መን’ዩ ዝሽምግል?

ሄለን መኸተ,

ሽምግልና ባህላውን ሃይማኖታዊን ሰረት ዘለዎ ንኣሽሓት ዓመታት ዘካየደ ኣገባብ ምሕደራ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ንሕብረተሰብና ብሰላምን ብስኒትን ክነብሩ ዘኽኣሉዎ መፍትሒ ማሕበራዊ ግርጭታት እዩ። ሽምግልና፡ ሕረተሰብና ኣብ ዘካይዶም ዓበይቲ ንጥፈታት ወይ ዝኽሰቱ ኣጋጣሚታት ንዝውሰድ ስጒምቲ ተወሳኺ ሓሳባት ንምፍልፋልን ውሳነታት ንምውሳድን ዘገልግል ኣገባብ’ዩ ክንብሎ ንኽእል። ሽምግልና፡ ኣብ መብዛሕትኡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ሕብረተሰብና፡ ኣብ ምስምማዕ (ስምምዕ ቃል ኪዳን) ይዂን ኣብ ዘይምስምማዕ (ግርጭት ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር) ዝውቱር ነይሩን ኣሎን። ሽምግልና ዝድለየሉ ምኽንያት ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ብሕጽር ዝበለ ናይ ሳልሳይ ኣካል ሓጋዚ ኣበርክቶ ምስ ዝድለ ሓደ ካብኡ እዩ። ንኣብነት፡ ክልተ ስድራቤታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ይገራጨዋ’ሞ እቲ ዘጋራጨወን ምኽንያት ክፈትሓኦ ምስ ዘይክእላ ንኽልተአን ዝፈልጡ፡ ፍቕሪ እዘን ስድራቤታት ዘገድሶምን ዝርድኦምን ሽማግለታት ብምምራጽ ናብ ናይ ዕርቂ መኣዲ ምምጽኦም ማለት’ዩ።

ኣብቲ ቅኑዕን መሰረታዊን ኣገባብ ሽምግልና፡ ሃንደራእ ኢልካ  ሽማግለታት ከም ዘይምረጹ’ዮም ኣቦዋት ዝነግሩ።  ሽማግለታት፡ ናይ ውልቀ-ሰባት ይዂን ናይ ስድራቤታት ውሳነታት ከይተረፈ ኣብ ምውሳን ኢድ ስለ ዘለዎም፡ ነዚ ዓቢ ሓላፍነት’ዚ ብግቡእ ከተግብሩ ዝኽእሉ ምዃኖም ኣቐዲምካ ምርግጋጽ ኣገዳሲ እዩ። ሽማግለ ንምዃን ዝሕተቱ ረቛሒታት ሓቀኛ፡ ፍትሓዊ፡ ለዋህ፡ ለባም፡ ዓቃል፡ ህዱእ፡ ኣመዛዚኑ ዝሓስብ፡ ስምዒታቱ ዝገትእ፡ . . . ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ ሸምገልቲ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡዎን ንሰብ ጒዳይ (ውልቀ-ሰባት ይዂኑ ስድራቤታት) ብቐረባ ዝፈልጡዎም ክዀኑ ይሕተቱ። ምኽንያቱ፡ ንረብሓ ናይቶም ሰብ ጒዳይ ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነታት ክውስኑ ስለ ዝግደዱ። ጉዳይ ዕድመ ሸምገልቲ’ውን ዝያዳ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ብፍላይ ቀደም፡ ዕድመ ቀንዲ መለክዒ ልቦና ስለ ዝነበረ ዝያዳ ኣተኲሮ ዝወሃቦ እዩ ነይሩ። ድሒሩ ግን ምስ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ኣገዳስነቱ ከም ቀደም ኣሎ ኣይበሃልን።

ኣብዚ እዋን’ዚ መን’ዩ ዝሽምግል ዘሎ? ኣብ ዘጓነፉኒ ሽምግልና ዘድልዮም ኣጋጣሚታት፡ ሸምገልቲ ወይ ሽማግለታት ተባሂሎም ዝመጹ ቅኑዓት፡ እሙናት፡ ፍትሓውያን፡ ለዋሃት፡ ለባማት፡. . . ዝባህሪኦም እዮም። ንሳቶም ከኣ ኣቦታት፡ ሓወቦታት፡ ኣኮታት፡ ኰይኖም፡ ኩሎም “ሰብኡት” ወይ “ደቂ-ተባዕትዮ” እዮም። እሙናት፡ ቅኑዓት፡ ፍትሓውያን፡ ለዋሃት፡ ለባማት፡ . . . ኣደታት፡ ሓትነታት፡ ኣሞታት፡ መማህራን፡ መሳርሕቲ፡ መቃልስቲ የብልናን ድዩ ኰይኑ? ብግደ ሓቂ ነቶም ዝሽምግሉ ለባማት ኣደ’ኳ እያ ወሊዳ፡ ኣዕብያቶምን ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሓቶምን። እቲ ኣደ ዘስረጸትሎም ሓልዮትን ፍትሕን ወዲ ስለ ዝዀነ ካብ ኣደኡ ንላዕሊ ኣብ ናይ ሓፍቱ ጉዳይ ንበይኑ ዝጽወዓሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ብወገነይ፡ ብጌጋ ርድኢት ዝተገብረ እዩ ኣይብልን፣ ብዘይዝዀነ ምኽንያት’ውን ኣይከውንን፣ ተመሳሳሊ መስርሕ’ውን ኣብ መውስቦ ይርአ እዩ። ምናልባት ኣቦ ኣብ ሓፈሻዊ ኣልያ ስድራቤት ዓቢ ተራ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ምዕባይ ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዋልድ ደቆም ግን ብዙሕ ኣይጸንሑን። ወረ ዝምልከቶም ዘይመስሎም ብዙሓት እዮም። ኣብ ምሃብን ምኽላእን ግን ሰብኣይ ክህሉ ኣለዎ ጥራይ ዘይኰነ እቲ እንኮ መራሒ’ውን ንሱ እዩ።

ወላ’ኳ እቶም ዝምረጹ ሽማግለታት ንፍቕርን ፍትሕን ሕብረተሰብ ይስርሑ፡ ምሉእ ብምሉእ ጸገማት ደቀንስትዮ ክርድኡ ይኽእሉ ዶ? ደቀንሰትዮ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ከኣ ደቀንስትዮ ሕብረተሰብና፡ እንተዀነ ማዕረ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ሕልፊ ተሳታፍነትን ተራን ኣብ ኩሉ ጽፍሒታት ከም ዘለዋ ዝስሓት ኣይመስለንን። እቲ ሕጊ ተፈጥሮ ዝሓቶ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ታሪኽ ኤርትራ ምስ እንውከስ ካብ ምእላይ፡ ምሕብሓብ፡ ምምሕዳር ሓሊፉስ ኣብ ምምራሕ’ውን ፍሉይ ኣበርክቶን ጅግንነትን ከም ዝነበረን ይትረኽ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ምሩጽ ዘርኢን ዜጋን ወሊዳ ኣዕብያ ከተብቅዕ፡ ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጽሑ ናታ ፍታውን ጽቡቕ ድሌትን ድሕሪት ክስራዕ፣ ንቡር ተባሂሉ ኣብ ምዕባይ ይዂን ኣብ ጸገም ናይታ ስድራ ዘይነበሩ ሽማግለታት ተባሂሎም ክመጹ ከለዉ ነቲ ኣብ ባህልና ዓቢ ትርጒምን ኣገዳስነትን ዘለዎ ሽምግልና ሕማቕ ስእሊ ዝህብ ኰይኑ ይስምዓኒ።

እታ ኣብ ከብዳ ንትሽዓተ ወርሒ ጸይራ፡ ወሊዳን ኣዕብያን ሰብ ዝገብረቶ ኣደ፡ እንታይ ጐዲሉዋ እዩ ዝጓኒዩዋ? ዝብል ሕቶ ኣብ ርእሰይ ይመላለሰኒ እዩ። እቲ ዝወሃብ መልሲ ኸኣ ኣብ ባህልና ጓል ወይ ሰበይቲ ሽማግለ ኣይትኸውንን እያ “ነውሪ” እዩ ዝብል ይኸውን።

“ደድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዕዉት ሰብኣይ ሰበይቲ ኣላ” ይብሉ ለባማት፣ መብዛሕትኦም ሽማግለታት’ውን ንዝገጠሞም ከቢድ ጉዳይ ምስ በዓልቲ ቤቶም ኣብ ገዛ ከም ዝላዘቡን ሓገዝቲ ሓሳባት ከም ዝህባኦምን እዮም ዝነግሩ። ክንድዚ ብቕዓትን ኣበርክቶን እንተ ሃልዩዋ እንታይ ደኣ ከም ሰባ ብግቡእ ኣብ ቅድሚት ወጺኣ ሓሳባታን ውሳኔታታን ዘይተካፍል? ኣብ ናይ ገዛኣ ጉዳይ ሽምግልና፡ ኣብ ናይ ደቃ ሽምግልና ክትሳተፍ እንተ ዘይክኢላ፡ ኣብ ደገ ናይ ዝተሳተፈትን ዘመሓደረትን እንታይ ረብሓ ይህልዋ? ናይ ብሓቂ ሽምግልና ወይ ሽማግለ ፍትሓዊ እዩ ንብል እንተሊና ናይ ክልተ ወገን ምሉእ ተሳታፍነት’ውን ክድግፍ ኣለዎ፣ ፍትሒ ንኹሉ ብማዕረ ስለ ዝርኢ። ባህልና እቲ ኣብ ጽቡቕን ሕማቕን ነዚ ሕብረተሰብ ተሪሩ ክጸንዕን ክሳብ ሕጂ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገርን ዘኽኣሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ መጥመሪ ምዃኑ ኣብ ግምት እናኣእተና ነቲ/ታ ኣብ ሕብረተሰብ ልዑል ተራ ዘለዋ/ዎ ኣካል ግን ዝግባኦ/ኣ ክብረትን ናይ ተሳታፍነት ዕድልን ክህብ ይግባእ።

(Visited 36 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons