ማሕበር ፈንቅል፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ተጻብእቲ ኤርትራ ዝወደቦ ስርሒታት ምድፋእ እንቋቝሖ ኣርእስቲ ዜና ማሕበራዊ መራኸቢታት ኰይኑ ነይሩ። መርበብ ሓበሬታ መንእሰይ ብዛዕባ’ዚን ካልእን ምስ ኣባል ፈንቅል፡ ያቆብ፡ ዘካየደቶ ቀዳማይ ክፋል ዕላል ይስዕብ።
ፈንቅል መን’ያ፧
ፈንቅል፡ መቐጸልታ ናይታ ኣብ 1998 – ምስ ምጅማር ወራር ወያነ – ኣብ ለንደን ዝመስረትናያ ማሕበር ሽደን ኰይና፡ ኣብ 2015 ዝተመስረተት ናይ መኸተ ማሕበር እያ። ኣነ ኣባል ናይዘን ማሕበራት ነይረ። ስመይ ያቆብ ገብረመድህን እበሃል። ኣብ ኣስመራ ተወሊደ፡ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ፡ ዓብየ። ኣብ ግዜ ንእስነተይ ስፖርታዊ ነይረ፣ ኵዕሶ እግሪ እናተጻወትኩ እየ ዓብየ። ደሓር በቲ ዝነበረ ናይ እዋን ደርግ ኩነታት፡ ሃገርና ገዲፍና ክንወጽኣ ተገዲድና። ብ1990 ካብ ኣስመራ ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ከይደ።
ክሳዕ መኣስ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተቐሚጥካ፧
ካብ 1990 ክሳዕ 2018 – ጠቕሊለ ዓዲ ዝኣተኹሉ – ኣብኡ ተቐሚጠ። ሕጂ ግን ዳግማይ ናብ ዓደይ ተመሊሰ ኣለኹ። ኩቦነይ ኣውጺአ፣ ሕጂ ከማን ካብ እንዳ ኩቦን እየ መጺአካ። ኣብኡ ተሰሪዐ ኣርፊደ።
ሪጋ ኩፖን ምስ ይወት ዓዲ-እንግሊዝ ከመይ ተሰማሚዑካ፧
ቤላ! ንሱ እቲ ኦርጋኒክ ህይወት እዩ። ንዓይ ይብርሃኒ እዩ እዚ ከምዚታት፣ ምኽንያቱ ናተይ ዝብሎ እዩ። ሽግር እንተ ዀይኑ ሽግረይ፡ ራህዋ እንተ ዀይኑ ራህዋይ እዩ። ብሓፈሻ፡ ናብራ ዓድና እፈትዎ እየ።
ቅድሚ ጠቕሊልካ ምምጻእካ ናብ ኤርትራ ትመጽእ ነይርካዶ፧
እወ። መጀመርታ ኣብ 1994፡ ብድሕሪኡ ኣብ 2012 መጺአ። ብድሕሪ’ዚ፡ ጠቕሊለ ንዓደይ ክኣቱ ኣሎኒ ስለ ዝበልኩ፡ ብተኸታታሊ ሰለስተ-ኣርባዕተ ግዜ መጺአ። ካብ 2015 ንደሓር እየ ዝያዳ ክደፍኣሉ ጀሚረ፣ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነ ንኸማይ ዝኣመሰሉ ክጒስጒስ’ውን ጀሚረ። ዓድና ንእቶ እናበልኩ ብዙሕ ሰሪሐሉ። ‘ቅድም ንስኻ ዘይትኣቱ፡’ ዝብሉኒ ነይሮም፡ ‘ኣነስ ወዲአ እየ፣ ሕጂ ክኣቱ’የ’ እብሎም ነይረ።
ኣብ 2018 ከኣ ጠቕሊለ ኣትየ። ደጊመ ንድሕሪት ከም ዘይጥምት፡ ዝነበረኒ ኩሉ ንብረት ሸይጠ እየ መጺአ። ኣብኡ ብዘይካ ደቀይ ዝዀነ ዝጥምቶ ኣይገደፍኩን፣ ንዓኣቶም’ውን ከምጽኦም እጽዕር ኣለኹ።
ናብራ ኤውሮጳን ኤርትራን ከመይ ተወሃሂዱካ፧
ኣብ ኤውሮጳ ኩሉ ኣለካ። ንወዲ ሰብ ዘድልዮ ዘበለ ምዕቡል ቀረባት ኣሎ። እተን ንሰብ ዘድልያኦ ሰለስተ መሰረታውያን ነገራት – መግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ – ኣለካ ግን ናይ መንፈስ ዕረፍቲ የብልካን። ክትድቅስ ክትንስእ ኩሉ ግዜ ጭኑቕ ኢኻ። ሰብ ብማዕዶ ክርእየካ እንከሎ እዩ ጽቡቕ ዘለኻ ዝመስሎ ወይ ዝመስለካ። እዚ ኹሉ ዘዝበለጸ ቀረብ እንከለካ፡ ጭንቀት ዝተዓብለለ ህይወት ኢኻ ትመርሕ። በንጻሩ ኣብዚ፡ እቲ ሰለስተ ንብሎ ዘለና ኣድላዪነታት ዝተሓተ እንከሎ ርጉእ ህይወት ተሕልፍ። ኩሉ ሰብ ፈጣሪኡ እናኣመስገነ ይነብር። ከመይ ኣለኻ ትብሎ፡ ‘እግዚኣቢሄር ይመስገን፡ ኣልሓምዱሊላህ’ ይብለካ፣ ዘለዎ ዘይብሉ ኣመስጊኑ ዝኸይድ ህዝቢ እዩ።
ስለዚ፡ ብዓይኒ ቀረብ ዘይኰነስ ብዓይኑ ዕጋበት፡ ናይ ሕልና ዕጋበት እየ ዝርእዮ። ዓዲ-እንግሊዝ ተወሃሂዱኒ ኣይፈልጥን። ዘጥረኹዎ ንብረት፡ ንብረተይ ኰይኑ ኣይስምዓኒ፣ ዝበላዕኩዎ መግቢ፡ መግቢ ኰይኑ ኣይስምዓኒ፣ ዝተኸደንኩዎ ክዳን ኰይኑ ኣይስምዓኒ፡ . . . ፍጹም! 28 ዓመት!
ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይምጸናሕኩን። ክምለስ ኣሎኒ ኣብ ዝበልኩሉ፡ ወራር ወያነ ጀሚሩ፡ መኸተ ኣብ ዘለኻዮ ኰይኑ። ካብ 1993 ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኰይነ ኸኣ ኣብቲ መኸተ ክነጥፍ ጸኒሐ።
እቲ ናይ መኸተ እዋን ናብ ‘ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን – ኣብ 2018’ ምስ በጽሐ፡ ህይወት ኣብ ዓደይ ይሕሸኒ፡ ቶባ ምዕራባዊ ዓለም ኢለ። ኣብኡ ከለኹ ኩሉ’ቲ ኣንጻርና ዝነበረ ተጻብኦታት ካበይ ይብገስ እፈልጦ ስለ ዝነበርኩ፡ ገዛውተይ ኣብ ጥቓ’ቲ ሰበ-ስልጣን ዓዲ-እንግሊዝ ዝቕመጡሉ – ከባቢ ዌስትሚኒስተር – ብምንባሩ፡ ክርእዮም እንከለኹ ደመይ ይፈልሓኒ ነይሩ። ‘ኣምላኽ፡ ቀልጢፍካ ኣውጽኣኒ ካብዚኦም፡ ገለ ከይገበርኩ!’ እየ ዝብል ነይረ። ጽልአይ ዳርጋ ግሁድ ነይሩ። ደሓር ኣብቲ ኣብ ልዕሊ በዓል ማርቲን ዝፈጸምኩዎ ስርሒት፡ `እዚ ኣንጻር ጸዓዱ ሕሉፍ ጽልኢ ኣለዎ፡ ከምዚ’ዩ ዝብል` ኢሎም ከሲሶምኒ ነይሮም። ኣነ ኸኣ፡ ‘እወ ጽልኢ ኣለኒ፣ ግን ምስ ህዝቢ ዘይኰነ ምስ መራሕቲ ሃገር እዩ። ምስ ፖለቲከኛታት እዩ፡’ ኢለዮም። ብሓጺሩ፡ ድሕሪ 2018፡ እቲ ናይ ደገ መኸተ ይኣኽለኒ፡ ዓድኻ ኣቲኻ ምስ ህዝብኻ ሃገርካ ምህናጽ እዩ ኢለ ወሲነ። ኣብዚኣ ኸኣ ብዓቕመይ ኣብዚን ኣብትን እብል ኣለኹ።
ብዛዕባ’ታ ናይ 2000 ዓ.ም. ስርሒት ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ለንደንዶ ከተዕልለኒ። ብዛዕባ’ቲ ሰላማዊ ሰልፍን ምዕጻው ገለ ክፋል ለንደንን፧
ሓሙስ መዓልቲ ኢና ተኣኪብና። ኣብቲ ግዜ’ቲ ወያነ፡ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓት ክንውድኦ ኢና ኢሉ ንሞት ፈሪዱና ነይሩ። ሽዑ ምስ ተኣከብና፡ ግርማይ እዩ ነይሩ ኣምባሳደርና፡ ቲጃኒ ኸኣ ሓላፊ ህግደፍ። ኣነን ሓደ ዓርከይን ተራኺብና፡ ‘ወያነ ን72 ሰዓታት ፈሪዱና፡ ኣኼባ ኣካይድና፡ ውሳኔታት ኣሕሊፍና ጥራይ ኣይንኸይድን ኢና። ጽባሕ ንግሆ ናብ ዌስትሚኒስተር ኬድና ቀውጢ ክንገብራ ኣሎና’ ኢልና። ኣኼባ ነይሩ፡ ነቲ ጉዳይ ኣልዒልናዮ። ኩሉ ተቐቢልዎ፡ ንብርሃነ (ኣኘዘ) ዝበሃል ብጻይና ረኺብና፡ ‘ስማዕ ጽባሕ ናብ ሜዳ ፓርላማ ኬድና ክንዓጽዎ ስለ ዝዀንና፡ ነቲ ህዝቢ ሓብሮ ኢኻ፡’ ኢልናዮ፡ ወጺኡ ተዛሪቡ። ብዛዕባ’ቲ መደብ ነጊሩ፡ ጽባሕ ንግሆ ከባቢ ፋዱስ ኣብ ዌስትሚኒስተር ንራኸብ ኢሉ። በዚኣ ተሰማሚዕና፡ ኩላትና ናብ ቤት ጽሕፈትና ኬድና ምሉእ ለይቲ ጭርሖታት ክንጽሕፍ ሓዲርና – ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ። ብድሕሪኡ፡ ንኺድ ቅሩብ ኣዕሪፍና ክንዳሎ ተበሃሂልና ገገዛና ኬድና።
ሰዓት ምርኻብ ኣኺሉ፡ ናብቲ መራኸቢና ቦታ – ሜዳ ፓርላማ – በብወገንና ምስ ኣበልና፡ ኣብቲ ከባቢ ሓንቲ ደሓር ኣብ 2015 ኣንጻር `እገዳ፡ ጸለመ ኣንጻር ኤርትራ ደ ክብል፡ ዶብና ክሕንጸጽ` ዝጽውዕ ሰልፊ ገይርና ን55 መዓልቲ ዝሓደርናላ ‘ሪችመንድ ፕለይስ’ ትበሃል ቦታ ደገፍቲ ወያነ ይጸንሑና። ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም እናጨፈሩ ንርእዮም። ነታ ባንዴራ ምስ ረኣና ጥራይ ነብስና ምግባር ኣብዩና። ልክዕ ኣብታ ደገፍቲ ወያነ ዝነበሩላ ቦታ ምስ ተራኸብና፡ ስምዒትና ምቝጽጻር ስኢንና ዘዘሊልና ኣቲና ተሳሂልናዮም። በቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ባንዴራን መትሓዚኡን ዝሓደግናሎም የብልናን። ሽዑ፡ ጄምስ ኦብራያን ዝበሃል ኣብ ለንደን ናይ ዝዓበየት ሬድዮ ኤፍ.ኤም. – 97.3 – ጋዜጠኛ፡ ረፖርተሩ መጺኡ ነቲ ኩነታት ተዓዚብዎ። ብዘይክኡ እቲ ዕግርግር ስለ ዝበኣሰ፡ ኣፍደገ ባይቶ ብምዃኑ፡ ብዙሓት መደበራት መጺአን ሰኒደናኦ።
ጄምስ፡ ኣብታ ሬድዮኡ፡ ‘ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ተሳጊሩ ኣብ ሜዳ ፓርላማ ይቕጽል ኣሎ፡’ ምስ በለ፡ ኩሉ ኣብ ለንደን ዝነበረ ኤርትራዊ ግፍፍ ኢሉ መጺኡ። እቶም ናይ ወያነ ገሊኦም ሃዲሞም ንገሊኦም ከኣ ፖሊስ መጺኦም ኣድሒኖሞም። ብዙሕ ሰብ ተኣኪቡ፡ ዓቢ ዛዕባ ኰይኑ ኩለን ዓበይቲ መደበራት ሜድያ’ውን ተኣኪበን ዓቢ ኣጀንዳ ኰነ። ናይ ጸጥታ ኣባላት መጺኦም፡ ‘መን ኣፍቂዱልኩም ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብሩ፧ ከምዚታት ብዘይፍቓድ ኣይግበርን’ዩ፧’ ኢሎምና።
‘ንሕና ብኢትዮጵያ ተወሪርና ኣለና። ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓት ክንድምስሶም ኢና ኢሎም ኣዊጆም ኣለዉ። ንስኻትኩም ግደፉ ክትብሉ እናኸኣልኩም ኣይበልኩምን። ንሕና ኸኣ ተቓውሞና ክንገልጽ መጺእና ኣለና፡’ በልናዮም።
‘በሉ በዚ ተሰርዑ፡’ ኢሎም ኣብ ማርሻፔዲ ክንከውን ሓበሩና። ሰብና መመሊሱ እናበዝሐ ከደ። ካብ ለንደን ወጻኢ’ውን ብብዝሒ ወሓዘ። መሬት ቀውጢ ኰነት፣ እንግሊዝ ትገብሮ ጠፍኣ። ‘ካብዚ ኣልግሱ፡ ፍቓድ ኣውጺእኩም ሰላማዊ ሰልፊ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም’ በሉና ብተደጋጋሚ። ንሕና ግን ኣቕቢጽና። ‘ሕቶ ኣሎና፡ መልሲ ናይ ሕቶና ከይረኸብና ኸኣ ኣይነልግስን ኢና’ ኢልና ኣቕቢጽና። እታ ዝነበርናያ ቦታ ናይ ለንደን ጐረሮ እያ። ምዕጻዋ ማለት ከኣ ዳርጋ ፍርቂ ናይታ ከተማ ምዕጻው ማለት እዩ። ንጥፈታት መንግስቲ’ውን ደው ምባል ማለት እዩ። ምኽንያቱ፡ ዝበዝሐ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ እዩ። ምሉእ መዓልቲ ከምኡ ኢላ ተዓጽያ ውዒላ። ከባቢ ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ምስ ኰነ፡ ብዙሓት ካባና ከዕርፉ ኢሎም ከይዶም። እቶም ቀንዲ ወደብቲ ዝነበርና ግን ካብዚኣ ኣይንኸይድን ኢልና ኣብኡ ክንሓድር ወሲንና።
እቶም ፖሊስ፡ ቦታ ፈልዮም ካብዚ ኣልጊስኩም ኣብቲኣ ኩኑ’ ኢሎምና። ኣብኡ ኣንጺፍና ደቂስና። ቀዳምን ሰንበትን ኣብኡ ውዒልናን ሓዲርናን። ቀዳምን ሰንበትን ስራሕና ሰሪሕና፡ ‘ሰኑይ ክንደግማ ስለ ዝዀንና፡ ኩላትኩም ተረኸቡ፡’ እናበልና ንወዳደብ ነይርና። ፖሊስ ነዚ ኣይፈለጡዎን። ሰኑይ ንግሆ ሰብ ወረር-ወረር እናበለ ክመጽእ ጀመረ። ደሓር እናተኣከበ፡ እናተኣከበ ምስ ከደ፡ ፖሊስ ፈሪሖም ሓይሊ ደሪቦም። ሰብ መመሊሱ እናበዝሐ ከይዱ።
ነቲ ሰልፊ ዝመርሕዎ ንጡፋት መንእሰያት ነይሮም። ‘ጽንሕ ኢልና፡ ዘዘሊልና ናብቲ ጽርግያ ክንኣቱ ኢና’ ተበሃሂልና። ነቲ ካብ ማርሻፔዲ ናብቲ ጽርግያ ምእታው ዝቃወሙዎ ነይሮም’ዮም። ብሕጋዊ መንገዲ ኣብዚ ዘለናዮ ዘይንኸውን ኢሎም። ‘ከምኡ ዝበሃል የለን! ነዛ ጐደና ከይዓጸናያ ንፈጥሮ ጽልዋ የለን፡ ክንኣቱ ኢና፡’ ኢልና ስለ ዝተረርናዮም ገሊኣቶም ከይዶም ገሊኦም ግን ምሳና ቀጺሎም።
‘ንእቶ!’ ምስ ተባህለ፡ ዘዘሊልካ ናብቲ ጽርግያ ምእታው ኰነ። ካብ ናይ ዓርቢ ዝገደደ ‘ጭጭ’ ኰነት ምድረ-ሰማይ። መካይን ተዓጊተን። ንግሆ ሰዓት 8፡00 እዩ ዘሎ፣ ምሉእ መዓልቲ ክዕጾ’ዩ ማለት’ዩ። ፖሊስ፡ ዘለዎም ኣፍራስ፡ መካይን፡ ሰብ ኣዋፊሮም፣ ህዝብና ኸኣ ዘዝሰምዐ ካብ ለንደን ወጻኢ ከይተረፈ እናተሓወሰ መመሊሱ በዝሐ። መንግስቲ እንግሊዝ’ውን ካብ ለንደን ወጻኢ ሓይሊ ጸጥታ ኣምጺኡ ነቲ ኩነታት ክቈጻጸሮ ፈተነ። ብፍላይ፡ ዝውሰኽ ዝነበረ ቍጽሪ ኤርትራውያን ንምዕጋት፡ ነቲ ዋሕዚ ኣብ መንገዲ እንከሎ ክዓግቶ ፈተነ።
ብዝሒን ሓይልን ጸጥታ እንግሊዝ መመሊሱ ምስ ወሰኸ፡ ኣዴታትን ህጻናትን ብቕድሚት ሰራዕናዮም። ዙርያ ናይቲ ሰልፊ ብቘልዓን ሰበይትን ሓጸርናዮ። ዝገብሩዎ ጠፍኦም። ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምስ ኰኖም፡ ‘እንታይ እዩ ጉዳይኩም፧’ ክብሉና ጀሚሮም።
‘ንሕና ጉዳይ ኣለና፡ ንዝምልከቶ ኣካል ክንረክብ ንደሊ ኣለና፡’ ኢልናዮም።
‘ሕራይ ሽዱሽተ ሰባት ምረጹ ንኽትኣትዉ፣ ኣስማቶም ብጽሑፍ ሃቡና፡’ ኢሎም።
ሽዱሽተ ሰባት፡ ማለት፡ ፖወል ሃይ ፊልድ ዝተባህለ መሓዛ ኤርትራ፡ ኣልማዝ ሰይቲ ብርሃነ፡ መምህር መብራህቱ – መንግስተ ሰማይ የዋርሶ – ብጻይና፡ ሓንቲ ዓባይ ኣደ፡ ሲራክ ባህልቢ፡ ኣነ ሻድሻዮም ኣቲና። ሰኑይ ናይ ምሸት ኢና ኣቲና፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ረኺብና፡ ኩነታትና ገሊጽናሉ።
‘ሽግርኩም ሰሚዕናዮ ኣለና፣ ሓሙስ መልሲ ክንህበኩም ኢና፡’ ኢሉና።
ሓሙስ መልሲ ክንህበኩም መበሊኡ፡ ወያነ ነቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓት ክውድኦ’የ ኢሉ ኣዊጁ ነይሩ። ሰኑይ ከኣ`ዩ ክጅምር እቲ ወራር። ስለዚ፡ ሰኑይ፡ ሰሉስ፡ ሮቡዕ፡ ተጸብዩ ኩነታት ርእዩ ሓሙስ ኩነታት ተወዲኡ እዩ ክብለና ነይሩ መደቡ። ሓሙስ በጺሑ ኩነታት ግን ከምቲ ዝደለይዎ ኣይኰነሎምን። ብድሕሪ’ዚ፡ ጸጥታ ዓዲ-እንግሊዝ ነቶም ቀንዲ ወደብቲ ዝነበርና ገገዛና መጺኦም ኣፈራሪሖምና። ንኣብነት፡ ንገዛና ሰለስተ ግዜ መጺኦም፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ኣብ ከምዚታት እንተ ተራኢኻ ወይልኻ!’ ኢሎምኒ። ሽዑ ከማን፡ ኣብታ ሰኑይ መዓልቲ፡ ንዓይን ንመምህር መብራህቱን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበረ፡ `ቻሪን ክሮስ` ዝበሃል መደበር ፖሊስ ወሲዶምና ነይሮም። ‘ንስኹም ኢኹም ነዚ ነገር ትውድቡዋ ዘለኹም፣ ኪዱ በልዎም፡’ ኢሎምና። እዚኣቶም ንዓና ሒዞምና እንከለዉ፡ ካልኦት ኣባላት ጸጥታ እንግሊዝ፡ Mi-5፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲና ብምኻድ ንግርማይ ረኺቦሞ። ‘እዚ ነገር’ዚ ትፈልጥዎ ዲኹም፧ እለይዎም፧’ ኢሎሞ። ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣይንፈልጦምን ኢና። ኪዱ ንዓኣቶም ተዛረቡዎም፣ ሃገሮም ክውረር ይርእይዎ ኣለዉ፣ ብስምዒት እዮም ናብኡ ከይዶም፡ ንሕና ግን ንፈልጦ የለን፡’ ኢሉዎም። ቀጺሎም ናብ ኤሪ-ኮመርስ ዝበሃል ቤት ጽሕፈት፡ ኣካል ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብምኻድ ንኣብርሃም ኪዳነ ረኺቦሞ፣ ተመሳሳሊ መልሲ ሂብዎም። ዓቕሎም’ዩ ጸቢብዎም።
‘ንሕና ሃገርና ተወሪራ ኢና ኣብዚ ዘለና፡ ዝኾነ ሰብ ኣየምጽኣናን። ጉዳይ ሃገርና ጉዳይና እዩ፡’ ኢልናዮም። ንገዛ ተደጋጋሚ ተመላሊሶምን ኣፈራሪሖምናን። ኣብታ ሓንቲ ዝመጽኡላ፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ-ነበር ጸኒሕናዮም፡ ንሳ ነታ ቦዅሪ ጓልና ነፍሰ-ጾር እያ ነይራ። ንዓኣ’ውን፡ ‘ንስኺ’ውን ኣብኡ ነይርኪ ኢኺ’ ኢሎም ኣፈራሪሖማ።
ናብታ ኣብ ልዕሊ ማርቲን ፕላውት ዝፈጸምካያ ስርሒት ምድፋእ እንቋቝሖ ከነብል። ብዛዕባኣ ከተዕልለና። መጀመርታ ግን መን’ዩ ማርቲን ፕላውት፧ እንታይ እዩ ሽግሩ ምስ ኤርትራ፧
ይቕጽል. . .
ኤሃብ ግርማይ