ሰባት ሓለፍቲ`ዮም፡ ጀጋኑ ግን ነበርቲ!
ጀጋኑ ኤርትራ፡ ቅኑዕ ዕላማ ከዐውቱ ካብ ንእስነቶም ንቓልሲ ተበጊሶም። ነቲ መሪር ቓልሲ ንምዕዋት ዝሕተት ውልቃውን ስድራ-ቤታውን ዕድላት፡ ድሌታት፡ ባህጊታት፡ . . . ሰዊኦም፡ ነታ እንኮ ህይወቶም`ውን ንመውጋእቲ፡ ስክልናን መስዋእቲን ኣዳልዮም ነቲ ናይ ዓመታት ገድሊ ከይዶሞ። ንሕና ሰባት፡ ሓንቲ መዓልቲ ጠሚና እንተ ውዒልና ዝስምዓና ስምዒትን ዝፈጥረልና ጭንቀትን ኩሉ ዝፈተኖ`ዩ። ዝዀነ ሰብ፡ ንካልኢታት ጥራይ እተቐንዝወካ ክታበት ክኽተብ እንከሎ ዝስምዖ ቃንዛን ስቅቕታን ንፈልጦ`ዩ። ሓደ መዓልቲ ብዘይ ፍርናሽን መተርኣስን ምሕዳር ዝፈጥሮ ስእነት ምቾት ኩልና ሓሊፍናዮ ኢና። ሓደ መዓልቲ ካብ ደቅኻ ወይ ወለድኻ ተፈሊኻ ምሕዳር ዝፈጥሮ ናፍቖት ኩልና ፈቲንናዮ ኢና። መንእሰይ ኴንካ እትብህጎን እትደልዮን ዝርዝር መቸም ኩሉ ሰብ ብንእስነት ስለ ዝሓለፈ ዝፈልጦ`ዩ። እቲ ዝርዝር ብዙሕ`ዩ። ይኹን ግን፡ ጀጋኑና መጀመርያ ናይ ንእስነት ሰብኣዊ፡ ውልቃዊ፡ ስድራ-ቤታውን ማሕበራውን ባህግታቶምን ዕድላቶምን ክስውኡ ነይሩዎም። ቅድሚ`ቲ ናይ ህይወት መስዋእቲ፡ ናብ`ቲ ቃልሲ ካብ ዝተጸምበሩላ/ራላ ህሞት`ዩ ጕዕዞ መስዋእቲ ዝጅምር። ብህይወት እንከለኻ እትስውኦ ባህግታትን ድሌታትን፡ ማዕረ`ቲ ናይ መጨረሽታ ናይ ህይወት መስዋእቲ ከቢድ`ዩ። እዚ መስዋእቲ`ዚ ንሓደ መዓልቲ፡ ንሰሙን ወይ ንኣዋርሕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዓመታት ካብኡ ሓሊፉ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዝርጋሕ`ዩ። እቲ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ ምርግጋጽ ናጽነት ሃገርን ህዝቢን፡ ዝገዘፈ ዕላማ ብምንባሩ፡ እቲ መስርሕ ከይዕንቀፍ ውልቃዊ ባህግታትን ድሌታትን ከም ቅድመ-ኵነት ንድሉውነት ጠቕሊሎም ተሓኺኾም ተረሲዖም`ዮም። ንመዓልታት መግቢ ከይረኸብካ ቆጽለ-መጽሊ ሸማጢትካ ከብዲ ምዕንጋል`ምበር፡ መግቢ ተሳኢኑ ኢልካ ካብ ግቡእካ ምብኳር ፍጹም ዘይሕሰብ ኰይኑ። ብቦምባታት ነፈርቲ፡ ከቢድ ብረትን ታንክታትን ዝስዕብ መውጋእቲ፡ ስንክልናን ቃንዛን ሓላል ተወሲዱ። ኣብ`ቲ ንቡር ድቃስ ዘይነበረሉ ህይወት፡ እቲ ሳሕቲ ዝርከብ ድቃስ “ዘይንሎሚ ለይቲ`ዩ“ እናተባህለ ኣብ ኩርኳሕን ኣሻዅን፡ ኣብ ኣስሓይታን ቀዝሒን ምሕዳር ንቡር ኰይኑ ዓሰርተታት ዓመታት ተሓሊፉ። ናፍቖት ውሉድን ወላዲን፡ ናፍቖት በዓልቲ-ቤትን ኣፍቃሪን/ሪትን ንልቢን ኣእምሮን እናሰርሰሩ፡ ብጭቕ ከይተባህለ ዓመታት ተሰጊሩ፤ ናፍቖቱ/ታ መልሲ ከይተረኽቦ ብኡ ኣቢሉ ንዘልኣለም እምኒ ጸቒጡዎ ተቘጽዩ ዝተረፈ`ውን ክንዲ ፍቕዲ ሰማእታትና`ዩ።
እቲ ድምጹ ከየስምዐ ውልቃዊ መነባብርኡ ጥራይ ክገብር፡ ንስደት ከምርሕ ወይ ቀሊል ምርጫ ብምውሳድ ምስ ጎበጥቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ እናወሽለኸን እናሎቕመጸን ምንባር ዝኣመሰሉ ብዙሕ ኣማራጺታት ህይወት እናሃለዎ፡ ነቲ ዝኸበደን ዝመረረን መንገዲ መስዋእቲ ክኸዶ ዝወሰነ ጅግና ኤርትራዊ፡ ካብ ኩሉ ተኽእሎታትን ምርጫታትን ነዚ ምርጫ`ዚ ምሕራዩ፡ እምብዛ ዘደንጹን ክትሓስቦ ጥራይ`ውን ዝኸብድን`ዩ። ነዚ ምድንጻውን መልሲ ዘይርከቦ ግድልን መሊሱ ዝሓላልኾ ካልእ ክዉንነት`ውን ኣብ ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣሎ። እንተ ብስደት ምስ ስድርኡ፡ እንተ ብትምህርቲ ናብቲ ብተዛማዲ ኩሉ ዓይነት ነገራዊ ዕግበትን ጥጡሕ መነባብሮን እትረኽበሉ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝበጽሐ መንእሰይ፡ ተመሊሱ ናብቲ እንትርፎ ኣብ መትከልካ ጸኒዕካ ካብ ነብስኻ ዝዓቢ ዕላማ ንምዕዋት ከም ጨርቂ እትበልየሉን ኩሉ ነገራዊ ድልየታት ዘይትረኽበሉን፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ህይወትካ እትህበሉ ቃልሲ ክጽንበር ምርጫ ዝወሰደ ውሑድ ዘይምዃኑ`ዩ። ብኣየናይ ስነ-ኣእምሮ ወይ ስነ-ፍልጠት ትገልጾ ትንግርቲ`ዩ። ከም በዓል ኣብርሃም ማስሎው ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ (psychologists)፡ ወዲ-ሰብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዓወት ንኽበጽሕ ወይ ዓቢ ነገር ንኸረጋግጽ፡ መጀመርያ መግቢ፡ ማይ፡ ክዳን፡ መዕቈቢ፡ ዕረፍቲ፡ ድሕነት፡ ንቡር ፍቕራዊ ዝምድናታት ክረክብ ኣለዎ ይብሉ። እዚ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር`ዚ፡ ብብዙሕ መለክዒታቱ ሓቂ`ዩ። እዞም ስነ-ህይወታዊ ድልየታት እንተ ዘይተማሊኦም፡ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ንቡር ክሓስብን ዓቢ ዕላማ ክጥምትን ኣይክእልን። እዚ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ`ዚ ግን፡ ኣብ ታሪኽ ጀጋኑ ኤርትራ ኣይሰርሐን። ብዘይ መሰረታውያን ስነ-ህይወታዊ ድልየታት፡ ዓቢ ዕላማ ክውቃዕ ከም ዝኽእል ጀጋኑና ወዶም-ጓሎም ብግብሪ ኣርእዮሙና። እቲ ብድሆ ግን፡ ስእነት ጥራይ ኣይነበረን። እቲ ብስነ-ፍልጠት “ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ስነ-ህይወታዊ ድልየታቱ እንተ ዘይተማሊኡሉ ንቡር ክሓስብ ወይ ዓቢ ዕላማ ክጥምት ኣይክእልን`ዩ” ተባሂሉ ዝግለጽ ወዲ-ሰብ ብምስሊ ኤርትራውያን ጀጋኑ ምስ ቆመ፡ እሞ ድማ ብግብሪ ኩሉ ዘይነበሮ ኣንጻር`ቲ ናቱን ናይ ሓያላን ደገፍቱን ተወሲኽዎ ኩሉ ነገር ዝነበሮ ጸላኢ ገጢሙ ነቲ ዓቢ ዕላማ ከዐውት ምኽኣሉ መስተንክር`ዩ። ነገራዊ ድልየታት ኣይባህገይን`ዩ፡ ምጥማይን ምጽማእን ካብ ዕላማይ ኣይዕንቅፈኒን፡ ናፍቖትን ፍቕሪን ኣየሰንፈኒን ኢሉ ዝኣምነ ሓጺናዊ ስነ-ኣእምሮ፡ ንተፈጥሮኣዊ ስነ-ህይወታዊ ባህግታቱ ስለ ዝሰዓረን ዝኸሓደን፡ ካብ ነብሱ ዝዓቢ ዕላማ ህዝቢ ከዐውት ኣይተጸገመን።
ዝዀነ ሰብ፡ ብውልቁ ነገራዊ ዓስቢ/መኽሰብ ንዝረኽበሉ ዕላማ ክበጽሕ ተወፍዩ ይቃለስ እዩ። እቲ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማ፡ ዝሓቶ ዋጋ (ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ከበድቲ ብድሆታት ናብራን ሓርፋፍ ጕዕዞን ምጽማምን፡ ወዘተ.) እናኸበደ እንተ ኸይዱ፡ ነቲ ዝጀመሩዎ ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ዘብጽሑ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ጀጋኑ ኤርትራ ግን፡ ብውልቆም እንትርፎ ጽምኣት ሓርነት ህዝቦም ረውዩ ብምርኣይ ዝዓግብ መንፈሶም ካልእ ነገራዊ ዓስቢ/መኽሰብ ንዘይረኽብሉ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ብምኽፋል ዕላምኦም ኣዐዊቶም – ጽምኣት ሓርነት ህዝቢ ምርዋይ። ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ መኽሰብ ዘይኰነስ፡ ናይ ሓፋሽ መኽሰብ። ንስኻ ብውልቅኻ ንዘይትረብሓሉ ዕላማ ክሳዕ ህይወትካ ብምኽፋል ዝግለጽ ፍቕሪ ድማ እንትርፎ ኣብ ትምህርቲ ቕዱሳት መጽሓፍቲ፡ ኣብ ካልእ ተራእዩ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት፡ ፍቕሪ ጀጋኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብጹእ`ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ ጀጋኑና ኣብ ዙፋን ክብረት ነበርቲ`ዮም። በቲ ኣብ ወለድኦም ዝሰርሕዎ፡ ዝፈጠሩዎን ዝወነኑዎን ታሪኽ ከኣ ንዘልኣለም ተዘከርቲ`ዮም። ወለዶ ይከኣሎ ንዝሰርሖን ዝፈጠሮን ታሪኽ ክልውጥ፡ ክሰርቕ፡ ከናሹ ዝኽእል ዝዀነ ሓይሊ የለን።
መንፈስ ሃገራውነትን ተወፋይነትን ጀጋኑና ኣብ መንፈሱ ዘስረጸ ወለዶ ዋርሳይ`ውን፡ ብግዲኡ ታሪኽ ናይ ምፍጣርን ምውናንን መድረኽ ተረኪቡ፡ ሃገር ኣድሒኑን ማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ህዝቢ ምስ ኩሉ ብድሆታቱ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ኣብጺሕዎን ይርከብ። ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ኩሉ ኣብዛ ሃገር ዝተፈጸመ ታሪኽ፡ ሳላዚ ልክዕ ከምቲ ቀዳማይ ወለዶ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ዓይነት ብድሆታት ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ክኸፍል ደው ዝበለን ብግብሪ ዝኸፈለን ዝተረጋገጸ`ዩ። እቲ ህላወ ህዝቢን ሃገርን ንምድሓንን ድኽነት ንምስዓርን ዝተኻየደ ምርብራብ፡ ኣብ ማእከሉ ስነ-ህይወታዊ ተፈጥሮኡ ዝሰዓረ፡ ውልቃዊ ረብሓ ንዘይረኽበሉ ግን ከኣ ቅዱስ ዕላማ ንምጭባጥ ዝተወፈየ ወለዶ ዋርሳይ ኣሎ። ቅዱስ ዕላማ (ንሓፋሽ ዝጠቅም ጽቡቕ ነገር) ንምርግጋጽ ዝቃለስ ድማ ብጹእ`ዩ`ሞ፡ ወለዶ ዋርሳይ ንኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ፍቕሪ ብጹእ ምዃኑ ኣርእዩ`ዩ። እዚ ወለዶ`ዚ`ውን፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ታሪኽ ብምፍጣርን ብምውናንን ኣብ ሰንሰለት ወለዶታት ኤርትራ ኣብ ዙፋን ክብረት ዘቐምጦ ውርሻ ሰሪሑ ኣሎ። ንዘልኣለም ዘዘክሮ ታሪኽ ሰሪሑ`ዩ፡ ታሪኽ ወኒኑ`ዩ። ሕጂ`ውን፡ ወለዶ ዋርሳይ ንዝሰርሖን ዝፈጠሮን ታሪኽ ክልውጥ፡ ክሰርቕ፡ ከናሹ ዝኽእል ዝዀነ ሓይሊ የለን።
ካብ ነብስኻ ዝዓቢ ዕላማ ንምዕዋት፡ ውልቃዊ ረብሓ ከይተጸበኻ መዋእልካ ምውፋይን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ምኽፋልን፡ ልዑል ደረጃ ንቕሓትን ሓጺናዊ ስነ-ኣእምሮን ይሓትት። ከምዚ ዓይነት ጅግንነት ምፍጻም ከኣ ተባዕ ውሳነ/ምርጫ እምበር ዕጫ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ውልቃዊ ዋኒኑን ረብሓኡን ዝሓስብ ሰብ ነዚ ውሳነ/ምርጫ`ዚ ኣይከዶን`ዩ። ብግደ ሓቂ፡ ነዚ ተወፋይነትን መስዋእቲን`ዚ ዝኸድዎ ኣዝዮም ውሑዳት`ዮም። እቶም ነዚ ዝኸዱዎ ጀጋኑ ኸኣ ዝዀነ ተራ ሰብ ዘይፍጽሞ ተግባራት ስለ ዝዓመሙን ክብሪታት ስለ ዝተጐናጸፉን፡ እቶም ፍረ ተወፋይነትን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲን ናይ`ዞም ጀጋኑ ዝዀኑ ሓርነት፡ ድሕነትን ኣርዑት ድኽነት ዝሰበረ ናብራን ዝረኸብና ሓፋሽ፡ ነዞም ፈጠርቲ ሓድሽ ክዉንነት ንዘልኣለም ከነኽብሮምን ክንዝክሮምን ግቡእ`ዩ።
ህዝባዊ መንግስትኣብ
To the Editor
Website isn’t getting much traction. Ask why? Articles are poor and one can not fool oneself. The attempt to strike ‘sensational headings’ is a poor and outdated tactic in journalism. Articles such as one on ‘war: A gain or loss’ are a waste of time to the reader and the website.
Improve and focus on ideas!
have u read such an article?