‘ኣፍራይነት = ውሕልነት + ቀጻልነት!’

ኣማኑኤል ዘካርያስ     

‘ኣብ ክሊ ሕመቕዶ ወይስ መንፍዓት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝተዘርግሐ ጽሑፍና፡ ንኣገዳስነት ኣብ መንፈዓትካ ልምምድ ብምግባር ወይ ንሓይልኻ ብዝግባእ ብምምዝማዝ ዝፍጠር ጥንካረን ብሳላኡ ኣብ ናይ ዕዮ ዝምድናታትን ኣብ ማሕበራዊ ጥርናፈታትን ክፍጠር ዝከኣል ናይ ፈጠራውነትን ኣፍራይነትን ጸዓት ክንድህስሶ ፈቲንና ነይርና። ውስጠ-ነገር ናይቲ ጽሑፍ እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ንዝጐደሉኻ ክትምልእ ኣብ ሃለኽለኽ ምንባር፡ ኣብ’ቶም ዘለዉኻ ጸጋታት ብትግሃት ብምልምማድ ዝያዳ ኣድማዕነት ክፍጠር ከም ዝከኣልን ኣብ ክሊ መንፈዓትካ ብውሕልነትን ብቐጻልነትን ብምውፋር ድማ ንሕመቕካ ክትቆጻጸሮን ከተውሕዶን ከም ዝከኣል ክግለጽ ተፈቲኑ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ጸጋታትካ እቲ እንኮ ክሊ መንፍዓትካን ዕቤትካን‘ውን ስለ ዝዀነ።

ቀጺልና እምበኣር፡ ብመንገዲ ኣብ ክሊ መንፍዓትካ ብምንጣፍ ወይ ብምልምማድ ክውለድ ዝከኣል ሓያል ብቕዓትን ናይ ኣፍራይነት ደረጃን ብኸመይ ክብጻሕ ከም ዝከኣልን፡ ስለምታይ ክንበጽሖ ከም ዘድልየናን ክንድህስስ ኢና።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ጽሑፍና ዝተገልጸ፡ ብቕዓት ማለት ሓውሲ ፍጹም ምልኪ ኣብ ሓደ ነገር ከም  ምህላው ኰይኑ፡ ብመንገዱ ድማ ካብ ሓቀኛ ውሽጣዊ ጸጋ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዝፍልፍል ለዋጢ ጸዓት ክፍጠር ይከኣል። እዚ ብዝግባእ ብካብ ካብኡ ንላዕሊ ዝስልጥን ኣእምሮ ክውደንን ክመሓደርን እንከሎ ድማ ናብ ኣብ ኣፍራይነትን ናይ ስራሕ ዕግበትን ዝስረት ቅርጡው ጥርናፈ ክንልወጦ ጸገም ዘልዎ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ካብዛ ኣቐዲማ ዝተገልጸት ምሉእ ሓሳብ፡ ክልተ ኣዝዮም ኣገድስቲ ነጥብታት ክንጸሙቕ ንኽእል።

ቀዳማይ፡ እቲ ዝቆጻጸር ካብቲ ዝቆጻጸሮ ሓይሊ ዝበለጸ ብቕዓት ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ እቲ መራሕ-መኪና ካብታ ዝመርሓ መኪና ዝበልሐ ንክኸውን፣ እቲ ደራሲ ክንዮ ኣብ ድርሰታቱ ዘለዉ ትንግርታውያን ገጸ-ባህርያት ዝነቐሐ ንክኸውን፣ እቲ ኣስራሕን ኣመሓዳርን ክንዮ ሰራሕተኛታቱ ዝኸይድ ናይ ዕዮ ምልከት ወይ ድማ ተረድኦ ንኽውንን፣ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝባኖም ዘየወላውል ደበና ባህርያዊ ግዴታ የንጠጢ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ እቲ ንኣስራሕን ሰራሕተኛን ዝጠምር ቀለቤት ዝምድናታት፡ ብውድድር ዝዘቕበበ ክኸውን ይግብኦ። እዚ ብመንገዲ ‘መን ዝያዳ ኣበርከተ’ ዝግበር ቅድድም ድማ ንነፍሲ-ወከፍ ተሰለፍቲ ብዕምቆት እቲ ናይ ብሓቂ ብቕዓቶም ንኽምዝምዝምዙ ብምድራኽ፡ ኣብ መጨረሽታ ንዓስብን ምልሶትን ዝበቅዕ ቅርጡውን ስልጡንን ጥርናፈ (እንተላይ ናይ ምትዕጽጻፍ ባህሪ ዝውንን) ክወልደሎም ይኽእል።

እንተ ደኣ እቲ ናይ ኣበርክቶ ውድድር ነቲ ዝቆጻጸር ወይ ዘማሕድር ሓይሊ ዘይሓወሰ ኰይኑ ግን፡ ነቲ ዝቆጻጸር ሓይሊ ኣብ ድቃስ ወጊኑ፡ ብኡ መንጽር ድማ እቲ ዝውለድ ኩነታት ነቲ ካብ ውሽጣዊ ብቕዓት ናይ ተሰለፍቲ ዝምንጩ ጸዓት ናይ ኣፍራይነት ናብ ናይ ለውጢ ዓለም ንኸይሰጋገር እናኸልከለ ይነብር። ኣብዚ እምበኣር እዚ ገዚፍ ጸዓት‘ሲ ነዚ ኣብ ድቃስ ዘሎ ተቖጻጻሪ ምብዳህ ብኸመይ ይሰኣኖ እትብል ጽብቕቲ ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲት ትመስለኒ። እንተዀነ፡ እዚ ንነብሱ ካብ ውድድር ገሊፉ ዘሎ ተቖጻጻሪ፡ ንነብሱ ናብ ውድድር ንኽመልሳ እንተ ወሓደ ሓንቲ ጸብለልትነት ንኽትህልዎ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅልስ ኣሎ። ንሳ ድማ ምቍጽጻር ትበሃል። ነዛ ሓሳብ ዝያዳ ንምትንታን እምበኣር፡ ነዛ ትስዕብ ኣብነት ‘ስከ ንተዓዘብ።

እቲ ኣብነት ዛንታ ናይ ሓደ ሓረስታይ እዩ። ንሱ ኣስታት 30 ኣእዱግ ሒዙ ካብን ናብን ባሕሪ (ሕርሻን መጓሰን ዝካየደሉ በረኻ) ዕንጨይትን ካልእ እትዋትን በዞም ኣእዱግ ዘመላልስ ዝነበረ ሓረስታይ እዩ።

እቶም እቲ ሓረስታይ ሒዝዎም ዝነበረ ኣእዱግ ድማ ዝተፈላለየ ባህርን ዓቕምን ነበሮም። ገሊኦም ውዑያት፡ ገሊኦም ድንዙዛት፡ ገሊኦም ህላላታት ገሊኦም ግና ኣብ ኩሉ ዘይነበሩ፡ ገሊኦም ብዙሕ ዝስከሙ ገሊኦም ኣዝዮም ድኹማት እዮም። ስለዚ፡ ወዮ ሓረስታይ ዕንጨይቲ ጽዒኑ ናብ ዓዱ እናተመልሰ እንከሎ፡ ካብ ሞዛይክ ባህርያቶም ዝፍልፍል ገዚፍ ብድሆ ክጎንፎ ከም ዝኽእል ማንም ዝጽበዮ ሓቂ ኰይኑ፡ እዚ ሓረታይ ግና ሓንቲ ብልሒ ነበረቶ። ንሳ ድማ ነዞም ኣእዱግ ብዝግባእ ከለልዮም ይኽእል ነበረ።

ስለዚ፡ ፈለማ ንነፍሲ-ወከፍ ኣድጊ፡ ከከም’ታ ብቕዓቱ ዝዕቀን ጽዕነት ዕንጸይቲ ይጽዕኖ – ቀዳመይቲ ሜላ። እታ ካልኣይትን ኣዝያ ዝመሰጠትንን ሜላ ናይ‘ዚ ሓረስታይ እምበኣር እዛ እትስዕብ እያ።

“ነዞም ብዙሓት ኣእዱግ ከተመሓድር‘ሲ ይኸብደካ ይኸውን እምበሪ፡” ሓተትኩ ኣነ።

“ይኸብድ’ወ” መለሰ ‘ቲ ሓረስታይ። “ግን ከኣ ኩሉ መመንገዱ ‘ለዎ” ቀጸለ።

“ከም ከመይ?” ሓተትኩ ንኽቕጽለለይ እና ተሃንጠኹ።

“እዋእ፡ ኩላትና ደቂ ሰባት ነናይ ባዕልና ናይ ምምሕዳር ሜላ ኣሎና” መለሰለይ።

እቲ ሓረስታይ ምስ ኣእዱጉ ዝጓዓዛ ዝነበረ መንገዲ ትርር ዝበለ ዓቐብ ኰይና፡ ካብ ምቕጣና ዝተበገሰ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ኣድጊ ጥራይ ከተሕልፍ እትኽእል ጸባብ መንገዲ እያ ነይራ።

“መጀመርታ ንኹሎም ከከም ዓቕሞም ጽዒነ ንገለ ሰዓታት እጓዓዝ፡” ቀጸለ ‘ቲ ሓረስታይ።

“ስለዚ፡ እዚ ነቶም ክህውኹ ዝኽእሉን ወዓይዓይ ዝብሉን ከምኡ ድማ ነቶም ክደኽሙ ዝጀመሩን ኣብ ምልላይ/ምፍላይ ይሕግዘኒ። ካብዚ ተበጊሰ ኸኣ እንታይ እገብር ‘መስለካ!” ሓተተኒ።

“ሃየ” መለስኩሉ።

“ነቲ ኣዝዩ ዝደኸመ ኣድገይ ቀዳማይ እሰርዖ። ንሱ ድማ ነታ መስርዕ ይኣስራ” ደምደመ እቲ ሰብኣይ።

ሳዕሪ ግንቦት በሊዖም ብምልኦም ፊዕፊዕ እንተ ደኣ ኣብዚሖም ድማ፡ እቲ ሓረስታይ ንባዕሉ ብቕድሚት መሪሒዎም ከም ዝጓዓዝ’ዩ ዝገልጽ።

እዚ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘገርም ናይ ዓለምና ጥበብ‘ዩ። እቲ ማሕበራዊ ስርዓት፡ ንነብሱ ክብል ካብ ነብሱ ዝዓቢ ጸዓት እናተቖጻጸረ ህልውናኡ የውሕስ። ንሳ‘ያ ድማ እታ ዝዓበየት መንፍዓቱን ክሊ ዕቤቱን ‘መስለኒ።

ከም ክሊ ስልጣነን ዕቤትን እምበኣር፡ ብመንገዲ ኣብ መንፈዓትካ ብምልምማድ ዝፍጠር ናይ ኣፍራይነት ክሊ ንምድህሳሱ እቲ ዘዓበየ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ ኰይኑ፡ ንዝያዳ መረዳእታ ነቲ ብዕምቆት ክንልወጠሉን ከነሐይሎን ዝግብኣና ባእታ ምዝርዛሩ ኣገዳሲ ይኸውን። ቅድሚኡ ግና ኣብ ህይወት ነቲ ብልቢ ከነድምዓሉ ዝተዓደለና ጸጋ፡ ከም ጸጋ ምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብቐጻሊ ኣብ ዙርያኡ ብምንጣፍ ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ኣፍራይነት ጒዕዞ ክንክተሎ ክንክእል ኣሎና። እዚ ድማ‘ዩ እቲ ቀጻልነት ወይ Consistencey እንብሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓውዲ ንፉዓት ምዃን ዘድልየና ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ኣብቲ ብኣድማዕነት እንሰርሓሉ ክሊ ዝያዳ ናይ ፈጠራውነትን ኣፍራይነትን ጸዓት ከነፍስስ የድሊ። እዚ ድማ’ዩ እቲ ውሕልነት ወይ Specialization ዝበሃል።

ኣብየናይ ክሊ ኢና ግን ዝያዳ ምልዋጥ ዘድልየና? ኣብ ክሊ መንፍዓት ተመሊሱ‘ዩ። ግን በየናይ መንገዲ? ሰባት እምበኣር ነዛ ሕቶ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክምልስዋ ይኽእሉ ይዀኑ – ገለ ፍልጠትና ብምዕባይ፡ ገለ ድማ ክእለት ብምድላብ። ፍልጠት ማለት ኣብ ሓደ ነገር ሰፊሕ መረዳእታ ምህላው ማለት ኰይኑ፡ ክእለት ድማ ገለ ምልከት ምድላብ ማለት‘ዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ግብራዊ ፍልጠቶምን ክእለቶምን ንምህብታም ገልጠምጠም ክብሉ ይረኣዩ። ኣብ ዝዀነ ዓውዲ ገለ ፍልጠት ምድላብ ከም ገዚፍ ርትዒ ይቖጽርዎ ጥራይ ዘይኰነ ከም መሰረት ብቕዓቶም ይርድእዎ።

እዚ መረዳእታ’ዚ እምበኣር ብመሰረት ብዙሕ ስነ-ልቦናውን ስነ-ፍልጠታውን ምርምራት ዝንቡዕ ኣጠማምታ ተባሂሉ ይድምደም። ምኽንያቱ፡ ዝያዳ ካብ ኣብ ኩሉ ምዕያይ፡ እንታይ ትዓዪ፡ ካብ ኩሉ ምንባብ፡ መሪጽካ ምንባብ፣ ካብ ኣብ ኩሉ ምድራፍ ኣበየናይ ቅኒት ትወሃሃድ ምርዳእ‘ዩ መሰረት ብቕዓት ክዀነካ ዝኽእል። ኣእምሮ፡ ካብ ባህርያዊ ፍልዩነቱ ተበጊሱ ነቲ ናይ ብሓቂ ዘፍቅሮ ስራሕ ኣብ ምልላይ ክደናገር ዝኽእል ኣይኰነን። ኣግፊሕና እንተ ዘይተጓዒዝና ማለት እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ገዚፍ መቐይሮ ክንረኽበሉ እንኽእል ጐድኒ፡ እቲ ክሊ መንፈዓትና ዝርከበሉ ድሙቕ ጸሊም ነጥቢ ጥራይ ምዃኑ’ዩ – እቲ ናይ ውልቅና ክእለት። ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ክእለት ድማ ፍሉይን ዘይጠፍእን እዩ። ናይ ገለ ሰባት መረዳእታ፡ ወላ‘ውን ብግብራዊ ኣብነት ዝተሰነየ፡ ኩሉ ዓይነት ፍልጠት ምፍላጥ ከም መበገሲ ጥንካረ ዝቖጽርዎ ኣይሰኣኑን። ነዞም ሰባት፡ ወላ‘ኳ ኣይፋል ክትብሎም ዘይከኣል እንተዀነ፡ ግን ከኣ ሓደ ሓቂ ምንጋሮም‘ሲ ኣገዳሲ ይመስለኒ። ንሱ ድማ ወፍሮም ኣብ ክሊ ብቕዓቶም ጥራይ እንተ ዘድህብ ክብጻሕ ዝከኣል ብራኸ ብዝግባእ ምገምገሙ‘ሞ፡ እቲ ዘለውዎ ጎቦ እቲ ዝተሓተ ልዕለት ምዃኑ ምተሰወጦም።

ክእለት እምበኣር ፉሉይ ባህርያዊ ምልኪ ወይ ተገዳስነት ኣብ ሓደ ነገር ምህላው ማለት ኰይኑ፡ እቲ ናብ ኣፍራይነት ክልወጥ ዝበቅዕ ስምዒት፡ ሓሳባት ወይ ባህርያት‘ውን‘ዩ። ኣወንታውን ኣሉታውን ድማ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ኣጠቓቕማኡ እዩ እቲ ወሳኒ ነገር። ብፍጥረትካ ተወዳዳሪ እንተ ደኣ ኴንካ ንኣብነት፡ ክትወዳደር ክትብል ወይ ከትዕኑ ወይ ድማ ክትሃንጽ ትኽእል።

ክእለት እምበኣር ብኣብ ኣእምሮና ዝፍጠር ናይ ነርቭታት ምልግጋብ ዝፍጠር ባህርያዊ ኲነት ኰይኑ፡ ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ ክዓኑ ወይ ድማ ክበርስ ዝኽእል ኣይኰነን።

ኣእምሮ ወዲ-ሰብ እቲ ኣዝዩ ኣገራሚ ፍጥረት ካብ ኣካላት ወዲ-ሰብ እዩ። እቲ ኣገራሚ ዝገብሮ ድማ  ክንዮ ትንግርታውነቱ ንድሕሪት/ንግምጣል ዝዓቢ ምዃኑ‘ዩ። ከም ልቢ፡ ኩሊት፡ ሳንቡእ፡ ዝኣመሰሉ ካብ ክፍሊ ኣካላትና ምስ ምውሳኽ ዕድሜና እናኣስፋሕፍሑን እናገዘፉን ክኸዱ እንከለዉ፣ ኣእምሮ ግን ቀልጢፉ ይዓቢ‘ሞ ቀጺሉ ምስ ምውሳኽ ዕድመ እናተጨበጠ ይኸይድ። እዚ ብተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ ዝተዳህሰሰ ጥበብ እምበኣር ነዚ ቐጺሉ ዝጥቀስ ንጥፈት ይመስል።

ወዲ-ሰብ ካብ ቍልዕነቱ ናብ ኮቴተ፣ ካብ ኮቴተነት ድማ ናብ መንእሰይነትን ልዕሊኡን ኣብ ዝሰጋገረሉ፡ ግዝፊ ኣእምሮኡ እናተጨበጠ ክኸይድ እንከሎ፡ ንቕሓቱ እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ። ምስጢር ናይዚ ድማ ኣብ “Synapse” ዝተባህለ ክልተ ነርቭታት ብሓደ ንኽቋረኑ ዝድርኽ ናይ ምልግጋብ ጸወታዊ መስርሕ ይርከብ። እዞም ክልተ ነርቭታት ተላጊቦም “Synapse” ይፈጥሩ‘ሞ፡ synapse ንባዕሉ እቲ ባህሪና፡ ክእለትናን ስሚዒትናን ይኸውን።

ወዲ-ሰብ ከም ናጽላ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ፡ ኣብ 42 መዓልቱ እቶም ናይ መጀመርታ ነርቭ ይፍጠሩ። እዚ መፍጠርቲ ናይ ነርቭታት ድማ ካብዚ ጀሚሩ ብዝተጋነነ መልክዑ ይቕጽል። ድሕሪ 120 መዓልታት ድማ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ነርቭታት ይፍጠሩ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰከንድ ኣስታት 9500 ነርቭታት ክፍጠሩ ይበቕዑ ነይሮም ማለት’ዩ። ቀጺሉ ግን እዚ መስርሕ የቋርጽ። ስለዚ፡ እቲ ናይ ምልጋብ መስርሕ ወይ ድማ Synapase ብወግዒ ይፍልም ማለት’ዩ። እዞም ነርቭታት እምበኣር፡ ህጻን ቀቅድሚ ምውላዱ ቅድሚ ኣስታት 60 መዓልታት ክለጋገቡ ይጅምሩ።

ነፍሲ-ወከፍ ነርቭ ድማ ምስ ካልእ ነርቭ ይላገብ‘ሞ ‘Synapse” ንኽፈጥር ይጽዕር። እዚ ስርዓተ ምቍራን ወይ ምልጋብ እምበኣር ኣብ ሰለስተ ዓመት ይዛዘም። ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናይ’ዞም ኣማኢት ቢልዮናት ነርቭታት ድማ፡ ልዕሊ 50,000 ርክባት ምስ ካልኦት ነርቭታት ብምፍጣር፡ ክንዲ‘ዚ ቍጽሪ ዝልካዕ ‘Synapse” ክፈጥር ይከኣሎ። እዚ “ሳይናፕስ” ድማ እቲ ክእለትን ባህርን ወዲ-ሰብ ዝዓኮሉ ጻሕሊ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ተገሊጹ‘ሎ።

ቀጺሉ እምበአር ሓደ ትራጀዲ ከጋጥም ይጅምር። ንርዱእ ምኽንያት፡ ተፈጥሮ ንወዲ-ሰብ ንገለ ካብዞኦም ባህርያትን ክእለታትን ዝኽዘንሉ መላግቦታት ንኽርስዖም የገድዶ ወይ ኣብ ገለ መላግቦታት ምህሙን ይገብሮ። ዝተረስዑ/ኣድህቦ ዝተኸልከሉ መላግቦታት ድማ ክሳባበሩ ይጅምሩ። ስለዚ፡ ደቂ-ሰብ ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ብብሊዮናት ዝቝጸሩ ብጥንቃቐ ዝተሃንጹ መላግቦታት ወይ ድማ (Synapse connections) ይዓንውዎ። ኣብ መበል 16 ዓመት ድማ ነቶም ፍርቆም ጥራይ ሒዙ ይተርፍ።

እቲ ሕማቕ ነገር ድማ ምዕናዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ እንደገና ክህነጹ ዘይክእሉ ምዃኖም እዩ። ልክዕ‘ዩ ደቂ-ሰብ ወላ‘ውን ምስ ዓበዩ ብመንገዲ ፍልጠትን ምርምርን ሓደስቲ ነርቨኣዊ መላግቦታት ክፈጥሩ ዝከኣል‘ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ዕድል ኣብ ግዜ ንእስነት ምስ ኣጋጠመ ክድገም ዘይከኣል ምዃኑ’ዩ (እቲ ክትትቀመሉ ዝግበኣካ ዝነበረ ከይተረድኣካ ይሓልፍ፣ ክርድኣካ ምስ ጀመረ ድማ ዳግም ንምህናጹ ኣይከልን፡ እንተዝከኣል ግና. . .)።

ስለምንታይ ግን ተፈጥሮ ነዚ ኹሉ ኣዳራሽ ክሃንጽን ጸኒሑ ድማ ከዕኑን ሓደ ዕቡድ ዕዮ ዝዓዪ ኢልካ ምሕታት ክስገር ዘይግብኦ ሕቶ እዩ። ነዚ ንምምላስ እምበኣር Johon Bruer ኣብታ “The Myth of First Three years” እትብል መጽሓፉ፡ ‘ውሑድ ብዙሕ’ ወይ ድማ፡ “Less is more” ክብል ይድምድም። ብምቕጻል፡ ብልሒ ኣብ ብዝሒ መላግቦታት ዘይኰነ፡ ኣብ ምድልዳልን ምስትብሃልን ናይተን ዝተረፋ መላግቦታት እዩ ዝምርኮስ (Johon Bruer)።

ባህሪ እምበኣር ኣብ ክንዲ በቶም ቢልዮናት መንግዲታት፡ በቶም ዝተረፉ ንኽንቃለስ ይግድደና – ከም ኣግፊሕና ንኸይንህውትት። ወይ ድማ ካብ ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠር ዋጭዋጭታ ንኽንገላገል።  ስለዚ፡ ክእለት ብድሕሪ‘ዚ ኩሉ ውረድ-ደይብ ኣእምሮ ንገለ መላግቦታት ክዕቅብ እቶም ዝበዝሑ ድማ ክመልቁዎ እንክቃለስ ዝፈጥሮ መዳዓዓሲ ኰይኑ ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ ዝዓኑ ኣይኰነን።

እቲ ዘዓበየ ናይ ፈጠራውነትን ኣፍራይነትን ሓይሊ ድማ ካብዘን መላግቦታት ይፍልፍል። ኣብነት ናይ ብዙሓት ዕዉታት ሰባት ድማ ነዚ ሓሳብ የተርንዕ። ምስጢር ዓወቶም፡ ንሶም ቱቦ ናይ‘ቲ ኣብ ውሽጦም ዝተኸዘነ ፍሉይ ክእለት ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ትንግርታዊ ስራሕ ይሰርሑ። እቲ ዝበለጸ ብዛዕባ ስርሖም ዝሓስብዎ ሓሳብ ድማ እናሰርሑ እንከለዉ ኣብ ኣእምሮኦም ኣይንረኽቦን። ምኽንያቱ፡ ይነብርዎ‘ውን ስለ ዘለዉ።

ኣብ መዛዘሚ፡ ኣብ ኩሉ ክትበቅዕ ምፍታን‘ውን ልክዕ ምሕሳብ ከም ምቍራጽ ኰይኑ፡ ምሕሳብ ምቍራጽ ድማ ኣብ ዘይምንባር ጥራይ‘ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣዝዩ በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎ፡ ኩሉ ፍጻመታት ሕሉፍ ብዘይ ወልደፍደፍ ክዝክር ዝኽእል፡ ወላ‘ውን ኣብዛ ህሞት ዝረኣዮ ቅርጺ ደበና ካብቲ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ክፈሊ ዝበቅዕ‘ሲ ብዝግባእ እንተ ደኣ ተረዲእናዮን ተገንዚብናዮን ይሓስብ የለን ማለት‘ኳ‘ዩ። ምኽንያቱ፡ ዳርጋ ናብ ፍጹምነት ዝዛዘወ ኣእምሮ ስለ ዝወነነ። እንተዀነ፡ እዚ ግብራዊ ክኸውን ኣይክእልን። ምኽንያቱ፡ እዚ ሰብ‘ዚ ፍሉይ ክእለት ስለ ዘይብሉ፡ ሰብኣውነት፡ ምርጫታት፡ ናይ ፍርዲ ክእለትን ህንጡይነትን ዝጐድሎ ይኸውን። ስለዚ፡ ካብዚ ሕፉሽ ዝዀነ ክውንነት ንምግልጋል፡ ዝዀነ ሰብ ካብቶም ብዙሓት ክእለታት፡ ነታ ናይ ግሉ ክእለት ንኽፈልጥ ከየደቀሰ ክሓድር ክኽእል ኣለዎ። ኩሉ ሰብ‘ውን ዝተፈላለየ ስለ ዝዀነ።

ካብ ዓርሞሽሽ ዓቕምኻ፡ ኣብተን ከተድምዓለን እትኽእል ብውሕልነትን ብቐጻልነትን ምንጣፍ እምበኣር እቲ እንኮን ዘየወላውልን መንገዲ ለውጢ ኰይኑ፡ ነዚ ሓቂ‘ዚ ረጊጹ ክምዕብልን ከፍርን ዝህቅን ናይ ለውጢ ሓይሊ ግን ክዕወት ኣይክእልን። ከምኣ እንተ ዘይገይሩ‘ውን፡ በቶም በዚ ውሕሉል መንገዲ ዝተለወጡ ሓይልታት ክውቃዕን ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ መንገዲ ቀጻልነት ወይ ህላወ ምግላፉ ኣይተርፎን።

ንስኻ/ንስኺ/ንሕና ብናጽነት ከከም’ታ ባህሪ ዝዓደልና ጸጋ እንተ ንዓዪ፡ እንታይ ምኾንና? እዋእ መንገብገብ ኣውጺእና ምነፈርና። ሃገርና፡ ሕብረተ-ሰብና ከምኡ’ውን ዓለምና ድማ ምሳና ምነፈሩ!

341 total views, 1 views today

(Visited 36 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons