ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ኣካይዱ

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ፡ ውድድር ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮቢክስን ኣካይዱ

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ ምስ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ማእከል ጂምናዝዩም ብምትሕብባር፡ ብዕለት 24 ለካቲት ብምኽንያት መበል 34 ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ናይ ቅርጺ ኣካላትን ኣይሮፒክስን ውድድር ኣካይዱ። ኣብቲ ብቐዳም ምሸት ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም።

ወኪል ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኢንጅ. ወረደ የማነ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እዚ ፍትው ዓይነት ስፖርት ኣብ ኤርትራ ኣብ 60ታት ከም ዝጀመረ፡ ግና ኸኣ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከም ዘይከኣለን ገሊጹ። ኢንጅነር ወረደ ኣስዒቡ፡ ሃማመተኤ ኣብዚ ዓውዲ ኣበርክትኡ ንምዕዛዝ ዝተጻወቶ ተራ ልዑል ምንባሩ ገሊጹ። ብማሃማመተኤ ዝምእከል፡ ጂምናዝዩም ደንደን፡ ምስ ካልኦት ጂምናዝዮማት ብምትሕብባር ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ውድድራት ሰሪዑ ምንባሩ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ። ኢንጅነር ወረደ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ እዚ ዓብን ተፈታውን ውድድር መታን ክምዕብልን ክዓብን ብደረጃ ፈደረሽን ክተሓዝን ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ቆላሕታ ክገብርሉን ተላብዩ።

ብተወሳኺ እቶም ኣብ ደንደን ጂምናዝዩም ንከባቢ ክልተ ወርሒ ኣብ መሰረታዊ ፍልጠት ስነ-ቅርጺ ኣካላት ወዲ ሰብ ማለት ኣናቶሚ ዝተማህሩ ተማሃሮ እውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዳለወሎም ሰርትፊኬት ተቐቢሎም። እዞም 17 ናብ ምምራቕ ዝበቕዑ ተማሃሮ ኣናቶሚ፡ ብክኢላ ፊዝዮትራፒ  ገብርሂወት ተኽለ ወዲ ቡላ ዝሰልጠኑ እዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ዕዉታት ተወዳደርቲ ብድሙቕ ደገፍ ተዓዘብቲ ተሰንዮም፡ ዝተዳለወሎም ሽልማት ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተቐቢሎም።

 ህዝባዊ ርክባት ሃማመተኤ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *