ስምኦን ወልደሚካኤል
ኣከባቢ ክበሃል እንከሎ እዚ ንነብረሉ ሰተታ ወይ ከኣ ገጽ ምድሪ ምስ ኣብ ልዕሊኡን ትሕቲኡን ዝርከብ ጸጋታት ዝሓቁፍ’ዩ። ኣከባብያዊ ቅውላው ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋን ስግኣትን ብምፍጣሩ ዓለማዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። ኣካባብያዊ ድሕነት ምስ ሃገራዊ ድሕነት ተዋሲቡ ብሃገራት ክሕሎ ዘለዎ ክፍለ_ኣካል ናይ ሓንቲ ሃገር ምዃኑ ኣብ ክትዕ ዝኣቱ ኣይኮነን። ንሓደ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ልዕሊ ኣከባቢ ክሕሎ ዝግብኦ ነገር የብሉን። ከም ኤርትራውያን ኣብ ኣብ ውሽጢ ጅኦግራፍያዊ ክሊ ሃገርና ዝርከብ ሰብ፡ ገረብ፡ እንስሳ፡ ሓመድ፡ ማይ ልዕለን ትሕተን ዝርከብ ማዕድናት ክሕለውን ውሕስነት ክስምዖምን ናይ ምግባር ሓላፍነት ናይ መንእሰያት ልዑል’ዩ። ከም ኣብ ምምዕባል እንርከብ ሃገር፡ ካብዚ ዝዓቢ ዕማም ወይ ተልእኾ ክህልወና ኣይክእልን፣ እቲ ካልእ መለቀብታ እዩ።
ሓመዳን ኣግራባን ክትዕቅብ ዘይከኣለት ሃገር መሰረታ እያ ተዐኑ። ከምቲ ቆልዓ ኣብ ጥዑይ ማህጸን ናይ ኣደ ዝስረት፡ ኣግራብ ከኣ ኣብ ጥዑይ ኣከባቢ እዮም ዝበቑሉ። ኣግራብ ንጹህ ትንፋስ ዝህቡ ሳንቡእ ናይ መሬትና እዮም። ገረብ ቆሪጽካ መጽለሊ ካብ ምስራሕ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይንካ ምጽላል ይሓይሽ። ሂወት ናይዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሂወታዊ ኣብ ገረብ ዝተመርኮሰ እዩ። ብዛዕባ ሂወት ሓልዮት ዘለዎ መንእሰይ እቲ ዝበለጸ ከበርክቶ ዝኽእል ሓገዝ ምእንቲ ሂወት ገረብ ምትካል’ዩ። ትንፋስ ሰብ ኣብ ጉንድን ቆጽልን ገረብ’ያ ዘላ። ምግራብ እምበኣር እቲ ዝበለጸ መግለጺ ሰብኣውነትን ሰብኣዊ ረድኤትን እዩ። ብመንእሰያት ተመሃሮ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ህዝብን ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ሕውየት ኣከባቢ ካብዚ ዘለዎ ብዕጽፍታት ክዓቢ ኩሉ ሓላፍነታዊ ዜጋ ተበግሶኡ ከዕዝዝ ይግባእ።
ኣደና እንታይ ንግበረላ? ገጻ ከይፈርስ ንወልውላ’ዶ! ከይትመሬትን ኣብኣ ዘሎ ኩሉን እቲ ዝበለጸ ህያብ ተፈጥሮ’ዩ። ተፈጥሮ ዕለት ዕለት ማእልያ ዘይብሉ ጽባቐ ትቕርበልና’ያ። ካብ ጽቡቕ ዕንባባን ሃገግታ ጥዑም ጨናን ክሳብ ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ዝዝርጋሕ ዘይነቕልበሉን ከም ትሑዝ ንወስዶን ጸጋታት ካብ ለጋስ ኢድ ተፈጥሮ ንረኽብ። ገለና ንጻባቐ ተፈጥሮ ጽባቐ ክንውስኽ ንሃልኽ ገለና ከኣ ዕለት ዕለት ፋስን ምሳርን ሒዝና ተፈጥሮ ንዝተኸሎ ጽባቐ ንጉንድብን ነባድምን። ገለና ከኣ ጉሓፍና ፈቐዶኡ እናደርበና ኣከባቢና ነጋዕዚ። ካልእሲ ይትርፈ ማስቲካን ናይ ኣውቶቡስ ትኬትን ኣብ ጽርግያ ዘይድርብዩ ጽፉፋት መንእሰያት ከኣ ኣለዉ። ንጎሓፍ ኣብ ዘይቦታኡ ዝጉሕፍ ንባዕሉ ጎሓፍ’ዩ ዝብል ዓርኪ ኣሎኒ።
መሬትን ኣደን ሓደ እየን። ከምቲ ኣደ ንዉሉዳ ከም ግብሩ ዘይትኸዶ፡ መሬት ከኣ ንዓና ግብርና ከይረኣየት ክትናብየና ኢዳ ትዝርግሕ ለዋህ ኣደ እያ። መሬት ኣድልዎ ዘይትገብር ኣደ ኩሉ ፍጡር እያ። ፍቅሪ ኣደን ፍቅሪ መሬትን መወዳእታ የብሉን። መሬት ከምዚ ካብ ኮነት ከይትዓርቕ ንኽደና’ዶ! ከይትቕንዞ ንሕክማ’ዶ! ከይትጉሂ ኣጆኪ ንብላ’ዶ! ልዕለ-ገጻን ውሽጢ ከርሳን ብከመይ ንሓዞ? ጎቦታትን ስንጭሮታትን ንገጽ ምድሪ ከጸብቑ ዝተፈጥሩ እዮም። ኣግራብ እንተዘይብሎም ግን ገያጻት እዮም። ኣግራብ ንመሬት ዘጸብቑ ኩሕሊ፡ ንገጻ ዘጽልሉ መጽለሊ እዮም። እታ ንዓና ትሃስየና ጸሓይ ንኣግራብ መግቢ’ያ። ኣግራብ ብጸሓይ ዘይኮኑ ብሰብ እዮም ዝሓሩ። ወዲ ሰብ ኣግራብ ክበትኽን ኣግራብ ካብ ምትካል ከድሓርሕርን እንከሎ ንተፈጥሮ ጥራይ ዘይኮነ ንተፈጥሮኡ እዩ ዘዐኑ። ዓሳ ንኽነብር ማይ ይሰቲ’ዃ እንተኮነ ሂወቱ ኣብ ህላወ ባሕሪ ከም ዝምርኮስ ተገንዚቡ ንባሕሪ ግን ኣይጽንፍፎን እዩ። ሰባት ምስዚ ኩሉ ንቕሓትና ሂወትና ኣብ ኣግራብ ከም ትምርኮስ ኣይንፈልጥን፡ ንመሬት ክንነብራ ዘይኮንናስ ክንወራ ከም ዝመጻእና ንኹሉ ኣብኣ ዘሎ ነዕንዎ ኣሎና። መሬት ብደቂ ሰባት ዝወርዳ ዘሎ ዕንወት ተገላጺ ኣይኮነን። ኣኽራናትና ብዕብራን ተጋሂጾም፡ ጎላጉል ተቒሊጦም መልክዖም ተሓጢጡ፡ ሩባታት ሓዊ ከም ዝወሓዞም ጠሊ ተሓሪምዎም ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ካልእ ትርኢት የለን። ነቃዊት ኣራዊት መሮር ዝናፈቐ እዝኒ ብምንታይ ንደብሶ፧ ጩቕጩቕታ ኣዕዋፍ ንግሆ ካብቲ ዝሃደሞ ብኸመይ ንምለሶ፧ ዕርቃና ንዝወጸት መሬት ብኸመይ ንኽደና፧ ንጽህና ኣከባቢና ብኸመይ ንሓልዎ፧ ኣብ ዝብል ነጥብታት ዕቱብ ክትዕ ነካይደሉ።
ሂወት ዘለዎ ኩሉ ናብ ገረብ’ዩ ዝዓጉግ።ገረብ ንሂወታውያን ዝስሕብ ሓይሊ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ገረብ ዝተክል ተስፋ ምንባር’ዩ ዝተክል’ሞ መንእሰያት ጽባሕ ነጽልሉ፡ ፍቕርና ንገልጸሉ፡ ንሰኣለሉ፡ ንዘናግዓሉ ኣግራብ ንምትካል ንበገስ። ገረብ እቲ ዝበለጸ ሓደ ሰብ ከቕንዖ ዝኽእል ሓወልቲ ዝኽሪ’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ኣብ ዓመት ሓንቲ ገረብ ስዉእ ተኺሉ እንተጽዲቑ፣ ኣብ ጎና ከኣ ስምና ጽሒፍና ሓንቲ ገረብ እንተተኺልና ኤርትራ ጫካ ክትከውን እያ። ሓወልቲ ድሕሪ ሞትካ ስምካን ውዕለትካን ጸይሩ ምስ ዳሕረዎት ወለዶታት ዘላሊ ቅርሲ’ዩ። ገረብ ልዕሊ እቲ ብእምኒን ሓጺንን ዝህነጽ ሓወልቲ’ዩ። እዚ ሎሚ ካብ ጽሓይ ወይ ካብ መሾምቦባ ክንዕቆብ ተኣሊና እነጽልለሉ ገረብ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝተተኽለ’ዩ። እቶም ቀዳሞት ኣስማቶም ዝተጻሕፎ ኣትክልቲ ሓዲጎም እንተዝኸዱ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ገረብ ናይ መን ኮይንና ነጽልል ምህላውና ምፈለጥና።
ተኽልን ሰብን ብዙሕ ዘመሳስል ረቛሒ ኣለዎም። ከምቲ በይኑ ክነብር ዘድሊ ሰብ ዘየለ ንበይና ክትነብር እትደሊ ተኽሊ ከኣ የላን። ተኽሊ ከም ሰብ ጽምዋ ኣይጸውርን’ዩ። ክነብር፡ ክዓቢ እንተኮይኑ ኣብ ጥቕኡ ዝጎዝጎዞ ይደሊ። ስለዚ ከየውሓድና ኣብዚሕና ብሓንሳብ ክንተክል እንተዘይክኢልና ስራሕና ኣሰር ክገድፍ ኣይክእልን ስለ ዝኾነ እቶም ዝጀመርና ንቐጽለሉ፡ እቶም ዘይጀመርና ከኣ ንበገስ። ኣብ ቀላጥ ወገን ናይቲ ትነብረሉ ዘለኻ ኣከባቢ ገረብ ምትካል ማለት ንቁስሊ መሬትና ዝሕክም ሓኪም ምዃን ማለት’ዩ። ዝዓረቐ ዝባን ናይ ኣከባቢና ንኽደኖ።