በርሀ ኣርኣያ ማና
ብዘይ እምነት ህይወት መቐረታን ትርጉማን እናተበለለ እዩ ዝኸይድ። ሰባት ምስ ነብሶምን ኣብ መዓልታዊ ርክቦምን እሙናት እንተ ዘይኮይኖም ማሕበራዊ ዝምድናኦም ይሕርፍፍ እዩ። ኣብ ሓቅን እሙንነትን ዘይተመስረተ ህይወት ከኣ ካብ ረብሓኡ ክሳርኡ እዩ ዝበዝሕ። ኣብ ኩሉ ጊዜን ቦታን ብእምነት ዝጓዓዝ ሰብ ነብሰ ምትእምማኑ እናበረኸን ናብርኡ እናመቀረን ይኸይድ። እሙን ምዃን ምስ ነብስና፡ ምስ ስድራና፡ ምስ ጎረባብትና፡ ኣብ ትምህርትና፡ ኣብ ስራሕናን ከባቢናን ኮታስ ኣብ ኩሉ ህይወትና መስተርሆት እዩ ዝፈጥር። ብእምነት ሰስርሖም ዘተግብሩ ዜጋታት ዘለዋ ሃገር ከኣ ዕውትቲ እያ። ኣብ ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝቖመት ሃገር ሓቂ፡ ራህዋ፡ ፍትሒ፡ መስተርሆት፡ ምዕባለ፡ ሓበንን ዓወትን እናተጓናጸፈት እያ ትነብር።
ምስ ነብሱ እሙን ዝኾነ ሰብ ንብልጫታቱን ድኽመታቱን ድልየታቱን ፈልዩ ክፈልጦ ስለ ዝኽእል፡ እናተመሓየሸን እናበለጸን እዩ ዝኸይድ። ኣብ ስድራና ወለዲ ወይ ውላድ ኢና፡ ኣኣብቲ ዘለናዮ ተራና ብግቡእ እንተ ኣበርኪትና ምልክት እምነትና እዩ። “ትኣምኖ ልኢኽካ እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል” እኳ ዝበሃል። እሙናት ዝኾኑ ሰብ ሓዳር ናብርኦም ልዙብ እዩ። እሙናት ዝኾኑ ወለድን ውላድን ህይወቶም ቀሊል እዩ። እሙን ምዃን ኣገዳሲ ክብረት ምዃኑ ንኽግለጹ፡ ንሓደስቲ ሰብ ሓዳር ቅድሚ ናብ ሕጽነቶም ምእታዎም፡ ኣብ ሓዳሮም እሙናት ኮይኖም ቃል ኪዳኖም ናብ ዘጽንዑ ኣብነታውያን ሰብ ሓደር (እንዳ ሒማ) ወሲዶም የመርቕዎም ከም ዝነበሩ፡ ኣብ ባህልና ይዝንቶ እዩ። ንሱ ኸኣ ኣብ ሓዳሮም ንኽጸንዑ ተባሂሉ እዩ። ጽንዓት ከኣ ኣብ እምነት እዩ ዝውሰን።
ኣብ ገዝኦም ኣብ ውሻጢኦም እሙናት ዝኾኑ ስድራ፡ ምስ ጎረባብቶም እሙናት ክኾኑ ባህርያዊ እዩ፤ ምኽንያቱ እሙንነቶም ምስ ጊዜን ኩነታት ዘይቅየር ስለ ዝኾነ። ምስ ከምዚኦም ዓይነት ጎረቤት ምንባርካ ኣዝዩ ጥዑም እዩ። ኣብ እምነት ሓልዮትን ሓቅነትን ስለ ዘሎ፡ ንነብሶም ክጎድኡ ስለ ዘይሓስቡን ንጎሮቤቶም እውን ክጎድኡ ዝሓስቡ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ እሙንነቶም መሰረት ሰላሞምን ዕቤቶምን ምዃኑ ስለ ዝኣምኑ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜን ቦታን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይእትውዎን እዮም።
እሙናት ዝኾኑ ወለዲ ንደቆም ካብ ብቓሎም ኣብ መዓልታዊ ግብርታቶም ስለ ዘርእይዎም እቶም ውላዶም ከኣ ኣብ ትምህርቶም እሙናት ይኾኑ፡ ኣብ ሰዓቶም ትምህርቲ ይኣትዉ፡ ዝተዋህቦም ዕዮ ብጉቡእን ኣብ ግዚኡን ይዓሙ። ምስ መምሃራኖምን መማህርቶምን ብእምነት ስለ ዝጓዓዙ፡ ኣብ ትምህርቶም ፍቱዋት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንፉዓትን ዕጉባትን እዮም።
ብኸም’ዚ ኣገባብ ዝዓበዩ፡ ዝተማህሩ መንእሰያት ኣብ ስራሕ ዓለም ምስ ተመደቡ ኣዝዮም እሙናት እዮም ዝኾኑ። ምኽንያቱ ጣዕምን ውጽኢትን እሙን ምዃን ካብ ዝተወልዱላ ጊዜ ኣትሒዞም ኣብ ዝተፍላለየ መድረኻት ህይወቶም ስለ ዘዕበዮም። ንሳቶም ስርሖም መግለጺ መንነቶም፡ ቅሳነቶም፡ ዕቤቶምን ዕቤት ሃገሮምን ዓለምን ምዃኑ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝርድኦም። ስለ’ዚ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ ምስ ሓለፍቶም፡ መሳርሕቶምን ተገልገልቶምን ብእምነት ይዋስኡ። ምንጪ ተገዳስነቶም ኣብ ስራሕ ንረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይኮነስ፡ ንውሽጣዊ ሰላሞምን ንእሙንነቶምን ስለ ዝኾነ ብደጋዊ ኵነታት ከይተሰናኸሉ ንኣብ ውሽጦም ዘሎ ብርሃን እዮም ዘብርሁ። ብነዊሕ ውጥንን ራእን ሰለ ዝመሓደሩ፡ ዕላማ ዘለዎም ሰባት ኮይኖም ካበይን ናበይን ይጓዓዙ ከም ዘለዉን ይፈልጡ እዮም። ልዕሊ ኹሉ ክብሪ ስርሖም ስለ ዝፈልጡ ንተገልገልቲ ብግቡእ የግልግሉ። ከከም ኣመጻጽኣኦም ንተገልገልቶም ግቡእ ስርሖም የበርክቱ። መምሃራን እንተ ኾይኖም ንተማሃሮኦም ብግቡእ ይምህሩ፡ ንግዚኦም ብግቡእ ተጠቒሞም ዝሃብዎም ዕዮታት ኣዳቒቖም ይእርሙ። ካብ’ዞም ዝምህርዎም ዘለዉ ገሊኦም ኣመሓደርቲ፡ ገሊኦም መምሃራን፡ ገሊኦም ሓካይምን ኣመሓደርትን … ወዘተ. ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝፈልጡ፡ ንመጻኢ ኣሚቶም ስለ ዝሰርሑ፡ ተመሃሮኦም ኣብ ዝኸድዎ ብቑዓት ሰባት ክኾኑ ይደልይዎም።
ናይ እሙንነት ኣተሓስስባ እንተ ዘይብልና ግን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣማረርቲ ኢና ንኸውን። ዘማርር ሰብ ከኣ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ ወትሩ ጉድለት ናይ ዘለዎ ኩነታት ጥራይ ስለ ዝረኣዮ፡ ናይ ልሙስነት ባህሪ እዩ ዘጥሪ። ጊዚኡ ኸኣ ኣብ ምብርካት ዘይኮነስ ኣብ ምዕልባጥ እዩ ዘሕልፎ። እንተ ሰርሐ እውን ንስርሑ ብግቡእን ብዕግበት ዝዓዮ ኣይኮነን። ስርሑ ኸኣ ከም ግዴታን መሐለፊ ጊዜን እምበር ከም ንነብሱ፡ ንሃገሩ ንህዝቡን ንዓለም እውን ከይተረፈ የበርክት ከምዘሎ ኣይርድኦን እዩ። ምኽንያቱ ኪኖ ስርሑ ክሓስብን ከገናዝብን ብራኢን ዕላማን ስለ ዘይወፍር።
ስለ’ዚ እሙን ምዃን ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ህይወትና ብዕግበት ክነብርን ንውሽጣዊ ሓይልና በርቢሩ ኣበርከቲ ስለ ዝገብረናን ባህርያትና ክኸውን ይግብኦ። እሙናት ዜጋታት ዘለዋ ሃገር ዕውትቲ ስለ እትኸውን። ብእሙንነቶም ዝተለለዩ ህዝብታት ማንም መጺኡ ክዕብልሎም ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዓዶምን ኣብ ዝኸድዎ ቦታን ከኣ ኣብ ስራሕ ቀዳምነት ይወሃቡን ይድነቑን። እሙን ምዃን ከም ባህሊ ክሰርጽ ዝኽእልን ዝቕጽልን ሕላገት ዕዉት ሰብን ሃገርን ህዝብን እዩ።