እዚ ቓለ-መጠይቕ`ዚ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ዀይኑ፡ ኣብ እዋኑ ኣይተዘርግሐን። ኣገዳስነቱን መልእኽቱን ነባሪ ብምዃኑ ሎሚ ናብ ኣንበብቲ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ዝበረኸ መጻኢ፡ ትስፉው መጻኢ’ዩ ዝጽበየና ዘሎ ክንብል ከለና… ምስዚ ዝጸንሐ ቍጠባዊ ጸገማትን ተጻብኦታትን ኣነጻጺርካ እንታይ’ዩ’ቲ ጭቡጥ መበገሲ?
እቲ ዝበረኸ ዝበሃል ዘሎ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ከም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር እዚ ንኣትዎ ዘለና መድረኽ ሓድሽን ብሩህን’ዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ልዕሌና ብዙሕ ሽርሕታት’ዩ ተፈጺሙ፡ ብዙሕ ከኣ ኢና ሰጊርና። እቲ ዝተፈጸመ እገዳ በሎ ካልእ፡ ካብ መስመርና ንምእላይ፡ መደባትና ንምትዕንቓፍ፡ ሓድነትና ንምዝራግ፡ ሃለውለው ክንብልን ጅሆ ክንትሓዝን፣ ኣብ ዘይምልከተና ወይ ናብ ዘይተጸበናዮ ኣንፈት ከነብል ክግበር ዝጸንሐ ሽርሒ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘፍ ኢሉ ኣሎ። እቲ ዝተኣልመ ውዲት፡ ናብ ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ናታቶም ድንጋጸ ክንኣቱ፡ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻሮም ክንወድቕ፡ ወነንቲ መደባትና ንኸይንኸውን ዝተኣልመ’ዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሌና ኩሉ’ቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ውዲት ተፈቲኑ ከም ዘይሰምር ከኣ ተረጋጊጹ’ዩ። ብድሕሪ ሕጂ ካብዚ ዝዓቢ መሰናኽላት ኣሎ’ዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን። ነዚ ስለዝሰገርናን ዝበታተናን ከኣ ኣብ ቅድሜና ክጸንሕ ዝኽእል ማሕለኻ የለን። እቲ መጻኢ ብሩህ’ዩ። ብኹሉ መዳይ፡ ብቍጠባ፡ ብሃገራዊ ሓድነት፡ ምስራዕ ባዕላዊ መደባት፡ ምውናን ጉዳያትና ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣብ ዝበረኸ መንጠሪ ባይታ ኣለና ክንብል ንኽእል።
ወርቂ ሓደ ካብቶም ንቍጠባ ኤርትራ ሓፍ ከብልዎ’ዮም ተባሂሉ ዝዝረበሉ ዘሎ’ዩ። በንጻሩ ግን ህዝባዊ ግንባርን መንግስትን ብዛዕባ ወርቂ ብዙሕ ክዛረቡ ኣይረኣዩን። እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት? ዘሰክፍ ነገር ኣለዎ ድዩ?
ካብ ስክፍታ ዘይኮነስ ካብ ክዉንነት ኢዩ ዝብገስ። ካብ ቀደም ኣብ ክዉንነት ኢና ንኣምን። ወርቂ ብርግጽ ሓደ ረቛሒ’ዩ። እዚ ሃገር’ዚ ግን እንታይ’ዩ ዘይብሉ? ልዕሊ ወርቂ ዝኸይድ ብዙሕ ጸጋ ዘለዎ ሃገር’ዩ። ኣብ ሕርሻ፡ ኣብ ሃብቲ ማይ፡ ኣብ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓድናት ዝዓበየን ዝበለጸን ጸጋ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ከምዚ ሃገር’ዚ ጸጋ ዝተዓደለ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እቲ ሕቶ እንታይ ንገብር ኣለና? ዓቕምና ወይ ጸጋታትናኸ ኣብ ምንታይ ኢና ከነውዕሎ ንደሊ ዘለና? ናበይ ንምብጻሕ’ዩ? እንተደኣ ኢልና ዘይርካ ዘይርካ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ’ዩ። ወርቂ ድዩ፡ ነዳዲ ድዩ፡ ጨው ድዩ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሃብቲ እንስሳ ድዩ… ነዚ በቲ ንኣምኖ ምርግጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ንኹሉ ብማዕረ ከም ዝባጻሕ፡ ንረብሓ ብዙሓት ከም ዝውዕል ኢና ንሓሳብ። እዚ ድማ ኣብ ሓደ ረፍዲ ዝፍጸም ዘይኮነ ከከም ኣገዳስነቱ ዝሰላስለ ዘሎ’ዩ።
ንሕና ብዛዕባ ወርቂ ወይ ነዳዲ ክንዛረብ ኣይንደልን ኢና። ግን ብክዉንነታዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ እንታይ’ዩ ዘየሎ ኣብዚ ሃገር`ዚ? ምባል ይቐልል። ወርቂ ኣብዚ ሃገር መሊኡ’ሎ። 70% ካብ ኣኻውሒ’ዚ ሃገር ማዕድን’ዩ። ረጊእና ሰሪሕና ናብቲ ግቡእ ማሕበራዊ መዓላ ከነብጽሖን ከነማቓርሖን ኢና ንሰርሕ ዘለና። እዚ ሃገር’ዚ፡ እዚ ዘይበሃል ሃብቲ’ዩ ዘለዎ። ኣብዚ ሃገር ሃብቲ ሕርሻ ጥራይ እንተ ወሰድናስ እንታይ ኢኻ’ሞ ክትብሎ? ካብዚ እቲ ንጥቀመሉ 10% እውን ኣይከውንን። ኣብዚ ሃገር ክንደይ ወሓይዝ ኣሎ? ንምብራቓዊ ወገን ዝፈሱ ጥራይ እንተ ርኢና ክሳብ ክንደይ ኢና ከምቲ ግቡእ ንጥቀመሎም ዘለና? ዳርጋ ኩሉ ንባሕሪ’ዩ ዝፈስስ። ካብ ረሓይታ ክሳብ ቃሮራ ዘለዉ ወሓይዝ እንታይ ተጠቂምናሎም? ጌና ኣብ ምብጋስ ኢና ዘለና። እታ ጽብቕቲ ባህሊ ናይዚ ሃገር፡ ሰብ ቀዳማይን መታካእታ ዘይብሉን ሃብትና ምዃኑ ምእማን’ዩ። ወርቂ፡ ነዳዲ፡ ካልእ ካልእ ብዘይ ጥዑይ ሰብ እንታይ’ዩ ክገብረልካ? ጠንቂ ናይዚ ኣብዚ ኣህጉርና ዘሎ ቅልውላው፡ ድኽመት ናይ ሰብ’ዩ። ንደቂ ሓንቲ ሃገር እናመቓቐልካ እስላምን ክርስትያንን ሰሜንን ደቡብን (ንኣብነት፡ ኣይቬሪኮስት) እሞ ኸኣ ሃብታም ሃገር፡ ናበይ ንምብጻሕ’ዩ? ስለዚ፡ እቲ ሰብ’ዩ ወሳኒ ኣብ መወዳእታ። ሰብ ክበስል፡ ክፈልጥን ክነቅሕን ኣለዎ። ናትና ሕብረተሰብ፡ ናትና ፖለቲካዊ ስርዓት ምስ ካልኦት ስርዓታት ከነጻጽሮ ከለኹ ምስዚ ኩሉ ዝገጥመና ዕንቅፋት እቲ ዝበለጸ ሕብረተ-ሰብ’ዩ ዘለና። ብታሪኽ፡ ብጆኦግራፍ፡ ብኹሉ መለክዒ ንዓና ዝዳረግ የለን።
እዛ ሕቶ በቲ ኻልእ ሸነኻ እንተ ረኣናያኸ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ወርቂ ልዑል ትጽቢት ኣንቢሮም ኣለዉ። ወርቂ ፍሒርካ ዝወጽእ ሃብቲ ስለዝኾነ ንመንፈስ ወይ ባህሊ ስራሕ ህዝብና ብኣሉታ ከይጸልዎ፣ ብዙሕ ሰብ ኣድህብኡ ናብኡ ገጹ እንተ ገይሩ መርገም ኮይኑ ከይመጽእ ክሳብ ክንደይ ኢና ኣተኵሮ ሂብናዮ ዘለና?
ዝኾነ ሃብቲ ብግቡእ እንተ ተጠቂምካሉ ምረቓ’ዩ። በንጻሩ ድማ ብግቡእ እንተ ዘይተጠቀምካሉ መርገም’ዩ። ስለዚ፡ ንሕና እዚ ናይ ወርቂ ድዩ ካልእ ባህርያዊ ሃብቲ ናብ ከሐይለናን ከማዕብለናን ዝኽእለሉ መንገዲ ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብዚ መዳይ’ዚ እቲ መሰረታዊ ነገር ንሕና ወነንቲ መደባትና ክንከውን ምኽኣልና’ዩ። ብናይ ካልኦት ክንከይድ ኣይኮናን። ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ይዝረብ ነይሩ፤ ኣብ ባጽዕ መዕርፎ ነፈርቲ ምስራሕ እንታይ ኣድለየ፧ መገዲ ኣየር ኤርትራ ምምስራት እንታይ ኣድለየ፧ ሃገራዊ ባጤራ ምውጻእ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት… ብዙሕ ይዝረብ ነይሩ። ንሕና ግን ንምንታይ ከም ዘድሊ ኣረጋጊጽናዮ ኢና። ንዓና እንታይ የድልየና ልዕሌና ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የለን። ንዓና ንምዕንቃፍን ንምንብርካኽን ዝተገብረ ኩሉ ሰጊርናዮ ኢና። ኩሉ ግዜ ቀዳምነት እናሃብና ኢና ንኸይድ። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ወነንቲ መደባትና ክንከውን፡ መደባትና ክንሰርዕ፡ ኣየናይ’ዩ ዘዋጽኣናን ዘየዋጽኣናን መሚና ናብ ረብሓ ብዙሓት ከም ዝውዕል ንምግባሩ ዝጸዓረሉ ጉዳይ’ዩ።
እቲ መሰረታዊ ሃብቲ’ዚ ሃገር ወርቂ ኣይኮነን። ካልኦት ማዕድናት’ውን ኣይኮኑን። መሰረታዊ ሃብትና ሰብና’ዩ። ኣብ ኤርትራ ተራ ሰብ’ዩ እቲ ወሳኒ ረቛሒ። ሰብ እንተዘየለ ወርቂ ኣምጺእካ እንታይ’ዩ ክጠቕመካ። ተመኵሮ ብዙሓት ሃገራት፡ ካብዚ ናትና ጸጋ ዘይውሕድ፡ ዝውንና ርኢናዮ ኢና። እንታይ ተጠቂመናሉ እንተደኣ ኢልና መርገም’ዩ ዝበሃል። ንሕና ካብዚ መርገም’ዚ ሓራ ዘውጽእ ሃገራዊ መስመር ንምሓዝ ዘሰላሰልናዮም ዕዮታት ድልዱል ሰረት ኮይኖምና’ዮም። እዚ ሃገር’ዚ ንረብሓ ውሑዳት ሰሪሑ ኣይፈልጥን። ዘለና ሃብቲ ንመንፈስ ዓያይነት ህዝብና ዘራጉድን ዘማዕብልን ደኣ’ምበር ተጸባይነት ከም ዘየማዕብል ተሰሪሑሉ’ዩ። ሃብትና፡ ኩሉ ግዜ ሰብና’ዩ። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ረብሓ ኩሉ ከተማልእ ዝከኣል ኣይኮነን። ግን እቲ ዝበዝሐ ነዚ ሃገር’ዚ ህይወቱን ዕድላቱን ዝኸፈለን ዝኸፍል ዘሎን ህዝብና ብስራሕ ክርህዎ ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
መጻኢና ትስፉውን ክውንነታዊን ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሕካ። በንጻሩ ኸኣ ብዙሓት መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ክስደዱ ይረኣዩ። ድሕሪ’ቲ ኩሉ እዚ ህዝብን ሃገርን ዝኸፍልዎ መስዋእቲ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ከጋጥሚ ቅቡል ኣይኮነን። ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባር ኣብዚ ጉዳይ ከመይ ይመስል?
ብመጀመርታ እቲ ህድማ ካብ ቀደም ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ሕጂ’ሎ፡ ትማሊ ነይሩ፡ ቅድሚኡ’ውን ነይሩ። ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዝሃድም ኣሎ። ሕማቕ ሰብ የሎን ክትብል ኣይትኽእልን። ኣብ ግዜ ሰውራ’ውን ኣብ ጽንኩር እዋን ዝሃድሙ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም ኣንጻር ሰውራ፡ ኣንጻር ህዝቢ ዝሰርሑ’ውን ነይሮም’ዮም። ሃዳምነት ንገዛእ-ርእሱ ናቱ መበገሲ ኣለዎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 3-4 ዓመታት ዝረኣናዮ፡ ንኣብነት ኤርትራዊ ካብ ዓዱ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝካየድ ሽርሒን ዝግበር ላዕልን ታሕትን ማእለያ ዘይብሉ’ዩ። ገሊኡ ብቐጥታ፡ ገሊኡ ብተዘዋዋሪ፡ ገሊኡ ሕማቕ ስእሊ እናሃብካ፡ ንገሊኡ’ውን ኣጉል ተስፋ እናሃብካ… ‘ካብኡ (ካብ ኤርትራ) ጥራይ ውጹ’ምበር ዝሓሸ ናብራ ክትነብሩ ኢኹም’ እናበልካ ዝተገብረ እከይ ስራሕ ማእለያ የብሉን። ብግብሪ እንተ ርኢኻዮ ግን ምስ ከደ ጽቡቕ ናብራ ዝነበረ ወይ ከምቲ ዝተጸበዮ ዝረኸበ ኣሎ ድዩ? ካብዚኣ ብኽብረቱ ምስ ህዝቡ፡ ኣብ መሬቱ ከሎ ኣታሊሎም ናብ ሲኦል ኣእቲዮሞ። ስደት፡ ክብረት ገዲፍካ ክድምና ምዃኑ ኸኣ ብግብሪ ተራእዩ። ብሕጂ’ውን ኣይክህሉን’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ዝኸይድ ግን ምስ መንደቕ ክፍኣትን ክድምናን ክራጸም ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ዓዱ ከም ዝምለስ ርግጸኛ’የ።
ህዝባዊ ግንባር ከምዚ ዓይነት ራእይ ኣለዎ። ግን እቲ መንእሰይ ክሳብ ክንደይ’ዩ ንራእይ ህዝባዊ ግንባር ኣስተማቒሩዎ? ህዝባዊ ግንባር መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጸጋ ካብቲ ኣብቲ ካልእ ዓለም ኣሎ ዝበሃል ከም ዝበለጽ ንኽፈልጥ እንታይ’ዩ ዝሰርሕ ዘሎ? ህዝባዊ ግንባር እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበሮ ሓይሊ ምእማንን ምስራሕን ኣሎዶ ትብል?
ኣነ ኣጕዲሉ ኣይብልን’የ። ግን ነቲ ክውንነት ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ምንታይ መድረኽ ኣለና? ህዝባዊ ግንባር ክንብል ከለና፡ ህዝባዊ ግንባር ዝተፈላለዩ ዓበይቲን ፈተንትን መድረኻት ሰጊሩ’ዩ ኣብዚ በጺሑ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ብድሆታትን ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ከኣ ነንበይኑ’ዩ። እተን ክንፍጽመን ንኽእል መደባት ስራሕ፡ ቅድም ዝነበረን ሕጂ ዘሎን፡ ዝተፈላለየ’ዩ። እቲ ቅድም ዝነበረ ሰብን ተጻዋርነቱን፡ ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ሰብን ተጻዋርነቱን ይፈላለ’ዩ። ስለዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ መድረኽ ናቱ እዋን/ግዜ ኣለዎ እየ ዝብል። ኣብዚ እዋን ህዝባዊ ግንባር ኣይሰርሕን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከምቲ ዝድለን ዝግብኦን፡ ከምቲ ብልክዕ ዝሓስቦ የድምዕዶ ኣሎ እንተኢልና ግን ሕጽረታት ኣሎ። ከምቲ ንሕና ንደልዮ፡ ከምቲ ንሓስቦ ንሰርሕ ኣለና ክብል ኣይክእልን። ብኣጠቓላሊ፡ እቲ ሕቶ ሕቶ መስርሕ’ዩ። ንሕና ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብመንጽር’ዚ መስርሕ ክርእዮ ከለኹ ጽቡቕ ኣለና ክብል እኽእል። ልዕሊ ኩሉ ድማ ህዝባዊ ግንባር መንእሰያት ከሲቡ’ዩ። እዚ ኩሉ ኣብዚ ሃገር ዝስራሕ ዘሎ ስራሓት ናይ መንእሰያት’ዩ። ነዚ ከም ደራኺ ሓይሊ ዝደፍእ ዘሎ ኸኣ እቲ ጠመተን ኣረኣእያን ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሕ ዘሰክፈና ወይ ዝርብሸና የብልናን። እቲ ወድዓዊ ሓቂ እዚ ኮይኑ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ጽቡቕ ንኸይድ ኣለና ክንብል ግን ኣይንደፍርን። ንሰርሕ ኣለና፣ ዝሰራሕናዮ ውሑድ ኣይኮነን፡ ዝጽበየና ዘሎ ኸኣ ብዙሕ’ዩ።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መንእሰያት ኣእሚኑ፡ ወዲቡን ኣንቂሑን’ዩ ተልእኾ ናጽነት ክውን ዝገበረ። መንእሰያት ነቲ ፈታኒ እዋን በዲሆም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንመስዋእቲ ክቀዳደሙ’ውን በቒዖም። ህዝባዊ ግንባር ድሕሪ ናጽነት ዝተኸተሎ ስትራተጂ ምህናጽ ብቑዕ ናይ ናጽነት ወለዶ እንታይ’ዩ?
ኣነ እቲ ጸገም ኮይኑ ዝረኣየኒ፡ ንህ.ግን መንግስትን ፈላሊና ክንርእዮም ንፍትን ምህላውና’ዩ። በዚ ኣረዳድኣ’ዚ ናብ “ሃልወሳ”(ምህውታት) ኢና ክንኣቱ። እቲ መንግስቲ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ፕረዚደንት ናይዚ ሃገር ኣቦ መንበር ህ.ግ እዩ። ኩሉ’ዚ መንግስቲ ዝሰርዖ መደባት፡ ዘለዎ ኣጠማምታ ኣብ መደብን ፍልስፍናን ህዝባዊ ግንባር ዝተመርኮሰ’ዩ። ንኣብነት መንእሰይ ይሰርሕ ኣሎ ንብል ኣለና፡ መንእሰይ ግን ባዕሉ ጥብ ኢሉ ካብ ሰማይ ድዩ መጺኡ? እቲ ኣጠማምታ፡ እቲ ንቕድሚት ምድፋእን ንሰብ ናብ ዝበለጸ መገዲ ከም ዝኸይድ ምግባርን ንባዕሉ ኣጠማምታ ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። ከመይ ኢልና ኢና’ሞ ክንፈላልዮ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር፡ ኣብ ሳዋ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝካየድ ፖለቲካዊ ስርሓት ናይ መንግስትን ግንባርን ኢልና ክንፈልዮ ኣይንኽእልን። እቲ መሰረቱ ወይ መበቆሉ ሓደ እዩ። እዚ መንግስቲ’ዚ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር እዩ። መደባት መንግስቲ ከኣ ኣብ ፍልስፍና ህዝባዊ ግንባር ዝተመርኮሰ እዩ። ዘሎ መንእሰይ ከኣ እንታይ’ዩ’ሞ ዘይገበረ? ሃገር ተኸላኺሉ፡ ሃገር ኣብ ምህናጽ’ውን ይርከብ ኣሎ። እዚ ድማ ብዓቢኡ ውጽኢት ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተኸተሎ ስትራተጂ’ዩ።
ህዝባዊ ግንባር ቤት ትምህርቲ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት (ካድር) ኣብ ናቕፋ ከፊቱ ኣሎ። ድሮ’ውን ብብዝሒ መንእሰያት ኣሳቲፉ… ዕላማኡ እንታይ’ዩ?
ኣብ ናቕፋ ዝዋሃብ ትምህርቲ ካብቲ ብቐጻሊ ብዝተፈላለዩ መገዲ ዝውሃብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝተፈልየን ዕሙቕ ዝበለን’ዩ። ኣብኡ ዝለዓሉ ኣርእስታት ኣብ ካልእ ብቐሊሉ ዘይትረኽቦም’ዮም። እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ’ውን ግቡኦም ዝወድኡ፡ ኣብ ትካላቶም ኣብነታውያን ዝኾኑ፡ ብደረጃ ምስትብሃልን ምትኳርን’ውን ዝሓሹ እዮም። እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ነቲ ዝሳተፍ ሰብ፡ ስነ-ሓሳብ ግንባር ከም ዝዓጥቕ፡ ኣንፈት ጉዕዞና ከም ዝፈልጥ ወዘተ ንምግባር’ዩ። ዘይሩ ዘይሩ ግን እቲ ሰብ’ዩ ወሳኒ። ተራ ናይቲ ሰብ፡ ተሳታፍነቱ፡ ኣረኣእያኡ፡ ወዘተ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኣንፈት ንምትሓዝ’ዩ። እቲ ቤ/ት ክምዕብል ኣለዎ፡ ደረጅኡ ክብ ክብል ኣለዎ። ካብዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ክንከይድ ከም ዘለና ርዱእ’ዩ። መኣስ ንዝብል ሕቶ ድማ እቶም ነቲ መደባት ዘውጽኡን ዝከታተሉን ክውስንዎ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ እንታይ በሃላይ’የ ተስፋ ዝቖርጹ ሰባት ክንከውን የብልናን። ኣእምሮና ከነስርሖን ኣርሒቕና ክንጥምትን’ዩ ዘለና። ኩሉ ጾር’ዚ ሃገር ኣብ እንግድዓ መንእሰይ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ንመንእሰይ ብግቡእ ክንሃንጾን ትካላትና ከነሓይልን ኣለና።
ካብ ሕቶ መንእሰይ ከይወጻእና፡ ዓበይቲ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣለኹም። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝርአ ስክፍታ “ምፍራይ ተካእቲ” ግን ኣብ ቦታኡ’ሎ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከምዚ ኣብዚ ኣብ ቤት ጽሕፈትካ ዘላ ስእሊ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር፡ እቶም ተሳተፍቲን መራሕቲን ናይቲ መደብ መንእሰያት’ዮም። ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ኣልዒሎም ከኣ ይዝትዩ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ንዓኹም ክገጥመኩም ዝኽእል መንእሰይ ክምልመል ተኻኢሉዶ? እዚ መንእሰይ ነዚ በጺሕኩሞ ዘለኹም ብስለት፡ ደረጃ ሃገራዊ ንቕሓት፡ ሃገራዊ ራእይን ኣተሓሳስባን ወኒኑ ኣሎዶ ትብል?
መስርሕ’ዩ። ንኣብነት እቶም ዝበዛሕና ሕጂ ዘለና፡ ካብ መፋርቕ 60ታት፡ 70ታት ዝተሰለፉ መንእሰይ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ምስዚ ሕጂ ዘሎ መንእሰይ ዝስከም ዘሎ ሓላፍነት ሓደ ድዩ እንተድኣ ኢልና ሓደ ኣይኮነን። ኣብ 70ታት፡ ንኣብነት፡ ኣብ ደረጃ መርሕነት ብዙሓት ነይርና። ወዲ 19፡ 20፡ 23 ዓመት ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ይገጥም ነይሩ። ሎሚ ወዲ 25 ዓመት እንታይ ክገብር ይኽእል እንተ ደኣ ኢልና ብግቡእ ምምላስ ከድልየና’ዩ። እቲ ዝነበረ ኩነታት ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። መብዛሕትኡ እቲ ናይ ሰውራ ወለዶ (ንሱ’ውን ኣብ 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታት ዝመጸ) ይፈላለ`ዩ። እቶም ቀዳሞት ካብ 70ታት ጀሚሮም ክሳብ ሕጂ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ኣብ ደረጃ መርሕነት’ውን ዘለዉ፡ እንተ ረኣናዮም እቲ ንሶም ዘጥረይዎ ተመኩሮ ቀሊል ኣይኮነን። ደቂ 19/20 ከለውስ ብዙሕ ይብድሁ ነይሮም። ዓበይቲ ጉዳያት ብንቕሓት ይፈትሑ ነይሮም። ኣባላት መርሕነት ኮይኖም ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ይመርሑ ነይሮም። ብዙሓት ካብኦም ከኣ ዝተሰውኡ ኣለዉ። እቶም ሕጂ ተሪፍና ዘለና በጻብዕቲ እንቑጸር ኢና። ሕጂ እቲ መድረኽ፡ እቲ ኣጠማምታን እቲ ኣተሓሳስባን ፍልይ ዝበለ’ዩ። ዋላ እቲ ናብራ ንገዛእ ርእሱ ከምቲ ናይ ቀደም’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ሕጂ’ውን እንተኾነ ነዚ መንእሰይ ብግቡእ እንተመልሚልናዮ ናብቲ ደረጃ’ቲ ዘይበጽሓሉ ምኽንያት የለን። ከምቲ ንሕና ዝነበርናሉ ከምኡ ዓይነት ሓላፍነት ተሰኪሙ ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ጥራይ ከመይ ገይርና ንሕና መንገዲ ንኸፍተሉ፡ ከመይ ገይርና ነስርሖ፡ ከመይ ገይርና ንቕድሚት ንደፍኦ፡ ነቲ ኣሉታዊ ነገራት ከመይ ገይርካ ኢኻ ትኣልዮ? ኣብ ክንዲ ብውልቁ ዝሓስብ ከመይ ገይሩ’ዩ ናይ ሓባር ከም ዝሓስብ፡ ብኸመይ’ዩ ጠመትኡ ከስፍሕ ከም ዝኽእል… ሓደ ካብቲ ክንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ’ዩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ መንእሰይ ባዕሉ ክገብሮ ዝኽእል ነገር’ዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት፡ ነፈርቲ እንዳ ደብደባና፡ ስራሕና ኣቋሪጽና ኣይንፈልጥን። ኣኼባታት ነካይድ፡ መደባት ንሰርዕ ወዘተ. እቲ መንእሰይ ተበግሶ ናይ ምውሳድ፡ ሓላፍነት ናይ ምስካም ባህሊ ስለ ዘጥረየ ንኹሉ መኪትዎ። ባዕላዊ ተበግሶ ኣብ ንቕሓት መንእሰያት ወሳኒ ተራ’ዩ ዘለዎ። ሎሚ እቲ መንእሰይ ይኹን እቲ ካድር ከምቲ ዝድለ ስሩዕ ኣኼባታት ዘካይድ ኣሎ ክትብል ኣይትኽእልን። ኣብ ሜዳ፡ ነፈርቲ እንዳ ደብደባና ኣኼባታት ነካይድ፡ ዓበይቲ ውሳኔታት ንከም ናይ ምዝላቕ፡ መሬትን ህዝብን በብቑሩብ ሓራ ምውጻኡ… ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ፡ ኣመና ዓበይቲ ውሳኔታት ነሕልፍ ነይርና። ሕሰቦ፡ ከምዚኦም ዓይነት ውሳኔታት ከተሕልፍ እሞ ኣብ ትሕቲ ገረብ፡ ኣብ ትህቲ ደብዳብ፡ ኣብ ጽምኢ፡ ሓንሳብ ጥራይ እንዳበላዕካ፡ ኣብ መዓልቲ 4-5 ሰዓታት እንዳ ተጓዓዝካ፡ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ክርአ ከሎ ኣብዚ ሕጂ ብኾፉ ብዛዕባ ወርቂዶ ነዳዲ እንዳበለ ኣብ ሃልወሳ ዝኣቱ ኣሎ።
መርሕነት ህዝባዊ ግንባር ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ታሪኽ ሒዝዎ ኣስቂጡ’ሎ። ኣይትነግሩናን ዘለኹም። ዝተፈጸመ ታሪኽ ሰኣን ምጽሓፍን ምዝንታውን ብዓቢኡ’ውን ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ስቕ ምባል ስለ ዘቐድም፡ በንጻሩ ኸኣ እቲ ታሪኽ ዝሰርሐን ዝመርሐን በብሓደ ይጐድል’ውን ስለዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ እንታይ’ዩ ክኸውን?
ኣነ ነዚ ሓደ ካብቲ ሕመቕና’የ ዝብሎ። ዘለካ ተመኵሮ ምክፋል ነውሪ ኣይኮነን። ግን እቲ ኣብ መስርሕ ዘጥረኻዮ ባህሊ’ውን ይቕይደካ’ዩ። ገሊኡ’ሎ መዓት ቅያ ፈጺሙ ክንሱ ክዛረበሉ ዘይደሊ። እዚ ብኽፍኣት ዘይኮነ ክጀሃር ስለ ዘይደሊ’ዩ። ኣብ ካልእ ዓዲ’ኳ ይበሃል’ዩ፣ ኣነ ከምዚ ገይረ፡ ከምዚ ሰሪሐ… ይብሃል’ዩ። ንሕና ግን ከምኡ ኣይንብልን ኢና። ምናልባት ግን ነፍስኻ ካብቲ ፍጻሜ ኣውጺእካ ነቲ ፍጻሜ ምግላጽ ካብኡ ናብኡ ዝሓሸ ምኾነ። ኣብ ታሪኽና እዚ ዘይበሃል ጅግንነት ዝፈጸሙ ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ኣለዉ። ተኣምር’ዮም ሰሪሖም። ክዛረቡሉ ግን ባህሪ ናይቲ ተጋዳላይ ኣየፍቅደሎምን’ዩ። ክንደይ ጀጋኑ ኸኣ ገለ ከይበሉ ሓሊፎምን ይሓልፉ ኣለዉን። ብኣጠቓላሊ፡ ብዛዕባ ነፍስና ምዝራብ ካብ ዘይከኣልና ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ምዝራብ’ውን እቲ ዓቕሚ ንስእኖ ኣለና።
ታሪኽ ድምር ናይ ብዙሓት ውልቀ ሰባት’ዩ። ሓደ ሰብ ንውልቁ ክሰርሖ ዝኽእል ሃገራዊ ታሪኽ የለን። ምስ ከባቢኡ ምስ ብጾቱ ኮይኑ’ዩ ታሪኽ ዝሰርሕ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ባህሪ ወሳኒ’ዩ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ዝግበር ጐስጓስ ስልጣን እንተርኢና፡ ሰባት ብዛዕባ ውልቃዊ ክእለቶም ብዙሕ ክምድሩ ይረኣዩ። ኣባና ግን ኣነ ከምዚ እየ፡ ከምዝን ከምትን ሰሪሐ ክትብል ከቢድ’ዩ። ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ዘጥረኻዮን ሓይሊ ዝፈጠረልካን ባህሊ ሓባራዊ ኣተሓሳስባን ብእኩብ ምዝራብን ብቐሊሉ ክትቅይሮ ቀሊል ኣይኮነን።
ግን ታሪኽ ብፈጸምቱ እንተዘይተጻሒፉን በቲ ክዉንነታዊ መገዲ እንተዘይቀሪቡን ጽባሕ ሃስያ ክወርዶ እዩ። እዚ’ዩ እቲ ስክፍታና። ብጻይ ኣልኣሚንን ብጾትካን ዝሰራሕኩሞ ሃገራዊ ቅያን ታሪኽን ስኣን ሎሚ ኣብ ወረቐት ምስፋር ጽባሕ ካልእ መልክዕ ክሕዝ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ’ዩ… ስለዝስ…
ናይ ብሓቂ ክስርሓሉ ዘለዎ’ዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ፍጻሜ ቅያ ኮማንዶ እንተወሲድና ኣብኡ ብኣካል ዝነበሩን ዝመርሑን ሰባት ኣለዉ። ጸብጻብ ኣሎ። ግን ጸብጻብ ከተንብብን ባዕሉ’ቲ ዝሰርሖ ከዘንትወልካ ከሎን እቲ መቐረቱን ላዝኡን ነንበይኑ’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ ግን ክዛረብ ኣይደልን’ዩ። ከመይ ኢሉ’ዩ “ኣነ ከምዚ ገይረ” ኢሉ ክዛረብ። ከም ሕጽረት ኣብ ቦትኣ እንዳ ሃለወት፡ ከም ባህሪ ግን እታ ዝሓየለት ጐድንና’ያ ነይራ። ምስጢራትና ሱቕ ኢልና ኣይነዝሩቕን ኢና። ምስጢርካን ምስጢር ውድብን ክሳብ ትመውት ትዕቅቦ። ናይ ገለ ሰባት ኣሎ፡ ቅድም ኣብ መድረኽ ተራኺብካ፡ ብሓደ ተጓዒዝካ፡ ብዛዕብኦም ከም ሰነድ ዝጸሓፍካዮ ደሓር ቅደዶ ዝመጸካ ኣሎ። ሎሚ ካልኦት ኮይኖም፡ ዝበደልዎ ዝጸየቕዎ ክትርእዮ ከለኻ ብዛዕባ ሰባትን ተግባራቶም ኣብቲ ታሪኽን ዝሓዝካዮ ውልቃዊ ትዕዝብቲ’ዩ፡ ከመይ ኢልካ ትጽሕፎ…?
ሕቶ ዓቕሚ’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ገሊኡ ክጽሕፍ ክዝክር ይኽእል፡ ክትንትን ይኽእል፡ ገሊኡ ኸኣ ፈጺሙ ኣይዝክርን። ብሓፈሻ ግን ስኑድ’ዩ ኩሉ። ንዓና ዘለና ሰነዳት እዚ ዘይበሃል’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ወታሃደራዊ ጸብጻባትና ምስ ናይ ጸላኢ ክንርኢ ንኽእል። ንሕና ብዛዕባ ሓንቲ ውግእ ነቕርቦ ዝነበርና ጸብጻብ ምስቲ ናይ ጸላኢ ዘቕርቦ ዝነበረ ከተወዳድሮ ከለኻ ንሕና ኣትሒትና ንጽሕፎ ከም ዝነበርና’ዩ ዘርእየካ። ምስቲ ናይ ጸላኢ ከተወዳድሮ ከለኻ ዓቢ ፍልልይ ኢኻ ትረኽበሉ። ኣብ ሓንቲ ውግእ ንሕና 10 ወተሃደራት ጸላኢ ሞይቶም ኢልና ዘቕረብናዮ ኣብቲ ናይ ጸላኢ 25 ኮይኑ ትረኽቦ። ከነጋንን ስለዘይንደሊ እናተሰፍና ኢና ጸብጻብ ነቕርብ ነይርና። ብኣጠቓላሊ፡ ኣብ ምስናድ ድኹማት ኣይኮናን። 50 ዓመት ኣንቢብካ ዘይውዳእ ኩሉ ሰነዳት ኣሎ። ወያነ ንኣብነት ኣዲስ ኣበባ ከነእትዎም ከለና ፋይል ትበል ኣይነበረቶምን። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሰነድ መሰረታዊ ነገር ስለዝኾነ ክሳብ ዝርዝር ኣስማት ናይ ኩሎም ስዉኣትና፡ ኣብ ኵናት ሕድሕድ ዝተሰውኡ ከይተረፈ ኣለና።
ካብ ጸብጻባት ውጽእ ኢልና ግን ውልቃዊ ተመኵሮን ጦብላሕታን ናይ ወሰንቲ ሰባት ነቲ ታሪኽ ኣንጉዑ ስለዝኾነስ ካብ ወድዓዊ ጸብጻብ ወጺእና፡ ኣብ ሰነድ ዘይርከብ ተዘክሮታት። ጽባሕ መን ከዘንትዎ’ዩ?
እቲ ዝጸሓፍ ብዙሕ፡ ዝጽሕፉ’ውን ምበርከቱ። ግን እቲ ሰብ ምስ ዘሎ ጻዕቂ ስራሕ ብዙሕ ዕድል’ውን ኣይረክብን’ዩ። ኣጻፊፍካ ምጽሓፍ፡ ዝሓለፍካዮ መድረኻት ኣዳቒቕካ ምዝካርን ቅኑዕ ትርጉም ምሃቡን፡ ተራ ናይ ካልኦት ኣብ ጕዕዞኻ ብግቡእ ምንጽብራቕ…ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ከም ሓንቲ ፍጻሜ፡ ምውላድ ህዝባዊ ግንባር ንውሰድ ንኣብነት፡ ብዛዕባ’ዛ ኣርእስቲ ክትጽሕፍ እንተደሊኻስ እንታይ ኢኻ ክትብሎ–መስገደል’ዩ። ኣብ ነንሕድሕድና ዘካየድናዮም ውግኣትን ክሳራታቶምን ይበዝሑ ካብቲ ምስ ጸላኢ ዝገበርናዮ። ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝበለጹ ጀጋኑ፡ ኣብኡ ዝጠፍአ ዓቕሚን ዓይነትን ሰብ ማእለያ ዘይነበሮ’ዩ–ዝበለጹ ካድረታት። እዚ ስለምንታይ ኣጋጢሙ እንተድኣ ኢልካ ሓደ-ክልተ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ. ዘምጽእዎ’ዩ። ነዚ ከም ፍጻሜን ከም ተርእዮን ብኸመይ ክትጽሕፎ ትኽእል? ነፍስኻ ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ኣእቲኻ እንታይ ከተብላ ትኽእል? እዚ ኩሉ ተሰጊሩስ ሃገር ኮይንና። ሱቕ ኢልካ ዝመጸ ኣይኮነን፡ በቲ ነዛ ሃገር ዝሕሰበላ ዝነበረ ቀደም ተበታቲና ምሃለወት። ኤርትራ ሃገር ክትከውን ዘኽኣለ ፍጻሜ ወይ መስርሕ ከኣ ምውላድ ህዝባዊ ግንባር እዩ።
ስለዚ፡ ንምውላድ ህዝባዊ ግንባር ከም ፍጻሜ ክትጽሕፈሉ እንተደሊኻ እንታይ ኢኻ ክትብሎ? ብኸመይከ ከተቕርቦ? ክጸሓፍ ዘለዎ ዘይቀሊል ዕዮ’ዩ። ምውላድ ህዝባዊ ግንባር ክንደይ መሰናኽላት ናይ ቀቢላ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ኣተሓሳስባ…ሰጊሩ ዝመጸ’ዩ። ኩሉ ተደባሊቑ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ ወጺኡ ንህዝባዊ ግንባር ክፈጥር ዝሓለፎ መሰናኽላትን ተጻብኦታትን እንታይ ኢኻ’ሞ ክትብሎ? ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ንባዕሉ ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ ሳልሳይ ወገን፡ ናይ ዕበል…በየን መጺኡ’ዚ? ናብ ሓንቲ ህዝባዊ ግንባር ንምምጻእ ንባዕሉ ቃልሲ’ዩ በቃ። እቲ ደሞክራስያዊ ዝበሃል ሰብ በብቑሩብ፡ ብሓባር ብምስራሕ፡ ምህናጽ ቤት ትምህርቲ ካድር፡ ብሓንሳብ ብምስዋእ፡ ብሓባር ብምሕሳብ፡ ናይ ሓባር ተመተ ብምፍጣር…እዚ’ዩ ንህዝባዊ ግንባር ኣብ መወዳእታ ፈጢርዎ። ተ.ሓ.ኤ. ከምዚ ክትፈጥር ኣይከኣለትን፡ ካልኦት ምንቅስቓሳት ኣፍሪቃ’ውን ክፈጥርኦ ኣይከኣላን። ኣብ ታሪኽ፡ ምፍጣር ህዝባዊ ግንባር ፍሉይን መዳርግቲ ኣልቦን’ዩ። ነዚ ከመይ ኢልካ ኢኻ ከተቕርቦ? ከም ተወሳኺ ዕዮ ምስ ስራሕካ እንዳ ኣመንጎካ ክትገብሮ’ውን ዝከኣል ኣይኮነን።
ስክፍታና ንሳ እንድያ። እዚ ሓቂ’ዚ መኣስ’ዩ ክግለጽ። ግዜ ምስ ወሰደኸ መን’ዩ ክመልሶ?
እሞ እዛ ባህሊ እዚኣ ከመይ ገይርና ነምጽኣያ?
ክቡር ብጻይ ኣልኣሚን፡ ጸብጻብ’ቲ ፍጻሜታት ኣብ ወረቐት ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክጸንሓና’ዩ። ሕጂ ዘድልየና ዘሎ ውልቃዊ ተመኵሮታትን ጦብላሕታን ሰራሕቲ ታሪኽ እዩ። እዚ ኸኣ ትንፋስ ናይቲ ታሪኽ’ዩ።
እንታይ ንግበር’ሞ? ንሳ’ያ እታ ሕቶ። ከም ፍታሕ እቲ ክጽሕፍ ዝኽእል ክጽህፍ ኣለዎ።ኣስማት ምጽሓፍ ኣየድልየንን’ዩ ግን ዝጽሕፉ ዘለዉ ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ናይ ሓባራዊ ስራሕን ህይወትን ውልቃዊ መረዳእታኻ ክትጽሕፍ ቀሊል ኣይኮነን። ብኹሉ ሸነኻቱ ክትርእዮ፡ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ክትግምግም ኣለካ። እታ ትፈልጣ ፍጻሜ ዘይተጸቤኻዮ ትርጉም ብምሓዝ ጸገም ክትፈጥር ስለ እትኽእል ትም ትመርጸሉ እዋን ኣሎ።
መተካእታኹም ኣብ መስመር ይረኣዩኻ ኣለዉዶ ብጻይ ኣልኣሚን?
ብርግጽ ይረኣየካ’ዩ። ግን ከኣ ኩሉ ግዜ መተካእታኻ ባዕልኻ ክትፈጥሮ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። እቲ ብቑዕ ኩሉ ግዜ ንዘለዎ ዕድላት ብምጥቃምን ንዝገጥምዎ ብድሆታት ብምግጣምን’ዩ ዝፍጠር። መንእሰይ ምስ ዘለዎ መድረኽ ተቓንዩ ባዕሉ ክፍጠር ከሎ’ዩ ሓይሊ ዝህልዎ። ንኣብነት፡ ንዓና ዝፈጠረና ሰብ የለን። እቲ መድረኽ’ዩ ከም ንፍጠር ገይሩና። ነቲ መድረኽ ኣንቢብና፡ ኪኖ ውልቃዊ ኩነታትና፡ ብሃገርን ህዝብን ስለ ዝሓሰብና ግቡእ ግብረ-መልሲ ሂብና። ኣነ ክስለፍ ከለኹ ካብ ስዑድያ እየ ተሰሊፈ። ስድራይ ኣብኡ እዮም ነይሮም። ሽዑ ወዲ 19 ዓመት እየ ነይረ። ዋላ’ኳ ኣብ ኣስመራ ይወለድ ደኣ’ምበር ንኤርትራ ኣብ ግዜ ሰውራ እየ ተላልየያ። ኣብ ባጽዕ ድሕሪ ምቕማጥና ብ1953 ንደገ ኬድና። ካብኡ ተመሊስና ሓንሳብ ኣብ ኣስመራ፡ ሓንሳብ ኣብ ባጽዕ፡ ሓንሳብ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምቕማጥ ኩነታት ምቹእ ስለዘይነበረ እንደገና ንስዑድያ ተሰዲድና። ብ1965 ከኣ ናብ ሰውራ ኤርትራ ተጸንቢረ። ስለዝስ፡ ኩሉ’ቲ ነዚ ዝፈጠረ እቲ ኩነታት ደኣ’ምበር ክፈጥረና ዝደለየ ስለዝነበረ ኣይኮነን። ሓቂ’ዩ ንዝቕጽሉ ወለዶታት መገዲ ክትጸርግ፡ ከተጣጥሕ፡ ናብቲ ግቡእ ሃገራዊ ኣንፈት ክትመርሕ ኣለካ። ኣቢሉ ኣቢሉ ግን መንእሰይ ባዕሉ’ዩ ዝፍጠር።
ኣቐዲምና ኣብ ገዛእ-ነፍስና ክንምርኮስ፡ ዝበዝሐ ዝረብሓሉ ኩነት ክንፈጥር ክንብል ጸኒሕና። ነዚኣ ከነተግብር እንድሕር ኮይንና እቲ ሰብ ኣብቲ መስርሕ’ዩ ዝፍጠር። ከምዚ ገይረ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክፈጥር’የ ትብለሉ’ውን ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ትጽቢት ዝገበርናሎም፡ ዘምሃርናዮም ኣብ ፈታኒ እዋን ጠንጢኖምና ዝኸዱ ብዙሓት’ዮም። ብዙሕ ትጽቢት ዝገበርናሎም፡ ብቑዓት’ዮም ዝበልናዮም፡ እምነት ዘሕደርናሎም ንዓና ገዲፎም ናብ ጸላኢ ኢዶም ዝሃቡ ባዕልና ዘዕበናዮም’ውን ኣለዉ። እቲ ሰብ ባዕሉ ኣሚኑ፡ ተወፍዩ፡ ዝከኣሎ ምስ ዝሰርሕ’ዩ ብቑዕ መተካእታ ክፍጠር ዝኽእል ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። እዚ ግን ሱቕ ኢልና ባዕሉ ይፈጠር ንግደፎ ንምባል ዘይኮነ፡ እቲ ዕድላት እንዳ ፈጠርካ፡ ቅኑዕ ሃገራዊ መስመር እንዳ ኣትሓዝካ እቲ ብቑዕ ባዕሉ ከም ዝፍጠር ምግባር’ዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ስርዓት ደርግ ንምዝታይ ካብ ሜዳ ንወጻኢ ሃገር ትኸዱ ነይርኩም። ንኣብነት፡ ኣብ 1977 ንበርሊን (ጀርመን) ኬድኩም ነይርኩም። እንታይ ውሕስነት ስለዝነበረ ኢኹም? ናብ ስርዓት ደርግ ከየረክብኹምከ ኣይትሰግኡን ዲኹም?
መንግስቲ ጀርመን ኣሕሊፉ ክህበና ይኽእል ነይሩ። ግን ልዑል እምነት ኣብ ነፍስናን ኣብ ዕላማናን ነይሩና። ኣብ 1977 ‘ልዝብ’ ዝበሃል ስለዝመጸ ናቱ መቐጸልታ ኢና ንጀርመን ኬድና። ነታ ፍጻሜን ተመሳሳሊ ካልእ ከምኣን ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፈይ (ሕድገት ዘየፍቅድ መሰል) ኣስፊረዮ ኣለኹ። ድሕሪኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት–ኣብ ሞስኮ፡ በርሊን፡ ዓደን፡ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ግሪኽ፡ ወዘተ እቲ ርክባት ነይሩ እዩ። ሕጂ ክትሓስቦ ከለኻ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምንባሩ ትርዳእ። ምኽንያቱ፡ ምስቶም ኣምሓሩ ኮፍ ኢልካ ካብ መግቦም ትበልዕ። ኣብ ኣቴንስ፡ ግሪኽ፡ ንኣብነት፡ ሓንቲ ሰሙናዊ ክልተ ግዜ ካብ ኣቴንስ ንኣዲስ ኣበባ ትመላለስ ነፋሪት ነይራ። ንሕና ንጽበዮ ነገር የብልናን። ነቶም ኣምሓሩ ግን ቀጻሊ ዝግኒ፡ ጥሕሎ፡ ብርዚ…ሒዛትሎም ትመጽእ ነይራ። ንሕና ከኣ ምስኦም ንበልዕ። ዝግኒ ዝበሃል ካብ ዘይንበልዕ ዓመታት’ዩ ኣብቲ እዋን ግን ምስቶም ክሓርዱና ዝደልዩ፡ ጥፍኣትና ዝምነዩ ኣብ ሓንቲ ጣውላ ኮፍ ኢልና ንበልዕ–እንታይ’ዮም እሞ ክገብሩ?
ንምድንጋርና ብመገዲ ካልኦት ሃገራትን ኣገባብን ብዙሕ ፈተነታት የካይዱ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ነፍስናን ኣብ ልዕሊ’ቲ ውድብን ዝነበረና እምነት’ዩ ዝስዕር። ዋርድያ የብልና፡ ዝኣልየና የለ…ንሳቶም ኣብቲ ዝበለጸን ዝኸበረን(ውሕስነት ዘለዎ) ሆቴላት ክድቅሱ ከለዉ ንሕና ዝሓሰረን ኣብ ሓንቲ ክፍሊ 3-4 ኮይንናን ንድቅስ። ንሳቶም መዓልቲ መዓልቲ ክዳውንቲ ክቕይሩ ከለዉ ንሕና እታ ዘላትና ምሸት-ምሸት ሓጺብና ነስታርራ–ካልእ የለን። ሓንቲ ካራቫታ ክንገዝእ ነውጽኦ የምኪን ናይ ሓንቲ ጋንታ ናይ ሰሙን መሻርፋ’ዩ። ሸብዳዕዳዕ ዝበሃል የለን…
ኣብቲ ዝነበርኩሞ ዕድመ ካብ ሜዳ ንወጻኢ ሃገር ኬድካ ዓበይቲ ሃገራዊን ውድባዊን ዛዕባታት ኣልዒልካ ተኻቲዕካ፡ ተማጕትካ፡ ከይተታለልካን ኣሕሊፍካ ከይሃብካን ምስ ጸላእትኻ ዘቲኻ ንሜዳ ክትምለስ ክሳብ ክንደይ ከም ሰብ ዝከኣል’ዩ? ነዚ ሕጂ ኣብ መንእሰያት ዝርአ ዘሎ ደገ ናይ ምኻድ ሓደገኛ ፈተነን ተላኢኽካ ዘይምምላስን ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ርእይቶ ኣለካ?
ኣነ ናብቲ ናይ ቀደም ተወፋይነት ክንምለስ ኣለና ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘለኒ። እዚ ሃርጐምጐም ምባል፡ ዘይናትካ ምንፋቕ፡ ካልእ ክትከውን ምሕሳብ…ኣብዚ እዋን’ዚ ይረአ’ዩ። ቀደም ካብ ሜዳ ንደገ ክንከይድ ከለና ወርሒ እንተገይርና ዓቕልና’ዩ ዝጸበና ነይሩ። ተመሊስና መሬት ኤርትራ ምስ ረገጽና’ዩ ቅሳነት ዝስምዓና ነይሩ። ኣብ ደገ 24 ሰዓት ድቃስ ኣብዩካ ቀባሕባሕ ክትብል ትዋረድ፡ ንሜዳ ምስ ተመለስካ ግን ነፈርቲ ኣብ ልዕሌኻ እንዳ ዘንበያ’ውን ኣይትሰሞዐንን–በጥ ትብል። ካበይ ዝመጸ’ዩ እዚ እንተ ኢልካ ካብቲ ኣብ መትከልካ ዘለካ ዕግበትን ቅሳነትን’ዩ። ኣብ ሜዳ ትበልዖ ዘየለስ እቲ ተጋዳላይ ክንዲ ገለ ይኸውን ትርእዮ። ካበይ ዝመጸ’ዩ እዚ? ኣበየናይ ዓለም እዩኸ ዝተራእየ? ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ገድሊ ምስ ናይ ፍልስጤም ተቓለስቲ ሓደ እዋን ኣብ ፍልስጤም ተራኺብና ነይርና። ንሳቶም ኣብ ሳንጣኦም ኩሉ ግዜ ዝተጠብሰት ደርሆ ኣላ። በቲ ካልእ ከኣ ጽማቕ፡ ብሽኮቲ ኣሎ፦ እሾኽ ከይወግኦም ከኣ ክንዲ ገለ ጫማ። ኣራጢጡ ደርሆ ኣውጺኡ ዓጠምዓጠም ከብል ትርእዮ። እንታይ’ዩ’ዚ? ተቓላሳይ? ንሕና ኣብ ታሪኽና ከምኡ ዓይነት ባህሪ ርኢና ኣይንፈልጥን።
ህዝባዊ ግንባር ኣብ ታሪኹ ኣዝዮም በዳህቲ መሰናኽላት ሰጊሩ’ዩ ሓደ ጽኑዕ ሓይሊ ክኸውን ዝበቕዐ። ድሕሪ ናጽነት ግን ኣብ ላዕለዎት ካድረታቱ ነውጺ ተርእዮ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስጥመት ህዝባዊ ግንባር ከመይ ኣሎ?
ንስጥመት ህዝባዊ ግንባር ብዝምልከት ዘይርና ዘይርና ናብታ ከምቲ ዝግብኣናዶ ንሰርሕ ኣለና እትብል መሰረታዊት ሕቶ ኢና ከነብል። ንሰርሕ ኣለና። ግን ማዕረ’ቲ ንብህጎን ክንገብሮ ዝግብኣናን ድዩ? ጌና ብዙሕ ከነሳልጦ ዘለና ዕዮ ኣሎ። ብዛዕባ ስጥመትና፡ ውሽጣዊ ሓድነትና፡ ሓድነት ናይቲ ግንባርን ካድረታቱን ዝምልከት ኣነ ጥርጣረ ዝበሃል የብለይን። በዚ ከይተዛነና ግን ከም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር መጠን ከምቲ ዝግብኣናን ክንገብሮ ዘለናን መደባትና ክንሰርዕ፡ ስሩዕ ኣኼባታትና ከነካይድ፡ ስርሓትና ክንግምግም፡ ነቐፌታን ነፍሰ-ነቐፌታን ከነካይድ፡ ሓደ ክብድል ከሎ ዓገብ ክንብል ከም ዘለና ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዘን ሕቶታት ነፍሲ-ወከፍና ሓቲቱ ክምልሰን ክኽእል ኣለዎ። እዚ’ዩ እቲ ቀንዲ ከነተኩረሉ ዘለና’ምበር ብዛዕባ ስጥመትናን ውሽጣዊ ሓድነትናን ዘጠራጥር የለን።
ህዝባዊ ግንባር፡ ህዝባዊ ግንባር እዩ ኣብ መወዳእታ። ኣመጻጽኣን መትከላትን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኩሉ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ህያውን ስጡምን ክኸውን እዩ ዘለዎ። ለውጢ የለን ማለት ኣይኮነንል። ግን ለውጢ ኩሉ ግዜ ንመትከላት ዝሃሲ ክኸውን የብሉን። ህዝባዊ ግንባር ሓንቲ ኤርትራን ሓደ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባን ንምፍጣር ዝሓለፎ ሓጐጽጎጽን ዝፈጠሮ ሓይሊን እዚ’ዩ ኢልካ ክትገልጾ’ውን ኣይትኽእልን። ቅድሚ ምውላድ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ቅድሚኡ ዝነበረ ሃገራዊ ኣረዳድኣን ሕጂ ዘሎን ሰማይን ምድርን’ዩ። ከምዚ ዓይነት ሓይሊ ሃገራዊ ኣረዳድኣን ስጥመት ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ዝፈጠረን ዘማዕበለን ከኣ እቲ ዘይቅየር መትከል ህዝባዊ ግንባር እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ምትራርን ምቕጻልን እዚ ስጥመት እቲ ግንባር ኣበርቲዑ ዝሰርሓሉ መትከሉ’ዩ።
ገለ ሰባት፡ ‘ህዝባዊ ግንባር ብደገ ብዙሕ ስለ ዝሓስብ፡ ንውሽጢና ብኣሉታ ይጽሎ ኣሎ’ ዝብል መረዳእታ ኣለዎም። ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጉዳይ ጐሮባብትና ሃገራት ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ’ዩ?
ብደገ ኢና ዝያዳ ንሓስብ፤ ንውሽጥና ንጎስዮ ኣለና ዝበሃል ፈጺምካ ጌጋ ኣረዳድኣ’ዩ። ዋላ ቀደም’ውን፡ ኣብ ሜዳ ከለና፡ ንውሽጥና ሓሊፍና ብደገ ንሓስብ ነይርና–ውሽጥና ረሲዕና ግን ኣይኮነን። ሽዑ፡ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት’ውን ከይተረፈ፡ ብዛዕባ ዞባናን ከባቢናን ንሓስብ ነይርና። ወያነ፡ ንኣብነት፡ ንሕና ኢና ፈጢርናያ። ወያነ ክትፍጠር ህዝባዊ ግንባር እንተ ዘይሕግዝ ነይሩ፡ ንሕና እንተዘይንስዋእ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ ንሕና ንደልዮ ዝነበርና ለውጢ ክመጽእ ኣይምኸኣለን። ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ግዜ ምወሰዱ። ስለዚ፡ ዝተኸተልናዮ ስትራተጂ ኣብ መስርሕ ናይቲ ታሪኽ ኣዝዩ ሓያል ነይሩ። እዚ ከኣ፡ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ውሽጥና እንዳ ሓሰብና ኢና ንኻልኦት ዝጸልዉ መደባት ንሕንጽጽ ዝነበርና። ሕጂ ንጠዓሰሉ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓና ዝሰማማዕ ስርዓት ንምምጻእ ጨቐቕ ኢልና ካብ ዘይብልና ሓጊዝና፡ ሰባት ኣሰዊእና። ብፍላይ ኣብ ኣጋ መፋርቕ ሰማንያታት ንውጹዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ክንድግፍ ጀሚርና። ኣብ መወዳእታ ሓንቲ ምሳና ብስኒትን ሰላምን እትነብር ኢትዮጵያ ንምፍጣር’ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ። ተዓዊትና ዲና እንተ ኢልና ምልክት ሕቶ ኣለዎ። ነቲ ቀዳማይ ጸላኢ ንምጽራግ ዝተኸተልናዮ ሜላን ንውጹዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘርኣናዮ ምድግጋፍን ግን ቅኑዕ ነይሩ። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ዝኸፍአ መተካእታ ወያነ ኮይኑ። ካልእ ክመጽእ ምኸኣለ ነይሩ። ሕጂ ነቲ ኣብ ግዜኡ ቅኑዕን ዘስርሕን ዝነበረ ምርጫ ግጉይ ነይሩ ክትብል ኣይትኽእልን። ንወያነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮፍ ኣቢልናዮ ወጺእና። ንውሽጥና ረሲዕና ዲና ንወያነ ፈጢርናያ? ዕላማና ስርዓት ደርግ ኣሊኻ ኣብ ኢትዮጵያ ጥዑይ ጐሮቤት ምምጻእ’ዩ ነይሩ። ሕጂ’ውን ብዛዕባ ከባቢና ኣይንሓስብን ማለት ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ከባቢኻ ከይሓሰብካ ብዛዕባ ህላዌኻ ክትሓስብ ስለ ዘይከኣል።
ኣብ ሱዳን ንኤስ.ፒ.ኤል.ኤም. ካብ ኩጁ ኩጁ ትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ሓፍ ኣቢልና ዘምጻእናዮ ንሕና ኢና። እዚ ኸኣ ምእንቲ ካልኣይ ደረጃ ዜጋ ኣብ ሱዳን ከይህሉ’ዩ። ንርግኣትን ሓድነትን ሱዳን ዝከኣለና ገይርና። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሱዳን እቲ ዝኸፍአ ኩነታት መጺኡ። ሱዳን ክልተ-ሰለስተ ሃገር ክትከውን እንታይ’ዩ እቲ ረብሓ? ብሓድነትን ርግኣትን ሱዳን ዝያዳ ስለ እንረብሕ ከኣ ብእኡ ክንሓስብ ግድን’ዩ። ከም ምርጫ፡ ባዕሎም ይፍለጡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን…ኢልና እንተንነብር ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ ምሃለናዶ? ሕጂ ኣነን ንስኹምን ኣብዚ ኮፍ ኢልና ምዘተናዶ?
ኣብ መወዳእታ ጐሮቤትካ ባዕልኻ’ውን ኣይኮንካን ትፈጥሮ። ኢትዮጵያ ጐሮቤትና ክትከውን ንሕና ኣይፈጠርናያን–መጺኣ ግን። ካብዚ ተበጊስና ኢና ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ጥዑይ ስርዓት ክህሉ እንሰርሕ። ስለዚ ኩሉ’ቲ ብደገ ንሓስቦን ንዋስኦን ብዓቢኡ ንውሽጥና ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ።
ህዝባዊ ግንባር ዝዓበየ ሓይሉ ሰፊሕ ደገፍ ህዝቢ ምርካቡን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ምሕቋፉን’ዩ። ኣብዚ እዋን ርክብ ህዝባዊ ግንባር ምስ ህዝቢ ከመይ ኣሎ?
ናይ ብሓቂ ዘሐብን ባህሊ’ዩ። ኣብዚ ሃገር ብሰራዊትን ኣጽዋርን ዝሕሎ ፕረሲደንት፡ መራሕቲ፡ ኣብያተ-ጽሕፈትን መንበርን ሓለፍቲ ወይ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣሎ ድዩ? እዚ ናብ ዝኾነት ሃገር ኬድካ ዘይትረኽቦ ክቡር ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ሃገር’ዩ። እዚ ካበይ ዝመጸ’ዩ? ሱቕ ኢልካ ስለ ዝደለኻዮ ዝመጽእ ኣይኮነን። እቲ ሓይሊ፡ እቲ መንግስቲን እቲ መርሕነትን ናይ ህዝቢ ብምዃኑ’ዩ። ኣብ ኣስመራ ገዛእቲ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ቤተ-መንግስቲ ኣሎ። ንሕና ግን ኣብኡ ኣይኣተናን። ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣብ ማእከል ህዝቢ’ዩ ዝቕመጥ። ኩሎም መራሕቲ ምስቲ ህዝቢ ሓቢሮም’ዮም ዝቕመጡ። ኣበየናይ ሃገር ኣሎ’ዚ? ናይ ቀረባ ኣብነት ኢትዮጵያ ንውሰድ፡ ይትረፍዶ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓደ ተራ ሓላፊ’ዩ ብዘይ ሓለዋን ዓጀብትን ዘይከይድ። ስለምንታይ? ስለዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ግዜ ናይ ህዝቢ’ዩ፡ ኣብ ውሽጢ መንፈስ ‘ቲ ህዝቢ’ዩ ዘሎ። ንህዝባዊ ግንባር ካብቲ ህዝቢ ነጺልካ ምርኣዩ ዝከኣል ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ብካድረታቱ ዘይኮነስ ብህዝቢ ተመሪሑን ተሓቝፉን ዝኸይድ ውድብ’ዩ። ነዚ ክቡር ጸጋ ኣብ ምዕቃቡን ምምዕባሉን ከኣ ባህሊ’ቲ ውድብ’ዩ።
የቐንየልና።
ኤፍረም ሃብተጽዮን
ምሕረትኣብ መድሃኔ