ንፉዓት ጸሓፍቲ ክትኰኑ ትደልዩዶ?

“ሓደ ምሉእ ሓሳብ ዘየድሊ ቃላት ኪህልዎ የብሉን። ኣብ ሓደ ሕጡበ ጽሑፍ እውን ዘየድልዩ ምሉኣት ሓሳባት ኪኣትዉ ኣይግባእን። ምኽንያቱ፣ ኣብ ሓደ ስእሊ ዘየድሊ መስመር ኣይኣቱን’ዩ፤ ሓደ ማሽን’ውን ዘየድሊ ክፋላት ኣይውሰኾን’ዩ። እዚ ማለት ግና ሓደ ጸሓፋይ ናይ ግድን ጽሑፉ ከሕጽር ኣለዎ ወይ’ውን ዝርዝራት ከብዝሕ የብሉን ማለት ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ቃል ክትዛረብን መልእኽቲ ከተመሓላልፍን ኣለዋ ንማለት’ዩ።”
እዚ ካብታ ብስትራንክን ዋይትን እተዳለወት “The Elements of Style” እትብል መጽሓፍ እተወስደ እዩ።
እቶም ቀንዲ መሳርሒ ናይ ሓደ ጸሓፋይ፤ ቃላት፣ ቃላት፣ ቃላት እዮም። ጸሓፋይ ብቓላት ገይሩ ስእሊ ይፈጥር። ብቓላት ገይሩ፣ ፍቕሪ ኾነ ጽልኢ፣ ፍርሒ ድዩ ቅንኢ፣ ብሓፈሻ ኩሉ ዓይነታት ስምዒት ይገልጽ።
ንፉዕ ጸሓፋይ ብጽሑፉ ገይሩ ንኣንባቢ ሽታ ከም ዜስተማቕር፣ ብመልሓሱ ከም ዚጥዕም፣ ከም ዚሰምዕ ከምኡ’ውን ከም ዚርኢ ኪገብሮ ይኽእል። እዚ ኹሉ ድማ ብሓይሊ ቓላት እዩ ዝትግብሮ። ስለዚ ሓደ ጸሓፋይ ሰሓቢ ጽሑፍ ንምድላው ነቲ ዝጽሕፈሉ ዘሎ ቛንቋ ብግቡእ ዝፈልጦ ኪኸውን ይግባእ። ናይ ቃላት ማዕከን ፍልጠቱ ድማ ብቐጻሊ ኪዅስኵሶ የድሊ።
ሓደ ጸሓፋይ ንፉዕ እንተኾይኑ፣ ጽሑፉ ከይሰልቸወካ ብህንጡይነት ከም እትውድኦ ይገብረካ። ኣዝዩ ንፉዕ እንተ ኾይኑ ድማ ጽሑፉ ኣንቢብካ ምስ ኣቐመጥካዮ’ውን ንነዊሕ እዋን ካብ ኣእምሮኻ ኣይሃስስን። እቶም ፍሉይ ክእለትን ተውህቦን ዝተዓደሉ ጸሓፍቲ ድማ ብጽሑፎም ገይሮም ንሂወት ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኰኑ፣ ንመነባብሮ ሓፋሽን ኣካይዳ ዓለምን የማእዝኑን ይቕይሩን። ሕጂ’ውን እዚ ኹሉ ብሓይሊ ብርዕን ቃላትን እዮም ዘተግብሩዎ። እዚ ኹሉ ሓይሊ ግና ካብ ምንታይ’ዩ ዚመጽእ?
ሓደ ናይ ብሓቂ ጸሓፋይ ነቲ ኣብ ውሽጡ ኾይኑ ዚህውኾ ሓሳብ ብትብዓት እዩ ዝጽሕፎ። ክጽሕፍ ከሎ ኸኣ ንሓሳባቱ ደኣ ይእዘዝ እምበር “እከለ ከይኵሪ…፣ ዓሻ ከይብሃል….” ዚብል ስክፍታ ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ የብሉን። ጸሓፋይ ፈቃርን ጨካንን እዩ።
ንፉዕ ጸሓፋይ ንኽትከውን፤ ግዜ፣ ዓቕልን ቀጻሊ ልምምድን የድሊ። ዝበዝሕ እዋን ጸሓፍቲ ብሕት ዝበለ ቦታ ይመርጹ። ስለዚ ዕድል እንተረኺብካ ካብ ረበሻ ናጻ ዝኾነ ቦታ ኣናዲ። ናውቲ ጽሕፈትካ ኣዋዲድካ ድማ ንኽትጽሕፍ ድሉው ኩን። ኩሉ ግዜ ኣይኰነን ንኽትጽሕፍ ባህ ዝብለካ። ባህ ኣብ ዝበለካ እዋን ግና ንኽትጽሕፍ ክትወላወል የብልካን።

  • እዞም ዚስዕቡ፣ ጽቡቕ ጽሕፈት ንኸተዳሉ ካብ ዚሕግዙ ረቓሒታት ገለ እዮም፣-
  • ኣብ ዝጠዓመካ ኩሉ ግዜ ጸሓፍ። ናይ ግድን ዓቢ ጽሑፍ ዘይኰነ፣ መዓልታዊ ሓደ ሕጡበ ጽሑፍ፣ ወይ’ውን ገለ ሓረጋት እንተ ጽሒፍካ’ውን ሓጋዚ እዩ። ንኣሽቱ ጽሑፋት እዮም ተደማሚሮም ዓቢ ጽሑፍ ዝኾኑ።
  • ንፉዕ ኣንባቢ ኹን። ባህ ዝብለካ ጽሑፍ’ሞ ኣለሊ፣ ናይ ቅድም ኮነ እዋናዊ ጽሑፋት ብቐጻሊ ኣንብብ። ፈጺምካ ዘይትፈልጦም ሓሳባት ወይ ቃላት እንተረኺብካ መዝግቦም። መወከሲታት ተጠቒምካ ድማ ትርጉሞም ክትፈልጥ ጸዓር።
  • ኣብ ቃላት ዘሎካ ኣፍልጦ ኣዕቢ። ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ ዝኾነ ጽሑፍ ብቓላት እዩ ዝዳሎ። እቲ ብዙሕ ቓላት ዝፈልጥ፣ ሓሳባቱ ከይተጸገመ ይገልጽን ይጽሕፍን። ስለዚ ካብ መዝገበ ቓላት ኮነ ሰባት እናተወከስካ ኣብ ቓላት ዘሎካ ኣፍልጦ ብቐጻሊ ንከተዕቢ ጸዓር።
  • ቅድሚ ጽሑፍ ምጅማርካ፣ እቲ ክትጽሕፎ ሓሲብካ ዘለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ኣሰላስሎ። ክትጽሕፍ ከሎኻ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ እናኣረምካ ክትከይድ ኣይትፈትን። ከምዚ ምግባር ንናይ ምጽሓፍ ክእለትካ ከግዱሞን ከሰልችወካን ይኽእል’ዩ። ኣብ ክንዳኡ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጻካ ገለ ሕጡበ ጽሑፋት (Paragraphs) ጸሓፍ።
  • መጽናዕቲ ግበር። ፈጠራዊ ይኹን ሓቀኛ ጽሑፍ ከተዳሉ ምስ እትሓስብ፣ ብዛዕባ’ቲ ክትጽሕፈሉ ሓሲብካ ዘለኻ ኩርናዕ እኹል መጽናዕቲ ከተካይድ ይግባእ። ከምዚ ምግባር፣ ብዓቢኡ ሓበሬታኻ ወድዓውን ዓሚቝን ንኪኸውን ይሕግዝ። እቲ ዘድልየካ ሓበሬታ፣ ካብ መጻሕፍቲ፣ መምህራንካ፣ ኢንተርነት፣ መራኸቢ ብዙሃን… ክትረኽቦ ትኽእል።
  • ኣብ መወዳእታ ድማ ጽሑፍካ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ዚምልስ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ንምንታይ ኢኻ ትጽሕፍ ዘለኻ? እንታይ ኢኻ ትጽሕፍ ዘለኻ? ነየናይ እዋን ዝኸውን ጽሑፍ እዩ? ጽሑፍካ ምስ ወዳእካኸ እንታይ ኢኻ ክትገብሮ? ወዘተ….

ጀማሪ ጸሓፊ ጽልዋ ናይ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ኪህሉዎ ይኽእል’ዩ። ናቱ ቅዲ ክሳብ ዜማዕብል ድማ ብጽሑፋቶም እናተመርሐ ኪኸይድ ይኽእል’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግና ኣብ ስነ-ጽሑፍ “ፍጹም ሕጊ” ዝብሃል ነገር የልቦን። ሸክስፒር ሰብ ደኣ’ምበር መልኣኽ ኣይነበረን። ንጽሑፋቱ ድማ ከተድንቖ፣ ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ከምኡ ጸላዊ ንኽትከውን ክትጽዕር ደኣ ይግባእ እምበር፣ ከተምልኾን “ከምኡ ዝኣመሰለ ጸሓፋይ ኣይፍጠርን’ዩ” ክትብልን ኣይግባእን። ምኽንያቱ፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓዳስ’ያ። መስተውዓሊ ጸሓፋይ እንተ ረኺባ ድማ ንባዕላ እታ መዓልቲ ውቅብቲ ዛንታ እያ።
“እቲ ናይ ብሓቂ ጸሓፋይ…” ይብል ኤርነስት ገይንስ፣ “እቲ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ክብሎ ኣሎዎ። እቲ ዚብሎ ምናልባት ካብ መዛኖኡ ወይ ካብ ስድራ ቤቱ ኪንጽሎ ይኽእል ይኸውን። ምናልባት’ውን ካብ መሬቱ ኬባርሮ ይኽእል። እዚ ኹሉ ግና ካብቲ “ቅኑዕ’ዩ” ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ኣየሰናኽሎን’ዩ። እቶም ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዘሎዎም ጸሓፍቲ ድማ’ዮም ለውጢ ዘምጽኡ። እምበር እቲ እናፈርሀ ዚጽሕፍ ንነብሱ ኣይነብር፣ ንህዝቢ ኣይነብር። ምኽንያቱ፤ ነብሱ፣ ሓሳቡ ኪገልጽ ዓቕሚ ወይ ትብዓት ስለ ዝጐድሎ ትኽዕቦ። ህዝቢ ድማ ትርግታ ልቡ ስለ ዘየንበበሉ ይፍንፍኖ።

(Visited 78 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons