መዛዘሚ ቅነ-ውዳበታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ተቓኒዑ

መዛዘሚ ቅነ-ውዳበታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ተቓኒዑ

መዛዘሚ ቅነ-ውዳበታት ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ዞባ ማእከል ብዕለት 5 ሓምለ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበር፡ ግንባርን መንግስትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣብ ኣዳራሽ ኤክስፖ ብውዕዉዕ መንፈስ ተቓኒዑ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣብርሃም ሰመረ ዝርከብዎም ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ማሕበር፡ መንግስትን ግንባርን ተረኺቦም ነይሮም።

እቲ “ውሕስነት ሰላም ብመኸተ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት፡ ኣብ ቀጽሪ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ካብ ዕለት 24 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ ብዝተፈላለዩ መሰናድኦታት ክካየድ ድሕሪ ምቕናይ፡ ኣብ መዛዘሚ ዕለት ከም ዝበጽሐ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶም ክፍለ ገሊጹ። ኣቶ ሳምሶም ቀጺሉ፡ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል“ነቲ ብኹሉንትንኡ ብቑዕ መንእሰይ ምህናጽ፡” ዝብል ራኢ ማሕበር ንምዕዋት መንእሰያት ፖለቲካውን ማሕበራውን ንቕሓቶም ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ሰሚናራት፡ ጎስጓሳት፡ መደብ ዋርሳን ሲቪካዊ ስልጠናታት ክህብ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት ድማ ነዚ ምርኩስ ብምግባር መንእሰያትና ዝንባሊኦም ዘለልይሉ፡ ሓድነቶምን ስኒቶምን ዘደልድልሉ፡ ተመክርኦም ዝለዋወጥሉ፡ ንዝቐሰምዎ ሲቪካዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ኣብ ባይታ ዝትግብርሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሃገራዊ ንቕሓቶም ብምብራኽ ኣብ ሃገራዊ ዕማማት ዝሳተፍሉ መደርኽ ንምፍጣር እዩ፡” ብምባል ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ብመሰረት ዝተሰርዐ መደብ፡ ቀጺሎም ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት’ዮም ውሒዞም። እቶም ኣብ መዛዘሚ ዕለት ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ኣብቲ ክሰላሰል ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት ብመልክዕ ውድድራት ብዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ዝቐረቡ’ዮም። ፈለማ ናብ መደርኽ ዝቐረበት “ኤረና” ዘርእስታ መዝሙር ኮይና ብጉጅለ ቀያሕቲ ዕንባባ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ እያ ተመድሪኻ። ስዒባ ብንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ዝተዳለወት ድግማ ደረፊ ናይ ቋንቋ ትግረ ናብ መደረኽ ምስ ቀረበት፡ ሰሊሆም የውሃንስ ካብ ንኡስ ዞባ ገጀረት ድማ “ባንዴራይ” እናበለት ነቲ መደረኽ ኣመቖቶ። ቀጺሉ ብንኡስ ዞባ ኣኽርያ ዝተዳለወ ስነ ጥበባዊ ፍርያት ምስ ቀረበ ቀዳመይቲ ዕውትቲ ውድድር መደረ ቋንቋ ትግርኛ ቅነ ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ተማሃሪት ሶልያና መብራህቱ እያ ናብ መደረኽ ደይባ። ሶልያና ኣብቲ ከባቢ 7 ደቒቕ ዝወሰደ ናይ መድረኽ ጻንሖታ፡ “ኣገዳስነት ንጡፍ ውዳቤ ኣብ ተማሃሮ” ብዝብል ኣርእስቲ ዓሚቚ ሓሳባትን ዝርዝራዊ ነጥብታትን ኣቕሪባ። ብድሕሪ እዚ መደረኽ ዝተረከቡ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ሰምበል እዮም። ናይ ቋንቋ ኩናማ ድግማ ደርፊ ብያታዊ ትልሂት ኣሰንዮም ድማ ንቀልቢ ተዓዘብትን መደረኽን ተቖጻጸርዎ።

ድሕሪ እዞም ብተኸታታሊ ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ጸብጻብ ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት ከቕርብ ናብ መደረኽ ዝደየበ ሓላፊ ፖለቲካን ውዳበን ሃማመተኤ ዞባ ማእከል መንእሰይ ሮቤል ከበደ እዩ ነይሩ። ሮቤል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ሓያል ናይ ምውድዳር መንፈስ ዝተራእየሉ ቅነ-ውዳበታት ኣብ ፍልጠት ጠቀስ ውድድራት፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት፡ ክትዕን መደረን፣ ኣብ ባህላዊ ውድድራት ድማ ንያታዊ ጽባቔን ብዙሑነት ኤርትራዊ ሕበረትሰብን ዘንጸባረቑ ውድድራት ጉጅለታት ባህሊ፡ ጉጅለታት ቀያሕቲ ዕንባባ፡ ጉጅለታት ያታዊ ትልሂታት፡ ጉጅለታት ድራማ፡ ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታ፡ ያታዊ ጽባቔን ፍሉይ ክእለትን ዘጠቓለሉ ውድድራት ከም ዝተሰላሰሉ ሓቢሩ። ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ድማ ንኽልቲኡ ጾታ ዘካተተ ናይ ኩዕሶ እግርን ኩዑሶ መርበብን ውድድራት ተኻይዶም ነይሮም እዮም።

ኣብዚ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት ልዑል ኣበርክቶአን ከንጸባርቓ ዝቐነያ ክለባት ሚኒ-ሜድያን መሪሕን እውን ኣካል ናይዚ ውድድር እየን ነይረን። ብተወሳኺ ውድድር ቅብኣን ምህዞን ስንዓን እውን ብተመሳሳሊ ኣካል ናይዚ ቅነ-ውዳበ ኮይኑ እዩ ቀንዩ። ብሓፈሻ እዚ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ልዕሊ ክልተ ሽሕ መንእሰያት ዝተወዳደርሉ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ መንእሰያት ድማ ብንጡፍ ዝተሳተፍሉ ምንባሩ መንእሰይ ሮቤል ኣብ መግሊጺኡ ኣብሪሁ። ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ 4040 ዝበጽሑ ተማሃሮ በብደረጅኦም ሲቪካዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ፡ 163 ብሉጻት ተማሃሮ ሻሙናይ ክፍሊ ሽልማት ፊተወራሪ ከም ዝተሽለሙ፡ ንልዕሊ 640 ዝበጽሑ መንእሰያት ሞያዊ ስልጠና ከም ዝተዋህበ፡ ንልዕሊ ሱሳ ሽሕ ዝበጽሑ ተማሃሮ ድማ መደባት ዋርሳን ሰሚናርን ክወሃቡ ከም ዝተገብረ መንእሰይ ሮቤል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ዘርዚሩ።

ድሕሪ እዚ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ መደርኽ ንዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት እዩ ተረኪቡ። ኣብ መጀመርያ ብጉጅለ ባህሊ ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ያታዊ ትልሂት ብሄረ ናራ ምስ ቀረበ፡ ቀጺሉ ብንኡስ ዞባ ሰምበል ያታዊ ትልሂት ናይ ብሄረ ሳሆ እዩ ስዒቡ። ኣብ መደረ ቋንቋ እንግሊዝ ቀዳመይቲ ዝወጸት ሰዋስው ሚኪኤል ካብ ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ትሕዝቶኣ ምስ ኣቐረበት፡ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣለም እዩ ‘ወትሩ ሃገረይ’ እናበለ መደርኽ ተረኪቡ። ብዘይካ’ዚ እቶም ንዝቐርብ ዝነበረ ደርፍታት ዘሰንይዎ ዝነበሩ ተላሃይቲ ናይ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ኮይኖም፡ ኣብ’ቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ ውዳበታት ክወዳደሩ ዝቐነዩ’ዮም።

‘ቡራሕ ሳንዳ’ ትብል ግጥሚ ብክልተ ኣሕዋት ማለት ናሄር ኣሸብር ከምኡ’ውን ኤደና ኣሸብር ምስ ቀረበት ህቡባት ድምጽጻውያን ሱሌማን ኣሕመድን መልኣከ ኣብርሃምን እዮም መደረኽ ተረኪቦሞ። ድሕሪ መሰናድኦ ናይዞም ህቡባት ድምጻውያን ምዕዳል ሽልማት ቀጸለ። ዝተፈላለዩ ዕዉታት ውልቀ-ሰባትን ንኡሳን ዞባታትን ድማ ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ተቐቢሎም። ኣብ ናይ ምዕዳል ስነ-ስርዓት ዝተራእየ ውዕዉዕ መንፈስ፡ ነጸብራቕ ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ሓያል ውድድር ምዃኑ ይስወጠካ! ዮሃና ነዚ ዕዉት ቅነ ዝወደቡ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል!

ብድምር ውጽኢት ኣብ ውድድራት ክለባትን ብዝሒ ተሳትፎን ንኡስ ዞባ ኣኽርያ ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ትምህርታዊ ውድድራት ኣርባዕተ ኣስመራ፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ማእከል ከተማ፡ ኣብ ጥበባዊ ውድድራት ድማ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ተዓዊታ። ኣብ ኩሉ’ዚ ክካየድ ዝቐነየ ውድድራት ቅነ-ውዳበታት፡ ንኡስ ዞባ ኣኽርያ ጎብለል ብምዃን ዝተዳለወላ ሽልማት ካብ ኢድ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ተቐቢላ።

ኣብ መወዳእታ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን መዛዘሚ ቃል ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣነቓቓሒ መደብ ንዘዳለዉ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ምስ ኩሎም ኣባላቶምን መሻርኽቲ ኣካላትን ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ቀጻሊ ንተማሃሮን ካልኦት ኣካላት መንእሰያትን ብዘካትት ደረጃ ክዳሎ ኣዘኻኺሩ። እቲ ልዑል ናይ ተወዳዳርነት መንፈስን ሕብራዊ ስርሓትን ዝተራእዮ ቅነ-ውዳበታት ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ድማ ብሃገራዊ መዝሙር መጋረጅኡ ዓጸወ።

ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ

ሽሻይ ሓይለኣብ    

 

 

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *