እዛ ብብዙሕነት ባህሊ፡ ልምዲ፡ ቋንቋን ሃይማኖትን እትልለ ዘመናዊት ኤርትራ፡ ልክዕ ከም ሞዛይክ ክግለጽ ዝኽእል ሕብረተሰብ እትውንን ሃገር’ያ። እዚ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ቦታ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ቅድሚን ድሕሪን ምቛማ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ስልጣነ ዘደንፈዐን ንብዙሓት ስልጣነታት ዓለም ዝሰሓበን ጽልዋኦም ዝሓደሮን ጽልዋኡ ዘሕደረን ብምዃኑ፡ ኣብ መስርሕ ስልጡንን ሕቡንን ሕብረተ-ሰብ ክፈጥር ክኢሉ። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብዚ ዘመናዊት ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ገማግም ባሕሪን ከበሳታትን ቆላታትን ዝመጽኡ ዝነበሩ ዳህሰስቲ፡ ነጋዶን ወረርቲን፡ ገሊኦም ብዝና ናይቲ ስልጣነታት ተመሲጦም ክርእይዎን ከጽንዕዎን፡ ገሊኦም ካብቲ ሃብታም ጸጋታት ብመልክዕ ንግዲ ክኸስቡ፡ ገሊኦም ድማ ሃብቲን ስልጣነን ናይቲ ሕብረተ-ሰብ ንምዝራፍ’ዮም ዝመጽኡ ዝነበሩ።
ግሪኻውያን፡ ኢራናውያን (ፐርሻውያን)፡ ሮማውያን፡ ህንዳውያንን ቻይናውያንን ነጋዶ፡ ምስቲ ኣብ ገማግምን ከበሳታትን ኤርትራ፡ ብቐንዱ ድማ ንግስነት ኣዱሊስ ኣዝዩ ማዕቢሉሉ ዝነበረ ስልጣነን ንግዲን ክሳተፉ፡ ግብጻውያን፡ ቱርካውያን፡ ኢጣልያውያንን ካብ ወገን ደቡብ ካብ ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ኸኣ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዝመጽኡ ዝነበሩ ወረርቲ ድማ ሃብቲን ስልጣነን ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተፈላለዩ ስልጣነታት ዘማዕብል ዝነበረ ሕብረተ-ሰብ ንምዝራፍ ዝዓለሙ’ዮም ነይሮም። እንተዀነ፡ እዞም ብዝተፈላለየ ዕላማታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምድሪ ኤርትራ ዝረገጹ ወጻእተኛታት፡ ኣብ ኤርትራ ብሕጊ፡ ስነ-ስርዓትን ምክብባርን ዝነብር ሕብረተ-ሰብ ከም ዝጸንሖም ብተደጋጋሚ መስኪሮም’ዮም።
ብዙሓት ዳህሰስቲ፡ ተመራመርቲ ስነ-ሕብረተሰብን ታሪኽን፡ እቲ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝጸንሖም ህዝቢ ምስቲ መረብ ምስ ሰገርካ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ (ትግራይ) ዝነብር ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ስልጣነን ኣተሓሳስባን፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ቍጠባዊን ኣነባብራን ፍልልይ ከም ዘለዎ፡ ብዝያዳ ብኹሉ ነገሩ ምስቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነብር ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ብብዙሕ ረቛሒታት ከም ዝመሳሰል ገሊጾም’ዮም። እዚ ናይ ስልጣነን ምስ ባህላዊ ፍልልያትካ ብሓባር ተሳኒኻ ናይ ምንባርን (peaceful coexistence) ኣተሓሳስባን ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 3,000 ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ኣትሒዙ (ምስ ፈርዖናት ግብጺ) ኣህጉራዊ ንግዳዊ ዝምድናታት ብምጅማሩ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ንኣህጉራዊ ንግዲ፡ ዳህሳስን ወራርን ናይ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ስለ ዝተቓልዐ፡ ምስ ዝተፈላለየ ሕብሪ ቆርበት፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ልምዲታትን ባህሊን ዘለዎም ሕብረተ-ሰባት ክላለን ክራኸብን ብምኽኣሉ፡ ብዙሕነት መለለዪ ደቂ-ኣዳም ምዃኑ ብዓንተብኡ ተገንዚቡ ብምቕባሉ ዝተበገሰ’ዩ።
ሕብረተሰብ ናይዚ ሕጂ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ጂኦግራፍያዊ ቦታ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝመጽኡ ግን ንሓድሕዶም ከይተጓነጹን ደረተይ ደረትካ ከይተበሃሃሉን ብሰለማዊ ምንብባር ንመዋእል ዝቐጸሉን’ዮም። እዚ ናይ ሕጂ ሞዛይካዊ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ናይቲ ነዊሕ ታሪኹ፡ ኣብ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ብሰንኪ ፍሉይ ብሄሮም ወይ ሃይማኖቶም ዝተጨፍጨፉን ዝተሳጐጉን ህዝቢ ብምሕቋፍ፡ ብዙሕነቱ ዘሀብተመ ሕብረተ-ሰብ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከባቢ 800-700 ቅ.ል.ክ. ብሰንኪ`ቲ ኣብ እዋን ሳባዊ ንግስነት (Saben Kingdom) ዘጋጠሞም ጭኰናን ጭፍጨፋን ካብ ደቡብ ዓረብ (ናይ ሕጂ የመን) ቀይሕ ባሕሪ ቆሪጾም ብስደት ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ፡ ኣብ መጀመርያ 7ይ ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ምድሪ ዓረብ ብሰንኪ እምነቶም ዝተጨፍጨፉን ዝተሳጐጉን ሰዓብቲ ነብዪ መሓመድ፡ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 10ይ ክ.ዘ. ድ.ል.ክ. ካብ ላስታ (ኢትዮጵያ) ብንግስቲ ዮዲት ተጨፍጪፎም ዝተሳጐጉ፡ ኣብ መወዳእታ 19 ክ.ዘ. ድ.ል.ክ. ኣብ ግዜ ሃጸይ ዮሃንስ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ናብ ክርስትና ክልውጡ ዘገድድ ሕጊ ክብረቶም ተቐንጢጦም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጐጉ ገለ ሰዓብቲ ምስልምና፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ህዝቢታት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ታሪኽ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ፡ ሰለማዊ ዕቝባ ጥራይ ዘይኰኑ ረኺቦም፡ እቲ ኣብ ካልኦት ሕብረተ-ሰባት ጠንቂ መጨፍጨፊኦምን መሳጐጒኦምን ዝዀነ ፍሉይ ብሄሮም፡ ቋንቋኦም፡ ሃይማኖቶም፡ ባህሎምን ልምድታቶምን ዓቂቦም ከደንፍዕዎን ከቐጽልዎን፡ ንኤርትራዊ ስልጣነን መንነትን ድማ ሓድሽ ሓይሊን ሕብሪን ክውስኽሉ በቒዖም። እዞም ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ብሄራት፡ ካብቲ መበቈላዊ ስፍራታቶም፡ እንተ ብብሄራዊ ፍሉይነቶም ተጨፍጪፎምን ተሳጒጎምን፡ እንተ ዝሓሸ መንበሪ ስፍራ ንምርካብ፡ እንተ ብኻልእ ምኽንያታትን ጸገማትን ዝመጽኡ ብምዃኖም፡ ንኹሎም ዘራኽቦም ተመሳሳሊን ናይ ሓባርን ረቛሒ ነይሩዎም። ስለዚ፡ እቲ ተመሳሳሊ ተመኵሮኦም ብሰላም ናይ ምንባር ተመሳሳሊ ባህጊ ስለ ዝወለደ፡ ብሰላም ተጸዋዊሮምን ተኸባቢሮምን ክነብሩ እንከለዉ፡ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ተመሳሳልነት ስለ ዝነበሮም ዘይኰኑስ፡ ሓባራዊ ባህጊ፡ ምንዮትን ኣተሓሳስባታትን`ዩ ዝጠምሮም ነይሩ።
እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ናይ ታሪኹ፡ ነዚ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ሞዛይካዊ ቅርጺ ዘትሓዙ ዝተፈላለዩ ርክባት ምስ ካልኦት ሕብረተ-ሰባትን ጽልዋታቱን፡ በብመድረኹ ዝሓለፎ መስርሕን ደረጃ ስልጣነን ኣብቲ ልዕሊ 80,000 ዝግመት ስነ-ጥንታዊ ቦታታትን ቅርስታትን ኤርትራ ጕሉሕ’ዩ። ሎሚ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ ዘወር ምስ እትብል፡ ናይ’ተን ክልተ ዓበይቲ እምነታት ኣብያተ-ጸሎት ኣፍ-ንኣፍ ተወሃሂበን ኣዛንን ቅዳሴን ክቀባበላ ምዕዛብ ንቡር’ዩ። ብተመሳሳሊ፡ ባህላዊ ብዙሕነት ኤርትራ ብመልክዕ ቋንቋ፡ መግቢ፡ ኣልባሳት፡ ስነ-ጥበባት፡ ሃይማኖታዊ ውርሻታትን ካልእ ልምድታትን ኣብ መብዛሕትአን ከተማታትን ሓውሲ-ከተማታትን ክንጸባረቕ ምርኣይ መዓልታዊ ክውንነት ኤርትራዊ ህይወት’ዩ። እዚ ኣብ ምክብባር፡ ምጽውዋርን ምትሕቝቛፍን ዝተሰረተ ኣነባብራ ናይዚ ሞዛይካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ከይተበትከ ዝቕጽል ዘሎ ኣዝዩ ስልጡን ባህሊ’ዩ። ኣብዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቐጸለ መስርሕ፡ ዘይከም ኣብ ብዙሓት ሕብረተ-ሰባትን ሃገራትን ተደጋጊሙ ዝተራእየ፡ ንሓድነት ኣብ ብዙሕነት’ምበር ነቲ ብዙሕነት ሕደ/ተመሳሳሊ (uniform) ንምግባር ብምዕላም፡ ናይ ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ክብሪታትን ልምዲታትን (ቋንቋ፡ እምነት፡ ሙዚቃ፡ ወዘተ.) ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብምስግዳድ ሓደ ዓይነት ሕብረተሰብ ክሃንጽ ፈጺሙ ኣይፈተነን። ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር ወይ ሃይማኖት እምነቱን ባህሉን ከስገድድ፡ ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ነቲ ካልእ ብሰንኪ ፍሉይ እምነቱ ክደቍስን ክጭኵንን ክፍትን ኣብ ገጻት መጻሕቲ ታሪኽ ኤርትራ ኣይርከብን’ዩ።
ስለዚ’ምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራ ስልጡንን ፍሉይን ህዝቢ’ዩ ክንብል እንከለና ብዘይምኽንያት ኣይኰነን። ልዕሊ ጸቢብ ብሄራዊ፡ ቀቢላዊን ሃይማኖታዊን ስምዒታት ጸምበለል ኢሉ ብምውጻእ፡ ንዝሰፍሐን ዝዓበየን ሕቶታት ወዲ-ሰብ ፍታሕ ክረክብን ንሰብኣውነት ክብረት ስለ ዝህብን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሕነቱ ጸጋን ሓይልን ምዃኑ ተቐቢሉ፡ ሓጺናዊ ሓድነት ክፈጥር ብምኽኣሉ መርኣዪ ስልጣነኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ብዙሕነቱ ዘለዎ ዝተፈላለየ ጸጋታት ባህሊ፡ ቋንቋ፡ እምነት፡ ኣልባሳት፡ ልምዲታትን ካልእን ኣብ ንሓድሕዱ ከም መምዘኒ ዓብላልነትን ጸብለልትነትን ወይ ብኣንጻሩ ናይ ነዓቕነትን ለጠቕተነትን ከይረኣየን ከይተጠቕመን፡ ንፍልልያቱ ከም ዓቢ ጸጋ ተቐቢሉ ሳላ ዝተኸባበረን ዝተጸዋወረን፡ ሓያልን ስልጡንን ሕብረተሰብ ክሃንጽ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ብዙሕነት ንዘሎ ፍልልያት ዘኽብር፡ ዝሓቍፍን ዝጸውርን ባህሊ’ዚ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ብሰላምን ርግኣትን ክነብርን ብተደጋጋሚ ንሕሱም እዋን ኣረብሪቡ ስዒሩ ክወጽእን ዓቢ ምስጢሩ’ዩ።
እቲ እንነየተሉ፡ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝሃነጽናዮን ንድሕነቱን ቀጻልነቱን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉን ኤርትራዊ መንነት፡ ከምዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ በተን ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘቝማ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣብ መንጐአን ዘሎ ሓድነትን ምክብባርን ጥራይ ኣይኰነን ዝግለጽ። ኤርትራዊ መንነት፡ በቲ ንባህላዊ ብዙሕነት ከም ጸጋ ተቐቢሉ፡ ሕብረ-ብሄራዊ ሕብረተሰብ ተጸዋዊሩን ተኸባቢሩን ንኽነብር ዘኽእሎ ረቂቕ ክብርታት’ዩ ዝግለጽ። ኤርትራዊ መንነት፡ ክንዮ ጸቢብ ብሄራዊን ሃይማኖታዊን ኣተሓሳስባታት’ዩ። ኤርትራዊ መንነት፡ ልዑል ክብረት ሰብኣውነት’ዩ። ኤርትራዊ መንነት፡ ሰብኣዊ ግፍዕን ጭፍጨፋን ብሓፈሻ፡ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ድማ ብፍላይ ዝጽየን’ዩ። ኤርትራዊ መንነት፡ ምስ ባህላዊ ፍልልያትካ ብሓባር ተሳኒኻ ናይ ምንባርን ብሓባር ምዕባይን ምብልጻግን’ዩ። ኤርትራዊ መንነት፡ እቶም ኣብዛ ኤርትራ ተባሂላ እትጽዋዕ ጂኦግራፍያዊት ክሊ ዘለዉ ሞዛይካዊ ሕብረተሰብ ንብሄራዊን ሃይማኖታዊን ፍልልያቶም ሰጊሮም ዝፈጠሩዎ ሓባራዊ ኣተሓሳስባታትን ስምዒትን ወይ ሓባራዊ ስነ-ኣእምሮ’ዩ። ንባህላዊን ብሄራዊን ፍልልያት ከም ጸጋ ተቐቢሉ ብምክብባርን ምጽውዋርን ሰጊሩ፡ ኣብ ሓባራዊ ኣተሓሳስባታት፡ ስምዒታት፡ ክብሪታትን ራእይን ዝዓስል ሕብረተሰብ መርኣያ ስልጣነኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ መሰረት ውሽጣዊ ሰላምን ምህናጽ ሓያል ሃገርን’ዩ።
ኣብ ሓደ ሞዛይካዊ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ኣተሓሳስባታት፡ ስምዒታት፡ ክብሪታትን ራእይን ክፍጠር ንገዛእ-ርእሱ ናይ ኣማኢት ዓመታት መስርሕ’ዩ ዝሓትት። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዘለወን ብዙሓት ሃገራት ነዚ ብድሆ`ዚ ክሰግራኦ ስለ ዘይከኣላ፡ ውሽጣዊ ሰላመን ቅሳነት ክስእንን ኣብ ቀጻሊ ዕግርግር ክነብራን ይረኣያ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብቲ ነዊሕ ታሪኹ ሓባራዊ ምዝመዛን ጭኰናን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ መኸተ ስለ ዘሕለፈ፡ ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓባራዊ ሃገራዊ ስነ-ኣእምሮ ኣማዕቢሉ’ዩ። እቲ ሓባራዊ ታሪኻዊ ተመኵሮ፡ ሓባራዊ ስቅያትን ሓባራዊ ዕጫን፡ ንጥምረትን ምክብባርን ናይ’ቶም ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ዝያዳ ኣትሪርዎን ድልዱል መሰረት ንኤርትራዊ ሃገራውነትን መንነትን’ውን ኰይኑ። ስለዚ፡ ሓደ ኤርትራዊ ብሄር ንኻልእ ኤርትራዊ ብሄር መጀመርያ ከም ኤርትራዊ’ምበር ከም ፍሉይ/ጓና ብሄር ኣይጥምቶን’ዩ። ሓደ ጓና ወይ ወጻእተኛ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብብሄሩ ወይ ሃይማኖቱ ከጥቅዖ ወይ ከጸልሞ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ኤርትራዊ ብሄር ኤርትራዊ መንነት ተጠቒዑ ኢሉ እዩ ዝሓምም’ምበር፡ “እዚ ዝጥቃዕ ዘሎ ወዲ ብሄረይ ወይ ወዲ-ሃይማኖተይ ስለ ዘይኰነ ኣይግድሰኒን’ዩ” ኢሉ ስቕ ኣይብልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ፍልልያቱ፡ ከም ጸጋ፡ ሓይልን መሰረትን ኤርትራዊ መንነት ስለ ዝተቐበሎን ዝሃነጾን፡ ንሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ምጥቃዕ፡ ንሓደ ካብ’ቶም ንኤርትራዊ መንነት ዝጸሩ ኣዕኑድ ምህራም ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ክብረትን ህላወን ኤርትራዊ መንነት ቀይሕ መስመር ምስጋር ብምዃኑ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሓያል ግብረ-መልሲ ጥራይ’ዩ ዝገጥሞ። ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ’ምበኣር ብሕጽር ዝበለ፡ “ኣፍንጫ እንተ ተሃርመት፡ ዓይኒ ትነብዕ!” እዩ። እዚ ሞዛይካዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ሽሕ`ኳ ብግዳማዊ ትርኢቱ (ብሄሩ፡ ሃይማኖቱ፡ ቋንቋኡን ልምድታቱን) ፍልልያት እንተሃለዎ፡ ብሃገራዊ ስነ-ኣእምሮኡ (ኣተሓሳስብኡን ስምዒቱን) ግን ሓደ’ዩ። ዝተፈላለየ ቋንቋ ምዝራብ፡ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ምኽታል፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ምንባርን ነቲ እትነብረሉ ኣከባቢ ዝሰማማዕ ኣገባብ ኣነባብራ ምኽታልን (ኣልባሳት፡ ኣመጋግባ፡ ቍጠባዊ ንጥፈት) ክንዮ ፍሉይ ባህላዊ መለለዪ ምዃን፡ ንበይኑ መምዘኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ሓድነትን ኣይኰነን።
ኤርትራዊ መንነትን ሓድነትን፡ ኣብ ኣእምሮ ናይ’ዞም ዝተፈላለየ ብሄርን ሃይማኖትን ዘለዎም ህዝቢ ዝተሃንጸ ረቂቕ ሓይሊ’ዩ። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምፍላጡን ምጭባጡን ስኢነሞ ዘለዉ ምስጢር ከኣ ንሱ’ዩ። እቶም ኣብ ጸቢብ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባታት ዝተሰረተ ትሕተ-ሃገራዊ ርስሓት ገና ጠንቀላዕላዕ ዝብሉ ዘለዉ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ስልጣንን ንቕሓትን ኣይበጽሕዎን፤ ከምኡ’ውን ኣይተገንዘብዎን ዘለዉ። እዚ ሓያል ክብሪ’ዚ፡ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ነዊሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እናተዀስኰሰ ዝመጽአ`ኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ ምምጻእ መግዛእታዊ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ናይ ውክልና ጐበጣ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ናብ ጥርዚ’ዩ በጺሑ። እቲ ንሓባራዊ ኣተሓሳስባታትን ስምዒትን (ሓባራዊ ስነ-ኣእምሮ) ኤርትራዊ መንነትን እሙን ዝዀነ ሞዛይካዊ ሕብረተሰብ፡ ሽሕ ግዜ እንተ ወሓደ፡ ሽሕ ግዜ ባህላዊ ብዙሕነት እንተሃለዎ፡ ሽሕ ግዜ ቍጠባዊ ዓቕሚ እንተ ሓጸሮ፡ ነቶም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ከይተረፈ ኣብ ናይ ምክፍፋል ፖለቲካ ኣሚኖም ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ዓመጽቲን ወረርቲን ሽሕ ግዜ ብዝሒ እንተ ነበሮም፡ ሽሕ ግዜ ገዚፍ ባላ ግዳማዊ ሓገዛት ተደጊፎም እንተ መጽኡ፡ ብዘይምሕረት ክስዕሮምን ከንበርክኾምን ኣይተጸገመን። ግዳማውያን ጸላእትና ጥራይ ዘይኰኑ፡ ናይ ውሽጢ ኣድሓርሓርቲ’ውን ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዘይውክልን ንመሰረታቱ ዘዳኽምን መትከል ተኸቲሎም ክኸዱ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ስዒሩዎምን በቲኑ ንንፋስ ሂብዎምን።
ሕጂ’ውን፡ እቲ ብረቂቕ ክብርታት ሓድነት ዝግለጽ ኤርትራዊ መንነት ድሕሪ’ዚ ናይ ዝሓለፈ ልዕሊ 22 ዓመታት ተጻብኦን መኸተን ዝያዳ ተሳሒሉ ኣሎ። እዚ ስሑል ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት`ዚ፡ እቶም ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዘለና ግን ሓደ ሃገራዊ ስነ-ኣእምሮ እንውንን ህዝቢ ኣብታ ኤርትራ ኢልና እንጽውዓ ርስትና፡ ቤትናን ሃገርናን ጥራይ ከም ድላይና ከነስተማቕሮ፡ ከነማዕብሎ፡ ከነቐጽሎን ከነውሕሶን ስለ እንኽእል፡ ነዛ ውሕስነት ህላዌናን መንነትናን ዝዀነት መሬት’ውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ እናኸፈልና ዓቂብናያን ኣቐጺልናያን ኣለና። ብሕጂ’ውን ነዛ ጸዋሪትን መጋበርያን መስተማቐሪትን መንነትና ዝዀነት ምድሪ ብምዕቃብ ጥራይ ኢና ንኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትና ንምዕቃቡ፡ ምምዕባሉን ምቕጻሉን ውሕስነት ክንፈጥረሉ እንኽእል።
ህዝባዊ መንግስትኣብ