳሮም ንዘጋጥም ሽግራትን ጸገማትን ክኣልዩን ዝምድናኦም ድማ ከዕርዩን ይሕግዞም። ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ዝተወሰነ ግዜ ብምምዳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተ ተኻኢሉ ቀጻሊ ዝኾነ ሓባራዊ ዕላል ናይ ሓዳሮም ኣጋጣሚታት ምስራዕ፡ ቅርበት፡ ስጥመት፡ ፍትወት፡ እምነት ሓድሕዶም ከዛይዱን ከምኡ’ውን መፍትሒ ሽግራቶም ዝኾኑ፡ ሃነጽቲ ሓሳባት ኣብ ምምዕባል ይጠቕሞም፡፡ ኢሂን-ምሂን ምብህሃል፡ ፍቑራት ሰብ-ሓዳር ኣብ ግዜ ምዝሕታል ዝምድናኦም ጥራይ ከማዕብልዎ ዘይኮነ’ስ ዋላ’ውን ዝምድናኦም ኣብ ንቡር ኩነታት እንተ’ሎ፡ ከም ሓደ ክፋል ንጥፈታት ናይ ሓዳሮም ክወስድዎ ይግባእ። ካብቶም ኣገደስቲ ኣገባባት ምብህሃል ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ኣብ ምምሕያሽን ምዕባይን ዝምድና እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይኽእሉ።
2 |
- ሀ. መዓልታዊ ዝርርብ
መዓልታዊ ካብ 20 ክሳብ 30 ደቓይቕ፡ ናይ ምብህሃል እዋን ከሕልፉ ይግባእ። እዚ ብዛዕባ ኩለንትናዊ ሓዳሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብኡ ውጽእ ኢሎም፡ ነቲ ኣብ’ታ መዓልቲ ዘሕልፍዎ ዘሐጉስ ኮነ ዘሐዝን ወይ ዘስሕቕ ፍጻሜታት፡ ኣብ ነሓድ-ሕዶም ብምክፋል ክዛነዩ ይግባእ። ልክዕ ከምቲ ምስ ተራ ዓርከ-መሓዛ ዝዕለል፡ ዕለታዊ ፍጻመታት ይኹን ካልእ መሰጥቲ ጉዳያት እናልዓሉ ከዕልሉ የድሊ። እዚ ምግባሮም ድማ ከም ነዳዲ ኮይኑ ንፍቕሮም ከቐጽሎ ይኽእል።
2 |
- ለ. ምክፍፋል ንጥፈታት
ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ በብወገኖም ዘበርክትዎ ንጥፈታት’ኳ እንተ’ሎ፡ ምክፍፋል ንጥፈታት’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ባህላዊ ኩነታትና፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ፡ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ኣብ ናይ ግዳማዊ ዕዮ ጽሙዳት ዝገብር ኮይኑ’ኳ እንተ ጸንሐ፡ ምስ ምርግጋጽ መሰላትን ማዕርነትን ተሳንዩ ዝመጸ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ካብ ገዛ ወጺአን ዕለታዊ ንጥፈታት ከካይዳ ልሙድ ካብ ዝኸውን ውሑድ ኣየቑጸረን። ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ናይ ግዳም ዕዮ ክዋፈራ ብምብቅዐን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምሕያልን ዕብየትን ሓንቲ ስድራ፡ ምክፍፋልን ምልውዋጥን ንጥፈታት ክግበር ኣገዳሲ’ዩ። ንኣብነት፡ እታ ጓል-ኣንስተይቲ ብኽቱር ዕዮ ኣብ ገዛ ተወጢጣ ከላ፡ እቲ ወዲ-ተባዕታይ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣብ ክንዲ ምዕዛብ፡ ብውሑዱ ቆልዓ እንተ ኣዘናገዐ ተመራጺ’ዩ። ብዙሓት ሊቃውንቲ ስነ-ልቦና ከም ዝሕብርዎ፡ ምክፍፋል ዕዮ ኣብ ምህናጽ ስምዒታዊ ጥምረትን ውህደትን ተጻመድቲ፡ ዓቢ ተራ’ዩ ዝጻወት።
2 |
- ሐ. ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚታት ምፍጣር
ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ካብቲ መዓልታዊ ህይወትን ሃለኽለኽ ዝበዘሖ ናብራ ወጺኦም፡ ንኣእምሮኦም ከሐድሱን ከዘናግዑን፡ ንዝምድናኦም ድማ ዘትርር ፍሉይ ኣጋጣሚታት ብምስራዕ፡ ምንጪ ሓጎስን ባህታን ክፈጥሩ ይግባእ። ህይወት፡ ዝያዳ ብለውጢ ክትዓግብ ናይ ምድላይ ባህጊ ስለ ዘለዋ፡ ካብቲ ንቡር ዕለታዊ ህይወት ዝተፈልየ ናይ ምዝናይን ምዝንጋዕን ኣጋጣሚታት ብምፍጣር፡ መቐረታ ከስተማቕሩ ምፍታን፡ ካብ ምስልቻው ከናግፎም ይኽእል። እዚ ድማ ፍቑራት ሰብ-ሓዳር፡ ርሱን ሓድ-ሕዳዊ ውሽጣዊ ባህጊ ከም ዝሓድሮም ይገብር።
ኣብ መወዳእታ፡ ተጻመድቲ ብዝኸተልዎ ኣገባባት ምብህሃልን ብሓባር ናይ ምዝናይ እዋናቶምን፡ ክፉትን ልዑልን ሓድ-ሕዳዊ እምነትን ስለ ዘማዕብሉ፡ ነቲ ተኣፋፊ ዝበሃል ጾታዊ ዝምድና’ኳ ከይተረፈ ብዘገምታ ክዛራረቡሉ ይኽእሉ። ሕቶ ጾታዊ ርክብ፡ ብነጻን ብዘይ ስክፍታን ክዝተየሉ’ውን ትብዓት ይረኽቡ። ከም ውጽኢቱ ድማ ጣዕመ ፍሪኡ ከስተማቕሩ ይኽእሉ።
ሮቤል ምሕረትኣብ
መወከሲ፥ ካብ መጽሓፍ “when there is no psychiatrist ብቬክራም ፓተል