እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ?

ናይ ክተት ግዜ ሃገራዊ ገልግሎት ነዊሑ። እቶም ንሃገር ዘገልግሉ ከም ቀደሞም ይሰርሑ ኣለዉ። እቶም ብሽም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሽቅጡ ከኣ ኣብ ፈቖድኦ ቦታታት ይነብሑ !!!

ክቡራት ተኸታተልቲ ኤሪ ዩዝ ዌብሳይት፡ ሓውኩምን ሓውኽንን ራያን ሓምደ (ወድ ሓምደ) ካብ ኣስመራ፡ ውዑይን ሓድሽን ሓበሬታታት ሒዘልኩም “እንታይ ይብሃል ኣሎ፧” እናበልኩ ዘዝተባህለ ናባኹምን ናባኽንን ከብሎ እየ። ምኽንያቱ፡ ምፍላጥ ጸጋ ኢዩ ተኻፊልካ ምንባር ድማ ባህልና እዩ። እንታይ ይብሃል ኣሎ?

እንታይ ይበሃል ኣሎ?

ዝገነነ ኣርእስቲ እዚ ወርሒ እዚ፡ ጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ዝምልከቶን ዘይምልከቶን ኣፍ ይኸፍተሉ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ድሕር’ቲ ብ 1 ነሓሰ 2019 ዝተጸምበለ፡ መበል 25 ዓመት ምምስራትን ምጅማርን ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ፡ ዘይተባህለ የለን። ብግደ ሓቂ፡ እቲ መደብ፡ ንፈተውቲ ሃገር ዘዕገበ ንተጻባእቲ ድማ ዕረ ዘቕመሰ መደብ ዝኽሪ እዩ ኔሩ።  ስለዝኾነ እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ኣብ ሳዋ ጥራይ ከይተሓጽረ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገር፡ ብዝተፈላለያ መደባት ተጸምቢሉ።  ብኽብ ዝበለ ወግዒ ምጽምባሉ ከኣ፡ ንርዝርነት ናይቲ ስራሕን ኣበርክቶ መንእሰያትን ንምድማቕ ምንባሩ ተወሳኺ ዘድልዮ ኣይኮነን።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገር፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ስድራቤት ኤርትራ ዘሳተፈን ዘሳትፍ ዘሎን መደብ እዩ።  ብሕልፊ ንመንእሰይ ዝህቦ ጥቕሚ ኣብ ምህናጽ ሃገር፡ ምክልኻል ሃገር፡ ናይ ሓባር ልምዓታዊ ስራሕ ኣዝዩ ዓቢይ እዩ። ንሃገራዊ ስኒትን ሃገራዊ አተሓሳስባን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሕ ሓደ መካኒዝም ምዃኑ ድማ ኩሉ ዝረዳድኣሉ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ብመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ኩሉ እቲ ዘጋጠመ ዓለማዊ ተጻብኦታት ኣብ ኤርትራ እንታይ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ካብ ማንም ሰብ ዝኽወል ኣይኮነን። ኩሉ ድሕሪ ሃገር ስለ ዝኾነ፡ እቶም ሰብ መትከል ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ዘይተርፍ ዕማምን ዘይስገር  ዕላማን ተረዲኦም፡  ዕርፊ ኣጽኒዖም ብግብሪ ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ከቢድ መድረኽ መስዋእቲ ድማ ዕድመኦም ግዜኦም ጉልበቶም ብዓቢኡ ህይወት ተኸፊልዎን ይኽፈለሉን ድማ ኣሎ።

እሞ ብዛዕባ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወገን እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ዝኾነ ኤርትራዊ፡ “መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተዘይነብር፡ ከም ሃገርን ህዝብን፡ ክንህልውን

ክንቅጽል ኣይምኽኣልናን” ይብሉ ኣለዉ። ሕዳር 1991 ዝተኣወጀ እሞ ኣብ 1994 ብታዕሊም ሃገራዊ ኣገልግሎት ወግዓዊ ስርሑ ዝቐጸለ መደብ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራዊ መደባት ዕዉት ስራሕ ከም ዝተሰላሰለ ዓይኒ ትምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ምዝገባ ዜግነትን ምዕዋት ረፈረንዱምን ዝሰርሑ መንእሰያት፡ ዓቢ ታሪኽ ሰሪሖም። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብቲ መካይን ክኣትዉኦ ዘይክእላ ርሑቕ ከባቢታት ብምኻድ፡ ንመስርሕ ረፈረንዱም ዘዐወቱ ኣባላት ዶ ኣይኮኑን- ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት።

ካብ ግዝግዛ ዝጀመረ ምስራሕ ዲጋን ራህያን ነቲ መንግስቲ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣተኲሩ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ እምነ መሰረት ኢዩ ኮይኑ እንተተባህለ ምግናን ድዩ? ካብኡ ብዝሓለፈ ከኣ፡ መንእሰያት ሃገርና ክንላለ፡ ህዝብና ክንፈልጥ፡ ርእስና ክኢልና ባህሊ ስራሕን ሓርኮትኮትን ከነጥሪ ዘኽኣለ መደብ ዶ ኣይኮነን። ኣብቲ ንህላወናን ቀጻልነትናን ንምጥፋእ ዝተኻየደ ሰፊሕን ዝተጠናነግን ብዶብ ተመኽንዩ ዝተኻየደ ወራር፡ ሳላ መን ድዩ ፈሺሉ? መን ኣምኪንዎ? በቲ ኣብ ልምዓት በቲ ኣብ ምክልኻል ዶባቱ ኣኽቢሩ ዝወጸ ሳላ እዚ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዶ ኣይኮነን። ብፍቕሪ ሃገሩ ዝነድድ መንእሰይ ዝፈጠረ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። እዝን ካብዝን ዝዓሙቕ ትንተናታት ክወሃብ ወሪሑን ይቕጽልን ኣሎ።

ብተጻባእትን ተበለጽቲን  ከ እንታይ ድኣ ይበሃል ኣሎ?

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተጻባእትን ተበለጽቲን ኣንጻር መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ሓለይቲ ዝመስሉ  ፈጠርቲ ሕንፍሽፍሽን ዝርጋንን ከም ቀደሞም ብዙሕ ተዛሪቦም። እሞ እንታይ ዘይበሉ? ዋላኳ ልሙድን ዝጸንሐን ካብ ቀንዲ ዕላማን መስመርን ከንደልህጽ ዝተኣለመ መደብ ይኹን ኣብ ኣዋርሕ ብጻዕቂ ኣዝዩ ኣገራሚ ነቲ ኣብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ሃገሩ ዝሓተቶ ዝምልስ ዘሎ መንእሰይ ዘስተናዕቕ ትሕዝቶታት ክቐርብ ጸኒሑ።

ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ዳርጋ መኽፈት ኣፍ  ተልሜደን  ፖለቲከኛታት ተቐይሩ። ዕምቈት ዘይብሉ ምንውን ዝደጋገም ኣርእስቲ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ግምት ዘውህብን ኣገዳስን ዛዕባ ኣይላዓልን እዩ።

ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ነቶም ሰብ ጉዳይ እዩ ዝምልከት። ኣሜን ሃገረይ ዝበለትኒ ክምልስ እዩ። ነገራት ከኣ ኣብ ግዜኦም ሰዓቶምን ናብቲ ንቡር ክምለሱ እዮም። ይትረፍ ሎሚ ኣብ ተዛማዲ ሰላም፡ ቅድም’ውን ኣፈሙዝ ብረት ዓቲርና ምሉእ ለይቲ፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ውግእ ይኽፈት ንብል ዝነበራና እናበለ፡ ዕጥቂ ኣየዝለቕን። እቶም ሓለይቲ መሰል ናይ ሓሶት ተጣበቕትን ተመጻደቕትን ድኣ እንታይ እዮም ዝብሉ?

እቶም ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጹ ኣርብዓ ሓምሳ ዓመታት ዝገበሩን ተመሊሶም ዘይፈልጡን ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸፍ ክብሉ ምውዓሎም እዩ ዝገርመኒ።  ነዛ ሃገርን ነዚ ህዝብን ንሓንቲ ሰዓት’ውን ዘየግልገልዎ ሰፊሕ መደረታትን መወዳእታ ዘይብሉ ዓንቀጻት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጽሕፉ ይውዕሉ። ሓድሽ ስለ ዘይትረኽብሉ ነቲ ኣቐዲሞም ዝበልዎ’ውን ብቕዳሕ ካርቦን ይደጋግምዎ። ንምዃኑ ሓታቲ የሎን ድዩ? ክንሕተት ኢና ኣይብሉን ድዮም?

ንበል እሞ “መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይትረፍ። ኩሉ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ገዝኡ ይፋነው” ብድሕሪኡ ኸ ዝብል ሕቶ እንታይ ይምልሱ? ዶባት እንታይ ይኹን? ህንጸት ሃገር ንመን ይገደፍ? ኣብ ዙርያ ከመይ ዝኣመሰለ ጂኦ ፖለቲካ እንትነብር ኤርትራ ኸ እንታይ ትኹን? ነዚ ዝኸውን መልሲ ኸ ኣሎዎም ዶ? ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ከልዕዎን ክምልስዎን ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።

እቲ ገደብ ኣልቦ፡ መወዳእታ ዘይብሉን ካልእን እናበሉ ዘቕርብዎ ደምዳሚ ርእይቶ ምኽሪ ዓያሹ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ፍረ ዘለዎ ኣይኮነን። ብሱል ሰብ ድሕሪ ሓደ ሕቶ ዝቐርብ መልሲ ካልእ ሕቶ ከም ዝስዕብ ስለ ዝፈልጥ ናይ ኩሉ መልሲ ክህልዎ እዩ ዝሓስብ። ናይ ግዜና ወረጃታት ማዕዶ ግን ካብ ጥማዕ  መደረ ክሓልፉ ኣይስምዑን። ኤርትራዊ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይትረፍ ዝብል ሓደ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ዘልዕሎ ዛዕባ ኣይኮነን። ንናይ መጻኢ ውጥን አተሓሕዝኡን  ትግባረ መደባቱን ኩሉ ዜጋ ርእይቶ ክህልዎ ጽቡቕ ኢዩ። ዝያዳ ኸኣ፡ እወታዊ ሓሳባት ምቕራብ ጠቓሚ እምበር ጎዳኢ ኣይኮነን።

እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?

“ኣገልግሎት ነዊሑ” ዝብል ዘረባ ኣሎ።  ቅድም ቀዳም ናይ ኣበሃህላ ምትዕርራይ ከድልይ እዩ። ብግቡእ ንኣዋጃት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ትርጉማቱን ብደቂቕ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንውሓት መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዋጅ 82 /1995 ዝጸደቐን ፍሉጥን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ኣብ ትሕቲ ንቡር ኩነታት ናይ 18 ኣዋርሕ ግቡእ ኣገልግሎት ክገብር ይሕተት። ናይ 18 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ዝወድአ ድማ ናብ ንቡር ህይወቱ ተመሊሱ ናብራኡ ይመርሕ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ዙርያ ዝነበረ መስርሕ መደባት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኸምኡ ተሰሪሕሉ። ድሕሪ ሓምሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ 18 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ዝወድአ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ወራር ናብ መደብ ክተት እዩ ሰጊሩ።  ብኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብደቂቕ ዝሰፈረ፡ ኣብ ግዜ ኲናትን ሓደጋ ናይ ክተት ግዜ  ሃገራዊ ኣገልጎሎት ብኩነታት ከም ዝእዘዝ ብንጹር ሰፊሩ ኣሎ። እንታይ ድኣ ይብሃል ኣሎ?

ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ምንታይ ጸኒሕና? ኣይሰላም ኣይኲናት ጥራይ ተባሂሉ ድዩ ዝሕለፍ? ዝዓበየን ዝሰፍሐን ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዕሪፉ ድዩ? ብዝተፈላለየ መጋበርያታት ክእጎድ ዝተሓስበ ሕቡእ እሳት ጠፊኡ ድዩ? እቲ ሕቶታት ብዙሕ ኢዩ። እታ መልሲ ድማ ንጽርቲ ኢያ። መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ንሃገራዊ ረብሓን ንሃገራዊ ድሕነትን ቅድሚ ዝኾነ ዝስራዕ መደብ እዩ።

ልክዕ እዩ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ከቢድ መኸተ ጸኒሑን ኣሎን። ብሕጊ ዝተበየነ ውሳኔ ተጣሒሱ፡ ልዕልና ሕጊ ተዓፊኑ፡ ብድርብ መለኪዒታት ወይ ብሌላን ጉሌላን ኣተሓሕዛ ሕጊ ዓለም፡ ልኡላዊ መሬትና ገና ኣይተመልሰን።  ዘይዐረፈ ጉዳያት ጠቕሊሉ ዘይተተግበረ ጉዳያት እናሃለወ፡ ብሓደ ኣፊቱ ኩሉ መንእሰይ ካብ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይፋነው ምባል ነገረ ጥዕና ዘይምዃኑ ንምትንታን ግዜ ምጥፋእ ኣየድልይን።  ስለዚ፡ ዝተባህለ ይበሃል ዝተዓብሎኸ ሓሶት ይዕረግ፡ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ምጽናዕ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ መፍትሒ። ምኽንያቱ፡ ንኹሉ ኣብ ግዜኡ በቲ ክኽኖ ዝግብኦን ክኸውን ጽንዓት ጥራይ እዩ ዝሓትት።

ወድሓንኩም!

 ወድ ሓምደ’የ።

405 total views, 4 views today

(Visited 167 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *