ኣገዳስነትን ኣሰራርሓን ካዳስተራዊ ምዝገባ ተዘትይሉ

ክፍለ በላይ

ኣዳራሽ ‘ዳዕሮ’ ከም መቐጸልታ ብሃማመተኤ ዝውደብ ክልተ ሰሙናዊ ናይ ዘተን ሰሚናርን መደብ “ካዳስትራዊ ምዝገባን ኣገዳስነቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ 26 ጥቅምቲ 2017 ሰሚናር ኣኣንጊዳ። ነቲ ሰሚናር ዝሃበ ዳይረክተር ጀነራል ቤ/ጽ-ካዳስተር ኣቶ ሃብተሚካኤል ወልደጊዮርጊስ እዩ፣፣

ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብ መእተዊ ኣስተምህርኡ  ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ኣምር “ካዳስተር” እዩ ገሊጹ። ንሱ ኣብ መግለጺኡ “ካዳስተር” ኣብ ፈረንሳ ኣብ ግዜ ሃጸይ ናፖልዮን ግብሪ ንምእካብ ከም ዝተኣታተወ ኣብሪሁ። “ካዳስተር” ዝብል ቃል መበቆሉ ናይ ላቲን ቋንቋ ኮይኑ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ቋንቋታት ፈረንሳ፣ እንግሊዝ፣ ኣብ ትግርኛ’ውን ከይተረፈ ተራዒሙ ዝዝውተር ዘሎ ቃል እዩ። ካዳስተር ማለት ይብል ኣቶ ሃብተሚካኤል “ኣብ ቃጽዖ ዝተመርኮሰ ናይ መሬት ስርዓተ ሓበሬታ ኮይኑ ንስእላውን ጽሕፋውን ሓበሬታ የጠቓልል፣፣ ኣስዒቡ ካዳስተር ኣብ ዋንነት ወይ ተጠቃምነት፣ ክብሪ፣ ኣጠቓቕማ፣ ክራይ ወይ ግብሪ መሬት ወዘተ ዘተኵር ኮይኑ እቲ ቃጽዖ ፍሉጥ ስፍሓት፣ ፍሉጥ መዓላ መሬት፣ ፍሉጥ መዳውብቲ ከም ዘለዎ ገሊጹ፣፣ ኣብ ፈለማ እዋን ዕላማ ካዳስተር ግብሪ ንምእካብ ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ ምስ ግዜ ግን ንዋንነት ቀዋሚ ንብረትን መሰል ተጠቃምነት መሬት ንምውሓስ፣ ግቡእ ምሕደራ መሬትን ሃብታን ንምሕጋዝ፣ ብዝተመዝገበ ቀዋሚ ንብረት ልቓሕ ካብ ባንክ ንምርካብ፣ ውጥን ከተማታት ንምንጻር ወዘተ ከም ዘገልግል ኮይኑ ከም ዝማዕበለ ኣብሪሁ።

ቀጺሉ ካዳትስራዊ ምዝገባ ኣብ ኤርትራ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1888 ኣብ ከተማ ባጽዕ ከም ዝጀመረ ብምግላጽ “ቀንዲ ዕላማኡ ውሕስነት ንብረት ኢጣልያውያን ሰፋሮ ንምርግጋጽ ነይሩ” ዝበለ ኣቶ ሃብተሚካኤል ምስ ግዜ ኤርትራውያን’ውን ከዘውትርዎ ከምዝጀመሩ ኣገንዚቡ። ምስቲ ዝነበረ ኣገባብ ስርዓተ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ግን ሓደ ንብረት ብምትሕልላፍ (መሸጣ፣ ውርሻ፣ ህያብ፣ ካልእ ኣገባብ) ኣብ ዝምዝገበሉ ብተደጋጋሚ ፍሉይ መለለዪ ቍጽሪ እናተዋህቦ ይምዝገብ ስለ ዝነበረ ምግናን ኣብ ብዝሒ ዝምዝገብ ንብረት ተራእዩ። ንኣብነት ሓደ ንብረት ብሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ ኣገባብት ምስ ዝተሓላለፍ በበይኑ መለለዪ ቍጽሪ ንብረት ይወሃቦ ስለ ዝነበረ ሓደ ንብረት ክሳብ 13 ግዜ በበይኑ መለለዪ ቍጽሪ ብምሃብ ዝተመዝገበ ከም ዘጋጠመ ገሊጹ።DSC_0674 - Copy

ኣብ ርእሲ’ኡ እቲ ስርዓተ ምዝገባ ኣብ ውሱን ዝማዕበለ ከባቢታት ከም ኣስመራ፣ ባጽዕ፣ መንደፈራ፣ ደቀምሓረ፣ ከረን፣ ኣቝርደት፣ ሰንዓፈን ኣብ ገለ ናይ ኮንችስዮነ መሬት ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ባሕሪ፣ ኣቝርደት፣ ተሰነይ ዝኣመሰለ ጥራይ ዝተደረተ ምንባሩ ጠቒሱ፣፣ ካብ 1902 ጀሚሩ ቤ/ጽ ካዳስተር ኣብ ኣስመራ ጥራይ ብምዃን ካብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ከመዝግብ ዝመጸ መሬትን ኣባይትን ከተማታትን መሬት ኮንችስዮነን ይምዝግብ ነይሩ፣፣ እቲ ስርዓተ ምዝገባ ወለንታዊ ብምንባሩ’ውን ኣገልግሎቱ ንምሕደራ መሬትን ጸጋታቱን ኣድማዒ ከም ዘይነበረ ኣቶ ሃብተሚካኤል ገሊጹ፣፣ ይዅን’ምበር፣ እቲ ስርዓተ ምዝገባ ናይ ልዕሊ ሓደ ዘበን መዛግብቲ ብጽፈት ዓቂቡ ብምጽናሕ፣ ብኮሚሽን ኣባይቲ ኣብ ዝተገብረ ምጽራይ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረት፣ እቲ ቀንዲ ምንጪ ዘተኣማምን ሓበሬታ ኮይኑ ኣብ ርእሲ ምግልጋል፣ ያታ ካዳስትራዊ ምዝገባ ምጽንሑ’ውን ቀሊል ተመኵሮ ከም ዘይኮነ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብሪሁ፣፣

ምስ ምቛም ካዳስትራዊ ምዝገባ፣ ኣድላይነት ውሑስ ምትሕልላፍ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንምርግጋጽ ትካል “ ፓብሊክ ኖታሪ”  ቆይሙ።  ብቀሊል ኣገላልጻ ፓብሊክ ኖታሪ ማለት ኣዋዓዓሊ ማለት’ዩ። ይኹን’ ምበር ከም ዝኾነ ናይ ህዝቢ ጉዳያት ዝጽሕፍ ዘይኮነ ብፍሉይ ንዘይንቀሳቐስ ንብረት ዘወዓዕል ሕጋዊ ኣካል ማለት’ዩ። ‘ፓብሊክ ኖታሪ’ ይብል ኣቶ ሃብተሚካኤል“ ብመንግስታዊ ሕጊ ከምሕልን ተኣማንነት ሰነዳት ከረጋግጽን ዝተመዘዘ በዓል ስልጣን’ዩ”፣፣  ንኣገዳስነት ፓብሊክ ኖታሪ ኣመልኪቱ ድማ “ሕጋዊ ምትሕልላፍ ንብረት ክካየድን ዓዳጋይ ውሑስ ንብረት ክውንን እንተኾይኑ ብፓብሊክ ኖታሪ ክወዓዓል ኣለዎ”፣፣ እቲ ዝዕደግ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ሕጋውን ዘተኣማምንን ክኸውን ‘ፓብሊክ ኖታሪ’ ሕጋውን ሞራላውን ግዴታ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

ኣብ እዋን ፈደረሽን (1956) ዝተማሓየሸ ሕጊ ‘ፓብሊክ ኖታሪ’ ማለት ንመምዘኒ ብቕዓት፣ ንብዝሒ፣ ምስራዝ ፍቓድ ዝምልከት ሕጊ ወጺኡ ነይሩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ዘይበዝሓ ኣብያተ-ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪታት ኣብ ኣስመራ ብምዃን ናይ ምሉእ ኤርትራ ምትሕልላፍ ዘይንቀሳቐስ ንብረት የወዓዕሉ ነይሮም፣፣  ኣብያተ ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪን ካዳስተርን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግዜ ስርዓት ደርግ ምስ ምህጋር ‘ትርፊ ኣባይቲ’ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም ነይሩ’ዩ። ንሱ ድማ ኣብያተ-ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታርን ካዳስታርን ከም ዘየድልያ ተቖጺረን ሰነዳተን ክቃጸል ተወጢኑ ነይሩ እዩ፣፣ እንተኾነ፣ ሳላ ጻዕሪ ግዱሳት ኤርትራውያን ነዚ ናይ ምዕናው ሓደጋ ክሰግርዎ ክኢሎም እዮም፣፣

ድሕሪ ናጽነት ኣብያተ-ጽሕፈት ካዳስተርን ፓብሊክ ኖታርን  ዳግም ተወዲቦም ተበራቢሮም፣፣ ኣብያተ-ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ክሳብ ኣብ ታሕሳስ 1995 ንጥፈታተን ዝድስክል ኣብ ኣስመራ ኮይነን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገር ዝመጽእ ዝተሓላለፍ ንብረት እናወዓዓላ ክነጥፋ ዝጸንሓ ኮይነን፣ ካብ 1996 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዞባ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ዞባታት ግን ክሳብ ሕጂ ከም ዘይቆመ፣ እንተኾነ ንምቛሙ ይጽዓረሉ ከም ዘሎ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብሪሁ፣፣ ኣዚ ድማ ውሑስ ምትሕልላፍ ንብረት ንምርግጋጽን መንግስቲ ካብ ዝግበር ምትሕልላፍ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ግዜኡ ንምእካብን የኽእል፣፣

ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣስተምህሮኡ ብምቕጻል ኣብ 1997 ብቁ. 95/1997 ዝፍለጥ ኣዋጅ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝተኣወጀን ንቅድሚኡ ዝነበሩ ሕግታትን መምርሒታትን ምዝገባ ብምትካእ ንምዝገባ ግድነታዊ ከም ዝገበሮን ገሊጹ፣፣ እቲ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ምስ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ቤ/ጽ ካዳስተር ድማ ምስ’ዚ ኣዋጅ ተኣሳሲሩ ኣብ ወርሒ መስከረም 1999 ናብ ሚኒስትሪ መሬት፣ ማይን ኣከባብን ተወዲቡ፣፣  ኣዋጅ  ምዝገባ መሬትን ካልእ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ቁ.95/1997 ሹዱሽተ ዓበይቲ ዓንቀጻትን ዕስራን ሸሞንተን ንኡሳን ዓናቅጽን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ንቀንዲ ትሕዝቶ ኣዋጅ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ብከም’ዚ ዝስዕብ ጸሚቝ ኣቕሪብዎ፣-

እቲ ቤ/ጽሕፈት፣ ንኩሉ መሬትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተደኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ኣብ ልዕሊኡ ዝህሉ መሰላትን ግቡኣትን፣ ከምኡ’ውን ብመሸጣ፣ ብውርሻ፣ ብህያብ፣ ወይ ብካልእ ኣገባብ ንዝግበር ምትሕልላፍ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን፣ ንኩሉ መሰላት ጤሳ፣ ተጠቃምነት መሬት ሕርሻን ብክራይ ዝዕደልን መሬት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝርከብን ኣብ ኣገልግሎት ዘይወዓለ መሬት መንግስትን ንዝተፈጸመ ሕጋዊ እገዳ፣ ለውጢ ወይ ምትሕልላፍ ቀዋሚ ንብረት ኣብ እዋኑ ይምዝግብ። ስርዓተ-ምዝገባ መሬት ድማ ከከም ደረጃ ከባብን ምዕባለኡን ንኣቃውማን ዶባትን ቃጽዖታት ኣነጺሩ ዘርኢ ካርታ ወይ ንድፊ ካርታ ከምዝቐርብን ዝስነድን ይገብር። እቲ ስርዓተ ምዝገባ’ውን ሓደ ዝዓይነቱ፣ ብቀሊል ዝምስራሕ፣ ኣብ ሕጋዊ ምልክታ ቁጽሪ 31/1997 ኣገባብ ምርሒትን ኣመሓድራን መሬት ዝወጹ ቅጥዒታት መሰረት ብምግባር፣ ንመንነት በዓል መሰል፣ ንመግለጺ መሬትን ኣብ ልዕሊኡ ዝተደኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ዓይነት መሰልን ቀይድታቱን ደገፍቲ ሰነዳትን ከም ዘጠቓልል ገሊጹ፣፣ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ሃገራዊ መወከስን ውሕስነት መሰልን ዋንነትን ዘገልግል መጠን፣ መሰል ኣብ ልዕሊ መሬት ናይ ዝተደኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ናብ ስሞም ክመሓላለፈሎም ንዝደልዩ ሰባት ግቡእ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ኣኽፊሉ፣ እቲ ንብረት ቀይዲ ወይ እገዳ ምህላው፣ ወይ’ውን ናጻ ምዃን መረጋገጺ ሓበሬታ ይህብ። ዝኾነ መሬት ከኣ ብሕጊ ከይተመዝገበን ሕጋዊ መለለይ ቁጽሪ ከይተገብረሉን ከምዘይምራሕ፣ ድሕሪ ምርሒት ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተሃነጸ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከኣ ናይ ህንጻ ምስክር ብቕዓት ምስ ረኸበ ከም ዝምዝገብን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተደኮነን ዝተመዝገበን ቀዋሚ ንብረት ጥራይ ከም ትሕጃ ንልቓሕ ካብ ባንክ ከም ዘገልግል ገሊጹ።

ቀጺሉ፣ ኣቶ ሃብተሚካኤል ካዳስትራዊ ምዝገባ ዘለዎ ረብሓታት ዘርዚሩ፣፣ ንሳቶም ድማ ካዳስትራዊ ምዝገባ ርጉጽ ዋንነት ወይ ተጠቃምነት ንብረት ከም ዘውሕስ፣ ንቅልጡፍን ውሑስን ምስግጋር ንብረት ከም ዝሕግዝ፣ ግርጭት መሬት ከም ዘውሕድ (ፍሉጥ መዳውብቲ፣ ስፍሓት መሬት ወዘተ ስለዝገልጽ)፣ እዋናዊ ሓበሬታ ኩነታት ከም ዝሕብር (ንክዕድጉ ዝደልዩ ዓማዊል ዕዳ ባንክ፣ እገዳ ቤት-ፍርዲ ወዘተ ምህላው ወይ ናጻ ምዃን ይሕብር)፣ ንጹር ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ንምሕደራ መሬትን ሃብታን ዝሕግዝ ከም ዝህብ፣ዝተመዝገብ ዘይቀሳቐስ ንብረት’ውን ካብ ባንክ ልቓሕ ክትረክብ ኮነ ክትዋሓስ ከም ዘኽእል ገሊጹ። ብሓጺሩ ካዳስትራዊ ስርዓት መሰረት ውሑስ ምዕባለ ምዃኑ ኣብሪሁ፣፣ ኩሉ ከም ዝርድኦ መሬት ድሩት ስፍሓት እዩ ዘለዎ፣ ከምኡ ብምዃኑ ድማ መሬትን ሃብታን ብግቡእ ክመሓደር ክኽእል ኣለዎ፣፣ ምኽንያቱ፣ መሬት ብግቡእ ምስ ዝመሓደር ጥራይ እዩ መሰረት ውሑስ ናይ ማሕበረ-ቁጠባውን ኣከባብያውን ምዕባለ ዝኸውን’ ኢሉ፣፣ ‘ዘይመዝገብካዮ መሬት ብግቡእ ከተመሓድሮ ስለዘይትኽእል’ ብግቡእ ንክመሓደር ክምዝገብ ከም ዘለዎ፣ ስለ’ዚ ከኣ ኩሉ መሬት ብመሰል ተጠቃምነት ሕርሻ፣ ክራይ፣ መሰል ጢሳ ዝዕደልን፣ ካልእ ከም ሃገራዊ ፓርክ (ሕዛእቲ)፣ ታሪኻዊ ቦታትን ቅርስታትን፣ ሓጽቢታት ወዘተ ብግቡእ ክምዝገብ ከም ዘድሊ ገሊጹ፣፣ ብምቕጻል “ንሕና ካዳስትራዊ ስርዓት ንምህናጽ ኢና ንሰርሕ ዘለና ‘ምበር ንኩሉ ዘማልአ ፍጹም ካዳስትራዊ ስርዓት ከም ዘይቆመ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ኣቶ ሃብተሚካኤል ሃገር-ለኸ ሸፈነ ካዳስትራዊ ስርዓት ንምምዕባል ይስርሓሉ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ፣፣ ቤ/ጽ- ካዳስተር ትጽቢት ዝግበረሉ ዕማም ንኽፍጽም ራእይን ተልእኾን ኣነጺሩ ስርሑ የሰላስል ከም ዘሎ፣ ራእይኡ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ንኹሎም ዓማዊል ስሉጥን ቀሊልን ከም ዝኸውን ምግባር ክኸውን እንከሎ፣ ተልእኾኡ ድማ ምውሓስ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረትን መሰል ተጠቃምነት መሬትን ከም ዝኾነ ገሊጹ፣፣ ቀጺሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት ዋንነት ዘይቀሳቐስ ንብረትን መሰል ተጠቃምነት መሬት ዘረጋግጽ ብምኻኑ ኣብ መንጎ’ቲ ቤ/ጽሕፈትን ዓማዊል ተገልገልትን ምትእምማንን ዉሁድ ዝምድናን ምፍጣር ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣስሚርሉ፣፣ ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ብቀጻሊ ክስዓቡን ክዅስኮሱን ዘለዎም ክብሪታትን ባህርያትን፣ ከም ኣብ ስራሕ ብውድዓውነት ምምራሕ፣ እሙንን ስነ-ምግባራዊን ምዃን፣ ንዓማዊል ኣብ ምቕባል ትሕትና ምዝውታር፣ ባህሊ ምትሕብባር ምምዕባል (team- work)፣ ቅንዕናን ግሉጽነትን ምዝውታርን ኣድልዎ ዘይምግባርን ሞያዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ምጽዓርን ናይ ስራሕ ዲሲፕሊን ምኽባርን ዝኣመሰሉ ምዃኖም ኣብሪሁ፣፣

ንስራተጂ’ቲ ቤት ጽሕፈት ኣመልኪቱ ፖሊሲ ካዳስትራዊ ምዝገባ ንምትግባር ውድዓዊ ኩነታት ኣብ ግምት እናኣእተወ ደረጃ ብደረጃ ስትራተጂ ብምሕንጻጽን  መምርሒ ስራሕ ብምንጻር ከም ዝሰርሕን ኣብ ናይ ቀረባን ርሑቕን ስትራተጂ ድማ ነዚ ዝስዕብ ከም ዝኽተል ገሊጹ፣፣ ካዳስትራዊ ምዝገባ ዝተበገሰሉ ዕላማ ክዉን ክገብር ምዕቡል ዘመናዊ ካዳስተራዊ ስርዓት ንምህናጽ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ። ናይ ቀደም ሰነዳት (records) ናብ ዘመናዊ ኣተዓቓቕባ ንምቕያር ‘ብሶፍት ኮፒ’ ምስ ዲጂታል ዳታ በይዝ ከም ዝተኣሳሰር ምግባር፣ ኣወሃህባ መለለዪ ቍጽሪ ምዝገባ ንብረት ደረጃ ንምትሓዙ ኣብ ኣሰያይማ ዚፕ ኮድ ጆግራፍያዊ ኣከፋፍላ ብምምርኳስ ቀዋሚ መለለይ ንብረት ከም ዝህልዎ ምግባር፣ ቅጥዕታት ምዝገባ ኣብ መላእ ሃገር ደረጃ ዝሓለው ምዃኖም ምርግጋጽ፣ ናብ ዓማዊ ተገልገልቲ ቀሪብካ ንምምዝጋብ ኣብ ማእከላት ምምሕዳር ዞባታትን ዓበይቲ ከተማታትን ኣብያተ-ጽሕፈት ምኽፋት፣ ምሕያል ሞያዊ ሰብኣዊ ዓቕሚ፣ መረዳእታ ህዝቢ ብዛዕባ ረብሓታት ካዳስትራዊ ምዝገባ ምዕባይ፣ መስርሕ ምዝገባ ስሉጥን ቀሊልን ከም ዝኸውን ምግባር፣ ምትእትታውን ምጥቃምን ዘበናዊ ናይ ምዝገባ ተክኖሎጂ፣ ውሑስ ምዕባለ ካዳስትራዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ድማ ምስ መድረኽ ዝኸይድ ርትዓዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ምዝገባ ምትስላዕ ከም ዘድሊ ሓቢሩ፣፣DSC_0675 - Copy

ኣብ መስርሕ ካዳስትራዊ ምዝገባ፣ ብመሰረት ኣዋጅ ንኩሉ መሬትን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝተደኮነ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ንምምዝጋብ ዓቕሚ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ፣ ሕቶ ቀዳምነታት ስለ ዝመጽእ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን እዞም ዝስዕቡ ቦታታት፣ ማለት ምዝገባ መሬትን ህንጻታትን ኣብ ከተማታት፣ ምዝገባ መሬትን ህንጻታትን ኣብ ሓውሲ ከተማታትን ኣብ ከባቢ ከተማታት ዝተደኮና ዓዲታታን፣ ምዝገባ ንትካላትን ንግዳዊ ሕርሻን ዝተዓደለን ዝዕደልን መሬት፣ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ይስርሓሉ ከም ዘሎ ኣነጺሩ፣፣

“ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ሕጋዊ ተፈላጥነት’ዩ ዝህብ። ስለ’ዚ መሬት ብሕጊ ከይተመዝገብን ሕጋዊ መለልይ ቁጽሪ ከይተገብረሉን ኸኣ ኣይምራሕን” ዝበለ ኣቶ ሃብተሚካኤል  ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዝድለ ዕላምኡ ክሃርም ኣብ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ዘድልዩ ሰነዳት’ዩ ኣብሪሁ። ንሳቶም ኸኣ መጀመርያ ህንጻ ተሰሪሑ ምስ ተወድአ ክፍሊ ተክኒክ ምስክር ብቕዓት ህንጻ ሂብዎ ኣብ ዝምዝገበሉ እዋን ዘድልዩ ሰነዳት ከም “መሬት ምርሒት መሬት ወይ ውዕል ኣጠቓቕማ ክራይ መሬት፣ መስርሒ ፍቓድ፣ ህንጻ ድሕሪ ምስርሑ ብክፍሊ ተክኒክ ብፕላን ከም ዝተሰርሐ ዝተዋህቦ ሰነድ ብቕዓት ህንጻ   ምስተረጋገጸ ጥራይ ከም ዝምዝገብን  ምስክር ምዝገባ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወሃቦን፣፣ እቲ ህንጻ ወይ ገዛ ቅድሚ ናጻነት ዝተሰርሐ ምስ ዝኸውን ድማ ሊብሬቶ ኮምሽን ኣባይቲ ምህላው ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ፣፣ ከም መዘኻኸሪ’ውን ናይ ኮምሽን ኣባይቲ ሊብሬቶ ምህላው እኹል ከም ዘይኮነ፣ ኣብ ቤ/ጽ ካዳስተር ዘይተመዝገበ እንትኾይኑ ክምዝገብ ከም ዘለዎ ጠቒሱ፣፣ ምኽንያቱ ኮምሽን ኣባይቲ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣብ ዘጻርየሉ ዝነበረ እዋን እቲ ሰብ ሕጋውነት ኣለዎዶ የብሉን ንምርግጋጽ እምበር ብፕላን ምስርሑን ዘይምስርሑን ንምጽራይ ኣይነበረን፣፣ ስለ’ዚ ሊብረቶ ሒዙ ማለት ኣብ ቤ/ጽ- ካዳስተር ተመዝጊቡ ማለት ስለ ዘይኮነ፣ ዘይተመዝገበ ምስዝኸውን ናይ ህንጻ ቲክኒካዊ ብቕዓት ኣብ ክፍሊ ተክኒክ ኣረጋጊጹ ኣብ ቤ/ጽ ካዳስተር ከመዝግብን ምስክር ምዝገባ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረት ክሕዝን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ፣፣

ምዝገባ ግን ጠጠው ዘይብል መስርሕ ምዃኑ፣ ምኽንያቱ ዘይቀሳቐስ ንብረት ብዝተፈለለየ ኣገባብ ከም ብመሸጣ፣ ህያብ፣ ውርሻ፣ ካልእ ኣገባብ ከም ዝተሓላለፍ ኣረዲኡ፣፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፓብሊክ ኖታሪ ንምዝገባ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ዝሕተቱ መረጋገጺ ሰነዳት ድማ ከም ሰነድ ውዕል መሸጣ፣ ሰነድ ውርሻ ናይ ቤት ፍርዲ፣ ብህያብ እንተኾይኑ ሰነድ ህያብ ቤት ፍርዲ፣ ብምቅሊት እንተኾይኑ ሰነድ ሕጋዊ ምቅሊት፣ ትሕጃ ናይ ባንክ ወይ እገዳ ናይ ቤት ፍርዲ ምህላው ወይ ናጻ ምዃኑ፣ ናጻ ካብ ዕዳ ወይ እገዳ እንተተባሂሉ፣ ዝተሓደሰ ፕላን ክፍሊ ቴክኒክ ብምግባርን  ክፍሊት መተሓላላፊ ንብረት (9%) ከም ዝተኸፍሎ ብምርግጋጽን ከም ዝምዝገብ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብሪሁ፣፣ ብተወሳኺ፣ ዋና ንብረት ባዕሉ ምስ ዘይቀርብ ሕጋዊ ውክልና ስልጣን ከም ዘድሊ፣ ፍቓድ መጻምዲ/ቲ ከም ዝሕተት፣ ቅድሚ ናጽነት ዝተሰርሐ ምስ ዝኸውን ድማ ናይ ኮምሽን ኣባይቲ ሊብሬቶ ከም ዘድሊ ጠቒሱ፣፣ ኣብ እዋን ምድላው ምስክር ምዝገባ ዋንነት ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣብ ሰነድ ስሙ ከይተመዝገበ ዝጸንሐ መጻምዲ ስሙ ወይ ስማ ኣብ ምስክር ምዝገባ ዋንነት ንብረት ንኽኣቱ መረጋገጺ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ወይ ኣካል ምቕራብ ከም ዝሓትት ኣዘኻኺሩ፣፣

ቤ/ጽ ካዳስተር ዘሰላሰሎ ስርሓት ብዝምልከት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ብድምር 44,488 ንብረት ክምዝግብ እንከሎ ካብኡ 29,295 ቀዋሚ ንብረት፣ 6,366 ትሕጃን እገዳን፣ 8,827 ድማ ምስራዝ ትሕጃ የጠቓልል፣፣ ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ምዝገባ ንብረት ናብ ዘበናዊ ዲጂታል ኣገባብ ኣተዓቃቕባ ይቕይር ኣሎ፣፣ ኣወሃህባ መለለዪ ቍጽሪ ንብረት ኣብ ኣሰያይማ ዚፕ ኮድን ጀኦግራፍያዊ ኣከፋፍላን ሃገር ብምምርኳስ ቀዋሚ መለለዪ ንብረት ከም ዝህልዎ ገይሩ፣፣ ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብምምይያጥ ደረጃ ዝሓዙ ዝተፈላለዩ ቅጥዒታት/ፎርምታት ኣዳልዩ፣፣ ኣብ መጀመርታ ቀሊል ዳታ-በይዝ ኣተኣታትዩ፣ ቀጺሉ ዘበናዊ ዳታ በይዝ መስሪቱ ኣብ ምምዕባሉ ይርከብ፣፣ መምርሒ መደብ ስራሕን ዝርዝር መግለጺ መደብ ስራሕ ሰራሕተኛታትን በብእዋኑ ከመሓይሾ ጸኒሑ፣ ኣብ 2017 ‘ውን ኣሓዲሱ ኣቕሪቡ፣ ንመሬት፣ ካዳስትራዊ ስርዓትን ፓብሊክ ኖታሪን ዝምልከት ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጹሑፋት/ወረቓቕቲ ኣቕሪቡ፣ መወከሲ መምሃሪ ስልጠና ዝኸውን ጽሑፍ ኣዳልዩ፣፣ እቲ ዝጸንሐ ስማዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ዳግማይ ንምምሕያሹ’ውን እማመ ኣቕሪቡ፣፣ ካዳስትራዊ ንቕሓት ናይ ኣባላትን ተገልገልትን ክብ ንምባል ክነጥፍ ጸኒሑ፣፣ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ብዝሒ ኣባይቲ ንምፍላጥ’ውን መጽናዕቲ ብዝሒ ኣባይቲ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ኣብሪሁ፣፣

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣገዳስነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝተዋህበ መግለጺ ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ኣብሪሁ። ኣብ ኣዋጅ ምዝገባ ዘሎን ኩሉ በዓል ንብረት ንብረቱ ከመዝግብ ንምዝኽኻር ዝቐረበ ድኣ’ምበር ሓዱሽ ነገር ከም ዘይኮነ ኣነጺሩ፣፣ ነዚ ከብርህ ከሎ ድማ “መንግስታዊ ትካላት ከይተረፈ ንብረተን ከመዝግባ ከምዘለወን’ ኣዘኻኺሩ፣፣ እቲ ዝያዳ ኣተኵሮ ዝወሃቦን ገደብ ግዜ ናይ ሰለስተ ወርሒ ተገይርሉ ዝነበረን (ሕጂ’ውን ክሳብ ታሕሳስ 2017 ተናዊሑ ዘሎ) ኣብቲ ብውርሻ ወይ ብካልእ ኣገባብ ዝጥረ ምትሕልላፍ ቀዋሚ ንብረት ኣብ ቤት ጽሕፈት ካዳስተር ብስም ህልዋት ወነንቲ ዘይኮነስ ብስም መወትቲ፣ ማለት ብስም ነፍሲ-ሄራት ዝጽዋዕ ዘሎ ንብረት ናብ ህሉዋት ወነንቲ ክመሓላለፍ ከም ዘለዎ እዩ። ‘ኣብ ዝኾነ ሃገር ብመዋቲ እናተጸወዐ ዝቕጽል ንብረት የልቦን፣ ሕጋዊ መዕልቦ ይግበረሉ እዩ’ ብምባል ኣብሪሁ፣፣ ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ‘ራንድ’ ዘውጽእ ገዛ፣ ዘከራኽር ጉዳይ እንተዘይጋጢሙ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ናብ ሕጋውያን ወረስቲ ክሰጋገር ኣለዎ። ኣብ ኣሜሪካን እውሮጳን ካልእ ዓለማትን’ውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ኣብ ዝኾነ ሃገር ሕጋዊ ወራሲ ዘይተረኽቦ ንብረት ኣብ መወዳእታ ንብረት መንግስቲ እዩ ዝኸውን፣፣

ኣብ ኣዋጅ ምዝገባ ቍ/95/1997 እውን እንተኾነ “ኣብ እዋኑ ናብ ስሙ ከየተሓላልፈ ዝጸንሐ ናይ ክልተ ወርሒ ዕድል’ ከም ዝወሃቦ፣ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ገደብ ግዜ ምስ ዝሓልፍ በብወርሑ 20% ናይ ክፍሊት ኣገልግሎት ምዝገባ እናተወሰኾ ከም ዝኸይድ’ ኣቶ ሃብተሚካኤል ኣብሪሁ፣፣ ብሓፈሽኡ እቲ ዝኾነ ሰብ ንብረቱ ከመዝግብ ከም ዘለዎ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝተሓበረ መግለጺ ዝጸንሐ ኣዋጅ ምዃኑን ግድነታዊ ምዝገባ ንምትግባር ዝዓለመን ምዃኑ ኣነጺሩ። ኣብ መወዳእታ ኩሉ በዓል ንብረት ምዝገባ ንረብሓ ምዃኑ ተገንዚቡ ንብረቱ ከመዝግብ ከም ዘለዎ ጸዊዑ፣፣

ብድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ ኣዳራሽ ዳዕሮ ናብ ሕቶን መልስን ሰጊሮም።

  • መንግስታት ኣብ ካደስትራዊ ስራሕ ነናተን ድርኺት ኣለወን። ክፍሊት ስማዊ ምዃኑ ኣብ ግምት የእቲኻ ምዝገባ ንብረት ንረብሓ ዋና ጥራይ የምስሎ ግድነታዊ ምዝገባ እና ተባህለ ከምቲ ዝድለ ዘይምስጓምና እንታይ ትብል?

ኣቶ ሃብተሚካኤል፣ ምዝገባ ንብረት እንዳወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ፣ ኣብ ምምዕባል ዳታ በይዝ፣ ስርዓተ-ምዝገባን ኣተዓቓቕባ ንብረትን ጽቡቕ ስጉሚ ይርአ ከም ዘሎ፣ ዓቕሚ ኣባላት’ውን ካብቲ ኣብ 1999 ብሰለስተ ዝጀመረ ሎሚ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ካዳስተር (ኣስመራ) ጥራይ ከባቢ ሓምሳ ኣባላት ከም ዘለው፣ ብሓጺሩ ትካልዊ ሰረት ኣንጺፉ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ቀጺሉ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካዳስትራዊ ስርዓትና ምስ ናይ ዝማዕበላ ሃገራት ኤውሮጳ ምዕቡል ካዳስትራዊ ስርዓት ዝውንና ከም ጀርመን፣ ፊንላንድ፣ ሽወደን (ብፍላይ ናይ ሽወደን ካዳስትራዊ ስርዓት ኣብ መስመር ኢንተርነት ‘ኦን ላይን’ ዝርከብ) ዝኣመሰላ ከተወዳድሮ ዝሕሰብ ኣይኮነን፣፣ ቀስ ኢልካ ክብጻሕ ምዃኑ ግን ኣየጠራጥርን፣፣

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣስመራ ከይተረፈ ብዙሕ ዘይተመዝገበ ንብረት ከም ዘሎ፣ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከብ ንብረት ብምልኡ እንተዘይተመዝጊቡ ድማ ንምሕደራ ዘገልግል ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ንብረት ምሃብ ከም ዘይክኣል፣ ኣቐዲሙ’ውን ተገሊጹ ከም ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ህልዊ ዓቕሚ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ዝደረቶ ምዃኑ፣ ንምስጋሩ ግን ጻዕሪ ይካየደሉ ከም ዘሎ ኣብሪሁ፣፣ ካዳስትራዊ ምዝገባ ንረብሓ ወነቲ ንብረትን መንግስትን ምዃኑ ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ ንምሕደራ መሬትን ውሑስ ምዕባለን ሓጋዚ ምዃኑ ጠቒሱ፣፣ ክፍሊት ኣገልግሎት ምዝገባ ንምምሕያሽ’ውን እማመ ቀሪቡ ከም ዘሎ’ውን ሓቢሩ፣፣

  • ሃገር ለኸ ካዳስተር ክምዕብል እንታይ ክግበር ኣለዎ? ኣብ ምምዕባሉ ዘጋጠምኹም ጸገማት ኣለዉዶ? ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሓደ ንብረት ከመዝግብ ይኽእልዶ? ኣብ ዞባ ደቡብ ንዝርከብ ንብረትካ ኣብ ካልእ ዞባ ኮንካ ከተመዝግብ ይካኣልዶ?

ኣቶ ሃብተሚካኤል፣ ሃገር-ለኸ ሸፈነ ዘለዎ ካዳስትራዊ ስርዓት ንምምዕባል ዓቕሚ ቤት ጽሕፈት ካዳስተር ብሞያዊ ዓቕምን ንዋትን ክሕይል፣ ዓቕሚ ስርሓት ካርታን ካልኦት ምስቲ ቤት ጽሕፈት ተመላላኢ ስርሓት ዝፍጽማ ትካላትን ክዓቢ ከም ዘለዎ ኣብሪሁ፣፣ ኣስዒቡ ኣብ ዞባ ደቡብ ይኹን ካልእ ዞባ ዝርከብ ንብረት፣ ምዝገባ ሕጋዊ ተፈላጥነት ስለ ዝህብ ዋና ንብረት ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪሉ ኣቢሉ ከመዝግብ ጥራይ ከም ዝኽእል ኣብሪሁ፣፣ ብምቕጻል፣ እቲ ልዕሊ ሓደ ንብረት ምምዝጋብ ይክኣል’ዶ ንዝብል ሕቶ ዝኾነ ሰብ ዘለዎ ብዝሒ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከመዝግብ ጸገም የልቦን የመዝግብ’ውን ኣሎ፣፣ ‘ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ መንበሪ ጸገም ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ምርሒት መሬት ቀዳምነት ዝወሃቦ ነቶም መንበሪ ገዛ ዘየብሎም ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ’ ኢሉ፣፣ ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ብድሆታት ንምቅላል እቲ ኣብ ምዝገባ ምትሕልላፍ ዘይቀሳቐስ ንብረት ዝነበረ ምድግጋም ናይ መለለዪ ቍጽሪ ንብረት ምሃብ ከም ዝተወገደ፣ ኣብ ስርዓተ ምዝገባን ኣተዓቓቕባ ሰነዳትን ይኹን ምምዕባል ዳታ በይዝ ብዙሕ ተሰጕሙ ኣሎ፣፣  ንምሕያል’ቲ ቤት ጽሕፈትን ዞባዊ ጨናፍሩን ‘ውን ብዘይ ምሕላል ይስርሓሉ ከም ዘሎ ኣብሪሁ፣፣

  • ካብ መሬት ጤሳ ይኹን ካብ መሬት ከተማ ብዕድጊ ዝተጥርየ ኣባይቲ ምስ ኣዋጅ መሬት ዝገራጮ ኮይኑ ስለዝጸንሐ ምርመራ ተጌርሉ ብሓይሊ ዕማም ውሳኔ ተዋሂብሉ። መቕጻዕቲ ተቕጺዖም ዝዓደግዎ መሬት ብስም ዓዳጋይ ክምዝገበሉ ሓይሊ ዕማም ዝትወሰነሎም ዜጋታት እዚ ቤጽሕፈት ምዝገባ ንብረት ከመይ ይርእዮ?

ኣቶ ሃብተሚካኤል፣ እቲ ብውሳነ ሓይሊ ዕማም ጉዳይ መሬት መዕለቢ ረኺቡ ዘሎ ዘይሕጋዊ መሸጣ መሬት ንኽምዝገብ ብከመይ ይትሓዝ ዝብል ምምላሽ ኣድላዪ እዩ። ምዝገባና ምስ ኣዋጅ ምዝገባ ከም ዝቃዶን ንመጻኢ ንምምሕያሽ ምዝገባ ዘይዕንቅጽን ንካልእ ዘየድሊ ተግባራት ዝገትእን ወዘተ ምእንቲ ክኸውን፣ ውሳነ ሓይሊ ዕማም ዝረኸበ ቀዋሚ ንብረት ኣብ ቤ/ጽ – ካዳስተር ንኽምዝገብ ገለ ምትዕጽጻፍ ክግበር ኣድላዪ ስለ ዝኾነ፣ ነዚ መንግስቲ ሕድገታት ብምግባር ዝተወሰነሉ መቕጻዕቲ ከፊሉ ብስም ዓዳጊ ክምዝገብ ዝወሰኖ፣ ንዝቐረቡ ዘይምሉኣት ሰነዳት ኣብ ግምት ብምእታው ‘ግዝያዊ ምስክር ወረቐት’ ይወሃብ ከም ዘሎ፣ ኣብ ቀጻሊ ዝጎደሉ ሰነዳት ከም ብፕላን ምስርሑ ዘረጋግጽ (ብቕዓት ህንጻ) ናይ ክፍሊ ተክኒክ ሰነድ ምስ ተማልኡ ድማ ቀዋሚ ምስክር ምዝገባ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ክወሃቦ ምዃኑ መሊሱ፣፣ ኣብ’ዚ ብሩህ ክኸውን ዘለዎ ዝተሰርሐ ናይ ጢሳ ገዛ ምስ ዝዕደግ ግን ብመሰረት ኣዋጃት ሚኒስትሪ ፋይናንስን ምዝገባ ንብረትን ኣብ ርእሲ’ቲ ብጥሕሰት ኣዋጅ ዝኽፈል መቕጻዕቲ ናይ መተሓላለፊ ንብረት 9% ክኸፍል ከም ዘለዎ እዩ፣፣

  • ሰነድ ቀዋሚ ንብረት ዝህብ ኣብ ካልኦት ዞባታት ሃገርና ኣይጸንሐን። ምኽንያቱ ኸኣ ፓብሊክ ኖታሪ የለን። ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ንገለ መንግስታዊ ስራሕ ምስ ደለናዮ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዝህበና ምስክርን፣ ምርሒት መሬትን ጌርና ንሰርሕ ኣለና’ሞ ከመይ ይርአ?

ቤት ጽሕፈት ካዳስተር ይኹን ፓብሊክ ኖታሪ ካብ ዞባ ማእከል ወጻኢ ኣይጸንሑን። ህላወ ኣብያተ-ጽሕፈት ካዳስተር ኣብ ዞባታት ድሕሪ 2006 ዝመጸ እዩ፣፣ ሰነድ ትኽክል ቅዳሕ ቀዋሚ ንብረት ዝህብ ቤ/ጽ ካዳስተር እዩ፣ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ብዓብዩ ኣብ ማእከላይ ቦታ ብከፊል ድማ ኣብ ገለ ዞባታት ይህብ ከም ዘሎ፣ ካብ ዞባ ማእከል ወጻኢ ፓብሊክ ኖታሪ ስለ ዘየለ ግን ኣብያት ፍርዲ ዞባታት ውዕል መሸጣ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከምዘጽድቓ ይግበር ከም ዘሎ፣ ውርሻን ህያብን ግን ብቐንዱ ዕማም ቤትፍርዲ ስለዝኾነ ጸገም ከም ዘይብሉ፣ ፓብሊክ ኖታሪ ኣብ ዞባታት ንምቛም ዝጽዓረሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ፣ እቲ ንምዝገባ ንግዳዊ ሕርሻ ብኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዝውሃብ ዝበሃል ሰነዳት ውዕል ክራይ ኣጠቓቕማ መሬትን ብግቡእ ምቕያሱ ዝሕብር ካርታን እንተኣማሊኡ ንምዝገባ ብቑዕ እዩ፣ ብምባል ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበ ሕቶታት መልሲ ሂቡ፣ በዚ ድማ እቲ ናይ ዘተን ሰሚናርን ምሸት ተዛዚሙ።

(Visited 144 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons