ሰላም ድሕሪ ኲናትዶ፡ ኲናት ድሕሪ ሰላም?

ብዙሓት ህዝብታት፡ ብዝተፈላለየ ዓቐን፡ ዝተፈላለየ ተመኲሮ ውግእን-ወረ-ውግእን ኣሕሊፎም’ዮም። ኣብ ሰላም ጸኒሕካ ናብ ኲናት፡ ኣብ ኲናት ጸኒሕካ ናብ ሰላም ምግልባጥ ድማ ባህርያት ሰባት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ኲናት ግን ህዝባዊ ደገፍ ረኺቡ ኣይፈልጥን። ውሑዳት ብዝፈጥርዎ ዓመጽ፡ ግበታ፡ ወራር፡ ምልዕዓል. . . ሓፋሽ ናብ ኲናትን ጽልእን ይኣቱ። ሰኣን ንቑሑ ምርጫ መራሕቱ ድማ’ዩ ህዝቢ ወትሩ ግዳይ ውግእ ዝኸውን። ለባማትን ኣብ ሓቂ ዝኣምኑ ርትዓውያንን መራሕቲ ዘይፈጠረ ሕብረተሰብ፡ ብገዛእ-ርእሱን ምስ ጐረባብቱን፡ ቀሲኑ ክነብር ኣይክእልን። ታሪኹን ህላወኡን ድማ ወትሩ ኣብ ስግኣት ይኸውን። ምኽንያቱ፡ ንኻልኦት ዓሚጹን ረጊጹን ቀሲኑ ክነብር ዝኽእል ስለዘየለ።

ስለምንታይ እዩ ኲናት ዘድሊ? ዝብል ሕቶ ቀሊል መልሲ የብሉን። ኲናት፡ ኲናት ንኸይህሉ ዝካየድ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ሎሚ ኣብ ዓለም ፈጺሙ ኲናት ዝበሃል ኣይምሃለወን። ዘመናዊ ሰብ ከኣ ኣብ ድንቍርና ዝሓለፉ እናነበረ፡ ብዛዕባ ውግእ ምተረኸን ምተጃህረን። “ዓያሹ እዮም ነይሮም፡ ሰብ ንሰብ ይቀታተሉ ነይሮም፡” ምበልና ኣብ ሎሚ ኴንና። ሕጂ ግን ንሳቶም እዮም፡ “እንታይ ወሪዱዎም ኣታ፡ ዓያሹ እባ እዮም፡ ካባና ዘይመሃሩ!” ምበሉ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእን-ወረ-ውግእን ብዝሰምዑ። ኲናት ዘይኣድላዪ ምዃኑ እናተፈልጠ ግን ኣድላዪ ኰይኑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ኣየናይ እዩ ኣድላዪ ኲናት ዝበሃል እንተ ኢልና፡ እቲ መሰልካ ንኽትሕሉ፡ ከተኽብር፡ ከተረጋግጽ ተገዲድካ እትኣትዎ እዩ። ስለዚ፡ እቶም ንዓለም ሰላም ከሊኦማ ዘለዉ፡ እቶም ካብ ጸቢብን ዘይረውን ሸውሃት ተበጊሶም ዘይናቶም ክግብቱ ኣብ ፈቐዶኡ ነገር ዝጽሕትሩን ህዝቢ ዘለዓዕሉን እዮም። ህዝቢ ምስ ዝነቅሕ ጥራይ እዩ ድማ በዳሂ ሓይሊ ኰይኑ ክቐርብ ዝኽእል።

ኣብቲ ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑሉ ዝነበረ እዋን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ዝገበሮ ምትእትታው – ኣብ ናይ ስነ-ሓሳብ ረጽሚ – ተራ ህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ምቅዋም ናይቲ ወራር ኣመና ጐሊሑ እዩ ዝርአ። ኣብ ጐድኒ ውሳነ መንግስቶም ደው ዝበሉን ነቲ ወራር ከም ምክልኻል ክብርታት ኣመሪካ ገይሮም ዝርድእዎን ከኣ ብዙሓት ነይሮም። እቲ ጐሊሑ ዝወጸ ግን ብዛዕባ’ቲ ውግእ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣብ ዝዝርግሓሉ ዝነበረ፡ ንቕሓት ህዝቢ እናበረኸ ብምኻዱ እቲ ተቓውሞ እናዓበየ ከይዱ። ትርጒም ዘይብሉ ውግእ ምንባሩን ህይወት ኣማኢት ምልዮናት ደቀባት ዝጠፍኣሉን – ብድሕሪኡ ኣመሪካ ዘይደገመቶ – ወራር እዩ ነይሩ።

ዝበዝሐ ካብቲ ዓለም ዝረኣየቶ ኲናት ዘየድልን ክውገድ ዝኽእል ዝነበረን እዩ። እቶም ኣሰቀቕቲ ቀዳማይን ካልኣይ ውግኣት ዓለም፡ ዝወሰዱ ወሲዶም ንዘመናዊ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ኲናት ፍጹም ከም ዘይሓስብ ክገብርዎ ምተገብአ። ደቂ-ሰብ ግን ካብቲ ክምህሮም ዝግብኦ ናይ ኲናት ሕሉፎም ፈጺሞም ኣይተማህሩን። ከምቲ ዳርዊን ዝበሎ፡ ‘ስርረት ናይቲ ዝበቕዐ’ (survival of the fittest)፡ ወዲ-ሰብ ብሕጊ ጫካ ዝመሓደር ኣብ ኣደራሻት ዝነብር እንስሳ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ከም ሕጊ ዓሳ፡ እቲ ዓቢ ነቲ ንእሽቶ እናበልዐ ወይ እናሃደነ ምንባር ካብ ዝኸውን ንደሓር ዓለም ሰላም ኣይረኸበትን። ክትረክብ እትኽእል’ውን ኣይትመስልን። ኲናትን ዘውርዶ ዕንወትን እንተ ዘይምሂሩና ደኣ እንታይ እዩ ክምህረና፧

‘ነቲ መቐረት ዘይብሉ ማይ መቐረት ክትረኽበሉ እንተ ዄንካ ክትጸምእ ኣለካ’ ዝብል ፈሊጥ ኣገዳሲ እዩ። ግን መቐረት ማይ ንኽትፈልጥ ኢልካ ክትጸምእ ኣለካ ድዩ፧ ወይስ እቲ ሓቀኛ ጽምኢ፡ ሓቀኛ ስእነት ማይ እዩ ዝፈጥሮ፧ ብዙሕ ምጒት ዘየድልዮ ምጒት ከነልዕል ንኽእል ኢና። ተመኲሮ ኲናት ዘይብሉ ሕበረተ-ሰብከ ይህሉዶ፧ ብዙሓት ሕብረተ-ሰባት ካብ መሪር ሕሉፍ ቃንዛ ኲናት ወጺኦም ምዕቡል ስርዓትን ንቕሓትን ፈጢሮም እዮም። ወለዶታት ካብ ሕሉፍ ንኽመሃሩ ድማ ቅኑዕ መኣዝን ምትሓዝ ደኣ የድልዮም’ምበር ንነገራት ብውግኣት ክፍትንዎም ኣየድልዮምን። ስለዚ፡ ቅድሚ ውግእ ምጅማሩ እዩ ሰብኣውነት ክቕድም ዘለዎ፣ ዝወርድ ዕንወት ብመንጽር ግዳይ ዝዀኑ ሰባት ክርአን ዝፈጥሮ ክሳራ ክጽብጸብን የድሊ። ወዲ-ሰብ ቅድሚ ውግእ ምእዋጁ፡ ዘይፍትሓዊ ውግእ፡ ከምኡ፡ ከም ደቁ፡ ከም ሰቡ. . . ሰባት ክጠፍኡ ምዃኖም ይዝንግዖ እዩ ወይ ድማ ረብሓታቱ ንምርግጋጽ ዝሞተ ይሙት – መብዛሕትኡ እዋን ንዕኡን ንስድራ-ቤቱን ኣይምልከቶምን እዩ – ብምዃኑ ዘይስንኻ ሑጻ ቈርጥመሉ እዩ ዝኸውን።

ብዛዕባ ውግእን-ወረ-ውግእን ክሓስብ እንከለኹ፡ ብዙሕ ናይ ታሪኽ ፍጻሜታት ቅጅል ይብለኒ፣ ዝበዝሑ ኣብ ጽሑፍ ዝፈልጦም’ዮም። እቶም ዛንታታት ሰብኣውነት ዘማእከሉ ምስ ዝዀኑ ድማ ዝያዳ ሰብኣውያን ይዀኑ። ብዛዕባ ስርዓት ናዚ ናይ ጀርመን ዝፈጸሞ ግፍዒ ብዙሕ ተባሂሉ፡ ተጻሒፉ፡ ተቐሪጹ፡ ተደሪሱ. . . እዩ። ስርዓት ናዚ ክንድ’ዚ ሚልዮን ሰባት ኣጽኒቱ ክበሃል እንከሎ፡ ግዝፊ ናይቲ ቍጽሪ እዩ ሰኸኽ ዘብለካ። ካብ ኣገባባት ናይቲ ግፍዒ ሓንቲ ሰብኣዊት ዛንታ ምስ እትረክብ ከኣ ዝያዳ ውሽጥኻ ይገላበጥ’ሞ ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኽርኻ ይነብር። “መዘክር ናይ ኣና ፍራንክ” ምስ ኣንበብካ ድማ መሊሱ ምሕሳም ናይቲ ኲነት ይግለጸልካ። ኣብ ገለ ካብ ተምኲሮና ኸኣ መጽሓፍ ‘ግፍዒ’ ከየንበብካ ስርዓታት ኢትዮጵያ – ሃይለስላሰን ደርግን – ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል ሸቕ ዘብል መዘክር ክሕዘካ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ልዕሌኻ ዝወረደ ወይ ዝረኣኻዮ ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢኻ ዝያዳ ሃስያኡ ዝርድኣካ። እምበር ብጥቕሉሉ ‘መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከቢድ ግፍዒ ኣውሪዱ’ ምባል ጥቕሉል ሓበሬታ እዩ’ምበር ሰብኣዊነት ሓኺኹ ዘሕስብን ዘተሓሳስብን ኣይከውንን። እቲ ፍጻመ ምስ ዝዳቐቕ – ብመጽናዕቲ፡ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽር – ምስ ዝቐርብ ጥራይ እዩ ድማ ንሰብ ምስ ሕልናኡ ከም ዝማጐት ዝገብሮን ሰብኣውነቱ ዝትንክፎን። ስለዚ፡ ኣቐዲሙ ዝበደለካ ሰብ ተመሊሱ ንኸይብደለካ፡ ቃንዛኻ ክፈልጦ ኣለዎ፡ ክርድኦ ኣለዎ፡ ክቕበሎ ኸኣ ኣለዎ።

ደቂ-ሰብ ኣብ ሕሉፍ በደላቶም ኣይነብሩን እዮም። ሕሉፍ በደላት ክፈልጡ ዘድልዮም ግን በደላት ንኸይደግሙ እዩ። ብፍላይ ንጸቢብ ረብሓኻ ክትብል ዕድላት ሓፋሽ ኣብ ሓደጋ፣ ህይወት ኣብ ስግኣት፣ ተስፋ ኣብ ሰንፈላል. . . ከተንብሮ ከም ዘይብልካ ማዕዳ ኣየድልዮን። እቲ ማዕዳ ዘድልዮስ ገለ ሰባት ፈጺሞም ካብ ሕሉፍ ዘይመሃሩ ምዃኖም እዩ – ብጥቕሉሉ ንዕንወት ክደግምዎ ይረኣዩ፣ ኣቦታቶም ዝፈሸሉሉ ምኽንያት ክንዲ ዘጽንዑ ነቲ ፍሽለት ንምኽዋል ወይ ንምዕዋት ኣብ ካልእ ሓሸውየ ይኣትዉ፡ ብዕድላት ህዝብታት ድማ ይጻወቱ። ብኸምዚ ክንደይ ዕድላት ዘጥፍእን ዕንወት ጥራይ ዝፈጥርን ኵናት ክእውጁ ዝህንደዱ፡ ምናልባት ኣብ ላባራቶሪ ኣእቲኻ ምምስርሖም ወይ ንኲነተ-ኣእምሮኦም መርሚርካ ብምንጻር ክታበት ክወሃቡ ዘለዎም ብዙሓት እዮም።

ስለምንታይ ኢና ናይ ዝሓለፉ ሰባት ታሪኽ እነጽንዕ፧ ሓደ ካብቲ ቐንዲ ዕላማታቱ፡ ካብ ጒድለታቱን ዓወታቱን ንኽንመሃር እምበር ውድቀትን ዕንወትን ንኽንደግም ኣይኰነን። ርሒብ መንገዲ ሰላም እንከሎ፡ ጸቢብ መንገዲ ኲናት/ጥፍኣት ዝመርጹ ሰባት ጽበት ኣእምሮኦም እዩ ዘርኢ። ታሪኽ ኣየንበቡን ወይ ብጌጋ ኣንቢቦሞ ወይ ድማ ብህይወትን ዕድላትን ሰባት ከሽካዕልሉ ዝደልዩ ነጣቕያን ጥራይ እዮም። ነዚኣቶም ታሪኽ ገጽ ኣርእዩ ገጾም እዩ ዝድምስሶም። ካልኦት ካብኣቶም ንኽመሃሩ ድማ ታሪኾም ይጽሓፍ።

ኮርያታት ናብ መኣዲ ሰላም ገጸን መጺአን ኣለዋ። እዚ ፈጺሙ ዘይሕሰብን ዘይከኣልን እዩ ክመስል ጸኒሑ። ምናልባት፡ ገለ ሰባት ሓደገኛነት ናይቲ ኲነት ተረዲእዎም ሰላም ከም ዝሓይሽ በርሃው ኢሉሎም ይኸውን። ኮርያታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ምትፍናን ዝበጽሓ ግን ብዓቢኡ ቃንዛ ሓፋሽ ናይተን ሃገራትን ዕድላቱን ዘይዓጦ ካልእ ሸቃጢ ሓይሊ እዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓይሊ ካብ ታሪኽ ዘይተማህረ ክንብሎ የጸግመና ይኸውን። ምኽንያቱ ረብሓኡ እዩ’ምበር ዘመቕድም ናይ ህዝቢ ኮርያታት ጒዳይ ኣይኰነን። ስነ-ሓሳብ ሓያላን ሃገራትን ንዕኡ ንምስራጽ ዝግበር ዕብዳንን ክንደይ ዕንወት ዘይፈጠረ።

ደንጒየ ደኣ እጠቕሶ ኣለኹ’ምበር፡ ናይ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕሉፍ ሓደ ኣገዳሲ ኣብነት ናይዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ ካብ ሕሉፍካ ናይ ዘይምምሃር ብዂረት እዩ። ታሪኽ ክልቲኣተን ሃገራት፡ ታሪኽ ክጥምዝዙ ብዝደልዩ ተበለጽቲ ወይ’ውን መጸይቲ ደም ብግቡእ ኣይተነግረን – ወይ ተኻሒዱ እዩ ጸኒሑ። ታሪኽ ግን ኣይርስዕን እዩ። ከመይ ኢሉ’ዩ’ሞ ክርስዕ! ንሕና ሰባት ንኸይንርስዕ እዩ ታሪኽ ዘድልየና። ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ግን ታሪኽ ብሰባት ተረሲዑ፡ ሕጂ ኸኣ ብሰባት ተዘኪሩ ኣሎ። ሰብ’ዩ ዝርስዕ፡ ሰብ’ዩ ዝዝክር። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓቅታት፡ ተኸዊልዎም እዩ ጸኒሑ ክበሃል ይከኣል። ሓቂ ግን ይከወል ኣይከውል ሓቂ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ካብ ጌጋ ታሪኽ ነጊርካ ንህዝብታት ምንቛት፡ ሓቀኛ ታሪኽ ነጊርካ ፍቕርን ሰላምን ምህናጽ ናይ ድገኛታት ስራሕ እዩ። እዚ ግን ኣይተገብረን። ስለዚ ድማ ብዙሕ ህይወት ሓቲቱ።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ ነዊሕ ከርተት ኣብ 1991 ናጽነት ምስ ተጐናጸፉ፡ ንኻልኦት ኣብነት ደኣ’ምበር ደገምቲ ሕማቕ ታሪኽ ክኰኑ እዮም ዝበለ እንተሎ፡ እቲ ካብ ታሪኽ ዘይተማህረ፡ ኣብ ውሽጡ ብኽፍኣትን ተንኰልን ዝሓበጠ፡ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ህይወት ህዝብታት ደኣ’ሞ ፍቕሪ’ምበር ጽልኢ መኣስ ኣሎ ዀይኑ። ጽልኢ ድማ ሓጺር’ዩ ዕምራ። ድሕሪ ’91 ኩሎም ቅመራታት ሕሳብ ኣዋሲብካ ትርጒም ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ዕንደራ ከገጥም እዩ ዝበለ እንተሎ፡ ሕጂ’ውን ፈሓሲኡን ፈጻሚኡን ጥራይ እዩ። እምበር ክንድኡ ዝኣክል ናይ ቃልሲ ተመኲሮ ዝሓለፈ ሰውራዊ፡ ተመሊሱ ንብጻዩ ክወግእ እዩ ዝብል ግምት ክትሕዝ ብጥንቈላ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ግናይ ጥጅእ ኣይፍለጥን ድማ ዘይኰነ፡ ምስ ግዜን ኣብ ግዜን ኣእምሮ ሰባት ከመዛዝን ዕድል ስለ ዝረክብ ነቲ ኣሉታ እናኣለየ፡ ገስጋሲ ሓሳባት ከስርጽን ድሕሪ ኲናት ዘይምስምማዓት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ኢኻ እትጽበ እምበር፡ ኣብ ጸቢብነት ክነብር’ዩ ዝብል ግምት ሒዝካ ኣብ ጥርጣረ ክትነብር ኣይትኽእልን።

ኲናት ድሕሪ ሰላምዶ ወይስ ሰላም ድሕሪ ኲናት ዝብል ዛዕባ፡ ዝከኣል እንተ ዝኸውን ክልቲኡ ኣይመድለየን። ብፍላይ ዘይቅየር ሓቂ መሰረት ኣብ ዘለዎ ጒዳይ ህዝብታት ወይ ሃገራት ናብ ኲናት ዝኣትውሉ ምኽንያት የለን። ኲናት ንሓቂ ክስዕራ ስለ ዘይክእል ድማ እቶም እናፈለጡ ንሓቂ ዓምጺጾም ከድንኑዋ ዝህቅኑ፡ ዕድላት ህዝቢታቶም ደኣ የባኽኑ’ምበር ውዒሉ-ሓዲሩ ከም ጠይቂ ምብላዮም ኣይተርፍን – ታሪኽ ከኣ ነዚ እዩ ዘዛኻኽረና። ጸቢብነት ኩሉ ግዜ ሓደገኛ እዩ። ዘይናትካ ናተይ ምባል፡ ኣንጻር ርትዒን ሓቂን ምምጓት ፍጹም ናይ በሃማት’ምበር ናይ ለባማት ቋንቋ ኣይኰነን። ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ፍቕርን ንኽነብሩ ዘካየድዎ ነዊሕ ግዜ፡ ህይወትን ዕድላትን ዝወሰደ ቃልሲታቶም ጅሆ ተታሒዙ ናብ ብኽነት ክኸዱ ተገዲዶም እዮም። ድሕሪ ናይ ሰላሳን ልዕሊኡን ሓያል ቃልሲ፡ ዒስራ ናይ ዕንወትን ሰንፈላልን ግዜ ከነሕልፍ ዘገደዱና መትከራት ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዝተፈጥሩ እዮም’ምበር እዚ ዞባ ብስኒትን ሰናይ ጒርብትናን ክልቲአን ሃገራት፡ ካብዚ ዝልለየሉ ናይ ህውከትን ዕንወትን፡ ናይ ምምልላእን ልምዓትን ዞባ ምዀነ። ዘይናትካ ምድላይ፡ ንታሪኽ ጠምዚዝካ ንህዝብታት ምትፍናን፡ መሬት ናብ ጸቢብነት ምግባት ስለ ዝተፈጥረ ግን ሰላምን ርግኣትን ተዘሪጉ። ግዜ፡ ግዜኡ ሓልዩ ናብ ሓድሽ መድረኽ ይእቶ ስለ ዘሎ ግን ዝሓለፈ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ነቲ ሓቂኛ ባህጊ ቃልሲ ህዝብታትና ዘስምር ሰላም ሰፊኑ ኣሎ። ነዚ ሰላም’ዚ ድሕሪ ተደጋጋሚ ውግእን ወረ ውግእን ንበጽሖ ስለ ዘለናስ ‘ሰላም ድሕሪ ኲናት’ ዝብል ንቕሓት ኣብ ሓፋሽ ንኽሰርጽ ክስርሓሉ ኣለዎ።

ሕጂ’ውን ድሕሪ ሓያል ህዝባዊ ቃልሲ ለውጢ መጺኡ ኣሎ። እዚ ለውጢ’ዚ ነባርን ታሪኻውን ኰይኑ ንኽቕጽል ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራን ሓቃን፡ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዘውረዱሉ ዕንወትን ንኽፈልጥን ክርዳእን ቅኑዕ ናይ ታሪኽ ትረኻ ክቐርበሉ ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ዝተገብረ ናይ ታሪኽ ምኽሓድ ተኣሪሙን ቅኑዕ መኣዝን ሒዙን ምስ ዝቐርብ ከኣ’ዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ርትዓዊ መረዳእታ ክሕዝ ዝኽእል። ነዚ ሓቂ’ዚ ምስ ፈለጠ ድማ’ዩ ብርትዒ ክኸይድን ከመዛዝንን ዝኽእል። እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ክበሃሎ ዝጸንሐ ካብ ጸቢብ ረብሓ በሃልቱ ዘይሓልፍ ምዃኑ ብዝግባእ ምስ ተረድአ’ዩ ድማ ንሰፊኑ ዘሎ ሰላም ብዝግባእ ዝነብሮ፡ ዘኽብሮን ዝሕልዎን። እዚ ናይ መረዳእታ ንቕሓት’ዚ እዩ ድማ ከምቲ ኣብ ’98 ዘጋጠመና ዘይጽቡይ ኲናት ድሕሪ ሰላም ከወግድ ዝኽእል።

እዚ ተበጺሑ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ ናብቲ ዝድለ ደረጃ ንኽድይብ፡ ንቕሓት’ዩ ወሳኒ። ታሪኽ ፈሊጥካ ምስ እትነቅሕ ጥራይ እዩ ድማ ካብ ውድቀት ታሪኽ እትመሃር። ክትጸባጸብ ኢልካ ዘይኰንካ፡ ታሪኽ ብግቡእ ንኽፍለጥ ኢኻ መኣዝን ትረኻ ከተነጽር ዘለካ። ንምቕባል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ ህዝባዊ ናይ ሰላም ቅኒት – ከይተወደበ፡ ከምዚ ግበር ከይተባህለ፡ ብግቡእ ከይተነግረ፡ ዝዀነ ናይ ሰራዊት ህላወ ኣብ ዘይብሉ – ንኹሉ ደላዪ ሰላም ህዝብታት ከም ቅርሲ ክርአ ዘለዎ’ዩ። እዚ ድማ ደረጃ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ስልጡን ባህሊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራን መራሕቱን ብሓፈሻ ሽልማት ሰላም ክቕበሉ ናይዚ ዘመን ክቕበሉ ይግባእ።

እንተ’ቶም ሓቂ ብምኽሓድ፡ ኣብ ሰብን ታሪኽን ዘውረድዎ ዕንወት ንምጒልባብ ክመጻደቑ ዝፍትኑ ዘለዉ መራሕቲ ወያነ ግን ታሪኽ ከም ዘይርስዕ ምንጋሮም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መሬትናን ዝፈጸምዎ በደል ይትረፍ ብምምጽዳቕ ብወግዓዊ ይቕሬታ’ውን ይርሳዕ ኣይኰነን።

ኤፍርዮም ሃብተጽዮን(ወዲ ገደ)

467 total views, 1 views today

(Visited 85 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *