ጻንሖት ኣብ `ገደም`

ጸብጻብ ዑደት

 

ኣቶ ረዳእዝጊ ዝተባህለ ምሁር፡ ምኵርን ናይ ዕድመ በዓል ጸጋን ዜጋ፡ ሓደ እዋን ምስ መንእሰያት ኣብ ዝገበሮ ጻንሖት፡ “ዘለናዮ መዋእለ ሓበሬታ፡ መንእሰያት ኣበየናይ ኵርናዕ ናይ ዓለም ኣለዉ ብዘየገድስ፡ ኣድህቦኦም ናብ ሃገራት ምዕራብ ከም ዝምእዘን ገይሩዎ’ሎ። በዚ ድማ ካብ ብዛዕባ ገዛእ ሃገራቶም ብዛዕባ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎም ፍልጠት ዝዓበየ ዀይኑ ትረኽቦ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ንስኻትኩም ብኸመይ ትግንዘብዎ እንድዒ፣ ኣነ ግን፡ ኣብ ህይወት ብዘጥረኹዎ ተመኵሮ፡ ኤርትራ ባሕሪ እያ፡” በለ።

ምስ ብጾተይ ንስራሕ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ክንቀሳቐስ ኣብ ዝመደብኩሉ ኣጋጣሚ፡ እዚ ብኣቶ ረዳእዝጊ ዝተዋህበ ምኽሪ ኣብ ውሽጠይ ኣቐሚጠ እየ ነቒለ። ኣብቲ ጒዕዞ ምስ ምኒስተር ሃብቲ ባሕሪ፡ ኣቶ ተወልደ ቀላቲ፡ ኣብ ዝነበረና ሓጺር ርክብ፡ “ንዓይ ዝገርመኒ ኣስታት 1200 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሪን ገና ዘይተዳህሰሰ፡ ዝበዝሐ’ውን ሰብ ዘይቅመጦ ልዕሊ 360 ደሴታት ኣቐሚጥና ኣብቲ ጎቦታት እንታይ ንገብር ከም ዘለና እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ገለ-ገለ ሃገራት ገማግም ባሕረን ሓሊፈን ኣብ ከባቢ ሩባታተን ዒላታት ብምዅዓት ሕርሻ ዓሳ የካይዳ፣ ንሕና ድማ ንኹሉ’ዚ ጸጋ’ዚ ዘንጊዕና ኣብ ጎቦታት ንጻገም፡. . .” በለና።

ብመንጽር ዘለዎ ቱሪዝማዊ ጽባቐን ዝተፈላለየ ዕቝር ባህርያዊ ሃብትን፡ ባሕሪ ኤርትራ ተመዝሚዙ ዘይውዳእ ጸጋ እዩ። ኩሉ ዜጋ ወፊሩን ኣውፊሩን ክዓምሞ ዘይክእል ተኽእሎታት ተሰኪሙ ድማ ይቕጽል ኣሎ። እዚ፡ ጸዋግ ዘመን ኣእሪጉ፡ ኣብ ድርኩኺት ብሩህ መዋእል ዝርከብ ጽላት’ዚ፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዎ ንግደድ ኢና። ናይ ወለዶታት ሃብቲ ስለ ዝዀነ፡ ተጠቂምናን ኣማዕቢልናን ከነሰጋግሮ የድልየና።

ብሕርሻ `ጻዕዳ ወርቂ` ዝልለ ሃብቲ ጨው፡ ከምኡ’ውን ሃብቲ ዓሳ፡ ብዘይ ማሕረስ፡ ጻህያይን ዓጺድን ምሉእ ዓመት ዝሕፈስ ቀውዒ እዩ ምህርቲ ባሕሪ። ቀይሕ ባሕሪ፡ ናብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ዘራኽብ ኣውራ ጐደና ምስ ምዃኑ፡ ነተን ዕለታዊ ዝመላለሳሉ ኣሽሓት መራኽብ ኣገልግሎት ምቕራብን ናይ ነጻ ዕዳጋ ማእከላት ብምኽፋት እቶት ምኽዕባትን ካልእ ቀንዲ ዕድል ኣንቢሩልና ኣሎ። ነዚ ልዑል ንቕሓት፡ ሓለዋን ክንክንን ዘድልዮ ብሌን ዓይኒ ሃገር ዝኾነ ጸጋ’ዚ፡ መንእሰያት ክፈልጥዎ፡ ከፍቅሩዎን ክሕልውዎን መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ መንእሰያት ምስ ባሕሮም ዝላለይሉ ምቹእ ባይታ ንምጥጣሕ ብመደብ ይሰርሓሉ ከም ዘሎ ክግንዘብ ክኢለ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ መንእሰያት ኣብቲ ብርሃጾም ዘልምዕዎ ቐጠልያ ኣከባቢ ናይቲ ኣሃዱ ከጽልሉ፡ ጥጡሕ መነባብሮ ክህልዎም፡ ብኣካልን ኣእምሮን ጥዑያትን ድልዱላትን ክዀኑ ዝተፈላለዩ መደባት ሰሪዑ ከም ዝሰርሕ ኣዘዝቲ ሓይሊ ባሕሪ ይገልጹ። ንኣብነት፡ ማእከል ናይዚ ቀጠልያ ወፍሪ`ዚ ዝዀነት ገደም ኣብ ቆላ ዝተደኰነት ኣይትመስልን። እዚ ብርሃጽ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝተፈጥረ ግሩም ቀጠልያ ሕብሪ`ዚ፡ ካብ ግርማ ዝሓልፍ ቍም-ነገር’ውን ኣለዎ። ናብቲ ቐጽሪ እትው ክትብል ናብ ሓደ ዕሙር ዕዳጋ ዝተጸንበርካ ዀይኑ ይስምዓካ። ምንቅስቓስ ናይቶም ብህድኣት ነናብ ስርሖም ዘብሉ ብዙሓት መንእሰያት ርኢኻ፡ እቲ ሓይሊ`ቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጢ ኣብ ስራሕ ይቕጀለካ።

ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቐትሪ፡ `ሓሸፍ-ሓሸፍ` ዝብል ድምጺ ምንቅስቓስ ናይ ሰባት ምስ ሰማዕኩ ካብ ድቃሰይ ብድድ ኢለ ክዕዘብ ባብ ኣዕሪፈሉ ዝነበርኩ ክፍሊ ኣርሓኹ። ናብ ቤት መግቢ ገጾም ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት ምስ ርኤኹ፡ ምስ ብጾተይ ደድሕሪኦም ሰዓብና። ኣብቲ ገፊሕ፡ ካፈተርያ ሳዋ ዝመስል፡ ኣደራሽ ሁጭ ኢሉ ኮፍ ዝበለ ሓፋሽ፡ ከም ኣዋፍራ ንህቢ ካብን ናብን ዝወጽኡን ዝኣትዉን መሳርዕ መንእሰያት ተቐበለና። ኣብቲ ሓላፍን ተራን ዘይፈሊ ቤት መግቢ፡ ርግኦ ዝመልአ ሽሓኒ፡ ዓሳን ካልእ ዓይነታት መግብን ሓንጐፋይ በለና። ገና ከይተመገብካ ብምርኣይ ትዓግብ።

ገደም ንበጻሕታ ደስ እተብል ምጭውቲ ከተማ ኰይና ረኺበያ። ምስጢር ጽባቐ ናይዛ ምጭውቲ መዓስከር ንምፍላጥ ድማ ክሓትት ጀመርኩ። ኣካያዲ ስራሕ ሕርሻዊ ንጥፈታት መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ተጋዳላይ ተኽሎም፡ ሓምላይ ኣከባቢ ምፍጣር ሓደ ካብ ቀንዲ መደባት እቲ እሃዱ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ሕርሻ ተምሪ ብኣሃዱኦም ዕቱብ ኣተኵሮ ተዋሂብዎ ይስርሓሉ ምህላዉ ገሊጹልና።

እቲ ሕርሻ ካብቲ መሰረታዊ ናይ ምምድማድ ስራሕ፡ ንጨዋሚ ሓመድ ገምገም ባሕሪ ብፍርያም ሓመድ ምትካእ፡ ምዱኳዕን ምክንኻንን፡ ፍልጠት ዝሓትት ሞያ ምዃኑ ይሕብር። ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ትሽዓተ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘለዎም ኣስታት 4000 ገረብ ተምሪ ኣብ ምልማዕ ከም ዘሎን ኣብ መጻኢ ናይ ምስፋሕ መደብ ተታሒዙ ምህላዉን ይገልጽ። እዚ ኣብ ፍርያት በጺሑ ዘሎ ሕርሻ ተምሪ`ዚ ካብ ሚያዝያ 2021 ኣቢሉ ምህርቲ ክህብ ትጽቢት ይግበረሉ።

ንጥፈታት ሕርሻ ባሕሪ ገደም፡ ኣብ ተምሪ ጥራይ ዝተሓጽረ ከም ዘይኰነ ዝገለጸ ተጋዳላይ ተኽሎም፡ ኣብ 2015 ብውሑድ ቍጽሪ እንስሳታት – ከብቲ፡ ጠሌ-በጊዕን ካልእን – ዝጀመረ መደብ ምርባሕ እንስሳታት ከም ዘሎ’ውን ሓቢሩ። እዚ ንጥፈታት`ዚ፡ ናይ ስጋ፡ ጸባን ውጽኢት ጸባን ጠለብ ናይቲ ኣሃዱ ምሉእ-ብምሉእ ኣውሒሱ ኣሎ። መግቢ ናይዘን እንስሳታት ድማ ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ትካል ብዘፍርዮ ሳዕርን ካብ ክሽነ ብዝርከብ ተርፍ መግብን ነብሱ

ይኽእል። እዚ ናይ ምርባሕ እንስሳታት ንጥፈታት 70 ዝዀኑ ሞያውያንን ናይ ጉልበት ሰራሕተኛታትን ኣለውዎ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዝተቐረብናዮ መኣዲ፡ ምህርቲ ናይቶም ብምኽንያት ወቕቲ ናብ ከበሳ ሳጊሞም ዝነበሩ ንህቢ`ውን ኣስተማቒርና ነይርና።

ምሉእ ምስሊ ናይዛ ከተማ ንምዕዛብ፡ ምሸት ዘወር እናበልና ናብቲ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ስርሑ ዝጅምር መዘናግዒ ማእከል በጺሕና። እዚ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዝእንገዶ ማእከል`ዚ፡ ቤት ቡንን ሻህን፡ ቤት መስተ፡ ኩርናዕ ጆቶኒ፡ ቤት ቢልያርዶ፡ ኣብያተ ተለቪዥን፡ ቤት ንባብ፡ ቤት መላጸ፡ ድኳናትን ወሃብቲ ካልእ ኣገልግሎታትን ዝሓቖፈን ብርትዓዊ ዋጋ ዘገልግልን ማእከል እዩ። እቲ ካብ መንጐና ምሉቕ ኢሉ ብምኻድ ብሸውዓተ ናቕፋ ዝተቐምቀመ ብጻይና፡ ንዝረኸቦ ናይ ኣገልግሎት ብቕዓትን ርትዓውነት ክፍሊት ዝወሃብ ኣገልግሎታትን ከነስተብህለሉ ድርኺት ፈጢሩልና።

ጻንሖትና ኣብ ገደም ተመላላኢ ጽባቐ ዘርእን ባህታ ዝፈጥርን ነይሩ። እዚ ጽባቐ’ዚ ድልድል ኮይኑ ምስ ገነት ባሕርና ጽኑዕ ዝምድና ንኽንፈጥር ክሕግዘናን ብዛዕባ ዕቚር ሃብትና ዝተማለልአ ፍልጠት ንኽንሕዝን ከተባብዓናን ምዃኑ ዓቢ ተስፋ ኣሕዲረ። በዚ ድማ እቲ ብኣቶ ረዳእዝጊን ክቡር ምኒስተር ሃብቲ ባሕርን ዝተባህለ መሪሕ ሓሳብ ኣብ ውሑስ ኢድ ምህላዉ ተዓዚበ።

 

ዳንኤል እያሱ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *