ናጽነት እንታይ እዩ፧

ብዙሕ እዋን’ዩ ስምዒታተይ ወይ ኣተሓሳስባይ ዝትንከፍ። ናጽነት ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣድማስያዊ መግለጺኡን ናጽነት ኣብቲ ኤርትራዊ ላዛኡን ዝተፈላለየ ኰይኑ ይስምዓኒ። ከምቲ ሕብረተሰባት ብባህሊ፡ ታሪኽን ጂኦግራፍያዊ ኣቃውማን ዝፈላለዩ፡ ንናጽነት ዝህቡዎ ክብሪን ትርጕምን ከኣ ዝፈላለ መስለኒ። ናጽነት፡ ብመንጽር ዝኸፈልካሉ ዋጋን እትህቦ ክብርን ብተግባር ጥራይ ዝግለጽ እዩ። መስዋእቲ ከፊልካ እትረኽቦ ናጽነትን ኣብ ወርቂ ሸሓኒ እትቕበሎ ናጽነትን፡ ጣዕሙ፡ ክብሩ፡ ርዝነቱ፡ ባህርያቱ፡ … ማዕረ ክኸውን ኣይክእልን። ናጽነት ስለ ዝተባህለ ጥራይ’ውን ሓደ ጠማሪ መግለጺ ክወሃቦ ኣይግባእን። ናጽነት ነቶም ጸሚኦም፡ ደምዮም፡ ሰንኪሎም፡ ተሰዊኦም … ኩሉንትናኦም ዝኸፍሉላ ህዝብታት ዝያዳ ርዝነት ክህሉዋ ግድን’ዩ።

“ናጻ እየ፡ ሓራ እየ፡” ስለ ዝበልካ ጥራይ ናጻ ክትከውን ኣይከኣልን። ተፈጥሮ ናታ ስርዓትን ኣገባብን ስለ ዘለዋን ብሓባር ስለ እትነብርን ናጽነትካ ማሕበራዊ ደኣ’ምበር ውልቃዊ ጥራይ ኣይኰነን። ብውልቅኻ ሰሪሕካ ክትኣቱ፡ ድሌትካ ክትገብር፡ ከምቲ ትምነዮ ክትረክብ፡ ብሰላምን ቅሳነትን ክትነብር፡ . . . ናጽነት እትሓቶ ከተማልእ ኣለካ – ማለት፡ ግቡእካ ኣብቲ ሓባራዊ ህላወ ምምላእ። ንናጽነት ዝድርዕ ክትገብሮ ዝግባኣካን ዘለካን ካብ ምግባር ቦዅርካ፡ ናጽነት ክትደሊ ኣይትኽእልን። ናጽነት ማዕረ ህላወ ደቂ-ሰብ ዝኸይድ መስርሕ ደኣ’ምበር ሓደ መዛዘሚ ምዕራፍ ኣይኰነን። ስለዚ፡ ናጻ ንኽትከውን ናጽነት ዝሓቶ ክትምልስ ወይ ከተተግብር ኣለካ – ንናጽነትን ናጽነት እትሓቶን ድሉው ክትከውን ኣለካ።

እሞ ናጽነት ደኣ እንታይ እዩ፧ ውልቃዊ ድዩ ሓባራዊ፧ ግዝያዊ ድዩ ዘልኣለማዊ፧ እቲ ኣነ ናጽነት ዝብሎ ምስቲ ሓደ ኣመሪካዊ ወይ ቻይናዊ ናጽነት ዝብሎ እንታይ የመሳስሎ ወይ ይፈላልዮ፧ ዘራኽብከ ኣለዎ ድዩ፧ እቲ ናጻ ምዃን ብውልቅን ብእኩብን እንታይ ማለት እዩ፧ ባዕላዊ ናይ ናጽነት መግለጺ ኣሎ ድዩ ወይስ መዘገበ-ቓላት ካልኦት ዝበሎ እየ ዝኣምን፧ . . . ብሕቶታት ምስ ዝጭነቕ ናብታ ወትሩ ዝዝክራ ኣበሃህላ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም እየ ዘብል።

ንናጽነት ኤርትራ – ምድራ፡ ኣየራ፡ ባሕራን ሰባን – ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ወሳኒ ናይ ዓወት መድረኽ ኣብ ዝበጽሓሉ እዩ፣ ኣብ ካልኣይን ሓደነታዊን ጕባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ። እቲ ቓልሲ ሓባራዊ፡ እታ ትድለ ዝነበረት ናጽነት ናይ ሓባር። ስለዚ፡ ናጽነት ከም መግለጺ ልዕሊ’ቶም ኣብቲ ኣጻምእ ገደል ኰይኖም ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፍሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክገልጻ፡ ክትንትና፡ ክናፍቓ፡ . . . ዝኽእል ኣሎ ኣይብልን። ናጽነት ክትናፍቕን ክትብህግን መጀመርታ ክትስእና ኣለካ። ስኢንካ ንምርካባ ከቢድ ዋጋ ክትከፍል ኣለካ። ዋጋ ከፊልካ ምስ ጨበጥካያ፡ ንኸተስተማቕራን ቀጻልነታ ከተውሕስን ዋጋ እናኸፈልካ ክትነብር ኣለካ። ናጽነት ብዋጋ እትሕሎ ደኣ’ምበር ከም ስማ ብናጻ እትንበር ኣይኰነትን – ብግብሪ ዝረኣናዮ እዩ።

ነታ ኣብ ሸሓኒ ወርቂ እትረኽባ ናጽነትን ካብ ኣጻምእ ገደል እተምጽኣ ናጽነትን ሓደ መግለጺ ኣይወሃብን’ዩ። ናጽነት ብመንጽር ዝኸፈልካዮ ዋጋ ጥራይ እያ እትስተማቐር። እቲ ግዜ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝመልከሉ ዝነበርኩ ብምንባሩ ትርጕም ናጽነት ብቋንቋ እንግሊዝኛ ክረኽቦ፡ ንሱ ቀንዲን ተኣማኒን ገይረ ስለ ዝሓስቦ’ዩ መስለኒ፡ ናብቲ ህቡብ መዝገበ-ቓላት ኦክስፎርድ ገንጺለ፥ “ናጽነት፡ (1) ጊላ ወይ እሱር ናይ ዘይምዃን ኵነት፣ (2) ከም ዝደለኻዮ፡ ዝዀነ ሰብ ከይዓገተካ፡ ከተተግብር፡ ክትዛረብ፡ ወዘተ. ሓይሊ ወይ መሰል ምውናን፡” ዝብል መግለጺ ካብቲ ብዙሕ እቲ ቐንዲ እዩ። ክጸድፍ’የ እንተ ኢልካ ጽደፍ፣ ጌጋ’ዩ ንዓ ግደፍ ዘይብሉ ናጽነት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ኣምር ኣቲኻ’ውን ዝተፈላለየ ፍልስፍናዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ . . . መግለጺ ክትህቦ ትኽእል።

“ናጽነት እንታይ እዩ፧” ኢለ ሓቲተ፡ ድሌትካ ምግባር፣ በቃ! ደስ ዝበለካን ዝመሰለካን ምግባር መሲሉ ተራእዩኒ ነይሩ፡ ብዙሕ እዋን። ብፍላይ ኤርትራ ሃገርና ናጻ ምስ ወጸት፣ በቃ ፍጹም ናጽነት ኣብ መሬት ዝትከል ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ – ከምዚ ብኢድካ እትጭብጦ፡ ፍጹም ውጹእ ናጽነት። ከምኡ ዘየግብር’ውን ኣይነበረንን። እቲ ዝተኸፍለ ዋጋን ከርተት ወለዶታትን ብናጽነት ተደቢሱ፡ ፍጹም ሰላም፡ ብርሃን፡ ርግኣት፡ ቅንዕና፡ እምነት፡ . . . ዝሰፍን’ዩ ዝመስለካ። እቲ ትማሊ ዘይስገር ዘስገረካ ሓይሊ ኣብ ናጽነት ናጽነት ክሃንጸልካ ትጽበ። ሰብ ምዃንካ ትርስዕ! ናጽነት፡ ነፍስኻ እንተ ዘይገቲእካ፡ ስምዒታትካ እንተ ዘይተቘጻጺርካ፡ እምነትካ እንተ ዘይኣጽኒዕካ. . . – ኩሉ ናጽነት እትሓቶ’ዩ – ናጻ እየ ክትብል ኣይትኽእልን። ከም ሰብ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ኣብ ዝኣምን ሕብረተሰብ እንተ ደኣ ኣሊኻ፡ “ከመይ ኣቢልካ ኢኻ፡ ከም ዊንታኻን ከም ድሌትካን እትኸውን፧” ኢለ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይውዕልን። ናይ ውልቂ ናጽነት ካብቲ ዓቢ ወይ ሓፈሻዊ ናጽነት ተፈልዩ ክኸይድ ይኽእል ድዩ፧ ስለዚ፡ ነጻ እየ ክብል ከለኹስ፡ ኩስቶ’ውን ናጻ እዩ ድየ ዝብል፧ ወይስ “ኣነ’የ ናጻ፣ ናተይ እየ ዝፈልጥ” እዩ እቲ መረዳእታ። ከምቲ ፍሉጥ ኣበሃህላ ሓርነት፡ ኣቶ ወልደኣብ’ውን ብተደጋጋሚ ዝበሉዎ፡ “እቲ ሓርነትካስ ንሓርነት ካልኦት ኣይዓግቦ!” እኣምን ድየ፧ ወይስ ብንዓይ ይጥዓመኒ እየ ንናጽነት ዝገልጻ!

ትርጕም ናጽነት ንኽፈልጥ ወይ ብግቡእ ንኽሓስበሉ ናብታ ናይ ኣቶ ወደኣብ ወልደማርያም ኣበሃህላ እየ ዝኸይድ፥ “ናጽነት ብደቂ ሃገሩን ብቛንቋ ሃገሩን “ናጽነት” ተባሂሉ ዚጽዋዕ እንተ ደኣ ኮይኑ እኹል ኢዩ። ናጽነት ምእንቲ ኪኸውንሲ ብቛንቋ ወጻእተኛታት መንግስታት Freedom, liberta ecc… ተባሂሉ ኪጽዋዕ ዘድልዮ ኣይኮነን።” (መጋቢት 1987፡ ዓራርብ፡ ሳሕል)።

ካብዚ ኣበሃህላ’ዚ ተበጊሰ ንናጽነት ከመይ እርእያ! ከመይ እነብራ! እቶም ኣብ ጐነይ ዘለዉኸ ንናጽነት ብኸመይ ይርእዩዋ፧ ከቢድ ዋጋ ዝሓተተት ናጽነት ከቢድ ዋጋ እያ እትሓትት – ናይ ባህርያት ሰባት። ናጽነት ምስ ኰነ ዝሰኽሩ፡ ዝጠልሙ፡ ዝዕግቡ፡ . . . ኣይሰኣኑን ይዀኑ – ኣለዉ’ምበር። ነፍሰይ ምስ መን እየ ዝሰርዓ! ምስ ፈጠርቲ ሽግር ወይስ ምስ ፈጠርቲ ራህዋ፧ “ኣካል ፍታሕ እምበር፡ ጠንቂ ሽግር ክኸውን የብለይን!” እብል ድየ፧. . . ከበድቲን በዳህቲን ሕቶታት ይወሩኒ እዮም። መልሶም ግን እንድዒ።

እቲ ዝደልዮ ትርጕም ናጽነት፡ ብመንጽር ሕሉፍ ታሪኽን ንናጽነት ዝተኸፍለ ዋጋን ደኣ’ምበር ኣብቲ ሓሳባዊ ዓለማዊ ትርጕሙ ጥራይ ከይምርኰስ ዘዘኻኽር እዩ። ካብኡ ናብኡ ምስ ተመሳሳሊ ተመኵሮ፡ ባህሊ፡ ታሪኽ . . . ዘለዎም ህዝብታት ትርጕሙን መቐረቱን ይቀራረብ ይኸውን ኢለ እሓስብ! እቲ ናጽነትካ ግን ናትካ ንክኸውን ናይ ካልኦት ምዃኑ ምእማን ኣለካ።

ናብታ “ናጽነት እንታይ እዩ፧” እትብል ዘይተመለሰት ሕቶይ ከብል፡ ክምልስ ዘይኰንኩስ ክሓትት። ናጽነት ኣበይ እያ ዘላ፧ ኣብ ጽሑፋት፧ ኣብ ዜማታት፧ ኣብ ግጥምታት፧ ኣብ ኣኼባታት፧. . . ኣበይ ኣላ ናጽነት! ኣብ ወረቐት! ኣብ ታሪኽ! – ኣብ ገጠር፧ ኣብ ከተማ፧ ኣብ ዓዲ፧ ኣብ ሰብ – ኣብ ጥሪት! ኣብ ኩሉን ንኹሉን እያ ናጽነት።

ብፍላይ እዛ ዝዛረበላ ዘለኹ ናጽነት፡ እታ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኴናካ እትነብራ ናጽነት ከመይ ክትከውን ኣለዋ ንምባል እየ። ናጽነት ስራሕ’ዩ፡ ክበሃል እሰምዕ። ኣጸቢቐ እኣምነሉ፣ ናጽነት ኣስራሒ’ውን እዩ – እምልኣሉ። ናጽነት መሊሳ ንኽትምቅር ካብ ሰራሕተኛ ኣስራሒ ኣይሕመቕ!

ናጽነት እምነት’ዩ። ብርግጽ። ናጽነት ጥልመት ከኣ ኣለዎ። ናጽነት ብፍቕርን ስኒትን ብሓባር ምንባር እዩ። ናጽነት ንዓይ ይጥዓመኒ’ውን እዩ። ካብ ጠላሚ ግን ኣማኒ ክበዝሕ ኣለዎ።

ሓቀኛ ውሽጣዊ ባህሪ ሰባት ካብ ጸገም ኣብ ራህዋ እዩ ዝፍለጥ። ጸገም ኩሉ ግዜ ሓደ ሓይሊ ናይ ምዃን ባህሪ ኣለዎ። ዝገጥመካ ሽግር ብሓባር ሰጊርካ ሰፊሕ ዓለም ናጽነት ምስ ፈጠርካ፡ እቲ ዓለም ብዙሓት ኣስዳዕቲ ነገራት ዘለዎ ፈታኒ መድረኽ ይዀነካ። ዓቐብ ሰጊርካ ጐልጐል ምብጻሕ ሓይልኻ ጥራሕ ዘይኰነ ዘርእየካ፡ ነቲ ጐልጐል ናይ ምስትንዓቕ ወይ ምንእኣስ ባህሪ ይፈጥረልካ’ዩ መስለኒ።

ናጻ ከም ዘለኻ ብኸመይ ትፈልጥ፧ ህይወትካ ኣብቲ ናጻ ጥራይ ዝበሃል ዓለም እንተ ተፈጢራ – ማለት፡ መግዛእቲ ዘይረኣየት፣ ምረት ዘይሰገረት፡ መግረፍቲ ዘይሓለፈት – ምስ እትኸውን ንናጽነት ብኸመይ ትገልጻ፧ ሓባራዊ ሽግር ሓባራዊ ትርጕም ናጽነት ዝፈጥር ካብ ኰነ፡ ሓባራዊ ብድሆ ዘይገጠሞ ናጽነት ናይ ሓባር ምዃና ብኸመይ ይፈልጥ፧ – ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ! ኣብ ገዛ! ኣብ ኮም . . .! ኣበይ፧ ኣበይ ይመሃሮ! መን’ዩኸ ክምህሮ፧

ነታ ንነዊሕ እዋን ኣበይ ከም ዘላ ዘይፈለጥኩዋ ናጽነት፡ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ከም ዘላ ተሓቢረ – ኣብ ስራሕ! ብእምነት ኣብ ስራሕ፣ ንለውጢ ኣብ ምስራሕ፣ ንራህዋ ኣብ ምስራሕ፣ ንስኒት ኣብ ምስራሕ፣ ንሓባር ኣብ ምስራሕ ኣላ ናጽነት። ስራሕከ ኣበይ ኣሎ፧ ስራሕ ንባዕሉ እንታይ እዩ፧ (ስራሕ ደኣ ስራሕ!) ኣብ ኩሉ ናይ ስራሕ ቦታታት ኬድካ ርኸቦ።

ጽጋብ ናጽነት እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ጽጋብካ ምጻር ከኣ ናጽነት እዩ። ኣብ ከም ኤርትራን ህዝባን ዝኣመሰለ፡ ኣብ ትሑት ቍጠባዊ መነባብሮ ዝነብር ህዝቢ ንዝሓሸ መጻኢ፡ ራህዋ ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ፡ ስራሕ’ዩ ናጽነቱ። ከይሰራሕካ፡ መገዲ ስልጣኔ ከይሓዝካ፡ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ሓዲድ ከየርገጽካ፡ ናጽነት ኣለኒ ክትብል ኣሸጋሪ እዩ። እቲ ዘይተርፍ ገልጠምጠም ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ነቲ ቀንዲ ዕማም ከይዓብለሎ፡ ኣብቲ ስራሕ ጽፈት፡ ንቕድሚት ምስጓም፡ ማዕርነት፡ ፍትሒ፡ ምቍጽጻር፡ ገምጋም፡ . . . እንተ ዘይኣልዩ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ የለን።

ሎሚ ሰሪሕካ ብልዕ-ብልዕ ኣቢልካ፡ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ኣይኰነን ናጽነት። ናጽነት ሎሚን ጽባሕን እያ። ዝያዳ’ኳ ናይ ጽባሕ – ናጽነት ቀጻልነት እዩ። ናጽነት ምቕጻል ምውፋይ ንሓባራዊ ዕላማ እዩ ‘መስለኒ።

 

ኤፍሬም ሃብተጽዮን (ወዲ ገደ) 

42 total views, 2 views today

(Visited 8 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *