ዕላል ምስ መምህር ኣማረ ወልደስላሴ

ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ዕዮ ድራማ ግኑን ዝና ዘጥረየት “የፐ ወዲ ጐቦ” ዝተርጐመ መምህር ኣማረ ወልደስላሴ፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ሃገርና ምቝሉል ኣበርኵቶ ገይሩ’ዩ። ጸኒሑ፡ ካብቲ ነዊሕ ዝሰርሓሉ ሞያ ምምህርና ምሉእ-ብምሉእ ናብ ጥበብ ሰጊሩ፡ ኣብ ድራማ፡ ግጥሚን ቋንቋን ኣድሂቡ። ኣብ ግንቦት 2020 ብሕማም ዝዓረፈ መምህር ኣማረ፡ ብብዝሒ ድራማታት ተርጒሙ፣ ሰለስተ መጻሕፍቲ ግጥሚ – ጽሕፍቶ፡ መሳግሮ፡ ስንብታ – ኣሕቲሙ፣ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ ኣርእስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ – ንዓመታት ኣበርኪቱ። “የፐ ወዲ ጐቦ፣ መዝገብ ኣርዮስ፣ ሕልፈት” ዝብላ ዓበይቲ ድራማታት ዝርከባአን ብብዝሒ ድራማታት ዝተርጐመ መምህር ኣማረ፡ “የፐ ወዲ ዅርባ”ን (ዳሕራይ ናብ ‘ወዲ ዅርባ’ ቐይሩዋ) “መዝገብ ኣርዮስ”ን ብሓባር ብኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ተሓቲመን። በቲ ኣብ 1990ታት ኣብዚ ዓውዲ ዝነበሮ ህቡብነት፡ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዩኒቨርስት ንዝተዋህበና ዕዮ “ምክያድ ቃለ-መጠይቕ”፡ ምስ መምህር ኣማረ እየ ኣካይደዮ። ጽማቚ ትርጕም ናይቲ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ዝቐረበ ጽሑፍ ንኽብርን ንዝኽርን መምህር ኣማረ ይስዕብ፤

ብዛዕባ ድሕረ-ባይታ ትምህርትኻዶ ከተዕልለኒ?

ኣብ ኢትዮጵያ እየ ተወሊደን ዓብየን። ካልኣይ ደረጃ’ውን ኣብኡ’የ ዛዚመ። ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምእሳረይ፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኤርትራ መጺአ ኣብ ዩኒቨርስት ኣስመራ ኣትየ። ብዓውዲ ‘ምሕደራ ትምህርቲ’ ድማ ተመሪቐ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስመራ ሓፈሻዊ ሕሳብ እምህር ኣለኹ።

ናብ ስነ-ጥበብ ብኸመይ ኣቲኻ? ብፍላይ ናብ ድራማ?

ጌና ኣብ ስነ-ጥበብ ኣትየ እየ ክብል ኣይደፍርን። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ስነ-ጽሑፍ ዓቢ ናእዳን ኣድናቖትን ኣሎኒ። እዚ ስምዒት’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ “ዋኒቤት” ኣብ ኢትዮጵያ እንከለኹ ዝፈለቐ እዩ። ኣብኡ ልቢ-ወለድ መጻሕፍቲ ከንብብ ጀሚረ። ካብኡ ብምብጋስ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ንኣሽቱ ነገራት ክጸሓሕፍ ፈቲነ።

ዝተፈላለየ ብቕዓት ወይ ሞያ እንተ ኣጥሪኻ፡ ደሓር ናብቲ ትዓግበሉን ህይወትካ ክትመርሓሉ እትኽእልን ኢኻ ተብል። በቲ ዝነበረኒ ብቕዓት ወይ ሞያ ዕጉብ ኣይነበርኩን። ስለዚ፡ ‘ናብ ስነ-ጽሑፍ ከብል ኣሎኒ’ ኢለ ወሲነ። ጽሕፍቶይሲ ንሱ እዩ ኢለ። ሽሕ’ኳ ነቲ ጥበብ ኣጸቢቐ እንተ ዘይመለኽኩዎ፡ ብዝከኣለኒ፡ ዓቕሚ ነብሰይ እሰርሕ። በዚ ተደሪኸ፡ መጀመርታ ኣብ “ማሕበር ፍቕሪ ስነ-ጥበብ” ኣትየ፣ ብድሕሪኡ ኣብ ዕዮ ትርጉም ኣተኲረ።

ክሳዕ ሕጂ ምስ ዝተርጐምካዮ ዕዮታት ከተላልየና?

ዝተፈላለየ ዕዮታት ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ተርጒመ ኣለኹ። ንኣብነት፡ ናይ ነርወይ ድርሰት “የፐ ወዲ ጐቦ” (Yepe of the Hill)፡ መዝገብ ኣርዮስ (Diary of the Scoundrel)፣ ናይ ጀርመን ስዉር እካበ (The Invisible Collection) ከምኡ’ውን “ሰዓት ዓሰርተው-ሓደ” (The Eleventh Hour)።  

ኣብዚ ዓውዲ ከም እትነጥፍ መጠን፡ ናይ መድረኽ ድራማ ብኸመይ ምገለጽካዮ?

ናይ መድረኽ ድራማ፡ ኣብ መድረኽ፡ ኣብ ቅድሚ ተዓዘብቲ ዝቐርብ ሓደ ቕዲ (ጀንረ) ናይ ስነ-ጽሑፍ እዩ። ህያውን ናብ ሓቂ ዝቐረበን ብምዃኑ ድማ ብሉጽ ጥበብ እዩ።

እቲ ሓደ ስነ-ጥበበኛ ብዛዕባ’ዚ ዓውዲ ጥበብ’ዚ ክፈልጦ ዘለዎ መሰረታዊ መትከል እንታይ እዩ ትብል?

እቲ ቐንዲ ዝብሎ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሐ ብሉጽ ዕዮታት ብብዝሒ ምንባብን ምክትታልን እዩ። ምትርጓም ከቢድ’ዩ። መበቈል ናይቲ ቋንቋን ባህሊ ናይቲ ዝተጻሕፈሉ ሕብረተሰብን ኣዕሚቚካ ክትፈልጥ ኣለካ። ብሓጺሩ፡ ዓቕሊ፡ ተጻዋርነትን ልቦናን ወይ ምስትውዓልን ዝሓትት እዩ። እዚታት ትውንን እንተ ዄንካ ነቲ ብድሆ ዘይትስዕረሉ ምኽንያት የለን።

ዝትርጐም ዕዮ ኣብ ትመርጸሉ እትኽተሎ ኣገባብ ወይ ረቛሒ እንታይ እዩ? እንታይ መልእኽቲ ኢኻ ከተመሓላልፍ እትደሊ?

ሞራላውን ትምህርታውን መልእኽቲ ኣለዎ ዝበልኩዎ እየ ዝመርጽ። መምህር ምዃን ኣብ ምምራጽ መጻሕፍቲ ሓጊዙኒ እዩ።

መልሰ-ግብሪ ተኸታተልቲ ኣብ ዕዮታትካ ከመይ ይመስል?

ብኽልተ መንገዲ እየ ዝርእዮ። መጀመርታ፡ ተቐባልነት ናይቲ ዝትርጕሞ ስራሕ ኣብቲ ዝተደርሰሉ ሕብረተሰብ ኣጽንዕ። ኣብኡ ቅቡል እንተ ደኣ ኾይኑ ኣባና’ውን ቅቡል ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል መረዳእታ እሕዝ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝትርጐም ስራሕ ምስ ባህልና ዝተቐራረበ ወይ ተመሳሳልነት ዘለዎ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኣድማሳዊ ተቐባልነት – ኣድማሳዊ ክብሪ – ዘለዎ ዕዮ እየ ዘተኵር። ኣብነት ክህበካ፡ “የፐ ወዲ ጐቦ” ክትርጕማ እንከለኹ ክሕግዙኒ ዝመጽኡ ነርወጃውያን ነይሮም። ሽዑ ብገለ ሰባት ዝተዋህቦም ርእይቶ፡ ‘ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ተኸታታሊ ዝተተርጐመ ድራማ ኣየድንቕን እዩ። ስለዚ ክትከስሩ ኢኹም፡’ ዝብል ነበረ። ኣነ ግን ኣይትጠራጠሩ ኢለዮም። እታ ድራማ ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራባ፡ ህዝብና ሰብኣውነት ዘለዎ ዕዮ ጥበብ ከም ዘስተማቕር መስኪሮም።

ካልኣይ፡ እቲ ዕዮ ምስ ተሰርሐ ብቐጥታ ተቐባልነት ከይረክብ ይኽእል’ዩ። ቅልጡፍ መልሰ-ግብሪ ከይመጽእ’ውን ይኽእል። ኣብ መጀመርታ ስግንጢር ክመስል ይኽእል’ዩ። ቀስ-ብቐስ’ዩ ክብረቱን ጽባቐኡን ዝወጽእ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብዛዕባ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ትርጕም ዕዮ ሓንቲ ኣብነት ክህበካ፡ ኣብ መጀመርታ ነቲ ስራሕ ዘነኣእስ ብዙሕ ነቐፌታ ወይ ርእይቶ መጺኡኒ። ደሓር ኣብ ቲቪ ምስ ተፈነወት (ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት)፡ ሰባት ከድንቑዋ ጀሚሮም፣ ደሓር ኣዝያ ህብብቲ ኾይና። ስለዚ፡ እቲ ናይ ትርጕም ዕዮ ቀልጢፉ ኣብ ልቢ ሰብ ኣይኣቱን ይኸውን፣ ቀስ-ብቐስ’ዩ ጥበባዊ ክብሩ ዝግለጽ። ብጽባቐን ክእለትን ምስ ዝትርጐምን ዝርዓምን እዩ ግን።

ኣብ ዕዮ ትርጕም ዝጐድል – ኣብ መስርሕ ምትርጓም ዝጠፍእ – ገለ ነገር ኣሎ። ነዚ ብኸመይ ትርእዮ?  

ብርግጽ ኣሎ። እሰማምዓሉ ኸኣ’የ። ክንጠር ወይ ክሕደግ ዘለዎ ኣገዳሲ ነገር ክህሉ የብሉን። ዕዮ ትርጕም ኣመና ከቢድ’ዩ። ኣነ ዝጥቀመሉ ኣገባብ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዕሙቚ ዝበለ ፍልጠት ዘለዎም ሰባት እየ ዝውከስ። ኣብ ኢትዮጵያ ብምዕባየይ ዝመልኮ ቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ። ስለዚ፡ ብዙሕ ጻዕሪ እየ ዝሓልፍ። ከምኡ እንተ ዘይገይረ መሰልን ክብረትን ናይቲ ዝትርጕሞ ዘለኹ ደራሲ እየ ዝሃሲ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ደረስቲ ንድራማ ሕቖኦም ይህብዎ ኣለዉ። ንስኻ ግን ብንጥፈት ትሰርሓሉ ኣለኻ ክንብል ንኽእልዶ?

እወ፡ ዝበዝሑ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ፊልም ኣድሂቦም ኣለዉ። ንሱ’ዩ ዝያዳ ኣኽሳቢ ዓውዲ። ሽሕ’ኳ ኣብ ፊልም ዘየለ ድራማ ዝውንኖ ብልጫ እንተሎ፡ ብድራማ ህይወትካ ክትመርሕ ኣይከኣልን ዘሎ። ኣነ ብዓይኒ ኣታዊ ኣይርእዮን እየ። መንፈሳዊ ዕግበት’ዩ ዝህበኒ።

ናብታ መዝገብ ኣርዮስ ዝሰመኻያ ዕዮ ትርጕም ክወስደካ። ኣዝያ ሃቢባ ኣላ። ኣብ እዋን ጻራዊት ሩስያ ዝተሰርሐ እንከሎስ ክንድዚ ህቡብነት ካብ ምንታይ እዩ ትብል?

ቅድምን ልዕልን ኩሉ እታ ድራማ ኣድማሳውነት ኣለዋ። ኣብ ዝኾነ ቦታን ግዜን ክትርአ ድማ ትኽእል’ያ። ካልኣይ፡ ፍልስፍናዊ ኵርናዕ’ውን ኣለዋ። ኣብ መላእ ዓለም ተራእያ ዓቢ ዝና ኣትሪፋ እያ። ኣብ ሩስያ፡ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኣመሪካን ካልኦትን ተራእያ። እዘን ዳሕረዎት ሃገራትን ካልኦትን ኣንጻር ፍልስፍና ናይታ ድራማ ዝኽተላ ክንሰን እያ ቐሪባን ሃቢባን። ኩሎም’ቶም ገጸ-ባህርያት ኣድማሳውያን እዮም። ንኣብነት፡ እቶም ገጸ-ባህርያት ኣብ ሕብረተሰብና ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ወላ’ኳ ደራሲ ናይታ ድራማ ሕጊ እንተ ተማህረ፡ ንዓለም ንግድን ሸቐጥን ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ገሊጽዎ፡ ኣብታ መጽሓፍ።

*****

እዚ ቓለ-መጠይቕ’ዚ ቅድሚ 21 ዓመት፡ መምህር ኣማረ ካብ ዓለም ቅድሚ ምፍላዮም ድማ ቅድሚ 19 ዓመት ዝተኻየደ እዩ። ድሕሪኡ መምህር ብዝያዳ ኣብ ግጥሚን ቋንቋን ኣድሂቡ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ፡ ምርምር ኣካይዱ፡ ዓንቀጻት ጽሒፉን ሰሚናራት ሂቡን። ጥበባዊ ኣበርኵቶኡ ድማ ነባሪ ቅርሲ ኮይኑዎ’ዩ። ዕረፍቲ መምህር ኣማረ ኣብቲ ሕማም ኮሮና ጋሻን ኣብ ምሉእ ዕጽዋን ዝነበርናሉ ባሕቲ ግንቦት 2020 ብምንባሩ፡ ዳርጋ ኣይተሰምዐን። ዝበዝሐ ደጋፊኡን ኣድናቒኡን ድሒሩ እዩ ሰሚዑ። ምፍላይ መምህር ኣማረ እምበኣር ኣብ ስነ-በብ ሃገርና ዓቢ ሃጓፍ እዩ። ሰብ ነባሪ ኣይኰነን፣ ነባሪ ስራሕ ግን ገዲፉ ይሓልፍ። ንመምህር ድማ ብዕዮታቱ ወለዶታት ክዝክርዎ እዮም።

ቐጺልና፡ ኣብ መቕድም መጻሕፍቱ ካብ ዝበሎ ነቕርብ፤

“ግጥሚ ፋይዳ ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። ኣፈላሳፊ፡ ኣነቓቓሒ፡ ኣስራጺ ባህታ፡ በዳሂን ቀራጺ ዛንታን’ውን እዩ። ትግርኛ፡ ካብቶም ብባህሪ ረባሕታ ግሲታቶም ንግጥሚ ዝሰማምዑ ዝበሃሉ ቋንቋታት’ዩ። (. . .) ዕላማ እዛ መጽሓፍ፡ ነዚ . . . ዝተጠቕሰ ንምርኣይን፡ ትግርኛ፡ ዕምቈት ዘለዎም ኣድማሳውያን ሓሳባት ክስከም ከም ዝኽእልን ንምምልካት’ዩ።”

ስግንጢር

ብትእዛዝ ተፈጥሮ

ማንም ዘይቅይሮ

ተዋሂቡኒ ስኒ

ዝግህጸሉ ዓጽሚ፡

ከምኡ’ውን መንጋጋ

ዝጥሕነሉ ስጋ

ኰታ፡

በላዕ ኩሉ

ከሎ ብዕድሉ

እዚ ሰብ ቃንዛ ናይ እንስሳ

ሓሲቡዎ ሰበብ

ቈጽሊዶ ይመገብ?

 

(“ጽሕፍቶ!?” 2014)

*****

“ወላ’ኳ ብሰንኪ ትሑት መንቋሕቋሕታ ሕብረተ-ሰብ መጻሕፍቲ ግጥሚ ጠለብ እንተ ዘይብሎም እዚ ዓውዲ’ዚ ክጥለም ኣይግብኦን። ምኽንያቱ፡ ጸቒጥካ ብምስራሕ፡ ግጥሚ ፋይዳ ከም ዘለዎን ትግርኛ ድማ ፍጹም ግጥማዊ ቛንቋ ምዃኑን ምርኣይ ስለ ዝከኣል እዩ።

“በዚ መሰረት፡ ቅድሚ ናብ ካልእ ዕማም ምስጋረይ ድሕሪ መሳግሮ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ስራሕ ብምቕራብ ንነፍሰይ ዝሃብኩዋ ዕዮ ገዛ ኽዛዝም እየ።”

ክብርቲ ኽቡራት

ኣብ ዕዳጋ

ብዋጋ

ኣብ ጨረታ

ብጸወታ

ኣብ ምርኢታት

ብባጤራ ሃገራት

ኣለዉ ብዙሓት

ተሸየጥቲ ነገራት

ንሰምዮም ክቡራት

 

ብሩር ወርቂ

ሉል ዑንቂ

ሃሪ ጨርቂ

ከም ዓይነት

ምዀነ ኣብነት

 

ብኣንጻሩ፡

ኣብ መድረኻት ገድሊ

ኣብ ክንዲ ነገራት

ዝሓተተት ህይወት

ኣላ ኽብርቲ ኽቡራት

 

ነዚኣ ምስ ሰምዑ

ኣሽንኳይ ዓበይቲ

ኣይድንጕዩን ቈልዑ

ቀልጢፎም ምረቚሑ

 

ኵሎም ብሓድነት

ብኡነት

ምበሉ ነጻነት

ነጻነት!

 

(መሳግሮ፡ 2015)

*****

“ብመሰረት እቲ ንነፍሰይ ዝሃብኩዋ ዕዮ ገዛ፡ እንሀ ነታ ኣብ መወዳእታ ኸዳልዋ እተመባጻዕኩዋ ግጥማዊት መጽሓፍ ንነበብቲ አቕርባ ኣለኹ። እዛ መጽሓፍ ብቕዳን ብትሕዝቶኣን ካብተን ኣቐዲመን እተዘርግሓ ኽልተ መጻሕፍቲ ብዙሕ ኣይትፍለን። (. . .)

ኣርእስቲ እዛ መጽሓፍን ግጥምን ዝረኣዩ ኣስተማቐርተይ፡ ምስቲ ዘጋጠመኒ ሕዱር ሕማም ኣዛሚዶም ከም ሕማቕ ፋል ስለ ዝሓሰቡዎ ቐይሮ ኢሎምኒ። ስለ ዝተገደሱለይ አመስግኖም። ብመሰረቱ፡ እዚ ኣርእስቲ ቅድሚ እቲ ሕዱር ሕማም እዩ ተኻዊኑ። ትርጕሙ ድማ ካብ ግጥሚ ብምስንባት ናብ ካልኦት፡ ኣውራ ኸኣ ናብ ‘እምነ ኵርናዕ ትግርኛ’ ናብ እተባህለ ዕዮ እሰግር ኣለኹ ማለት እዩ። እቲ ምሕላፍ ከኣ ፋል እግበረሉ ኣይግበረሉ ብዘየገድስ ምምጽኡ ስለ ዘይተርፍ ብሓጐስ ክጽበዮ እየ።”

ስንብታ

ዝተጀመረ ኽዛዘም

ግድን’ዩ ኣብ ዓለም

ኰይኑ ኸኣ

ዓሚ

ቅድሚ ዓሚ

እተጀመረ ግጥሚ

ይኣክል ተባሂሉ

ተዛዚሙ ሎሚ

እንሆ ድማ

ብጽሕፍቶ ምስ ፈለመ

ብስንብታ ተደምደመ      

 

(ስንብታ፡ 2022)

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *