‘ስፓሲቦ’ ሶቺ

ሶቺ፡ ሩስያ፡ ካብ 14 ክሳብ 21 ጥቅምቲ 2017 ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ መንእሰያትኣብ ፈስቲቫል ኣኻኺባ ቐንያ። እዚብዓለማዊ ፈደረሽን ደሞክራስያውያን መንእሰያት ዝውደብ ፈስቲቫል’ዚ፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 19 ግዜኡ ተኣንጊዱ። እዚ ፈስቲቫል፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ዓለማዊ ፈስቲቫል መንእሰያትን ተመሃሮን ድማ እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል መንእሰያት ዓለም፡ ምስ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ናይቲ ብ’ሰውራ ጥቅምቲ’ ዝፍለጥ ዓቢ ሰውራማርክሳውያን ተዛሚዱ’ዩ ተባዒሉ።ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ምትእኽኻብ’ዚ፡ ምሕዝነት ህዝብታት ዓለም ንምፍጣር ሕድሕድ ሌላ ምምስራት ኰይኑ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ኣንጻር ሃጸያዊ ዕብለላ ሓባራዊ መርገጺ ንምውሳድ እዩ።ብሓጺሩ ዕላማ ናይቲ ምንቅስቓስ፡ “ንሕብረተ-ሰብ መንእሰይ ዓለም ኣብ ኣምራት ሰላም፡ ሓድነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ንምጥማር፣ ኣህጉራዊ ምሕዝነት መንእሰያት ምድልዳል፣ ከምኡ’ውን ኣህጉራዊን ሃገራዊን ምትሕግጋዝ መንእሰያት ምድንፋዕ” እዩ።

እዚ ቅድሚ 70 ዓመት ክጅመር እንከሎ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ምንቅስቓሳት ዓለም ዝነበረ ዓለማዊ ፈደረሽን’ዚ፡ብዓበይቲ ሰውራውያን መራሕቲ ዓለም ተመሪሑ፡ ዝተፈላለዩ ሰውራውያንዝፈጠረ፡ ዘሳተፈን ዝጸለወን እዩ። ማዕረ-ማዕረኡ ኸኣ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መንእሰያት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ኣሳቲፉን ኣንቂሑን። ዓለም ኣብ 1947 ጌና ካብቲ ስርዓታት ፋሽሽትን ናዚን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ካብ ዘውረድዎ ዕንወት ሓሙኽሽታ እናነገፈት እንከላ፡ በሽሓት ዝቝጸሩ ገስገስቲ መንእሰያት፡ ካብ መላእ ዓለም፡ ኣድላዪነት ኣህጉራዊ ሓድነትን ምሕዝነትን ስለ ዝተሰወጦም ንዓለማዊ ፈደረሽን መንእሰያትን ተመሃሮን መስሪቶሞ።እቲ ቐዳማይ ዋዕላ ድማ ብ1947 ኣብ ሶቬት (ቺኮዝላቫኪያ)፡ ኣብ ከተማ ፕራግ፡ ተኣንገደ። ሶቬት ሕብረት ድማ ቀንዲ ደጋፊትን ኣንቀሳቓሲትን ናይቲ ፈደረሽን ኰነት። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኣንገደ ፈስቲቫላት ድማ ድሓር መራሕቲ ዓበይቲ ሃገራቶም ክዀኑ ዝበቕዑ ዝተፈላለዩ መንእሰያት ከም እተሳተፉ ታሪኽ ይሕብር።

ፕረሲደንት ቻይና ዚን ሺ ፒ፡ መንእሰይ እንከሎ ኣብ ሓደ ካብዞም ፈስቲቫላት ተሳቲፉ ነይሩ፣ ኣንጀላ መርከል ናይ ጀርመን’ውን ብተመሳሳሊ መንእሰይ እንከላ ተሳቲፋ ነይራ። ስለዚ፡ እቲ ፈስቲቫል ንዝተፈላለዩ መንእሰያት ኣብ ሓደ ብምምጻእን ብምልላይንኣብ ዓለም ዝሓሸ መጻኢ ንኽህሉ ዝዓለመ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ መንእሰያት’ዚ፡ ሃጸይነትን ምዝመዛኡን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ፡ ኣንጻር ሃጸይነት ሓባራዊ ድምጺ ብምሃብ ከኣ ሓንቲን ፍትሓዊትን ፕላኔት ክትህሉ ከም ዝቃለስ ይገልጽ። ኣብ መጻኢ በዚ መንፈስ’ዚ ዝተሃንጹ መንእሰያት ኣብ ሓላፍነት ምስ ዝመጹ፡ ንዕብለላን ዓመጽን ሃጸይነት መኪቶም ፍትሓዊት ዓለም ኣብ ምህናጽ ክረዳድኡ ባይታ ይህልዎም። እቲ ጒዳይ፡ ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሶቺ ብዓቢ ተጻሒፉ ዝነበረ ጭርሖ፡ “ብሓባር ንሓንቲ ፕላኔት” ዝብል መረዳእታ ምምዕባል እዩ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ወከልቲ መንእሰያት፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገራቶም ዘጋጥም፡ ማለት፡ ሃጸያውያን ሓይልታት ዝፈጠሩዎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ጸገማትን ንምፍትሑ ዝተኸፍለ ዋጋን ዘጋጥም ብድሆን ይዝትዩን ሓባራዊ መረዳእታ ይሕዙን። እቶም ወከልቲ ምስ ሃገራቶም ዘላሊ ዝተፈላለየ መደባት የአንግዱ። ጽሑፋት ይዕድሉ፡ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ሃገራቶም ይገልጹ፡ ባህሎም የላልዩ፡ ጸጋታት ሃገራቶም ይሕብሩ፡ ባንዴራታቶም የንበልብሉ፡ ይዛተዩ፡. . . ይስዕስዑ፡ ይዝምሩ፡ ይጭድሩ – ሶቺ ዝተፈላለየ ሕብሪ ሒዛ ቀንያ። ኣብ ኣደራሻት ዘተን ክትዕን፡ ብክኢላታት ዝቐርብ ዝተፈላለየ ዛዕባ ዘልዕል መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ኣደራሻት ሳይነስን ቴክኖሎጅን፡ ኣዳራሻት ባህሊ፡ ትምህርቲ፡ ኣከባቢ፡ ሃጸያዊ ዕብለላን መኸተ መንእሰያትን፡ ኣህጒራዊ ቤት ፍርዲ ጸረ-ሃጸይነት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ምርኢት ፕላኔት፡ መድረኽ ትልሂት፡ ምርኢት ሮበት፡ ወዘተ.ዝኣመሰለ ብርክት ዝበለን ዝተፈላለየን ትሕዝቶ ቐሪቡ።

ብተወሳኺ፡ ሰውራውያን መራሕቲ ዓለም – ከም ለኒን፡ ቸ ጉቬራ፡ ካስትሮ፡ መሓመድ ዓብደልዓዚዝ – ብፍሉይ ተጸዊዖምን ተዘኪሮምን፣ ቃልሲ ንፍትሓዊት ዓለም ተዘሚሩን ተዘኪሩን። ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሮበርት ሙጋበ ኣንጻር ዕብለላ ጸዓዱ ብዝወሰዶ ስጒምቲ ብፍሉይ ተመጒሱን ተዘኪሩን።

ኣብ ናይ ኤርትራ ኲርናዕ፡ ከም ካልኦት ሃገራት፡ ዝዓበየ ክፋል ምስ ኤርትራን ህዝባን ናይ ምልላይ መደባት እዩ ተኣንጊዱ። ነቲ በሽሓት ዝቝጸር ተሳታፊ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኣብ ታሪኻ ሃጸይነት ዝበደላን ክሳብ ሕጂ ዝብድላ ዘሎን፣ ብዛዕባ ኤርትራን ታሪኻን ባህላን ንበጻሕቲ መግለጺ ተዋሂቡ። ኣብቲ ንኤርትራ ዝተሓዝአ ቦታ፡በጻሕቲ ካብቲ ዝተቐረበ ሽሻይ ቈሎ ስገም፡ ጋባን ተምሪን እናተቛደሱ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን መብርሂ ይረኽቡን ይሓትቱን፣ ምስ ባህላዊ ኣልባሳት ኤርትራ ዝተኸድኑ መንእሰያት ከኣ ብብዝሒ ይሰኣሉ። ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 90ታት እዩ ኣባል ናይቲ ፈደረሽን ኰይኑ።

ሎሚ ዓመት ኤርትራ 13 ዜጋታት እያ ኣሳቲፋ – ትሽዓተ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ኣርባዕተ ካብ ወጻኢ ሃገራት። እዚ ብመንጽር ናይ ካልኦት ሃገራት ክርአ እንከሎ ውሑድ እዩ። ብዘይካ’ተን ጐረባብቲ ሩስያ ዝዀና ሃገራት – ብብዝሒ ዘሳተፋ – ገለ-ገለ ሃገራት ክሳብ 300 ሰባት ዘሳተፋ ነይረን። እቲ ብዝሒ ንስለ ምስታፍ ከይኰነ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ እናኸድካ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝግበር ምልላይ ሓጋዚ እዩ። እቲ ተጠርዩ ዘሎ ተመኲሮ ኣብ መጻኢ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ኸኣ ኣይሰሓትን።

ኣብ ሶቺ፡ ካብ ኤርትራ መጺአ ምስ በልካ ዝግረምን ዝደናገርን ሰብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ነይሩ። ቀደም ይብሉ ዘጋጠሞም፡ ኤርትራ ምስ በልካ ኣበይን እንታይን ምዃና ክትገልጽ ኢኻ ትውዕል። ሎሚ ግን እቲ ዝበዝሐ ይፈልጣ፡ ገለ ዝተደናገረ ኸኣ “ኣብ ኣፍሪቃ እንድያ” ይብለካ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝገልጽ ገለ ጽሑፋትን ፖስተራትን ስለ ዝነበረ ኸኣ ንዝያዳ ኣፍልጦ ናብ በጻሕቲ ተዘርጊሑ። ብዛዕባ ሃገርካ ብኸመይ ተላልያ ኸኣ ሃብታም ተመኲሮ ተቐሲሙ ‘መስለኒ። ብፍላይ ንሰውራውያን መራሕትና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ዓለማዊ ፈስቲቫል ስሞም ጐሊሑ ዝወጸሉን መንእሰያት ዓለም ከም ዝላለይዎም ክንገብርን ከድልየና እዩ። ህይወቶም ምሉእ ኣንጻር ዕብለላን ሃጸይነትን ዝተቓለሱ ሰውራውያን መራሕትና፡ ከምቲ ኣብ ባህልና ብዛዕባ ነብስና ዘይንዛረብ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ’ውን ከምኡ ኢና ዘለና። ስለዚ፡ ኣርኣያነት ስም ሰውራውያን ብምጒላሕ ታሪኽካን መንነትካን ግቡእ ቦታኡ ንምሃብ ዝግበር ስራሕ ሶቺ ኣርእያቶ እያ።

ኣብቲ ፈስቲቫል ካብ ኣስታት 180 ሃገራት ዝመጹ 20,000 መንእሰያት ክሳተፉ እንከለዉ፡ ካብ ፈደረሽን ሩስያ ሓምሽተ ሽሕ ከምኡ’ውን ሓምሽተ ሽሕ ወለንተኛታት ንቝጽሪ ተሳተፍቲ ናብ ሰላሳ ሽሕ ኣደይብዎ።ብዛዕባ “ወለንተኛታት” ዘለኒ ተመስጦ ደረት’ውን የብሉን። ናይ ብሓቂ ወለንተኛታት ዘብሎም ተወፋይነት፡ ዓቕሊ፡ ምቝሉልነት፡ ፍሕሹው ገጽ፡ . . . እናኣርኣዩ ዘደንቕ ተመስጦ ኣሕዲሮምን ኣዝዩ ዕዉት ፈስቲቫል ንኽካየድ መሪሕ ተራ ተጻዊቶምን። ወለንተኛታት ምፍጣር ኩሉ ሃገርን ህዝብን ክሓስበሉን ክሰርሓሉን ዘለዎ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከም ናትና ኣብ ማእቶት ዝኣምን ሕብረተሰብ፡ ምፍጣር ወለንተኛታት ካልኣይ ዘይትደልየሉ ኣማራጺ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ዝኸኣለስ ክሳብ ሞትን ክንዮ ሞት ንዘሎ ቃንዛን ክኸፍሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ተቓለስቲ ስለ ዝፈረዩ እዩ። ኣብዚ ሃገር ናይ ምህናጽ መሰጋገሪ መድረኽን ብድሆን ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ብብዝሒ ንጡፋት ወለንተኛታት መንእሰያት ምፍጣር የድልየና፡ ማለት፡ ነቲ ዘሎ ባህሊ ወለንታውነት ዘደንፍዕ ምዂስኳስ የድሊ።

ሩስያ ነቲ ልዑል ወጻኢታት፡ ሓያል ውዳበ፡ ልዑል ናይ ጸጥታ ምክትታል ዘድልዮ ዓለማዊ ምትእኽኻብ ብኣዝዩ ጽፉፍን ውሁድን ኣገባብ ከተአንግድ ምኽኣላ ንሓይላ ዘንጸባርቕን ንኻልኦት ልቢ ዘግብርን እዩ ነይሩ። ትሕዝቶ መደባት ቅርጡውን ኣብ ግዜኡ ዝትግበርን ብምንባሩ ኸኣ ኣብ ግዜ ንዘሎ መረዳእታ ዘራጒድ ነይሩ – ጽባቐ መደባት ብዝሒ ዘይኰነስ ዓይነት መደባትን ዕምቈቶምን። ንስለ መደብ ኢሉ ዝግበር ኣይነበረን።

ፕረሲደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ መኽፈትን መዕጸውን ናይቲ ፈስቲቫል ተረኺቡ ሓጺር ቃል ኣስሚዑ ነይሩ። ምስታፍ ፑቲን፡ ሩስያ ኣብ ዓለም ዘለዋ ጽልዋ ከተዕቢ ትቃለስ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ። ንካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ ዝበዝሑ መንእሰያት ክረክብን መደረ ከስምዕን ምኽኣሉ ድማ ጽልዋኡን ጽልዋ ሃገሩን ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ቀሊል ኣይኰነን። ንዓለም ኣብ ሓደ መድረኽ ረኺቡ ሕሹኽ ኢሉዋ – እቲ መጻኢ ናታትኩም’ዩ ብምባል።

ኣብ 2014 ከተማ ሶቺ ዓለማዊ ውድድራት ኦሎምፒክ ሓጋይ ኣአንጊዳ ነይራ። ነቲ ኦሎምፒክ ተባሂሉ ዝተሃንጸ ትሕተ-ቕርጺ ስፖርትን ኣደራሻትን ምርኣዩ ዘደንቕ እዩ። ሩስያ፡ቅድሚ ዓሚ ውድድራት ኦሎምፒክስ፡ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ዓለማዊ ፈደረሽን መንእሰያትን ተመሃሮን፡ ንዓመታ ውድድር ኲዕሶ-እግሪ ዋንጫ ዓለም ከተአንግድ እያ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓለማዊ ምትእኽኻባት ንምስሊ ሩስያ ሓድሽ ምስሊ ዝህብን ጽልዋኡ ድማ ሓያል ይመስል።

ተመኲሮ ሶቺ፡ ንዓና ዓቢ ተመኲሮ እዩ። ዝተፈላለየ ሃገራዊ ፈስቲቫላት ስለ እነአንግድን ኣብ መጻኢ ድማ ዞባውን ዓለማዊን ፈስቲቫላት ከነአንግድ ስለ እንኽእልን ስለ ዝዀንናን ፈስቲቫል ናይ ምእንጋድ ጥበብ ከም ኣገዳሲ ጉዳይ ከነጽንዖ ጽቡቕ እዩ። ኣብ ምእንጋድ ፈስቲቫል ነዊሕ ተመኲሮ ኣጥሪና ስለ ዘለና ምስቲ ዝጐድለና መሊእና ዓለም ዝነግዶ ሃገራዊ ፈስቲቫል ንምክያድ ዝተፈላለዩ ፈስቲቫላት ብደቂቕ ከነጽንዖም ዘድሊ ‘መስለኒ። ብፍላይ ኣብ መኽፈቲ ፈስቲቫል ሶቺ ዝቐረበ ጥበባዊ መደባት ንሓደ ዓቢን እዋናዊን ዛዕባ ብልዑል ጥበብ ኣብ ሓጺር እዋን ምቕራብ ከም ዝከኣል ዝምህር ነይሩ። ኣገዳስነት ዝለዓል ዛዕባ፡ ትሕዝቶኡ፡ ኣገባብ ኣቀራርባኡ፡ . . . ብዙሕ ክትሓስብ ዝድርኽ ኰይኑ ረኺበዮ።

ስፓሲቦ ሶቺ (የቐንየልና ሶቺ)

ኤፍረም ሃብተጽዮን

(Visited 47 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons