ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ንመበል ሻዱሻይ ግዚኡ ኣብ ደረጃ ሓደ፡ ክልተን ሰለስተን ዝርከቡ 196 ተማሃሮ ኣመሪቑ። እዞም ተማሃሮ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝመጹ ኮይኖም፡ ኣብ ንጡፍ ሃገራዊ ስራሕ ዝርከቡ ድማ እዮም። ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓሙሽተ ዙርያታት 313 ተማሃሮ ከመርቕ ዝበቕዐ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቤት ትምህርቲ እዩ። ነፍስ-ወከፍ ደረጃ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ግዜ ከም ዝወስድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።
ኣብቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣቶ ኣሕመድ ዑመር ሸኽ ሓጺር መብርሂ ሂቡ ነይሩ። ኣቶ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሃማመተኤ ብምዃን ኣብ መፋርቕ 2020 ከም ዝተበገሰትን ናታ ንድፊ ትምህርቲ ማለት ካሪክለም ተዳልዩላ ድማ ጽቡቕ ትግስግስ ከም ዘላን ኣብሪሁ። ኣቶ ኣሕመድ ቀጺሉ፡ ከም መርኣያ ናይዚ ዕቤት ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ተሃድሶ ሰምበል ከምኡ’ውን ዞባታትን ብምትሕብባር እቲ ስልጠና ክሰፍሕ ከም ዝኸኣለ ገሊጹ። ብመሰረት መግለጺ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቋንቋ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ወግዓውያን ቋንቋታት ዓለም እያ፡ ብተወሳኺ ድማ እዚ ዘለና ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ቋንቋ ዓረብ ክንመሃር ከም ዘለና ዝገብሩና ረቛሒታት እዮም ብምባል ድማ መብርሂሁ ይውስኽ። ብተወሳኺ፡ ካብቲ ዝወሃቦም ስሩዕ ትምህርቲ ዝያዳ ክዓብዩሉን ክመሃርሉን ዝኽእልሉ መደረኽ ማለት ክለብ ቋንቋ ዓረብ ብ1 ነሓሰ 2023 ከም ዝተኸፈተት’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ ኣሕመድ፡ ነቲ መደብ ዕዉት ንክኸውን ዝጸዓሩ ኣካላት ማለት ትካላት መንግስቲ፡ ተማሃሮ፡ መምሃራን ብዓቢኡ ድማ ንሃማመተኤ ኣመስጊኑ።
እቲ ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓት፡ ተማሃሮ ብዘዳለውዎ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ማዕሪጉ ኣምስዩ። ኩሉ ድማ ብቋንቋ ዓረብ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ተመረቕቲ ምስክር ወረቐቶም ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ተቐቢሎም።
ህዝባዊ ርክባት