ህዝባውነት፡ ሕላገት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብታ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ሓይልታት ሓርነት ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረላ መዓልቲ ኣትሒዙ ብፍልቀት ዝማዕበለ እዩ። ዝመጽእ ባሕቲ መስከረም መበል 60 ዓመት ጉዕዞኡ ዝጽንብል እዚ ሰራዊት`ዚ ካብ ፈለማ ልዕልን ቅድምን ኩሉ ዝዓጠቓ ዕጥቂ ህዝባውነት እያ።

ነዚ ከም ሰራዊት ሓርነት ኣብ ጽላል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጉዕዞኡ ዝፈለመ ሰራዊት፡ ሕጽረት ተመኵሮን ዓቕምን ዝወለዶም ብድሆታት ብሕብረ-ብሄራውነቱ፡ እምነቱን ጅኦግራፍያዊ ወካልነቱን ምሉእ-ብምሉእ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ዝኸውን ቃልሲ ሓቲቶሞ’ዮም። እንተኾነ፡ ኣብ ምዕራባዊ መታሕትን ብደቂ መታሕትን ጀሚሩ፡ ከበሳን ምብራቓዊ መታሕትን ካብ ምስላፍ ዓዲ ኣይወዓለን። ንኹሎም ቋንቋታት፡ እምነታትን ከባቢታትን ኤርትራ ኣብ ኤርትራውነት ከዕስል ዝፍታሕ ግድል እምበር ዘይውጻእ ዓቐብ ኣይኰኖን።

ነቲ ኣብ 1941 ምስ ምውጻእ መግዛእቲ ኢጣልያን ምምጻእ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝን ‘ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ ዝተባህለ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ መስሪቱ ዘርኣዮ፡ ቀጺሉ’ውን ንከፋፋሊ ምትእትታው ዝተፈላለዩ ዕዉታት ሓይልታት ካልኣይ ኲናት ዓለምን ተለቀብቶምን፡ ብፍላይ ከኣ ውጥን ምምቃል ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን – ውጥን ‘በቪን ስፎርዛ’ – ኣብ 1949 ‘ቀጽሪ ናጽነት ኤርትራ’ ዝተባህለ ንኹሎም ደለይቲ ናጽነት ዝነበሩ ምንቅስቓሳት ዝጠርነፈ ቀጽሪ ብምምስራት ዝኾልዖ ሓድነት ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ውን ደጋጊሙ ከረጋግጾ ነይሩዎ።

ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ኣዳል ፈላሚ ቶዅሲ ክትኵስ እንከሎ ቍንጣሮን ድሑር ዕጥቅን ዝነበሮ ሰራዊት፡ ኣብ 1962 ወተሃደራዊ መራሒኡ ንዝነበረ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ብመስዋእቲ’ኳ እንተ ሰኣኖ፡ ህዝባውነት እቲ ቃልሲ፡ ነታ ቍልዒ ናብ ሓዊ፡ ነቶም ቍንጣሮ ሰራዊቱ ድማ ናብ ካዕበት የስግሮም ነይሩ። ቁጽሪ ሰራዊት ሓርነት ኣብ 1962 ናብ 250፣ ኣብ 1965 ከኣ ናብ 2000 ኣብ ዝደየበሉ እዋን፡ እቲ ቃልሲ ተመኵሮ ሰውራ ኣልጀርያ ብምውካስ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ መግዛእታዊ ጅኦግራፍያዊ ምምሕዳር (ዋሊያት) ንዝመሳሰል ናይ ክፍልታት ምሕደራ ኣቚሙ። ኣብ ክፍልታት ዝተኸፍለ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሓርነት ንህዝቢ ኣበየ ቦታኡ ናይ ምብጻሕ ዕድል እንተ ፈጠረ’ኳ፡ ክንዮ ክፍሉ፡ እምነቱን ቋንቋኡን ዝሓስብ፡ ንኤርትራዊ መንነት ብቐዳምነት ብምስራዕ ኤርትራ ጥራይ ዝዶቡ ዓርሞሸሽ ሓይሊ ንምምስራት ብድሆ ነበሮ። ግዳይ ናይቲ ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ካብ 1966-67 ኣትሒዞም ዝተኸተልዎ ‘ገረብ-ብሓኽላ’ (ምምልማልን ምውፋርን ኮማንድስ) ዝኣተናኡ ስልቲ ምጥፋእ ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ከይከውን’ውን ካልእ ብድሆ ነበረ።

ሰራዊት ሓርነት መጠን ባህግን ድሌትን ህዝቢ ክዓቢ ስለ ዝነበሮ ኣብ ውሽጡ ናይ ለውጢ (ኢስላሕ) ምንቅስቓሳት ከካይድ፡ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብዝሓሸ ፍጥነት ናብ ቅድሚት ንምድፋእ ድማ ኣብ መወዳእታ 60ታትን መጀመርታ 70ታትን ብውዱብን ዘይውዱብን መንገዲ ፍልቀት ናብ ‘ህዝባዊ ሓይልታት’ ከካይድ ታሪኻዊ ግድነት ነይሩ። ‘ህዝባዊ ሓይልታት’ በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ‘ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ክሰጋገር እንከሎ፡ ህዝባውነቱ መሊሱ እናኾልዐ’ዩ ቐጺሉ። ኣብ ወጻእን ድሕሪ መስመር ጸላኢን ዝነበሩ ሓፋሽ ውድባት፤ ማሕበራት መንእሰያት፡ ደቀንስትዮ፡ ሸቃሎን ሓረስቶትን፣ ከምኡ’ውን ህዝባዊ ምልሻ ኸኣ እቲ ሰራዊት ሓርነት ማዕረ ኽንደይ ‘ካብ ህዝቢ፡ ንህዝቢን ብህዝቢን’ ምንባሩ ኣርእዩ’ዩ።

ድሕሪ ሓርነትን ወግዓዊ ናጽነትን ኤርትራ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ናብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’ዩ ተሰጋጊሩ። እዚ ንሓይሊ ምድሪን ባሕሪን፡ ድሒሩ ኣብ 1997 ከኣ ሓይሊ ኣየር ዘጠቓለለ ሓይልታት ምክልኻል`ዚ፡ ብመንገዲ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኹሉ ህዝቢ ክፉት ብምዃን መሊሱ ህዝባውነቱ ኮሊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ጓና ዘይኰነስ፡ ዝዀነ ዜጋ ንሽዱሽተ ወርሒ ብመደበር ታዕሊሙ ዝሓልፍ፡ ኣብ ዝቕጸለ ዓመት፡ ምስ ፍሉይ ኩነታት ድማ ዓመታት ኣብ መሳርዑ ኣትዩ ዝቃለሰሉ ሰራዊት’ዩ። እንተ ረሓቖ’ውን ኣባል ህዝባዊ ሰራዊት ኰይኑ ጸጥታን ድሕነትን ከባቢኡ ብምሕላው ዝድግፎ’ዩ።

እዚ ሰራዊት ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ህዝቡ ደጀኑ ይዅን እምበር፡ ንሱ ደጀን ህዝቢ ክኸውን ዝጽዕሮን ዝኾኖን ቀሊል ኣይኰነን። ገና ኣብ ቃልሲ እንከሎ መዋቕራት ኣገልግሎታት ኣቚሙ ከም መንግስቲ ይነጥፍ ስለ ዝነበረ፡ ‘ሳሕል ከም ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ከም መንግስቲ’ ዝተባህለሉ’ዩ። ሮበርት ካፕላን ኣብ 1987 ኣብ ዝጸሓፎ ዓንቀጽ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ክሳዕ ሚእቲ ሽሕ ንዝበጽሕ ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ሓራ መሬት ንዝነበረ ህዝቢ ብዝከኣሎ ረድኤት፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ጥዕናን ቀረብ ዝስተ ማይን ክረክብ ግሉሕ ተራ ይጻወት ከም ዝነበረ ይሕብር። ንሱ ጃክ ሸፈርድ ንዝተባህለ ክኢላ ምዕዳል ረድኤት ኣብ ‘ኣፍሪካን ጆርናል’ ዝበሎ ብምጥቃስ፡ ደባይ ተዋጋእቲ ኤርትራ “ንክላስያዊ ኣገባብ ኲናት ጉሪላ” ከም ዝገልበጥዎ ይሕብር። ብናቱ ኣበሃህላ፡ እቶም ገባሮ ነቶም ጉሪላ ክንዲ ዝምግቡ፡ እቶም ጉሪላ ነቶምገባሮ ዝምግብሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

ሮበርት ካፕላን ኣብ ተመሳሳሊት ዓንቀጽ፡ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝነበረ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብ’ማሕበር ረድኤት ኤርትራ’ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነጥፍ ዝነበረ ሕክምና፡ ንናይ ኲናት ስንኩላን ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ነቶም ኣብ ዶብ ሱዳን ዝነበሩ ዜጋታት ዝተሰከሞ ናይ ናብዮት ሓላፍነት ዓቢ ምንባሩ ይገልጽ። ዶክተር ሳም ሪቻርድ ዝተባህለ ዕጥቃዊ ቃልስታት ኣብ ዝካየደሎም ክፋላት ኣፍሪቃ፡ አስያን ማእከላይ ኣመሪካን ዝሰርሐ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣገልግሎት ጥዕና ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ናይ ኩነታት ጸቕጥን ሕጽረት ቀረብን ዝሰርሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ምስኡ ዝዳረግ ውጽኢታዊ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ስርዓት ኣብ ዓለም ከም ዘይነበረ ይሕብር።

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ካብ ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቕርጺ ቍጠባ (ዲጋታት፡ ጽርግያታት፡. . .) ከምኡ’ውን ትሕተ-ቕርጺ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት (ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ጥዕና፡. . .)  ተጸሚዱ ዝጸንሐን ዘሎን’ዩ። ክራማት መጻአ ሕርሻ ጽጉማን ክሓርስ፣ ቀውዒ መጽአ ምህርቲ ጽጉማን ክዓጽድን ከኺድን ከእቱን መለለይኡ እዩ። ብዘይ ደሞዝ’ውን ክበሃል ዝከኣል እናሰርሐ፡ ካብ ጅባኡ ንመኸተ ኮቪድ-19 ከወፊ፡ ንዝተገድዑ ወገናቱ ካብ መቝነኑ ክመቅል ምርኣይ ናብ ዝኽሪ ዘይሰገረ ክዉንነት’ዩ።

ህዝባውነት እዚ ሰራዊት`ዚ፡ ክንዮ ዶባት ኤርትራ’ውን ዝተመስከረ’ዩ። ብዛዕባ ንቃልሲ ዝተፈላለዩ ውጹዓት ህዝብታት፡ እንተላይ ኢትዮጵያ፡ ዘርኣዮ ደገፍ ምጽሓፉ ገና ተጀሚሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብዝነበሮ ዓቕሚ ንቓልሲ’ቶም ቃልስታት ፖለቲካዊ፡ ሎጂስቲካውን ወተሃደራውን ደገፍ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንስርዓት ደርግ ንምስዓር መካናይዝድ፡ ኮማንዶን ሃንደሳን ኣሃዱታቱ ኣኽቲቱ’ዩ ኣብ 1991 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መቐይሮ ዝፈጠረ። ኣብ ጉዕዞኡ ጽንጽያ ዓይኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየንፈረን፣ ብህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን ‘ዓይንኻ ትደፈን’ ኣይተባህለን። እቶም ዝተደገፉ ወገናት ስለ ዝዓለልሉ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይደገፉ ኣይተበድዐን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ንዝበዝሑ ምሩኻት እቲ ዝተሳዕረ ወገን ብኽብረት ሒዙን ኣነባቢሩን ናብ ስድራ-ቤታቶምን ሃገሮምን መሊስዎም። ክንደይ ካብኦም ድማ ሰሪሮምን፡ ኣብ ተፈላለየ መዳያት ህዝቦም ኣገዳሲ ተራ ክጻወቱ ጸኒሖምን ኣለዉን። ገለ ካብኦም’ውን ኣብቲ ወያነ ዝኣወጆ ኲናት ተሰሊፎም ንኻልኣይ ግዜ ዝተማረኹ ኣይሰኣንዎምን።

ሳምሶም ብርሃነ

*****

 

(እዚ ጽሑፍ`ዚ ኣብ ዛዕባታት ተኸፋፊሉ ክቕጽል እዩ። ንሎሚ በዚ `ህዝባውነት` ህዝባዊ ሰራዊት – ናይ ሕጂ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ – ጀሚሩ ኣሎ። ዝዀነ ሃናጺ ርእይቶ፡ ነቐፌታ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘለዎ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ መንእሰይ ክሰደልና ብትሕትና ንሓትት።)

One thought on “ህዝባውነት፡ ሕላገት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

  1. ኣብ ስሙ ዳርጋ ህዝባዊ ዘይብል ምንቅስቓስ ኣይተራእየን፣ ህዝባዊ በቲ ሓሳባዊ መዳዩን ህዝባዊ በቲ ቅኑዕ ትርጒሙን እንክርአ፡ ህዝባዊ ሰራዊትና ኩሉ ዝኸዶን ዝረገጾም ስለ ክብረቱን መሰሉን ደኣ`ምበር ናይ ካልኦት ጠሚቱ/ደልዩ ኣይኰነን። እዚ`ዩ ድማ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ከም ዝስለፍ ዝገበሮ። ዝተሰርቀ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ኣብ ምምላስ ንኣስታት 130 ዓመታት ኣብ ቃልሲ ድማ ጸኒዑ። ብሓቂ ህዝባዊ ሰራዊት። እቲ መጻኢ ዋሕስ ህላወና`ውን ንሱ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *