ፊልም ‘ኣፍሮ’፡ ተዘትዩላ

ግርማይ ኣብርሃም

ደራሲን ዳይረክተርን ኣወል ስዒድ፡ ተዋሳእታን ኤዲተራን ተዘኵሮታቶም ኣካፊሎም

ፈለማ ኣዝማሪኖ እትብል ፊልም’ያ ነይራ። ደሓር “ኣፍሮ” ብምትብባዕ ህዝቢ ኣባሻውል ክትዓቢ ተደልዩ። ገለ ግበር ምስ በሉኒ፡ ኣብ ርእሰይ ብዙሕ እዋን እትመላለስ ዝነበረት ሓሳብ መጺኣትኒ። ፊልም ህንዲ እናረኣና ኢና ዓቢና። ንሳቶም ከኣ ነናቶም ሄሮ (ልሉይ ወይ ተዘካሪ ገጸባህርያት) ሒዞም’ዮም መጺኦም። ኣሚት፡ ዳርሜንድራ እናረኣና ዓቢና። ኣብ ናይ ሃሊዉድ’ውን ከም ራምቦን ቻክኖርስን ርኢና። ኣብ ዓድና ናትና ሄሮ ዘይብልና ምዃኑ ኣተሓሳሲቡኒ። ስለዚ፡ ሓደ ጅግና ክፈጥር ስለ ዝነበረኒ፡ ሃይማኖት፡ ዓዲ፡ ወገን ዘይውክል ‘ወዲ ነገደ’ ክሰርሕ ተበጊሰ። ወዲ ነገደ ኰይኑ ንዝዓየየ ተዋስኣይ፡ ስሙ መን’ዩ ተባሂሉ እንተ ዝሕተት ዝፈልጦ ሰብ ብዙሕ ኣይምተረኽበን። ስለዚ ሓደ ሄሮ ናተይ ክፈጥር ስለ ዝነበረኒ፡ ወዲ ነገደ ተፈጢሩ። (ደራሲ ፊልም ‘ኣፍሮ፡’ ኣወል ስዒድ)

ዕለት 17 ነሓሰ 2017 ኣዳራሽ ጁንየር፡ ኣብ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ብምትኳር፡ ንደራሲኣ ኣወል ስዒድ’ያ ናብ መድረኽ ዓዲማ። ኣብቲ ብኤፍረም ሃብተጽዮን (ወዲ ገደ) ተመሪሑ ዝተኻየደ ምሸት ምትእኽኻብ ስነ-ጥበብ፡ ብዘይካ ተሳተፍቲ፡ ኣብታ ፊልም ኣበርክቶ ዝገበሩ ተዋሳእቲን ክኢላታትን’ውን ተዓዲሞም ነይሮም።

ደራሲ ኣወል ስዒድ፡ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ድሮ ተሰሪሓስ ብዙሕ እዋንን ብብዙሕ ተዓዛቢን ስለ ዝተራእየት፡ እቲ መድረኽ ዝያዳ ንሕቶን መልስን ክገድፎ ከም ዝመርጽ ብምግንዛብ’ዩ ዘረባኡ ጀሚሩ። ከም ባህሪ ኣብ ድርሰት ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ንዛንታ ቀዳምነት ከም ዝህብ ዝጠቐሰ ኣወል፡ እቲ ዛንታ ነየናይ ግዜ ይውክል’ውን ከም ዝሓስበሉ ገሊጹ። ንድሕሪት እናሓሰበ ናይ ምጽሓፍ ባህሊ ከም ዘለዎ ድማ ሓቢሩ። “ኵሉ ንሰርሖ ታሪኽ፡ ንድሕሪት እናተሓንገጠና ይኸይድ ከም ዘሎ እናተረድኣኒ’የ ዓብየ። ሓያሎ ዘይጸሓፍናሎም ጀጋኑ ንድሕሪት እናገደፍና ንኸይድ ምስ ምህላውና ዕዳ ኣለና ዝብል ርድኢት’ዩ ዘለኒ።”

ካብዚ ብምብጋስ ነቲ ግዜ፡ ናይ ሱሳታት ክገብሮ ከም ዝመረጸ ድሕሪ ምሕባር፡ ምፍራስ ኣባሻውል ከም መንጠሪ ተጠቂሙ ልቢ-ወለዳዊ ዛንታ ከም ዝመሃዘ ሓቢሩ። ከም ሳልሳይ ነጥቢ፡ ማሕበራዊ ጥምረትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብልክዕ ክገልጾ ዝኽእል ቦታ፡ ሻውላት ምዃኑ ከም ዝተረደአን ከም ምከና ንኣባሻውል ክጥቀመሉ ከም ዝመረጸን ሓቢሩ። “ክንውክሎ እንተ ደሊና ምስ ሃገር ይመሳሰል። ምስ ናይ ምንባርና፡ ምስ ናይ ምትሕግጋዝና፡ ስነ-ምግባርናን ባህልናን ኣካይዳ፡ ብዓቕሙ ዓቂቡዎ ዘሎ ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ናብኡ ግዒዘ፡” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ኣባሻውል ንዘርኣዮም ኣኽብሮን ምትሕግጋዝን ኣመስጊኑ። ንምስትምቓር ድማ መድረኽ ናብ ተሳተፍቲ ገዲፉዎ።

ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ሕቶታትን ፈሲሱ። ተዋሳእቲ ናይታ ፊልም’ውን፡ ኣብ እዋን ስራሕ ንዘጋጠሞም ጐፍታታት ኣውጊዖምሉ። ኣብዚ ነቲ ብቕጥታ ምስ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ከምኡ’ውን ደራሲ ኣወል ስዒድ ዝተኣሳሰር ሕቶን ርእይቶን ነቕርብ።DSC_0489

***

ኤፍረም ሃብተጽዮን፤ ከምዚ ዝበልካዮ፡ ናብ 1967 ኢኻ መሊስካና ዘለኻ። ብናይ ግዜ ምከና፡ ናብ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ተመሊስካ ኢኻ ነዚ ፊልም ሰሪሕካዮ። ናይ ቦታ፡ ባህሪ፡ ሰባትን ኣነባብራን ምቅይያራት ኣሎ። ነቲ ግዜ ክትመስል ዘካየድካዮ መጽናዕቲ ከመይ ነይሩ?

ኣወል ስዒድ፤ ከምቲ ዝበልኩዎ መንጠሪ ዛንታ ዝተጠቐምኩሉ፡ ምፍራስ ኣባሻውል’ዩ ነይሩ። እቲ ካልእ ልቢ-ወለድ’ዩ። ምስ ምፍራስ ኣባሻውል ናይ ሽዑ መንእሰይ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ ይህብ ነይሩ መጽናዕቲ ገይረ። ክሳብ ኣብ እግሪ ዶዞር ምድቃስ ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቅድመ-ምድላዋት (pre-production) ዝነበርናሉ እዋናት፡ እንታይ ከጋጥመና ይኽእል ጽቡቕ ገይርና ንፈልጥ ነይርና። ምቅይያር ቦታታት፡ ታቤላ፡ ዲሻት ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ጀነራል ሾት ኮፍ ኢልካ ክውሰድ ከም ዘይከኣል ተረዳዲእና። ሶፍትዌራት የድሊ ነይሩ። ንሕና ግን ኣይነበረናን። ህዝቢ ኣባሻውል ንድኽነቱ ሃብቲ ኣምሲሉ፡ ንስእነቱ ብፍልጠት ተኪኡ ክነብሮ ከም ዝህቅን ንሕና’ውን ከምኡ ኢና ገይርና። ነቲ ኣብ ምስኣል ዝነበረ ብድሆ ብሜላ ኢና ሰጊርናዮ። ነዚ ፈቐዶኡ ዝተዘርወ ዲሻት ክትክውል ጥራይ ክንደይ ግዜ ክወስድ ይኽእል ሰራሕቲ ፊልም ትፈልጡዎ ኢኹም። ነቲ ናይ ሱሳታት ምከና ምምራጸይ ግና ሰብ ካብ ታሪኹ ክብገስ ኣለዎ ካብ ዝብል ሓሳብ’ዩ። እምበር እንዳ ነገደ ዝበሃሉ ስድራ ስለ ዝነበሩ ኣይኰነን።

ርእይቶ ካብ ምድሪ ቤት ኣዳራሽ

ተኪኤ፤ ርእይቶይ ካብ ጽንጽያ ሓኸለ ከም ዘናደኹ ገይርካ ተገንዘበለይ። ኣብ ገለ ክፋል ናይታ ፊልም፡ ብሉኬቲ ርእየ ነይረ። ኣብ እዋን ሃይለስላሰ ብሉኬቲ ነይሩዶ ይኸውን ኢለ ሓሲበ። ኤርሚለ’ውን “ክህርባ፡ ከጀልዋኻ” ዝብላ ቃላት ክጥቀም ንሰምዖ። ናይ ሽዑ ወደ’ስመራ ከምኡ ዓይነት ቃላት ይጥቀም ነይሩዶ? ገዚፍ ስእሊ ናይ መድሃኔ ኣለም’ውን ርእየ ኣለኹ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስእሊ ናይ ሕጂ እዋን ኰይኑ ይስምዓኒ’ሞ እንታይ ትብል? እዚ ምስቲ ኵሉ ጽቡቕ ናይታ ፊልም፡ ተማዊተ ዝረኸብኩዎ ሓኸለ ናይ ጽንጽያ እዩ።

ኣወል ስዒድ፤ ከባቢ እንዳ ኣለም መሓረና ዘላ ጐደና ስከት በቐሪብ ተባሂላ’ያ ትፍለጥ። እንዳ በቐሪብ ዝበሃሉ ስድራ ናይ ጀበሊ ኣብኡ ይነብሩ ነይሮም። እቲ ቃላት ከኣ ዓረብኛ’ዩ። ስለዚ፡ “ክህርባ፡ ከጀልዋ” ዝብል ቃላት ክንረክብ ከለናስ ናይ ከባቢኡ ቋንቋ’ዩ። እታ ናይ ብሉኬቲ ዝበልካያ፡ ከባቢ ማይ ኣጣል እንተ ተዛዊርካ፡ ኣብኡ ዘለዋ ዝዓነዋ ፎርኖታት እንታይ ይጠብሳ ምንባረን እንተ ሓቲትካ፡ ኣብ ኣባሻውል ብሉኬቲ ምርኣይካ ኣይክገርመካን’ዩ። እቲ ህዝቢ ብሉኬቲ ርእሲ ዘለዎ መግዛእቲ’ዩ ዝጸልእ ነይሩ’ምበር፡ ብሉኬቲ ክሓልፎ ዝኽልክል ኣይነበረን። እታ ናይ መድሃኔ ኣለም ትብላ ዘለኻ ስእሊ ግና ክዝክራ ኣይከኣልኩን። ምናልባት ምስ ናይ ጃንሆይ ስእሊ ተሓዋዊሱካ ከይከውን። ብዝዀነ፡ ከምቲ ዝበልኩኹም ድሕሪ ሱሳታት ብዙሕ ለውጢ ስለ ዝተሓልፈ ጌጋ ከይርከበና ብሓቂ ኢና ጽዒርና። ዝሓለፈና ስለ ዘይሰኣን ግና ይቕረ ግበሩልና ኢና ንብል።

ሄኖክ ተስፋብሩኽ፤ ኣወል ዝፈጥሮም ጠባያት መማረርቲ ኣይኰኑን። ንድኽነቶም፡ ንሽግሮም ዘፍቅሩ’ዮም። ነታ ዘላቶም ዘጸብቑዋ፡ ኣጸቢቖም ከኣ ዝገልጹዋ እዮም። ብድሕሪ’ዚ ዘሎ ሳይኮሎጂ እንታይ’ዩ?

ኣወል ስዒድ፤ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ፡ ንድሕሪተይ እናተመለስኩ’የ ክጽሕፍ ዝደሊ። ከምቲ ጃፓናውያን ካብ ድሕሪኦም ሴፍ እናመዘዙ ዝዋግኡ፡ ኣነ ኸኣ ታሪኸይ እናመሸትኩ፡ ንቕድመይ ክዋጋእ’የ ዝደሊ። ብኻ ክብል ኣይደልን’የ። ጠባያተይ ከኣ ከማርሩ፡ ከቝረምርሙ፡ ዋላ ኣቝረምሪሞም ስክሪን ቀዲዶም ክወጽኡ ኣይክእሉን’ዮም፣ ካብ ዙርያ ናብራኦም፡ ንስነቶም ኣይወጽኡን’ዮም። ፊልም ኣፍሮ ድሮ ሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺራ’ላ። ካብ ልቢ ህዝቢ ኸኣ ኣይወጽአትን ዘላ። ፈለማ ነታ ፊልም ክትርእያ ከለኻስ ንስነትካ፡ መንነትካ፡ ሕብርኻ፡ ስነ-ምግባርካ ኣብኡ ትረኽቦዶ ዝብል ሕቶ’ዩ ክምለስ ዘለዎ። ህጻን ከለኻ ምስ ብጻይካ ዝተሰኣልካዮ ስእሊ እንተ ኣምጺኦምልካ፡ ቀዲምካ ነብስኻ ኢኻ ትደሊ። እዚ ባህርና እዩ። ሰብ ከኣ ነዚ ፊልምታትና ክርእዮ ከሎ፡ ንዓይ ይመስልዶ? ቋንቋይዶ ይዛረብ ኣሎ? እንታይ ቀዲሐ’የ ክኸይድ? እናበለ’ዩ ዝዕዘብ።

ሳሙኤል ገብረብርሃን፤ ኣብ ፊልም ኣፍሮ ምቅብባል ዘረባ ይበዝሕ’ዩ። ከምኡ ዲና ዝብል ሕቶ ድማ ኣለዓዒሉለይ። ከምቲ ኣብቲ ፊልም ዘሎ ዲና ንዛረብ? ካብ ዘረባ ምብዛሕሲ ብኣክሽን ዘይግለጽ ዝብል ምጕት ኣሎ’ሞ እንታይ ትብል?

ኣወል ስዒድ፤ ንሕና ናይ ፊልም ኢንዱስትሪ የብልናን። እዘን ዘለዋና ካሜራታት እዘን ንርእየን ዘለና እየን። ሓደ ጠባይ፡ ካብ ኣስመራ ናብ ዓሰብ ብሄሊኮፕተር እንተ ተጓዒዙ፡ ብዘረባ ጥራይ’የ ክገልጾ ዝኽእል’ምበር፡ ሄሊኮፕተር ከበግስ ኣይክእልን’የ። ክጽሕፋ ጥራይ’ዩ ዘለኒ። እምበር ግብሪ ዝያዳ ቃላት ክዛረብ ከም ዝኽእል እፈልጥ’የ። ታሪኽ ናይ ዓዲ-በጊዖ ክጽሕፍ እንተ ዀይነ፡ ክቕረባ ዝኽእላ ታንክታት ፍሉጥ’ዩ። ስለዚ ክንድዚ ዝብዝሐን ታንክታት እናበልኩ ከዘንቱ ይግደድ ማለት’ዩ። እዚ ባይታይ ዘፍቅደለይ፡ ክሳዕ ሎሚ ዘለኹዎ ደረጃይ’ዩ።DSC_0490

ዳኒኤል፤ እቲ ታሪኽ ናይ ሱሳታት’ዩ። መብዛሕትኦም ሽዑ ዝጋደሉ ዝነበሩ፡ ደቂ መታሕት’ዮም። ካብ ከበሳ ዝወርዱ ዝነበሩ ከኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃን’ዮም ነይሮም። ሃይለስላሰ ወዲቑ ደርግ ምስ መጽአ ግን ዳርጋ ኵሉ መንእሰይ ብሓባር እዩ ወጺኡ። ዝኽልክሎ ኣይነበረን። ኣብቲ ስርሒት ናይ ከተማ ግን ኵላትኩም ከም ፈዳይን ኴንኩም ኢኹም ትሰርሑ ነይርኩም። ርክብኩም ቅሉዕ’ዩ ነይሩ። ሕሹዅሽዅ ዘይብሉ፡ ኣብ ስቱር ገዛ ዘይኰነ፡ እኳ ደኣ ኣብ በሪኽ ወጺእኩም ኢኹም ድላይኩም ትብሉ ነይርኩም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ ዝኸፍአት ካብ ኣኽርያ ሽጉጥ ተኲስኩም ተበጊስኩም። ኣብ ሰብዓታት ካብ ኣኽርያ፡ ብዓዲ ንፋስ ክሳብ ድርፎ ትወርድ መሕለፊ ኣይነበረን። ኣዝዩ ጽንኩር’ዩ። ፋሕፋሕ ኢልካ ኢኻ ትኸይድ። ታሪኻዊ ልቢ-ወለድ እንዲኻ ሰሪሕካ፡ ግን መጽናዕቲ የድልዮ። ‘ኣፍሮ’ ብሓቂ ነዚ ናይ ከተማ ስርሒታት መበገሲት’ያ። ግን ተጸኒዑ ክኸይድ ኢለ’የ ርእይቶ ዝህብ ዘለኹ።

ኣወል ስዒድ፤ እታ ምትኳስ ከም ፍጻመ ኣብ ሓዝሓዝ ኣጋጢማ’ያ። ጠያይት ተኲሶም’ዮም። ነየነይቲ እዋን ትገልጽ ካልእ ሕቶ’ዩ። ኣብ ሓዝሓዝ ስዋ ክሰትዩ ውዒሎም ኣውቶቡስ ሳታዮ ደው ኣቢሎም ከም ዝተኰሱ ሓቀኛ ፍጻመ’ዩ። ብድሕሪኡ እንታይ ኣጋጢሙ ካልእ እንድዩ፡ እታ ምትኳስ ግና ከም መርኣያ ጅግንነት ገይረ እየ ወሲደያ። ተኲሶም ክወጽኡ ከለዉ ክልተ ከም ዝተሰውኡ እፈልጥ’የ። ነቶም ስውኣት ግን ከተስኦም ደልየ። ምኽንያቱ ኣብ ልበይ፡ ህሉዋት ገይረ ስለ ዝወሰድኩዎም። ሓደጋ ኣጋጢምዎም’ኳ እንተዀነ፡ እንተ ዘየጋጥሞም ነይሩ’ኸ ኢለ ስለ ዝሓልም፡ ነዚ ሕልሚ’የ ከሳሲ ፈቲነ’ምበር፡ ኣብ ታሪኽ ፍሕፍሐ ክፈጥር ኢለ ኣይኰንኩን። ኣብ ውሽጠይ ግን ነቶም ዘየለዉስ ከም ህሉዋት ገይረ ክገልጾም’የ ፈቲነ። ኣብ ጌቶ፡ ኣብ ኣባሻውል፡ ምትኳስ እንተ ነይሩ፡ ዋላ’ውን ኣይትዓወቱ ከቐጽሎም ስለ ዝደለኹ’የ ከምኡ ገይረ። ምኽንያቱ፡ ኣነ ሪፖርተር ኣይኰንኩን።

መልሰ-ሕቶ፤ ይቕረታ ግበረለይ ኣወል። እቲ ትብሎ ዘለኻ ምውጻእ ኣውቶቡስ ስርሒት’ዩ ነይሩ። ኣብ ስርሒት ተዅሲ ኣሎ፣ ምስ ጸላኢ’ውን ብሽጉጥ ዘይኰነስ ክሳብ መወዳእታ ትረጋረግ ኢኻ። ንስኹም ግን ናይ ከተማ ሕቡእ ስርሒት ተካይዱ ዝነበርኩም ኢኹም ነይርኩም። ክትወጽኡ ከለኹም ንወጽእ ኣለና ኢልኩም ኣዊጅኩም። ከምኡ ኣይነበረን፡ ኣዝዩ ስቱር’ዩ። ምሉቕ-ምሉቕ እናበልካ’ዩ ነይሩ።

ኣኽደር፤ ታሪኻዊ ልቢ-ወለድ’ዩ እንተ ኢልናዮ፡ ንዅሉ ኣብቲ ፍሬም ኣእቲናዮ ዘለና ዝርዝራት፡ ዝተፈጸመ ፍጻመታት ክንወጽኦ ኣይንኽእልን ኢና። ዝዓበየ ነቲ ናይ ደራሲ ናይ ኢማጂነሽን ዓቕሚ ዝተራእየሉ ፊልም’ዩ። ኣብ ፈለማ ትርኢት ናይቲ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ኣምጺእካዮ ዘለኻ ሳሙኤል፡ ደራሲ’ዩ። ኣብቲ ሓዲድ ናይቲ ዛንታ ክሰቕለና ከሎ፡ “ፋንታሳይዝ’የ ዝገብር ዘለኹ” እዩ ዝብለና። እዚ ነቲ ደራሲ ኣዝዩ ፍኑው ናጽነት’ዩ ሂቡዎ። ንደራሲ እዚኣ ኣይነበረትን ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ከም ድሕረ ባይታ እንተ ደኣ ተጠቂሙሉ ኰይኑ፡ ድላዩ ክጻወት ይኽእል’ዩ። ንኣባሻውል ከም መንጠሪ ተጠቂሙ፡ ድላዩ ክሃንጽ መሰል ኣለዎ። ኣብቲ መእተዊ’ውን ኣተንቢሁልና’ዩ።

ካልእ፡ ዝያዳ ተገድስኒ ክዛረበላ ደልየ ዘለኹ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ንሓደ ሕብረተሰብ ሄሮ ምፍጣር ኣገዳሲ ምዃኑ እትብል እያ። ሓደ ሕብረተሰብ ሄሮ እንተ ዘይፈጢሩ ኣኺሉዎ’ዩ። ክምዕብል፡ ክስጕም ኣይክእልን’ዩ። ክኸይድ’ውን ኣይክእልን’ዩ። ኣወል ናትና ሄሮ ክንፈጥር ኣለና ምባሉ እቲ ዝዓበየ እወታዊ ነገር ናይዛ ፊልም’ዩ። ካልእ ነቶም ፕሮታጎኒስት ምሉእ ሓይሊ ሂቡዎም። “ከምዚዶ ነይሩ’ዩ ቀደም?” ዝብል ዘረባ ይለዓል’ዩ። ምርጫ ናይቲ ደራሲ ክንሕልወሉ ኣለና። ነቲ ሕብረተሰብ ገዚፍ ሓይሊ’ዩ ሂቡዎ። ነዚ’ኸ ኣስተብሂልናሉ ዲና? ኣወል፡ ኣብ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ኣገዳስነት ዘለዎ ፊልም ክትሰርሓልና ንጽበ።

ርእይቶ፤ ኣወል ብዙሕ ፊልም ኣፍርዩ’ዩ። ድሒሩ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክጥምት ዝኸኣለ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ንሱ ኸኣ ኣባሻውል ምጥማቱ ጥራይ። ‘ኣፍሮ’ ናይ ኣባሻውል ጥራይ ኣይኰነትን፡ ናይ ደቂ ኣስመራ’ውን እያ። ነቲ ሕብረተሰብ ከም ልቡ ገይርካ ኢኻ ሰሪሕካሉ። ሕጂ እቲ ከባቢ ድዩ ንዓኻ የዕቍቡካ ወይስ ንስኻ ኢኻ ነቲ ገዛውቲ ኣዕቊብካዮ ንዓይ ኣይርድኣንን’ዩ። ክሳብ ክንድ’ዚ ዝና ዝገበረት ፊልም ኣይረኣኹን። ዋላ’ውን ብግዜ ክንርእያ ከለና ሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺራ ክንሳ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣይተመንወትን። ድሕሪ ሱሳ ዓመት’ውን ኣይክትርሳዕን’ያ እዛ ፊልም። ህንዳውያን ማዘር ኢንድያ ከልዕሉ ከለዉ፡ ንሕና ‘ኣፍሮ’፡ ‘እታ ኣደ’ ኢና ክንብል ንኽእል። ብስም ኣባሻውል ብዙሕ ፊልምታት’ዩ ተሰሪሑ። ግን ነቲ ከባቢ ቀሓር’ዩ ኰይኑዎ ጸኒሑ። ናይ ኣወል ፍሉይነት ግና ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ጸግዒ ክዀኖ ምኽኣሉ’ዩ።

ተኽለ (ኤዲተር)፤ ብዛዕባ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ክዛረብ እንተ ዀይነ፡ ኣወል ኣብ ስራሕ ናጽነት ሂቡ ዘስርሓካ ሰብ እዩ። ፊልም ‘ኣፍሮ’ ኣብ ስእሊ ብዙሕ ብድሆ’ዩ ኣጋጢሙዋ። ሓደ ናይ ተፈጥሮ ሽግር ነይሩዋ። ዝበዝሐ ስእሊ ኣብ ደገ ይለዓል ስለ ዝነበረ፡ ጸሓይ ጸኒሑ ደመና ይኸውን ነይሩ። እቲ ገዛውቲ ንባዕሉ’ውን ካልእ ብድሆ’ዩ ነይሩ። ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ እቲ ገዛውቲ። ዝበዝሐ እዋን ካሜራ ኣብ ደገ ንተኽላ ነይርና። እቲ ህዝቢ ግን ብጣዕሚ’ዩ ዝተሓባበረና ነይሩ። እታ ፊልም ነቲ ህዝቢ ሓጋዚ ከም ዘለዎ ዘርኣየቶ’ያ ነይራ።

ሕቶ፤ እታ ፊልም መጸውዒኣ ‘ኣፍሮ’ ደኣ ይዅን’ምበር፡ ብወዲ ነገደ’ያ ትፍለጥ። ስለምንታይ ‘ኣፍሮ’ ኢልካያ? ገለ ምስ ትሕዝቶ ዝተኣሳሰር ነገር ኣለዋ ድዩ?

ኣወል ስዒድ፤ ነዛ ፊልም ‘ኣፍሮ’ ኢለ ክሰምያ ከለኹ፡ ንጸጕሪ ከመልክት ኢለ ኣይኰንኩን። ኣፍሮ ኣብ ብዙሕ ዓለማት እያ ኮብሊላ። ጽልሚ ናትና ንመገሻ ምስ ከደ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝነገደ’ዩ ንኽብሉና ዝተበሃልናዮ’ዩ። ኣፍሮ ካብ ኣፍሪቃ ዝፈለሰ’ዩ። ስለዚ ኣፍሮ ክብል ከለኹ፡ ካብ ዓዱ ናብ ዓዱ ዝሳገመ ክብል ኢለ’የ። እምበር ክንደይ በራሓት ጀጋኑ እንድዮም ዘለዉ። ብዛዕባ ጸጕሪ ወዲ ጸጕሪ ኣመልኪታ እትጽሕፍ ቢሮ የብለይን፡ ከም ኣወል ስዒድ።

ያሬድ፤ ኣብቲ ሲነማ ጸገማት ነይርኩም’ዩ። ንግሆ ስእሊ ወሲድኩም ቀትሪ ኸኣ ክትወስዱ ከለኹም፡ እቲ ሕብሪ ይፈላለ’ዩ። ኣብ ቴክኒካል እንተ መጺእካ ሲፒያ ሕብሪ ሂብካዮ። ኣብ ሱሳታት እንተ ደኣ ርኢና ግን፡ ሞኖክሮም ወይ ኩዳሉክስ እዩ ነይሩ። ስለዚ ከመይ ገይርኩም ኢኹም ነቲ ቴክኒካሊቲ ፈቲሕኩምዎ፡ ብፍላይ’ኳ ኤዲተር? ኣብ ድምጺ’ውን ጸገም ነይርኩም። ኣነ እሰምዕ ነይረ። እቲ ባክ ግራውንድ ኖይዝ ኣለካ። እቲ ፒች ኣለካ። እቲ ዝዓበየ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብሎ ግን ሕብሪ’ዩ። ሕብሪ ቀጻልነት ኣይነበሮን። በቲ ዘለካ መሳርሒ ነዚ ክትትግብሮ ቀሊል ብድሆ ኣይኰነን። ግን ኣብ ዝቕጽል ኣፍሮ 3፡ 4 ዋላ’ውን 5 ከመይ ገይርኩም ኢኹም ከተምጽኡዎ? ኣብኣ ክትመሓየሽ ስለ ዝደልያ ሕርኽርኽ ከም ዝበለትኒ ክነግረካ ኢለ’የ።

ኣወል ስዒድ፤ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ክንስእል ኢልና ምስ ወፈርና፡ ዓጢቕናየን ዝነበርና ሓንቲ ቡምን ኤክስ ኤል ዋን ኤስን እያ ነይራ። ስለዚ እቲ ናይ ብርሃን ምቅይያራት ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ ንጸሓይ ኮፍ ኢልካ ምጽባይ እንተ ዘይኰይኑ ኣማራጺ ኣይነበረን። ኣነ ኣብ ርእሰይ ዝነበረ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ቅድምን ድሕርን ፊልም ዝረአ ኣዘንታዊ፡ ካልእ ብምሉኡ ከምዚ ናይ ምልሰተ-ታሪኽ ንጥቀመሉ ጸሊምን ጻዕዳን ጥራይ’የ ሓሲበ ነይረ። ካልእ ኣይሓሰብኩዎን። ምኽንያቱ፡ ሓንቲ ናይ ጃንሆይ ዝተጠቀምኩላ ፉቴጅ ኣላ። ብምሉአን ብድሕሪኣ ዝስዕባ ኣሳእል ናታ ሕብሪ ክሕዛ’የ ደልየ ነይረ። ስለዚ እተን ኣብኡ ዘለዋ ጽባቐ ንተኽለ ኤዲተር’የን ዝምልከታ፣ እተን ኣብኡ ዘለዋ ጌጋታት ግን ንዓይ። ስለዚ ሓቅኻ ኣለኻ ያሬድ፡ ክንጥንቀቕ ነይሩና። ግን ሕጂ ክሓስቦ ከለኹ፡ ሽዑ ዝጀመርኩዋ ፊልም ኣፍሮ ሎሚ ምተወድአት ነይራ።

ርእይቶ፤ እቲ ናይ ኣወል ፍርያት እርእዮ ነይረ’የ። ዓቢ ሰብኣይ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ግን ንእሽቶን ብዙሕ ዘፍረየን ንመጻኢ’ውን ብዙሕ ከፍሪ ዝኽእል ሰብ ምዃኑን ፈሊጠ። ኣባሻውል ከም ምከና ምጥቃምካ ብሓቂ’የ ኣድኒቐካ። ምኽንያቱ ኣብ ሜዳ ከለና፡ ብዛዕባ ኣስመራ እንተ ተላዒሉ ኣባሻውል’ያ ትመጽእ። ወዲ ኣባሻውል እንተ ዄንካ ኢኻ ልክዕ ኣዝማሪኖ ወይ ወደ’ስመራ ትበሃል። ኣባሻውል ከኣ ከምቲ ዝዕለለሉ ጥራይ ኣይኰነን። እቲ ብፍቕሪ ዝነበረ፡ ብንእሽቶ ቍራስ ዓጊቡ ዝኸይድ ዝነበረ’ሞ ናብ ሜዳ ምስ ከደ ኸኣ እቲ ዝሓየለ ጅግና ኰይኑ ዝተሰውአ ቀሊል ቍጽሪ ኣይኰነን። በዚ ኸኣ ንኣባሻውል ምምራጽካ ብሓቂ’የ ዘድንቐካ።

ሳምሶን፤ ከም ሓፈሻዊ ትዕዝብተይ ኣብታ ፊልም ዋሕዲ ደቀንስትዮ ኣለዋ። ስለምንታይ? ዳርጋ መብዛሕትኡ ፊልምታትና ትሕዝቶ ይጐድሎ’ዩ። ኣብዛ ናትካ ጽቡቕ ነገር ዝተዓዘብኩዎ፡ ጅግና ምፍጣር ዝብል ሓሳብካ’ዩ። ነዚ ዘለናዮ እዋን ዘስግረና ጅግና ክትፈጥረልና ኸኣ ምደለኹ። ምኽንያቱ፡ ንቕድሚት ከይዱ ዝመርሓካ ጅግና’ውን ትደሊ ኢኻ።

ኣወል ስዒድ፤ ሓንቲ ሕቶ ክሓትት ምደለኹ። ኣብ 1967 ክሳብ ፍርቂ ሰብዓታት፡ ካብ ክሽነ ወጺኣ፡ ስረ ወድያ፡ በትሪ ዝዓጠቐት ጓለንስተይቲ ነይራ ኢሉ ዝምጕተኒ ኣሎዶ? ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ደኣ ኴንና፡ “እተን ጀጋኑ ሜዳ ከይደን እየን፡ ነታ ማዕረነት ሒዘናኣ መጺአን፡” ኢልና ደኣ ክንዛረብ ኣለና’ምበር፡ መጕዲ ሒዛ ትከታኸት ጓል ኣባሻውል ነይራ እንተ ኢልኩምኒ፡ ካብ ሓቂ ክወጽእ’የ፣ ኣይነበረትናን። እተን ሽዑ ንፋስ ዝህረማ ዝነበራ፡ ወይ ሸቃጦ’የን ወይ ድማ ተመሃሮ’የን ነይረን።

***

ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ኣብታ ፊልም ጠባያት ካብ ዝለበሱ ከም በዓል ኣማን ሓሚድ፡ ተኽሊት ሰሎሞን፡ ሳምሶም ተወልደ፡ ስዒድ ኣንዋር፡ ኤርምያስ ኪዳነ (ኤርሚለ)ን ሰሎሞን ኣብርሃን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ኣብቲ ኣዳራሽ ተረኺቦም ተዘኵሮታቶም ኣካፊሎም እዮም። ዕላል ኵሎም ተዋሳእቲ ኣፍካ ዘየኽድን እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ ኣማን ሓሚድን ኤርምያስ ኪዳነን ሕክያ ከነካፍል።

ኣማን (ባዱሻ) – ወዲ ነገደ፤ ንባጽዕ ክንዛወር ኢልና ምስ ከድና፡ ኣብ ባቢሎን ክንዘናጋዕ ኣቲና። ኣካላቶም ከክንዲ ገለ ዝዀኑ መንእሰያት ከኣ እክብ ኢሎም የዕልሉ ነይሮም። ኣጋጣሚ ሰላምታ ብምሃብ  ብማእከሎም ጥሒሰ ኣትየ። “መን ደኣ’ዩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ መን ምዃነይ ፈለጡኒ’ሞ፡ ካብ ኵሎም ሓደ ኣርሓ ዝዀነ ናባይ ገጹ ይመጽእ። ከም ዝደለየኒ ኸኣ ሓበረኒ። ናይ ደሓን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምስ ሓተትኩዎ፡ ናይ ደሓን ምዃኑ ነጊሩኒ። ምሳይ ዝነበሩ ኣዕሩኽ ክንዘራረብ ከለና ናይ ነገር ደሓን ዘይምዃኑ ኣስተብሃሉልና። ኣነ ግን ንደገ ሒዘዮ ይወጽእ።

“ንስኻ ሓደ ኣርሓ ናይ ሻውላት እንዲኻ፡ ክፍትነካ ምደለኹ፡” ይብለኒ። ደንጽዩኒስ ስሒቐዮ። መሊሱ፡ “ኣነ’ውን ኣብ ከባቢየይ ሄሮ  እንድየ፡ ንፈታተን፡” ብምባል ደጊሙ ይሓተኒ። ሽዑ ኣነ፡

“ንመን ኢኻ ደሊኻ?” ኢለ እሓቶ።

“ንዓኻ ንወዲ ነገደ እምበር፡ ንመን ደኣ?”

‘ኬድካ ኣብቲ ሻውላት ርኸቦ’ሞ ንዓ ንፈታተን በሎ። ምናልባት ኣብኡ እንተ ረኸብካዮ’ምበር፡ ኣነ ንሱ ኣይኰንኩን’ ኢለዮ።

ኤርሚለ፤ እታ ፊልም ክንሰርሓ ከለናስ ብፍቕሪ ኢና ሰሪሕናያ። ሃገራዊ’ያ ትገብረካ። ሳምፕል ናይ ኤርትራ’ያ ንዓይ ኣባሻውል። ኣብ መወዳእታ ወዲ ነገደ ክትኵስ ከሎ ናይ ገዛእ-ርእሱ ድርኺት ኣለዎ። በዓል ባዱሻ ተኵሶም ክኸዱ ከለውስ እታ ስራሕ ኣብ ደመይ’ያ ኣትያ። ኣነ ሽዑ ናብ ኣወል ጥውይ ኢለ፡ “ስማዕ ኣወል፡ ቅሩብ ታሪኽ ትርድኡ ዲኹም?” ኢለዮ። “ክንደይ ፈዳይን እንድዮም ሰኽራማት መሲሎም ዝኸዱ ዝነበሩ። ሕጂ ኣነ ምስኦም ዘይከይድ?” ኢለዮ። ብሓቂ ኸኣ ተሰሚዓትኒ’ያ። ሽዑ ኣወል ሓሊፉ ጸኒሑኒ። እንታይ ኢሉኒ ‘መስለኩም፡ “ናትካ መወዳእታዶ ክነግረካ፡ ሜስ ሰቲኻ ኣብኣ ድፍእ ክትብል ኢኻ፡” ኢሉኒ።

(Visited 114 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons