Warning: "continue" targeting switch is equivalent to "break". Did you mean to use "continue 2"? in /home/erinueys/public_html/tigrigna/wp-content/plugins/page-views-count/admin/admin-interface.php on line 364

Warning: Cannot modify header information - headers already sent by (output started at /home/erinueys/public_html/tigrigna/wp-content/plugins/page-views-count/admin/admin-interface.php:364) in /home/erinueys/public_html/tigrigna/wp-content/plugins/post-views-counter/includes/counter.php on line 276
“ምሸት ዝኽሪ ሓበን” – ሃማመተኤ

“ምሸት ዝኽሪ ሓበን”

ኤሃብ ግርማይ,

እቲ ሰንበት 18 ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ጁንየር፡ ኣዳራሽ ሃማመተኤ፡ ሰዓት 5፡00 ድ.ቐ. ዝተኻየደ “ምሸት ዝኽሪ ሓበን” ዝተሰምየ መደብ ዝኽረ-ሰማእታት፡ ዝተፈላለዩ መደባት ኣአንገደ። ብዝኽረ-ሰማእታት ጀሚሩ፡ መዝሙር “ቅሰኑ ሰማእታትና” ብጒጅለ ባህሊ “ሕድሪ” ምስ ቀረበ፡ “ኤርትራዊ ታሪኽ እዩ” እትብል ግጥሚ ብዓቢር ዓሊ ሰዓበት። ቀጺሉ፡ ኣቦ መንበር ሃማመተኤ፡ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ሓጺር ቃል ማሕበር ኣስመዐ። “ሰማእታትና ዘሰክሙና ሓላፍነትን ሕድርን ክንትግብር እተዘኻክር ዕለት እያ 20 ሰነ። ስለዚ፡ ንሕድርና ክንበቅዕ ኣለና፡” ብምባል ናብቶም ዝበዝሑ ተሳተፍቱ መንእሰያት ዝነበሩ መደብ መዘኻኸሪ ኣቕረበ።

ኣዳራሽ ጁንየር ብባንዴራታት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን፡ ብጥውዮ ነጸላን ዝበርህ ጥዋፍን፡ ብሰብ ዝኽሪን ኣዘኻኻሪ መደባትን ተሸሊሙን ንዝኽሪ ብዝዕድም ኣገባብን እዩ ተዳልዩ። እስታዝ መሓመድስዒድ ዑስማን “ኢትራየምና” እትብል ግጥሚ ብቋንቋ ትግረ ብቕራብ ነቲ መደብ ቀጸሎ፣ ስዒባ “ኣይሞተን መርሃዊ” ንእትብል ግጥሚ ሰለሙን ድራር ዘቕረበት ልዋም እማሃ ነይራ።DSC_0759

እቲ መሰናድኦ፡ ካብን ናብን ዝኽሪ ዘሰጋግሩ ግጥምታት ምስ ኣአንገደ፡ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ ናብ መድረኽ ቀሪቡ። ዛዕባኡ ብዛዕባ’ታ ተኣምራታዊት “ልቢ ተጋዳላይ” ነበረ። ኣለምሰገድ ኣብ 1974፡ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ናብ ሜዳ ከም ዝተሰለፈ ገሊጹ። ኣብ ሜዳ ዳርጋ ኣብ ዝኸዶ ወይ ኣብ ዝተመደቦ ንሱ ብዕድመ ዝዓበየ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ተጋደልቲ ሓዊ-ሓዊ ዝጨንዉ መንእሰያት ምንባሮም ጠቒሱ። “ኣብቶም መንእሰያት ዝነበረ ወኒ ንመስዋእቲ፡ ካበይ ከም ዝመጸ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ኩሉ መንእሰይ ንኽስዋእ ድሉው ነይሩ፡” ኢሉ።DSC_0754

ብዛዕባ መንእሰያትን መስዋእቲን መእተዊ ገይሩ ናብታ ዛዕባ ተዘኲሮኡ ዝነበረት ልቢ ተጋዳላይ ኣበለ። “ዳርጋ ተኣምራት ክትብሎ እትኽእል ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ግዜ ምድምሳስ እዝ ናደው [መጋቢት 1988] ምስ ብጻይ ዓሊ ኢብርሂም ናብ ኣፍዓበት ገጽና እናኸድና፡ ሓንቲ በይና ተነጺላ እትርአ ስጋ ረኸብና። ኣብ ጥቓኣ ዝወሓዘ ደም ይርአ ነይሩ። ጸሓይ ዘየቐምሰላ፡ ቍሪ ዘይጨበጣ እያ ነይራ። ኣብ ጥቓኣ ኸኣ ዝኣረገት ጃኬት ነይራ። ክንርእያ ቀሪብና – ልቢ ሰብ! ደሓር እቶም ኦፐሬተራት ኣርኪቦምና ዓጕግና ርኢናያ። ‘ናይ ብጻይና እያ!’ ኢሉኒ ዓሊ ኢብሪሂም፡” ዝኽሩ ኣካፈለ ደራሲ ኣለምሰገድ፡ ነታ ደሓር ኣዝያ ህብብቲ ዝዀነት ጽሕፍቱ መበገሲኣ ጠቒሱ።

ትንግርቲ እዩ። ልቢ ወዲ ሰብ ከመይ ኢላ ካብቲ ትርከበሉ መዓሙቕ ንበይና ተነጺላ ወጺኣ ኣዕሚቑ ክሓስብ ዝጀመረ ኣለምሰገድ፡ ካብቲ ቦታ ምስ ረሓቑ’ውን ምስሊ ናይታ ልቢ ፈጺሙ ኣይገደፎን። ብዛዕባኣ ክሓስብን ምስ ግዜን ፍጻመታትን ከዋስባን ብዝጀመረ ኸኣ፡ ብዛዕባ’ቲ መስተንክር ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው እንታይ ኢሉ ክጽሕፍ ሓርቢቱዎ ዝጸንሐ ጽብቕቲ መወከሲት ረኸበ። “ብዛዕባ’ታ ልቢ ጸሓፍ፡” ዝበሎ ዓሊ ኢብርሂም መሊኡ ኸኣ ናብ መጽሔት ሓርበኛ “ልቢ ተጋዳላይ” እትብል ጽሕፍቱ ጸሓፈ።

ልቢ ተጋዳላይ ሎሚ ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመት ኢና ንዛረበላ ዘለና። እታ ልቢ ክንዮ ሓንቲን ወሳኒትን ህዋስ ደቂ-ሰብ ምዃና፡ ኣብቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ብረታዊ ቃልስና፡ ሃገራዊ ትርጒም ክህባ እዩ መሪጹ ኣለምሰገድ። ከም መተኣሳሰሪት ናይ ሕሉፍ፡ ህሉውን መጻኢን፡ ከምኡ’ውን ከም ጠማሪት ቃልሲ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ክርእያ ፈቲኑ። ነታ ልቢ ተጋዳላይ ብኸምዚ እዩ ዝገልጻ፤ “ዘሕለፈቶ ሕሰምን ዝተጻወረቶ ግፍዕን ኣብ ጸላእታ’ውን ኪድገም ዘይትደሊ፣ ካብ ግቡኣ ሓሊፋ፡ ንግቡእ ካልኦት ዘይትቃጸጽ፣ ንሰላም ወድ-ሰብ ዘለዋ ንእተፍስስ ልቢ ተጋዳላይ፡ ዓለም ገና ኣዐርያ ኣይፈለጠታን። እቶም ንዓወት ዓለማዊ ስትራተጂኦም ኪጭፍልቑዋ ዚህንደዱ ዘለዉ ናይዚ ዘመን ሓያላት’ውን፡ ዓይነታ ገና ኣይተረድኡን ወይ ነብሶም የዐሽዉ ኣለዉ። ብብረቶም ብረቶም ትሰልብ፡ ሰቦም ትማርኽ፡ ርእሳ ኣቕኒዓ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን እትምክቶም ዘላ ልቢ ተጋዳላይ፡ ከምታ ወዲቓ ሓዲራ ብቑሪ ይዂን ጸሃይል-ረፍዲ ከይቀምሰለት ዝጸንሐትና ትእምርቲ ጅግንነት፡ ተረጊጻ ክትጭፍለቕ፡ ተፈንጂራ ክትበታተን ከም ዘይኰነት ዚርድኡሉ ግዜ ነዊሕ ኣይክኸውንን እዩ። ክሳብ ሕጂ ነዚ ዘይምቕባሎም፡ ንህርመታ ዘይምድማጾም ድማ፡ ንርእሶም ገደዶም።

“ዓባይ ልቢ እያ’ምበኣር ልቢ ተጋዳላይ። ሽግርን ጸበባን ሃልሃልታ ኲናትን ኣስፊሑዋን ኣብሲሉዋን ከኣ ኣብዚ በጺሓ። ግን፡ ግዜ ዓወት እዩ’ሞ ምናልባት ዓወት ከየስክራ፡ ዘሐለፈቶ ረሲዓ እምብዛ ከይትሓብጥ እሞ ከይትትኮሰና፡ ብጥንቃቐ ምሓዛ ከድልየና እዩ፡” ብምባል ኣለምሰገድ “ልቢ ተጋዳላይ” ክሳብ ሕጂ ኣብ ወኒ መንእሰያት ምህላዋ ከም ዘሐጒሶ ገሊጹ።DSC_0794

መደባት “ምሸት ዝኽሪ ሓበን” ቀጺሉ – ብዜማታትን ግጥሚታትን። ኣቦን ጓልን ናብ መድረኽ ዝቐረቡሉ መደብ ሰዓበ። ዳኒኤል እያሱ ብዛዕባ’ቲ ኣለምሰገድ ብዛዕባ ሓርበኛ ስዉእ ዓሊ ኢብሪሂም ዘቕረቦ ተዘኵሮ ጠቒሱ፡ ብዛዕባ ዓሊ ኢብሪሂም ከም ኣዛዚ ኣብ ጋዜጣ ዘንበቦ ዝፈጠረሉ ድርኺት መበገሲ ናይታ ግጥሚ ምዃኑ ገሊጹ። ዓሊ ኢብሪሂም ከም ሰብ፡ ሰብ ምዃኑ ረሲዑ፡ ከዕርፍ’የ ከይበለ፡ ቀዳምነት ንዕላማ ብምሃብ ንዘርኣዮ ኣርኣያነት እትገልጽ ግጥሚ ኣዳልዩ፡ ጓሉ ዮሳን ዳኒኤል፡ ነታ “እቲ ዘይነብዕ” እትብል ግጥሚ ኣንበበታ። ቀጺሉ ድማ፡ “ክሃንጽ ደልየ” ብሳሊና ኢማም፣ “መጋባእያ ሰማእቲ” ብኣቡበከር ዓብደልኣወል፣ “መን’ዩ ንሱ?” ብፍጹም ብርሃነ ምስ ቀረበ፡ መድረኽ ናብ ካልእ መደብ ትረኻ ሰገረ። ዮውሃንስ ሃብተገርግሽ (ጆንሜራ) ብዛዕባ ኣብ መኸተ ወራራት ወያነ ናይ ዝተሰውኡ ብጾቱ ፍጻመ ድሕሪ ምቕራብ፡ መራሕ ጋንታኦም መስዋእቲ ብተርታ ክበጽሖም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልጸሎም ምንባሩ ጠቐሰ። ካብቶም ተርታ ዘትሓዞም ድማ ምእንቲ ልኡላውነት ሃገር ሓደ-ድሕሪ-ሓደ ሓለፉ። እቲ ተርታ ናብኡ ምስ በጽሐ ግን ኵናት ደው ኢሉ። “እሞ ተራይ ደኣ እንታይ እዩ? ኢለ ሓሰበ። ተራይ ዛንታኦም ክጽሕፍን ከዘንቱን ማለት እዩ ብምባል ከኣ ናይ ኩላቶም ዛንታ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ኣቕሪበዮ ኣለኹ፡” ብምባል ዝኽሩ ኣካፈለን ምዝንታው ቅያ ጀጋኑና ክቕጽሎ ምዃኑ ኣመተን።

መድረኽ ንጉጅለ ባህሊ ማእገር ተረከበ። ማእገር “ሰገናይ” እትብል ናይ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ደርፊ ብሳሙኤል ዮናስ፣ “ጽንዓት” ናይ ሄለን መለስ ብሳሌም ጐይትኦም ምስ ኣቕረቡ፡ ህያው ኣቀራርባ ዝሓዘት “እንተ ዝመላለስ” ብዳዊት ተኽለሰንበት (ሽላን) ቀረበት።

“ሽላን ቅድሚ ምድራፍካ ወይ ድሕሪ ምድራፍካ ብዛዕባ ‘ዛ ደርፊ ገለ ከተዘንትወልና ትኽእልዶ?” ሓቲተዮ ነይረ።

“ክዛረብ ኣይክእልን እየ፣ ደሪፈ ክምለስ ኣፍቅደለይ፡” ኢሉኒ። ተቐቢለዮ። ነቲ ህያው ኣቀራርባ ዘረባ ዘድልዮ’ውን ኣይነበረን።

መደብ “ምሸት ዝኽሪ ሓበን” ኣብቲ ብብዝሒ ተሳተፍቲ ዝነበሮ፡ ጸጥ ዝበለ፡ ንዝኽሪ ዝዕድም ኣዳራሽ ቀጸለ። ድህሪ ሰዓትን 20 ደቒቕን መደባት ናብ ኣጋ ምዝዛም ምስ በጽሐ፡ ስለስተ ግጥሚታት ቀረባ፤ “እንታይ ደኣ በሉ – ሓደራ” እትብል ግጥሚ መኮነን ተስፋማርያምን ሽሻይ ሓይልኣብን እናተቐባበሉ ኣቕረቡዋ። ተስፉ ኪሮስ (ግራይ) ከኣ “ምስጢር” እትብል ግጥሚ ኣቕረበ። ስዒቡ፡ ጥውዮ ነጸላ ተቐኒቱ ናብ መድረኽ ዝመጸ፡ ንተሳተፍቲ ሓፍ ክብሉ ዝዓደመ፡ ሳሙኤል ገብረብርሃን፡ “ድምጺ ስቕታ!” እትብል ናይ ኤፍረም ሃብተጽዮን ግጥሚ (ዓሚ 20 ሰነ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዝተነበት) ኣቕረበ፤

ድምጺ ስቕታ

ሰጥ ይብል ኣካላትና

. . . ጸጥ ከባቢና

የስቅጡ ህዋሳትና

ንሽመም-ንወሓጥ

ህልም ንብል ንጥሕል

ዝኽሪ ይወረና

ኣድማስ መስፈሪኡ

ባሕሪ ዝዝኽርና።

ናይ ደቒቕ ደውታ

ኣራእስና ጠቒስና

ናብ መቓብር ሰማእታት

ሰፈር ዉፉያት

ስለ መሬት ሕድሪ. . .

ንዝክር ደኒንና

ምድናን ዝሰዓሩልና።

(. . .)

ምስ ኣቐረበ መደብ ብሃገራዊ መዝሙር ንኽዛዘም ኩሉ ተሳታፊ ተዳለወ። ጉጅለ ባህሊ ዋሪ ዝመርሑዎ ሃገራዊ መዝሙር ብሓባርን የማነይቲ ኢድ ኣብ ጸጋማይ ኣፍ-ልቢ ብምዕላብን ተዘመረ።DSC_0833

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!

(Visited 150 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons