ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ዓመታዊ ግብረ-መልሲ ንታሪኻዊ ቅራይ(Hangover)

ስርሒት ፈንቅልን ዓመታዊ ዝኽሩን ካብቶም ኩላትና ኤርትራውያን እንሕበነሎም ወርቃውያን ሰውራውያን ውርሻታትና ብቐዳምነት ዝስራዕ ኢዩ። ኩናት! ብAlgebraic factor(ብዝሒ ኣጽዋርን ሰብን)፡ Biological factor( ብቐንዱ ሰብ)ን psychological factor(ስነ-ኣምሮን) እንዳተቓነየ ዝካየድ እቲ እንኮ ሙኡዝ ቅኔ ናይ ቀጻልነት ወይ ድማ ንለውጢ ዝድርኽ ማሕበራውን ባህርያውን መገዲ ኢዩ። ሰለስቲኦም ረቛሒታት ኣብ ባይታ ናይ ኩናት ብምዑርይነት ኣብ ዝትገብርሉን ዝወሃሃድሉን ድማ ዓወት ግሁድ ክኸውን ይኽእል። ብዝሒ ሰራዊት ምስ ጽፉፉን ብሉጽን መሳርያ ውግእ ተዋሲቡ፣ ስነ-ኣእመረኣዊ ተወፋይነትን እምነትን ተዋጋእቲ ድማ እንተደኣ ጠንኪሩ ኣብ ቅድሚ‘ዚ ምውህሃድ ዝፈጥሮ ዓርሞሽሽ ጸዓት ጠጠው ንምባል ዝኽእል ጸላኢ የለን። ብፍላይ፡ እቲ ዘይድህሰስ መነፈሳዊ ጸዓትን ኩነተ-እእምሮን ወላ ውን እቶም ክልተ ረቛሒታት ኣብ ዝጎድልሉ ንበይኑ ታኣምር ከስርሕ ዝኽእል ምዃኑ ብዙሓት ታሪኻውያን ተሞክሮታት ዝምስክርዎ ሓቂ ‘ዩ።

ስልቲ ውግእ ናይ ህዝባዊ ግንባርን እቲ ኣብ ዓለመ-ታሪኽ ውሑድ መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ ናይ ምሕላም፡ ምእማንን፡ ምትግባርን ሞራላዊ ጸዓትን ተጋደልትን ድማ ታሪኽ ብዝግባእ ንዝጎርጎረ’ስ ይትረፍ ነቲ ብላዕሊ ላዕሊ ዝዕዘብ ‘ኳ ሓቀነቱ ጸሓይ ቀትሪ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክሮ‘ዩ። ናብ’ዚ መደምደምታ ንምብጻሕ ድማ ሰነዳት ውግእ ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ሰነዳት ኤርትራዊ መኸተ (ኣብ ታሪኽ ክሳብ ‘ዚ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ውግኣት) ምውካስ ይከኣል ኢዩ። ምኽንያቱ፣ እቲ ምስክርነት ኣሽንኳይ’ዶ በቶም ፈጸምቱ በቶም ጸላእቲ ‘ውን እንተኾነ፣ (ገለ ሕነ ስዕረቱ ብመንገዲ ታሪኽ ምጥምዛዝ ንኽፈዲ ዝተወፈየ ስዑር ገዲፍካ) ኣብ ሓደ ሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ። ንሱ ድማ ዝበዝሑ ጸላእቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝተዋግእሉ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ፡ ምስ ዘመናዊ ናይ ውግእ ፍልስፍና ፊት ንፊት ተፋጢጥካ ብግብሪ ናይ ምምሃር ዝበለጸ ዕድል  ከምዘጋጠሞምን ኣብ ሂወት ሃገርነቶም ድማ ብዙሕ ከምዝሓገዞምን ስለ ዝምስክሩ ኢዩ። ግን ከኣ ምስክርነት ሕቡኣት ማለት ‘ዩ።

ህዝባዊ ሰራዊት ዝልለየሉ ቀንዲ ባህሪ ምውናን “ሓያል ኩነተ-ኣእምሮ” ኢዩ። እቶም ብግብራዊ ቁጽራዊ መዐየርን ንሱ ዝፈጥሮ ናይ ምጽላው ተኽእሎታትን ከም ጻጸ ንሓርማዝ ዝወደኑ ሓርበኛታቱ፣ ኣብ ‘ፍጹም ዘይክማህ ሓያል ኩነተ-ኣእምሮ ስለዝኣመኑን ብግብሪ ድማ ስለዝረዓምዎን እምበር ካብ ብዝሒ ሰራዊትን ዓይነት ኣጽዋርን ‘ሲ ፍጹም ምተደምሰሱ። ምኽንያቱ፣ ቃልሶም ኣንጻር “ንፖሎቲካዊ ምንዝርና” ዝተዓጥቁ ኣገልገልቲ ዓበይቲ ሓይልታት ዝኾኑ ናይ ኢትዮጵያ ገዛእቲ ጉጅለ ደኣምበር፡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ዝጨኑ ስርዓት ኣይነበረን። ኣስፋሕፋሕቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ኣብ ውልዶ ዕድመኡ ዝጸብለለ ስሙር ናይ ህ.ግን ተ.ሓ.ኤን ናይ ኩናት ዓቕሚ ብራዕዲ ታህ ታህ ዝበልሉ መፋርቕ 70ታት ዘራይ እነተዘይመጽእ ነይሩ ብኣኣ መብቅዑ። እንተኾነ ግና ታሪኽ ስረሑ ሰረሐ ‘ሞ ኣስፋሕፋሒ ሕልሚ ደርጋውያን ዝልእኮ ሰይጣናዊ ጎይታ ረኺቡ ኣይትሓዙኒ በለ። ካብ ሂወት ክሳብ ዕጨ እምኒ ኤርትራ ድማ ደም ከዛሪ ተሃንደደ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ  ድማ እቲ ፖሎቲካዊ ባዕዳዊ ህበይ፡ ኤርትራ ክትግምጠለሉ ‘ሞ ኩዕንቲ ክጽገብ ያኢ ብምሕሳብ፣ ካብ ምዝማርን ምትጋብርን  “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣይድልን ኢዩ’ ብምባል ክሳብ ብግብሪ ገበን ጸረ-ሰብኣውነት ፈጸመ።

እዚ ምበኣርከስ መህድኢ ክግበረሉ ነበሮ። ካብ ምዝላቕ፣ ድብያ፣ ደሓር ናብ ተማጣጣኒ ግብረ-መልሲ፣ ቀጺሉ ድማ ናብ ተብግሶ ዝበረኸ ስልቲ ኩናት ህ.ግ ድማ ብመንገዲ ኣማኢት ናይ ኩናት ስርሒታት ብፍሉይ ድማ ብመንገዲ ምድሳስ ናደውን ስርሒት ፈንቅልን ብጅግንነት መህድኢ ክገበረሉ በቐዐ። ጸኒሑ ድማ ናብ ሓርነት መላእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሰጋጊሩ  ዞባውነቱ ከም ዘመሰከረ ድማ ናይ ትማሊ ፍጻመታት ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ስርሒት ፈንቅል እምበኣር፣ ብኹልንተነኡ ናይ ህ.ግ ናይ Algebraic factor, Biological factorን  Psychological factorn ውህደትን  ተራን ብኩለንተና ጸብለል ዝበለሉ፡ ዛጊት ካብቶም ብመንገዲ ሓርነታውያን ምንቅስቓሳት ዝካየዱ ውግኣት ምስቶም ቀዳሞት ዘስርዖ ብዙሓት ረቛሒታት ዘማለአ ኣብነታዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ኢዩ። ምምራኽን ምስላፍን ኣብ ናደው ዝተሰልበ ፍሉይ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ክሳብ ምክያደ ዝተወሃሃደ ናይ ባሕርን ምድርን ስርሒታት ድማ ርእሰ-ጉሉጽ ኣብነት ኢዩ። ህ.ግ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝነደፎ እስታርተጂ፣ ዘሰለፎ ብዝሕን ዓይነትን ኣጽዋር፣ ዘኽተቶ ብዝሒ ሰብን ብናይ ‘ቲ እዋን መዐቀኒ “እቲ ዝበረኸ ወተሃደራዊ መድረኽ” ከምዝነበረ ካብ ደቒቓዊ ጸብጻብ ናይ ‘ቲ ስርሒት ምውካስ ዝከኣል ‘ዩ። እቲ ናይ ሰብ ተራ ድማ ልክዕ ከም ቀድሙ ኣብ ወኒ ዝተሞርኮሰ ማለት ‘ዩ።

እምበኣርከስ፣ ህ.ግ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ብብዝሒ ኣጽዋርን ሰብን ወሃ ዘበለ ስርሒት ኣብ ዘካየደሉ፣ እሞ ድማ ነቲ ብኩለንተና ኣብ ጽብሉል ክውንነት ዝነበረ ደርጊ ብምንታይ ኣምበርከኾ ተባሂሉ እንተተሓቲቱ ‘ብሓያል ኩነተ-ኣእምሮ’ ጥራይ ‘ዩ እቲ መልሲ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ዓይነታዊ ሰብ፣ ጸዓት፣ ወኒ፣ ትብዓት፣ መንነታዊ ኣንነት፣ ሓላፍነትን፣ ሰውራውነትን ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ኣስተማቒራቶ እትፈልጥ ሓደ ካብቶም ዝበለጹ ፍቕሪ ናይ ዜጋታታ ኢዩ።  ውግእ ባጽዕ ናይ ‘ኩነተ-ኣእምሮ’ ኩናት ምንባሩ እነረጋግጸሉ ቀንዲ ጭብጥታት ብወገን ጸላኢ ዝብሃል ኣባሃህላታት ምስ እንዕዘብ ኢዩ። ምኽንያቱ፣ እቲ ቀንዲ መለልይታት ኣብ ኢትዮጵያ ‘ስርወ-ንግስነት’ ዝጭብጡ ጉጅለታት ምንጽብራቕ ‘ታሪኻዊ ስኽራን’ ዝመንቀሊኡ ‘ፖሎቲካዊ  ሒቕታ’ ኣብ ዝኾነሉ፣ ነቶም ብሕልማዊ ሃተፍተፍ ንቀላይ ቀይሕ-ባሕሪ ዝከላኸሉ ብግብሪ ከም ዋናታት መጠን ኣፎም እንዓጽወሉ ዝዓበየ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ድማ ‘ዩ ዝነበረ። ምኽንያቱ፣ ሓዴና ጥራይ ‘ዩ ኣብ’ቲ ባሕሪ ብሂወቱ ክሕንብስ ዝነበሮ!

ኣነ ኩሉ ግዜ ናብ ባጽዕ ክሕንብስ ኣብ ዝኸደሉን ቀዳመይቲ ወስታ ሱግመይ ናብ ቀላይ ኣብ ዘእትወሉን ሓደ ሰብ ኣብ ሓንጎለይ ይቕጀለኒ። ንሱ ድማ ብ/ጀ ተሾመ ተሰማ ዝበሃል  ኢዩ። ብ/ጀ ሓደ ካብቶም ነቲ ውግእ ብወገን ደርጊ ዝመርሑ ዝነበሩ፣ ከንቱ ገተርተር ዝነብሮም ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ ቆልዓ ሰብይቲ ከም ድፋዕ ኽጥቀም ዘይሓፈረ ፖሎቲካዊ-ሰኽራም ኢዩ ዝነበረ።  እቲ ኣብ’ታ ‘‘ኤርትራን ከኢትዮጵያ የነጠለ ጦርነት፣ ኣይ ምጽዋ“ እትብል ብሓለቓ ሚእቲ ታደሰ ቴሌ ሳልቫኖ ዝተጻሕፈት ንሓቀኛ ፍጻመ ውግእ ባጽዕ ብኩርናዕ ኢትዮጵያውያን ወረርቲ እተዘንቱ መጽሓፍ፣ ምስ ኩሉ ዕቃበታት ሓደ ሓቂ ተቃልዕ። ንሱ ድማ እቶም ‘ወይ ምጽዋዕ ወይ ሞት’ እንዳጨፈሩ ዝዋጉኡ ዝነበሩ ደርጋውያን ናይ ልቢ ንብዓቶም ንኽትዕዘብ ትቕስበካ። መሳኪን፣ ከምዚ ብጠራሙስ ታሪኽ ዘቕቢቦም ዝሰኸሩ ‘ሞ ሃንደበት ህ.ግ ህሩግ ኢሉ ምስ ስኽራኖም እንከለዉ ምስ ደሰቖም በቲ ሓደ ስኽራኖም ምብናኑ በዓቲ ታሪኻዊ ስኽራን ተነፊግዎም ደንበርበር ክብሉ እንከለዉ፣ በቲ ሓደ ድማ ቀይሕ-ባሕሪ ‘ውን ንባዕሉ ‘ዋናታት ኣለዉኒ’ እንዳበለ ክጠልሞም እንከሎን ሽዑኡ ዝኽሰት ዓቕሊ ጽበትን ይረኣየኒ።

ብ/ጀ ተሸሞ ተሰማ ኣእጋሩ ኣብ ደንደስ ቀላይ ብኸፊል ኣጥሊቑ ዝገብራ ናይ መወዳእታ ኣኼባን ዘውጸኦ ዝነበረ ናይ ዓቕሊ ጽበት ቃላትን፡

“ሎሚ-መዓልቲ ሻዕብያ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተቖጻጺረያ ኣለኹ ኢሉ፡ ንዓለም- ለኻዉያን ‘ናይ ዜና ማዕከናት’ ከናዉጸን ኢዩ። እዚ ድማ ንህዝብን ሃገርን ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ዓቢይ ዉርደት ኢዩ” ክብል እንከሎ፡ ኣዒንቲ በርበረ መሲሉ፥ ከንፈሩ ብጽምኢ ማይ ሓሪሩ ተቀራሪፉ፥ ከብዱ ብጥምየት ምስ ሕቖኡ ተላጊቡ፥ ካብ ጉድጋድ ፊሒርካ ዘዉጽኣካዮ ሰብ መሲሉ ነበረ። ኣይጸነሐን ድማ በቲ ከንቱ ሕልሙ ሕፍረት ተሰመዖ ‘ሞ እታ ኣፈ-ሙዝ ካላሽኑ ኣብ ኣፉ ተኺሉ ቓታ ሰሓበ። ድምጺ እቲ ጥይት ክስማዕን ጀነራል ተሾመ ተሰማ ንጥንቅልዒት ኣብ ማያት ቀይሕ-ባሕሪ ከንሳፍፉን ሓደ ኮነ። ኣይጸንሑን ድማ ካብቶም ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበሩ ወተሃደራት 150 ዝኾኑ ንተሸመ ስዒቦም ብገዛእ ብረቶም ጥይት ተደረሩ።” ዝብል ሓረግ ድማ ብዝግባእ የስተንትኖ። ወይ ታሪኻዊ ስኽራን!!

ቀጺለ ዝዝክሮም ድማ ነቶም ሓለምቲ ንምብርባር ሂወቶም ዝወፈዩ ደሞምን ዓጽሞምን ኣብ ሰልሚ ሳሊናን ማይ ቀይሕ ባሕርን ዛርዩ እቲ ደሞም ባሕሪ እቲ ዓጽሞም ድማ ኮራል ዝኾነ ጀጋኑ ሰማእታትና ኢዮም። እቶም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ እንዳሓንበሱ ዝዋጉኡ ዝነበሩ ምዑታት፣ እቶም ንስጋለት ቀጣን ንምስጋር ዝሓለፉ(ብዙሓት ብሉጻት ኣዘዝቲ ሓይልታት ዝርከብዎም) ሰማእታት፣ ነቶም ብታንኪ እንዳተራገጹ ዝሓልፉ ሓርበኛታት ይዝክሮም ‘ሞ ሓበን ድማ ይስመዓኒ። ኩነተ ኣእምሮ ዋናታት ኩሉ ግዜ ሓያል ‘ዩ፡ ንዘልኣለም ድማ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን። እቲ ኣብ ፈንቅል ዝፈንቀለ ጸዓት ድማ መበገሲኡ ንሱ’ዩ መስለኒ።

 ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

 ዓወት ንሓፋሽ!

ኣማኑኤል ዘካርያስ

192 total views, 4 views today

(Visited 16 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *