ጽንዓትና!

ብዙሕ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ሕጉስን ፍሱሁን እዋናት የሕሊፈ እየ። ገሊኦም ብጽቡቕ ዝዝክሮም ክኾኑ እንከለኹ ገሊኦም ግና ብዘይካ ገለ ክፋሉ ብልክዕ ኣይዝክርን። እቲ ወዲ 7 ዓመት ኣቢለ ይኸውን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ዘጋጠመኒ ሓጎስ ዝፈሰሶ ክስተት ግና ክሳብ’ዛ ዕለት እዚኣ ካብ ኣእምሮይ ሃሲሱ ኣይፈልጥን እዩ።

መጀመርያ ሰብኡትን ኣንስትን ምሉእ ጻዕዳ ክዳውንቶም ለቢሶም፡ መንእሰያት ድማ እቲ ስሕልሕል ዝብል ሓይሎምን ጸዓቶምን በቲ ድሙቕ ፍሽኽትኦም ኣሰንዮም ኣብ ቅርዓት ናይ ዓድና ተረኽቡ። እቶም ኣብ እግሪ ተኽሊ ዝነበርና ህጻናት ድማ ከከም ዓቕምና በትሪ ሒዝና ንቕድሚትን ንድሕሪትን ክንወናጨፍን ክንዘልልን ሕጂ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። እቶም ዓበይትን መንእሰያትን፡ መደቦም ንምጽባቕ ብምድላው ተዓጢቖም ዝመጹ እዮም ዝመስሉ ነይሮም። ምኽንያቱ ኩሉ እቲ ንጥፈታቶም እንተ ተዓዚብካዮ ህርኩትነትን ተገዳስነትን ኢኻ ተንብብ። እቶም ኣብ ማእከል’ቶም ዓበይቲ ኮይንና ንዘልል ዝነርና ህጻናት ግና ምድላው ይኹን ምውዳብ ኣየድለየናን። ከም ኣምር’ውን ስለ ዘይንፈልጦ ብዙሕ ምተገደስናሉ ነይርና ዝብል መረዳእታ የብለይን። ሕጂ እንክዝክሮ ግና እቲ ጠገለ ዘይ ነበሮ ዝላናን ጭፈራናን መማቕርቲ ናይቲ መደብ ምንባሩ ይስወጠኒ።

እቲ ንዓይ፡ ንመዛኖይን ህዝቢ ዓድናን ዝጠርነፈ ዕሙር ጓይላ ብምንጣር ናይ መንእሰያት፡ ብዕልልታ ናይ ኣዴታት፡ ብድበላ ናይ ኣቦታትና ማዕሪጉ ናብቲ ተሸላሊሙን ማዕሪጉን ዝነበረ ማይ-ረገን ዝበሃል ቦታ በጻሐና። ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና እቲ ዕሙር ጓይላን ውዕዉዕ ጸወታን ብሓያል መንፈስ ቀጸለ። ዝላ ናይቶም ፊን ፊን ዝብሉ መንእሰያት ምስ ረኣኻ እቲ መሬት ከይጠልሞም ኢኻ ትፈርሕ። ርሃጽ ናይተን ኣንስቲ፡ ሓጎስ ናይቶም ዝድብሉ ሰብኡት ምስ ተዓዘብካ ድማ እዛ ዕለት ፍልይቲ ክትከውን ኣለዋ ትብል። ናይቶም ኣብቲ ዕሙር ጓይላ ዝነበርና ህጻናት ግን ሕልፍ ዝበለ እዩ። ነጢርና ኣይንደክም፡ ደቢልና ኣይንርብርብ በቃ ንስሕቕ፡ ንስዕስዕ ንሕጎስ ከኣ’ባ ነይርና።

ኣብቲ እዋን’ቲ ስለምንታይ፡ ንምንታይ ዕላማ ክንድዚ ዓይነት ጭፈራ ንገብር ነይርና ንዓይ ብሩህ ኣይነበረን። እቶም ኣቦታትናንን ዓበይቲ ኣሕዋትንን ክነጥሩ ምስ ረኣና ንነጥር ከም ዝነበርና ግና እዝክር። ንዓና ነቶም ህጻናት ንኽንነጥርን ክንሕጎስን እዚ እኹል ምኽንያት እዩ ነይሩ። እቲ ናይ ቆልዓ ናይ ምሕታት ባህሪ ግዲ ጸልዩኒ ናብ ኣቦይ ቅርብ ኢለ “ኣቦ ሎሚ መዓልቲ እንታይ እዩ?” ብምባል ተወከስኩ። ኣቦይ ግና ሃሙን ቀልቡን ናብቲ ዕሙር ጓይላ ኣቢሉ ብምንባሩ የሕጽር ኣቢሉ፡ መዓልቲ ናጽነት ምዃኑ ነገረኒ። ነዛ ሓበሬታ ሒዘ በቲ ድሩት ኣተሓሳስባይ ናጽነት መን ምዃና ክትንትን ጀመርኩ። ሽዑ ቀዳመይቲ ነገር ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝበለትኒ ነገር እንተነይራ እታ ንመርዓ ኣኺላ ዝነበረት ናጽነት ጓለቦይ ክብሮም እያ። በቲ ዝነበረኒ ድሩት ኣተሓሳስባ ድማ መርዓ ናጽነት ምዃኑ ደምደምኩ። በቲ ዘይንቡር ተርእዮ ማለት መርዓትን መርዓውን ዘይ ነበሮ መርዓ ግና ቂር ክብለኒ ጀመረ። ነቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ውዕዉዕ መንፈስ ካልእ ምኽንያት ክረኽበሉ ብዘይ ምኽኣለይ፡ ምስቶም ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዝነበሩ ሕቶታተይ ንነብሰይ መርዓ ናጽነት ጓለቦይ ክብሮም ምዃኑ ከእምና ከለኹ እዝከረኒ።

እንተ ሎሚ ግን ኣእምሮይ ኣብ ምስፍሑን ርድኢተይ ኣብ ምዕባዩን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ዘጋጠመኒ ክስተት ክሓስብ እንከለኹ፡ ናጽነት መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ህያብ ምዃና እግንዘብ። እቲ ኣብ ግዜ ህጻንነተይ ዘስተማቐርክዎ ሓጎስን ተድላን ድማ ንኽብሪ ናጽነት ዘይዳረግ ስነ ስርዓት ምንባሩ እዝክር። ኣብ ህይወት ከነስተውዕለሉ ዘለና ዓቢ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ምንባር ነንጸባርቖ ነገር በቲ እነሕልፎ ተመክሮ እዩ ዝውሰን። ስለዝኾነ ድማ እዩ ኤርትራዊ፡ ንበዓል ናጽነቱ ብክብ ዝበለ ዘብዕላ። ኣብ 91 ተጋደልቲ ናብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ ዝተራእየ መጠኑ ዝሓለፎ ሓጎስ ውጺኢት ናይቲ ዘሕለፍናዮ መሪርን ሕሱምን እዋን ምዃኑ ከነስተብል ኣለና።

በቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ዝተዓዘብክዎም ‘ዶኩመንታሪ ፊልምታት’፡ ካብ ዓበይቲ ዝሰማዕክዎ ሓቕታት፡ ካብ ዘንበብክዎ መጻሕፍቲ ሓደ ዓቢ ነገር ተገንዚበ እየ። ሰውራ ኤርትራ ብቓላት ዘይግለጽ ኣዝዩ በዳሂ እዋን፡ ዘሸግር ኩነታት፡ ዘደንጽዉ ፍጻመታት ሰጊሩ እዩ ተዓዊቱ። ግን እንታይ ዓይነት ሓይሊ እዩ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ሰውራን ነዚ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ሽግራትን መከራን ሰጊሩ ናጽነት ከምጽእ ዝኸኣለ።

ተጋደልቲ! ከም ኩላትና ሰባት ብናይ ተፈጥሮ ቀይድታት ዝምርሑ፡ ከም ሰባት ናይ ሰባት ባህሪ ዘለዎም፡ ባህጊ ነብሰ ፍትወት ክህልዎም ዝግባእ ፍጡራት እዮም። እንተኾነ ነቶም ውልቃዊ ስምዒታቶም ኣልዮም ብእኩብ ብምሕሳብ ንናጽነት ተወፍዮም። ተወፍዮም ድማ ፍረ ጻምኦም ረኺቦም። ንዓይ ገዲፎም ንብጻየይ ብምባል ሓሊፎም። እንታይ እዩ ግን እቲ ሓይሊ። እንታይ እዩ ንሰባት ካብ ዓንኬል ተፈጥሮ ኣውጺኡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሃነጽዋ ዓለም ከም ዝነብሩ ዝገበሮም። መትከል፡ ኣረኣእያ፡ ፍልስፍና፡ ባህጊ፡ ሕልሚ….. እንድዒ!

ኣብ ከምዚ ዝበለ ዲቕ ዝበለ ሓሳብ እንከለኹ ድማ እየ ‘ጽንዓትና’ እትብል ብሓባር እትዝመር መዝሙር ዝሰማዕኩ። እዛ መልሲ ናይ ኩሎም ዝርቡሹኒ ዝነበሩ ሕቶታተይ ዝኾነት መዝሙር፡ ካብቶም ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝተዘመሩ ህቡባት መዛሙር ሰውራ ሓንቲ እያ። እታ መዝሙር ምስጢር ዓወት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ኣብ መትከል፡ ጽንዓት ኣብ ባህጊ፡ ጽንዓት ኣብ ንጹህ ፍልስፍና ኮታ ጽንዓት ህዝብን ተጋደልትን ምስጢር ዓወት ሰውራ ምንባሩ እያ ከተብርህ እትፍትን።

እቲ ቀንድን ዓቢ ተራ ዝተጻወተን ፍጡር ድማ ተገዳላይ እዩ። ታሪኽ ክሰምዕ እንከለኹ ተጋደልቲ ሰባት ድዮም ኣይኮኑን ኣብ ምጥርጣር ዝወደቕኩሉ እዋን ብዙሕ እዩ። ኣብ ዙርያይ ብዙሓት ተጋደልቲ ምስ ተዓዘብኩ ግና ተጋደልቲ ከማይ ሰባት ምዃኖም ክግንዘብ እጅምር። ተጋዳላይ ሰብ ስለ ዝኾነ ከም ሰብ ብተፈጥሮ ተፈቲኑ እዩ። ከም ሰብ ብናይ ሰባት ተንኮል ተበዲሉ እዩ። ብዓቢኡ ድማ ሰብ ስለ ዝኾነ ብሕሱም ውልቀ ድሌታት ተኸትኪቱ እዩ። ነዞም ኩሎም ሽግራት ግና ጽንዓት ብምግባር ሰጊርዎም። እታ መዝሙር ቀጺላ ከምዚ ትብል፡

 

ጽንዓትና መኸተና፡ ጽንዓትና እምቢታና

ጽንዓትና ቅልጽምና’ዩ ብድሆና፡ ጽንዓትና ቀጻልነት ህላወና

ጽንዓትና ሓያል መፍትሕ ናይ ሸቶና፡ ጽንዓትና እዩ ውሕስነትና

 

እዛ ሓንቲ ቃል እዚኣ ነቲ ክግለጽ ዘይከኣል መንፈስ፡ ስምዒት፡ ባህጊ፡ ሃገራውነት፡ ድሌት ከምኡ’ውን ዝሓለፈ ሕሱም እዋን እትገልጽ ወርቃዊት ቃል ኮይና ረኺበያ። ኩሉ እቲ ዝሓለፈ ሽግርን መከራን፡ ንሕና ኤርትራውያን ፍሉያት ፍጡራት ስለ ዝኾንና ዘይኮነስ ጽንዓት ስለ ዝገበርና ኢና ሓሊፍናዮ እያ ክትብል እትፍትን እዛ ብልጽቲ መዝሙር። ብልክዕ ድማ ነቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ታሪኽ እትገልጽ ውቅብቲ ቃል እያ። ብሓቂ ድማ ቆፎ ናይ ዝተፈላለዩ ስምዒታትን ባህግታትን እያ። ቀጺላ ድማ ከምዚ ትብል

 

ኣንጻርና ሰሚሮም ናይ ጸላእቲ ወገን

ኩሎም ተጻባእቲ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን

ንጥፍኣትና ተበራርዮም ሓያላት ናይ ዓለም

ዓንዲ ጽንዓትና ግና ዝንቕንቖ የለን

 

ኣብቲ ሕሱም እዋን፡ ዋላ’ኳ ኩለን ወገናት ናይ ዓለም ኣንጻርና ደው እንተበላ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብቲ ምሉእ ህይወቱ ዝተቃለሰሉ መትከል ብጽንዓት ተቃሊሱ። ናጽነት ድማ ኣምጺኡ። ምናልባት ስምረት ሓያላት ዘፍረሖምን ህላወና ዘጠራጠሮምን ፈተውቲ ነይሮም ይኾኑ እዮም። ብሰንኪ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣብ ታሪኽ ሓደ ዓቢ ሓቂ ተጻሒፉ ተሪፉ። ንሱ ድማ ክሳብ ዝኾነ ዓቕሚ ይሃልውካ፡ ክሳብ ዝሓየልካ ሓይል ነቲ ኣብ ሓቐኛ መትከል ዝጸንዐ ፍጡር ዋላ ሓንቲ ክትገብሮ ከም ዘይከኣል በሪሁለይ።

 

ሚኪኤል በርሀ(ወዲ በርሀ)

 893 total views,  1 views today

(Visited 98 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *