ዳኒኤል እያሱ
ጸብጻብ ጒዕዞ – ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት
ኣብቲ ካብ ጻት ንጻት መሬት ኤርትራ ቐጠልያ ዝነበረሉ መወዳእታ መስከረም 2020፡ ብስራሕ ናብ ዝተፈላለያ ዲጋታትን ናይ ልምዓት ቦታታትን፤ ከርከበት፡ ገርሰት፡ ኣለቡን ዒላበርዕድን ብምብጻሕ፡ ምስ ካብ ኮለጃትን ኣብያተ-ትምህርቲ ቴክኒክን ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ዘለዉ መንእሰያት ርክባት ኣካይድና።
እቲ ካብ ከባቢ ኣስመራ ብዘራእቲ ጻዕዳ-እኽሊ ፈሊሙ፡ ብብልቱግን መሸላን መታሕት ተሰንዩ ዝቐጸለ ጒዕዞ፡ ብፍላይ ካብ ጐላጒል ዓደርደ ክሳብ ከባቢ ገርሰት ብህጡር መጓሰታት ኣግማል፡ ጠለ-በጊዕ፡ ከብትን መጽዓኛን ዘጌጸ ነበረ።
ኣብቲ ልዕሊ 330 ሚልዮን ሜተር ኲዩብ ክሕዝ ዝኽእል ዲጋ ከርከበት፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ዲጋ ኣብ ዘሎ ማይ፡ ዓሳ፡ ዓንጎግን ካልኦት ምድረ-ማያውያንን ውንጅር-ውንጅር ክብሉ ጸንሑና። እዚ ምልኣት ናይቲ ዲጋ ዘውሓዞ ማይ’ዚ፡ ኣብ መንጐ’ቲ ዲጋን ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ንዘሎ ናይ ልዕሊ ሰማንያ ኪሎ ሜተር መሬት ንልምዓት ጀራዲን ድሉው ይገብሮ።
ዛጊት፡ ኣብ ኣስታት 10,000 ሄክታር፡ ዕዮ ምምድማድ፡ ምዝርጋሕ ትሕተ-ቕርጽን ምውዳድ መሳለጥያን ተሳሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣስታት 30 ሄክታር ልምዓት ገረብ ማንጉስ፡ ተኽሊ ጡጥ፡ ቃንጫ ሽኮር፡ ከምኡ’ውን፡ ብናይ ክራማት ሕርሻ ዝለምዑ ዝተፈላለዩ ኣእካልን ጥሬታትን ተፈቲኖም ውጽኢታውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣካየድቲ ናይቲ ፕሮጀክት፡ እቲ ከባቢ ጐላጒል ዝዓብለሎ ብምዃኑ፡ ስፍሓት ዝሕረስ መሬት ናብ ልዕሊ 40,000 ሄክታር ክዓቢ ይኽእል።
ዝበዝሑ ሞያውያን መንእሰያት ኣባላት ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብቲ ዝኸድናሉ ቕንያት ንዕረፍቲ ተንቀሳቒሶም ብምጽንሖም ኣብ ባይታ ዘሎ ኣሰር ስርሖም ጥራይ ኢና ተዓዚብና። ኣብቲ ኣብ ምጅምማር ዝርከብ ንጥፈታት ሕርሻ፡ ካብ 13 ዓድታት ምምሕዳር ከባቢ ኣማላይት፡ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ዝወፈራ፡ እቶም ተረኛታት ሞያውያን መንእሰያት ዝመርሕወን ልዕሊ 500 ኣዴታት ኣብ ስራሕ ጸንሓና።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓላፊ ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት፡ ኣቶ ታደሰ ፍስሃየ፡ “እዘን ኣዴታት መጀመርያ ስራሕ ኣብ ዝጀመራሉ፡ ናይ ስራሕ ተመኵ
ሮ ኣይጸንሐንን ጥራይ ዘይኰነ፡ ገጽ ሰብ ክርእያ’ውን ዓቐብ እዩ ዝዀነን ነይሩ። በዚ ድማ እቲ ስራሕ ዓይንኻ ከዊልካ፡ ናይ ዓይኒ-ብለይ ስኒ’ብለይ ብምንባሩ፡ እኽሉን ጻህያዩን ብሓደ እዩ ዝምሖ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ሳላ ዝተገብረለን ምእላይ ኣጥርየናኦ ብዘለዋ ተመኵሮ ኣድማዕቲ ኰይነን ኣለዋ፡” ኢሉ።
“ካብ ስራሕ ምብኳር ስለ ዘይፈልጣ፡ ዕለታዊ ናይ ምቍጽጻር (ኣቴንዳንስ) ንጥፈታት ምክያድ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ምኽባር ግዜ፡ እተን ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህባ መካይን ቅድሚ ምምጽአን፡ ብለይቱ ኣብ መበገሲ ቦታ እየን ዝጸንሓ፡” ይብል።
ኣብቲ ቦታ ስራሕ ካብ ትጅምር ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ዝገበረት፡ ካብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ዝመጽአት ወ/ሮ ፋጡማ ኢብራሂም ኑር፡ ተጠርዩ ንዘሎ ልምዲ ስራሕ ኣመልኪታ፡ “እቲ መጀመርያ ንሰርሕ ኣይነበርናን፣ እቲ ዝወሃበና ዝነበረ ደሞዝ ድማ ከም ሓገዝ ኢና ንቘጽሮ ነይርና። መንግስቲ ተጸሚሙ ልምዲ ስራሕ ከም ነጥሪ ገይሩና። ሕጂ ግን ካብ ምጽባይ ተገላጊልና ሰሪሕና ደቅና ነዕቢ ኣሎና። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ዓቕሚ ምስ ተረኽበ፡ ዝምልከቶ ኣካል ምምሕያሽ ደሞዝ ክገብረልና ምዃኑ ንኣምን፡” ትብል።
ተሳትፎ ናይዘን ኣዴታት፡ ብዘይካ’ቲ ሰሪሐን ነብሰን ንኽኽእላ ዝህቦ ረብሓ፡ ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ምቕያር ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ነቲ ኣብ መጓሰ ዝተመርኰሰ ህይወት ዝመርሕ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ ናብ ዘመናዊ ንጠፈታት ሕርሻ ዝቕይር ባህሊ ስራሕ ኣብ ምስራጽ ዓቢ ግደ ኣለዎ።
ንተሳትፎ ህዝቢ ኣብቲ ፕሮጀክትን እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ከባቢ ኣምጺእዎ ንዘሎ ጽልዋን ኣመልኪቱ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ መንእሰይ ሁመድ መሓመድ ዓሊ፡ ኩሉ ኣካላት መንግስቲ ምስ ህዝቢ ኣብ ዝራኸበሉ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኣብቲ ስራሕ ብምስታፉ ንዝረኽቦ ረብሓ ኣመልኪቱ ቀጻሊ ጐስጓስ ከም ዘካይድ ይገልጽ። “ኣብዚ ከባቢ፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ካብ ገዛ ወጺአን ናይ ምስራሕ ልምዲ ኣይጸንሐንን። እተን ካብ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ዝመጽኣ ኣዴታት፡ ኣብ ምቕያር ኣመለኻኽታ ናይዘን ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ኣዴታት ዓቢ ተራ እየን ተጻዊተን። ኣብዚ ዘለናዮ ወቕቲ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ፕሮጀክት ሕርሻ ከርከበት ሰራሕተኛታት ካብ ተጸባይነት ተገላጊለን ነብሰን ክኽእላ ዓቢ ተራ ይጻወት ኣሎ፡” ኢሉ።
“እዚ ዲጋ’ዚ ብዘይካ ነዚ ፕሮጀክት፡ ትሕዝቶ ማይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ዲጋ ዘሎ ሩባን መሬትን ኣበሪኹ፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ንዝሳተፉ ዘለዉ ንጥፈታቶም ብዝሰፍሐ ንኸበጋግሱ ሓያል ድርኺት ፈጢሩሎም ኣሎ፡” ብምባል ንመጻኢ ኣመት ልምዓት ጀራዲን ከርከበት ይገልጽ።
ዲጋ ከርከበት፡ ነቲ “ጋሽ-ባርካ መሶብ ኤርትራ” ዝብል ኣበሃህላ ዝያዳ ስጋ ዘልብስ እዩ። እዚ ሎሚ ፕሮጀክት ልምዓት ከርከበት ትዅስኵሶ ዘላ ባህሊ ስራሕ ይዅን እዞም ሎሚ ግብራዊ ተመኵሮ ተቕስሞም ዘላ መንእሰያት፡ ነቲ ጽባሕ ህያው ዝኸውን ልምዓት ሕርሻን ኢንዱስትሪ ሕርሻን ድልዱል ሰረት ዘንጽፍ እዩ። እዚ ኣብ ጐላጒል ከርከበት ተደኲኑ ዘሎ ዲጋ’ዚ ድሮ ንገጽ መሬት እቲ ከባቢ ቀይሩዎ ይርከብ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት እትርከብ ሓውሲ ከተማ ኣምላይት፡ ዝዋደድ ብዘሎ ንጥፈታት ልምዓት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምሉእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናብ ዘማልአት ከተማ ልምዓት እትቕየረሉ ግዜ ነዊሕ ኣይመስልን።