እንታይ ይብሃል ኣሎ?

ወግዒ መርዓ ናብ ተዋስኦ ይቕየር ኣሎ!
ክቡራት ተኸታተልቲ ኤሪ ዩዝ ዌብሳይት፡ ሓውኩምን ሓውኽንን ራያን ሓምደ (ወድ ሓምደ) ካብ ኣስመራ፡ ውዑይን
ሓድሽን ሓበሬታታት ሒዘልኩም  “እንታይ ይብሃል ኣሎ፧” እናበልኩ ዘዝተባህለ ናባኹምን ናባኽንን ከብሎ እየ።
ምኽንያቱ፡ ምፍላጥ ጸጋ ኢዩ ተኻፊልካ ምንባር ድማ ባህልና እዩ።
እንታይ ይብሃል ኣሎ?
ጽምብል መርዓ፡ ካብ ጥሪ በብቑሩብ ናብ ማዝያን ግንቦትን ድሕሪ ምስጋሩ፡ ኣብኡ’ውን ደው ኣይበለን። ሓምለ-
ነሓሰ ዝተቐየረ ክመስል ጻዕቂ መርዓታት ኣብ ክረምቲ ይካየድ ኣሎ። ናይ ክረምቲ መርዓን ደርዓን ናይ ገዛእ ርእሱ
ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል እዩ። መብዝሕትኦም ከተመኛታት፡ ምስ  ኣብ ናይ ደገ ዝርከቡ ቤተሰብ ኣዛሚዶም መዓልቲ
መርዓ ይቖጽሩ። ዳስ ኣብ መርዓ ክረምቲ፡ ንዕዱምን መርዓውትን ብዝናብ፡ ጭቃን  ምፍራስን  ይፈታትኖም። ኣብ
መርዓ ካልእ ድራማዊ መርዓ ምግጥጣም ኣይፍለዮን። እዚ ኣርእስቲ ሓድሽ ዛዕባ ኣይኮነን። “መልክዕን ትግባረን
መርዓ ግን ኣንፈቱ ይስሕት ኣሎ!” ይብሃል ኣሎ!
መርዓ፡ ዘይተርፍን ግዴታን ካብ ዝብሃል ውሑድ መዋእል ኣይኮነን። ባህርያውን ስነህይወታዊ መስርሕን ወድ ሰብ’ዩ
ዝብል መረዳእታ  ሱር ካብ ዝሰድድ መዋእላት ሓሊፉ እዩ። መርዓ፡ ካብ ጥንታዊ ወግዑ ክሳብ’ዚ ዘመናዊ  ጽምብሉ፡
ዝመሳሰልን ግን ነንመድረኹ ዝውክልን ኮይኑ ይካየድ። ወግዑን ኣተገባብራኡን ምቅይያት እናተገብረሉ ከም ዝመጽአ
ይፍለጥ። መርዓ፡  ነጸብራቕ ናይ ሓደ መድረኽ ብምዃን’ውን ይግለጽ እዩ። ንምዃኑ፡ “መርዓ መኣስ ተጀሚሩ?”
ይብሃል ኣሎ?
ቅድሚ 4350 ዓመታት ኣቢሉ፡ መርዓ ብዕሊ ከም ዝፈለመ ምሁራን ስነ ሰብ ይጠቕሱ። ተመራመርቲ ስነ ቅርሲ’ውን፡
ብሰብኣይን ሰበይትን ዝቖመት ስድራቤት ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ከም ዝተመስረተ ይኣምኑ። ሕብረተሰባት ምስ ዘመነ
ሃድን ሓቢሮም ክነብሩ ካብ ዝጅምሩ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቤት ክሓብሩ ምርኣዮም ይዝንተው። ካብ ጥንቲ  ክሳብ
እዚ ምዕቡል ተክኖሎጅያዊ መዋእል እዚ፡ ስድራቤት እታ እንኮ ርጉእን ቀዋምን ሕብረተሰብ እትፈጥር ኣሃዱ ምዃና፡
መጽናዕቲ ምርኩስ ዝገበሩ ምርምራት የረጋግጹ።
2350 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ኣብ ሜሶጶጣምያ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ቀዳማይ ዝተመዝገበ መርዓ ምዃኑ ስነ ታሪኽ
ዘጽንዑ ተመራመርቲ ይምስክሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት፡ ጥንታውያን  እብራውያን፡ ግሪኽን ሮማን፡ ናይ
መርዓውን መርዓትን ጽምብል መርዓ ከካይዱ ከም ዝጀመሩ ይንገር። እቲ ጽምብል፡ ብሃይማኖት ወይ ብፍቕሪ ይፍጸም
ከም ዝነበረ’ውን ይእመን።
ናይ ቀደም ይኹን ናይ ሕጂ፡ ቀዳማይ ዕላማ መርዓ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንምጽንባር ኢዩ  ዝፍጸም። ካብቲ ዓበይቲ
መትከላት ናቶም ሰብ ኪዳነ- ሓዳር፡ ንእኦም ዝመስሉ ንምትካእን ናይ ሰብ ዘርኢ ንምቕጻልን ተባሂሉ’ውን ይግለጽ።                                             ሰብኣይ ንበዓልቲ ቤቱ ልዑል ክብሪ ከርእያን በዓልቲ ቤቱ ድማ ዓጸፋ ክትእዘዞን ዘመልክት ክብርታት ተዓቂቡ ንነዊሕ
መዋእል ቀጺሉ። ክሳብ ሎሚ፡ “ደጊም እቶም ክልተ ሓደ እዮም” ይብሃል ድኣ እምበር ኩሎም ብፍቕሪ ተቛሪኖም፡
ብኪዳን ይበልዩ ዶ ኣሎዉ’ዶ? ወይ ንቡርን ቅቡል መርዓ ይፍጸም ዶ ኣሎ ዝብል ዘይውዳእ ሕቶ ይለዓል እዩ። ዋላ’ውን
ኣብተን ኣዝየን ማዕቢለን ዝርከባ ሃብታማት ሃገራት፡ ኣስገዳድ መርዓ ኣየቋረጸን።  ልዕሊ ኩሉ  መርዓ ትሕተ
ዕድመ ኣበየ ከባቢኡ ገና ይቕጽል ኣሎ።
እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?
ስእላዊ ሰነድ መርዓ፡ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ካብ 1840 ንነጆ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ’ውን
ኣብ ጫፍ መግዛእቲ ጥልያን፡ ስእልታት መርዓ ከም ዝተኣታተወ ይእመን። ኣብ እዋን ምምሕዳር ብሪጣንያ ዝተቐርጹ
ሓያለ ስእልታት መርዓ ከም ዘለው’ውን ብመርትዖ ይረጋገጽ። ሰነዳት ስእሊ ካብ ደረቕ ናብ ቪድዮ ዝተሰጋገሩሉ ኣብ
1980ታት ምዃኖም፡ ናይቲ እዋን ህቡባት ኣብያተ ስእሊ የረጋግጻ። ዓይነት ክዳውንቲ መርዓን መርዓውን፡ ኣብ
ስፌቱን ሕብሩን በብቑሩብ መልክዕ እናቐየረ፡ ናይ መሓዙትን ኣዕሩኽን ድማ ከምኡ እናተለወጠ ምምጽኡ፡ ናይ ኩሉ
ሰብ ዝኽሪ ኢዩ።
እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?
ሓያሎ ንጉዳያት እናጠመቱ ተጸጊዖም ብዓይኒ ጥቕሚ ዝርእዩ ናይ ረብሓ ሰባት ምስ መርዓን ወግዑን ተፈጢሮምን
ይስስኑን ኣለዉ። ጥቕሞምን ረብሕኦምን ንምህጣር ሓያሎ  ተወሰኽትን ኣህለኽትን መደባት ክጽምብሩ ይርኣዩ። መርዓ
ካብቲ ዓቢ ቁምነገሩ ወጺኡ ናብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ድራማ ወይ ናይ ምምሳል ተዋስኦ  ዝበጽሖ ፍጻሜ ዝቕይሩ ሰብ
ረብሓ ነቲ መደብ ኣብ ምቕላስ ይርከቡ፣ ብዓቢኡ ንዘይቅዱስ ውድድር የሳስዪ።
እቲ ብስየ ዓንዱ ዝውቅብ ዝነበረ ዳስ መርዓ፡ በብቑሩብ ናብ ኣጭርቕትን ኣሳእል መርዓን ተለዊጡ። እግሩ እግሩ
ጥቕስታት መርዓ ኣርኪብዎ። ምስኡ ድማ እቲ ዘይተደልየ ወጻኢታት ክውስኽ ተራእዩ። ቁሩብ ጸኒሑ፡ ባህላዊ ወናብር፡
ናይ መርዓውን መርዓትን ፍሉይን በሪኽን መድረኽ ተሰሪሑ። ስዒቡ’ውን፡ ብግዳም ዝኽደን ንናይ መሓዙት ክዳንን
ንኣዕሩኽ ክራባታ ዝመስል መሸለሚ ዳሳት ተኣታትዩ። ብመሃዝቲ ዝመጽእ  ምትእትታዉ፡ ናይ ካዝና ገንዘብ ምውጻእን
ዕዳን ይስዕቦ። ንዘይብሉን ዘለዎን ዘወዳድር ኩነት እናሻዕ ይፍጠር። ኣብዚ እዋን ከኣ፡ መብራህቲ ጽሕዲ ልደት፡
በበይኑ ዓይነት ቅርጽታትን ተምሳላትን ዘለዎ ንምሉእ ዳስ ዝሽፍን፡ ብሉጽን ምሩጽን ኣንጸባራቒ ኣጭርቕቲ፡ ንዳስ
ናብ ካልእ ኣዳራሽ ዝቕየር ስልማት ተቐልቂሉ። እዚ ጽቡቕ ትርኢት እዚ ጽቡቕ ገንዘብ እዩ ዝሓትት። ነቲ መርዓ
ካብ ወግዒ ቃል ኪዳን ዝወጽእ ምርኢት ይቕይሮ።
እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?
ስእልታት መርዓ ንኹሉ ዝርድኦን ካብ መሰረት መበገሲኡን ዝተፈልጠ፡ ሰነድ ዝኽሪ  ናይቲ ዕለት፡ ናይቲ ውዕሎ
ንምትራፍ እዩ። ንውሉድ ወለዶ እናተሰጋገረ ታሪኽ ይምስክር። “መርዓ ከመይ ነበረ?” ንዝብል ሕቶ ይምልስ። እዚ
ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ግን፡ በብቑሩብ ተጣሒሱ። እቶም ኣብ ሓቀኛ ናይ ምንባር ድራማ ክዋስኡ ናብ መርዓ
ዝኣትው ሰብ መዓልቲ፡ ኣብ ሓዳርን ናብራን ክፈስስ ዝግብኦ ገንዘብ መጻኢ፡ በብቑሩብ እናቆርቆረ ዘጽጽር ፍጻሜታት
እዩ ዝሕወሶ። ምስሊ እናቐረጸ ገንዘብ እናቖረጸ ንነበይኑ ዓይነት ናይ ስእልታት መደብ ይውጠን። ብግዴታ ይትግበር
ኣሎ።
ቅድሚ ምእሳር ቃል ኪዳን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘወን እናበሉ ይስኣሉ። እቲ ኣሳእል’ውን ህይወት ዘለዎን
ንኩነት ዘንጸባርቕን ዘይኮነ፡ ሰኣልቲ ብዝእዝዝዎ ምንቅስቓስ ይፍጸም። ምብዛሕ ስእሊ ኣይኮነን እቲ ጸገም፡ ኣብ
እዋን ምስኣል ብዝፍጠር ተዋስኦ፡ ቅድሚ መርዓ ዝብኣሱ መርዓውን መርዓትን፡ መርዓትን መሓዙትን ሰብ መኪናን
ሰኣልትን ነቲ ድማ ምሉእ ግርጭት ዘለዎ ተዋስኦ ይቕይሩዎ። ኣብ ግዜ ስእሊ ተሳቲፎም ኣብ መርዓ ዘይውዕሉ ዓርከ
መሓዙት ይስስኑ ኣለዉ።
እንታይ ይብሃል ኣሎ?
መጥፊኢ ዘይስእን ገንዘብ፡ ኣብ እዋን መርዓ ዝማሃዝ ኣብረቕራቒ ትሕዝቶ ኣይሰኣንን። ካብ ቁመት ሰብ ዝነውሕ
ባነራት መርዓውቲ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዳስን ኣዳራሽን ገዚፍ ገንዘብ እናመንጠለ ይትከል ኣሎ። ካልእ ካብኡ
ዝሓለፈ ድማ ክተባባዕ ዘይግብኦ ቅድሚ መርዓ ገዛ ስእሊ ብምክራይ ዝተጀመረ ናይ ስእሊ መደባት እዩ። እዚ ንናይ
ሓደ ፊልም ወጻኢታት ዝዳረግ ባጀት እዚ፡ ናይ ሕማቕ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ፡ ነቶም ተጸጊዖም ንጉዳያት ናብ
ረብሕኦም ዝቕይሩ ሰባት ጅብኦም እናስብሐ፡ ንሰብ መርዓን ሓዳርን ግን፡ ባጀቶም ዘዕብር ይኸውን ኣሎ።
ምዕባለ፡ ውሕሉል ምሕደራ ህይወት ምኽታል ማለት እዩ። ውሕሉል ምሕደራ፡ ካብ ብዙሕ ብውሑድ፡ ካብ ብዓቢ ብንኡስ፡
ካብ ሰፊሕ ብጸቢብ፡ ..ብዝለዓለ ብቕዓት ምፍጻም እዩ። ንስልጡን ሰብ ዝውክሎ ቅኑዕ መርኣያ እዩ። ነገሩ ከምኡ
የሎን። ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ከይተሓጽረ ኣብ ሓውሲ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ እቲ ጽልዋ የንድድ ኣሎ። ካብ
ወዛሕዛሕ ኣብ ግብሪ፡ ካብ ብሎሚ ብጽባሕ ፍረ ኣብ ዝርከቦ ጉዳይ ክንዲ ምስራሕ ንስለ ሰብ ምንባርን ከም ሰብካ
ምዃንን ዝብል ዘይናይለባማት ህልኽ ይስስን ኣሎ።
እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ? ንቑምነገር ድኣ እምበር ንተዋስኦ ዝሃልኽ ዘሎ ግዜ፡ ጉልበት ብዓቢኡ ገንዘብ
ይተሓሰበሉ። ልዕሊ ኩሉ መንእሰያት እወታውን ኣብነታውን ስራሕን ክንጽለው ኣሎና፡ እምበር ብጽሉልን ንወጻኢታትን
ዝዕድም ውድድር ምስ ንፋስ ክንጋልብ ኣየምሕረልናን እዩ።  ደድሕሪ ንፋስ ምጓያይ ከንቱ ስለ ዝኾነ።

 

ወድሓንኩም!
ወድሓምደ’የ

220 total views, 5 views today

(Visited 96 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *