ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመ ‘ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ’ (IPCC)፡ መራሕቲ መንግስታት ዓለም፡ ግሎባዊ ሙቐት ዝቕንሰሉ ኩነታት ንምፍጣር ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምቲ ክወስዱ ደጋጊሙን ኣትሪሩን ካብ ምምሕጻን ዓዲ ኣይወዓለን። ክሊማዊ ለውጢ ንምግታእ ዝካየድ ቃልስን መብጽዓታትን ብግብሪ እንተ ዘይተሰንዩ፡ ክሳብ 2050 ኣብ ዘሎ ርብዒ ዘመን፡ መጠን ዓለማዊ ሙቐት፡ ንቐጻልነት ህይወታውያን ኣብዛ ፕላኔት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ከብጽሖ ምዃኑ’ዩ እቲ ትካል ዝገልጽ።
ብኣገላልጻ ክኢላታት ‘ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ’ (IPCC) ኣብ ገለ ከባቢታት ዓለምና፡ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣዕናዊ ውሕጅን ዕልቕልቕን፡ ህቦብላን ማዕበልን፣ ኣብ ካልእ ከባቢታት ድማ ሓያል ደርቂ፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብርቱዕ ቀዝሒን ሃሩርን፣ ባርዕ ጫካታት፣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ወዘተ. ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ፡ ምድግጋሙ እውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ፡ ምስ ምውሳኽ ዓለማዊ ሙቐት ተኣሳሲሩ እዩ።
“ክሊማዊ ለውጢ ዘመልክቱ ተፈጥሮኣዊ ክስተታት ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ዓለምና ብተደጋጋሚ ይኽሰቱ ኣለዉ” ይብል ኣብ 2020 ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ። ንኣብነት፡ ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ በብግዜኡ ሓያል ዝናብን ውሕጅን ክኽሰት ከሎ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ደቡብ ኤውሮጳ ብርቱዕ ባርዕ ብተደጋጋሚ ጉድኣት ከውርድ ጸኒሑ ኣሎ። ግሪኽ፡ ጣልያን፡ ስጳኛ፡ ኣልባንያ፡ ሰሜን ሜቆዶንያ፡ ቱርኪ ገለ ካብተን ብቐጻሊ ምስ ባርዕ ጫካታት ኣብ ምቅላስ ዝርከባ ሃገራት ኤውሮጳ እየን። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ካናዳ ዝተኸስተ ጠንቂ ሞት 500 ሰባት ዝኾነ ብርቱዕ ሙቐት፡ ኣብ ካሊፎርንያ በብግዜኡ ዝኽሰት ባርዕ ጫካታት እውን ከም ተወሳኺ ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ጀርመን፡ ቤልጅዩም፡ ነዘርላንድስ፡ ሉክሰምበርግ፡ ኣብ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሊብያ ዝተራእየ ህቦብላን ዝናብን፡ መቕዘፍቲ ብዙሕ ህይወትን ቁጠባዊ ዕንወትን ከም ዘኸተለ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪን ሞሮኮን ዝተኸስተ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝደጋገም ተርእዮታት ምንቅጥቃጥ ምድሪን እሳተ-ጎመራን እውን ተወሳኺ ምልክታት እዩ።
ተመራመርቲ ከም ዝገልጽዎ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝተራእየ ብዝሒ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣብ ዝሓለፈ 2000 ዓመታት ፍጹም ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። ምኽንያቱ፡ መጠን ዓለማዊ መቑት ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ ኣይፈልጥን። እቲ ሕጂ ዘሎ ውህለላ ካርቦን ዳዮክሳይድ ብውሑዱ ኣብ 2 ሚልዮን ዓመታት እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ጽፍሒ ባሕርታት ኣብ 3000 ዓመት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ከምዝወሰኸ እውን ይሕብሩ። ኣብ ኣርክቲክ ዝርከብ ኩምራ በረድ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ ይርከብ። ካብ 1955 ንድሓር ከኣ ብዝለዓለ ፍጥነት እናመኸኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ን195 ሃገራት ዓለምና ዝጠርነፈ “ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ” ናይዚ ኣብ ዓለምና ዝኽሰት ዘሎ ሓደገኛ ክሊማዊ ለውጢ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ወዲ ሰብ ኣርሒቑ ዘይሓስብ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ተግባራት ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ንሃብታማትን ገና ኢንዱስትሪያዊ ቁጠባ ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ ህዝብታትን ብማዕረ ዝሃሲ ዘሎ ተርእዮታት፡ በዚ ሕጂ ኣብ ዓለምና ዝስርሓሉ ዘሎ ቁጠባዊ ፖሊሲታት ብቐሊሉ ምዕጋቱ ከምዘይክኣል ይገልጽ።
ኣብ 1988፡ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሜትሮሎጂ ሕቡራት ሃገራት፡ መርሓ ምዕቃብ ኣከባቢ ዝቘመ ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ፡ ካብቲ ዝቘመሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ዓመት፡ ኣብ ስነ-ፍልጠት ተመርኲሱ ሓደስቲ ርኽበታት ናብ መድረኽ-ዘተ የቕርብ እዩ። እቲ ዘቕርቦ ጸብጻብ ተገዳስነትን ስክፍታን ይፈጥር ምህላው ዘይክሓድ እኳ እንተኾነ፡ ብግብሪ ዝውሰድ ስጉምቲታት ዘይምህላው እቲ ትካል እምብዛ ከምዘሻቕሎ ብምግላጽ ኣብ ዘማርረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቂ ምውሳኽ ሙቐት ዓለምና፡ ብከላ ኣየር ምዃኑ ዝገልጽ IPCC፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ መጠን ናብ ኣየር ዝፍነዉ በከልቲ ጋዛት ብምቕናስ ንጽህና ኣየር ካብዚ ዘለዎ ከም ዝመሓየሽ ምግባር ምዃኑ እዩ ዝሕብር። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ወዲ-ሰብ፡ ካብ ኢንዱስትሪታት፡ ካብ መጓዕዝያ ምድርን ባሕርን ኣየርን ዝለቀቑ በከልቲ ጋዛት ብልዑል መጠን ምቕናስ ከምዘድልዮ የመልክት። እዚ እንተዘይተገይሩ ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመት ሙቐት ዓለምና ካብ 1.5 ዲግሪ ሴልሼየስን ክሓልፍ ከምዝኽእል ይሕብር። እዚ ዝተጠቕሰ ስጉምቲታት ብግብሪ ክውሰድ እንተኽኢሉ እውን እንተኾነ፡ ሙቐት ዓለምና ካብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንምቕናሱ 30 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግምት። ብከላ ንምቕናስ ክውሰድ ዝግብኦ ስጉምቲታት ኣዝዩ ብምድንጓዩ እቲ ሓደጋ ዘየላቡ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ብምግላጽ ከኣ፡ ሕጂ’ውን ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ እቲ ሳዕቤን ዝበኣሰ ከምዝኸውን የጠንቅቕ ኣሎ።
ርግጽ’ዩ፡ መራሕቲ መንግስታት ዓለም በዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ግዜ ተኣኪቦምን መኺሪምን እዮም። ብሓባር ይኹን በብወገኖም ክወስድዎ ዝግባእ ስጉምቲ እውን ክንደፉን ክእውጁን ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ ብግብሪ ዝውሰድ ስጉምቲ ዛጊት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን። ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ብቁጠባ ሓድሕድ ንምብልላጽ ዘሎ ብርቱዕ ውድድር እዩ። ስለዚ ካብዚ ኣስሓኮ ዘይብሉ ውድድር ወጺእካ ንናይ ሓባር ህላወ ቅልጡፍ ሓባራዊ ስጉምቲ ክውሰድ እንተዘይክኢሉ ወዲ ሰብ ብገዛእ ተግባራት ናብ ጽንተት ዘምርሓሉ ክስተት ርሑቕ ከምዘይኮነ ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ ይገልጽ። እቲ ስጉምቲ ግዜ ብዝወሰደ መጠን፡ ማህሰይቱ ብተዓጻጻፊ እናወሰኸ ዝኸይድ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ፡ ደንጒኻ ዝውሰድ ስጉምቲ እንተመጸ ከኣ ብዋጋ ከቢድ ከምዝኸውን ይሕብር።
እዚ ክበሃል ከሎ ዓለማዊ መድረኽ ዘተ ንክሊማዊ ለውጢ በብግዜኡ ዘቕርቦ ጸብጻባት፡ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ መራሕቲ መንግስታትን ዓበይቲ ንግዳዊ ትካላትን ከኣ ብፍላይ ፈጺሞም ኣይተገደስሉን ማለት ኣይኮነን። ገለ ገለ ስጉምቲታት እውን ይውሰድ ኣሎ። ግን በቲ ዝግባእ ዓቐንን ደረጃን ኣይኮነን። እቲ ትካል ንክሊማዊ ለውጢን ኣመታቱን ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ዓሚቚን ሰፊሕን ጸብጻባት ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ሓቂ’ዩ ንቕሓት ህዝብታትን መንግስታትን ዓለም ብዛዕባ’ዚ ሓደጋ’ዚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብክኢላታት ዝቐርብ ዘሎ ጸብጻባት፡ ኣብ ስነፍልጠት ብዝተመርኰሰ ምርምር ዝተረጋገጸ ሓቀኛ ሓበሬታ እምበር ትንቢት ወይ ግምታት ስለዘይኮነ። በብግዜኡ ዝኽሰት ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብምዕዛብ ድማ፡ ክሊማዊ ለውጢ ልዕሊ ካልእ ብድሆታት እቲ ዝዓበየን ዘፍርሕን ሓደጋ ናይ ዓለምና ምዃኑ፡ ብዙሕ ሰብ ተገንዚብዎ ኣሎ።
ካብዚ ፍርሒን ስግኣትን’ዚ ብምብጋስ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት በከልቲ ጋዛት ንምቕናስ ዝኣተውኦ ቃል ብግብሪ ክፍጽማ ልዑል ድርኺት ይግበር እኳ እንተሎ፡ ገና ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ከም ውጽኢቱ ድማ ሳዕቤናት ምውሳኽ መጠን ሙቐት ዓለምና ኣብ ማዕጾ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ክኲሕኲሕ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ስጉምቲ ንጽቡቕ ድሌት ናይ ሰባት ዝተገድፈ ብምዃኑ እዩ። መንግስታት፡ ዝኣተውኦ መብጽዓ ከተግብራ ዘስገድደን ኣካል የለን። ውጽኢታዊ ስራሕ ንምፍጻም እምበኣር፡ ተወሳኺ ስጉሚ ብምስጓም፡ ብደረጃ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ፈጽሚ ውዕላትን መብጽዓታትን ዘስገድድ ኣካል ግድን የድሊ ኣሎ። ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ እንተኽኢሉ ከኣ፡ እቲ ዘንጠጢ ዘሎ ሓደጋ ምቕናሱን ምውጋዱን ዝከኣል ምዃኑ እዩ እቲ ትካል ዘተስፉ።