ልዋም፡ ብልጽቲ ሰራሕተኛ ሃማመተኤ 2021

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዓመታዊ ዘብዕሎ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ብድምቕ ዝበለ ኣገባብ ኣብዒሉዎ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ናይ 9 መጋቢት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ኣባላት ማሕበር ተሳቲፎም። ብዛዕባ’ቲ መደብን ኣብኡ ዝተዋህበ ፍሉይ ሽልማት “ብልጽቲ ሰራሕተኛ” ማሕበርን ኣመልኪትና ምስ ሓላፊት ምክትታል ዞባታት ብጸይቲ ሄለን ኣሚነን ተሸላሚት መንእሰይ ልዋም ሃብተማርያምን ዝገበርናዮ ቃለ-መጠይቕ ይስዕብ፤

ብዛዕባ መደባት ጽምብል መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማሕበር ክትገልጽልና፧

8 መጋቢት ብደረጃ ሃገር ክበዓል እንከሎ፡ ማሕበርና ድማ ሃገራዊ ማሕበርን መሻርኽቲ ሃማደኤን ከም ምዃኑ መጠን፡ ነዚ በዓል’ዚ ዓመት መጽአ ብድምቕ ዝበለ ኣገባብ’ዩ ዘብዕሎ። ሎሚ ዓመት ድማ ከም ወትሩ ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ብምድላው ኣድሚቑዎ ውዒሉ። ሃማመተኤ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ዘጠቓልል ሃገራዊ ማሕበር ከም ምዃኑ መጠን፡ ነዚ በዓል ብዓቢ ደረጃ ከብዕሎ ግቡኡን ሓላፍነቱን እዩ።

ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ምክትታል ዞባታት ማሕበር፡ ‘ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ’ ዝበሃል ኣሃዱ ኣሎ። እዚ ኣሃዱ’ዚ እንታይ’ዩ ስርሑ፧

እዚ ኣሃዱ’ዚ ኣብ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ ጸቒጡ ዝሰርሕ ኣሃዱ እዩ። ብፍላይ ድማ ትግባረ ናይቲ ምስ ደቂ-ኣንስትዮ ተኣሳሲሩ ኣብ ስትራተጂያዊ ውጥን ማሕበር ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት ይከታተል። መሐየሊ ዝዀኑ ሓሳባት’ውን የምጽእ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ዓመት ዓመት እነብዕሎ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ይመርሕን ይውድብን።

ኣብ ጽምብል መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ በዓል መን’ዮም ዝሳተፉ፧

ኣብዚ በዓል’ዚ ኩሉ ኣባል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ማሕበር፡ ሃማመተኤ ዞባ ማእከልን ዞባ ሳዋን ትካላት ላዕለዎት ትምህርትን ይሳተፉ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጽምብል እንታይ ንጥፈታት ኢኹም ኣሰላሲልኩም፧

ኣቦ-መንበር ነቲ በዓል ኣመልኪቱ መኽፈቲ ምስ ገበረልና፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ብሃማደኤ ብምእኩል ደረጃ ዝተዘርገሐ ቃል ሃማደኤ ተነቢቡ። ድሕሪኡ ዝተፈላለዩ ውድድራት፡ ሓቢርካ ናይ ምብህሃልን ናይ ቡን መደብን ተኻይዱ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ማሕበር፡ ‘ብልጽቲ ሰራሕተኛ’ ሸሊሙ ነይሩ። ብዛዕባ’ዚ ከተዕልልኒ፧

ንመጀመርታ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብልጽቲ ሰራሕተኛ ሸሊምና። እዚ ዝገበርናሉ ቐንዲ ምኽንያት ድማ ንሰራሕተኛ ካብቶም ከሐይልዎ ዝኽእሉ ነጥብታት ሓደ ኣፍልጦ ምሃብ ብምዃኑ እዩ። ሎሚ ዓመት እዛ ሓሳብ ምስ መጽአት፡ ወላ ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ትዅን፡ ክንጅምራ ኣሎና ብምባል ወሲንና። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ድማ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ንዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ነይሩ። ከምዚ ዝበልኩኻ፡ እቲ ሓሳብ ጽቡቕ ስለ ዝዀነ ወላ ብዝጸበበ መልክዑ ክጅመር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እዩ ኣበጊሱና።

ዕላማ ናይዚ ሽልማት’ዚ እንታይ እዩ፧

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሽልማት’ዚ ብቕዓትን ዓቕሚ ሰራሕተኛታትን ብመንገዲ ናይ ውድድር መንፈስ ንምዕባይ እዩ። ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ኣገባባት መተባብዒ ሰራሕተኛ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ንሓደ ሰራሕተኛ ብሉጽ ስራሕ ፈጺምካ ኢልካ ከተተባብዖ ከለኻ ዝስምዖ ሓይልን ሞራልን ንማንም ዝሕብኦ ኣይኮነን። በዚ መንጽር፡ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ዝርአ ምውድዳርን ቅዱስ ቅንእን እናዓበየ ክኸይድ ዝለዓለ ተኽእሎ’ዩ ዘለዎ።

እቶም ናይ መምዘኒ ረቛሒታት እንታይ እንታይ እዮም ነይሮም፧

ንሓደ ሰራሕተኛ ብሉጽ ከብልዎ ዝኽእሉ ነጥብታት ፍሉጣት እዮም። እቲ ብቐዳማይ ዝጥቀስ ነጥቢ ድስፕሊን እዩ። ኣብ ሰዓትካ ምእታው፣ ዝተዋህበካ ዕማም ብግቡእ ምጽፋፍ፣ ብሕግታት ማሕበር ተቐይድካ ምኻድ፣ ተበግሶ ምውሳድን ንሓደስቲ ስርሓት ድልውነትካ ምርግጋጽን ገለ ካብቶም መምዘኒ ነጥብታት እዮም ኢልና ክንዝርዝሮም ይከኣል’ዩ። መዓልታዊ ብሓባር ስለ ንውዕልን ስርሓትና ድማ ብሓባር ስለ ነሰላስልን፡ መን’ዩ ብመንጽር እዞም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ብሉጽ ንምፍላጥ ዓቢ ግድል ኣይኮነን። ንሓድሕድና ጽቡቕ ገይርና ስለ ንፋለጥ እውን ተወሳኺ ብልጫ እዩ። እዚ ገምጋም ድማ ሕጂ ሃንደበት ዝመጽአ ዘይኮነ ናይ ዓመት ትዕዝብትን ገምጋምን ዝተወስደሉ እዩ።

ነዚ ሽልማት እትመሚ ኮሚተ ኣላ ድያ፧ ብዛዕባ ቀጻልነቱኸ እንታይ እዩ እቲ ሓሳብ፧

ክሳዕ ሕጂ ነዚ ሽልማት ኢላ ዝቖመት ኮሚተ ወይ ጉጀለ የላን። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፡ እዚ ሓሳብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተበገሰን ክፍጸም ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብን እዩ እቲ ተበግሶ ተወሲዱ። እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሕበር ብዝገበርናዮ ምርድዳእ ዝተወሰነ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ኣብ ቀጻሊ ግና ናታ ኮሚተ ተፈልዩላ፡ ዝርጋሐኣ ሰፊሑ ኣብ መላእ ሃገር ንዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣጠቓሊላ እትሽልም ክንገብራ ኢና። ብዛዕባ ቀጻልነታ ድማ ብስፍሕ ዝበለ ደረጃ ክትተሓዝ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ክምስክር እድሊ።

በሊ ናባኺ ክሰግር መንእሰይ ልዋም። ብመጀመርያ ምስ ነብስኺ ከተላልይና። ልዋም መን እያ፧

ልዋም ሃይለማርያም እበሃል። ኣብ 1997 ተወሊደ። ናይ መባእታ ትምህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዳህላክ፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሓድነት ከምኡ’ውን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምክትታል ኣብ 2015 ምስ መበል 28 ዙርያ፡ ሃገራዊ ግቡአይን ትምህርተይን ንምክትታል፡ ናብ ሳዋ ወሪደ። ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ነጥቢ ስለ ዘምጻእኩ ናብ ኮለጅ ንግድን ቍጠባን (ሓልሓለ) ተጸንቢረ። ኣብ 2018 ድማ ብዓውዲ ባንክን ፋይናንስን ብናይ ዲፕሎማ ማዕረግ ተመሪቐ። ናብ ማሕበር ኣብ 2017 መጺአ። 

እዚ ሽልማት’ዚ ንዓኺ እንታይ ትርጉም’ዩ ዘለዎ፧

ንዓይ ዓቢ ትርጉም’ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ሰብ ንፉዕን ብሉጽን ሰብ’ዩ ክትብሎ እንተ ዄንካ በቲ ኣብ ስርሑ ዘንጸባርቖ ብቕዓትን ምስ ሰባት ዘለዎ ናይ ምርድዳእ ዓቕምን እዩ ዝውሰን መስለኒ። እዚ ሎሚ ዝተዋሃብኩዎ ሽልማት ድማ ንፍዕቲ ሰራሕተኛ ምዃነይ ዝምስክር ክሳብ ዝዀነ፡ ንዓይ ዓቢ ነገር’ዩ። ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም፡ ካብ ብዝሰራሕካዮ ስራሕ ብቑዕ ምዃንካ ምምስካር ዝዓቢ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። በዚ ምኽንያት ድማ እዚ ሽልማት ንዓይ ልዑል ትርጉም’ዩ ዘለዎ።

እንታይ ከ ተሰሚዑኪ፧

ሕፍረት።

እንታይ ተረኺቡ ደኣ ሓፊርኪ፧

ቀዳማይ ነገር ሃንደበት ኰይኑኒ። ካልኣይ ድማ እቲ ሽልማት ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ሓፊረ። ሓቂ ንምዝራብ ሓጐስ’ውን ተሰሚዑኒ’ዩ።

ስለምንታይ ተሸሊመ ኢልኪኸ ትሓስቢ፧

እንድዒ።

ቅሩብ ደኣ፧ እዚ ኣዘራርባኺ ከምቲ ኣሰራርሓኺ እባ ክርትም ክርትም ኣብልዮ።

እዋእ! ዕዉት ክፍለ ስለ ዘለዎ እምበር ኣነ ዝተፈልየ ስራሕ ስለ ዝሰራሕኩ ኣይኰንኩን ተሸሊመ ኢለ’የ ዝኣምን። ብባህረይ ዝተዋህበኒ ስራሕ ኣብ ግዚኡ ምስራሕን ምጽፋፍን እየ ዝፈቱ። ስራሕ እንተ ኣጽኒሐዮ ዓቕለይ እዩ ዘጽብበለይ። ኮይና ተሪፋ ናባይ ስለ ዝዀነት ቀልጢፈ እየ ከጻፍፋ ዝደሊ። ናይ ፋይናንስ ስራሕ ድማ ጥንቃቐ ዝሓትትን ዘየቋርጽን ስለ ዝዀነ ኣብ ምምራጸይ ሓጋዚ ነጥቢ ነይሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ካብ ሕጂ ንደሓር ከመይ ዓይነት ሰራሕተኛ ኢኺ ክትኮኒ፧ ረብሓ ናይዚ ሽልማትከ ከመይ ምገለጽክዮ፧

እዚ ሽልማት’ዚ ኣገዳሲ እዩ ዝብል መረዳእታ’ዩ ዘሎኒ። ምኽንያቱ፡ ንሓደ ሰራሕተኛ በቲ ዝገበሮ ስራሕ ዕዉት ክትብሎን ኣፍልጦ ክትህቦን ከለኻ ዝስምዖ ምትብባዕ ኣዝዩ ልዑል እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ቅዱስ ቅንኢ ብምሕዳር ከም ዝወዳደሩ ክገብሮም ይኽእል’ዩ። ብዕቤት ናይ ሰራሕተኛታት ተሓጊዙ ድማ ማሕበር ይዓብን ውጽኢታዊ ይኸውንን። ንዓይ ከም ሰብ እዚ ሽልማት ብሓቂ ልዑል ምትብባዕ’ዩ ፈጢሩለይ ዘሎ። ካብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንላዕሊ ንኽሰርሕ ድማ ክሕግዘኒ እዩ።

ደጊመ እንቋዕ ኣሓጐሰክን እናበልኩ፡ ስለ ዝሃብክናኒ ግዜ ኣዝየ የመስግነክን።

ንሕና’ውን ስለ ተገዳስነትካ ነመስግን።

 

(ኣብዚ ዓመት ልዋም ብልጽቲ ጓል-ኣንስተይቲ ሰራሕተኛ ማሕበር ኣብ 2021 ኰይና ተሸሊማ ኣላ። እዚ ዓመታዊ ክወሃብ ተመዲቡ ዘሎ ኣፍልጦን ሽልማትን’ዚ እንታይ ዓይነት ሽልማት ከም ዘውህብ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ምጽፋፍ ይርከብ። ምስ ተወሰነ ድማ ንተዓዋቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ክወሃባ እዩ።) 

 

ሚካኤል በርሀ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *