ለካ ከምዚ’ውን ኣሎ!

ይጭልግማ’ዩ ዘሎ ነዛ ዓለም። ይሰሃላ! በቲ ነዊሕ ኢዱ፡ ‘ሽፍን! ሽፍን!’ የብላ። ዓለም ድማ፡ እዛ እንርእያ’ያ ዓቕማ! እንትርፎ ኣውያትን ዋይዋይታን’ሲ ካልእ እትገብሮ ነገር እኳ’ዩ ዘይብላ።

እዚ ኩሉ ተጨልጊምካ ተጨልጊምካ! በኺኻ’ኳ ቃንዛኻ ከይተውጽእ፡ መሊሱ ኸኣ፡ “ኡስ!” ነዛ ንብርቲ መልቀስ’ኳ ከይተልቅስ።

“ኡስ! ኣፍካ ሓዝ! ኣፍኪ ሓዚ!” ኣጽቅጥ!!!

“ትም በሉ’የ ዝብለኩም ዘለኹ! … በቃ! ትም!!!” ሕጂ’ውን ኣማራጺ የለን፡ ኣፍካ ሒዝካ ሕትም። ፈንጠርጠር የለ! ገለ የለ! ኣውያት የለ! ዋይ ዋይ የለ! ጥርቅም!!!

“ንስኻ ኢድካ ኣክብ፡ ንስኺ ድማ እግርኺ ኣክቢ!. … ክሳብ መዓስ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ሰላም ሰላም ክትበሃሃሉ … ክትበሃሃሊ!?

ሕለፋ! ሕለፉ! ክሳብ መዓስ ኣርቲፊሻል ምትሕቑቛፍ ክትተሓቛቘፋ – ክትተሓቛቘፉ።

ሕጂ’ውን ይትረፍ’ዶ ቁሊሕሊሕ፡ ዋላ ብጩቕ የለን። ጥራይ ነቲ ኣኣብ ካልኢት ከም ቈጽሊ ዝረግፍ ዘሎ ህዝቢ፡ ንቡር ብዘይብሉ ቀብሪ፡ ክልተ ሰለስተ ኴንካ፡ ድፍን ድፍን። ንሱ’ኳ ንጋዳ! ተኣኪብካ ምሕዛን የለ፡ ንሓድሕድካ ምጽንናዕ የለ፡ ቀልጢፍካ ፋሕ ፋሕ! ቀልጢፍካ ብትን  ብትን።

በዓል መን ከይዶም! በዓል መን ተሪፎም!? ዝተፈልጠ የለን። ንቘጻሪ ይጭነቆ! ጥራይ ብዝሒ ቁጽሪ ምዉታት ቆቆጺርካ ምምዝጋብ’ዩ ዘሎ’ቲ ነገር።

ብስነ-ጥበባዊ ኣጽዋር እናተፋለሙ፡ ንዓለም ናብ ዝሓሸ መገዲ ክትመጽእ ዝገበሩ ጀጋኑ ስነ-ጥበበይናታት፡ ቻው ኢሎም ክፋነዉና ዕድል ኣይረኸቡን።

ብመቑሕ ግርህነትና ኣሲሮም የሳቕዩና ካብ ዝነበሩ ዴማጎጋውያን መራሕቲ፡ ናጻ ዘውጹኡና ገስገስቲ – ነዛ ተመኩሮኦም ተጠቒሞም ክቃለስዎ’ኳ ኣይፈተኑን። እቶም ንስለ ወጽዓ ህዝቢ ህይወቶም ዘወፈዩ ሰውራውያን ተቓለስቲ’ውን፡ ተዓዝሩ’ምበር ናበይ ኢሉ ዝሓተሎም ኣይረኸቡን።

ኣብ ስነ-ምግባር ዘይኣምኑ፡ ፍቕሪ ዘይእንታዮም፡ ሓቂ ዘይፈልጡ፡ ይትረፍ’ዶ ኣብ እዝግሄር  ዋላ ኣብ ገዛእ ርእሶም’ውን ክብረትን እምነትን ዘይነበሮም ኒሂሊስታውያን፡ ናጻ ዝናዘዙላ ዕድል’ኳ ኣይሃቦምን።

ነቲ ንከይትፈልጦ፡ ‘ብረቂቕ’ ምትላል፡ ንከይትቀልዖ ከኣ፡ ‘ብዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ’ ዝተሸፈነ ክፍኣት ጎሓላሉ፡ ብኢዞፓዊ ኣነጋግራን ብዘውድቑዎ ቅኔን ዝኸሽሕዎ ዝነበሩ ጥበበኛታት፡ ብኔው ደኣ የቕልለሎም እምበር፡ “እዚኣቶምስ ጽላል ውጹዓት’ዮም!” ኢሉ ኣይነሓፎምን።

ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ፡ ንቕሓተ-ሕልናና ብምብራኽ ካብቲ ዝወደቕናሉ፡ ናብ በሪኽ ዘውጹኡና ጸጉራማት ሊቃውንቲ፡ ጸጉሮም ዕጅብ ኣይበሎን።

ነቶም ግዜን ቦታን ዘይውስኖም ክላሲካላውያን ደረስቲ፡ ነቶም በቲ ነብስኻ ዘመንን ግጥምታቶምን በቲ ሓሳብ ናይ ግጥምታቶም ጸይሩ ናብ መንፈስካ ዘፈስስ ዜማታቶምን ዓጀብ ዘበሉ ዘየምቲ፡ ኣይረሰዖምን።

ብዘገርም ጥበቦምን ሓሳቦምን ስነ-ጥበባዊ ክእለቶምን ዓለም ቀዘዝ ንዘበሉ ሰኣልቲ- ክንዲ ፍረ ኣድሪ ኣይቈጸሮምን።

ብቅዲ ምጸታዊ-ጥበብ፡ ክምስ እናኣበሉ ግን ከኣ፡ ነብስናን ነብሲ እንዳማትናን ክንዕዘብ’ሞ ተጣዒስና ክንንሳሕ ዝገብሩና ዝነበሩ ስነ-ጥበበኛታት፡ ነዛ ክላበዉው’ን- ኣይተጸመሞምን።

ወጽዓና ኣብ ዝግንፍለሉ ግዜ፡ ‘ዓው’ ኢልና ከይንበኪ እሞ፡ ዓው ኢልና ምብካይና ተወሳኺ መዘዝ ምእንቲ ከየምጸኣልና፡ ብስውር ድምጺ፡ ‘እህህታና’ እነስመዓሉን ናብ ውሽጥና ጥራይ ዝፈስስ ስውር ንብዓት እናነባዕና ውሽጥና ንኽጸንዕን፡ ‘ብሉዝ’ ብዝዓይነቱ ሙዚቃኦም ንዝኣበዱና ሙዚቀኛታት- ኣይተገደሰሎምን።

እቶም ብተሃረፍቲ ብርዕታት ጌሮም፡ ‘ዒብን ህድግ-ለነን’ ንኽህልወና- ዝግበኣና ድማ ከይንዝንግዕ፡ ዝድስጹናን ዝንእዱናን ዝነበሩ ጸሓፍቲ፡ ዓይኑ ጥቕስ ኣቢሉ ኣይዘለሎምን።

እቶም ብዘስደምም ቅዲ ኣሰላልፋን ኣሰዓሰዓን ዘዛነዩናን ዝምህሩናን ዝነበሩ ኮሪኦግራፈራት’ውን፡ “እዚኦምስ ንመድረኻት ዳንኬራ ከጸምውዎ እዮም!” ኢሉ ሸለል ኣይኣዘዘሎምን።

ጥጅእ መዝመዝትን ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓብአ መዝማዚ ውዲታቱን ናይ ምርድኡን ምትንታኑን መንቋሕቋሕታ ዝኸፍቱልና ዝነበሩ ተቐነይቲ፡ ደሊና ኣብ ዘይንረኽቦም ዝኽወልሉ ቦታ ኣይሰኣነሎምን።

ጸልሚቱና ዝነበረ መገድታት፡ ብኣነቓቓሒ ሓሳባት እናወልዑ ናብ ብርሃን ዘውጽኡና ናይ ስነ-ልቦና ጠበብቲ፡ ንሓካይም ናይቶም ናይ ኣእምሮ ተኣለይቲ፡ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ ኢሉ ኣይገደፎምን።

እቶም ናይ ጠፈር ከዋኽብቲ፡ ባሕታውያን  ቤተ-ምርምር፡ ናይ ስነ-ፍልጠት ሊቃውንቲ፡ ኣእምሮኦም ሙዝየም ህያውያን ሓወልቲ፡

እቶም ዳህሰስቲ ቀላያት- በሪኹ ማዕሙቑ፡ በርበርቲ ጸጋታት- ጽቡቑ ሕማቑ፡

እቶም ጠበቓታት ውጹዕ – ሓቖፍቲ ነዳያን፡ ተስፋ ዝዘኽተሙ – ዘነንቲ ድዉያን፡ ካብ ሕሰም መጽለልቲ- ክዳኑ ንቑሩር፡ ሰላሙ ንርቡሽ – ጽንዓቱ ንሕዙ ኩሎም፡ ይትረፍ’ዶ “ሰብ ጽቡቕ’ዮም!” ኢሉ ዝጣበቐሎም ዝወሓሶም’ኳ ኣይተረኽበን።

እቶም፡ “ኣስማዕቲ ኣጽመምቲ፡ ገበርቲ ሓደግቲ፡ ፈታሓቲ ኣሰርቲ፡ ኣርሃውቲ ኣኮትቲ፡” ዝመስሉና ዝነበሩ፡ ይትረፍዶ ክቃለሱዎ’ስ ዋላ ነዛ ክሕብኡ’ኳ ዓቕሚ ኣይረኸቡን።

ካብ ሃብታም ክሳብ ድኻ፡ ካብ መራሒ ሃይማኖት ክሳብ ፖለቲከኛ፡ ካብ መሃንድስ ክሳብ ነጋዳይ፡  ካብ ሓኪም ክሳብ ስነ-ጥበበኛ፡ ካብቲ ብጥዕና ድልዱል ክሳብ’ቲ ብናብራ ወይ ብሕማም ዝሰነፈ ስንኩል፡ ካብቲ ብቐደሙ ወይ ኩነታት ግዜ ተረዲኡ ዝደናገጽ ዘሎ ለባም ክሳብ’ቲ ምንም ዘይስቆሮ ተሪር ልቢ በሃም፡

ኮታ እንታይ ኢልኩምሉ፡ ዓቢኡ ንእሽትኡ፡ ርኹቡ ጽጉሙ፡ ኩሉ’ዩ ብሓደ ተጨልጊሙ።

እዚ ህልቂት፡ ኣንጸርጺርና – በኺና፡ ነቢዕና – ኣእዊና ተሃንና ከነውጸኣሉ ዘየፍቅድ ህልቂት ንምዃኑ ድማ፡ ይትረፍ’ዶ ክንቅበሎ ክንዝክሮ’ኳ ዘይንፈቱ፡ ንዘልኣለም ኣብ ትሕተ-ውኖና ክንዕፍኖ፡ ክንደፍኖን ክንቀብሮን እናፈተንና ክንነብር ክንገድድ ኢና።

ስድራ-ቤት ናይ’ዞም በዚ ሕማም ከም ቈጽሊ ዝረግፉ ዘለዉ ኣህዛብ፡ እንተስ፡ “ዝወሰደ ወሲዱ፡ ዘርገፈ ኣርጊፉ ይተዓረቐና!” ኢሎም፡ እንተስ ብሓዘን ዘይግለጽ ልዕሊ ሓዘን ዝምኽባዱ ሓዘን ኮይንዎም፡ ወይ’ውን፡ “ሓዘን ሓዘን’ዩ ዘምጽእ!” ብዝብል ርድኢት ብዘይ መላሲ ወረ ከይጸንቱ ፈሪሖም፡ ድባብ ሓዘን ዝገልጽ ናይ ሓዘን ዜማ ኣየድለዮምን።

እኳ ደኣ እዚ ህልቂት’ዚ፡ ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝበአሰ ከይዓርግ እሞ፡ ንድሕነትና ዝቃለስ’ስ ይትረፍ፡ ነዛ ዝጸውየልና’ውን ምእንቲ ከይንስእን ኣብራኾም ገዲፉ ዋላ ኣእምሮኦም ረድረድ እናበሎም፡ ለይትን ቀትርን ይጽዕሩልና ኣለዉ።

ፖሊስ፡ መደበኛ ሰራዊት ይኹኑ ኣባላት ጸጥታ፡ ንባዕሎም ሰባት ክንሶም፡ ንስለ ካልኦት ሰባት ክብሉ ንነብሶም  ዳርጋ ዘይሰብ ቆጺሮም፡ ካልእ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ክቆጻጸሩ፡ ኣብ ጎደናታት ውዒሎም ኣብ ጎደናታት ካብ ዝሓድሩ፡ እነሆ መዓልታት እናበለ ኣዋርሕ ተቖጺሩ።

ዝምልከቶም ናይ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት፡ ኣቕረብቲ ዕለታዊ ሃለኽቲ ነገራት፡ ዘድሊ ዘበለ ክቕርቡ ዕረፍቲ የብሎምን።

ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ዘይረኣ ግን ከኣ፡ ፈኸም እናበለ ብውሽጢ ውሽጢ ዝላባዕ ዘሎ ሓደገኛ ለበዳ፡ መድሃኒት ዝተሓወሶ ማይ እናኸዓዉ ንኸጥፍኡ፡ ንባዕሎም ኣብቲ ጎደናታት ሞት እናወዓሉን እናሓደሩን እነዉ ፊት-ንፊት ምስ’ቲ ሓዊ ይጣፍኡ።

ናይ ሓበሬታን ዜናን ሰራሕተኛታት፡ ሓካይም ኮኑ ኣለይቲ ሕሙማት፡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣተሓሳስባ ወጺኡ ብዝመጠቐ ንቕሓት – ካብ ስጋ ለበስ ስብእና ወጺኡ ሰማይ ብዝጠንቆረ ነብሰ ግትኣት፡ ብጽርሃ ኣርያማዊ ለውሃት፡ ስጋዊ ፍርሒ ቶባእ ኢሎም ብዝተላበስዎ ቅዱስ ስምዒታት ይቃለሱ ኣለዉ።

እዞም ዘይተለኸፍና ንከይንልከፍ፡ ዝተለከፍና ድማ ህይወትና ንክትተርፍ ምስ’ቲ ለበዳ ዝተሃናነቑልና ዘለዉ ናይ ድሕነትና ሃዋርያት፡ ዝፈትውዎም ኣቦታቶም፡ ፍቑራት ኣደታቶም፡ ምጩዋት ደቆም፡ ፍቑራት ሰብ ኪዳኖም፡ ዝፈትውዎም ዓርከ-ማሓዛኦም ክፍለይዎም እናረኣዩ፡ ነቶም ዝተረፍና ደኣ ጠመቱ እምበር፡ ንድሕሪት ቁሊሕ ኣይበሉን።

ህይወቶም ንስለና ዝቐበጽዋ ውፉያት ብምዃኖም፡ በቲ ብቐጥታ ዝወቕዖም ጸገም ተቐንዝዮም ‘ሃይ!’ ኣይበሉን። መቕዘፍቲ መቕርቦምን ቤተ-ሰቦምን ካብ ተልእኾኦም ዝሕጥ ኣይበሉን።

ንሕና ከይንድሃል ናብ ውሽጦም ዘፍሰስዎ ዘለዉ ንብዓት፡ ከም ፍሉሕ ማይ እናለብልለቦም፡ ነቲ ንዓና ዘድሕኑሉ ግዜ ምእንቲ  ከይሻመዎም ውሽጢዊ ጓሂ እናሓመሶም፡ በቲ ጥልቂ ሓዘንን ናይ ሕልና ስብራትን ኣይተደራቐሙን።

ኣብ ውሽጥ’ዚ መንፈስካ ዝሰብር መሪር ጋህዲ፡ ከምቲ ህቡብ ጀርመናዊ ፈላስፋ ኒቸ፡ ንዘይተጸንቀቐት ተስፋ የማዕድዉ፡ ካብ መንጎ  ዘስካሕክሕ መቕዘፍቲ ከኣ፡ ህይወት ክራኽቡ ደኣ ህርዲግ ይብሉ’ለዉ እምበር፡ ከም ትራጀዲያዊ ድራማ ጥንትታውያን ግሪኻውያን፡ ህይወት ብሓዘን ክትድምደም ኣይፈቐዱን።

ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ጻዕርታት፡ ብዘይ ናትና ውልቃዊ ጥንቃቐታት፡ ውጽኢት የብሉን። ዓቕሊ ጌርና፡ ብዝምልከቶም ኣካላት ዝወሃበና ዘሎ መምርሕታት መከላኸሊ እንተደኣ ኣተግቢርና ድማ፡ ዳርጋ ምስቲ ናታቶም ዝዳረግ ጅግንነት ከም ዝፈጸምና’ዩ ዝቑጸር። ስለዝስ ሃየ ኣብ መስርዕ እዞም ጀጋኑ ደው ኢልና፡ ኣብ ምብራር እዚ ጸገም ኣበርክቶና ንሓውስ። … ፈጣሪ ምስ ኩልና ይኹን!!!

ዮናስ ሃብተ (ራእሱ)

113 total views, 1 views today

(Visited 11 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *