ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ቅነ-ውዳቤታት ኣካይዱ

ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ናይቲ ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ከካይዶ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ብዕለት ሓደ ሰነ ኣብ ከተማ ከረን መዛዘሚ ኣካይዱ። እቲ ካብ ዕለት 1 ግንቦት ክሳብ 12 ግንቦት ዝተኻየደ ቅነ-ውዳቤታት ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ “ኣድማዒ ውዳቤ፡ ንውሑስ ሰላም” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት ዞባ ዓንሰባ ብውዕዉዕ መንፈስ ተሳቲፈንኦ።

ኣብቲ ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት ማዕሪጉ ዘምሰየ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ ኣዛዚ በረኸተኣብ ናይ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ ነይሩ። መንእሰይ ኣዛዚ፡ እዚ ንመበል ራብዓይ ዓመቱ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ኣብ 23 ዓውድታት ኩለን ንኡሳን ዞባታት ሓያል ውድድር ከምዘርኣያ ገሊጹ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ ውዳቤታት፡ ሞያዊ ዓቕምን ዝምባለታትን መንእሰያት ምብርባር፡ ምግምጋም ውዳቤታት፡ ምስግጋር ሃገራዊ ክብርታት ብዓቢኡ ድማ ምድማቕ በዓል ናጽነትና ዕላማ ገይሩ ከምዝተኻየደ’ውን መንእሰይ ኣዛዚ ኣብ መግለጺኡ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ቃሉ ዝሃበ ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ንሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ ንስለ’ቲ ዝገገበሮ ልዑል ጻዕሪ ድሕሪ ምምስጋን፡ “ሃገር ብምውርራስ እያ ጠጠው ትብል። እዛ ብልዑል መስዋእቲ ዝተሃንጸትን ዝተሓፍረትን ሃገር ድማ ብመንእሰያት ደቃ ዳግማይ ከቢራ እያ። እዚ ምውርራስ ክቕጽል እንተኾይኑ፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ውዳቤ ብዓቢ ተገዳስነት ክስረሓሉ ኣለዎ፡” ብምባል መዘኻኸሪ ነጥቢ ኣመሓላሊፉ። ንዝኾነ ዘጋጥም ብድሆ ድማ ዞባ ብዝከኣሎ ዓቕሚ ከምዝተሓጋገዝ ገሊጹ።

ብዘይካ እቲ ናይ መዛዘሚ መደብ፡ ብደረጃ ዞባ ኣብ መንጎ ሰራዊት፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ከምኡ’ውን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ውድድር ታሪኻዊ ፍልጠት ቡያ ተኻይዱ ነይሩ። ኣብ መዛዘሚ ዕዉታት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ሽልማቶም ወሲዶም። ብእኩብ ነጥቢ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ንኹለን ንኡሳን ዞባታት ብምስዓር ጎብለል ናይቲ ክካየድ ዝቐነየ ቅነ-ውዳቤታት ብምዃን ዝተዳለወላ ሽልማት ተቐቢላ።

ኢንጅ.ሚካኤል በርሀ

ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *