ሓድሽ ስርዓተ ትሕዘት መሬት ተዘትይሉ

 ክፍለ በላይ,

“ኤርትራ ዓድናን ሃገርናን ምግባራ’ዩ እቲ ኣማራጺ ናይ ምዕባለ፡” ኣቶ ጸጋይ ተኣምራት

ኣዳራሽ  ‘ዳዕሮ’ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብሃማመተኤ እናተወደበ ዝካየድ ክልተ ሰሙናዊ መደብ ዘተን ሰሚናርን፡ 10 ነሓሰ 2017 ኣብ ኣዋጅ መሬት ዘተኰረ ሰሚናር ኣእንጊዳ ኣምስያ። “ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ሓድሽ ስርዓተ እጀታ/ትሕዘት መሬት ኣድልዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቶ ጸጋይ ተኣምራት፡ ግዜያዊ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ መሬት ተዋሂቡ። እዚ ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወሰደ ሕቶን መልስን ርእይቶን ዘጠቓለለ ሰሚናር’ዚ ትሕዝቶ ኣዋጅ መሬት 58/94፡ ኩነታት መሬት ቦንድ፡ መሬት ሕርሻ፡ መሬት ከተማ፡ ሕቶ መሬት ብመንጽር ደቀንስትዮ፡ ወዘተ። ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ተዘትዩሎም።

መሬት ዝተፈላለየ ትርጉም’ዩ ዘለዎ። መሬት ቅርሲ፡ ሃብቲ፡ መንነት፡ ፍርያምነት፡ ወዘተ. ዝብል ትርጒም ክወሃቦ ይኽእል’ዩ። መሬት ከም ንብረትን ኣብ ልዕሊኡ ህይወት ዝካየደሉን ቦታ ኢልካ’ውን ክትርጐም ይከኣል’ዩ። ኣቶ ጸጋይ፡ ኣብዚ ካልኣይ ትርጒም ምርኵስ ገይሩ’ዩ መግለጺኡ ኣቕሪቡ። መሬት ከም ንብረት መጠን ግቡእ፡ መሰል፡ ሓለፋ፡ ከምኡ’ውን መቕጻዕቲ ዝኣመሰሉ ኣምራት ዘጠቓለለ’ዩ። መንግስቲ ከም ምምሕዳራዊ ትካል ንመሬት ከወሃህድን ክቈጻጸርን ሓላፍነቱ’ዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኽ ንኤርትራ ዝገዝኡ ስርዓታት ኢጣልያ፡ እንግሊዝን ሃይለስላሰን መሬት ክሽየጥ፡ ክልወጥ፡ ብትሕጃ ክትሓዝ፡ ብህያብ ክወሃብ የፍቅዱ ነይሮም። ኣብ ስርዓት ደርጊ ግን መሬት ከም ናይ ማእቶት ረቛሒ እዩ ዝርአ ነይሩ። ኣብ ናጻ ኤርትራ መሬት ኣቕሓ ስለ ዘይኰነ፡ መሬት ኣይሽየጥ-ኣይልወጥ፡ ብትሕጃ ኣይተሓዝ፡ ብውህብቶ ኣይወሃብ። ብኻልእ ኣበሃህላ መሬት ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ልምዓት ወይ ማእቶት ረቛሒ (Factor of Production) እዩ ዝርአ።

DSC_0432 - Copy

ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ጀሚሩ መሬት ግቡእ ምሕደራ ዘድልዮ ጸጋ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቦ ንዋንነቱ ዝምልከት ያታዊ ኣተሓሕዛ ነይሩዎ’ዩ። ርስቲ፡ ዴሳ፡ ኳሕ ማሕጸ፡ ዕርፈ-ዕርፊ፡ መሬት መስቀል፡ ሎግናሚካታ፡ እጀታላጋ፡ ወይ ኢምባሊጋ፡ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ልምዲታት ነይሮም። ጸኒሑ መግዛእቲ ጣልያን ዶምንያለ ዝበሃል ስርዓተ-እጀታ መሬት ኣተኣታትዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ጸጋይ ተኣምራት፡ እዞም ዝተጠቕሱ ኩሎም ያታውያን ኣተሓሕዛ መሬት ብኣዋጅ 58/94 ተተኪኦም። እዚ ኣዋጅ ስርዓተ-መሬት ኤርትራ’ዚ ክልተ መሰረታውያን ነጥብታት ዝሓቖፈ’ዩ። ንሳቶም፤

  • ማዕርነት ኣብ መሰል ተጠቃምነት መሬት። እዚ ማለት መሰል መሬት ምንጪ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝፍጠር ናይ ሃብቲ ጋግ ኣይከውንን።
  • ውሕሉል ኣጠቓቕማ መሬት ብምዝውታር ኣብ መሬት ዘይተደልየ ኣሉታዊ ኣከባብያዊ ሳዕቤን ከም ዘይህሉ ምግባር።

እዚ ንልምዓት ዝድርኽ፡ ግርጭታት ዝውግድ ኣዋጅ መሬት 58/94 ኣብ ነሓሰ 1994‘ዩ ተኣውጁ። ኣዋጅ መሬት 58/94፡ ሓምሳን ሰለስተን ዓናቕጽ ዝሓዘ ኰይኑ ብመትከል መሬት ናይ መንግስቲ ዝገበረ ኣዋጅ’ዩ። ንናይ ኣጠቓቕማ ኣገባባት ድማ ሕጋዊ ምልክታ 31/97 ኣውጺኡ። ብመሰረት ኣዋጅ መሬት ኣብ ኤርትራ ሰለስተ መሰረታውያን ዓይነት መሰላት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ መሰል ጤሳ፡ መሰል ተጠቃምነት ሕርሻ፡ መሰል ክራይ (ንምንበሪ፡ ንትካል፡ ሕርሻ፡ ካልእ) እዮም። ኣቶ ጸጋይ ተኣምራት ካብቶም 53 ዓናቕጽ ኣዋጅ መሬት 58/94 ኣዕኑድ ናይቲ ኣዋጅ’ዮም ዝበሎም 12 ዓናቕጽ ብምብራህ’ዩ ንትሕዝቶ እቲ ኣዋጅ መብርሂ ሂቡሉ። ገለ ካብ ትሕዝቶኡ፤

  1. መሬት ናይ መንግስቲ ናይ ሃገር’ዩ። ዝዀነ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝህሉ መሰል ብኣፍልጦን ፍቓድን መንግስቲ ጥራይ ይኸውን፣
  2. መሬት ብውርሻ፡ ብመሸጣ፡ ብህያብ ክመሓላለፍ ኣይክእልን፣ ብትሕጃ ክተሓዝ ኣይግባእን፣
  3. ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ወይ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ኣካል ኣብ ልዕሊ መሬት ናይ ተጠቃምነት መሰል ጥራይ ይህሉዎ፣
  4. ኣገባብ ኣተሓሕዛ መሬት ኣብ ቃጽዖ ዝተሰረተ (Parcel based) እዩ። ሓደ ሰብ ወይ ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ኣካል ምስ ሓንቲ መሬት ይትሓሓዝ፣
  5. ኣብ ገጠራት ንዝርከባ ዓድታት መንግስቲ ነተን ኣብተን ዓድታት ዝነብሩን ብመሬት ተጠቂሞም ዝነብሩ ሰባት ንመንበርን ሕርሻዊ ንጥፈታትን ዝኸውን መሬት ይፈልን ይዕድልን፣
  6. ኣብ መሰል ተጠቃምነት ሕርሻ ነፍሲ-ወከፍ በዓል መሰል ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ነታ ዝተዋህበቶ መሬት ክጥቀመላ፡ ከመሓይሻ ፍሪኣ ክሓፍስ ይኽእል፣
  7. ነፍሲ-ወከፍ ዓቕሚ ኣዳም/ሄዋን ዝበጽሐ ሃገራዊ ግቡኡ ዘማልአን ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዓዱ/ዓዳ ሓንቲ ናይ ጤሳ መሰል ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ/ዋ፣
  8. ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብፍሉይ ፍቓድ ፕረሲደንት ወይ ንሱ ዝውክሎ ኣካል ብመሬት ናይ ምጥቃም መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ፣
  9. ሓደ በዓል መሰል፡ ጤሳ ወይ ተጠቃምነት ሕርሻ ኣብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መሬት ክምራሕ ኣይፍቀድን፣
  10. ብመሰል ጤሳ ዝተሰርሐ ገዛ ዝግባእ መስርሕ ብምፍጻም ንኻልእ ሰብ ክሸይጥ ይኽእል፣ ሸያጣይ ግን ተመሊሱ ካልእ መሬት ጤሳ ናይ ምሕታት መሰል ኣይህልዎን፣
  11. በዓል መሰል ነቲ ዝተመርሓሉ መሬት ኣብቲ ዝተመደበሉ መዓላ ጥራይ ከውዕሎ ይግባእ። ለውጢ ናይ መዓላ ምስ ዝደሊ ድማ ብፍቓድን ኣፍልጦን መንግስቲ ጥራይ ይፍጸም፣
  12. ኣዋጅ መሬት ንመንግስቲ Universal domain የፍቅደሉ እዩ። መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጒምቲ ክወስድ ኣብ ዝውስነሉ ግን ንተጠቃማይ በዓል መሰል ካሕሳ ናይ ምኽፋል ግዴታ ኣለዎ።

ክፍሊ መሬት፡ ምኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባብን ነዞም ኣዋጃት ንምትግባር ሓደ ካብ ዓበይቲ ዕላማታቱ  ህሉው ኩነት ኣብ ክሊ ኤርትራ ዘሎ መሬት (ሕርሻ፡ ጤሳ፡ ብመልክዕ ክራይ ዝተሓዝ መሬት) መጽናዕቲ ምክያድ’ዩ። በዚ መሰረት ክፍሊ መሬት ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ማእከል፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ውዱእ ምክፍፋል መሬት ሕርሻ ኣካይዱ’ሎ። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ 996,674.84 ሄክታር ዝኣክል ጠቕላላ ስፍሓት ናይቲ ዞባ፡ እቲ ዝሕረስ መሬት 178,981.72 ሄክታር ጥራዩ እዩ። እዚ ብምኢታዊት ክግለጽ ከሎ 17.95% እዩ። ናይ ዞባ ማእከል ጠቕላላ ስፍሓት መሬት 102,942.96 ክኸውን እንከሎ፡ ዝሕረስ መሬት 26,453.3፡ (25.69%) ይሽፍን። ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ጠቕላላ ስፍሓት 3,027,146.2 ኰይኑ ካብዚ እቲ ዝሕረስ 157,518.20 ሄክታር (5.20%) እዩ። ካብዘን ናይ ሰለስተ ዞባታት ዝተራእየ ጠቕላላ ስፍሓት መሬት፡ እቲ 8.79% ሄክታር ጥራይ እዩ ክሕረስ ዝኽእል። ስለዚ፡ ውሕሉል ምሕደራን ኣጠቓቕማን መሬት ክንክተል ግድነት ምዃኑ እዚ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ዝሕረስ መሬት ኣማቲ እዩ።

“መሰል ተጠቃምነት ሕርሻ ዝተረጋገጸሉ ዜጋ፡ ሸለልትነት ኣብ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን መሬት እንተ ኣርእዩ ክሳብ መሰል መሬት ሕርሻ ምንፋግ ዘስዕብ መቕጻዕቲ ኣለዎ፡” ኢሉ ኣቶ ጸጋይ።

ኣቶ ጸጋይ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ስፍሓት መሬት ሕርሻ ኤርትራ፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ኣማቲ መብርሂ ድሕሪ ምሃቡ ንመንበሪ ብመልክዕ ጤሳ፡ ብመልክዕ ክራይ (መሬት ከተማ)፡ ንንግዳዊ ትካላት፡ ንንግዳዊ ሕርሻ ዝተዓደለ ብኣሃዝ ኣቕሪቡ። ብመሰረት መግሊጺ ኣቶ ጸጋይ ተኣምራት፡ ንመንበሪ ብጤሳ 70,464፣ መንበሪ ብክራይ መሬት (መሬት ከተማ) 34,916፣ ንንግዳዊ ትካላት 5869፣ ንንግዳዊ ሕርሻ 3385 ከም ዝተዓደለ ኣብሪሁ። ብጠቕላላ ንዝተፈላለየ መዓላ ካብ ዝተሓተተ 221,085 ሕቶታት፡ እቲ 114,634 ተመሪሑ። እዚ ማለት ካብ ዝተሓተ ምርሒት መሬት 52% ብኣወንታ ተመሊሱ።

ድሕሪ’ዚ ኣቶ ጸጋይ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ንመፈተኒ ተባሂሉ ኣብ 2017 ኣብ ሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝተኻየደ መስርሕ ምዕዳል መሬት ሕርሻ ኣብሪሁ። እዚ ብሓገዝ ናይ ሳተላይት ስእሊ ዝተገብረ ምክፍፋል መሬት ሕርሻ’ዚ ስቡሕ፡ ማእከላይ፡ ረቒቕ ብምባል ፍርያምነት መሬት ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ ተኻይዱ። ኣብዘን ሓሙሽተ ዓድታት፡ 429.2 ሄክታር ስቡሕ፡ 316.8 ሄክታር ማእከላይ፡ 581.55 ሄክታር ድማ ረቂቕ መሬት ንሓረስቶት ተዓዲሉ። እዚ ምስ ብዚሒ ሰብ መሰል ሕርሻ ናይቲ ንኡስ ዞባ ክነጻጸር እንከሎ፡ 0.45 ሄክታር ንሓደ ሓረስታይ ይበጽሖ ማለት’ዩ። ካብዚ ኣብ ሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝተመርሐ መሬት’ዚ 43.68% ረቂቕ መሬት ምዃኑ መርኣያ ድኽነት ናይ ዝሕረስ መሬት ኣብቲ ከባቢ እዩ። ስለዚ፡ ውሕሉል ኣጠቓቕማ መሬት ንምምዕባል፡ ብቑዕ ምሕደራ ንምርግጋጽ ብቐጻሊ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣቶ ጸጋይ ወረቐቱ ምስ ኣቕረበ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ ርእይቶን ክትዕን’ዩ ተገዲፉ።DSC_0436 - Copy

ገለ ካብቶም ኣብ ኣዳራሽ “ዳዕሮ” ዝተላዕሉ ሕቶታትን ዝተዋህቦም መልስን ድማ ቀጺሉ ይቐርብ፤

ኣዕኑድ ኣዋጅ 58/94 ኢልካ ኣብ ቍ.3 ጠቒስካዮ ዘለኻ ዝዀነ ኤርትራዊ ናይ ተጠቃምነት መሰል’ዩ ዘለዎ። ከምዚ ናይ ብእንዳ ቦንድ ዝፍለጥ ናይ መሸጣ መሬት ብመንጽር እዚ ኣዋጅ ከመይ ይርኣ?

መንግስቲ መሬት ኣይሸጠን። እቲ ናይ ቦንድ ኣብ እዋን ወራር ወያነ ቦንድ ገዚኦም ዝነበሩ ዜጋታት (Accsses fee) ከፊሎም ክጥቀምሉ ዝተመርሓሎም እዩ። እዚ ማለት፡ መሬት ተሸይጡ ማለት ዘይኰነ ከም ዜጋታት ንኽጥቀሙሉ እዩ ተመሪሑሎም። ቦንድ ዝተመልሰሎም ዜጋታት’ውን ኣለዉ። ጋዜጣ ኤርትራያን ፕሮፋይል ከይተረፈ Land Sales ኢሎም ጽሒፎሞ። እዚ ግን ጌጋ ምዃኑ ኩልና ክንግንዘቦ ኣገዳሲ‘ዩ። ምኽንያቱ፡ ወነንቲ ገዛ “እንዳ ቦንድ” ከም ዝዀነ ኤርትራዊ በዓል መሰል ናይ ተጠቃምነት መሰል እዩ ዘለዎም።

ኣብ ኤርትራ መሰል ጤሳ ክለዓል ከሎ ዓዲ ይልዓል’ዩ’ሞ እዚ ኣዋጅ ንምብራቓውን ምዕራባውን መታሕት  እንታይ ግምት ይህቦ? ብተወሳኺ ማክሮ ፖሊሲ ከም ድሕረ ባይታ ኣዋጅ መሬት ዝጠቐስካዮ መሲሉኒ። ማይክሮ ፖሊሲ ግን ኣተኵሮኡ ኣብ ዕዳጋ’ዩ። ስለዚ፡ ምስ ኣዋጅ መሬት ብኸመይ ይትሓሓዝ?

እቲ ንኣምር ዓድን ጤሳ ኣብ መታሕትን ንዝምልከት ሕቶ ኣዋጅ 58/94 ዝያዳ ንጻረ ዘድልዮ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ይዅን እምበር ዓንቀጽ 40 ናይ ኣዋጅ 58/94 ህሉው ዶብ ዓድታት ፍሩስ ምዃኑን መንግስቲ ከከም ኣድላይነቱ ሓደስቲ ዓድታት ክምስርት ይኽእል’ዩ ዝብል ትሕዝቶ ኣለዎ። ስለዚ፡ ናይ ሰበኽ ሳግማዊ ህይወት ዝቕየረሉን ዜጋታት ማሕበራዊ ኣገልጉሎት ከም ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ መጓዓዝያ ዝረኽብሉን ቀዋሚ ህይወት ክምስረት መንግስቲ ስለ ዝሓስብን ዝሰርሕን ኣብ ትግባረ ዝዀነ ዕንቅፋት የብሉን። ማክሮ ፖሊሲ ናይ 1994 ኣዋጅ እዩ። ማክሮ ፖሊሲ ኣብ ዕዳጋ ዝዛዘወ ክኸውን ይኽእል’ዩ። መሬት፡ መሬት መንግስቲ ምዃኑ ግን ይኣምን’ዩ። ንመሬት ከም ናይ ማእቶት ረቛሒ (Factor of Production) ስለ ዝርእዮ’ውን ፍርያት መሬት ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ የተባብዕ’ዩ። መሬት ከም ኣቕሓ ብዘይ ዝዀነ ወፍሪ ክሽየጥ ግን ኣየፍቅድን።

ብቓጽዖታት ዝዕደል መሬት ነቲ ስቡሕ፡ ማእከላይ፡ ረቂቕ ዝብል ዓይነት መሬት ሕርሻ ብኸመይ ከተታዓርቖ ይከኣል? ብዘይካ’ዚ እዚ ሓድሽ ስርዓተ-መሬት ንሃገራዊ ኣገልግሎትን መሬት ሕርሻን ከመይ ከሳንዮም’ዩ? ምኽንያቱ፡ መንእሰይ ብጉዳይ ምክልኻል ሃገር ካብ ዓዲ ተፈልዩ እናሃለወ፡ መሬት ክጥቀመሉ ንዝኽእል ይበሃል ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት’ዩ?

መሬት ብቓጽዖታት ክምቀል ከሎ ስቡሕ .5፡ ምእከላይ .6፡ ረቂቅ ግን .75 ሄክታር ንሓደ ገባር’ዩ ተዓዲሉ። ብዘይካ’ዚ ብስፍሓት መሬት ንዓይነት መሬት ሕርሻ ንምክሕሓስ ዝትወስደ ስጒምቲ ነቶም ኣብ ረቂቕ ዝበጽሖም ከም ኣፍራዛ፡ ባዴላ፡ ዓረብያ ዝኣመሰሉ መሳለጥያታ’ውን ደገፍ ብምግባር ንምክሕሓሱ ተፈቲኑ ኣሎ። መሰል ተጠቃምነት ምስ ኣፍራይነት ተኣሳሲሩ ስለ ዝርአ፡ መንግስቲ ብዛዕባ ኣፍራይነት መሬት ክሓስብ ግድነት’ዩ። እቲ ደቂ 70 ዓመት ዝብል ዝነበረ ከም ዘይሰርሕ ምስ ተራእየ ግን ተኣሪሙ። ኣብ ዞባ ማእከል ሓሙሽተ ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ከም መፈተኒ ተባሂሉ ዝተወስደ’ውን ንኣብ ምክልኻል ሃገር ዘሎ ሰብ መሰል ዘውሕስ’ዩ። ምኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር’ውን ንትግባረኡ ብኸምኡ ሒዙዎ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ከተማታት ዘለዋ ብማሕረስ ዝናበራ ዓድታት ምስፍሕፋሕ ከተማ እና ወሓጠን ይኸይድ ኣሎ። ንቐጻሊ ቍጠባዊ ውሕስነቶም ይዅን ንሕቶ መንነት እዘን ዓድታት እንታይ ይሕሰበሉ ኣሎ?

ኤርትራ ዓድናን ሃገርናን ምግባራ’ዩ እቲ ናይ ምዕባለ ኣማራጺ። ዓንቀጽ 31 ናይ ኣዋጅ 58/94 ብጤሳ ዝተመርሐ መሬት ግቡእ መስርሕ ኣማሊኡ ምስ ተሰርሐ ግቡእ መስርሕ መሸጣ ኣማሊኡ  ክሽየጥ የፍቅድ እዩ። እዚ ማለት ዓድኻ ዓዲ እንጀራኻ ስለ ዝዀነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዝመረጾ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ ንኽነብር ይሕግዞ ማለት’ዩ።

ሃገራዊ ግቡኣ ዝፈጸመት ጓል ኣንስተይቲ ብውሽጠ ደንቢ ናይ ዓዲ ዕንቅፋት ኣብ መሰል መሬት የጓንፈን፣ ትግባረ እዚ ሕጋጋት’ውን ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። በቲ ኻልእ’ውን እዋጅ 58/94 ንደቂ ጓል መሰል እናሃበ ዓድታት ግን ብዙሕ ስለ ዘይሰርሓሉ ኣብ መወዳእታ ብኸመይ‘ዩ ክፍታሕ?

ኣብ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ መሰል መሬት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኢና ዘለና። ንኣብነት ኣብ ኡጓንዳ ዘካየድኩዎ መጽናዕቲ 0.08% ናይ ደቀንስትዮ ጥራይ እየን መሰል መሬት ዘለወን። ኣብ ስዊዝላንድ፡ ኬንያ፡ ናይጀርያ ኸኣ ደቂ ተባዕትዮ ከይተረፈ መሰል ዋንነት መሬት ዘይብሎም ኣለዉ። ኣብ ሕብረተሰብና መስፍናዊ እተሓሳስባ ገና ስለ ዘይተረፈ ንመሰል ጓል ኣንስተይቲ ዕንቅፋት ምፍጣር ኣይተረፈን። ጓል ቅድሚ መርዓ’ውን እንተ ወለደት ናብ ዓዲ ዝወለደላ ትኺድ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ዋላ ነታ ሃገራዊ ግቡኣ ዘማልአት ጓል ኣንስተይቲ ዝወሃብ መልሲ’ዩ። እንተዀነ፡ ብመሰረት ኣዋጅ መሬት 58/94 ኣብ ዝመረጸቶ ክትወስድ ትኽእል እያ። እቲ ኻልእ ግን ብደቂ ጓል ይውለዱ ዝበሃሉ እዩ እቲ ሽግር። ጓል ኣንስተይቲ ምስ ተፋትሐት ደቃ ሒዛ ናብ እንዳ ኣቦኣ ትኸይድ’ሞ ንደቃ ኣብኡ ኣዕብያ፡ ኣምሂራ ተመርዕዎም። ብኽውንነት እዚ ሰብ እዚ ወዲ እታ ዓዲ እዩ። ገለ ግን ኣብ እንዳ ኣቦኡ ዓብዩ ኣደይ ትውለደሉ ዓዲ እዩ ብምባል ኣብ እንዳ ኣዲኡ መሬት ጤሳ ዝሓትት ኣሎ። ብፍላይ ጥቓ ዓበይቲ ከተማታት ዘሎ ዓዲ እንተ ዀይኑ። ስለዚ ናይ ደቂ ጓል ዝበሃል ሕቶ መሬት ፈላሊኻ ንምርኣዩን ውሳኔ ንምሃብን ክሕግዝ ተባሂሉ ክፍሊ መሬት 002 ዝበሃል ቅጥዒ ኣዳልዩ ንሓተቲ ቅጥዒ የምልኦም። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ቀጥዒ 002 ዝተመልአ ሓበሬታ ኣጻሪኻ እቲ ሰብ እንዳ’ደኡ ድዩ ዓብዩ ወይስ እንዳ‘ቦኡ ኣጽኒዕካ ካልእ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኣትዩ ውሳኔ ይዋሃቦ።

(Visited 440 times, 1 visits today)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Show Buttons
Hide Buttons