ምሸት ምስትምቓር ግጥምታት!

 ሚኪኤል በርሀ (ወዲ በርሀ)

ሃማመተኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ክልተ-ሰሙናዊ መደብ ምስትምቓር ዝተፈላለዩ ስርሓት ስነ-ጥበብ ሃገርና፡ ዝሓለፈ ሓሙስ 02 ሕዳር፡ ናይ ምስትምቓር መደብ ኣብ ኣደራሽ ዳዕሮ ኣአንጊዱ ኣምስዩ። ኣብቲ ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ገጣሚ መለስ ንጉሰ እዩ ንተዓዘብቲ ተመኲሮኡ ኣካፊሉን ግጥሚታት ኣቕሪቡን። እቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝቐጸለ ናይ ምስትምቓር ምሸት፡ መራሒ መደብ ሽሻይ ሓይለኣብ፡ ምስ ስነ-ጥበባዊ መለስ ንጉሰ ሓጺር ሌላ ብምግባር እዩ ጀሚሩ። ከም መእተዊ፡ ነታ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2007 ዕውትቲ ዝነበረት ‘ናብ ዓርከተይ’ እትብል ግጥሚ መለስ ንጉሰ ናብ ሰማዕቲ ኣቕሪቡ።

ስነ-ጥበባዊ መለስ ንጉሰ ክሳብ ሕጂ ክልተ መጻሕፍቲ፡ ማለት ሓንቲ ናይ ሕሩያት ግጥምታት ሓንቲ ድማ እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታት ዘፍረየ ሓደ ካብ ስሙያት መንእሰያት ጸሓፍቲ ሃገርና ኰይኑ፡ ኣብታ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተዳለወት “who needs a story” እትብል ካብ ቋንቋታት ትግረ፡ ዓረብን ትግርኛን ናብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ዝተተርጐሙ ግጥሚታት ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ‘እንስሳ ዘገዳም’ን ‘ማመት ናፊቕናክ’ን ዝብላ ግጥምታት ኣለዋኦ። ኣብ ርእሲ’ዚ መለስ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ውድድራት ዝተዓወተ ስነ-ጥበባዊ እዩ።

ስነ-ጥበባዊ መለስ፡ ግጥሚ ምጽሓፍ መዓስ ከም ዝጀመረ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣስታት 25 ዓመት እዩ ንድሕሪት ተመሊሱ። መለስ ኣብ መግለጺኡ፡ ከም ኩሉ ገጣሚ ካብ ንእስነቱ ይሓናጥጥ ከም ዝነበረ፡ እታ ደሓን ዝብላ ግጥሚ ግን ኣብ 1992 ከም ዝገጠማ ገሊጹ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ሃማመተኤ ተወዳዲሩ ሳልሳይ ድሕሪ ምውጽኡ ሓፍ ዘይብል ሞራል ከም ዝተሰምዖ ሓቢሩ። እታ ኣጋጣሚ እቲኣ፡ ነዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ከም ዝሓገዘቶ ኸኣ ኣብሪሁ። ብዝያዳ ምስ ግጥሚ ዝተላለየ ግን ኣብቲ ብበዓል ኣቡ ዓምራን ዓብደልቃድርን ዝወሃብ ዝነበረ መባእታዊ ትምህርቲ ስነ-ጽሑፍ ምስ ወሰደ እዩ። “ኣብቲ እዋን ትጭፍጭፍ እሞ ነብል፡ ገለ ነገር ተማሂርና ብጥዑማት ግጥምታት ተዓሪቕና ድማ ንፈላለ” ብምባል ነቲ  ኣብ 90ታት ንሱን መዛኑኡን ዘሕለፉዎ ህይወት ገሊጹ።

ቀጺሉ መለስ፡ ግጥሚ እንታይ እዩ፧ ንዝብል ሕቶ ክምልስ እንከሎ ከምዚ ይብል፡ “ግጥሚ ከምዝን ከምትን ኢልካ ክትገልጾ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ። ገለ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ፡ ግጥሚ ፍኑው ዋሕዚ ሓሳብ ክብሉ ከለዉ ገሊኦም ድማ ናይ ስምዒትን ሓሳብን ውህደት ዘለዎ ሓጺርን ቴለግራማውን ምዃኑ ዝዛረቡ ኣለዉ። ብሓፈሻ ግጥሚ ከምዚ እዩ ከምቲ እዩ ካብ ምባል ንዘይ ግጥሚ ምግላጽ ይቐልል።”

ኣብ ዝሰዓበ ናይ ምስትምቓር ህሞት፡ መለስ ኣከታቲሉ ሰለስተ ግጥምታት ኣንቢቡ። እተን ግጥምታት “ዓርኮብኮባይ”፡ “ስለ ማርያም” ከምኡ’ውን “ይዕበ ግደፍዎ” ዝብላ እየን። ድሕሪ ምንባብ ናይዘን ግጥምታት መለስ፡ መብዛሕትኦም ግጥምታቱ ኣብ ትዕዝብቲ ዝተመርኰሱ ምዃኖም በቲ ተዋዛዪ ባህሪኡ ሓቢሩ።

መለስ፡ ብዛዕባ’ታ ናብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝተተርጐመት ‘ማመት ናፊቕናኪ’ እትብል ግጥሙ፡ ብፍላይ ድማ ማመት መን እያ ንዝብሉ ሕቶታት ክምልስ ከሎ፡ መበገሲ ሓሳብ ናይታ ግጥሚ እቲ ኣብቲ እዋን ነጊሱ ዝነበረ ‘ንራይሞክ ክዕወት ዝበቅዕ ግጥሚ የለን’ ዝብል ኣተሓሳስባ ምንባሩ ገሊጹ። ንሱ፡ ማመት ኣብ ከባቢ ማይ-ዓይኒ ትነብር ዝነበረት ኣዝያ ጽብቕትን ወሓለ ገጣሚት ጎርዞን ምንባራ ንኣፈ-ታሪኽ ምርኲስ ብምግባር ገሊጹ። ኣብ ግጥሙ ድማ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔኣን ጥበባዊ ሓይላን ድሕሪ ምግላጽ፡ ወይ ባዕልኺ ምጺ ወይ ድማ መፍትሕኪ ስደዲ’ሞ ራይሞክ ክንዕወት እዩ ክብላ ዝፍትን።

መለስ ብግጥምታቱ ገይሩ ክዋዘ፡ ክግስጽ፡ ከባጩ፡ ክምህር፡. . . ከም ዝኽእል በተን ቀጺሉ ናብ ተዓዘብቲ ዘቕረበን ግጥምታት ክትርዳእ ኣየጸግምን። ‘ዘበነ ኲዕሶ’ እትብል ኣብ ህሉው ኩነታት ምርኲስ ብምግባር ዝተጻሕፈትን ‘ናይ ሕልናይ ፍቕሪ’ እትብል ኣብ ፍቕራዊ ዓለም ዘተኰረትን ግጥምታቱ ድሕሪ ምቕራብ ድማ መድረኽ ናብ ተዓዘብቲ ተሰጋገረ።

ኣብ መጀመርታ 90ታት ንመለስ መሰረት ስነ-ጥበብ ዝመሃሮ፡ ዑመር (ኣቡ-ዓምራ) እዩ። ኣቡ-ዓምራ ኣብ ርእይቶኡ፤ መለስ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጻዕራምን ናይ ፍልጠት ጽምኢ ዝነበሮን ሰብ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ሕጂ ሒዙዎ ዘሎ ብቕዓት ንዕኡ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኰነ ካብ ቀደም ዝጽበዮን ዝርድኦን ምንባሩ ገሊጹ።

ቀጺሉ መለስ፡ ነታ ‘ኣርማድዮና’ እትብል ንማሕበራዊ ናብራ ኣስመራ እትገልጽ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ገዛ ክራይን ጸገማቱን ዘተኰረት ግጥሚ ናብ ተሳተፍቲ ኣቕሪቡ።

…እዚ’ኮ ሃሊኻ ደሓን እቶ

  ሓዝሓዝ ጸኒሕካ ደበዚቶ

  ማይተመናይ ነይርካስ ንስታንታኦቶ

  ኣይጸናሕካን ኴድካ ንመደሽቶ

  ቀይርካ ኸኣ ኢለሙና ንዓዲ ኣበይቶ…

እዚ ገለ ክፋል ናይታ ኣብ 90ታት ዝተገጥመት’ሞ፡ ህቡብነታን ተቐባልነታን ዘየጥፈአት ግጥሚ እዩ።

ካልእ ተሳታፊ ናይቲ መደብ፤ ግጥምታት መለስ ብምስትምቓር ጥራይ ዝሕለፉ ከም ዘይኰኑን ክንዮኡ ዝኸይድ ትርጒምን ዕምቆትን ከም ዘለዎም፡ መለስ ዝጥቀመሉ ኩርናዕ ዘገርምን ካብ ናይ ካልኦት ገጠምቲ ዝፈልዮ ምዃኑ’ውን ገሊጹ።DSC_1037

ቀጺሉ መድረኽ ዝተቐበለ ስነ-ጥበበኛ መለስ፡ ነታ ‘ንጉሰ ወደቦይ እልፉ’ እትብል ግጥሙ ድሕሪ ምንባብ ናብ ተዓዘብቲ ንዘተ ኣውረዳ። ኣብታ ግጥሚ ብዙሓት ሓሳባት’ኳ እንተ ተቐልቀሉ፡ ኣብ ጥበብ ኣተሃናንጻን ኣነዳድቓ ቃላትን ግና ጽቡቕ ተቐባልነት ረኺባ እያ። እዛ ኣብ ኣፈ-ታሪኽ ናይ ‘ንጉሰ ወደቦይ እልፉ’ ዝተመርኰሰት ግጥሚ’ዚኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ሓሳባት’ኳ እንተ ኣለዓዓለት፡ ጅግና መን እዩ፧ ንዝብል ረዚን ሕቶ ግና መልሲ ከተናድየሉ እያ ትፍትን። መለስ ነዚ ረዚን ሕቶ’ዚ በተን መወዳእታ ሓረጋት ናይታ ግጥሚ ክምልሶ ፈቲኑ፤

…ንጉሰ ወደቦይ እልፉ፡ ሓሊፍካ ኢኻ ከምቶም ዝሓለፉ

ኣየናይ ጅግናኸ ኣብ ዓለም ተሪፉ ኣየናይ ጅግናኸ መዋእል ጸንፊፉ

ንጅግና ጅግና ዘብሎስ፡ እቲ ምዂላፉ’ዩ እቲ ምዂላፉ!

ኣብታ ምሸት፡ መለስ ነተን ካብ ተዓዘብቲ ዝቐረባ፡ ማለት፡ “ግጥሚ ናጽነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ፧” ከምኡ’ውን “ክንደይ ዓይነት ግጥምታት ኣለዉ፧” ዝብላ ሕቶታት ከምዚ ብምባል መሊሱ፡ “መጀመርያ፡ ግጥሚ ናጽነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ፡ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን። ግጥሚ ክህነጽ ከሎ ሓደ ምስሊ ክሃንጽ እዩ ዝፍትን። ሰማዒ ድማ ብዝመስሎ ክወስዶ ምሉእ ናጽነት ኣለዎ። ናይ ግጥሚ ናጽነት ድማ ብዝያዳ ኣብዚ ይርአ። ከም ተወሳኺ’ውን ኣብ ግጥሚ ንህይወት ዘይብሎም ነገራት ህይወት ብምልባስ ከም ድላይካ ከተዛርቦም ይከኣል እዩ። ግጥሚ ዋላ’ኳ ገዚፍ ናጽነት እንተሃለዎ፡ እቲ ገጣሚ ግና ዝኣክል ናጽነት የብሉን። ሓደ ሓደ እዋን ገለ ሰማዕቲ ጠቕላላ ዘየለ ዝሓስቡ ኣለዉ፡” ብምባል መለሰ።

ቀጺሉ፡ ዓይነታት ግጥሚ መወዳእታ ከም ዘይብሎም ብምግላጽ፡ “ንሕና ብልምዲ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ከም ዘለዉ እዩ ዝመስለና። እቲ ዘገርም ግና መቝጸሪ ዘይብሎም ምዃኖም እዩ። ሓደ እንግሊዛዊ ተመራማሪ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ኣብ ናዕታ (rhythm) ጥራይ ምርኲስ ብምግባር ከባቢ ዓሰርተ ሽሕ ዓይነታት ግጥሚ ብስሙ ኣጽሒፉ ኣሎ። ስለዚ፡ ዓይነታት ግጥሚ ክንድ’ዚ እዮም ምባል ኣጸጋሚ እዩ። ግና መቝጸሪ ዘይብሎም ምዃኖም ክነግረካ እፈቱ። እዞም ንሕና እንጥቀመሎም ዓይነታት ግጥሚ ግን እቱዋት እዮም።”

ቀጺሉ መለስ፡ ናብ ምንባብ ግጥሚ እዩ ኣትዩ። ኣከታቲሉ ድማ ‘እቲ ዘርዓይ’፡ ‘ሰዶ ደኣ’ ከምኡ’ውን ‘ሩባ ዓድና’ ዝብላ ግጥምታት ኣቕሪቡ። ብፍላይ፡ ሩባ ዓድና ክትንበብ እንከላ ኣዳራሽ ጸጥ በለ።

መለስ፡ ብጠለብ ተዓዘብቲ ‘ሰብ ተሳኢኑ’ እትብል ኣብ ሰብኣውነት ደቂ ሰባት ዘተኰረት ግጥሚ ኣቕሪቡ። ድሕሪ’ዛ ግጥሚ ሓደ ተሳታፊ ክልተ ርእይቶታት ኣቕሪቡ። ስነ-ጥበባውያን ሃገርና ንታሪኽና ክስንድዎ (ንኣብነት ንኣፈ-ታሪኽና) ከም ዘለዎም ኣጥቢቑ ኣዘኻኺሩ። ቀባእቲ ንባዕሎም ንዝተፈላለዩ ግጥምታት ናብ ሕብሪ ብምቕያር ህያውያን ክገብርዎም ከም ዝኽእሉ ምኽሩ ለጊሱ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ መደብ፡ መለስ ክልተ ግጥምታት፡ ማለት፡ ‘ቀድሽ ናትኪ ይሓይሽ’ን ‘እንስሳ ዘገዳም’ን ምስ ኣቕረበ ብድሙቕ ጣቕዒት ተሰንዩ መደብ ተዛዘመ።

ዘበነ ኲዕሶ

እግርን ርእስን ተወዳዲሩ

ለካ ተምሳል ዓለም፡ ቖርበትን ንፋስን ዝሰራሰርሉ

እግሪ ኮይኑ ርእሲ ኩሉ

በሉ ኣንቱም ምሳይ ተዕልሉ

ቆቢዕን ካልስን ቦታ ካብ ተቐያየሩ

ንፋስ ከይኣትወኩም ብርእስኹም ገይሩ

ካልስኹም ምለስዎ ኣብ ርእስኹም

(Visited 246 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons