ዓለምና ብሕማም ኮቪድ-19 ካብ እትጥቃዕ ድሮ ዓመቱ ሓሊፉ። እዚ ሕማም’ዚ ንዳርጋ ኩሉ ንቡር መዳያት ህይወትን ምንቅስቓስን ደቂ-ሰብ ብክትግምቶ ዘጸግም መጠን ኣመዛቢልዎ ይርከብ። ሽሕ’ኳ ብዙሕ ካብቲ ብሰንኪ’ዚ ሕማም’ዚ ዝሰዓበ ከም ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ማሕበረ-ቝጠባዊ ተጽዕኖታት፡ ምዕጻው ቍጠባዊ ትካላትን ተርእዮ ሽቕለት-ኣልቦነትን፡ ምቍራጽ ስሩዕ ትምህርቲ፡… ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ጽልዋታቱ ንዝተፈላለዩ ክሊ-ዕድመ ሕብረተ-ሰብ ዝተፈላለየ ጽልዋ እንተሃለዎ፡ ብደረጃ ዓለም መንእሰያት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕቲ 30 ዓመት ዝርከቡ እቶም ቀንዲ ግዳያት ኰይኖም ምህላዎም ኣየማትእን። ካብ’ቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣስታት 7.8 ቢልዮን በጺሑ ዝርከብ ህዝቢ ዓለም፡ ከባቢ 52% ትሕቲ 30 ዓመት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት (ጸብጻባት ው.ሕ.ሃ. ሓዊስካ) የመልክቱ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ቍጽሪ ናይ ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ልዕሊ 70% ምዃኑን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን እዞም ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ኤርትራ’ውን ብተመሳሳሊ፡ 70% ናይ ህዝብና ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ምዃኖም ገለ-ገለ መንግስታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ስለዚ’ምበኣር፡ ትሕቲ 30 ዓመት ዝርከቡ መንእሰያት ዝበዝሐ ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለምን ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃን (ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርና) እንተ ዀይኑ፡ እዚ ክሊ ዕድመ’ዚ፡ ቀንዲ ግዳይ ተጽዕኖ ብድሆታት ሕማም ኮቪድ-19 (ሽሕኳ ንመልከፍቲ እቲ ሕማም እንተ ዘይበልና) ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ቅልውላው ኮቪድ-19 ኣብ ትምህርቲ፡ ሽቕለት፡ ኣታዊ (income)፡ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናታትን ዕርክነትን፡ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ቅኑዕ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዕድላትን ዝኣመሰሉ ዓውድታት ንመንእሰያት ፈጢሩዎ ዘሎ ብድሆ ቀሊል ኣይኰነን። ብርዱእ ምኽንያት ከኣ፡ እዞም መንእሰያት’ዚኣቶም ተሰከምቲ ናይ’ቲ ብሰንኪ’ዚ ቅልውላው’ዚ ዝፍጠር ናይ ነዊሕ-መጻኢ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ሳዕቤናት’ዮም። ምዅላፍ ካብ ዕድላት ትምህርቲን ብሰንኪ ቍጠባዊ ውድቀት ዝሰዓበ ሽቕለት ኣልቦነትን፡ መንእሰያት ጽቡቕ ስራሕ ረኺቦም ጽቡቕ ኣታዊ ንኽህልዎም ኣዝዩ ኣሸጋሪ ገይሩዎ ኣሎ። ኣብ ምዕቡላትን ኣብ ምምዕባል ዝርከባን ሃገራት ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ከም ዘርእይዎ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ዝተኸስተ ቅልውላው፡ ሽቕለት-ኣልቦነት መንእሰያት ብቕልጡፍ ክዓቢ ተራእዩ። እዚ ድማ ንቝጽሪ ድኻታት ሰባት ብደረጃ ዓለም ከም ዝውስኽ ገይሩዎ። ምኽንያቱ፡ እቲ ትሑት ዝኽፍሊቱን ግዝያዊን ሽቕለት ዝፈጥር ጽላት (ንኣብነት፡ ኣብያተ-መግቢ፡ ሆቴላት፡ መጓዓዝያ፡ ወዘተ.) እቶም በዚ ቅልውላው’ዚ ብብርቱዕ ዝተሃርሙ’ዮም። እዞም ጽላታት እዚኦም ከኣ ብቐንዱ ብመንእሰያት ዝተሓዙ ዓይነት ሽቕለት’ዮም። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ’ዚ ክሊ ዕድመ’ዚ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ብዙሕ ኣብ ባንክታት ዘዋህለልዎን ኣብ ግዜ ቍጠባዊ ቅልውላው መሳገሪ ዝዀኖም እኹል ገንዘብ ስለ ዘይብሎምን፡ ዝለዓለ ብድሆ ገጢምዎም ይርከብ።
እዚ መንእሰያት ብግዝያውነት እናሰርሑ ኣታዊታት ዝረኽብሉ ጽላታት ኣብ ርእሲ ምዕጻዉ፡ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ስሩዕ ንጥፈታት ምምሃርን ምስትምሃርን ከካይዳ ስለ ዘይክእ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ከም ዝዕጸዋ’ዮም ገይሮም። ብሰንኩ ድማ ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ተመሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ምህላዎም ይግለጽ። ዝተፈላለየ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ሓንቲ ሰሙን ምዕጻው ትምህርቲ፡ ኣብ ዝተናውሐ ቀሊል ዘይኰነ ቍጠባውን ማሕበራዊን መዘዝ ዘለዎ ብኽነት ምዕባለ ሰብኣዊ ርእሰ-ማል (human capital development) ከም ዘኸትል የርእዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ዝሰዓበ ብኽነት ትምህርቲ፡ ብመልክዕ ጐደሎ ኣፍራይነትን ዕብየትን ንሕብረተ-ሰባት ቍጠባዊ ጕድኣት (ክሳራ) የኸትል። ገለ-ገለ መጽናዕቲታት ከም ዘርእይዎ፡ ናይ ሓንቲ ዓመት ክሳራ ትምህርቲ፡ ማዕረ ክሳራ ሓደ ሰብ ኣብ መላእ ዕድሚኡ ክረኽቦ ዝነበሮ ካብ 7%-10% ኣታዊኡ ምዃኑ ይእምቱ።
መንእሰያት (ብፍላይ ድማ ትሕቲ 30 ዓመት) ተፈጥሮ ብዝሃቦም ትዕድልቲ፡ ዝያዳ ተኣኪብካ ምዝንጋዕ፡ ምጽዋትን ሓባራዊ ንጥፈታት ምክያድን የዘውትሩ። እንተዀነ፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዝድርትን ተነጽሎ ዘኸትልን ሕጊታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣተኣታትየን ኣብ ምትግባር ይርከባ። እዚ ቅጥዒታት’ዚ፡ ኣብ መንእሰያት ጭንቀት፡ ጸቕጢን ጽምዋን ከም ዘስዕብ ኣየጠራጥርን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየደ ዝተፈላለየ መጽናዕቲታት፡ እዚ ዓለማዊ ለበዳ`ዚ ካብ ዝጅምር ኣብ ክሊ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ዝያዳ ካልእ ዝለዓለ ጭንቀትን ጽምዋን ከም ዘጋጠሞም የረጋግጹ። መማህራንን መማህርትን (መዛኑ) ንኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ብእወንታ ዝጸልዉ`ኳ እንተዀኑ፡ እተን ተወሳኺ ማሕበራዊን ስነ-ልቦናዊን (ስምዒታዊ) ደገፋት ዝህብኦም ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻወን ነቲ ኵነታት ከም ዘግደዶ ይግለጽ።
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ ቀለልቲ ኣብነታት፡ መንእሰያት (ብፍላይ ትሕቲ 30 ዓመት) ሕማም ኮቪድ-19 ብዘስዓቦ ቅልውላው ብደረጃ ዓለም ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ወሪዱዎም ምህላዉ ይሕብር። ስለዚ’ምበኣር፡ እዞም ማእገር ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝዀኑ ወለዶ፡ ናይ ነዊሕ-መጻኢ ዕድላቶምን ተስፋኦምን ብኣሉታ ተጸልዩ ከይቍጸ፡ ኣብ ምቍጽጻር ሕማም ኮቪድ-19 ቀንዲ ንጡፋት ተዋሳእቲ ክዀኑ ከም ዘለዎም’ዩ እቲ ብድሆታት ዝእምት።
መንእሰያት ኤርትራ’ውን ከም ኣካል መንእሰያት ዓለምን ኣፍሪቃን፡ በዞም ብድሆታት’ዚኣቶም ብኣሉታ ምጽላዎም ኣይተረፎምን። መንእሰያት ዝዓበየ ጸጋ ናይ ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ’ዮም፡ መጻኢ ሕብረተ-ሰቦምን ዓለምን ድማ ኣብኦምን ኣብ ኣበርኵቶኦንም ይምርኰስ። ስለዚ፡ መንእሰያትና፡ ነቲ ዘድሊ ቅጥዕታትን ጥንቃቐታትን እናተኸተሉ፡ ኣብ ቃልሲ ምክልኻል ኮቪድ-19 መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከም ዘለዎም ኣየካትዕን። እዚ ሕማም’ዚ፡ ንሰባት፡ ንስሩዕ መነባብሮ፡ ንምዕባለን ምርግጋእን ኣስጋኢ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምቅላስ’ዚ ሕማም ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎም ምግንዛብ የድሊ። ምኽንያቱ፡ መንእሰይ ጸዓት፡ ፈጠራውነትን ምህዞን ስለ ዝውክል፡ ኩሉ ግዜ ሕብረተ-ሰቦም ኣብ ምሕጋዝ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ቅልውላው ፋና ተስፋ ክዀኑ ይግባእ። ብግደ ሓቂ’ውን፡ መንእሰያት ኤርትራ ካብታ እዚ ሕማም`ዚ ናብ ሃገርና ዝኣተወላ ሰዓት ኣትሒዞም ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ኣይበሉን። ብውልቂን ብሓባራዊ ውዳቤታትን ተበግሶታት ብምውሳድ፡ ዝርገሐ መልከፍቲ ኣብ ምክልኻል ሕብረተ-ሰቦም ብዝተፈላለየ መልክዕን ፍታሓትን ንምሕጋዝን ማሕበረ-ቍጠባዊ ስምብራቱ ንምጕዳልን ብዙሕ ዓሚሞም’ዮም።
ይዅን ግን፡ እዚ ሕማም’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ናህሪ ለበድኡ ስለ ዘይዘሓለ፡ ኣብ ሃገርና ድማ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 ኣትሒዙ ብተዛማዲ መልከፍቲ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ መንእሰያት ቃልሶም ዝያዳ ዘሐይልሉ መድረኽ ኰይኑ ኣሎ። መንእሰያት፡ ከመይ ገይርና ኢና ዓለም ንልውጣ፧ ከመይ ኢልና ኢና ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ነገራት ንኸውን፧ ተራ መንእሰያት ኣብ ዓለማዊ ብድሆታት እንታይ’ዩ፧ እናበሉ ብተደጋጋሚ ይሓቱ’ዮም። እንሆ’ምበኣር መንእሰያትና ካብዚ እዋን’ዚ ንላዕሊ እቲ ብዝበለጸ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ንኽገብሩ ግዜ የብሎምን – ነብሰ-ውዳበን ነብሰ-ተበግሶን ብምግባር ሓቢሮም ንለበዳ ናይዚ ሕማም`ዚ ብምቅላስ መጻኢኦምን መጻኢ ሕብረተ-ሰቦምን ምውሓስ። ሽሕ`ኳ እቲ ብድሆ ከቢድ እንተዀነ፡ መንእሰያት ብዝበጸለ ተወዲቦም መሪሕ ተራኦም ዝጻወትሉን ታሪኽ ዝጽሕፉሉን መድረኽ ብምዃኑ ግን ከም ዕድል ክጥምትዎ ኣለዎም። መንእሰያትና፡ ዘድሊ ናይ ምክልኻል ቅጥዕታት እናተኸተሉ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መልከፍቲ ንምቝጻይን ዓለማዊ ምሕዝነት ንምርኣይን ገለ ካብ’ቶም ክገብሩዎም ዘለዎም ነገራት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፤
1. ቀለልቲ መምርሒታትን ቅጥዒታትን ምክልኻል ኮቪድ-19 ምኽታል – እቶም ብክኢላታት ዝወሃቡ ዝዀነ ሰብ ዝኽእሎም መምርሒታትን ቅጥዒታትን ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣዘውትር – ኢድካ ብቐጻሊ ብሳምና ምሕጻብ፡ ሰብ ዝእከበሉ ቦታታት ምውጋድ፡ ብኢድ ሰላምታ ምውጋድ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ምዝውታር፡ ዝዀነ ምልክታት ኮቪድ-19 ምስ ዝሰምዓካ/ኪ ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ኪድ/ዲ።
2. ስድራኻ፡ ኣዕሩኽካን ሕብረተ-ሰብካን መሃር – ብኹሉ እትኽእሎ ነገራት ብዛዕባ ኮቪድ-19 ኮማዊ ንቕሓት ንምዕባይ ጸዓር። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ንቕሓት ህዝብና ጽቡቕ`ኳ ይግስግስ እንተ ሃለወ፡ ብዙሕ ዝተርፍ ግን ኣሎ። ኣጠቕቕማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ ማሕበራዊ ርሕቀት ምሕላው፡ እኩብ ሰብ ምውጋድ፡ ብኢድ ሰላም ዘይምባልን ካልእን ገና ከምቲ ዝድለ ኣይኰነን ዘሎ። እዞም ኣብ ቍጽሪ ሓደ ተጠቒሶም ዘለዉ ቀለልቲ መምርሒታትን ቅጥዒታትን፡ ፍቱናት መከላኸሊ ለብዒ ኮቪድ-19 ብምዃኖም፡ ካብ ስድራና ክሳዕ ሕብረተ-ሰብና ብዝግባእ ክመሃሮምን ክነቕሓሎምን ምስራሕ።
3. ቅኑዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕ – ብዛዕባ ኮቪድ-19 ካብ ስነ-ፍልጠት ዝረሓቐን ሓቅነት ዘይብሉን እምነትን ወረታትን ካብን ናብን ይወናጨፍ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ዀይኑ፡ ርጉጽነት ኣብ ዘይብሉ ግዜ ፈጠራዊ ዜናታት ብናህሪ’ዮም ዝዝርግሑ። ስለዚ፡ መንእሰያት ሓላፍነታውያን ብምዃን፡ ዝዀነ ዜናን ሓበሬታን ቅድሚ ናብ ካልኦት ምምሕልላፍ ከጻርይዎን ሓቅነቱ ከረጋግጹን ይግባእ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንዕዘቦ ከም ዘለና ዓለምና ብቕልጡፍ ብዝላብዑ ክልተ ዓይነት ሕማማት’ያ ተጠቒዓ ዘላ – ኮቪድ-19ን ስኑዕ ዜናታትን (fake news)። ናይ ክልቲኦም ክታበት ከኣ ጽጹይ/ቅኑዕ ሓበሬታ’ዩ። መንእሰያት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገጢምና ዘሎ ነውጺ፡ ምንጪ ርግኣት ክዀኑ ኣለዎም።
4. ምርምር፡ ፈጠራን መሃዝነትን – ካልእ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምቅላስ ወሳኒ ዝዀነ ነገር፡ ምርምርን መጽናቲን’ዩ። መንእሰያት፡ ነዚ ብድሆ’ዚ ኣኽቢዶም ከይረኣዩ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ብድሆታትን ውሁብ ኵነታትን መበገሲ ገይሮም፡ ብዙሕ ሓጋዚ ነገራት ክፈጥሩን ክምህዙን ይኽእሉ’ዮም። ብግብሪ ከም ዝተራእየ’ውን፡ እዚ ሕማም`ዚ ኣብ ሃገርና ምስ ተቐልቀለ፡ ገለ ገለ መንእሰያት ድሕነት ሕብረተ-ሰብ ዘውሕስ መሕጸቢ ኢድ ማሽናት ምሂዞም ዘርጊሖም’ዮም። ስለዚ፡ መንእሰያት ተኽእሎ መጽናዕቲን ምርምርን፡ ምህዞን ፈጠራን ደረቱ ሰማይ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብዛዕባ ዘቤታዊ ክዉንነቶምን ብድሆኦምን እናሓሰቡ፡ ብደረጃ ዓለም ፍታሕ ከምጽኡ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሓሳባትን ምህዞታትን ከበርክቱ ከም ዝኽእሉ ኣሚኖም፡ ነቲ ፈጣሪን ተመራማሪን ኣእምሮኦም ዝያዳ ከስርሕዎ ግዚኡ’ዩ።
5. ሓይሊ ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ምጥቃም – መንእሰያት ስነ-ጥበበኛታትን (ደረስቲ፡ ተዋሳእቲ፡ ገጠምቲ፡ ቀባእቲ፡ ሙዚቀኛታት) ምስ መንእሰያት ክኢላታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (IT)፡ መሃንድሳት ሶፍትዌር (software engineers)፡ ስእላዊ ነደፍቲን (graphic designers) ካልኦትን ሓቢሮም፡ ኣስተምህሮኣዊን ጐስጓሳዊን ሓጸርቲ ቪድዮታት፡ ዶክመንታሪ ፊልምታት፡ ኮሜዲታት፡ ወዘተ. ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሃገርና ብምፍራይ፡ ነቲ ገና ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዝርአ ዘሎ ሃጓፍ ሓበሬታን ትሑት ንቕሓትን ክመልኡን ከዕብዩን ሓላፍነቶም’ዩ። ሓባራዊ ስራሕ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዕድል ስለ ዝፈጥር፡ እዚ ድማ ተኽእሎታት ራዕዲን ቤላ-በለዉን ንምጕዳል ይሕግዝ። መንእሰያት፡ በዞም መሃርትን ጐስጓሳዊን ስርሓት፡ ሰባት ከም ምኽባር ማሕበራዊ ርሕቀትን ነብሰ-ተገልሎን (self-isolation) ዝኣመሰሉ ሓገዝቲ ናይ ባህሪ ለውጢ ከዘውትሩ ክጸልዉ ይኽእሉ’ዮም።
6. ወለንታዊ ንጥፈታት – መንእሰያት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ዕድላት ወለንታዊ ንጥፈታት ከናድዩ ይግባእ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ወይ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸሙ እንተለዉ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ሓገዝ መንእሰያት ወሳኒ’ዩ። ምስ ዘሎ ቅጥዒታት ምክልኻል ኮቪድ-19 ናይ መጓዓዝያ ሕጽረት ስለ ዘሎ፡ ነዞም ዓበይትን ብሕማም ብቐሊሉ ክጥቅዑን ዝኽእሉ ሰባት ዘድሊ ቀረባትን (ኣስቤዛ) መድሃኒትን ኣብ ምዕዳግ ንሓግዞም። ሰራሕተኛታት ጥዕናን ጸጥታን ምሉእ ግዜኦም ህይወት ንምድሓንን ቅጥዒታት ምክልኻል ኮቪድ-19 ንምኽባርን ይሰርሑ ስለዘለዉ፡ ስድራ-ቤታቶም ዝተፈላለየ ሓገዝ ይደልዩ’ዮም። ስለዚ፡ መንእሰያት ብወለንታኦም ደገፍ ክገብሩሎም ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ።
7. መግቢን ናይ ጽሬት ቀረባትን ምብጻሕ – ቅጥዒታት ምክልኻል ኮቪድ-19 ንምኽባር ብዙሕ ቍጠባዊ ንጥፈታት ደው ስለዝበለ፡ ከም ሳዕቤኑ ብቐጥታ ዝተሃስያ ስድራ-ቤታት ብዙሓት’የን። ኣብ ርእሲኡ፡ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ መድረኽ ብዙሕ ኣድላዪ ነገራት ስለ ዝጐድል፡ መንእሰያት ድልየታት ሕብረተ-ሰቦም ንምምላእ ክሰርሑ ይጥለቡ። ብግደ ሓቂ’ውን መንእሰያት ኤርትራ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ዘሐብን ታሪኽ ሰሪሖም’ዮም። ንዝተወጽዓ ስድራ-ቤታት መግቢ ምብጻሕን ኮቪድ-19 ንምቅላስ ዝሕግዙ ናይ ጽሬት ቀረባት ነቶም ብሰንኪ ስርሖምን ዝነብሩሉ ከባቢን (ህዝቢ ብጻዕቂ ተጨቓጪቑ ዝነብሮ) ዝያዳ ዝተቓልዑ ወገናት ምዝርጋሕን ካብ ወሰንቲ ንጥፈታት መንእሰያት’ዮም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንእሰያት ተወዲቦም ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ህዝቢ ብብዝሒ ዝእከቦ ከባቢታት ምንጻህ፡ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ገዚፍ ሓገዝ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ቀጻሊ ብንጥፈት ክሰርሕሉ ይግባእ።
ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብደረጃ ዓለም መዓስ ከም ዘብቅዕ ንፈልጦ የልቦን። ይዅን ግን፡ ህይወት መስርሓ ክትቅጽል’ያ። ንሕና ድማ ከም ሰባት መነባብሮና፡ ከም ቀደሙ`ኳ እንተ ዘይበልና፡ ክንቅጽል ከድልየና’ዩ። ስለዚ’ምበኣር፡ ሕማም ኮቪድ-19 ንኽንደይ እዋን’ዩ ዝጸንሕ ብዘየገድስ፡ ምሳና ዝቕጽል ውሁብ ኵነታት ምዃኑ ሓቂ ዀይኑ ኣሎ። ስለዚ፡ ምስ ሕማም ኮቪድ-19 ሓቢርካ ንቡር ንጥፈታትካን መነባብሮኻን ምግባር ክንመሃርን ክንለምድን ግድን ይኸውን። እዚ ግን ኣብ ትሕቲ ሓደ ቅድመ-ኵነት ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል – ንቕሓት! ስለዚ፡ መንእሰያት፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብና ከም ዝብርኽ ብምግባር፡ ብተዛማዲ ንቡር ህይወት ክንመርሕን መጻኢኦም ኣብ ምጽባቕን መሪሕ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝዀንሉ ብድሆን መድረኽን ገጢምዎም ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ንዝገጠሞ ብድሆን ኣብ ዝወፈሮ ወፍሪን ዓወት ተፈልይዎ ኣይፈልጥን። ነዚ ብድሆ’ዚ ድማ ብዓወት ከም ዝወጽኦ ኣየጠራጥርን።
ህዝባዊ መንግስትኣብ