እንታይ ይበሃል ኣሎ፧

“ብኾሮና ቫይረስ’ውን ሓሶት ይሰራሕ ኣሎ!”

ክቡራት ኣንበብቲ ነዊሕ ግዜ ካብ ገጻት ፌስ ቡክ  ርሒቐ  እየ ጸኒሐ። ዝተፈላለየ ዛዕባ ኣልዒለ፡ “እንታይ ይበሃል ኣሎ?” ካብ ዘይብል ኣዋርሕ ሓሊፉ። “እንታይ ተረኽበ?” ኢልኩም ትሕቱኒ ትኾኑ። እንታይ ክምልስ ከም ዝኽእል ግን ንምግማት ትሽገሩ ኣይመስለንን። ግዜኡ ግዜ ምኽኒት እዩ፡፡ ምኽኒት ከም ሓይልን ጥበብን ዶ ይምለኽ የሎን? ሓቂ ሕቖኡ ከም ዝሃበ፡ ሓሶትን ምስምስን ከኣ ያኢ ወሃብቲ ግርማ ኮይኖም፡ ኣብ ካምቻ ሱፍን ክራባታን ተደሪቦም ይእሰሩ ኣለዉ።  ኣሰር ኣሰር ብኩራት፡ ድኽመትን ጌጋን፡ ንነገራት ከም ዘለዎ “ብኣሜን” ክንዲ ምቕባል፡ ኣብ ምድላው ምኽንያት ምሕያል እዩ ዘሎ- እቲ ጥበብ። ስለዚ፡ ኣነ’ውን  ብኮሮና ቫይረስ እንተኣመኽነኹ ኸ እንታይ ከይብል!

እንታይ ይበሃል ኣሎ?

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ናይ መወዳእታ ደወል ሓሶት ዝተቓጨለሎም ናይ ሓሶት ተቐዳደምቲ ናብ ሕንጻጽ ዝበጽሑ ይመስሉ። ንግሆ ኣውርዮም  ሓሶቶም ከም ጽላሎቶም እናኣጓየዮም ናብ ሕንጻጽ ምሸት  ክሃድሙ  ይርኣዩ።  መልክዕን ቅርጽን ሓሶት ከም ተለዋዋጢ ባህርያት ኮሮና ቫይረስ  ግልብጥ ግልብጥ ክብሉ ወይ ከኣ ነቲ ዘውረዩዎ ዛንታ መቃጥንቲ ወይ መተሓፍስቲ ክውስኽሉ ንሰምዕ።

ህዝቢ ዓለም ብሓባር ኣብ ገዛ ክጸንሕ፡ ብዓቕልን ትዕግስትን ንምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ክቃለስ ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ቤት ዘይምውጻእን ምድራት ምንቅስቓስን  ንወረን ሓሶትን ክዓግቶ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩ እኳ እንተነበረ፡ በንጻሩ ድኣ ይኸውን ኣሎ። ሓሶት ገርጊሩ።

ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡ ተስፋ ወድ ሰብ ከም ዝኸነበን ልጓም በቲኹ ናብ ገደል ዘምርሕን ፈረስ ቀይሩዎ። በቲ ካልእ ከኣ ድሌትን ባህግን ደቅሰብ ኣጽኒዖም፡ ኣብ ባይታ ዘየለ፡ ዘይተሰርሐን ዘይተሓስበን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ፡ ከደናጉሩን ናይ ቀትሪ ሕልሚ ክፈጥሩሉን ይፍትኑ። እዚ መሀውተትን መደናገርን ወረ፡ ብቐንዱ እንጌራ ሕልሚ ዘብልዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዘየድልዮ ስጉምታት ኪወስድ ዝድርኹ እዮም።

እንታይ ይበሃል ኣሎ? እንታይ ከ ዘይተባህለ።

ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮና ቫይረስ ከም ኣሰንባዲ ሓበሬታ ብማዕከናት ዜና ዓለም ክዝርጋሕ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልታት፡ እዞም ሓሰውትን ሓሳዎን ከኣ ብዕለታዊ ሓበሬታ ሓሶት ኣእዛን ሰብ ከደንቁሩን ኣእምሮ ከናውጹን ተሰሚዖም።

“ፈውስታት ተረኺቡ። ክታበት ተዳልዩ ኣሎ። ነቲ ቫይረስ ኣብ ላቦራቶሪ ዝሰርሖ ሓኪም ተታሒዙ። ከምዝን ከምትን መድሃኒት ተሰሪሑ። ሃገራት ሰሃራን ሓውሲ ሰሃራን በቲ ቫይረስ ኣይተሓዛን እየን። ኮሮና ቫይረስ ኣብ ልዕሊ 20 ዲግሪ ሰንት ግሬድ ኣይጻወርን እዩ። ጻዕዳ ሽጉርቲ ፍቱን መድሃኒት እዩ። መናውሒ ዕድመ ሕማም ኤች ኣይቪ ዝወስዱ ሰባት ንኮሮና ቫይረስ ኣይጥቅዑን እዮም። ፈውሲ ዓሶ ፈውሲ ኮሮና ቫይረስ እዩ። ንኣረጋዉያን እምበር ንቈልዑን መንእሰያትን ኣይሕዝን እዩ። ሩዝን ሓምልን ጥራይ ዝምገቡ ሰባት ብቫይረስ ኣይተሓዙን እዮም።” ክብሃል ተሰሚዑ።

እንታይ ከ ዘይተባህለ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ወጺኦም ‘‘ኣነ መድሃኒት ኮሮና ቫይረስ ኣዳልየ ኣለኹ። ንግዜኡ ሽሙ ክጠቅሶ ዘይደልይ ሓኪም ናበይ ከም ዘበለ ኣይተፈልጠን። ሓካይም ብፍላጥ ንሰባት በቲ ቫይረስ ይልክሙ ኣለዉ። እንስሳታት ቤትን ናይ ገዛ ኣዕዋፍን ነቲ ቫይረስ ኣየመሓላልፉን እዮም።  ሰለስተ ሳይንቲስት ዘዳለዉዎ መድሃኒት ናብ ህዝቢ ከየቕሩብዎ ምእንቲ ተቐቲሎም። ክታበት ኣብ ፋብሪካታት መድሃኒት ኣትዩ ይባዛሕ ኣሎ። እገለ እተባህለት ኩባንያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዘዳለወቶ ክታበት ናብ ዕዳጋ ዓለም ከተቕርቦ እያ።” ክበሃል ቀንዩ።

ሓሶት ካብ ምግዋሕ ደው ኣይበለን። ሓሰውቲ ዕዮኦም ገዲፎም ነቲ ዘይከበዶም ዕዮ ይሰርሑ። ሓሶት ናይ ስራሕ ዝሰኣኑ ስራሕ ምዃኑ ንመን ይጠፍኦ? ከፋቲ ማዕጾ ከይተጸበየን ከይኳሕኲሐን ናብ ነፍሲ ወከፍ እዝኒ ዝበጽሕ ዘሎ መልእኽቲ ሓሶት ብምግታእ ምንቅስቓስ ኣይተኸልከለን። ሕቶ ግን ዘየልዕል ኣይኮነን።

እንታይ ድኣ ይበሃል ኣሎ?

እዚ  ሎሚ ምስ ኮቪድ 19 ተጎራቢቱ ዝፍነው ዘሎ ሓበሬታ ሓሶት፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይነት ዝሓዘ እዩ።  ኣእምሮ  ሰባት ቀልጢፉ ብዝወቕዕ ቀስቲ ተወርዊሩ ናብ ኩሉ ክከፋል ኣይድንጉይን።  ንግሆ ዝነፍስ  ሓሶት፡ ዝያዳ ካልእ ሰብ ኣዋፈርቲ ሓሶት ምዃኑ እፈልጡ። እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ። ህቦብላ ንፋስን  ዝናብ ወረን ካብ ገዛና ምውጻእ ከሊኡና ኣሎ። ኣብ እዋን ኮሮና ቫይረስ ካብ ለበዳ ቫይረስ ዝኸፍእ ናይ ሓሶት ለብዒ ከም ዝሰማዕኩም ኣይጠራጠርን።

እንታይ ይበሃል ኣሎ? እንታይ እሞ ዘይተባህለ! መልከፍቲ ቫይረስ ዘለዎም ሰባትሲ ተወሺቦም። መልከፍቲ  ሓሶት ዘለዎም ሰባት ንምንታይ ዘይተወሸቡ እዩ ዝብሃል ዘሎ?

“ሓሶት ይኹን ሓሰውቲ ግን ምውሻብ ኣብዮም?” ዝብል ወረ ይስማዕ ኣሎ። ንምንታይ?  መልሲ የለን።

ሓሶት ብቐንዱ ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ እኳ እንተኾነ ዝያዳ ኹሉ ግን ናብ መንእሰያት እዩ ዝቐንዕ። ሓሶት ብቕድሚት ጀሚሩ ብድሕሪት ዝውዳእ ኣይኮነን። እታ ክትግበር ዘለዋ ሓቂ ንሓሶት ክትጸልአን ክትፍንፎን ይግባእ።  ነዚ ንምትግባር ግን ኩል ግዜ ንቚሕ ትኲር መማዪን ሓሓይን  ምዃን የድሊ። ከምቲ ጎረቤትና ዝብልኦ “ንናይ ሓሶት ሓበሬታ የለኹን” በሎ።

ካብ ንፋስን ወረን ሓሶት ይስተርኩም

ወድሓንኩም!
ወድ ሓምደ’የ ካብ ኣስመራ።

54 total views, 1 views today

(Visited 7 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *