ትልሂት ዓድና ከመይ ኣሎ?

ግርማይ ኣብርሃም

“ሰብ ምስ ባህሉን መንነቱን ጥራይ’ዩ ክላገብ ዝኽእል” ስነ-ጥበበኛ ካሕሳይ ገብረሂወት

ዝሓለፈ 21 መስከረም 2017፡ ኣዳራሽ ጁንየር ከምቲ ልሙድ መድረኽ ስነ-ጥበብ ኰይኑ’ዩ ኣምስዩ። ትልሂትን እንታይነቱን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ርድኢትን ኣሰራርሓኡን ኣመልኪቱ፡ ስነ-ጥበበኛ ካሕሳይ ገብረሂወት ዘለዎ ፍልጠትን ሓሳብን ኣካፊሉ። እቲ ብስላይድ ሸው ተሰንዩ ዝቐረበ ኣስተምህሮ፡ ብትልሂት ጕጅለ ባህሊ ዋሪን ተሳተፍትን ማሚቑ ኣምስዩ።

ትልሂት፡ ውሽጣዊ ስምዒት ዝገልጽ ናይ ምንቅስቓስ ወይ ኣካላዊ ቋንቋ ጥበብ ምዃኑ ዘብርሀ ኣቶ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ ስምዒት ሓጐስ፡ ሓዘን፡ ፍርሒ፡ ቍጠዐ ሓቚፉ ኣብ ኣርባዕተ ቀንዲ ነጥብታት ከም ዝኽፈል ገሊጹ። ስምዒት ብዘይካ’ዚ ላንጋ-ላንጋ ወይ’ውን ሕውስዋስ ናይዚኦም ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን ኣተንቢሁ።

ትልሂት በዚ እዋን’ዚ ጀሚሩ ክበሃል ኣጸጋሚ’ኳ እንተዀነ፡ ካብቶም ወዲ ሰብ ፍጥር ክብል ዝመሃዞም ጥበባት ምዃኖም ኣብ ታሪኽ ከም ዝንገር ዝገለጸ ኣቶ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ ቅድሚ ቋንቋ ምምሃዙ ሰብ፡ ብትልሂት ገይሩ ሓሳባቱ ይገልጽ ምንባሩ ሓቢሩ። “ኣብ ፍልማዊ ታሪኽ፡ ጥንታዊ ወዲ ሰብ ብሃድን ይናበር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንትልሂት ከም መዘንተዊ ይጥቀመሉ ነይሩ። እዚ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝተዀስኰሰ ባህሊ ዀይኑ፡ ጸኒሑ ስነ-ጥበብ ተኣታትዩ። ስነ-ጥበብ ከኣ ሓደ ካብ መግለጺታት ባህሊ’ዩ። ትልሂት ከኣ ሓደ ክፋል ስነ-ጥበብ’ዩ። ስለዚ ባህሊ ምስ መጸ ባህላዊ ሳዕስዒት ዝበሃል መጺኡ።”

ኣህዛብ ነናቶም ባህሊ ምስ ኰስኰሱ ኸኣ ትልሂት ከም መግለጺ መንነቶም ክኸውን ከም ዝኸኣለ ዝሓበረ ኣቶ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ ካብዚ ተበጊስና ያታዊ ወይ ባህላዊ ትልሂት ከም እንብል ይገልጽ። “ብኸምዚ መገዲ ደረጃታት ትልሂት ዓብዩ። ቀዳማይ ጥንታዊ ሳዕስዒት (primitive dance)፡ ካልኣይ ያታዊ ሳዕስዒት (traditional dance)፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ክላሲካዊ ሳዕስዒት (classical dance) ይበሃል።”

ኣብ 15 ክፍለ-ዘመን፡ ክኢላታት ትልሂት ምስ መጹ ያታዊ ትልሂት ከም መበገሲ ገይሮም ሓደ መልክዕ ከትሕዝዎ ክኢሎም ዝበለ ኣቶ ካሕሳይ፡ እንተዀነ፡ እዚ ክላሲካዊ ዝበሃል ሳዕስዒት’ዚ ቀይዲታት ዝበዝሖን ኣሰልካዪን ምስ ኰነ፡ ኣብ 19 ክፍለ-ዘመን ዘመናዊ ትልሂት ዝበሃል መጺኡ ኢሉ። ከም በዓል ሳምባቻቻ፡ ብሬክ ዳንስን ሂፕሆፕን ከም ኣብነት ክጥቀሱ ከም ዝኽእሉ ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ቅዲ ኮንቴምፖራሪ ዳንስ ከም ዝተቐልቀለ ኣብሪሁ። “ብዙሓት ዓይነት ሂፕሆፕ ዝሓቘፈ ቅዲ’ዩ። ነዚ ዅሉ ሓቚፉ ዝሕዝ ኮርዮግራፊ ዝበሃል ሞያ ግን ኣሎ። ኮርዮግራፊ ጽሑፍ ናይ ትልሂት ማለት’ዩ። ስነ-ጽሑፍ ብቓላት፡ ስእሊ ኸኣ ብሕብርታት ይቐውም። ኪርዮግራፊ ኸኣ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ሰብ ይግለጽ።”

ኣብ ሃገርና ምስ እንመጽእ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከባቢ 200 ትልሂታት ብስእሊ ተሰኒዱ ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ እዚ 200 ዝበጽሕ ያታዊ ትልሂታት’ዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ ህላወ ነይሩዎ ክበሃል ከም ዘይከኣል ገሊጹ። ኣብ እዋን ሓርነት ንምዕቃቡ ዝተወስደ ሓያልን ኣተባባዕን ተበግሶን፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ’ኳ ብዞባታት ሓያል ነጸብራቕ ምስ ተራእየን ከኣ ንመንእሰያትና ክጸሉ ግዜ ከም ዘይወሰደሉ ኣቶ ካሕሳይ ሓቢሩ። “ንሕበነሉ ያታዊ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡” ድማ ኢሉ። “ጐደሎ 15 ዝኸውን ትልሂት ዘለወን ብሄራት የብልናን። ኣብ ከም በዓል ናራን ኩናማን ከኣ ክሳብ 70-80 ዝበጽሕ ትልሂት ኣሎ።”

ያታዊ ባህሊ ኤርትራ ብመልክዕ ዳንስ ኣካዳሚ ቈይሙ ክንመሃረሉ ዘይምኽኣልና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጸ ስነ-ጥበበኛ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ ካብ ፈስቲቫላት ካብ ዝተራእየ ተበጊስካ ገለ ስርሓት ይፍተን እኳ እንተሎ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ክሊፓት ይኹን ኣብ ናይ ዞባታት ምርኢት ዋላ’ውን ኣብ ሃገራዊ በዓላትና መበቈሎም ዝሰሓቱ ትልሂታት እናዓብለሉና ይመጽኡ ከም ዘለዉ መስኪሩ። ውዕዉዕ ዝዀነ ምርኢት ንምቕራብ ተባሂሉ ዝግበር ክኸውን ዝኽእል’ኳ እንተዀነ፡ መንነት ያታዊ ባህልና ከይፈሓቝ ክንሰርሓሉ ዘለና ግዜ ሕጂ ምዃኑ ሓቢሩ። “ሕጂ እንተዘንጊዕና ደሓር ንደቅና ክንእርም ወይ ክንምህር 30-40 ዓመት’ውን ኣይኣኽለናን’ዩ። ነዚ ንምትግባር ዋላ’ውን ብንኡስ መጠን ይኹን ትምህርቲ ናይ ኣሰልጠንትን ሳዕሳዕቲን ክህሉ ጽቡቕ’ዩ፡” ድማ ኢሉ።

ኣስዒቡ ኣቶ ካሕሳይ፡ ሓደ ዳይረክተር ትልሂት ከማልኦም ዘለዎ ሓሙሽተ ነጥብታት ዘርዚሩ። ኣሰራርዓ፡ ሓሳባዊ ስእሊ፡ ምንቅስቓስ፡ ህርመትን ድምጺ ኣልቦ ድራማዊ ትልሂትን ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ብክልሰ-ሓሳብን ተመኵሮን ክጸፉ ዘለዎም ምዃኖም ኣስሚሩሉ። “በዚ መገዲ’ዚ ንያታዊ ትልሂታትና ዘመናውነት ብምልባስ ብደረጃ ዓለም ፍቱዋትን ፍሉጣትን ክንገብሮም ንኽእል ኢና፡” ዝበለ ኣቶ ካሕሳይ፡ ከምቲ ኣብ ዓዲ ወይ ኣብ ገጠር ዝግበር ብዘይ ለውጢ ይኺድ ክበሃል ከም ዘይከኣል፡ እንተዀነ፡ መበቈላዊ ቅርጺን መበቈላዊ ትሕዝቶን ናይቲ ሳዕስዒት ክዘባረቕ ከም ዘይብሉ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወዳእታ ስነ-ጥበበኛ ካሕሳይ ገብረሂወት፡ “ዝዀነ ኣብዚ ሞያ’ዚ ዝነጥፍ ሰብ፡ ኣብ ያታዊ ትልሂት ናይ ኩለን ብሄራትና ጽጹይ መጽናዕቲ ክገብር፡ ስልጠና ክወስድን ንያታዊ ትልሂታትና ብስነ-ፍልጠታዊን ሚዛናዊን መገዲ ክዕቅቦን ከዕብዮን ኣለዎ፡” ኢሉ።

ድሕሪ’ዚ መብርሂ’ዚ፡ መድረኽ ንሕቶን ርእይቶን ናብ ተሳተፍቲ’ዩ ተገዲፉ።DSC_0048 - Copy

ሕቶ፤ ኣቐድም ኣቢልካ ከም ዝገለጽካዮ፡ ዛጊት ክሳብ 200 ዝዀኑ ያታዊ ትልሂታት ተለልዮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዝስራሕ ዘሎ ትልሂት ብመንጽር እዞም ያታዊ ትልሂታት ከመይ ትርእዮ፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ይዕቀቡ ዘይኰኑ ይፈሓቑ ኣለዉ። ኣብ ሃገራውያን በዓላትና ይዂን ክሊፓትና ዝረአ ዘሎ ኩዳ ትግርኛ ከም ኣብነት እንተ ወሲድና፡ መዓስ’ዩ ሓረስታይ፡ “ይሓርስ ኣለኹ፡ ደበናይ እና’መዓደኹ፡” ዝብል፧ ኣብ ግንቦተ-ሰነ’ዩ። ሽዑ’ዩ ደበናን ማሕረስን ዝኸውን። እዞም ንርእዮም ዘለና ተላሃይቲ ግን ናይ ቀውዒ ትልሂት እዮም ዘርእዩና ዘለዉ። ስለዚ፡ ተሰማሚዑዶ ኣይተሰማምዐን፧ ኣይተሰማምዐን። ነዚ’ዩ ኸኣ እቲ መጽናዕቲ ዘድልዮ። እቲ ደርፊ መዓስ ይድረፍ፧ ምስኡ ዝኸይድ ምንቅስቓስ’ከ ከመይ ክመስል ኣለዎ ከተጽንዕ ኣለካ። ጻህያይ ናይ ጻህያይ፡ ማሕረስ ናይ ማሕረስ፡ ዓውዲ ኸኣ ናይ ዓውዲ ትልሂት ኣለዎ። መንእሰያትና እምበኣር፡ ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዘይተመርኰሰ ትልሂት ዳግመ-ግምት ክገብሩሉ ይግባእ።

ሳምሶን ዘርኣጽዮን፤ ትልሂት መግለጺ ስምዒት’ዩ እንተ ደኣ ንብሎ ሃሊና፡ እቲ ንዕዘቦ ዘለና ትልሂትና ብሓቂ ንስምዒትና የንጸባርቕ ድዩ ኣየንጸባርቕን የጠራጥር’ዩ ብርእይቶይ። ኣብቶም ኣለዉና ዝበልካዮም 200 ዝኣኽሉ ያታዊ ትልሂታት፡ ነቶም ኣርባዕተ ስምዒታት ሓጐስ፡ ቍጠዐ፡ ሕርቃን፡ ብኽያት ብልክዕ ዝገልጹ ኣለዉናዶ፧ ካልአይቲ ሕቶ፡ እዚ ኣብ ትልሂታትና ዝረአ ኣከዳድና ምስ ትልሂት እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ፧

መልሲ፤ ነተን ኣርባዕተ ስምዒታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዝሓለፈን ዘሎን ታሪኽና ብግቡእ ዝገልጽ ትልሂት’ውን ኣለና። ብተወሳኺ፡ 200 ያታዊ ትልሂት ክንብል ከለና ኣፈናዊ መጽናዕቲ እምበር፡ መወዳእታ ኣይኰነን። እዚ ይዂን’ምበር እዚ ተረኺቡ ዘሎ 200 ያታዊ ትልሂታትና ንኹሉ እንተናና ክገልጽ ዓቕሚ ዘለዎ ትልሂታት’ዩ።

ኣከዳድና መግለጺ መንነት’ዩ። ምስ ትልሂት ተዛሚዱ ኸኣ ይኸይድ። ምስቲ ሳዕስዒት ከኣ ተዛሚዱ ክኸይድ ኣለዎ። ሳዕስዒትን ኣከዳድናን ዕቱብ ቈላሕታ’ዩ ዘድልዮ። ምስ መልእኽቲ ናይቲ ደርፊ’ውን ክሳነ ኣለዎ። እቲ ንርእዮ ኣከዳድና ኩሉ ሕማቕ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ግን ጌጋ ኣከዳድና ይረአ’ዩ። ኩዳ ናይ ትግርኛ እንተ ርኢና ምስ ሓበን፡ ኵርዓት፡ ምትእስሳር ምስ መሬት ዝኸይድ ዓይነት ትልሂት’ዩ። እቲ ከበሮ ካብ ዕንጸይቲ ክስራሕ ከሎ ንሕርሻ’ዩ ዝውክል። እቲ ዝህረም ካብ ቈርበት ዝስራሕ ከበሮ ኸኣ ንእንስሳ ይውክል። ሰብ ከኣ ኣሎ፣ ወኑ፡ ስምዒቱን መንነቱን ይገልጽ። ሳዕስዒት ብዘይ ኣልባሳት እንተ ቐሪቡ ንባዕሉ ሕማቕ ስእሊ ናይ ህዝቢ’ዩ ዝህብ።

ሕቶ፡ ሳሙኤል ገብረብርሃን፤ ኣብ መንጎ ሳዕስዒትን ትልሂትን ፍልልይ ኣሎዶ፧ ብመሰረት ዝገበርኩምዎ መጽናዕቲ፡ ናይዚ እዋን’ዚ ክሊፕ ከመይ’ዩ ዝግምገም፧

መልሲ፤ ሳዕስዒትን ትልሂትን ናይ ትርጒም ፍልልይ የብሉን። ብእንግሊዝኛ ዳንስ ይበሃል፣ ብዓረብኛ ኣልረቕስ ይበሃል፣ ብትግርኛ ሳዕስዒት ወይ ትልሂት ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ኩዳ ህዝቢ ትግርኛ ሓደ ክልተ ጥራይ ዘይኰነ፡ ልዕሊ 15 ዝኸውን ትልሂታት ወይ ምድባት ናይ ትልሂት ኣለዎ። ነዚኦም ኣጽኒዕና ኣብ ክሊፓት ከነእትዎም ዝግብኣና፡ ጥፍዕ-ጥፍዕ እና’በልና ነቕርቦም ስለ ዘለና፡ ተዓዛባይ ይቕበለና የለን። እዚ ገምጋም’ዚ ናተይ ጥራይ ዘይኰነ ናይ ብዙሓት’ዩ። ቅቡል’ዩ ኸኣ።

ስታዝ መሓመድዑስማን፤ ትልሂት ካብ 90ታት’ዩ ጀሚሩ። ቅድሚኡ ግን እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ትልሂት ያታዊ’ዩ ነይሩ። ብናተይ ርእይቶ እታ ኣነ ቀዳመይቲ ዝብላ እታ ብስብሪት ብሲዲ ዝተዘርግሐት ትልሂት’ያ። ብድሕሪኡ ብዓይኒ ትልሂት ርኢኻ ተሰሪሑ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ብዙሕ ጌጋታት’ዩ ዘሎ። ካብዚ ንርእዮ ዘለና ከም ኣብነት እንተ ወሲድና፡ እቲ ሰረት ተሳሒቱ ኣሎ። ቀንዲ ሰረት ናይ ትግርኛ ሳዕስዒት ክቢ’ዩ። ክቢ ኸኣ ጠፊኡ። ክቢ እንተ ጠፊኡ ኸኣ ኩሉ’ቲ ወግዒ ጠፊኡ’ሎ ማለት’ዩ። መኣድና ክቢ’ያ። ሳዕስዒትና ክቢ’ዩ። ግርጭት እንተ ተላዒሉ ብክቢ’ዩ ዝፍታሕ። እዚ ኸኣ ናቱ መልእኽቲ ኣለዎ። ክቢ ኣብ ብሄረ ትግረ፡ ብሌንን ትግርኛን ቀንዲ ትልሂት’ዩ። እዚ እናጠፍአ፡ ኣብ ክንዲ ሳዕስዒት ምኻድ’ዩ መጺኡ ዘሎ። ምኻድን ሳዕስዒትን ከኣ በበይኑ’ዩ። ወኒ ኣብ መበቈልካ’ዩ ዝርከብ።

ካልእ’ውን ምትሕውዋስ ኣሎ። ናይ ሓዘንን ሓጐስን ብሓደ፡ ሶምያን ሸሊላን ብሓደ ይቐርብ ኣሎ። ሸሊል ኣብ ትግርኛ መጺኡ። ምስ ትልሂት ዘይከይድ ኣከዳድና ተራእዩ። መን’ዩ ዋና ናይዚ ጕዳይ፧ ብኸምዚ ዘለዎ እንተ ቐጺሉ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ሓንቲ ኣይክህልወናን’ዩ። ስለዚ ተራ ማሕበር መንእሰያት ኣገዳሲ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኤፍረም ሃብተጽዮን፤ ሳዕስዒት ወይ ትልሂት መግለጺ ባህሊ’ዩ። ባህሊ ኸኣ ቀዋሚ ኣይኰነን። ምስ ግዜ ተለዋጢ’ዩ። ነዞም ዘለዉ መንእሰያት ናይ ግድን ኩዳ ሳዕስዑ ክንብሎም ንኽእል ዲና፧ እቲ ግዜ፡ ግዜ ኩዳ ድዩ፧ ስታዝ መሓመድስዒድ መኣዲ ክብል ሰሚዐዮ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መኣዲ ናብ ቢያቲ ተቐይራ እያ። ስለዚ መርገጺና ዓቃባዊ ድዩ ዘሎ ወይስ እቲ ለውጢ መስርሑ ስለ ዘይሓለወ እዩ እቲ ስክፍታ፧ ባህሊ ግድን’ዩ ዝልወጥ። ንኣብነት፡ ባህሊ ናይ ቀደም ኣመሪካውያን ከምዚ ሕጂ ንርእዮ ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ መነባብሮኦም ተቐይሩ’ዩ። ሳዕስዒት ከኣ ምስ መነባብሮን ባህሊን ዝኸይድ ይመስለኒ። ኣብ ዓውድን ማሕረስን ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ምስኡ ዝኸይድ ያታ የካይድ። ሕጂ፡ እቲ ሳዕስዒት ንባዕሉ መግለጺ ኣነባብራ ዘይኰነስ ርእሱ ዝኸኣለ ሞያ ኰይኑ’ዩ። ኣነባብራና ኸኣ ተቐይሩ’ዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ስለዚ፡ ባህልና ብእኡ መንጽር ናይ ግድን ክቕየር’ዩ። ሕጂ፡ እቲ ለውጢ ድዩ ከሰክፈና ዘለዎ ወይስ ስርዓቱን መስርሑን ስለ ዘይሓለወ’ዩ፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ብርግጽ ባህሊ ይቕየር’ዩ። ግን ከመይ ኢሉ’ዩ ዝቕየር፧ መስርሕ’ዩ። እንተዀነ፡ እቲ መሰረታዊ ባህሊ ደቂ ሰብ ኣይቅየርን’ዩ። ማሕረስ ብብዕራይ ነይሩ ናብ ትራክተር ይቕየር። እዚ ኸኣ ብዘገምታ ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ዝመጸ’ዩ። ኣብ ዓሰርተ-ዕስራ ዓመት ባህሊ ይቕየር’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ግን ኣሸጋሪ’ዩ። ሕብረተሰብ እንተ ተቐይሩ’ዩ ባህሊ ዝቕየር። ንሕና ከይተቐየርና ሳዕስዒትና ይቕየር ኣሎ ኢና ንብል ዘለና። ካብ ባህልና ከይተቐየርና ሳዕስዒትና ይቕየር ኣሎ። ሰብ ምስ ባህሉን መንነቱን ጥራይ’ዩ ክላገብ ዝኽእል። ንርእዮ ዘለና ትልሂት ብደገ ይመጽኣና ስለ ዘሎ’ዩ እምበር ዓቃባውያን ስለ ዝዀንና ኣይኰንናን። መበቈል ዘለዎ ዘመናዊ ትልሂት ይቕረብ ኢና ንብል ዘለና። ሕጂ ግን ዝቕየር ባህሊ ኣይኰንናን ንርኢ ዘለና፣ ዝጠፍእ፡ ዝደባለቕን ዝሃስስን ትልሂት ደኣ’ምበር።

ኣበሹሽ፤ ካሕሳይ ምስቲ ዓቕምኻ፡ እቲ ኣስተምህሮ ከተስፍሖ’የ ተጸብየካ ነይረ። ቅሩብ ኣጽቢብካዮ እብል። ኣብ ውሽጢ’ዚ 25 ዓመታት ናይ ኤክስፖን ናይ ሃማመተኤን ፈስቲቫላት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ። ትልሂት ብኸመይ’ዩ ዝምዘን፧ ካልእ ብርግጽ ባህሊ ተለዋጢ’ዩ ይበሃል’ዩ። ግን ብኸመይ መገዲ፧ ቅድም ባህልኻ ፍለጦ፣ ደሓር ኢኻ ክትልውጦ ዘለካ። መኣድና ቢያቲ’ዩ ክበሃል ጸኒሑ። ግን ኣገባብ ኣለዎ። እቲ ኣገባብ’ዩ ዘዛርበና ዘሎ።

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ እተን ናይ ዞባታት በቶም ካብዚ ዝኸዱ ኣለይቲ ተጸልየን ኣለዋ። በዚ ኸኣ ብዞባታት ስለ ዝመጽኣና፡ መበቈላውያን እየን ክንብል ኣይንእኽልን ኢና። እቶም ሳዕሳዕቲ መበቈላውያን ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። እቶም ካብ ኣስመራ ዝኸድዎም ዘለዉ ኣሰልጠንቲ ግን ንባዕሎም ክስልጥኑ ዝግብኦም’ዮም – ብዘይ ቀልዓለም ንምዝራብ። እተን ዞባታት ኣይቅየራን’የን። ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝበልናዮ ትም ኢልካ ኣይኰንካን ትቕየር። ክትቅየር እንተ ዄንካ፡ ናብራኻ፡ ደረጃ ባህልኻን ትምህርትኻን ወሳኒ’ዩ። ንባህሊ ዝጸልዉ ረቛሒታት ሓያሎ እዮም። እዚኦም ከይተቐየሩ ክሳዕ መን ምዃንካ ዝጠፍኣካ፡ መልክዕካ ክሳብ ትስእኖ ምቕያር ኢና ንርእይ ዘለና። እቲ ሕማቕ ነገሩ ኸኣ፡ ንዞባታትናን ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ዘለዉ ዜጋታትናን ብኣሉታ ይጸሉ ምህላዉ’ዩ። ብርግጽ ብዕቱብ ክተሓዝ ኣለዎ። ሓላፍነት መላእ ሃገር ድማ’ዩ። ቅድም ኣብ መበቈላዊ ያታና ጸቒጥና ክንሰርሕ ኣለና። ገለና ኸኣ ደሓን ዋላ ኣብ ሂፕ ሆፕ ንስራሕ። ዘመናውነት ከይቀርበና ኣይኰንናን ንብል ዘለና። ብስም ዘመናውነት ግን ናትና ስእሊ ካባና ክርሕቕ የብሉን።

ርእይቶ፤ ኣብ ሃገራዊ በዓላትና ዝቐርብ ትልሂት፡ ንህዝቢ ይርድኦ’ዩ ዝብል ርእይቶ የብለይን። ናይ ኩለን ብሄራትና ደርፊ እናሰማዕካ፡ እቲ ዝቐርብ ትልሂት ግን ዘመናዊ ድዩ ዋላ እንታይ’ዩ ኣይርድኣንን’ዩ። ስለዚ ህዝቢ መልእኽቲ ናይቲ ትልሂት እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ክርድኦ፡ ባህላዊ ጕዳያት ድዩ ዋላ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን መንቋሕቋሕታ እንተ ዝፈጥሩዶ ኣይምሓሸን፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ካብ ዝዀነ ህዝቢ ወይ ሃገር ንሕና ኤርትራውያን ቀዲሕና ንጥቀመሉ ምኽንያት የብልናን። ተመኵሮ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና። እቲ ቀዲሕካ ምምጻእ ግን ብስነ-መጐት ስነ-ጥበብ ንባዕሉ ሞት’ዩ ዝበሃል። ክንውከስ፡ ክንመሃር ከለና ብዋጋ ባህልናን ያታናን ክኸውን የብሉን። ንኹሉ መዳይና ንዓና ዝገልጽ ጥበብ እናሃለወና፡ ካብኡ ተፈሊና ናይ ካልኦት ጽባቕ ከነንጸባርቕ ጌጋ’ዩ።

ተስፋኣለም፤ ከባቢ 200 ዝዀኑ ያታዊ ትልሂት ብሄራትና ተሰኒዶም ከም ዘለዉ ክትነግረና ጸኒሕካ። ናትካ ተበግሶ ኣብዚ መዳይ’ዚ እንታይ’ዩ ዘሎ፧ ብዙሕ ነገር ይተርፈና ኣሎ። ንስኻ’ኸ ብወገንካ እንታይ ዝገበርካዮ ኣሎ፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ፡ ሓያሎ ክኢላታት ኣለዉ። ብወገነይ ግን ነዘን ዝጠቐስኩወን 200 ትልሂታት ክስንደን እጽዕር ኣለኹ። ሓገዝ ናይ ቋንቋ ክኢላታት የድልየኒ’ዩ። ብሓደ ቋንቋ ምስ ተጻሕፈ ኣብ ምትርጓሙ ዝሳተፉ ማለት’ዩ። ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ’ውን ንደቅና ከም መምሃሪ ክኸውን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ዕድመን ጥዕናን ይሃበና። ምስ ሃማመተኤ፡ ካልኦት ትካላትን ናይ ትልሂት ጕጅለታትን’ውን እዘራረብ ኣለኹ። ብሓባር ተመኵሮ ክንለዋወጥ ከኣ ክሕግዘና’ዩ።

ዓውድያ ዓሊ፤ እቲ እንሰርሖ ስራሕ ናብ ባህላዊ ገጹ ዝዛዘወ ክኸውን ኣለዎ ይበሃል ኣሎ። ግን መብዛሕትኦም እዞም ንሰምዖም ዘለና ደርፍታት ባህላዊ ክንገብሮ ኣይዕድሙናን’ዮም። እቶም ደረፍቲ ወይ ሳዕሳዕቲ ነዚ ብኸመይ ክንብድሆ ንኽእል፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ንስነ-ጥበበኛ መላእ ሃገር እትምልከት ሕቶ’ያ። ደርፍና ንባዕሉ ያታዊ መበቈል ሒዙ ዝተበገሰ ደርፊ ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ትልሂት ንብሎ ዘለና፡ ያታዊ ኰይኑ ብዘመናዊ ኣገባብ ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ጸገም ከኣ እንተላይ ኣብ ደርፊ’ዩ። ዜማ፡ ህርመት ኣካይዳ ናይቲ ደርፊ፡ ካብ ኣየናይ ዓዲ ወይ መበቈል ኣምጺእካዮ ክሕተት ዘለዎ’ዩ። እቲ ትልሂት ከኣ ነቲ ደርፊ’ዩ ዝመስል። ከምኡ ስለ ዝዀነ’ዩ ኸኣ ኣብ ህዝቢ ቅሬታ ዘሕድር ዘሎ። ስለዚ ደርፍታትና’ውን ንያታዊ ትልሂታትና ዝሕግዙ ክዀኑ ከም ዘለዎም ምሳኺ ተሰማሚዐ ኣለኹ።

መሓመድ ዓሊ መሓመድ ዳፍላ፤ ከምቲ ኣብ ድራማ ምመያ ወይ ሳንሱር ዘሎ፡ ኣብ ትልሂት’ከ ስለምታይ ምምያ ዘይተኣታቶ፧ እቲ ናይ ብሓቂ ትልሂት ክህልወና’ኸ ኣብ መጠረሽታስ እንታይ’ዩ ክግበር ዘለዎ፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ ሳዕስዒት ብባህሪኡ ድራማዊ’ዩ። ትያቲሪካል ዳንስ ከኣ ይበሃል። ካብቲ ፍልማዊ ፍጥረት ወዲ ሰብ ክሳዕ እዚ ሰዓት’ዚ ድራማዊ መልክዕ’ዩ ዘለዎ። ነቲ ኣብ በዓላትና ዝቐርብ ሳዕስዒት ርእይቶ ይወሃበሉ’ዩ። እቲ መንፊት ግን ገና ገፊሕ’ዩ ዘሎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ’ዩ ኸኣ ዘየብህገካ ትልሂት ዝሓልፍ ዘሎ። እቲ መምዘኒ ክጸብብ ኣለዎ። ግን ኣብ ሽማግለታት ጥራይ ክንወድቕ የብልናን። ንባዕልና እቶም ድራማ ንገብር ሰባት ክንቈጻጸሮ ይግብኣና’ዩ። እቶም ደረፍቲ ኸኣ ደርፍና ምስ ሃብና እንታይ ዓይነት ትልሂት የሰንዮ ኣይንፈልጥን ኢና። ኣብ መወዳእታ ሰዓት ንመጽእ፣ ደርፍና ካልእ ሳዕስዒትና ኸኣ ካልእ ኰይኑ ይጸንሓና። ኣብ ገሊኡ ኸኣ ጽቡቕ ይሰጥም።

ሕቶ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍላይ’ኳ ኣብቲ ናይ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣልባሳትን ስልማትን ምትኳር፡ ዝያዳ ኣብ ደኮረሽን ምትኳር በዚሑ ዘሎ ኰይኑ ይስምዓኒ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝድለ ትልሂት ይድውኖ ኣሎ። ኣብዚ እንታይ’ዩ ርእይቶኻ፧

ካሕሳይ ገብረሂወት፤ መጸባበቒታት ዝበሃሉ ኩሎም ኣብ ባህልና ኣለዉና። ነዚ ኣብ ግምት ከየእተና ኢና ንገሰርሕ ዘለና። ኣዝማልቶታት፡ ኣብ ኣፍ ዝግበሩ መጸባበቒታት፡ ኣብ ዓይኒ ዝግበሩ መኰሓሓሊታት ኩሎም ጥንቃቐ ዝሓቱ’ዮም። ኣብ ዓይኒ፡ ክሳድ፡ እግሪ፡ ኣእዳው እንታይ ዓይነት ስልማት ትገብር ክሕሰበሉ ዘለዎ’ዩ። ደስ ኢሉኒ ኢልካ ዝግበር ነገር ኣይኰነን። ኣላዪ ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ። ስልማት ዝተመዛበለ ክኸውን የብሉን። ልክዕነትን መልክዕን ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ። ጾታ፡ ዕድመ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ግን ናይ ኣልያ ጸገም ስለ ዘለና ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ይኽሰት ኣሎ።

 

(Visited 63 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons