ክብርታትና እዩ ምስጢር ዓወትና

ኩሉ ግዜ፡ ንዝሓለፍናዮ ታሪኽ እናኣልዓልና መምሃሪ ክንገብሮ ኣገዳሲ እዩ። ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተረኽበ ጥራይ ዘይኮነ – ወርትግ ስንቅና ክኸውን እዩ ዝግባእ። ብመጠን’ቲ ንድሕሪት ዝጠመትካዮ ኢኻ ንቕድሚት እትስጉም። ኣንዊሑ ክዘልል ዝደለየ – ንድሕሪት ምልስ እንተደ ኢሉ እዩ ሓይሊ ዝረክብ። ሓደ ህዝቢን ሃገርን እውን፡ ሕሉፍ ተሞኩሮታቱ እንተደኣ ተወኪሱ እዩ – ተኽእሎኡ ንቕድሚት ኣብ ምስጓም ዝሰፍሕ።

“ታሪኽና ደኣ ንፈልጦ እንዲና. . .” ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ንታሪኽ ከም ታሪኽ ጥራይ ምፍላጡን፡ ካብኡ ዝተቐስመ ተሞኩሮን ሓቅታትን ብዕምቈት ምርዳኡን ግን፡ በበይኑ እዩ። ተቓሊስና ተዓዊትና ሃገር ኣምጺእና – ንኣብነት። ዓወት መሰረቱ – ፍትሓዊ ዕላማ እዩ ተባሂሉ ክግለጽ ከኣ ይስማዕ እዩ። እዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ልክዕ ስለዘይኮነ ግን፡ ኣብኡ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ።

ፍትሓዊ ዕላማ ምህላው፡ ከም ሓደ ረቛሒ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ተዓዋትነት ናይ ዝኾነ ጉዳይ – ፍትሓዊ ድዩ ዘይፍትሓዊ ዝውስን – እቲ ዕላማ ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ፡ ብዝተፈላለየ ድኽመታት ከይተዓወተ ክተርፍ ተኽእሎታት ኣሎ።

እኳ ደኣ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ክዕወት ዘይረኣና ኣይኮንናን። ነዚ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ክቐርብ ይኽእል እዩ። ውሑድ ዘይኮነ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ቁሊጭ ኣቢሉ ዘርኢ ብዙሕ ኣብነታት እዩ ዘሎ።

ብዙሕ ከይረሓቕና- ጉዳይ ኤርትራ ኣሎ።  ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መግዛእቲ ክላቐቓ እንከለዋ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንስለ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ርእሰ-ሓያል ኣመሪካ ተባሂሉ፡ መሰል ርእሰ ውሳነኡ ተነፊጉዎ። እቲ ተግባር ፍትሓዊ ከም ዘይነበረ፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ፡ ጆን ፎስተር ዳላስ ባዕሉ ከምዚ ክብል እዩ ተዛሪቡ፦

“ብዓይኒ ፍትሒ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ እዩ። እንተኾነ፡ ስትራተጂያዊ ረብሓና ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ማእከላይ ምብራቕን. . . . እታ ሃገር ምስ’ታ መሓዛና ኢትዮጵያ ክትቊረን ግድን ገይሩዎ ኣሎ።”

እዚ ቃላት’ዚ፡ ዓለማዊ ዝምድናታት – ኣብ ፍትሒን ቅንዕናን ዘይኮነ፡ ኣብ ሓይልን ረብሓን ከም ዝምርኰስ ብንጹር እዩ ገሊጽዎ።

እሞ ድኣ፡ ምስጢር ዓወት ብርግጽ እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኣብ’ዚ። ግዳ፡ ሓደ ጉዳይ ፍትሓዊ ድዩ ዘይፍትሓዊ ብዘየገድስ፡ ተዓዋትነቱ – ኣብ ስራሕን ብቕዓትን ዋናኡ እዩ ዝምርኰስ። እቲ ኣብ 1961 ዝጀመረ ነዊሕን ጽንኩርን ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ኣብ 1991 ብምሉእ ዓወት ህዝቢ ኤርትራን ስዕረት መግዛእቲ ኢትዮጵያን ተሓባበርቱን ምዝዛሙ፡ ቃልስና ፍትሓዊ ስለዝነበረ ጥራይ ኣይኮነን። ቃልስና፡ ክቡር መስዋእቲ ተኸፊልዎ፡ ንጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ሰውራኡን ብቐጻሊ ዝተፈታተነ. . . ከቢድ መስገደል ሓሊፍዎ እዩ ብኣንጻባራቒ ዓወት ተዛዚሙ።

መሰረት ዓወት ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ፍትሓዊ ዕላማኡ ንምዕዋት ክሃንጾን ከማዕብሎን ዝኽኣለ ኩለንተናዊ ብቕዓት ደኣ እምበር፡ እቲ ዕላማ ባዕሉ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ንተስፋ ዝተፈታተነ ማእለያ ዘይብሉ ጽንኩርን ጽልግልግን መድረኻት እኮ ተሰጊሩ እዩ።

በብእዋኑን በብመድረኹን፡ ምስትውዓልን ኣርሒቕካ ምጥማትን እናኣማላእካ፡ ምጽማምን ብቕዓት ዘዕቢ ስራሓትን እናደራዕካን እናሰራሕካን እንተ ዘይክየድ ነይሩ፡ እቲ ታሪኽ ካልእ ምኾነ ሎሚ። መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብዘረጋገጾ ናይ ስነ-ሓሳብን ፖለቲካን ብቕዓት፡ ከምኡ እውን ነዚ ስነ-ሓሳብ’ዚ ተኸቲሉ ብዘካየዶ ሓያል ስራሕ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ‘ንመሰል ርእሰ-ውሳነ’ ክሰርርን ክዉን ክኸውንን ክኢሉ። ነቲ ብብዙሕ ተዓጻጻፊ – ኣንጻሩ ዝነበረ ሚዛን ወተሃደራዊ ሓይሊ ቀይሩ ተዓዊቱ።

ዓወትና ግድን ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንዓወትና ግድን ክገብሮ ዘኽኣለ ስነ-ሓሳባውን ፖለቲካውን ብቕዓትን ውዳበን ብምምዕባል፡ እቲ ዝግባእ ዕዮ ስለዝፈጸምና እዩ። ኩሉ ግዜ ክዝከር ዝግብኦ ዓቢ ጉዳይ እምበኣር፡ እዚ ሓቂ’ዚ እዩ። ፍትሓዊ ዕላማ ንበይኑ ዓወት ኣየውሕስን።

ዋላ እቲ ዝበለጸ ራእይ ድዩ ዕላማ. . . ይሃሉኻ፡ ንትግባረኡ ዘውሕስ ስራሕን ብቕዓትን እንተዘይብልካ፡ ክትዕወት ከቶ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ዓወት ክንበጽሕ ዝበቓዕና፡ ነቲ ቅኑዕን ፍትሓውን ዕላማና፡ ብስራሕን ብልዑል ብቕዓትን ክንቃለሰሉ ዘኽኣለና ዕዮ ብምፍጻምና እዩ። እቲ ህዝባዊ ግንባር ክፈጥሮ ዝኸኣለ ብርቱዕ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ከኣ፡ ውጽኢት ናይ ረቂቕ ሓሳባትን ውዳበን እዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ሓርነታዊ ቃልስና ተሞኩሮ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናጽነት ዝሓለፍናዮ 29 ዓመታት እውን፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጊሙ ኣድሚቑዎ እዩ። ዓለም ህድግለነ ዘይብላ ናይ ረብሓን ውድድርን መድረኽ ምዃና፡ ካብ ተሞኩሮና ንላዕሊ ምስክር የለን። ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኩነተ-ህላወ፡ ሕብረተ-ሰብ መሰረት ህላወኡን ምዕባለኡን ካልእ ዘይኮነ…..ገዛእ ብቕዓቱን ዕዮኡን እዩ። ብዘይካኡ፡ ዝኾነ ይኹን ዋሕስ የብሉን። ብዘይ ብኣኡ መንደቕ ኣብ ዘይብሉ ቀጽሪ ከም ምንባር እዩ። ረብሓታቱ ኣብ ምውሓስ – ስንፍና ዘርኣየ ወይ ብቕዓት ዝጐደሎ፡ ዘናሕስየሉ ወይ ደንጊጹ ዝንሕፎ የለን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 29 ዓመታት፡ ልኡላውነቱ ንምቕልባስን ዕብየቱ ንምኹላፍን ዘንቀደ፡ ካብቲ ናይ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘይንእሰ፡ ንብቕዓቱ ክፍትን፡ ዕዮኡ ከጎናድብ ዝተደናደነ፡ ብዙሕ ተጻብኦታት እዩ ገጢሙዎ። ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሱ ዘማዕበሎ ክብርታት፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ድልውነትን ሃገራዊ ንቕሓትን ሒዙ ብተወፋይነት እንተዘይሰርሕ ከኣ፡ ነቲ ከቢድ ተጻብኦታት ሰጊሩ ዳግማይ ብኣንጸባራቒ ዓወት ክወጽእ ኣምበይ ምኸኣለን።

ብኣውራኡ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓቅታት ምዝካርን ምስትንታንን – ኣድላይነቱ ዕዙዝ ዝገብሮ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ንምንባርን ብዓወታቱ ንምንያትን ዘይኮነስ፡ ሓድሽ ታሪኽ ንምስራሕ ደራኺ ስለዝኾነ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሕብረተ-ሰባት ወትሩ ኣብ ቃልሲ እዮም ዝነብሩ። ቃልሲ ንዝሓሸ መጻኢ ዘቋርጽ መስርሕ ኣይኮነን።

ናይ’ዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶን መጻእቲ ወለዶታትን ስራሕ – እንታይ እዩ? እንተድኣ ኢልና፡ ብቐንዱ ናጽነት ምድልዳልን ብቁጠባዊ ዕብየት ምድራዕን እዩ። እዚ ተልእኾ’ዚ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት ዝሓየለን ዝኸበደን ምዃኑ ድማ፡ ዝሓለፈ ጉዕዞና እኹል መረጋገጺ ኮይኑና እዩ።

ስለ’ዚ ቃልሲ ምድልዳል ናጽነት፡ ዝለዓለ ናይ ሓሳባትን ውዳበን ስራሕን ድሉውነትን ዝሓትት እዩ። ዛጊት፡ ነዚ ድሉውነት’ዚ ስለ ዘረጋገጽና፡ ብዙሕ ክንስጉምን ናብ ዝሓሸ ባይታ ክንሰግርን ክኢልና ኣሎና።

ከምቲ መንእሰያት እዋን ሓርነታዊቃልሲ፡ ብልዑል ስነ-ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ነቲ ጽንኩር መድረኽ ዝበቕዑዎ፡ መንእሰያት ናይዚ ግዜ’ዚ እውን፡ ከም ተረከብቲ ሃገር መጠን፡ ኣብ ምውሓስ ድሕነትን ህንጸት ምዕቡል ቁጠባን ሃገር፡ ብቑዓትን ብሉጻትን ኪኾኑ የድሊ። ነዚ ንምውናን ድማ፡ ነቲ መሰረትናን ምስጢር ድሉውነትና ንኹሉን ዝኾነ – ሃገራዊ ክብርታትን መትከላትን፡ ጸኒዕካ ምኽታል የድሊ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነዊሕ ቃልሱ፡ ስነ-ሓሳብ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰረቶም፡ ሓበን ህዝቢን ሃገርን ዝኾኑ ወርቃዊ መትከላትን ክብርታትን ኪዅስኵስ ዝኸኣለ ህዝቢ እዩ። በዚ ክብርታት’ዚ፡ ኣብ መንጎ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ባህሊን ማሕበራዊ ቦታን፡ ልዑል ስኒትን ጥምረትን ብምንዳቕ፡ ኩሎም ዜጋታት ከም ዕላማ ዝወስዱዎ፡ ዝኣምኑሉ፡ ዝምርሑሉ፡ ዝከላኸሉሉን ዝስውኡሉን መትከላት ብምምዕባል፡ ብመንነቱ ዝሕበን፡ ኣብ ገዛእ ሰብኣዊ ዓቕሙ ልዑል ምትእምማን ዘለዎ፡ ብርቱዕ ህዝባዊ ስነ-ኣእምሮ ክፈጥር በቒዑ።

ነቲ ዓለም ኣይከኣልን ዝበለቶ ቃልሲ ኣንጻር ርእሰ-ሓያላን ከምዝከኣል ዝገበረ፡ ትሕቲ መሬት ክቕበር ንዝተፈርደ ‘ህዝባዊ መሰል’ ካብ መዓሙቚ ኣውጺኡ ኣብ በሪኽ ዙፋን ዘንበረ ረቂቕ ሓይሊ – እዚ ሃገራዊ ክብርታት’ዚ እዩ። እዚ ኣብ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተዀስኰሰ ክብርታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ኣብቂዑዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ናብ ተረካቢ ሕድሪ ወለዶ ብምስግጋር፡ ንህንጸት ስልጡን ሃገር ድልዱል መሰረት ኣንጺፉ።

ኤርትራ – ረዚን መስዋእቲ ከፊላ ሓርነታ ዝተጐናጸፈት፣ ብናጻ ፖለቲካዊ መስመርን ሕርያን፡ ብሰብኣውን ሃገራውን ክብረት፡ ብመንፈስ ርእሰ-ምርኰሳን ትግሃትን – ብኣርኣያ እትጥቀስ ሃገር ክትከውን ዝበቕዐት፣ ብሳላ’ቲ ኣብ ጽንኩር ቃልሲ ንናጽነትን ልኡልውነትን እተመልመለ ኩነተ-ኣእምሮ ህዝባን መሪሕነታን እዩ።

ሳላ’ዚ ውፉይ ኩነተ-ኣእምሮ’ዚ፡ ኤርትራ – ንግዝያዊ ፍታሕ ተባሂሉ ፖለቲካዊ ናጽነታ ዘግድዕ ኣቋራጭ መገዲ ኣይሓረየትን። ሓቅን ፍትሕን ዝጠልቦ ክቡር ዋጋን ምጽማምን ክትከፍል ወትሩ ቅርብቲ ብምዃና፡ ማዕበላት ሽርሒን ተጻብኦን፡ ውዲትን ብድሆን ክንዲ ዝተዀመረ ተዀሚሩ፡ ካብ’ቲ ጸኒዓ ዝሓዘቶ ናጻ መስመር ከንደልህጻ ኣይከኣለን።

ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ልክዕ ከም ናጽነት፡ ቁጠባዊ ሓርነት እውን ብዕዮን ጻዕርን እምበር፡ ብልግሲ ዝርከብ ማና ከምዘይኮነ ብምእማን፡ ንፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ጽግዕተኛነት “ኣይፋል!” ብምባል፡ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ክብረትን ዕብየትን እዮም መሪጾም።

ብኣጋጣሚ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ትስፉው ዓመት ከኣ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ደጊምና ብዕምቈት ብምስትንታን፡ ነዚ ኣብ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ዝተሃንጸ – ምስጢር ሓይልናን ብቕዓትናን ዝኾነ ባህልን ክብርታትን – ንምዕቃቡን ንምድልዳሉን ብቐጻሊ ክንሰርሕ ኢና።

 

ዳንኤል ኣ.

149 total views, 2 views today

(Visited 13 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *