ታሪኽ ካብቶም ዝሰርሕዎ ንላዕሊ ምስቶም ዝውከስዎዎ ዝያዳ ምትእስሳር ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ መልእኽቲ ታሪኽ ኪኖ ፍጻመታት ዝኸይድ ስለዝኾነ ኢዩ። ቀጻልነትን ኩርዓትን ናይ ዝኾነ ይኹን ወለዶ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ተቐዲሑ ዘይጽንቀቕ ዒላ ታሪኽ ይምርኮስ። እቲ ታሪኽ ዝቐደሐ ወለዶ ይሰርር፣ እቲ ዝቕዳሕ ዘይብሉ ድማ ካብ ዒላ ካለኦት ሃሰው ክብል ዝተፈርደ እዩ። ስለዚ፣ ጸጋ ወለዶታት ምስ ምውናን ክቡር ታሪኽ ቀጥታዊ ዝኾነ ምትእስሳር ዘለዎ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ፣ ወርትግ ከብሒ ታሪኽ ምብርባር ኣገዳሳነቱ ዕዙዝ ይገብሮ።
ታሪኽ ኤርትራውያን ታሪኽ መኸተ ኢዩ። እቲ መኸተ ግብሪ ኢዩ። ከምኡ ድማ ስነ-ሓሳብ። እቶም ነቲ ግብርን ስነ-ሓሳብ ኣዋሃሂዶም ታሪኽ ዝፈጸሙ ጀጋኑ ኣቦታት ከኣ ተራ ሰባት ኢዮም። ግብሮምን ራኢታቶምን ግና ናይ ተራ ሰብ ኣይኮነን። ንሳቶም እቶም ኪኖ ርእየት ንስሪ ብምምዕዳው፣ ኣብ `ታ ብልጽግቲ መጻኢት ኤርትራ ምሉእ እምነት ዘንበሩ ጀጋኑ እዮም። ከምኡ ድማ ንእምነቶም ብግብሪ ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት። ታሪኾም ድማ ታሪኽ ቃልሲ ኣንጻር መድረኻዊ ብድሆታት እዩ። ቃላቶም፣ ተግባራቶምን እምነቶምን መኸተ ኢዩ። መኸተ ኣብ ቅድሚ ዓርሞሽሽ ጸላኢ። መኸተ ኣብ ቅድሚ ውሽጣዊ ምድሕርሓርን ክድዓትን። መኸተ ኣብ ቅድሚ ባህሪ ምስ ኩሉ ግድላቱ። ቃላቶም ድማ ነብሱ ዝኸኣለ ሓይሊ ኢዩ ሞ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ኤርትራ ተፈጢሩ ዝርከብ ሓያል ናይ ምርድዳእ ባህሊ ዝያዳ ንቕሓት ክውስኸሉ ዝኽእል ኢዩ። ሎሚ ውን መድረኹ መድረኽ ክተት እንደኣሉ።
………
{ ኣኽራናትና ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ሰላም ‘ኳ እንተጸንሑ፣ ሕጂ ግና ሰላሞም ብድምጺ ጠያይቲ ክዝረግ ጀሚሩ ሎ። እዚ ሎሚ እንነብሮ ዘሎና ክፉእ ሂወት ኢዩ። ኣብ ርእሲ ዚ ብዙሕ ጸርፍን ምስትንዓቕን ይወርደና ሎ። ኮይኑ ግና፣ ናይ ምቅላስ መንፈስና ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ታሪኽና ድማ ታሪኽ ትብዓትን ጅግንነትን ኢዩ።} ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
{ ሎሚ ውሑዳት ምዃንና ብዙሕ ነገር ስለዘይብልና ኣባኻትኩም ተጸጊዕና ኣሎና። ንስኻትኩም ‘ውን ዘለኩም የብልኩምን። ግን ከኣ መጻኢት ኤርትራ ንኹላትና ትጽበየና ላ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰውራ፣ ሰውራ ኩሎም ኤርትራውያን ክኸውን ኢዩ። ዕላማና ድማ ካብ ውሽጥን ካብ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ማሓዙት ኣህዛብን ልዑል ደገፍ ክረክብ ኢዩ። ስለዚ፣ ናብ ዕላማና ንምብጻሕ፣ ሕጂ ውን እንተኾነ ጽኑዓት ክንከውን ከድሊ ዩ።} ስዉእ ዑመር ሓሚድ እዛዝ
{ ኢትዮጵያ ክትስዕረኩም ኣይትኽእልን ኢያ። ምኽንያቱ፣ ሰራዊታ ዑሱባት ናይ ገንዘብ ሰራዊት ስለዝኾኑ። ኪኖ ስርቅን ዕንወት ዝኸይድ ስነ-ምግባር ዝዓጠቑ ኣይኮኑን። ስለዚ፣ ንስኻትኩም ናብ ዓወት ኣብ ዝመረሽክምሉ፣ ንሳቶም ድማ ናብ ስዕረት ክምርሹ ኢዮም። ናይ ትማሊ ኩናት ባህርያቶም ኣርእይኩም ኣሎ። ናይ ጽባሕ ኩናት ድማ ውድቀቶም ከርእየኩም ኢዩ።) ስዉእ ጣህር ሳልም
{ ሃገርና ካብ ግዝኣት ባዕዲ ነጻ ከነውጽእ ብረት ኣብ ዘልዓልናሉ፣ ክቡር መስዋእቲ ክንከፍል ምዃንና ንፈልጥ ኢና። እዚ ‘ኳ እንተኾነ፣ ጸላኢና ሕፍረትን ውርደትን ተኸዲኑ ካብ መሬትና ክወጽእ ምዃኑ ርግጸኛታት ኢና።} ስዉእ እድሪስ ሓጅ
{ ንሕና ኩናት ኣይንዕድምን፣ ኣብ ሰላምን ፍትሕን ድማ ንኣምን። ከሙኡ ምዃንና ዘስተናዓቕናን ካብ መተከልና ክወጻኣና ዝፍትን ሓይሊ ንምዝባጡ ድሕር ኣይንብል። ህራምና ኣብ ታሪኽ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ዕጫ ‘ዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዕጫ ኢትዮጵያ ክኸውን ኢዩ።} ስዉእ ዑመር ናስር
{ ሎሚ ንሓደ ሓያል ሃጸያዊ ስርዓት ንምቅላስ ደማዊ ዝኾነ ኩናት ነካይድ ኣሎና። ንሱ ብኣሜርካዊ እምብራጦርያነትን ዓለማዊ ጽዮንነትን ዝድገፍ ኢዩ። እዚ ‘ኳ እንተኾነ፣ ይንዋሕ ይሕጸር ግዜ ብዘየገድስ፣ ዓወትና ናይ ግድን ኢዩ። ሓፋሽ ንሃጸይነት ተቓሊሱ ከምዝዕወት ድማ ታሪኽ እኩል ዝኾነ መሰኻኽር ቀሪቡልና ሎ።} ስዉእ ዶር. ያሕያ ጃብር
{ ቃልስና ኣብ ቆራጽነትን ተብግሶን ጥራይ ዩ ዝምርኮስ። ድምጺ ሓይሉን ሓቅነቱን ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ክስማዕ ጀሚሩ ሎ። ጽባሕ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ መወከሲ ዕዉት ሰውራ ተባሂሉ ክምስከረሉ ዩ።} ስዉእ ማሓመድ ስዒድ ሻምስ
{ ኦ ብጾት እዚ ኣንጻር ኢትዮጵያ እነካይዶ ዘልና ውግእ ብምርጫና ዘይኮነ፣ ጸላእትና ኢዮም ኣገዲዶምና። ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ንዕቀት ድማ መወዳድርቲ ኣልቦ ዩ። ስለዚ፣ ሃየ ዓቕምናን ሓቅነትን ብግብሪ ነርእዮም።} ስዉእ ኢብራሂም ዓብደልኣማን
{ ቃልስና ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኩሉ ኤርትራዊ፣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ፣ ክሳብ ዓወት ክቃለስ ተዳልዩ ይርከብ።} ስዉእ ኣረፋይነ ሃብተጽዮን
{ ኣብ ገዛእ ነብስና ብምምርኳስ ክንዕወት ኢና። ብሳላ ብቕዓትናን ቀጻልነትናን ክንዕወት ኢና።} ስዉእ ማሓመድ ሴራ
መድረኽ ሓጎስ ማና
ብኣማንኤል ዘካሪያስ ዝተዳለወ