ኣገዳስነት ገንዘብ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ተዘትዩሉ

ክፍለ በላይ

ኣዳራሽ “ዳዕሮ” ከም መቐጸልታ ክልተ ሰሙናዊ መደባ “ ተራ ገንዘብ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት” ብዝብል ኣርእስቲ ብዶ/ር ኣርኣያ ጸጋይ ዝተመርሐ  ዘተ ኣእንጊዳ። እዚ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 2017 ዝተኻየደ መደብ ንገለ ክፋል ናይ’ቲ ገንዘብን ባንክን ( Money and Bank) ዝባሃል ፊናንሳዊ ጽላት ዛዕባ ዝገበረ’ዩ። ገንዘብን ባንክን ዝብል ቁጠባዊ ዛዕባ ሰፊሕ ዓውዲ ብምዃኑ ንንግዲ፣ ዝቕባበ (Inflation)፣ ልቓሕ፣ ሽቕለት፣ መጠን ወለድ፣ መጠን ሸርፊ ወዘተ ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ዝሓቁፍ ዛዕባ’ዩ። ስለ’ዚ ዶ/ር ኣርኣያ ጸጋይ ኣብ’ቲ ናይ ዘተ ምሸት ኣብ’ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ምትኳር’ዩ መሪጹ።

  • ገንዘብ እንታይ’ዩ?
  • ባንክታት ምስ ገንዘብ ተላፊነን ብኸመይ ይሰርሓ?
  • ገንዘብ ንቑጠባዊ ምዕባለ ብኸመይ ይጸልዎ?

ገንዘብ ክዝውተር ቅድሚ ምጅማሩ ኣቑሑ ንምቅይያር በደላ ( Barter trade)  ዝበሃል ኣገባብ ይዝውተር ነይሩ። በደላ ማለት ኣቕሓ ብኣቕሓ ወይ እንስሳ ብእንስሳ ብምቅይያር ንግዲ ምክያድ ማለት’ዩ። ምስ ግዜ ካብ’ዚ ናይ ሕጂ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ናይ ገንዘብን ፋይናንሳዊ ኣሰራርሓን ማዕቢሉ። ኣብ ኣውሮጳ ንግዲ ምስ ኣስፋሕፍሐ ብፍላይ ኣብ ኣምስተርዳም ካብ 13-16 ክ/ዘ ዝነበሩ ነጋዶ ኣብ ክንዲ ንብረት ወይ ጥሪት ብምቅይያር ንግዲ ዘካይዱ ወርቂ ከም መተመኒ ዋጋ ከዘውትርዎ ጀሚሮም። ክሳብ ሕጂ ውን ጎልድ ስታንዳርድ እንዳ ተባህለ ዝኾነት ሃገር ንውሕስነት ሃገራዊ ባጤራ ከም ትሕጃ ትሕዞ ኣላ። ኣብ እዋና ዓቕሚ ሃገራዊ ባጤራ ንምሕላው ብመልክዕ ወርቂ ወይ ናይ ወጻኢ ሸርፊ  ምሓዝ ውሕስነት ሃገራዊ ባጤራ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ይኹን ናይ ኣሜሪካ ናይ ሪዘርቫ ባንክታት ዝባሃላ ከይተረፈ ዘዝውትርኦ ኣገባብ’ዩ። እዚ ማለት ሃገራዊ ባንክ 30% መጠን ናይ ኣብ ዑደት ዘሎ ገንዘብ ክፉእ እንተ ኣጋጠመ መዋጽኦ ( back up) ዝኸውን  ብዝዋሓደ መልክዕ ዝዳለዋሉ (Minimum coverage)  ምሓዝ ኣመና ዝውቱር ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ ኣሜርካ ‘ፎርት ኔክስ’ ዝባሃል ቦታ ባጤራ ዶላር ሕማቕ እንተ ኣጋጠሞ ብመልክዕ ወርቂ ትሕጃ ኣቐሚጠሙሉ ዘለዉ መደበር’ዩ። ፕረዝደንት ፈረንሳ ዝነበረ ዲጎል ንቛንቋ ፈረንሳ ትዛረብ ኩቤክ ትባህል ዞባ ካብ ካናዳ ነጺሉ ናጻነታ ክህባ ምስ ወሰነ ኣሜሪካን ፈረንሳን ኣብ ፖለቲካዊ ግርጭት ኣትየን። በዚ መሰረት ፕረዝደንት ዲጎል ናይ ፈረንሳ ንኣሜሪካ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ናይ እሜሪካ ዶላር ውሰድዎ ኢልዎም። ጥረ ገንዘብ ኣሜሪካ (ዶላር) ካብ ባንክታት ፈረንሳ ተኣኪቡ ንኣሜሪካ ምስ ተዋህቦም መባድልቱ ብዙሕ ኣዋርቕ ብነፈርቲ እና ተጻዓኑ ንፈርንሳ ሂቦማ። ብዘይካ’ዚ ሃገራዊ ባጤራ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ንኽህልዎ ወርቂ ከም ዑቑር ሃብቲ ምኽዛን ልሙድ ኣገባብ’ዩ። ርያል ናይ ስዑዲ፣ ናይ ዖማን፣ ናይ ኩየት ሃገራዊ ባጤራታት ክቡር ሸርፊ ዝሽረፈሉ ምኽንያት’ውን እቲ ንገንዘብ ዝድግፍ (back up) ዓቕሚ ትሕጅአን ዓቢ ስለዝኾነ’ዩ።DSC_0280 - Copy

ስለ’ዚ ይብል  ዶ/ር ኣርኣያ ጸጋይ “ገንዘብ ፍሉይ ኣቕሓ‘ዩ” ምኽንያቱ ገንዘብ ሰለስተ ጥቕምታት ኣለዎ። ቀዳማይ ገንዘብ ስርዓተ መቀያየሪ ንግዲ’ዩ። እዚ ማለት ገንዘብ ትውጊት ዝካየደሉ መቀያያሪ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ስለ ዝኾነ መንግስትን ሃገርን ሓላፍነት ይስከምሉ። ንኣብነት ኻኣ ኣብ ሃገራዊ ባጤራና ናቕፋ  Legal Tender of Eritrea ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ። እዚ ማለት መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ጥዕና ናቕፋ ንምሕላው ወርቂ ከይተረፈ ብትሕጃ ሒዙ ዝከላኸለሉ ኣቕሓ ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ። ካልኣይ መዐቀኒ ሃብቲ ውልቀሰብ ከይተረፈ ገንዘብ ኮይኑ ኣሎ፣፣  እቲ ካብ ነዊሕ እዋን ከም መዐቀኒ ሃብቲ ዝውሰድ ዝነበረ ወርቂ እንተኾነ ውን ኣብ መወዳእታ መተመኒ ዋግኡ ገንዘብ ኮይኑ ኣሎ። ሳልሳይ ገንዘብ መተመኒ ዝካየድ ቁጠባዊ ንጥፈት ኮይኑ ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ንምዕዳግን ምሻጥን ትውጊት ይገብር’ዩ።  ኣብ’ዚ ግን ሃገራት ኣብ  ፖሊሲ  ወጻኢ ሸርፊ ዝተፈላለየ  ኣተሓሕዛ ክህልወን ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ኤርትራ ፖሊሲ ውሱን መጠን ሸርፊ  (Fixed exchange rate) ትጥቀም። ካልኦት ሃገራት ኻኣ ብመጠኑ ንዕዳጋ ኩፉት ዝኾነ፣ መንግስቲ ብመገዲ ሃገራዊ ባንክ ምስ ነጋዶን እና ተዋስአ  ዘካይዶ  (Managed floating) ይጥቀማ።  ኣሜሪካ ዘተኣማምን ቁጠባ ስለ ዘለዋ ግን ተቐያያሪ (floating) ስርዓተ ሸርፊ ወጻኢ ትጥቀም።  ስለ’ዚ ቁጠባ ኣሜሪካ ዘተኣማምን ቁጠባ ስለ ዝኾነ ኣብ ምሉእ ዓለም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብመንጽር ዶላር’ዩ ዝረአ። ‘ዝሑል ኩናት’ እናተባህለ ከሎ ከይተረፈ ሶቬት ሕብረት ዝበዝሐ ትሕጅኣ ብናይ ዶላር ሸርፊ ትሕዞ ምንባራ ሓደ መርኣያኡ’ዩ።

ዶ/ር ኣርኣያ ነቲ ገንዘብ እንታይ’ዩ ዝብል ኣምር መብርሂ ምስ ሃበ ባንክታት ምስ ገንዘብ ተላፊነን ብኸመይ ይሰርሓ’ዩ ተንቲኑ። ዝኾነት ሃገር ናይ ገንዘብ መምርሒታትን ፖልሲታትን ዘውጽእን ዝቆጻጸርን ኣካል ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ እዚ ሓላፍነትን ስልጣንን ዘለዎ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ‘ዩ። ንኣብነት ዝኾነት ሃገር ኣህጉራዊ ንግዲ ንምክያድ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ባንክታት ሕሳብ ብምኽፋት ፍቱው ዓሚል ኮይና ትቕጽለሉ ባይታ የድልያ’ዩ። እዚ ማለት ሃገራት ኣብ ዘካይድኦ ኣህጉራዊ ንግዲ ንኣፈጻጽማ ክፍሊት ዝሕግዝ  ኮረስፖንደንት ኣካውንት ዝባሃል ሕሳብ ትኸፍተለን ባንክታት ክህልውኣ ኣለወን። ጥቕሙ ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ንግዲ ምስ ኣካየደት እቲ ዝተዓደገ ንብረት ወይ ኣገልጉሎት ኣብ ኢዳ ምስ በጽሐ ንዓማዊላ ገንዘብ ዝህበላ ባንክ ማለት’ዩ። ነዚ ናይ ‘ ኮርስፖንደንት ኣካውንት’ ዝሕዛ ባንክታት ወጻኢ ዘነጽር ሃገራዊ ባንክ ’ዩ።

  “ ጥዕና ሃገራዊ ባጤራ ምሕላው ቀንዲ ሓላፍነት ሃገራዊ ባንክ’ዩ” ዝበለ ዶ/ር ኣርኣያ ዕማምን ኣሰራርሓ ባንክታትን ዝምልከት መብርሂታት ቀጺሉ። ኣብ እዋንና ዝኾነት ሃገር ናታ ባጢራ ኣለዋ። ሃገራዊ ባንክ ሓይሊ ናይ ሃገራዊ ባጤራ ክከላኸልን ክሕሉን ኸኣ ቀንዲ ተልእኽኡ እዩ። ብቐንዱ ውን ገንዘብ ብሕጊ ምንቅስቓስን ምጥቃምን ዜጋታት ኣተኩሮ ክገብርሉ ከም ዝግባእ ዶ/ር ኣርኣያ ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናጻነት ዝተራእየ ተመኩሮ ከም ኣብነት ኣልዒልዎ። ናቕፋ ቅድሚ ምሕታሙ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ብር” ከም ናይ ሓባር ባጤራ ይጥቀማሉ ነይረን። ኣብ’ቲ ኣዋን መጠን ወለድ ባንክታት ናይ ኤርትራ ዝለዓለ 8.5% ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን መጠን ወለድ 10% በጺሑ ነይሩ። በዚ መጠን ወለድ ተተባቢዖም ካብ ባንክታት ኤርትራ ገንዘቦም ናብ ባንክታት ኢትዮጵያ ዘግዓዝዎ ነይሮም። ይኹን እምበር ኣብ 1998 ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተኸፍተ ገንዘቦም ብምልኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሃጊርዎ  ስለ’ዚ ገንዘብ ብጥንቃቐ ክማሓደርን መንግስቲ ብመገዲ ሃገራዊ ባንክ ቁጽጽር ክገብረሉን ግድን’ዩ።DSC_0284 - Copy

 “ ዘይንቀሳቐስ ገንዘብ ዘየፍሪ ገንዘብ’ዩ” ዝበለ ደ/ር ኣርኣያ ዝኾነ ሰብ ኣበየናይ ባንክ ከቐምጥ ክመርጽ ይኽእል’ዩ። ገንዘብ ኣብ ገዝኡ ከቕምጥ ግን ብሕጊ ኩልኩል’ዩ። በቲ ኻልእ ሸነኹ ባንክ ገንዘብ ህዝቢ ክርከብ ከሎ ብሕጊ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ብዝንበረሉ እምንቶ ሓያል ክኸውን ከምዘለዎ ብምዝካር  “ ኣብ ሃገርና ውሑዳት ባንክታት ስለዘለዋና እምበር ገንዘቡ ኣብ ባንክ ዘቐምጥ ሰብ ብናቱ ረቛሒታት፣ ማለት ባንክታት ዝኸፍልኦ መጠን ወለድ፣ ሳዓታት ስራሕ ናይ ባንክ፣ ናብ መንበሪ ገዛ ወይ ስራሕ ዘለዎ ቅርበት፣ ስልጡነት ባንክ ወዘተ ዝኣመሰሉ ረቓሒታት ‘ዩ ኣብ ግምት ዘእቱ። ይኹን ‘ምበር ባንክ ተፈጢሩ ኸሎ ገንዘብካ ባንክ ኣብ ዘይቆጻጸሮ ምቕማጥን ምንቅስቓስን ኸኣ ሕጋዊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቁጠባ ሃገር’ውን ሃስያ ምፍጣር’ዩ” ብምባል ዜጋታት ገንዘብ ኣብ ባንክ ምቕማጥ ከዘውትሩ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ምቕያር ናቕፋ ኩስቶ ቐይረለይ እና ተባህለ ዝተራእየ ሸገርግርን ሳዕቤኑን በብወገና ንፈልጦ ናይ ቀረባ ኣብነት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ውሑድ ባንክታት ስለዘሎ ኣገልጉሎት ባንክ ንምዕባዩ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ባንክታት’የን ዘለዋ። ንሳተን ኸኣ ንግዳዊ ባንክ፣ ባንክ ኣባይትን ንግድን፣ ባንክ ወፍርን ልምዓትን ይባሃላ። ሃገራዊ ባንክ ግን ከም ካዝና ሃገር’ዩ። እዘን ሰለስተ ባንክታት ኣብ ኤርትራ ምሉእ ሳላሳ ዝኾና ጨናፍር ጥራይ እዩ ዘለወን። ስለ’ዚ ይብል ደ/ር ኣርኣያ  “ባንክታት ምብዛሕ ንጥዕና ባጤራ ሓጋዚ ‘ዩ” ። ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ ድማ  ብሽቕለትን ንግድን ዝተረኽበ ገንዘብ ዜጋታት ኣብ ባንክታት ክቕመጥ ስለዘለዎ ባንክታት ዝርግሔኣን ክዕብያ ኣለወን። ዜጋታት ኣብ ባንክ ዘቐምጡ’ውን ንረብሓ ባንካታት ኢሎም ጥራይ  ዘይኮኑ ካልእ  ብዙሕ ጥቕምታት ስለዘለዎ ‘ዩ። ገለ ካብ’ቲ ገንዘብካ ኣብ ባንክ ምቕማጥ ዝህበካ ረብሓታት

ቀዳማይ፣ ረብሓ  ገንዘብካ ኣብ ባንክ ምቕማጥ ኣቐመጥቲ ውሕስነት ናይ ገንዘቦም ይረኽቡ። ኣብ ገዛኻ እንተኾይኑ ንስርቂ፣ ንሓደጋ ሓዊ ወዘተ ዝተቓልዐ’ዩ ዝኸውን። ካልኣይ፣ ባንክታት  ንቖጠብቲ ምስ ተለቃሕቲ ስለዘራኽባ ኣቐማጢ ካብ ወለድ ናይ ገንዘቡ ዝረኽቦ መኽሰብ  ውሑድ ኣይኮነን። ዋላ ሕጂ መጠን ወለድ መኽሰቡ ውሑድ እንተኾነ ኣብ ባንክታትና ክሳብ 8.5% መጠን ወለድ ዝበጽሓሉ እዋናት ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። ሳልሳይ፣ ቆጣቢ እንተኾንካ ‘ፍቱው ዓሚል’ ናይ ባንክ ትኸውን። እዚ ማለት ንገለ ጉዳይ ብሁጹጽ ገንዘብ እንተእድልዩካ ዝወጽእ ዘሎ ገንዘብ ናይ ምምላሱ ተኽእሎ ተገምጊሙ (Risk Assesment)፡ ብግዝያዊ ልቓሕ እቲ ‘ፍቱው ዓሚል’ ገንዘብ ክረክብ ይሕግዞ ።

ዜጋታት ካብ ባንክ ክልቁሑ ከልዉ  ኣብ ግምት ዝኣትዉ ክልተ መትከላት ኣለዉ። ንሳቶም ኸኣ ተለቃሓይ ዝተለቅሖ ናይ ምምላስ ዓቕሙ። ካላኣይ ድማ ዝልቃሕ ዘሎ ሰብ ዘተኣማምን ፕሮጀክት ከም ዘለዎ ብምጽናዕ ብዘይ ዋሕስ ልቓሕ ምፍቃድ’ዩ። ንኣብነት እንዳ ኮርያ 20% ናይ’ቲ ጠቕላላ ዋጋ (80,000) ዝኸፈለ ገዛ ተረኪቡ እዩ። እቲ ገዛ ስለዘይንቀሳቐስ ዘሰክፍ ኣይነበሮን። እቲ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ዝኽፈል ዕዳ ጌሩ ገዛ ከጥሪ  ክኢሉ ማለት’ዩ። ነቲ ፕሮጀክት ዘካየደ ባንክ ኣባይትን ንግድን ኻኣ ነቶም ወነቲ ገዛ ዕድኦም ክሳብ ዝኸፍሉ ሰንዳት እቲ ገዛ ምስ ባንክ ይሕዞ ነይሩ ማለት’ዩ።

 ስለ’ዚ ምዕባለ ብገንዘብ ክድረኽ እንተኾይኑ  “ ገንዘብ ብምገዲ ባንክታት ክንቀሳቀስ” ኣለዎ ዝበለ ዶ/ር ኣርኣያ “ኣብ ገዛ ዝቕመጥ ገንዘብ መኻን ገንዘብ’ዩ። ኣይወልድን‘ዩ። ብኡ መንጽር ኣበርክቶኡ ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ኣይህልዎን። ንገለ ሰባት ገንዘብካ ንማዓስ ትጽበየሉ ኣለኻ ምስ በልካዮም ክንዲ ወፍሪ ጌሮም ኣፍረይቲ ክኾኑ ዝፍትኑ ፍቓድ ጥራይ ሃቡኒ ምበር ኣቑሑ ከምጽእ ዝብሉ ዜጋታት ኣለዉ።  ኣብ መጀመርያ ዓመታት ናጻነት ኣሰራርሓ ፍራንኮ ቫሉታ ንጥቀም ነይርና። ዶላር ካብ ዘምጻእካ ኣምጽኣዮ ንብረት ጥራይ የእቱ ማለት’ዩ። ሕጂ ካብ ዘምጻእኻ ኣምጺእኻ ንብረት ምምጻእ ሃስያ ከምዘለዎ ርዱእ ኮይኑ። ክም ሓቂ ኣብ ፈለማ ነጻነት ከምኡ ዘግብረና ሓደ ግርህና’ዩ። ካልኣይ ኸኣ የድልየና ነይሩ። ሕጂ ግን ስርዓት ብዝሓዘ ኣገባብ ክንከይድ ዘኽእል ኣገባብ ኢና ደሊና” ብምባል ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ ይኹን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ባንክ ወጻኢ ምንቕስቓስ ሃስያ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ። ብሓጺሩ ምዕባለ ክመጽእ እንተኾይኑ ዘለና ገንዘብ ብመገዲ ባንክታት ብምንቅስቓስ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ክንዋሳእ ኣዘኻኺሩ። ድሕሪ’ዚ ኣዳራሽ ዳዕሮ ናብ ሕቶን ርእይቶን ተስተፍቲ ሰጊራ።DSC_0290 - Copy

  • ኣብ ሞንጎ ገንዘብን ሓይሊ ስልጣን መንግስትን እንታይ ምትእሳስር’ዩ ዘሎ። ሓደ ባዓል ዱካን ገንዘብ ሒዝካ ምስ ከድካዮ ዝደለኻዮ ዝህበካ እቲ ‘ ሌጋል ተንደር’ ዝብል ስለ ዘለዎ’ዩ።  ስለዚ ቁጠባዊ ክብሪ ናይ ባጤራ መንግስቲ ዘይውስኖ ስለምንታይ? ወይ ገንዘብ ምስ ኣፍራይነት ዘለዎ ምትእስሳር እንታይ’ዩ።

ገንዘብ ውልቀሰብ ሒዝዎ እንተዘይስርሒሉ ሃስያ’ዩ። ባንክ ንገንዘብ ኣንተዘይኣስርሒዎ ውን ከምኡ። ገንዘብ ልዕሊ ዓቐን ኣብ ዕዳጋ እንተተዘርጊሑ ብመምርሒ ሃገራዊ ባንክ ገንዘብ ካብ ዕዳጋ ክሳሓብ ይኽእል። ኣብ’ዚ እዋና’ዩ ኸኣ ናይ ምርግጋእ ፖሊሲ (satabilization policy) ዘድሊ። ንገንዘብ ዝምልከት መምርሒ ካብ ሃገራዊ ባንክ ጥራይ እዩ ዝዋሃብ። ዘይምርግጋእ ናይ ባንክ ናብ ካልእ ሳዕቤን ከየምርሕ ብዙሕ ጥንቃቐ የድልዮ። ገንዘብ ዘሕትም ሃገራዊ ባንክ’ዩ። ንንግዳዊ ባንክ ይኹን ካልኦት ባንክታት መምርሒታት ዝህብ’ውን ሃገራዊ ባንክ’ዩ። መንግስቲ ብመገዲ ሃገራዊ ባንክ ንድሕነት ሃገራዊ ባጤራ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ግዝያዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዋጋ ጥዕና ሃገራዊ ባጤራ እንተኾይኑ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ዛየር ተመኩሮ ሓደ ኣብነት’ዩ። መንግስቲ ዛየር ጠለብ ደሞዝ ወተሃደራቱ ንምምላእ ብዙሕ ገንዘብ ኣሕቲሙ ንሰራዊቱ ደሞዝ ከፊሉ። እቲ ገንዘብ ነቲ መነባብሮ ስለዘየቃለለን ህዝቢ ስለዘይተቐበሎን  እቲ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ተቐባልነት ስኢኑ። ከም ውጽኢቱ ወተሃደራት ኣንጻር እቲ መንግስቲ ምንቅስቓስ ኣካይዶም። ውድቀት ናይ ፕረስደንት ዛየር ዝነበረ ስሲሰኮ ድማ ኣኸቲሉ። ኣሜሪካ ኣብ 2003 ኣብ ዒራቕ ፕረስደንት ሳዳም ሑሴን ንምዕላው ዝገበርዎ’ውን  ካልእ ኣብነት’ዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ  ነቲ ናይ ዒራቕ ሓቀኛ ባጤራ (ዘይተተምየነ) ኣብዚሖም ብምሕታም ቅድሚ ውግእ ምጅማሮም ብጀላቡ፣ ብናይ ኮንትረባንድ ነጋዶ፣ ኣቢሎም ብዙሕ ገንዘብ ዘርጊሖም። ከም ሳዕቤኑ ብዝቕባበ ንኽብሪ ባጤራ ዒራቕ ኣዳኺሞሞ። እዚ ኸኣ ሃገራዊ ባንክ ጥራይ ዘይኮነ መንግስቲ ብኻልእ ማሓውራቱ ጌሩ ንጥዕና ሃገራዊ ባጤራ ክከታተሎ ከምዘለዎ ዘነጽር ተመኩሮ’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ባንክ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ገንዘብ እንተበዚሑ ነቲ ቁጠባ ዓፊንካ ንምሓዝ ተደልዩ ኣሎ ማለት’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቕያር ናቕፋ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኸኣ በዚ ዓይኒ ክርኣ ኣለዎ። እዚ ማለት ካብ ባንክታት ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ናቕፋ በዚሑ። ብዘይካ’ዚ ብቑጠባዊ ዓቕሙ ይኹን ብመምርሒ ሃገራዊ ባንክ ናቕፋ ኣብ ኤርትራን ንኤርትራን ጥራይ’ዩ ዘገልግል። ይኹን’ምበር ናቕፋ ዶብ ሃገር ሰጊሩ ክትሓዝ ጀሚሩ። ስለ’ዚ እቲ ሕቶ፣ ናቕፋ ብዉሱን መጠን ሸርፊ ( Fixed exchange rate) ዝስርሕ እናኾነ ስለምንታይ ካብ ሃገር ወጺኡ? ስለ’ዚ መንግስቲ ንድሕነት ባጤራ ክሰርሕ ግድን እዩ።

  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስታት ኣብ ኣሜሪካ ከይተረፈ ንንግዳዊ ትካላት ገንዘባዊ ውሕስነት ክፈጥሩለን ( Bail out) ተራእዮም። ተርኡ ኣብ ቁጠባ እንታይ’ዩ? E-bank, E-commorce, stock market  ንዓና ከመይ ይጸልወና

መንግስቲ ንንግዳውያን ትካላት ውሕስነት ክህብ ቁጠባዊ ዓቕሚ’ዩ ዝውስኖ። መንግስቲ ነቲ መትኒ ቁጠባ ዝኾነ ጽላታትን ትካላትን ሓገዝ ክገብር ግድን’ዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ነተን ኣብ ሰንከልከል ኣትየን ዝነበራ መካይን ዘፍርያ ዓበይቲ ኩባንያታት ካብ ጥፍሽና ስለ ዘድሓነን ናብ ንቡር ተመሊሰን ቁጠባ ኣሜሪካ ካብ ምድኻም ኣድሒነንኦ። ስለ’ዚ ዓቕምን እገዳስነትን ጥራይ እዩ ዝውስኖ።  እዚ E-Banking, E-commorce ኣባና እቲ ብድሆ ናይ ዓቕሚ ሰብ ጸገም ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ብድሆ ኣብ ትሕተ ቕርጺ ናይ መራኸቢታት ብፍላይ ኢንተርነት’ዪ። እዚ ብድሆታት ምፍታሕ ቅድመ ኩነት ምስግጋር ባንክታትና ናብ ስሉጥ እሰራርሓ ምዃኑ ኣሚቱ።  E-banking, E-commerce ኣብ ፍይናኒሳዊ ኣሰራርሓ ናቱ ጽልዋ ኣለዎ። ካብ ብኢድ ዝተሓዝ ገንዘብ ዝያዳ ኣብ ኮምፑተር ክንበብ ዝኽእል ከም ክረዲት ካርድ ዝኣመስለ መቃያየሪ ትውጊታት እና ኣስፋሕፍሐ ይኸይድ ኣሎ። በዚ ኣገባብ ዝሰርሓ ባንክታት እና በዝሓ ምኻደን ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ብዙሕ ጸገማት’ውን ኣለዎ። ካብ ኮምፑተራት ሓበሬታ ሰርሲርካ ብምውሳድ ዘጋጥም ዝምታ ገንዘብ ሓደ ብድሆ’ዩ። ብቐሊሉ ልቓሕ ብምሃብ ኣህላኽነት ከም ዝዓቢ ጌረን ካብ ዜጋታት ከቢድ ወለድ ይረኽባ ኣለዋ።  ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ስርዓተ ባንክ ብዙሕ ዕዮ እዩ ዝጽብያ ዘሎ። ሓደ ዋሕዲ ናይ ባንክታት። ኻልኣይ ድማ ተጠቃምነትን ተዘማድነትን ህዝቢ ምስ ባንክታት ትሑት ምዃኑ’ዩ። ኣብ  ስቶክ ማርከት ዝበሃል’ውን ጌና ኢና ዘለና። ምኽንያቱ ዘለዋና ናይ ብርኪ ማሕበራት ውሕዳት እየን። ምስ ናይ ዓለም ፍይናኒሳዊ ትካላት ዘለና ርክብ ብፍላይ ትሕተ ቕርጺ ከይተፈትሐ ክንበጽሖ ንኽእል ኣይመስለንን። ግን ጻዕርታት ነካይድ ኣለና። ሓደ እዋን ከምንበጽሖ ኸኣ ርግጸኛታት ኢና።

  • ካብ ባንክታት ወጽዩ ኣብ ቁጠባዊ ዑደት ዝኣተወ ገንዘብ ብኸመይ ትቆጻጸሮ?  እቲ መዋጽኦ (Back up) ዝባሃል  ብኸመይ መልክዕ ‘ዩ ንባጤራ ሓደ ሃገር ሓይሊ ዝህቦ?

ሃገራዊ ባንክ ገንዘብ ምስ ኣሓተመ ከቢድ ቁጽጽር’ዩ ዝገበረሉ። ዝትሓትመ ባጤራ ኣበይ ኣሎ ንምፍላጥ ዝተቐደ፣ ዝነደደ፣ ዝተቖርጸ ናይ ምንጻር ሓላፍነት ኣለዎ።  ንኣብነት ሃገራዊ ባንክ ንዝተጨርመ ቁጽሪ ዋጋ ሂቡ ንሓንቲ ቑጽሪ ፍርቂ ዋጋ ንኽልትኤን ቁጽሪ ዘለዎ ዝተቐደ ናቕፋ ዘምጽአ ድማ ምሉእ ሕሳብ ይህብ።  ሃገራዊ ባንክ ንዝተቐደ ቁጽሪ ወይ ዝኣረገ ገንዘብ ዝቕይር ዝዘርግሖ ገንዘብ ክፈልጥ ስለዝሕግዞ እዩ።  ሎሚ  ካብ ኮምፑተር ናብ ኮምፑተር ብዝግበር ምስግጋር ናይ ኣሃዛት ብዙሕ ናይ ገንዘብ ስርቂ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ናይ ኮምፑተር ቅርሰና ከየጋጥም እዚ ናይ ወረቐት ኣሳራርሓታት ዝምረጸሉ እዋናት ኣሎ። መቆጻጸሪ ናይ ባጤራ ምስ ግዜ እዩ ዝምዕብል። መቆጻጸሪ ኣገባብ ግን ክትኣታቶ ኣለዎ። ሕጂ ብቸክ ንስራሕ ንብል ኣለና። ዝርግሐ ባንክታትና ግን ትሑት’ዩ ዘሎ።  ባንካዊ ኣሰራርሓ ምሕያል ኣገዳሲ’ዩ።  ኣብ ኤርፖርትን ካልእን ዝግበር ቁጽጽር ውን ሓደ ኣገባብ’ዩ። እቲ  ሃገራዊ ባጤራ ናይ ምዕዳግ ሓይሉ ንምጉልባት ዝሕግዝ ኣገባብ (Back up)  ከም ዶላር፣ ኤይሮ፣ ርያል፣ ድርሃም ዝኣመሰሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሓደ ኣገባብ’ዩ። እዚ ኸኣ 30% ናይ’ቲ ኣብ ዑደት ዘሎ መጠን ሃገራዊ ባጤራ ዝሽፍን ባንክታት ክሕዛ ኣለወን ማለት’ዩ። ብመልክዕ ወርቂ  ዝቕመጥ ሃብቲ ሃገር ውን ዝውቱር ኣገባብ ናይ ‘ባክ ኣፕ’ ዩ። ስለ’ዚ  እዩ ውን ሃገራት ከም ዲናር ናይ ዖማን፣ ናይ ኩየት ኣብ ዓለም ገዚፍ ቁጠባዊ እጃም   ዘይብለን ክንሰን ባጤርአን ብመንጽር ዶላር ልዑል ካብ ዝሽረፈለን ሓገራት ዝኾና። ቦንድ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ኩባንያታት ዓለም ምግዛእ ካልእ መልኽዕ ውሕስነት ናይ ሃገራዊ ባጤራ’ዩ። ኣብ ካልኦት ባንክታት ንንግዲ ኢለን ሃገራት ዘቐምጣኦ ገንዘብ ወን ሓደ ኣገባብ’ዩ።  በዚ ኸኣ ናይ’ቲ ምሸት ዘተ ተዛዚሙ።

  • ዶ/ር ኣርኣያ ጸጋይ ምሁር ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባንክ ኣባይትን ንግድን፣ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ድማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባዓል መዚ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ (Free Zone) ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።
(Visited 58 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons