“ህይወት ንዓይ እናሰሓቕካ እትሓልፋ መድረኽ እያ” ስነ-ጥበባዊ ኤርምያስ በረኸት (ሸቃ)

ኣብ ጥቓኡ ምህላው ሰላም እዩ ዝፈጥረልካ። ስሓቕ ኣካል ህይወቱ’ዩ። ከይሰሓቐ ዝሓለፈላ መዓልቲ ኣይትዝከሮን። ልዕሊ’ቲ ዝስሕቆ ግን ንሰባት ከስሕቕ እዩ ተዓዲሉ። ሸቃ ኮሜድያን፡ ኣላዪ መድረኽ ከምኡ’ውን ተዋሳኣይን ሰኣላይን እዩ። ኣብ ከም በዓል “ሲም ካርድ፡ ሰብኽ ሳግም፡ ኪሺ” ዝብላ ኮሚካዊ ትሕዝቶ ዘለወን ኮመዲታት ጽቡቕ ስም ከትርፍ ዝበቐዐ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ካብ 2006 ክሳዕ ከባቢ 2012 ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ከም ኣላዪ መድረኽ፡ ተዋሳኣይን ተላሃያይን ብምዃን ብዙሓት ፍርያት ኣፍርዩ እዩ። ምስ ኤርምያስ በረኸት (ሸቃ) ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ ስርሓቱን ፍሉያት ኣጋጣሚታት ህይወቱን ኣዕሊልና ኣለና፣ ሰናይ ምክትታል።  

  • ሸቃ ማዕርግ ድያ ወይስ ጸርፊ፧

ማዕርግ እምበር። ኣብ ግዜ ጥልያን ነቶም ናይ ነጋውስ ኣፍራስ መሪሖም ዝኸዱ ዝነበሩ ዝወሃብ ዝነበረ ማዕርግ እዩ። ብዘመናዊ ኣጸዋውዓስ ኣውቲስታ ፕረዚደንት ማለትኮ እዩ።

  • (ስሓቕ) እሞ ኣብዚ ዘመን’ዚ ካብ ወጸትካስ፡ ሓደ መዓልቲ ከም ኣውቲስታ ፕረዚደንት ኴንካ ሰሪሕካ ኣለኻ ማለት’ዩ።

(ስሓቕ) ኦይ ወሪዱኒ! ኣብ ጥቓ ፕረዚደንትኮ ቀሪበ ኣይፈልጥ።

  • እሞ ብኸመይ ደኣ ወጺኣትካ ወደይ፧

ብንእሽተይ ከለኹ ኣብ ገዛውትና እያ ወጺኣትኒ። ቈልዓ ከለኹ ዓበይበይ ክብል መዓት’የ ነይረ።  ኣብ ገዛውትና ዝኾነ ውራይ እንተ ሃልያ፡ ተሪፈ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ማዕረ’ቶም ዓበይቲ ሰብኡት፡ ዋንጫይ ጨቢጠ እየ ኮፍ ዝብል ነይረ። በዚን ወዲ ኸምዝን እዩ መስለኒ፡ ሃብቶም ሉቃስ ዝበሃል ወዲ ገዛውትና ሸቃ ኢሉ ኣውጺኡለይ። ሽዓ ምስ ለገበትኒ ድማ ክሳዕ ሕጂ እንሀትልካ ምሳይ።

  • ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ተዋዛዪ ምዃንካ እዩ ዝዕለል። እቲ ዋዛ ንስኻ ዲኻ ትፈጥሮ ወይስ ንሱ እዩ ዝመጸካ፧

እንድዒ! ምናልባት ኣብቲ ሞያ ስለዘለኹ ከይከውን ብቐሊሉ ዝፍጠረለይ። ካልኣይ ከኣ ኣብ ከባቢኻ ጥዑማት ሰባት እንተ’ልዮም፡ ጥዑም ነገር ክወጸካ ባህርያዊ እዩ።

  • እስከ ሕጂ ንሸቃ ውጽእ ኢልካ ርኣዮ። ሸቃ ከምቲ ዝግብኦ ጐሊሑዶ ትብሎ፧ ብፍላይ ኣብ ስነ-ጥበብ፧

ኣብ ውራያትና ኩሉ’ቲ ዘድሊ ቀሪብና ከነብቅዕ፡ ነቶም ንውራይና ከማዕርጉ ዝመጹ ኣጋይሽና፡ “ምስጋናኹምን ክብረትኩምን ስለ ዝዓቢ ኢና ዓዲምናኩም እምበር፡ እንታይ ዝቐረብናልኩም ነገር ሃልዩ” ኢልና ኢና ብትሕትና ንዛረብ። ዋላ እቲ ዝኸበረ ቀሪብና ከለና ማለተይ እየ። ይትረፍ ኣነ ብዙሕ ዝጽበየኒ ዘሎ መንእሰይ፡ እቶም ገዳይም ከማን ጐሊሕና ኢና ኢሎም ኣይተዛረቡን። ሓቂ ንምዝራብ ብዙሕ ዝተርፈኒ ነገር ከም ዘሎ እየ ዝኣምን።

  • ሸቃ መን’ዩ፧

ሸቃ! ኣነ ኤርምያስ በረኸት እየ። ብምትሕብባር ኣቦይን ኣደይን ኣብ 1988 ኣብ ኣስመራ፡ ገዛ ከኒሻ ተወሊደ። ናይ ትምህርቲ ዕድመይ ምስ ኣኸለ ድማ ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሳልሳይ ኣብ ቤት ትምህርቲ መደበር ተማሂረ። ራብዓይን ሓሙሻን ኣዱሊስ ክመሃር ከለኹ ሻዱሻይን ሻብዓይን ኣብ ሓርበኛታት ከምኡ’ውን ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብድሆ ተማሂረ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደመድህን ድሕሪ ምዝዛም፡ ምስ 22 ዙርያ ንሳዋ ወሪደ።

  • እንታይ ደኣ ክንድዚ ኮለል፧

ከምኡ፡ ጠዓሞ ኢሉኒ። እቲ ዘስሕቐካ ነገር፡ ኣብ በዓል ሓርበኛታትን ብድሆን እናተማሃርኩ ከለኹ ማዕጾ ዘይተዓጸኹስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደመድህን ከለኹ ዝዕጾ ምንባረይ እዩ። ዝገርመካ እታ ደወል ኣብ ገዛና ከለኹ’ኳ’የ ዝስምዓ ነይረ።

  • እንታይ ተረኺቡ ደኣ ኣብ ርሑቕ ዘይተዓጸኻ ምስ ቀረብካ ክትዕጾ ጀሚርካ፧

ኣብ ሓርበኛታት እናተመሃርኩ፡ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ እየ ዝብገስ ነይረ። ምስ ተስፊት ዝበሃል ዓርከይ ብለይቲ ኢና ንብገስ ነይርና። ስለምንታይ እስከ፧ ተምሪ ናይ ኣብ ካቴድራል ዘለዉ ስየታት ንምእራይ። ክጥዕም ከኣ ገለ’ዩ ነይሩ። ብለይቲ ተበጊስና ቦርሳና መሊእና ናብ ትምህርትና ንኸይድ።

  • እሞ፡ ጠዓሞት ገለስ ኣይትማልኡን ኢኹም ነይርኩም ማለት’ዩ፧

እንታይ ጠዓመቱ! ተምሪ ካቴድራል ደው ይበል። ቦርሳና መሊእና ኢና ንኸይድ ነይርና። ምናልባት ጠዓሞት እንተ ደሊና ግና ምስ ካልኦት መማህርትና ስምምዕ ንገብር። ንሕና ተምሪ ንህቦም፡ ንሶም ድማ የብልዑና።

  • ናይ ስነ-ጥበብ ኣጀማምራኻን ዝቐጸለ ጕዕዞኻን ከተዕልለና።

ንእሽተይ ከለኹ፡ ኣብ ገዛውትና ብዙሓት ክራር ዝጻወቱ ስለዝነበሩ፡ ተኣኪብካ ምዝንጋዕ ኣዝዩ ግኑን ባህሪ ናይ ገዛውትና እዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ውዑይ፡ ተዋዛዪ፡ ደርፍታትን ተግባራት ናይ ሰባትን ክደግም ዝውዕል ሰብ እየ ነይረ። ነዚ ዘስተውዓለ ሓደ ወዲ ገዛውትና፡ ‘ሓደ ኣብ ሃማመተኤ ዝሰርሕ ሰብ ኣሎ ከላልየካ’ሞ ምስ ጉጅለ ባህሊ ክትጽንበር ኣለካ’ ይብለኒ ነይሩ። እቲ ዘገርም ምስቲ ደሓር ንነዊሕ ዓመታት ሓላፍየይ ዝኾነ መስፍን ገብርሂወት እዩ ከላልየኒ ሓሲቡ ነይሩ።

  • እሞ እንታይ ተረኺቡ ደኣ ዘየላለየካ፧

እንድዒ! ኣነ ግን ቅሩብ እየ ነይረ። ደሓር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጻሕኩ፡ ብገለ ኣጋጣሚ ምስ ኣላዪ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ዝነበረ መምህር ኤፍሬም ፍቓዱ ክላለ ዕድል ረኺበ። ዝተቐረበለይ ፈተና ስለዝሓለፍኩዎ ድማ ምስታ ጉጅለ ባህሊ ኣብ 2006 ተጸንቢረ። ምስ መስፍን ተራኺብና ማለት’ዩ።

  • ድሕሪኡ’ኸ፧

ድሕሪኡ፡ ምስ 22 ዙርያ ናብ ሳዋ ወሪደ። እቲ ናይ ስነ-ጥበብ ስርሓተይ ድማ ብዝሓየለ ቀጺለዮ። ድሕሪ ሳዋ ናብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ምስ ተሳሓብኩ፡ ወግዓዊ ኣባል ማሕበር ኮይነ ክሳዕ ሕጂ ኣለኹ። ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ከለኹ ተላሃዪ፡ ተዋስኣይ ከምኡ’ውን ኣላዪ መድረኽ ነይረ።

  • መብዛሕትኦም ካብ ዝረኣኹዎም ስራሓትካ፡ ኮሚካዊ ባህሪ ሒዝካ ዝተዋሳእካዮም እዮም። እቶም ዳይረክተራት ድዮም ከምኡ ዝህቡኻ ወይስ ባዕልኻ ኢኻ ትጠልቦ፧

ሓቂ ንምዝራብ፡ ክሳዕ ሕጂ ዕቱብ ገጸ ባህሪ ዝሃቡኒ ዳይረክተራት ዳርጋ የለዉን። ኣብ ውሑዳት ኣጋጣሚታት ጥራይ እየ ዕቱብ ባህሪ ሒዘ ተዋሲአ ዘለኹ። ምናልባት እቶም ዳይረክተራት ዓቕመይ ኣብ ኮሜዲ ምዃኑ ኣስተውዒሎም ከይኮኑ። ኣነ’ውን ኮሚካዊ ባህሪ ዘለዎ ገጸ ባህሪ እየ ዝፈቱ። ኣብኡ ዝያዳ ዘድምዕ ኮይኑ’ውን ይስምዓኒ። ንነብሰይ’ውን ብኸምኡ’የ ዝፈልጣን ዝስእላን።

  • ኣብዚ ዓውዲ ሞዴልካ መን’ዩ፧

ናተይ ሞዴል ሳንድያጎ እዩ። ብዙሕ እዋን ድማ ብሓባር ሰሪሕና ኣለና። ልዕሊ ኹሉ ዝዝክራ፡ ኣብ ኣደራሽ ዞባ ማእከል ዝበለኒ ዘረባ እያ። ናይ ዝካየድ ዝነበረ ሃገራዊ ሲምፖዝዩም ኣላዪ መደረኽ ሳንድያጎ እዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ነቲ መደብ ክስእል ኢለ ኣብ መድረኽ ደይበ። ሳንድያጎ መደብ ወዲኡ ትኽ ኢሉ ናባይ ድሕሪ ምምጻእ፡ “ኣታ ቘልዓ፡ እዛ ካሜራ ናትካ ኣይኮነትን። ተውህቦኻ ኣለሊ፡” ኢሉኒ ከይዱ። እታ ዘረባ ክሳዕ ሕጂ እያ ትመላለሰኒ። “ሳንድያጎ እኮ እዩ ከምዚ ኢሉኒ፡” እናበልኩ’የ ንነብሰይ ብቐጻሊ ዘዘኻኽራ። በዚ ጽልዋ’ዚ እዩ መስለኒ፡ ዝመጹኒ ስርሓት ኮሚካዊ በህሪ ዘለዎም ክኾኑለይ ዝመርጽ።

  • ገለ ሰባት ንሳንድያጎ ክትመስል ከም ትፍትን ይዛረቡ’ዮም። ብዛዕባ’ዚ እንታይ ርእይቶ ኣለካ፧

ንመን ደኣ’ሞ ክመስል ክፍትን! ንበዓል ሳንድያጎ፡ ንበዓል መምህር ሰሎሞን ኣርብዓ እናረኣኹ’ኳ እየ ዓብየ። ሳንድያጎ ንዓይ ብቐረባ እዩ ጸልዩኒ። ምስቲ ብሓባር ብዙሕ ዝሰራሕናዮ ኣተኣሳሲርካ ክጸለልወኒ’ውን ባህርያዊ እዩ። ደሓር ከኣ ንሳንድያጎ ምምሳል ንባዕሉ ዓቢ ስራሕን ክእለትን እዩ ዝሓትት። ወሸለ ንሳንድያጎ ምምሳል ክኢለዮ።

  • ሓደ ዳይረክተር፡ ሓደ ዕትብ ዝበለ ገጸ ባህሪ እንተ ዝዕድለካ ከመይ ምተዋጻእካዮ፧

ከም ዝመስለኒ፡ ሓይሊ ናይ ምውሳእ፡ እቲ ስራሕ ክሳዕ ክንደይ ልብኻ ረኺቡካን ኣይረኸበካን እዩ ዝውስኖ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ዝመርጾም ስርሓት ድማ ልበይ ዝትንክፉኒ ክኾኑ እየ ዝብህግ። ዝያዳ ካልእ ነገር ድማ እቲ ኮሚካዊ ገጸ ባህሪ ዝሓዘ ስርሓት እዩ ዝምስጠኒ።

  • እሞ ዕቱብ ገጸ ባህሪ እንተ ትወሃብ ኣይምተቐበልካዮን ማለት ድዩ፧

ኣይፋሉን። ከምኡ ማለተይ ኣይኮንኩን። ኣይክእሎን ዘይኮነስ ከምቲ ልክዕ ክኾኖ ዝግብኣኒ ይኸውንዶ ዝብል ሕቶ’ዩ ዝለዓል። ሓቂ ንምዝራብ ኣነስ እቕበሎ፡ እቲ ሕቶ፡ ንሱኸ ይቕበለኒዶ ዝብል’ዩ ዝኸውን።

  • ኣላዪ መድረኽ ኴንካ እውን ሰሪሕካ ኣለኻ። እስከ ብዛዕባ ናይ ምእላይ መድረኽ ተመኵሮኻ ኣዕልለና።

ካብ ካልኣይ ደረጃ ኣትሒዘ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣላዪ መድረኽ ኮይነ ሰሪሐ ኣለኹ። ብፍላይ ኣብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ከለኹ። ኣላዪ መድረኽ ምዃን ንፉዕ ኣዕላሊ ምዃን ማለት’ዩ። ንፉዕ ኣዕላሊ ንምዃን ድማ ድፍረትን ቆላቢ ዕላላትን ምዃን’ዩ ዘድልየካ። ነዚ ድማ ሳላ ዋዒየይን ዝዓበኹሉ ገዛውትን ብንእሽተይ እየ መሊኸዮ።

  • ኣብ መድረኽ ምስ ወጻእካ ዝፈሸለትካ ዕላል ኣላዶ፧

(ሰሓቕ) ሓቂ ንምዝራብ ክሳዕ ሕጂ፡ ኣምላኽ ይመስገን፡ ከምዚታት ብዙሕ ኣየጋጠመንን። ሓደ ግዜ ኣብ ሳዋ ግን ኣጋጢማትኒ። መራሒ ሓይልና ገይሹ ካልእ መራሒ ሓይሊ ምስ መጸና መቐበሊ መደብ ሰሪዕና። ሽዑ እቲ መራሕ ሓይሊ፡ “ሸቃ፡ ንዓ እስከ ኣዕልለና። ነዛ ሓይሊኮ ብስሓቕ ወዲእካያ ኢኻ ኢሎሙኻ፡” ብምባል ምስ ዓደመኒ፡ እታ ዝበለጸት ሕካያይ ነጊረዮ። ውድእ ምስ ኣበልኩ፡ “ካልእ ኣለካ ድዩ ወይስ ኮይኑዋ ንሳ’ያ፡” ብምባል ዘይተጸበኹዎ ነታ ሕክያ ቀቲሉዋ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ፡ ከምኡ ምስ በለኒ፡ ሓይሊ ምልእቲ ብስሓቕ ተኾስቲራ እያ። ብተዘዋዋሪስ ኣስሒቐዮም ማለት እኮ’ዩ።

  • ናብ ሓንቲ ኣጋጣሚ ክወስደካ። ሓደ ግዜ ናብ ደሴት ሓራት ብስራሕ ምስ ከድኩም፡ ንብጾትካ ካብ ማዕበል ሓምቢስካ ከም ዘድሓንካዮም እዩ ዝዝረብ። ከመይ’ዩ ነይሩ እቲ ኣጋጣሚ፧

ኣጋግዮምኻ ኣለዉ እቶም ሰባት። ኣዲኡ ዘፍለጠ፡ ኣነ ጠቕላላ ሓምቢሰ ኣይክእሎን እየ። ከምዚ ዝበልካዮ ሓደ ግዜ ብስራሕ ናብ ደሴት ሓራት ንኸደልካ። ማዕበል ስለዘሸገረና ግና እታ መርከብና ናብቲ ደሴት ክትጽግዓልና ኣይከኣለትን። ኲሉ ሰብ ድማ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብታ ደሴት ይሰግር። ምስ ሰገርና ካሜራታት ስለዝተረስዓ፡ ኣነ ምስ ክልተ ብጾተይ ከነምጽአን ናብታ መርከብ ንብገስ።

  • እቲ ማዕበል ብርቱዕ ከሎ ከመይ ገይርኩም ደፊርኩም ተበጊስኩም፧

ኖእ፡ ሃዲኡ ኢልና ኢና ተበጊስና። ደሓር ናብቲ ባሕሪ ምስ ኣተና ግና ከየረግአ ጸኒሑና። እታ ጃልባ በቲ ማዕበል ክትገላበጥ ምስ ጀመረት ብሓደ ጸግዒ ኮይነ ክጽሊ ጀሚረ። ብውሽጠይ፡ “ኣንታ ፈጣሪ ምስ ኩሉ ሓሳባተይ ክትወስደኒ፡” እናበልኩ ክጽሊ ጀመርኩ። እታ ጃልባ ሓፍ ኢላ ማይ ግሒጣ ምስ ተመልሰት፡ ሓደ ብጻይና፡ “ደቀይ! ደቀይ!” ብምባል ወጨጨ። ኣነ ድማ ዓው ኢለ፡ “ስቕ በል ንስኻ ኸኣ! ንስኻስ ደቂኮ ገዲፍካ! ድቂ ዘይገደፍናኸ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና!” ኢለዮ። ከህድኦ ድየ ዝፍትን ነይረ ወይስ እጻረፍ ኣይርድኣንን’ዩ ነይሩ። ሳልሳይና፡ ኣወልኬር ዝበሃል ክንዲ ገለ ዝኸውን ቆማት መንእሰይ፡ ናባና እናጠመተ፡ “እንታይ ኢኹም ኴንኩም ክንድዚ ትሽርሸሩ፡ ኣጆኹም እንዶ። ኖርማልኮ እዩ!” ኢሉና። ገጹ ጥውይ ኣቢሉ ድማ፡ “ኡፍ” ብምባል ኣበርቲዑ ኣስተንፈሰ። ህይወት ሓያል’ያ። እቲ ኩነታት ብቪድዮ እዩ ክምላእ ነይሩዎ።

  • ሽዑ ናይ ብሓቂ እንታይ ተራእዩካ፧

እዋእ! ሕማቕ ኣሎ ጽቡቕ ኣሎ ብኻ ወሊደ ኢለ ሓሲበ። እታ ኣጋጣሚ ኣዝያ ከባድ ኣጋጣሚ’ያ ነይራ። ሓቂ ንምዝራብ ንድሕን ኣይመሰለንን ነይሩ። ኣምላኽ ጥዑም፡ ድሒንናስ ሕጂ ከማን ከነዘንትወሉ ጥዕና ረኺብና።

  • ከምታ ኣጋጣሚ ካልኣይ ግዜ ከየጋጥመካ ትፈርሕዶ፧

እዋእ! ሓቂ ንምዝራብ ነገራት ምስ ሓለፉ ኣዝዮም ቀለልቲ እዮም። በቃ ከም ካልኦት ኣጋጣሚታት ናይ ህይወት ተመዝጊባ ጥራይ ሓሊፋ።

  • እንታይ ንምባል’የ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተመርዓኻን። ምናልባት ከምታ ኣጋጣሚ ከይተጋጥመካ ትፈርሕዶ፧

እዋእ! በቲ ሽዑ ዝተማባጻዕኩዎ ደኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድቂ ዘይኮነ ደቂ እንድዮም ክህልዉኒ ነይሩዎም! ግና ናይ ዕድል ነገር ድዩ ወይስ ናይ ኣጋጣሚ ክሳዕ ሕጂ ዋላ ድቂ’ውን ክፈጥር ኣይከኣልኩን ዘለኹ።

  • እንታይ ኴንካ ክሳብ ሕጂ ዘይተመርዓኻ፧

ገዛ ኣየገደዱንን (ሰሓቕ)።

  • ሓቂ ደኣ! ክሳዕ ሕጂ ወድኹም ሃቡና ትብል ጓል ዲኻ ዘይረኸብካ ኴንካ፧

ኣይፋሉን። ኣነ ሕጹኖተይ ኣብ እንዳ ጓል ክገብሮ እየ ዝደሊ። ኣብ እንዳ ጓል ዝግበር ሕጽኖት እንታይ ከም ዝጥዕም ክጥዕሞ እየ ዝደሊ። ምስዚ ሓሳብ’ዚ ትሰማማዕ ጓል እንተ ረኺበ ክምርዖ ቅሩብ እየ።

  • መህደሚ ዝኾነካ ዘረባ መቸም ኣይጠፍኣካን’ዩ። ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክወስደካ። ኣብ ናይ ስነ-ጥበብ ህይወትካ ብፍሉይ እትዝክሮ ኣጋጣሚ፧

ሓደ ግዜ ኣብ ኤክስፖ ናይ መድረኽ ድራማ እናሰራሕና ከለና፡ ናይ ኣፍቃሪ ገጸ ባህሪ ሒዘ እዋሳእ ነይረ። ብዛዕባ’ታ ክትመጽኣኒ ዝጽበያ ዝነበርኩ ጽብቕቲ ኣፍቃሪተይ እናተዛረብኩን ኣድናቖተይ እናገለጸኩን ከለኹ፡ ሓንቲ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበራ ጓል ሃንደበት ናብ መድረኽ ደይባ ክትሸይን ኮፍ ትብል። ኩሉ ሰብ እታ ዝመጸት ዓይነት ሰብ፡ ምስቲ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ጽባቐ ፍጹም ስለዘይተሳነየ ብስሓቕ ተወዲኡ’ዩ።

  • እታ ሰብ ተዋሳኢት ድያ መሲላቶም።

እወ። ወዮ መስኪነይቲ ናብቲ መድረኽ ደይባ ክትሸይን’ኳ’ያ ሓሲባ። ኣነ ድማ ተቐላጢፈ ብሕርቃን “ተኣለዪ’ቲ ኣነ ነታ ወናኒት ልበይ እናተጸበኹስ፡ ንስኺ ድማ ዘይተሓስበ፡” ምስ በልኩዋ ሰንቢዳ ካብቲ መድረኽ ሃዲማ ወጺኣ።

  • ካልእከ፧

ካልእ መዓልቲ’ውን ናብ መድረኽ ወጺአ ምስ ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል እናተዋሳእኩ ከለኹ ሃንደበት ስረይ ይመልቆኒ። ኩሉ ሰብ “እውው” ይብል። ኣነ ድማ፡ “በዓል ንስኺ ኣይኮነን ልቢ፡ ስረ’ውን ተፍትሓ ኢኽን። እምበኣር ስረይ ኣፍቲሕክኒ፡” እናበልኩ ስረይ ክዓጥቕ ጀሚረ።

  • ሃንደበት ከምኡ ዓይነት ዘረባ መጺኡካ ማለት ድዩ፧ ኣይተደሃልካን፧

ኣይተደሃልኩን። ሽዑ’ዩ እቲ ሓሳብ መጺኡኒ። ምስ ግዜ ትለምዶ ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚታት ኣካል ናይቲ ተዋስኦ’ዩ መስለኒ።

  • ኣብ ህይወትካ ዝሓረቕካሉን ዝተሓጎስካሉን ኣጋጣሚታት፧

ዝሓረቕኩሉ ኣጋጣሚ፧ ኣነ ደሓን’የ ብዙሕ ኣይሓርቕን እየ። ንኣሽቱ ኣጋጣሚታት የጋጥሙኻ እዮም፣ ግና ክሳዕ ክንድ’ቲ ኣብ ህይወት ጽልዋ ስለዘይብሎም ጽንሕ ኢልካ ትርስዖም። ክሳዕ ሕጂ ዝዝክራ ኣጋጣሚ፡ ዋልታ ዝበሃል ዓርከይ ክፍለየኒ ከሎ ዝተሰምዓኒ ሕማቕ ስምዒት’ዩ። ካብ ትፈትዎ ክትፈላለ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ካብ መጠን ክብደቱ፡ ዋልታ ዓርከይ ቻው ከይበለኒ’ዩ ተፈልዩኒ። ደሓር ምስ ከደ፡ “ቻው ክብል ጸሊአ ኣይኮንኩን። ንመን ቻው ትብሎ ምፍላጥ ግና ልቦና’ዩ፡” ኢሉ’ዩ ጽሒፉለይ። ሓቁ እዩ። ቻው እንተ ዝብለኒ ኣነ’ውን ኣይምኸኣልኩዎን።

  • ዕዉት ዕርክነት ኣብ ምፍጣር ኣዚኻ ንፉዕ ምዃንካ እዩ ዝዝረብ። እንታይ እዩ እቲ ምስጢር፧

ሓቅኻ ኣብ ዕርክነት ዕዉት እየ። ኣምላኽ ይመስገን ብዙሓት ቅኑዓትን ለባማትን ኣዕሩኽ ኣብ ህይወተይ ኣጋጢሞምኒ እዮም። ኣብ ርእሲ’ቲ ንስኻ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ነቶም ቅኑዓት ኣዕሩኽ ኣምላኽ’ዩ ባሪኹ ዝህበካ። ኣምላኽ’ዩ ዝህበካ ኢልካ ግና ኢድካ ኣጣሚርካ ክትርኢ ኣለካ ማለተይ ኣይኮንኩን። ቅኑዕ፡ ውፉይ ብዓቢኡ ድማ ብሽግር ኣዕሩኽትኻ እትሽገርን እትሓምምን ሰብ ክትከውን ኣለካ። ኣነ ኣብ ህይወተይ ልክዕ ከም ኣሕዋተይ ዝርእዮም ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። ተሸጊረ እንተ ኢለዮም፡ ተሸጊሮም ዝደለኹዎ ዘምጽኡለይ ኣዕሩኽ ድማ’ዮም። ቅርበትና ክሳዕ ናብ ስድራቤታትና ዝተሓዋወሰ እዩ። እዚ ድማ ህይወት እትህበካ ጸጋ’ዩ።

  • ናብ ሓንቲ መሓዛኻ ክትበጽሕ ምስ ከድካ፡ ሓደ ዘስሕቕ ህያብ ሒዝካ ኬድካ ነይርካ መስለኒ። እታ ኣጋጣሚ ከመይ እያ ነይራ፧

ሓደ ግዜ ሳሌም ገብርሂወት ትበሃል መሳርሕተይ፡ ጸበል ስለዝነበራ ንገዝኣ ዓዲማትኒ። ቅድሚ ናብቲ ውራይ ምብጋሰይ፡ በይነይ እንታይ ሒዘ ደኣ ክኸይድ እየ ኢለ ደጋጊመ ሓሲበ። ሽዑ ካብቲ ናይ ማማ እንዳ ኣስቤዛ ሓንቲ ሽጕርቲ፡ ሰለስተ ፍረ ጉዕ፡ ሓንቲ ኮሚደረ፡ ሓንቲ ድንሽ፡ ሰላጣ ብምውሳድ፡ ከም ስርዓት ብምጥቕላል ሒዘያ ናብቲ እንዳ መሓዛይ እኸደልካ። ከም ጋሻ ኩሉ ነገር ተቐሪቡለይ። በሊዐ ሰትየ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቡን ትቕሎ ኣላ። ቡን ወሪዳ ቍርሲ ቡን ክቕረብ ምስ ጀመረ፡ እቲ ኣነ ዘምጻእኩዎ ንብረት ክኽፈት ተቐረበ። ክፍት ምስ ኣበሉዎ፡ ዘይተጸበዩዎ፡ ወከልቲ ናይ ኩሉ ኣስቤዛታት ምስ ረኣዩ ብስሓቕ ተኾስቲሮም እዮም።

  • ብዛዕባ’ዚ ናብ ውራያት ሒዝካ ዝኽየድ እንታይ ርእይቶ ኣለካ፧

ሓቂ ንምዝራብ ብዙሕ ዕጉብ ኣይኮንኩን። ዋላ ኣነ ንኸተግብሮ እጽገም እንድየ፣ ግና እዚ ቶርታዶ ኣረቂ ሒዝካ ምኻድ ኣይድግፎን እየ። ኣስቤዛ ሒዝና እንተ ንኸይድ ዝያዳ ውጽኢታዊ ምኾነ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለኒ። መጽሓፍቲ’ውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። በዓል ቶርታ ብሳይንሳዊ መንገዲ ክርአ ከሎ ከማን ውጽኢታውነቱ ኣዝዩ ትሑት እዩ።

  • ናብ ማሕበር መዓስ ኢኻ ተጸምቢርካ፧ ብዛዕባ ማሕበር ዘለካ መረዳእታኸ ከመይ እዩ ዝመስል፧

ናብ ሃማመተኤ ብወግዒ ዝተጸምበርኩሉ ኣብ 2010 እዩ። ቅድሚኡ ካብ 2006 ጀሚረ ግና ብመንገዲ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ኣባል ማሕበር እየ ነይረ። ኣብ ማሕበር ዘለኒ መረዳእታ በቲ ኣብ ርእሰይ ዝገበሮ ወፍሪ እዩ ዝጅምር። ኣነ ውጽኢት ማሕበር። እዚ ናይ ሕጂ ሸቃ፡ ውጽኢት ናይቲ ማሕበር ኣብ ርእሲኡ ዝገበሮ ወፍሪ እዩ። ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ካልኦት ብዙሓት ዕዉታት ሰባት’ውን ውጽኢት ማሕበር እዮም። ከም ኣብነት ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያን፡ ስፖርታውያንን ፖለቲከኛታትን ክንወስድ ንኽእል ኢና። ማሕበር መንእሰያት ክህነጹሉ ዝኽእሉ መንገድታትን ኣገባባትን ሃኒጹ ኣሎ። ነቲ ዕድል ብኸመይ ኣገባብ ትጥቀመሉ ግና ናይቲ ውልቀሰብ ዕማም እዩ።

  • ካልእ ሞያ እውን ኣለካ መስለኒ።

እወ። ካሜራ እስእል’የ። ኣብ 2010 ካብ ሳዋ ምጽእ ምስ በልኩ፡ ቪድዮ ካሜራ ተማሂረ። ናብ ካሜራ ዝኣተኹሉ ምኽንያት ጽልዋ ናይ ኣሌክ ዓርከይ እዩ። እናዓበኻ ምስ ከድካ ካብ ጉጅለ ባህሊ ትእለ ኢኻ። ኣነ ድማ ምስ ዓበኹ፡ ካብ ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ተኣልየ ብቪድዮ ካሜራ ኣብ ሉል ኣውድዮ ቪዥዋል ናይ ማሕበር እሰርሕ ኣለኹ።

  • ህይወት ንዓኻ እንታይ እያ፧

ህይወት! ህይወት ንዓይ ስሓቕ እያ። በቃ እናሰሓቕካ እትሓልፋ መድረኽ እያ ንዓይ። ኣይጭነቕን እየ። መከራ ይኹን ራህዋ ሓላፊ ምዃኑ’የ ዝኣምን። ንነፍሲ-ወከፍ ዝረኸብኩዋ ኣጋጣሚ ድማ ስሒቐን ተሓጒሰን ክሓልፋ እየ ዝጽዕር።

  • ተባኢስካ ትፈልጥዶ፧

ሓንቲ መዓልቲ ተባኢሰ ኣለኹ። እሞ ኸኣ ምስ ዘይዓቕመይ። ብዙሕ ስራሕ ፈቲነ እየ። ፋጕሮ ፈቲነ፣ ፈለኛሞ ፈቲነ. . . ኮታ ዘይፈተንኩዎ ነገር የለን። ጨሪቕካ ብላዕ ግዲ ኢሉኒ ኮይኑ ግን እነሀኹልካ ተዋሲአን ስኢለን እበልዕ።

ሓደ ግዜ፡ ኣብ መደበር እናሰራሕኩ ከለኹ፡ ሓደ ክንዲ ገለ ዝኸውን መሳርሕተይ ምስ ጸየቐኒ ቦሮቕሮቕ ኢለሉ። ንሱ ድማ ሰለስተ ካሶቲ ሂቡ ምስ ገደፈኒ ሰላሕ ኢለ ንገዛይ ከይደ። በዚኣ ንመደበርን ስራሕ ፋጕሮን ተፍንየዮም።

  • ምስ ኣዴኻ ኣብ ተሌፎን ብቐጻሊ ክትጫረቕ እየ ዝሰምዓካ። ነቲ ጭርቃን ለሚዳቶዶ፧

እወ ለሚዳቶ። መዓልታዊ ወይ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ወይ ድማ ፋዱስ ገዛ ኣትየ ቀጻሊ እየ ዘዕልላ። ብፍላይ ዓርኪ ስለዘይሓዝኩ ዘለኹ ሰዓታት እቶ-እቶ ብልክዕ እየ ዘኽብሮ ዘለኹ። በዚ ድማ ጥቡቕ ርክብ እዩ ዘለና። ሓንቲ መዓልቲ እንተ ተፈላሊና ከም ስርዓት ኢና ንነፋፈቕ። ድሌታታ ስለዝፈልጦ፡ ከሐጕሳ እጽዕር እየ። እቲ ዝዓበየ ግና፡ ኣደ ህላውነትካ ጥራይ ስለዘሐጕሳ ኣብ ጎና ምህላውካ ኣኻሊ እዩ።

  • “ተመርዖ’ባ ሸቃ ወደይ”ከ ትብለካዶ፧

ትብለኒ ተበሉኻኸ!

  • እሞ ካብዛ ዘረባ ደኣ ብኸመይ ትሃድም፧

ተመርዖ ትብለኒ። ኣነ ኸኣ ምስ ክንደይ እብላ። በስምኣብ በወልድ መንፈስ ቅዱስ፡ ምስ ሓንቲ እምበር ምስ ክንደይ ደኣ፧ ትብለኒ። እዋእ ኣቲ ማማ፡ ኣደይዶ ኣይኮንክን። ንዓይ ንሓለንጋይ ወድኽስ ሓንቲ ጥራይ ክትምነይለይ። በሊ ፍተውያ ጽልእያ ኣነ ምስ ሽዱሽተ እየ ዝምርዖ። ሰንበት ድማ ምሳኺ እውዕል፡ እብላ’ሞ፡ ኪድ ጽሉል ኣነ ግዳ ምሳኻ እዛረብ ብምባል ናብ ካልእ ዕላል ንሰግር።

  • ኣደ ንዓኻ እንታይ እያ፧

ብርሃን! ማለትሲ ኣገዳስነት ኣደ ሓንቲ መዓልቲ እንተ ገይሻ ወይ ድማ እንተ ሓሚማ ጽቡቕ ገይርካ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ።

  • ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ እዩ፧

ፍቕሪ! ፍቕሪ በቃ ከም ስሙ ፍቕሪ እዩ። ኩሉ ጥዑም ነገር ናይ ህይወት ንፍቕሪ ምሃብኩዎ ወይ ብፍቕሪ ምወከልኩዎ።

  • ኣፍቂርካ ትፈልጥዶ፧

እዋእ! ሕጂ ዘረባ ኣምጺእካ! ኣፍቂረ ተበሉኻኸ። ምስ ብዙሓት ሻሂ ሰትየ እየ። ምስ ብዙሓት እውን ተደሪረ። ኣብ ፍቕሪ ንፉዕ ግዲ ኾይነ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ደስ ዘብሉ ናይ ፍቕሪ እዋናት ኣሕሊፈ እየ። ብፍላይ ድማ ምስ ሓንቲ። ዋላ ተፈታዊት ንበላ። ምስ ተፈታዊት ዘሕለፍኩዎ ህይወት ኣዝዩ ደስ ዘብል፡ ሰላም ዝሰፈኖ ብምንባሩ ክሳዕ ሕጂ እየ ብፍሉይ ዝዝክሮ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሓንሳብ የለናን። ኣነ ብዘምጻእኩዎ ሽግር፡ እታ ሰብ ብዙሕ ከልበትበት ኢላ። ግና እቲ ብጽሓዮ ዝበለካ ኢኻ ትበጽሕ። ምናልባት ኣምላኽ እንተ ፈቒዱዎ ምስኣ እምርዖ እኸውን። ምስ ካልእ እንተ ተመርዕየ ግና ስማ ንጓለይ ከውጽኣላ እየ።

  • እንታይ እዩ ፍሉይነታ፧

ፍሉይነታ ግርህነታን ቅንዕናኣን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግርህ ኢሉ ህይወቱ ብቕንዕና ዘዕልለካ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ንሳ ግና ቅድሚ ኣዕሩኽ ምዃንና እያ ኩሉ ሽግራታን ጸገማታን ኣዕሊላትኒ። ካልእ ዝዓበየ ፍሉይነታ ስነ-ስርዓታ እዩ። ኣብ ልዕለይ ዝነበራ ኣኽብሮት መግለጺ ኣይረኽበሉን እየ። ኣብ ግዜ ዝነበራ ኣረኣእያ’ውን ኣዝዩ ዝድነቕ እዩ ነይሩ። ኮታ ተፈታዊት ንዓይ ሰላም ዝመልኦ ህይወት ዝሃበትኒ ፍጥርቲ እያ ነይራ። ናይ ሰላም ዓለም ከም ዘላ ዘርኣየትኒ እውን እያ።

  • ክሳዕ ሕጂ ክንደይ ኣፍቀርቲ በጺሕካ ኣለኻ፧

ክፈቕደንዶ፧ (ስሓቕ)

  • ደሓን ዋላ ገምት፧

ዓሰርተስ ይበጽሓ ይኾና’የን።

  • እሞ ክንድዚአን ኣፍቀርቲ ምብጻሕካ፡ የጣዕሰካዶ፧

ኣይጠዓሰንን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፍቕሪ ክሳራ ዝበሃል ነገር የለን። ትስሕቕ፡ ትጻወት እንተ ዘይተሰማሚዕካ ድማ ትፈላለ። ምስ ተፈላለኻ እቲ ዝለመድካዮ ስሓቕን ጸወታን ይተርፈካ እዩ። ኣነ ግና እቲ ዝነበረ ርክብ ብሰላም ክውዳእ እየ ዝጽዕር። ጠቕላላ ርክበይ ኣይበትኮን እየ።

  • ኣብ ህይወትካ ተጣዕሰካ ኣጋጣሚ፧

ነዛ ተፈታዊት ዝበልኩኻ ብዘይ ምምርዓወይ ኣዝየ እየ ዝጠዓስ። ቀጻሊ እያ ወድኣለይ ትብለኒ ነይራ። ግና ኣምላኽ ግዲ ዘይወደኦ ኾይኑ ኣይተወደአን።

  • ብዛዕባ መርዓ ካብ ኣምጻእካ፡ መዓስ ኢኻ ክትምርዖ፧

(ቅሩብ ዝን ድሕሪ ምባል) ሕጂ! በቃ ሕጂ ደኣ ኣብዚ ዝቕጽል ሽዱሽተ ዓመት ክምርዖ እየ። ሰብ ከኣ ተመርዖ እናበለ ይርብሸኒ እንድዩ ዘሎ።

  • ኣብ ዓለም ዘይከኣል ነገር ንዓኻ እንታይ እዩ፧

ንዓይ ዝኸበደ ነገር ባእሲ እዩ። ምስ ኵራይ ወይ ምስ ቂምታይ ክሓድር ኣይክእልን እየ።

  • ግደፍ ክፍትነካ እየ።

ኣይትኽእለንን ኢኻ። ሎሚ ኣሕሪቕካኒ ዝኸድካ፡ ንግሆ መጺአ ሰላም ክብለካ እየ።

  • ሸቃ ሓወይ ስለቲ ግሉጽን ሰፊሕን ዕላልካ የመስግነካ።

ኣነ እውን ንዓይ ኣኽቢርካ ንዝገበርካለይ ዕድመ ካብ ልቢ የመስግን። የቐንየለይ።

 

ኢንጅ. ሚካኤል በርሀ

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *