ምስትምቓር ዳዕሮ፡ ኣብ ጽላል ሞሞና

ሽሻይ ሓይልኣብ

      ኣስተማቐርቲ ናይ’ቲ ኣብ ኣድራሽ ዳዕሮ ሃማመተኤ ዝካየድ ክልተ ሰሙናዊ መደብ ምስትምቓር ጥበብ በቦታኦም ምስ ሓዙ፡ ኣላይ መድረኽ ኣሮን ወልደሚካኤል ንዕዱም ናይቲ ምሸት፡ ንድምጻዊ ኣማኒኤል ወልደጋብር (ሞሞና) “በየነይቲ ደርፍኻ ክትጅምር ትደሊ?” ብምባል ነቲ መደብ ጀሚሩዎ። ኣእዛን ሰማዕቲ ነታ ብህድኣት ትዋዝም ዝነበረት፡ ክትሰምዓ እትበሃግ ክራር ሞሞና ክሰምዓ ተዳለዋ። ድምጻዊ ኣማኒኤል፡ በታ ሳጓኡ ዝተቐየረት ደርፊ “ሞሞና” እዩ ጀሚሩ። ነቲ ክትሰምዖ ዘወናውን ድምጹ ምስ ክራሩ ኣወሃሂዱ ንመድረኽ ጸጥ ኣበሎ። ዕምቆትን ዝኽሪን ደርፊ ሞሞና ድማ ተሓደሰ። ንመብዛሕትኦም ተዓዘብቲ ናብ ከባቢ 23 ዓመታት ብምምላስ ምስታ ደርፊ ዘለዎም ዝኽሪ በርበሮ። ገለ ካብ ተሳተፍቲ ድማ ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ኰይኖም “ሞሞና” እናደረፉ ንሳዋ ክወርዱ ምስሊ ስለ ዝፈጠረሎም ኣብ ዝኽሪ ተዋሕጡ።

           ዓንዲ ናይ ሂወተይ፡ ምጭውቲ ኣፍቃሪተይ

           መርሃዊት ናይ ጭንቀይ፡ ምሳኺ’ዩ ልበይ

           ብርሃን ናይ ገዛና ኣንቲ ብዓልቲ ለይተይ

  ቀንዴል ልበይ ኢኺ ንዓይ መናብርተይ…

ምስ በለ፡ ኣዳራሽ ጣቕዒት ኣንጐድጐደ። ፍሉይ ቅዲ ህርመቱ፡ መቐረት ዜማኡ፡ ቅላጸኡ፡ ምልከት ክራሩ፡ ጣዕሚ ድምጺ. . . ንተዓዘብቲ ትንፋስ ጥበብ ለጊሱ፡ መበገሲ ሓሳብ ናይዛ ደርፊ ከዘንቱ ዕዝም በለ። “ኣጀማምራኣ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት እንከለኹ፡ ብሃማመተኤ ዝተወደበ ናይ ስነ-ጽሑፍ ውድድር ስለ ዝተሰርዐ፡ በብዓውድኹም ስራሕኩም ኣቕርቡ ምስ ተባሃልና’የ ኣቕሪበያ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብ’ተን ብሉጻት ደርፍታት ስለ ዝዀነት ድማ መተባብዒ ረኺበላ፡” በለ።

ፍሉይ መለለዪ ዘለዎ ደርፍታቱ ብምኡዝ ህርመት እናኣመስከረ ድማ’ዩ ዛራ ፍርያቱ ንምውሓዝ ናብታ ምስ “ሞሞና” ዝሰርሓ “ኣራንሺ” ዘርእስታ ደርፉ ዝሰገረ። ‘ኣራንሺ’ ተመሃራይ እንከሎ፡ ዓርኩ ንዝነበረት ተመሃሪት’ዩ ደሪፉላ። ፍቕራዊ ላዛ ብዘለዎ ናፍቖታዊ ቋንቋ ድማ’ዩ ናብታ ካብ ከረን ናብ ቤት ትምህርቲ ሰማእታት መጺኣ መማህርቱን ኣፍቃሪቱን ዝዀነት ጓል ከረን ዝደረፈላ።

     ሸሊል ተቖኒና፡ ልውየት ዝኽዳና… ኣፍቃሪተይ

     እታ ጀብጀብ ጸጒራ ናፊቐያ ሉላ… ኣፍቃሪተይ

     መርሓባ በልኒ፡ ንዒ ኣዛርብኒ… ጸምዩኒ

     ኣራንሺ መልክዓ፡ ኣነስ ነይርስዓ…

ድምጻዊ ኣማኒኤል (ሞሞና)፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ንሳዋ ክወርድ እንከሎ፡ ንመሞናን ኣራንሽን ዘርእስተን ደርፍታቱ ሒዙ’ዩ ወሪዱ። ምስኡ ኣብታ “ሳዋ” ዘርእስታ ህብብቲ ደርፊ ዝደርፍ ድምጻዊ ሙሴ ሓድሽ’ውን ኣካል ናይቲ መደብ ኰይኑ ምስትምቓሩ ኣብ ደርፍታት ድምጻዊ ኣማኒኤል ወልደጋብርን ዝኽርታቱን ኣካፊሉ።

ንደርፍታቶም ኣብ ስቱድዮ ብምቕራጽን ሞራል ብምሃብን ንምዕባለኦም ደራኺ ሓይሊ ዝፈጠረሎም ጋዜጠኛ ደበሳይ ወልዱ ምዃኑ ክልቲኦም ድምጻውያን ኣመስጊኖሞ። ሞሞና ብዘይካ እዘን ልዒለን ዝተጠቕሳ ደርፍታት፡ “ከይድፈር ዶባታ” ዘርእስታ ደርፉ’ውን ምስ’ተን ኣብ ሳዋ ልዑል ሰማዒ ዝረኸባ ፍርያቱ ምዃና ይፍለጥ።

“23 ዓመት ንድሕሪት መሊስካና፣ እዚ በጺሕካዮ ዘለኻ ደረጃ፡ ፍረ ናይ ሽዑ ሰናይ ምንዮት፡ ተበግሶ፡ ናይ ስራሕ ወኒ፡ ሓያል ጻዕርን ብሉጽ ድስፕሊንን’ዩ። ከምዚ ኢልካ ዓቢ ድምጻዊ ኴንካ ክርእየካ፡ እቲ ንስኻን ሙሴን ደርፍታትኩም ሒዝኩም ክትመጹና፡ ብሉጽነት ደርፍታትኩም ኣስተብሂልና፡ ሓንሳብ ተሰሚዐን ካብ ዝሓልፋ ነበርቲ ክዀና ብምባል ክንስንደን፡ ህቡብነት ረኺበን ድማ ክቕጽላ…ተሓቢነ!” ክብል’ዩ ደበሳይ ወልዱ ዝኽርታቱ ኣብቲ ናይ ጥበብ ምስትምቓር ምሸት ኣካፊሉ።

ቀጺላ ንምስትምቓር ዝቐረበት ደርፊ “ማክዳ” እያ። ኣብ ተዓዘብቲ  ፍሉይ ተምሳጥ ዘሕደረት ማክዳ፡ ናይ ሓደ ኣፍቃሪቱ ምስ ጠፍኣቶ ናብ ፍጹም ቅልውላው ዝሽመም ሰብ ዛንታ’ያ ተዘንቱ። ነታ ሓንሳብ ተራእያ ዝተኸወለት ማክዳ እናደለየ ድማ’ዩ ናብ ብዙሕ ቦታታት ጋሽ ባርካ ዝጓዓዝ።

“ዜማታትካ ከስተማቕር’የ መጺአ። ጽቡቕ ድምጺ፡ ጽቡቕ ተዘክሮታት፡ እቲ ኣብ ስትድዮ ተመሊኡ ዝመጸካ፡ ኣብዚ ብህያዉ ከም ዘለዎ ክቐርብ ምኽኣሉ ንብቕዓትካን ሓይልኻን’ዩ መስኪሩ’ሞ እንቋዕ ኣሓጎሰካ። ድምጽኻ ምስቲ ኣብ ስቱድዮ ዝተመልአ ፍልልይ የብሉን!” ብምባል ሮቤል ከበደ ኣድናቖቱ ገሊጹ። ዋሕዚ ምስትምቓርን ተዘክሮታት ኣስተማቐርትን ድማ ቀጺሉ።

ቀጺላ ንምስትምቓር ዝቐረበት፡ ሓደ ካብ ኣስተማቐርቲ ዝሓረያ “ቤቱ” ዘርእስታ ደርፊ’ያ። እዛ ደርፊ ንቤቱ ዝተባህለት ጓሉ ዝደረፋ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ምስ ድምጻዊ ሙሴ ሓድሽ “ክሓልፍ’ዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝሰርሑዋ ኣልቡም ዘለዋ ደርፍታት ምዃና ጠቒሱ ናብ ኣስተማቐርቲ ኣውሪዱዋ። ንዓኣ ስዒባ ዝቐረበት ድማ ኣብ 2002 ዝተሰርሐት ኣብታ “ምስለይ” ዘርእስታ ኣልቡም ካብ ዝርከባ ደርፍታቱ’ያ። ስሙር ጣቕዒት ሓዚላ ድማ እርሩ ተባህለት።

ድምጻዊ ኣማኒኤል ወልደጋብር ክራር ቐይሩ ዘቕረባ፡ ኣእዛን ሰማዕቲ ብርሕዉ ገዲፋ ኣብ ዝኽርን መቐረትን ዝሸመመት “ጓል ከረን” እያ። ሕደማ ደርፉ፡ ክራሩ፡ ብዜምኡን ጣዕሚ ጎሮሮኡን ንጓል ከረን ከም ትርአ ኣምሲሉ ዝሃነጻ ገጸ-ባህሪ ድማ ኣብ መድረኽ ተኾሓሒላ ከም ትርአ ብምግባር ህያው ገበራ። ብምልኡ ኣስተማቓሪ ኣብ ፍጹም ጣዕሚ ሰጢሙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ምውድኣ ብድሙቕ ጣቕዒት ንድምጻዊ ኣማኒኤል ወልደጋብር ስለቲ ምኡዝን ህያውን ድምጹ መጐሶ።

“ናይ ብሌንን ትግረን ኣከዳድና እምብዛ’ዩ ዝምስጠኒ። ካብኡ ተበጊሰ ድማ’የ ንደርፊ ጓል ከረን ሰሪሐያ፡” ዝበለ ሞሞና፡ ክልተ ክራር እናኣበራረየ ምስ ውሃ ዘበሉ ደርፍታቱ’ዩ ኣምስዩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ካብታ ዓወት መንግስትኣብ ዝሰርሐን ግጥምታት፡ ድምጻዊ ኣማኒኤል ዜማታት ገይሩለን ዝተዳለዋ ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለወን ደርፍታት ዝሓዘት ኣልቡም ዝተወስደት ሓንቲ ደርፊ’ያ ንምስትምቃር ቀሪባ። ኣብ ባህላዊ ስርሓቱ ዘይሰንፍ ብቕዓት ዘመስከረ ሞሞና፡ ኣብ ዘመናዊ ቅዲ ዘለዎ ሓይሊ ግን ብብዙሓት ዘፍተዎ እዩ። ዝበዝሑ ካብ ወሃብቲ ርእይቶ ድማ ኣብዚ ዝያዳ ሰማዒ ረኺቡሉ ዘሎ ዘመናዊ ቅዲ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ተማሕጺኖም።

“ሞሞና፡ ክበሃል እንከሎ ልስሉስን ዓቢን፡ ኣብ ሓጋይ ዓቢ ቆጽሊ ዘውጽእ፡ ኩሎም ኣግራብ ኣቚጽልቶም ኣርጊፎም እንከሎው ዝጥጥዕ፡ ተስፋ ዝህብ፡ ኣንፊ ሰናይ ክራማት ዝሕብር፡ ዝደረቓ ጤለ-በጊዕ ናብ ክረምቲ ዘስግር፡ ብቐሊሉ ዘይበርስ፡ ዓቢ ገረብ’ዩ። ከም ከበሮ፡ ጋብላ መስተዪ ከብቲ፡ ዓቢ ማዕጾ ኰይኑ ዘገልግልን ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝንኣድ ኣስተዋጽኦ ዘለዎን ገረብ’ውን’ዩ። ሞሞና ድማ ናይ ‘ሞሞና’ ወሲድካ፣ ኩሉ ደርፍታትካ ፈውሲ ልብን እዝንን እዩ። ሓወልቲ ኴንካ ኢኻ ትስምዓኒ። ምኽንያቱ፡ እዞም ኩሎም ኣብ ሃይስኩል ርእየ ዘይጸገብኩዎም ‘ከይድፈር ዶባታ’ እናበሉ ምሳኻ ዝወፈሩ፡ ልኡላውነት ሃገር ከውሕሱ፡ ሪሞም ከየድፈሩ ዝሓለፉ… ንስኻ ናታቶም ሓወልቲ ኴንካ ኢኻ ትስምዓኒ። ‘ሞሞና’ እታ ደርፊ’ውን ናይ ብሓቂ’ያ ሞሞና፡” ብምባል’ዩ እንጅነር መዓሾ ተወልደ ንደርፍታት ሞሞናን ከይድፈር ዶባታን ብመንጽር እታ ደርፍን ነታ ደርፊ እናደረፉ ዝሓለፉ ብጾትን እናዘከረ ምስትምቓሩ ገሊጹ። “ካልእ፡ ደርፍታትካ ዝያዳ ዝምስጡኒ ኣብ መንገዲ ባጽዕ’ዮም… ደርፍታትካ እናሰማዕኩ ኣብ ጽርግያ ዓርበ-ረቡዕ ካብ ናብ ክጠዋወ እንከለኹ… ምስ ደርፍታትካ’የ ካብን ናብን ዝወዛወዝ፡” ብምባል ድማ ንድምጻዊ ኣማኒኤል (ሞሞና) ዕድመን ጥዕናን ተመንይሉ።

ስዒበን ምስትምቓር ዝተገብረለን ደርፍታት፡ “ኣስመራ ኢልኪ”ን “ዑፍ ገነት”ን እየን። መቐረት ፍረ ነገርን ድንቂ ኣሰራርሓ ዜማታትን ናይ’ዘን ደርፍታት ዘንቀሎ ድማ ብዙሕ ተዘኪሩን ተስተማቒሩን። ስዒባ “ምነት” ካብ ዘርእታ ኣልብሙ ባህላዊ ጣዕሚ ዘለዋ ደርፊ ምስ ቀረበት፡ ኣብ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ዝቐረበት “ህዝበይ” ዘርእስታ ደርፊ ብክራሩ ኣወሃሂዱ ናብ ሰማዕቲ ኣቕሪቡዋ።

“ዮናስ’የ ዝበሃል። ኣብ 1994 ኣብ ሳዋ ጻዕዳ እሾኽ፡ ጻዕዳ ቴንዳ፡ ጻዕዳ ጸሓይ ጥራይ’ዩ ነይሩ። ደርፍታት ሞሞናን ናይ ድምጻዊ ሙሴ ሓድሽን ግን ብብቕዓተን ቅቡላት ኰይነን ነቲ ናይ ሽዑ ወፍሪ ቅቡል ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ተጻዊተን። ሽዑ ሞሞናን ሳዋን ነቲ ጸሓይ በዲሀን ዓቢ ጽላል ኰይነናና። ዋላ እቲ ሽኾኽ ወጊኡካ እንከሎ ምስማዕ እተን ደርፍታት ከየቋረጽካ ኢኻ ምንቃስ ትቕጽሎ…” ብምባል’ዩ ተምሳጡ ገሊጹ ዮናስ።

ብድሕሪ’ዚ፡ “ኣደ” ዘርእስታ ደርፊ’ያ ንምስትምቓር ቀሪባ። ዝተመደበ ሰዓት ሓሊፉ ክነሱ፡ ብጥበባዊ ጣዕሚ ዝተሓልከ ኣእምሮ ኣስተማቐርቲ ግን ምንቕ ምባል ኣበየ። “ዑፍ ገነት” ዘርእስታ ደርፉ ምስ ቀረበት ግን ምስትምቓር ጥበብ ናይቲ ምሸት ክዛዘም ግድን ኰነ።

ቀጺልና ንገለ ካብቲ ብዙሕ ንድምጻዊ ኣማኒኤል ወልደጋብር ዝቐረበሉ ሕቶታትን ዝሃቦ መልስን ነቕርብ፤

ሕጂኸ ካባኻ እንታይ ኢና ክንጽበ?

ኣልቡም ወዲአ ኣለኹ። ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ክዝርግሓ’የ።

“ምኪኤል በርሀ እበሃል፣ ማክዳን ተለመንን” ዘርእሰተን ደርፍታትካ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ተመርኲሰን ዝተዓየያ’የን ሰሚዐ’ሞ ዛንትአን ከመይ’ዩ?

ማክዳ ፍቕራዊ ጒዕዞ ናይ ሓደ ወዲ ኣሃዱናን ኣፍቃሪቱን እተዘንቱ ደርፊ’ያ። ኣፍቃሪቱ ጓል ኣቚርደት’ያ ነይራ። እቶም ፍቑራት ጽቡቕ ሂወት ዘሕልፉ ዝነበሩ’ዮም። ኣብ ሓደ እዋን፡ ዓሊግድር ኣብ ዝነበርናሉ ኣጋጣሚ፡ ዓርክና ካባና ተፈልዩ ንኸተማ ይኸይድ’ሞ፡ ሃንደበት ማክዳ ኣፍቃሪቱ ምስ ካልአይታን ሓደ ወድን ኣብኡ ትጸንሖ። ዘይተጸበዮ ተራኺቦም። እንተዀነ፡ ወተሃደራዊ ክዳውንቱ ቀይሩ ንኽምለሳ ማክዳ ብዝሃበቶ ሓሳብ ናብቲ ኣሃድኡ ዝነበሩዎ ከደ። ናብ ዓሊግድር ምስ ተመልሰ ግን ንማክዳ ክረኽባ ኣይከኣለን። ተመሊሳ ከይትኸውን ኢሉ እግሪ-እግራ ክሳብ ተሰነይ ስዒቡ፣ ኣይረኸባን። ስለዚ ድማ ኣነ ማክዳ በሉለይ ኢለ ሰሪሐያ።

ተለመኒ ድማ ዝፈትዋ ንዝነብርኩ ጓል ደሪፈላ ቅድሚ ምሕታማ ኣብ ካሴት መሊአ ሂበያ ምቕባል ኣብያትኒ – ነታ ካሴት መሊሳትለይ (ንሕቶይ ኣይተቐበለቶን ማለት’ዩ)። ደሓር እታ ደርፊ ምስ ኣልቡመይ ወጺኣ ጽቡቕ ክትስማዕ ምስ ጀመረት፡ ንዓኣ ተባሂላ ከም ዝተደርፈት መረጋገጺ ስለ ዘይነበራ “እታ ሂብካኒ ዝነበርካ’ባ ምለሰለይ” ኢላትኒ… ኣይሃብኩዋን።

ሞሞና ዳርጋ ኩሉ ደርፍታትካ ካብ ከረን ንታሕቲ፡ ንከባቢታት ባርካ’ዩ ዝወስደካ። እቲ ቦታታት ምስ ሂወትካ እንታይ ምትእስሳር ኣለዎ? ከይሓባእካ ንገረና።

ጓል-ከረን፡ ኣራንሺ፡ ማክዳ ሰለስቲአን ኣብቲ ከባቢ’የን ዘዂድዳ። ቀዳመይቲ ዓርከይ ብሌን’ያ ነይራ፣ ጓል ከረን ማለት’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ኣከዳድና ብሌንን ትግረን እምብዛ’ዩ ዝምስጠኒ…ብኸምኡ’የ ብደርፍታተይ ንኸረን ገጸይ ምጒዓዝ ዝፈቱ።

(Visited 48 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons