ብኣቦመንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ብ23 ሚያዝያ ኣብ ትርቡሊ – ሊብያ ዝተኣንገደ ራብዓይ ኣኼባ ሚኒስተራት መንእሰያት ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ተሳቲፉ። ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኤርትራ ዓቕሚ መንእሰያት ብትምህርቲ፡ ብሞያ፡ ብባህሊ ስራሕን መሃዝነትን፡ ብድስፕሊን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ሓያል ጻዕሪ ተካይድ ከም ዘላ ገሊጹ። መንእሰይ ኤርትራ ሕልምን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ክዉን ንምግባር ኣብ ልምዓትን ድሕነትን ሃገር ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝጻወቶ ዘሎ ዕዙዝ ተራ ብምዝርዛር፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርካኽ ንልዕሊ 80 ዓመት ዝቐጸለ ዘየባትኽን ዝተሓላለኸን ተጻብኦ ሃገራት ምዕራብ፡ ከቢድ ዋጋ ብምኽፋል በዲሁ ስዒሩ ከም ዝወጸ ኣብሪሁ።
ሃገራትን መንግስታትን ዞባ ሳሕለ ሳሃራ፡ ነቲ ጠንቂ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ዜጋታተንን ምስግጋር ሰባትን ንምውጋድ ኣብ ዘካይድኦ ውሁድ ስራሕ፡ ኤርትራ’ውን ግዳይ ናይ’ቲ ሸርሒ ብምዃና፡ ብዝለዓለ ክትሰርሓሉን ዕዙዝ ግደኣ ክትጻወትን ምዃና ቃል ኣትዩ።
ኣብቲ ካብ ዕለት 21-22 ሚያዝያ ኣብ ትሩቡሊ ዝተኻየደ ናይ ወከልቲ መንእሰያትን ሚኒስተራት መንእሰያትን ኣኼባ፡ ዘይሕጋዊ ስደትን ምስግጋር ሰባትን ንምግታእ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምሕዝነትን ንምሕያል፡ መንእሰያት ሞያን ፍልጠትን ዝቐስምሉን ሓድሕድ ተመኩሮ ዝለዋወጥሉን ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽን ካልእ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳያትን ዝሓዘ ሓባራዊ ሰነድ ብምድላው ተዛዚሙ።
ልኡኽ ማሕበር ብተወሳኺ፡ ምስ ሚኒስተር መንእሰያት ሊብያ፡ ርክብ ብምክያድ ክልተኣዊ ዝምድና ኣብ ዘሐይሉ ጉዳያት ዘትዩ።
ህዝባዊ ርክባት