መጀመርያ እግረይ!

ቀዳም 6 መስከረም 1997 ልክዕ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ፡ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ እንዳ ኣውቶቡስ፡ ምስ ወዲ ሓወቦይ ካብ ኣውተቡስ ወሪደ ሃፈጽታ ዝነበሮ ንፋስ ባጽዕ ጠዓምክዎ። ብክልተ እግረይ ኣብ ባጽዕ ረጊጸ፣ ብኣዒንተይ ንከባቢ ወደብን ግራርን ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ዘሎ ህንጻታትን ነቲ በለቕ-በለቕ እናበለ ናብ’ቲ መናድቕ ዝጋጮ ዝነበረ ማይ ባሕርን ብምግራም ደጋጊመ ረኣኹ። ኣጋይሽ ምንባርና ንዝኾነ ዝዕዘበና ሰብ ርዱእ ነበረ። ቀባሕባሕ ክንብል ድሮ እቶም ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ምሳና ናብ ባጽዕ ዝወረዱ ሰባት ገዲፎምና ተሰዊሮም። ከም ከተማ መጠን ብዙሓት ሰባት ክንርኢ ተጸቢና፣ ግን ብዘይካ ኣብ ጽላል ኮይነን ከርከደ ከምኡ መሳሊ ገለ ዝስተ ሒዘን ኮፍ ዝበላ መንእሰያት ሰብ ዝበሃል ኣይነበረን። ኣማዕዲና ከም ዝረኣናየን መራክብ ብዓበይቲ ክረይናት ይራገፋ ነይረን። ንዝኾነ መጀመርያኻ ትርእዮ ነገር ወይ ዓቢ ትብሎ ወይ ንእሽተይ ትብሎ። ደሓር ኢኻ ተመዛዝን። ሽዑ ተመሃራይ 7ይ ክፍሊ እየ ነይረ። ብዛዕባ ወደባት ኤርትራን ቀይሕ ባሕራን ምስ’ቲ ሓድሽ ናይ ናጽነት እዋን ዝሰምዖ ዝነበርኩ ተሓዋወሰኒ። “ባጽዕ – ባጽዕ ዝብሉ ደኣ ናጽነት መጺኡ ተባሂሉስ ኣበይ ኣሎ እዚ ኩሉ ሰብ፧ ከተማ ተባሂሉስ ጭው-ጭው፧” ክብል እረኣየኒ። ነገር ጋሻ ዓሻ!

ኣብ ባጽዕ ምስ ኣተና ብስድራና ክንኣትዎ ዝተሓበረና፣ ኣብ’ቲ ጥቓ እንዳ ኣውቶቡስ፣ ዝርከብ ቤት ቁርሲ ኳሕኲሕና ኣቲና። እታ ዝተቐበለትና ሓብተይ እምበር ንሕና ኣይንፈልጣን። “ባር ዕጹው፣ ድኳናት ዕጹው፣ እንዳ ሻሂ ዕጹው፣ እንታይ ከተምኡ ኢዩ፧” ተበሃሂልና። ሓሓንቲ ፓስተን ሻህን ሰቲና ኮፍ ከይበልና መሊቑና ወጺና። ኣብ ወደብ ባጽዕ ከይንጠፍእ ፍርሒ ዝበሃል ኣይነበረናን። ናይ ምርኣይ ህንጡይነት ጥራይ። ገና ብዛዕባ ካልእና ክንግረም እቲ ናይ መስከረም ምቖት ኣይተፈለጠናን። ናብ ውሽጢ ወደብ ኣቲና ክንርኢ ሓሲብና ኣየእተዉናን። ብቀትሪ፣ ነቲ ገምገም ባሕሪ ውሽጢ ባጽዕ ኮለልናዮ። ግና ኣይደፈርናዮን፣ ማይ ረኺብና ኢልናስ ኣይሓንበስናን። ንሓቶ ሰብ ከኣ ኣይነበረን። ጭው ዝበለ ቀትሪ!

ኣማዕዲና ንእሽቶ ደሴት ርኢና። ሓምላይ ደሴት እያ። ደሴታትና ኣዘከረትና። ነቲ ኣብ 1995 ምስ የመን ዝነበረና ክርክር ዘኪርና ከኣ “ነዘን ንኣሽቱ ደሴታትሲ ኣበይ ኮይኖም ይዋግኡለን ወደይ፧” ተበሃሂልና ናብ’ታ ደሴትን ናብ’ቲ ኣማዕዲኻ ዘይውዳእ ማይ ባሕርን እናኣማዕደና ከነዕልል እረኣየኒ። ብእግርና ንውሽጢ ባጽዕ ክንኮልል፣ ፍርስራስ ኣባይቲ ክንርኢ፣ ኣይደኸምናን ማይ ግን ጸሚእና። “ንኽንዲ’ዚ ዝኸውን ማይ ባሕሪ እንታይ ከይብክሎ ኢዩ!” ኢልና ካብ’ቲ ባሕሪ ማይ ክንሰቲ ፈቲንና። “እዋይ ጨው! ጎሮሮ ብትኽ! እንቱፍ… እንቱፍ…” ክንብል፣ እቲ ማይ ባሕሪ በለቕ በለቕ ክብል እረኣየኒ።

ካብ ውሽጢ ነታ 100ሜትሮ ትኣክል ዘይትመስል ቀጣን ጽርግያ ሓሊፍና ናብ ከባቢ ዳህላክ ሆቴል፣ ናብ ከባቢ ሰንትራል ሆቴል፣ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ሆቴል ብኹሉ መሕለፊ ብዝረኸብናሉ ተዛዊርና። “እንታይ ዝበለ ሰብ ዘይብሉ ከተማ ኢዩ እዚ፧” እናበልና ክንግረም እረኣየኒ። ሃሩር በርቲዓና ብረሃጽ ተሓጺብና፣ ግና ነገር ንእስነት ሓዲሱና ኮፍ ኣይበልናን። ንስጋለት ቀጣን ዝጥምት ሓወልቲ ታንክታት በጺሕና። ከም’ዚ ሎሚ ሞባይል ኣይነበራን፣ ካሜራ’ውን ኣይተማላእናን። ብኢድና ሒዝናየን። ነተን ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ እናወረድኩ ኣብ ፈቖዶ በረኻ ዝረኣኽወን ዝተቓጸላ ታንኪታት ዘከርኩ። ናጽነት ንምውጻእ ተዓጢቀን ዝነበራ ታንኪታት፣ ኣብ ባጽዕ ከም ሓወልቲ ዝተተኽላ ብሓፈሻዊ ፍልጠት ኣስማተን ነጽንዐን ነይርና ኢና። ጆጓር፣ ታይገር፣ ኮማንደር። “እዞም ነዘን ታንክታት ዓጢቖም ናጽነት ንምምጻእ ዝተሰዉኡ’ሲ፣ ኤርትራ ነጻ ምስ ወጸት እንታይ መሲላ ትረኣዮም ነይራ ትኸውን፧” ብምባል ንወዲ ሓወቦይ ክሓቶ ኣብ ገጹ ዝነበረ ስምዒት እረኣየኒ።

ንክልቴና ኣሕዋትና ናጽነት ኣብ ምምጻእ ተሰዊኦምና ኢዮም። ብኣስማቶም እንፈልጦም ‘ምበር ብገጾም ዘይረኣናዮም፣ ኣብ ገገዛና፣ ናይ ስዉኣት ኣሳእል ተንጠልጢሉ ኢዩ። ናብ ቀጣን ስጋለት ናብ ሲነማን ዕዳጋን እናኣማዕደና፣ “ነዚኣስ ከመይ ገይሮም ሓሊፎማ፧” እናበልና ነቲ ኣብ ኣእምኖና ተሳኢሉ ዝነበረ ብዛዕባ ስርሒት ፈንቅል ምስ’ቲ ቦታ ከነዋሃህዶ ፈቲንና። ካብ’ተን ታንክታት ናብ’ቲ ኣብ ስጋለት ቀጣን ዝነበረ ናይ ጽርግያ መንደቕ፣ ኬድና እግርና ጠልጠል ኣቢልና ኮፍ ብምባል፣ “እዚ ባሕሪ፣ ባሕርና ኢዩ። ነዚ ባሕሪ ከይረኣዩ ክንደይ ኤርትራውያን ሓሊፎም ይኾኑ፧” ክንበሃሃል፣ እቲ ማዕበል ባሕሪ ዝሑል ንፋስ ሒዙ እናመጸ ናብ’ቲ መንደቕ ቦጫዕ ቦጫዕ ከብል እረኣየኒ። ሰዓታት ናብ ኣጋ ምሸት እናተቓረበ ኸደ። ክልቴና ኣየዕረፍናን። ንሓቶ ሰብ ግና ኣይረኸብናን። ንወዲ ሓወቦይ ሓዉ ኣብኡ ነይሩ ኢዩ። ዝቕመጠሉ ቦታ ግና ንመን ክንሓትት።

እቲ ምሳይ ዝኸደ ወዲ ሓወቦይ፣ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ 2ይ ዓመት ስለ ዝነበረ፣ ኣነ ንዘልዕሎም ዝነበርኩ ሕቶታት ብዓቕሙ ይምልሰለይ ነይሩ ኢዩ። ሓፈሻዊ ብዛዕባ ታሪኽን ዓለማትን ቀላያትን ማለተይ ኢየ። እምበር ባጽዕ’ሲ ንክልቴና ፈለማ እግርና ኢያ ነይራ። ካብ ኣስመራ ንምብራቕ ወጺእና መንገዲ ዓርበረቡዕ ምስ ሓዝና ጀሚርና ዝተገረምና ኢና። ንዓይ ከምኡ ዓይነት ቅርጺ መርየት ክርኢ ንመጀመርታይ ኢዩ። ክንዲ’ዚ ለጠቕ ዝበለ

 

ስንጭሮታትን ጋብላታትን፣ ንላዕሊ ዝተወጠሙ ጎቦታትን፣ ሰንሰለት ኣኽራናትን ክንድኡ ምብዝሑ በለስን ዘየገርም ከመይ! ነፋሲት፣ እምባትካላ፣ ጊንዳዕ፣ ደንጎሎ እናበልና ቅድሚኡ መዓልቲ ኢና ወሪድና። ኣብ ደንጎሎ ኣሕዋት ስለ ዝነበሩና ኣዕሪፍና ኢና። ኣብ ደንጎሎ “ኣብ ክረምቲ ጸኒሕናስ ኣብ ክልተ ሰዓት ናብ ሓጋይ!” እናበልኩ ክግረም እረኣየኒ። ኣብ’ቲ ምሸት ንክልቴና፣ ሓንቲ ኣልማዝ ዝስማ ተጋዳሊት፣ ኣብ’ቲ መዓስከር ኣብ ላዕሊ ኣውጺኣ ኣንፈትና ናብ ታባ ጋሕያት ኮፍ ኣቢላ፣ ብዛዕባ ግንባር ጊንዳዕ ዝነበረ ምርብራብ፣ ምድፍናቕ ሓዊሳ ብደቂቕ ክትገልጸልና ሽዑ ዝኾንኩዎ እዝከረኒ። ዓቢ ናይ ምርብራብ ኲናት ዝተኻየደሉ ግንባር ብተጋዳሊት ክግለጸለይ፣ ንሱ’ውን ንመጀመርታይ ኢዩ ነይሩ። እታ ምሸት ንሳ ዝቀረጽክዎ ኩነታት ግንባር ጊንዳዕ እረኣየኒ። ንባጽዕ ካብ ደንጎሎ ኢና ወሪድና። ሓቂ ዘረባ ካብ ኣስመራ ንደንጎሎ፣ ምስ’ቲ ጽባቐ ቅርጺ መሬት ደኣ ተጻዊረዮ ‘ምበር ርእሰይ’ሲ ጽሩውሩው እናበለኒ፣ ተምላስ ዝመጸኒ እናመሰለኒ ኢየ ሓሊፈዮ። ኣብ’ታ ኣውቶቡስ ክሳደይ ብፊንስትራ ኣውጺአ ጽሩይ ኣየር ከስተማቕር እረኣየኒ።

ምስ ወዲ ሓወቦይ ኣብ ወሰን ጽርግያ ስጋለት ቀጣን ኮፍ ኢልና ብዛዕባ እቲ ኣብ መንገዲ ዝረኣናዮ ቅርጺ መሬትን ዓይነት ኣግራብን፣ ዓይነት ሓመድን ኣእማንን ኣዕሊልና ኢና። ምብራቓዊ ቆላ ንመጀመርታና ኢና ርኢናዮ። ቆላ ዝበሃል’ውን ቅድሚኡ ኣነ ኣይረኣኹን ብዘይካ ሃዞሞ። ካብ ጋሕቴላይ ንባጽዕ ብዝረኣናዮ እናተገረምና ኢና ሓሊፍና። መንገዲ ባቡር ካብ ዓርበረቡዕ ክሳብ ባጽዕ ካብ ጎንና ኣይተፈልየን። እቶም ብዕምቆት ዝተገረምናሎም ቢንቶታትን ገለርያታትን ከኣ ናይ’ቲ መንገዲ ባቡር ኢዮም። ኣብ ቀጣን ሲጋለት ምስ ጸሊም ጽርግያ ለጊቡ ኢዩ ዝኸይድ። ኣብ ቀጣን ሲጋለት ብኾፍና ነብስና ብረሃጽ ተሓጺቡ ኢዩ። ንባጽዕ እንታይ ተኸዲንካ ይኽየድ’ውን ኣይፈለጥናን። ጅንስ ስረ ኢና ገይርና ነይርና። ረሃጽ ካብ ገጽና ብሶፍት ክንደርዝ እረኣየኒ።

ካብ’ቲ ኮፍ ዝበልናዮ ከይተንሳእና፣ ሰባት ብእግሮም ክንቀሳቐሱ ጀመሩ። ሰባት ሓቲትና፣ ዕዳጋን ኣዲስ ኣለምን ኣበይ ምንባሩ ምስ ፈለጥና፣ ንስጋለት ቀጣን ብእግርና ተተሓሓዝናያ። የማነ ጸጋምና ዝገማጠል ዝነበረ ማዕበል ባሕሪ እናረኣና ብዘገምታ ተጓዓዝና እቲ ማዕበል እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዝነበረ። ክንድኡ ማይ ርኢና ስለ ዘይንፈልጥ ዝነበረና፣ የደንቐና ነይሩ። ቅድሚኡስ ማይ ሩባን ማይ ዲጋን ኢና ርኢና። ኣብ ንኣሽቱ ወሓይዛት እናሓንበስና ኢና ኸኣ ዓቢና። ብዛዕባ “ሓደ ኣብ ከበሳ ዝዓዱ ሰብኣይ ነቲ ማይ ባሕሪ ምስ ረኣዮ ዝበሎ” እናበሉ ዘዕለሉና ተዘኪሩኒ። “ኣንታ ኣምላኽ ክንድ’ዚ ባሕሪ ካብ ትሰርሕስ ነንኡሽተይ ቀላይ ገይርካ ኣብ ዓዓድና ዘይትሰርሓልና።” ከም ዝበለ ኢዩ ዝዝረብ። ሓቁ ኢዩ ዘየብል ኣይኮነን። ኣነ’ውን ሽዑ ነቲ ማይ ባሕሪ ምስ ረኣኽዎ ዝኾንኩዎ እረኣየኒ።

ኣብ ዕዳጋ ምስ በጻሕና፣ ካብኡ ንወገን ደቡብ ዝስራሕ ዝነበረ ህንጻታት እረኣየኒ። ጸሓይ ናብ ምዕራብ ገጻ ነበረት። ኣብ’ቲ ሓደስቲ ህንጻታት ብትርፊ ሰዓታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ብዙሓት ነይሮም። ናይ’ቲ ዝደለናዮ ሰብ ኣድራሻን ስርሑን እናነገርና ሓቲትና። ኣብ ስራሕ ከም ዝነበረ ኸኣ ፈሊጥና። ንዕዳጋ ኮሎልናያ። ብሓደ ወገን ናብ’ቲ ባሕሪ ምስ ወጻእና፣ ብዛዕባ ሳሊና ሓቲትና። “ባጽዕ ዝብልዋ፣ ጎልጎል ሳሊና ትመስክር ስዉእ ኣለዋ…” ትብል ደርፊ ወዲ ትኹል ኣብ ኣእምንሮና ተሳእለት። ነቲ ብዛንታ ዝሰማዕናዮ ምስ’ቲ ቦታ እናኣነጻጸርና ኣብኡ ዘጋጠመ ኩነታት ሓሰብናዮ። “እዞም ኩሎም ኣብ’ዚ ዝተሰዉኡስ፣ ኤርትራ እንታይ ክትመስል እናተራእየቶም ኮን ተሰዊኦም ይኾኑ፧” ኢለ ክሓቶን ወዲ ሓወቦይ ድማ “ናጽነት ዘለዋ፣ ምዕብልቲ ሃገር!” ክብለኒ እረኣየኒ።

ሓዳስ ኤርትራ፣ ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር፣ ዳግመ ህንጻ ሃገር ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ንመጻኢት ኤርትራ እናሓሰብኩ፣ ነቲ ሽዑ ዝሓለፈ ኲናት እናዘከርኩ ንዝኾነ ነገር ምስ ናጽነትን ውግእን እናኣተኣሳሰርኩ ክሓትትን ክመራመርን እረኣየኒ። “ቀይሕ ባሕሪ፣ ቀንዲ ስትራተጂካዊ ቦታ ስለዝኾነ እየን ሓያላት ሃገራት ዘርየናና፣” ዝብል ከኣ ኣብ ታሪኽ ተማሂርናዮ ስለዝነበርኩ፣ ቀይሕ ባሕሪ ንሓያላን ሃገራት ብዙሕ ካብ ኣገደሰን ንዋናታቱኸ ደኣ ክንደይ የገድሶም፧ ቀይሕ ባሕሪ ዝቅናታ፣ መጻኢት ኤርትራ ክንርኢ ዝግበር ዝነበረ ስነ-ጥበባውን ትምህርታውን ስርሓት እረኣየኒ። መጻኢት ኤርትራ ክርኢ፣ ዝገብሮ ዝነበርኩ ትምኒትን ሕድሪ ሰማእታት ምፍጻም ማለት ምህናጽ ጽብቕቲ ሃገር ምዃኑ ዝረኣየኒ ዝነበረ ራእን እረኣየኒ። ብቑልዕነታዊ ስምዒት “ነዚ ደምና ዝተሓወሶ ባሕሪ ድሕሪ ሕጂ ንዘለኣለም እግሩ ዘንብረሉ ጓና የለን!” ክብል እረኣየኒ።

ጸሓይ ምስ ዓረበት፣ ኣብ’ቲ ህንጻታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ተፈዲሶም። ንሕና ኸኣ ሓውና ንምርካብ ሓቲትና፣ በቲ ዝተሓበረና ቦታ እናኸድና፣ እቲ ሽዑ ኣብ’ቲ ከተማ ድብልቕልቕ ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ሕጂ ሕልሚ ኮይኑ እረኣየኒ። “ነገር ጋሻ’ዶ ይኸውን፧ እዞም ህዝቢ ከተማ ባጽዕ ደኣ “ቀትሪ ለይቶም፣ ለይቲ ኸኣ ቀትሮም ድዮም፧” ኢለ ምስ ሓደ “ካበይ መጺእኩም፧” እናበለ ዘዕልለና ዝነበረ መንእሰይ ክዛረብ እረኣየኒ። ከምኡ ዓይነት መንእሰይ ብዘይካ ኣብ ሰራዊት፣ ቅድሚኡ ርእየ ኣይፈልጥን ኢየ። ነዚኣቶም ደኣ ኤርትራ ንምህናጽ እንታይ ከተጽንሖም፧ ልዕሊ እታ ኣፍሪቃዊት ሲንጋፖር ንብላ ዘለና ኤርትራ እኳ ይሰርሑ።” ክብል እቲ ቆልዓዊ ኣተሓሳስባይ እረኣየኒ።

ወዲ ሓወቦይ ረኺብናዮ። ናብ ዝቕመጠሉ መንበሪ ወሲዱና። ኮይንናዮ ዝወዓልና ምስ ነገርናዮ፣ ኣብ ገጹ ዝተፈጥረ ስምባደን ስምዒትን እረኣየኒ። “ብኮልቦ ዲሶሎ ክትጠፍኡ፧” ኢሉና። ‘ኮልቦ ዲሶሎ’፣ ንመጀመርታይ ዝሰማዕኩዋ ቃል ኢያ። “ብውሽጠይ፣ ኤርትራ ነጻ ዝኾት ሃገር፣ ባጽዕ ቅድሚ ኣስመራ ናጻ ዝኾነት፣ ደኣ እንታይ ዝኾነ ኮልቦ ዲሰሎ ኢዩ ንዓና ዘጥፍእ፧” ኢለ ብውሽጠይ ክግረም እረኣየኒ። እቲ መካይድተይ 2ይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ፣ “እንታይ ኢዩ’ኸ ኮልቦ ዲሰሎ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ጽቡቕ ገይሩ ኣረደኣና። እቲ ተመሃራይ ብእንግሊዘኛ ዲሃይድረሽን (dehydration) ኢዩ። ማይ ወዲእካ ትመውት” ኢሉ ወሰኸ። ክንድ’ዚ ማይ ባሕሪ፣ እዚ ኩሉ ሰብ ተሰዊኡሉስ ክልተ ሰብ’ዶ ምድሓን ክስእን፧ ወላ ጨው ይጥዓምሲ መድሓነና።” ክብሎም እረኣየኒ። ከድሕን ከም ዘይክእል ኣረደኣኒ። ኣብ ገዝኡ ምስ ኣተና ብዙሓት መንእሰያት ጸንሑና። “እቲ ገዛ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ፣ እቲ መካበብያኡ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ። ባጽዕ ተባሂሉስ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ!” እናበልና ክንግረም እረኣየኒ።

ብመዓት ክንክን ነብስና ተሓጺብና እንጀራ በሊዕና። እንተረኣናስ ሰባት መመሊሶም ይመጹ። መኣዲ ኸኣ ይቕረብ። “እንታይ ደኣሉ እዚ እንተበልናስ፣ መጋቢት ኣላትና ኣዋጺእና ኢና ንምገብ መደቀሲ ኸኣ ጸገም የለን ኣብ ደገ ኢና ንድቅስ።” መጀመርያኻ ኩሉ ኢዩ ዝሕድሰካ። “ኣብ ስራሕ ውዒልካ ገዛኻ ትድቅስ፣ ገዛኻ ትድረር ‘ምበር። ባጽዕ ኣለዉ እናተባሃልኩም ብእኩብ ትነብሩ። ከም’ዚ ርኢና ኣይንፈልጥን” እንተበልናስ፣ “ወጺእኩም ስለዘይትፈልጡ ኢኹም።” ኣይብሉናን። ንሳቶም ብሓባር ክስሕቁና ንሕና ኸኣ “ዓድኻ ገዲፍካ ኣብ ወደባዊት ከተማ እናተቐመጥካስ ጋሻ ትቕበለሉ ገዛ ዘይትሕዘሉ፣ ብኸምዚ ይንበር!” እናበልና ክንግረም እረኣየኒ።

መቸም ደኺምና ስለዝወዓልና፣ ንሳቶም ከኣ ደኺሞም ስለዝወዓሉ፣ ንባጽዕ ብለይቲ ኣይተዛወርናያን። እቲ ህዝቢ ለይቲ ቀትሩ ምዃኑ ግና ርኢናዮ ኢና። እቲ በይንና ምስ ረሃጽና ጅንስ ተኸዲንና ሸንኮለል ክንብለሉ ዝወዓልና ቦታታት ብሰብ ከም ዝመልአ። እቲ ተዓጽዩ ዝወዓለ ትካላት ከም ዝተበራበረ ፈሊጥና፣ ብገሊኡ ኸኣ ቅድሚ ገዛ ምእታውና ርኢናዮ ኢና። ኣብ ገዛ ኣቲና እናበልና ኣብ ደገ ክሳብ ድቃስ ዝወስደኒ ጥንቅሊዒት ደቂሰ ኮዋኹብቲ ክቖጽር እረኣየኒ። ባጽዕ ክረምቲ ኣይትግየሽን ኢያ፣ እናበሉ ብዛዕባ ባጽዕ ስለዘዕለሉና ምስ ወዲ ሓወቦይ ተማኺርና ሰንበት ለይቲ ናብ ኣስመራ ክንብገስ ምኳና ተሰማሚዕና ሓዲርና። ንጽባሒቱ ሰንበት ስለዝኾነ። እቲ ባሕሪ ገይሹ ክሓድር ኢዩ’ሞ እቲ መሬት እንታይ ከም ዝመስል ክርእዮ እናሓሰብኩ ክድቅስ እረኣየኒ።

ንግሆ ቀልጢፍና ተንሲእና። ንሳቶም ከም ናይ ዓድና ንግሆ ኣይቆርሱን ኢዮም። ንገዛና ተበጊስና። ኣብ ዕዳጋ ስለዝሓደርና ጸሓይ ከይበረቐት ንግራር ናብ ዝወስድ መንገዲ ወጺእና ኣብ ደገ ሸይንና። እቲ ማይ ባሕሪ እንተረኣኹዎስ ቁሩብ ርሒቑ’ምበር ናብ ርሑቕ ቦታስ ኣይገሸን። ኣደይ ባሕሪ ሰንበት ከም ዘዕርፍ ክትዛረብ እሰምዓ ነይረ ኢየ። ግና፣ ሰንበት ዝገይሽ እንተኮይኑስ ተጋደልቲ ንምንታይ ንባጽዕ ብሰንበት መዓልቲ ባሕሪ ምስ ገሸ ዘይሕዝዋ እናበልኩ ክሓታ፣ መገሽኡ ቀረባ ምዃኑ ትነገረኒ ነይራ። መገሻ ባሕሪ ካበይ ናበይ ምዃኑ ተገሪመ ክዕዘቦ እረኣየኒ።

ኣብ ዓድና ጸሓይ ብጎቦታት ኢያ ትበርቕ። ኣብ ባጽዕ ግና ብባሕሪ ኢያ ትበርቕ። ናይ ባሕሪ ጸሓይ በርቂ፣ ኣብ’ቲ ባሕሪ ብብርሃን መንገዲ ዘውጽአት ኢያ ትመስል። ነቲ ባሕቲ ካልእ ሕብሪ ኢያ ትህቦ። ወርቃዊ ሕብሪ! ጸሓይ ኣብ ጥቓኻ ዘላ ኢያ ትመስለካ። ቀደድታ ጸሓይ በርቂ ነቲ ማይ ባሕሪ፣ በለጭ በለጭ ከብሎ ግርማ ኣለዎ። ባህታ ኸኣ ይፈጥር። ብቀደመይ ጸሓይ በርቂ እፈቱ እየ። ኣብ ባሕሪ ዝተፈልየ ጸሓይ በርቂ ክርኢ ግና ንመጀመርታይ ነበረ። ተገሪመ ብተምሳጥ ክዕዘቦ ሕብርታት ባሕርን ሰማይን ከስተማቕር እረኣየኒ። ጸሓይ በርቂ ኩሉ ግዜ ዝተፈላለየ ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ኸኣ ናይ መሬትን ናይ ባሕርን ጸሓይ በርቂ ነናቱ ጽባቐ ኣለዎ። እንዳ ኣውቶቡስ ውሽጢ ባጽዕ ስለዝነበረ ብሚኒባስ ኢና ኬድና። ብንግሆና ኣውቶቡስ ተሰቒልና ናብ ኣስመራ ተበገስና። ካብ ባጽዕ ብየማንና ማይ ብጸጋምና ማይ እናረኣና ክንወጽእ እረኣየኒ። ርእሰይ ጽርውርው ከይብለኒ ክልተ ለሚን ኣብ ኢደይ ሒዘ እናመጸኹ፣ ኣብ መንገዲ ደስ ዘዝበለኒ ትርኢት እናኣስተማቐርኩ ናብ ኣስመራ ክምለስ እረኣየኒ። ክንደይ እወ እረኣየኒ!

ኢንጅ.መዓሾ ተወልደ

97 total views, 1 views today

(Visited 18 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *