‘መን ጸንበለል በለ፡ መንከ ጠሓለ፧’

  1. ገለ ስትራተጂ ምክልኻል ይፈልጡ’ዮም ዝበልናዮምን ገለ ናይ ምክልኻል እንዶ ዘይነበሮምን ደፋራት ንስትራተጂ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ካብ እግሪ ተኽሉ ክቃወሙዎ ርኢና። ዓወት ናይቲ ስትራተጂ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ስርዓት ወያነ – 1998-2000 – ምስ ተመስከረ፡ ኣብ ኣረኣእያኦም ዳግመ-ግምት ክገብሩ ተጸቢና። ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ከብዶም ዝሃገሮም ዜጋታት ወሲኾም፡ ምጽላምን ምድዋንን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሳዋን ካብ ወያነ ዶላር ዝሽምጥጡሉ ሽቕለት ክገብሩዎ ተዓዚብና። ንሳዋን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ክንእፈፎምን ክንሃድመሎምን፣ ቀለም-ቀመሳት፡ ድኳናት ሰብኣዊ መሰላትን ዲፕሎማሰኛታት እገዳን ኣኽቲቶም ኣብ ነዊሕ ጒዕዞ ኣእትዮምና። እንተዀነ፡ ሳዋን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ኣብቲ ርቡጽ ባሕሪ፡ ማዕበል ከይገፈዖም፡ ስሕበት ድማ ከየስጠሞም መልሕቖም ዘርጊሖም ኣብታ ሰላማዊት ወደብ ኣዕሪፎም ኣለዉ።
  2. ሃገርና ምግልጋልናን ምክልኻልናን ሓይልዎም መስለኒ፡ ብዘይ ተዅሲ ክማርኹና ጸቕጥን ጻውዒትን ገይሮም ናብ ስደት ዓዲሞሙና። ንዜጋታትና፡ ንከም ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ሊብያ፡ ወዘተ. ዝኣመሰላ ዝወደቓ ሃገራት ዘይወሃብ ሓለፋታት ስደት ክህቡ ቃል ኣትዮም። መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ጐዶቦና ጫጪሖም። ሃዳምነት ንምቕንጃው ሕብረተሰብ ዝፈረዮምን ባይታ ዘጣጥሓሎምን ጥበበኛታት፡ ስፖርተኛታትን ሰበ-ስልጣንን ባንዴራ ሰማእታት ተሓንጊጦም ንኽሃድሙ ቀዪሕ ምንጻፍ ኣንጺፎምሎም። ኣብ መጻወድያኦም ንዝወዓሉ ድማ ‘እገለ ኢዱ ሂቡ፡ እገሊት ኣምሊጣ’ ዝብል ኣብ ልዕሊ’ቶም ዜጋታት ዝነብር ስምብራት ኣጥቢቖምሎም።

ንኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰብ ከም ‘ተጣበቕቲ መሰላት’ ኣጠሚቖም ናብ ሰሃራ፡ ሲናይን ማእከላይ ባሕርን ከነምርሕ ሓቢሮሙና። እቲ 19,000 ጀጋኑ ኣብ ወራር ክንከፍል፡ ብሰሪ ወራር ልዕሊ 600,000 ዜጋታትና ክፈናቐሉ፡ ካልኦት ኣስታት 80,000 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝደኮንዎ ቤቶም ተራስዮም ክስጐጉ ከለዉ ድምጾም ዘህጠሙ ክንደይ ከም ዝነበሩ ንፈልጥ። መኸተና ሓይልዎም ግድስ መጻወድያ ወራር ተርቢዕና ምስ ወጻእና ‘ሞትኩም፡ ጠፋእኩም፡ ጠሓልኩም፡ ብፍርቂ ባንዴራ ሓዘንናልኩም’ ዝብሉ ሓረጋት መውጽኢ ኣፎም ገይሮሞ። እወ፡ በዚሕናዮም ግድስ ብእገዳ ደፊኦም፡ ሞትና ብንብዓት ሓርገጽ ጸምቢሎም ብስደት ክጽንቅቑና ክንደይ ርሂጾም። እቶም ትማል ክንደይ ዋጋ ዘኽፈሉና ሎሚ ኣበይ ኣለዉ ኣይንፈልጥን፣ ንሕና ኣበይ ከም ዘለና ግን ዘይፈልጥ የለን።

  1. ኣብ በረድ ዝተጻሕፈ ታሪኽ እንውንን ስለ ዝመሰሎም’ዮም መስለኒ፡ ታሪኽና ብምብራዝ ክፍንጥሑና ህርድግ ኢሎም። ያእይ መቐንጀውቲ ገድሊ ኴንናስ ‘ብቐደሙ ገድሊ እንታይ ኣድለየ’ ዝብሉ ቀለም-ቀመሳት መርበባት ሓበሬታ ጐብኡዎ። ኣብ ሕዛእቲ ወያነ ዝተኣስሩ ከብዶም ዝሃገሮም ሰባት፡ ንተጋደልትና፡ ሰማእታትናን ኣርማታትናን ክደፍሩ ርኢና። ገለ ሰብ ቀረባ ልብን ገርህታትን ከኣ ሚዛን ሓይሊ ዝተቐልበሰ መሲልዎም ድሕሪ ዝተፈላለዩ ወርቃውያን ሓረጋት ተሓቢኦም ትርከ-ምርኪ ፖለቲካ ኣርእዮምና። ነታ ነዋሕ መንገዲ እቲ ዝኽእላ ህዝብን ውድብን ከይዱዋ፣ ክብሪ ገድልና ኮሊዑ፡ ምስሊ ተጋደልትናን ሰማእታትናን ኣድሚቑ፡ ሰንደቕና ኣብ ብራኸ ኣንበልቢሉዋ’ሎ። እቶም ‘ምቕንጃው ገድሊ’ ዶ ገለ ዝብሉ ዝነበሩ ከም ማስቲካ በልዮም ተተፊኦም ኣለዉ – “ኣካ ረኣናዮም ተጠሊዖም ከእውዩ” ድዩ ዝበለ ወዲ ትኹል።
  2. ከም ተመን ኣብ ርእሶም እንተ ሃረምናዮም’ዮም ዝዓርፉ ግዲ ኢሎምስ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንትና፡ ስቪላውያንን ወተሃደራውያንን መራሕትና መጻሕፍቲ ምዕራብ (መደብ ሶሮስ) ዝመወከሲኡ ናይ ምድዋንን ምስይጣንን ዘመተ ፈንዮም። ኣብ በበይኑ ፈታኒ መድረኽ፡ ውጥን ጀነራላት ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንዘበርዓኑ፣ ከምኡ’ውን ክሳብ ‘ኣራት ኪሎ’ ኣዲስ-ኣበባ፡ ዝፍንቅል ወፍሪ ኣዐዊቶም ኣሰላልፋ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝቐየሩ ኣርካናት ገድሊ ናብ ደረጃ ኮንቶ ከውርዱ ዘይፈንቀልዎ እምኒ ኣይነበሮምን። ክሳዕ እተን ቀንዲ ዝበሃላ ማዕከናት ዜና (መይን ስትሪም ሜድያ)፡ ዘይመንግስታውያን ወድባትን ‘ተጣበቕቲ መሰላት’ን ኣውፊሮም መሬት ክዕብልኹ ውቅያኖስ ድማ ከንቀላውጡ ፈቲኖም።

“ውሕጅ እናሰገርካ ፈረስ ኣይትቐይር” ከም ዝምስሎ ሓደ ዓርከይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ መራሕቱ ፈረስ ኣይቀየሩን። ኮነ ድማ፡ እቶም ክሳዕ ‘መጋባእያ ሰንዓ’ ኢሎም ዝተንኮሉ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክዓርቡ እንከለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኣርካናቱን ብዓንተር ሓድሽ ወለዶ ማሚቖም ሰፈፍ ኢሎም ኣለዉ። ግድን ከኣ ኣብ ኩሉ መዳይ ብግብሪ ብዘመስከረ ወለዶ ገድሊ ድሕሪ ናጽነት እናተመርሑ ኣብ ጐደና ብልጽግና ክቕጽሉ’ዮም።

  1. እዚ ኹሉ ተንኮል፡ ርሃጽ፡ ገንዘብን ጥይትን ዝኸተተ ንሓደ ዕላማ’ዩ ነይሩ – ምቕልባስ ናጽነት ኤርትራ። ዕላማ ኩሎም እቶም ንሳዋን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘጥቀዑ፡ ፍልሰት መንእሰያት ዝሰበኹን ዘዋደዱን፡ ታሪኽ ገድሊ ብምድዋን ዕርቃን ታሪኽ ክፈጥሩ ዝጸዓሩ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ’ዛ ሃገር ከሰይጥኑ ዝረሃጹ ሓደ’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ‘ንኤርትራ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ክንህባ ኢና፣ ኲናት ምስ ጀመርና ኣበይ ደው ከም እንብል ኣይንፈልጥን’ ክብል እንከሎ፣ ሕ.መ. ኣመሪካ ውዕል ኣልጀርስ ንምቕልባስ ጀንዳይ ፍሬዘር ዝተባህለት ልእኽቲ ክትመዝዝ እንከላ፣ ሕቡራት ሃገራት ብተመሳሳሊ ኣክሲዎርዚ ዝተባህለ ሰብ ክመዝዝ እንከሎ፣ ባይቶ ጸጥታ ው.ሕ.ሃ ክልተ (2009፡ 2011) ዘይምዅኑይ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከሕልፍ እንከሎ፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፍልይቲ/ፍሉይ ጸብጻቢ/ት፡ ቀጺሉ ድማ ነውራም ክሲ ክምስርት እንከሎ፣ ንኤርትራ ምስ ሶማልያ ኣጣሚሩ ዝከታተልን ዝጽብጽብን ኣገራሚ ኣካል ክቐውም እንከሎ፡. . . ዕላማኦም ምቕልባስ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

“ጸላኢ ዓሻ’ዩ” ድዩ ዝበለ ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ)። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብ ሓያል ጐድኒ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ እዮም ሃሪሞም። ንሓድነቱ ምስ ፈተኑ ነቲ ሓርበኛ ኣቦና ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን “ሓደ ዅኑ” ዝበሎ ለበዋ ኮሊዖሞ፣ ብዓርሞሸሽ ሓይሊ ምስ መጽኡ ንስትራተጅያዊ ምዝላቕ 1978 ብዘዘኻኽር መንገዲ፡ ንጸላኢ ኣብ መሬቶም ኣእትዮም ኣቚርዮሞ፣ ኣብ ዝተናውሐ ኣይሰላም ኣይኲናት ምስ ሸመምዎ፡ ነቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ “እናተጸመምካ ምጽማም” ዝበሎ ኣምር ኣድሚቖሞ፣ . . . ክንደይ’ሞ. . .  እንታይ’ሞ።

ብጥቕልሉ፡ ኣብ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝሃረሙ፡ ኤርትራ ከውሒ ዀይና ጠጠው ክትብል እንከላ፡ መብዛሕትኦም ብርጭቆ ዀይኖም ተሓምሺሾም ኣለዉ።

ሕርያ ኤርትራ ሓቢርካ ጸንበለል ምባል’ኳ እንተ ነበረ፡ ዓያሹ መባእስቲ ግን ኣብ ኵነተ ‘ንስኻ ወይ ኣነ’ ኣንቢሮሙና። ኤርትራን ኤርትራውነትን ኣለዉን ክነብሩን’ዮም፣ ሓቢርካ ጸንበለል ንምባል ድማ ክሰርሑ’ዮም።

 

ኤርትራ ትበልጽግ!

ሳምሶም ብርሃነ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *