ድሕሪ መስዋእቲኸ?

ኣብ ዝኾነት ናይ ዓለም ከተማ፣ ኣብ ሓደ ገዛ ኣቲኻ መናድቑ ምስ እትጥምት፣ ዝኾነ ዘመናዊ ስልማት ክጸንሓካ ንቡር’ዩ። ኣብ ዝኾነት ናይ’ዛ ዓለም ቁሸት ኣቲኻ’ውን፣ ኣብ መናድቕ ሓንቲ ገዛ ገለ ባህላዊ ስልማት ኣይሰኣንን። ኣባና ድማ፣ ኣብ ዝኾነት ናይ ከተማ ትኹን ገጠር ገዛ ኣቲኻ ስእሊ ስዉእ ምርኣይ ልሙድ’ዩ። መስዋእቲ፣ ከይፈተናዮ ግን ከኣ ብፍታውና ስልማትና ጌርናዮ። ኣባና፣ ኣብ’ዛ ዓዲ “ኣለናልኪ”፣ መስዋእቲ ከም ሕቶ እንተመጺኡ “ንዓይ ንዓይ” ንበሃሃለሉ ክንምልሶ።

ወፊርና ውዒልና ንገዛ እናኽንኣቱ፣ “ከመይ ውዒለ ሎሚ?” ንብሎ ነቲ ስእሊ ሓርበኛ። ከመይ ውዒለ ሎሚ – ብብቕዓትዶ ዓይየ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ከየማኻነኹ ብተወፋይነትዶ ሰሪሐ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ሃገራውነተይ ኣብ ቦታኡዶ’ሎ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ዘተሓቛቑፍን ዘጣምርን መንፈስዶ ውዒሉኒ? ከመይ ውዒለ ሎሚ – ብፍቕርን ሰላምንዶ እመላለስ ኣለኹ? ከመይ’የ ውዒለ ሎሚ – ካብ ዝሃብካኒ ሕድሪ ገለ ዕማምዶ ዓሚመ? ንሓቶ ነቲ ህያው መንፈስ ዘለዎ “ስእሊ” ጅግና – ይምልሰልና ድማ። ንድፊ ጽባሕና ኸኣ ነዕልሎ። “ኣሻብኩም ደኣ!” ይብለና’ምበር፣ “እቲ ዝተረፈኸ?” ዝብል ዘስክፈና ሕቶ ኣይሓተናን። ኣሻብኩም’ወ ይብለና – ኣሻብና ዲና ዝባደመ መሬት ቀጠልያ ቀይርናዮ። ኣሻብኩም’ዩ ዝብለና – ኣሻብና ዲና ዑፍ ዘስቲ ዕቋር ማይ’ውን ዘይርከቦ ስንጭሮታት ፈቐድኡ ቀላያት መሊእናዮ። ኣሻብኩም ይብለና’ምበር – ኣሻብና ዲና ነዚ ግዜ ምስ ዑደቱ ተቐዳዲምናዮ።

ኣቱም ሰባት! መስዋእቲ’ኳ መፈጸምታ ዕማም ኣይኮነን። እቲ ዕዮ ገዛኡ ፈጺሙ ንመስዋእቲ ዝተሓርየ፣ መወዳእታ ዘይብሎም ዕዮ ገዛ’ዩ ገዲፍልካ ዝኸይድ። ስለ’ዚ፣ “ድሕሪ መስዋእቲኸ?” ዝብል ረዚን ሕቶ’ሎ። ድሕሪ መስዋእቲ ዘለዉ ገድልታት ማእለያ የብሎምን። ንዓና ነዞም ክብሪ መስዋእቲ እንፈልጥ፣ ንዓና ነዞም ርዝነቱ እንርዳእ ሓፋሽ፣ ነዚ ሕቶ ባዕሎም ዝምልሱ ውዕሎታትና ማእለያ የብሎምን። ንሕና ደኣ’ሞ፣ ስግር ሩባ ሰጊርና’ውን ብገጽ ምስ ዘይንፈልጣ ኣደ ሰማእቲ እኳ ኢና እንደጋገፍ። ንሕና ደኣ’ሞ፣ ኣብ ክልተ ጫፋት እናነብርና እኳ ኢና ብኣካል ርኢናዮ ንዘይንፈልጥ ወዲ ስዉኣ ውላድና እንገብሮ። ንሕና ደኣ’ሞ፣ ንመስዋእትነት ፍረ ክንፈጥረሉ ከይተታኸስና እኳ ኢና እንዓዪ። ንሕና ደኣ’ሞ. . .!

ፍረ መስዋእቲ ናጽነት ምስኮነ፣ “ፍረ ናጽነትከ?” ንዝብል ሕቶ’ኳ መንእሰይ ሎሚ ብብቕዓትን ተወፋይነትን ሃገራውነትን እናዓየየ’ዩ መሊስዎን ዝምልሶ ዘሎን። ዋርሳይ’ኳ ልዑላዊ ክብሪ ንምርግጋጽ ንመስዋእቲ ተቐዳዲምሉ’ዩ። መንእሰይ ሎሚ’ኳ ንድቃስ ብቐም ተኪኡ’ዩ ንኣኻውሕ ሓቒቕ ዘፈልፍሎ ዘሎ። መንእሰይ ሎሚ’ኳ ከይተርፍ ዘይኮነ ዝሓስብሲ፣ “ዝበለጽኩ ኣነ ክኸውን ኣለኒ” ኢሉ’ዩ ለይተ ለይቲ ሓድሽ ሞያ ኣጥርዩ ክሓድር ዝቀዳደም ዘሎ። “ድሕሪ መስዋእቲኸ?” ንዝብል ሕቶ’ምበኣር፣ ኪኖ ብቓል ብትእምርቱ’ዩ ዝምልሶ።

ንኸዶ’ሞ ንሰማእቲ – ብመንፈስ ንኸዶ፣ “እንታይ ሒዝካለይ መጺእካ?” ክብለና ከሎ ግን ገለ ብስራት ተማሊእናሉ ምእንቲ ክንከይድ፣ “ኣብ እግሪ ገረብ ክንመሃር ዝገደፍካና፣ ሎሚ ግን ደቅኻ ኩለንትናኡ ኣብ ዝተማልአ ግሩም ህንጻ አምህሮም ኣለኹ” ዘብል ዕዮ ዓይና ንኸዶ። ንኸዶ’ሞ – ብመንፈስ ንኸዶ፣ “እንታይ ሒዝካ መጺእካ?” ክብለና ከሎ ድማ፣ “ብበቕልን ብዓራትን ተጸይርና ነዊሕ ተጓዒዝና ንሕከም ዝነበርና፣ ሎሚ ግን ኣኣብ ደንበኻ ኮይኑ’ሎ ሕክምና” ንብሎ ኮሪዕና። መዓልታት ዓቕበ-ቁልቁለት ንጓዓዞ ዝነበርና፣ ሎሚ ግን መካይን መንገዲ ማይ ጌረንኦ’ለዋ ዘብል ጻዕሪ ድማ ንጽዕር። ሓንቲ ሕቶ’ኳ ምእንቲ ከይተዋጥረናስ፣ ንውፈ – ዘየቋርጽ ጻዕሪ። “ድሕሪ መስዋእቲኸ?” ንዝብል ሕቶ ድማ ኣጉሊሕና ብተግባር ንምልሶ።

ንናጽነታ ንስዋእ፣ ንምውሓስ ልዑላውነታ ንስዋእ፣ ንልምዓታ ንስዋእ፣ ንዝሓተተትና ንምልስ፣ “ዝበልክዮ ይኹን” ንብላ። ናጽነት ኮይኑ፣ ገድሊ ንቕጽሎ፣ ልዑላውነት ተዋሒሱ፣ ገድሊ ንቅጽሎ፣ ለምሊማ ተሰሊማ፣ ገድሊ ንቕጽሎ። ገድሊ መወዳእታ የብሉን። ፍረ ገድልና ድማ ወትሩ ፍሩይ’ዩ። ድሕሪ መስዋእቲ ገድሊ እንተቋሪጽካ ደኣ’ሞ እንታይ ፍረ ክርከቦ’ቲ መስዋእቲ።

“ኣቦይ እንተዝህሉስ’ምበር” ዝብል ቈልዓ እንኮ’ውን ይኹን ምእንቲ ከይርከብ ኣቦታት ክንኮኖ ንጓየ። “ወደይ ከሎስ’ምበር. . .” ትብል ኣደ እንኮ’ውን ትኹን ከይትርከብ ከየድመጸት ከላ ካብ ገጻ ኣንቢብና ንጓየየላ። በዓል እንደኣ ዘኪራ እተስተማስል ወላዲት እንኮ’ውን ትኹን ከይትህሉ “ኣለኹልኪ” ንብላ። “ድሕሪ መስዋእቲኸ?” ዝብል ሕቶ፣ ሕቡናት ኴንና ንምልሶ። “ድሕሪ መስዋእቲኸ?” ዝብል እንተመጽአ፣ የማን ነርእዮ ገደል ክንደል፣ ጸጋም ነርእዮ ጎልጎሉን ጎቦኡን ጥሉል፣ ሓፋሽና ነርእዮ ሓድሕድ ክተሓናገር፣ ገዛና ነርእዮ ብፍቕሪ ዝማሞቐ፣ ሕብርና ነርእዮ ብፍረ መስዋእቲ ዝደመቐ።

ድሕሪ መስዋእቲኸ? ብትብዓት ዝሰገርናዮ ተጻብኦ ሓጺን፣ ብንቕሓት ዝሓለፍናዮ ተጻብኦ ኣእምሮ፣ ብተወፋይነት ዝዓመምናዮ ዕዮ ልምዓት፣ ብጽንዓት ዝፈንቀልናዮ ኣኻውሓት፣ እኹል መልሲ’ዩ። ድሕሪ መስዋእቲኸ? እምነትና ኣብ ውሽጥና፣ ብርሃንና ካብ ውሽጥና፣ መስመርና ብሕርያና፣ እዚ’ውን መልሲ’ዩ – ብቑዕ መልሲ!

ንዕዮና “ጽባሕ የርክበሉ” ኣይበልናን፣ ንጽባሕ ግን ኣመና ንኣምና – ጻዕሪ ሎሚ ፍረ ጽባሕ ምዃኑ ስራሕና ስለዝነግረና። ኣብ ዕዮና “ትማሊ ሰሪሐ’ንደየ” ኣይበልናን –  ውዕሎ ትማሊ ግን ብሓበን ንጸውየሉ። “ካብ ንዓመታ ደርሆ ሎሚ እንቋቑሖ” ኣይበልናን – ኣብ ሎሚ ኴንና ንጽባሕ ንሰርሕ። ንትማሊ፣ ሎምን ጽባሕን ብዘሐብን ታሪኽ፣ ሓያል ጻዕርን ብሩህ ተስፋን ንጥምተን። ድሕሪ መስዋእቲኸ? ድሕሪ መስዋእቲ ደኣ፣ ንመስዋእትና ሓበን ቆጺርና፣ ኣብ ሎሚ ብዘይ ሰለም እናሰራሕና፣ ጸጋ ጽባሕና ብርኩትን ርጉጽን ምዃኑ ተኣማሚንና ንነብር ኣለና።

ሓቅና’ንዲና ደኣ ዕረፍቲ ከይንፈቱ። ሓቅና’ባ ኢና ድሕሪ ዓቢ ዕማም ካልእ ዓቢ ውጥን ከነውጽእ ንእለቱ። ሓቅና ኢና’ወ ብዙሕ ሰሪሕና ከለናስ ምንም ከምዘየበርከትና ትሕትና ከነርኢ። ሓቅና ኢና ነዛ መሬት ለይትን ቀትርን እናጸዓርናላስ “ጌረላ” ከይንብል። ብደምና ኣለስሊስና ብርሃጽና እናለምለምናያ’ውን ብዙሕ ዝተርፈና ከምዘሎ ክንምስክር። ሓቅና’ወ ኢና ድሕሪ ጸሓይ ዕራብ’ውን ጸሓይና ፈጢርና ብለይቲ ክንጫኹር። ዘልማዕና እንተልማዕና፣ ዝፈንቀልና እንተፈንቀልና፣ ዝሃነጽና እንተሃነጽና፣ ከመይ ኣቢልና’ሞ ዕዮ ገዛና ዝተዛዘመ ኮይኑ ክስመዓና። ኣብ ዕዮ ገዛና ተሓቲትናዮ ዘለና ሕቶ ደረት የብሉን መልስታቱ – እናተመለሰን ድቂ መልሲ እናፈጠረን’ዩ ዝኸይድ። ድቂ መልስታትና ከነዐኩኽ ከኣ ተወሳኺ ዕዮ የድልየና። ዝዓኾኸ መልሲ’ውን ናቱ ድቂ’ለዎ። መወዳእታ የብሉን እቲ መንገዲ – ኣብ ነፍሲ ወከፍ ነቑጣ ዓወት’ዩ እቲ ዕረፍቲ። እቲ ምንታይሲ፣ ትንፋስ ዝኣክል ሂቡ’ዩ፣ “ብርሃጽኩምን ንቕሓትኩምን፣ ብልጽግቲ ዓዲ ሃቡኒ” ኢሉ ዕዮ ገዛ ሂቡና። ምንባሩ፣ ህይወቱ፣ እስትንፋሱ፣ እቲ ናይ ብሓቂ ህላወኡ ንዝወፈየልካ ሰማእቲ ደኣ’ሞ፣ ዝዓየኻ እንተዓየኻ ከመይ ኣቢልካ፣ “ምስ ውዕለትካ ዝዳረግ ኣፍርየ’ለኹ” ኢልካ ዕረፍቲ ክትመርጽ። ንእስነቱ፣ ኩለንትናኡ ንዝሃበካ ደኣ’ሞ፣ ብኣየናይ መለክዒ መዳርግቲ ህያብ ክትረኽበሉ’ሞ፣  “ደጊም ይእኸለኒ” ክትብል። እቲ ንዕኡ ዝዳረጎ ህያብሲ፣ ብህይወት ክሳብ ዘለኻ ዕዮ ገዛኻ ብዝግባኣ እናመለስካ ምንባር’ዩ። ሓቅና ኢና ብሓቂ ክንውፈ፣ ክንጸንዕ፣ ክንቃዶ፣ ክንተብዕ፣ ተጣሚርና ክንወፍር፣ ሓቅና ኢና ከኣ ከነድምዕ!

ንሕና’ኳ፣ ንመስዋእቲ ንጸልኦ’ምበር መዓስ ንፈርሖ። ንመስዋእቲ ንቀዳደመሉ’ምበር “ስጋይ ስጋኻ” መዓስ ንበሃሃለሉ። ንመስዋእቲ ባርኾት’ምበር ሞት መዓስ ንቖጽሮ። ሞት’ዛ ሞት ንኹሉ ትኽእሎ ኩሉ’ውን ዝኽእላ ደኣ ኪኖኣ’ንዲና ንስጉም። ሞት’ዛ ዕጫ ኹሉ ከም ሰብና በብሓደ ባዕላ ክሳብ ትመጽኣና ከይተጸበና፣ ንስለ ብዙሓት ፊተ-ፊት ባዕልና ንገጥማ።

ኣብ ኩሉ መኣዝን’ዛ ዓዲ፣ ንስለ’ዛ ዓዲ፣ ህላወ ስዉእ ኣሎ። ኣብ ፈቐዶ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ፣ ንስለ’ዛ ዓዲ፣ ምስጢሩ ኪኖ ዕምቆት ውቅያኖስ ቀቢሩ ዝሓለፈ ስዉእ ኣቦ’ሎ። ኣብ ፈቐዶ ዓዲ፣ ንስለ’ዛ ዓዲ፣ ኣብ ማእከል ገዛኣ ዓረር ዝረኸበታ ስውእቲ ኣደ’ላ። ምስትንፋስ ምቁራጽ ጥራይ ትርጉም ሞት ተላቢስካ ማለት ከምዘይኮነ ኣሚኖም፣ ሪሞም ከማምቑ ኣብ ምዉቕ ከርሳ ሰፊሮም። ኣብ ልቦም ኣእትዮማ፣ ትንፋሶም ሂቦማ፣ ኣብ ልባ ድማ ኣእትያቶም። ነዛ ደንበኦም እምብዛ ኣፍቂሮማ፣ ንሳ’ውን ሓርያቶም። ከይትዝኽትም ውሉዳት ኮይኖማ። ከይትባድም ክትጥጥዓሎም “እንኪ ደምና” ኢሎማ። ከይትጠፍእ፣ ክትህልወሎም ትንፋሶም ሂቦማ። ነቀይ ነቀይ ከይትብል ድማ ኣዕጽምቶም ሸኺሎም ኣንከራት ኮይኖማ። ንስለ ህላወኣ ካልእ መልክዕ ናይ ህላወ ሓርዮም። ትንፋስካ ሓቢእካ፣ መሓውርካ ኣዕሪፍካ ህላወ ከምዘሎ ኣሚኖም። ሓቅና’ንዲና ደኣ መመሊስና ክንምልሶ ዕዮ ገዛና።

ትማሊ’ኳ እዚ ቀረባ ትማሊ፣ ሃገር ብመስዋእቲ ወለዶታት ከምእትቕጽልን እትብልጽግን ኪኖ ዕድመኦም ዝነቕሕሉ ጸብደላት ንመስዋእቲ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ። ትማሊ’ኳ እዚ ቀረባ ትማሊ፣ ምውሓስ ልኡላውነት ንሓዋሩ ዘየቋርጽ ዕዮ ምዃኑ ኣሚኖም፣ ንመስዋእቲ “ኣለናልኪ” ኢሎም። ትማሊ’ኳ እወ’ዚ ቀረባ ትማሊ፣ ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ፈትሊ ሓርበኝነት ምስ ገድሊ ዘጣመሮም ምዑታት ጉልበቶም ምሃብ ዕግበት ከሊእዎምሲ እስትንፋሶም ሂቦምዋ። ድሕሪ መስዋእቶም ድማ፣ ወትሩ እናተመለሰ ግን ዘይዛዘም ዕዮ ገዛ’ለና።

መጽሔት መንእሰይ

351 total views, 2 views today

(Visited 17 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *