ኤርትራ ፡ እታ ጂኦፖሎቲካዊት ሉል!

መርካንታላዊ/ Mercantilist/ ስርዓት፣ ዓለም ክሳብ መፈለምታ 20ክ/ዘ እትግዘኣሉ ዝነበረት ናይ ቁጠባን ውትህድርናን መንገዲ ኮይኑ ንማሕበረ-ቁጠባውን ወተሃደራውን ፍጻመታት ክሳብ 19 ክ/ዘ ዝነበረ ሃገራውን ኣህጉራኣዊ ዝምድናታት ብዕምቆት ዘማእዝን ዝነበረ ማሕበራዊ ሰረተ-እምነት ኢዩ። መርካንታላዊ መንገዲ፣ ሃገራት ኣብ ውሽጠን ዘማዕብለኦ ዝድህሰስን ዘይድህሰስን ስልጡን ሓይሊ (smart Power) ኣብ ምስ ካለኦት ሃገራት ዘካይደኦ ቁጠባውን ወትሃደራዉን ጽምዶታት ዘንጸባርቕኦ ክህሎት ወይ ድማ potential ተደሚሩ ዝፍጠር ሃገራዊ ጸዓት ኢዩ።

 ክሳብ መፈለምታ 20 ክ/ዘመን ዝገዝእ ዝነብረ ቁጠባዊ ስርዓታት ምስ እንዕዘብ፣ ዓብይቲ ሓይልታት ዓለም ነቲ ካብ ዘመነ-ዳህሳስ ንዘመነ-ምንቕቓሕን ዘመነ-ኢንዳስትርያዊ ሰውራን ኣስዒቡ ዝተቐልቀለ ርእሰ-ማላዊ ኣህጉራዊ ስርዓት፣ ‘ብሱሉሳዊ ናይ ገልዩ ንግዲ’( Triangular Slave Trade; ካብ ኤውሮጳ ውዱኣት ምስሩሓት ኣቑሑ ናብ ዕዳጋታት ኣፍሪቃን ካልእ ክፋል ሳልሳይ ዓለምን ብምጉራት ንእግረ-መንገድኻ ናብ ሰሜን ኣሜርካ ገላዩ ጺዕንካ ምኻድን፡ ካብ ኣሜርካ ድማ ንኢንዳስትሪ ዘድሊ ጡጥን ሽኮርን ዘጠቓለለ ጥረ-ነገራት ሒዝካ ናብ ኤውሮጳ ምምላስ) መንግስታትን ትካላቶምን ዘማእኽልዎ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት፣ ኣብ መወዳእታ ነቶም ንፖሎቲካ ዓለም ብምልኣት ዝጸለዉ ክልተ ዓበይቲ ውግኣት ዓለም ኣኸቲሉ ዘፍ ‘ኳ እንተበለ፣ ብድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኩናት ብሓፈሻ ኣብ ‘ዚ ዘለናዩ ህልው ዲፕሎማስያዊ መድርኸ ድማ ብሰፊሕ ክቀላቐል ንዕዘቦ ኣሎና። ሃገራትን መንግስታትን እምበኣር፣ ኣብ ገለ ባዕሎም ዝምውስዎ ውዱብ ናይ ምዕብላል እስትራተጂ፣ ኣብ ገለ ድማ ብመንገዲ ንዖኦም ዝውክላ ዓበይቲ ዓርሞሽሽዋያን ዱካናት ኣብ እስቲርጂካውያን ከባቢታትን ጸጋታትን  ዓለም ህልውናኦም ከስፋሕፍሑን ንኣገደስቲ መስመራት ክቆጻጸሩ ምዕዛብ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኤርትራ ብዝነወሐ ዶባዊ ኣቃማምጠኣ ተተሪኢሳቶ እትርከብ ጆኦግራፍ ድማ ነቲ ካብን ናብን ንግዳዊ ንጥፈት ብምእንጋድ ምስቶም ቀዳሞት ናይ ዓለምና ባሕራዊ መስመራት ዝስራዕ ክሳብ ዝኾነ፣ ካብ ዓበይቲ ንግዳውን ጸጥታዉን እስትራተጂካያን ኣህጉራዊ ኣድህቦታት ክኸወል እንጽበዮ ኣይኮነን። ኤርትራ ኪኖ ቁጠባዊ ኣገዳስነታ ወተሃደራዊ ኣገዳስነታ ይዓዝዝ። ቀይሕ ባሕሪ ንኣብ መንጎ ኣፍሪቃ፣ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ታሪኻዊ ንግዳዊ ልውውጥ ዘእንግድ ኣገዳሲ መስመር ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ‘ዚ እዋን ኣብ መንጎ ቻይናን ኤውሮጳን ዝካየድ ናይ ንግዲ ንጥፈት ንቀይሕ ባሕሪ ገዚፍ ክብሪ ሂብዎ ይርከብ። ካብ’ዚ ተበጊሰን እምበኣር ‘የን ብዙሓት ሃገራት ጽልወአን ንምዕባይ ወተሃደራዊ ማዓስከራት ኣብ ገማግሙን ደሴታቱን ንምድኳንን ብንጥፈት ክዋዳደራ እንዕዘበን። ዓሚቕ መርካንታላዊ ንጥፈት ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት ኣብ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ምዕዛብ ድማ መበገሲኡን ዕላማኡን ነዚ ይመስል። 

ታሪኽ ኤርትራ ብፍላይ  ካብ ምምጻእ ቱርካውያን ናብ ወደብ ምጽዋዕ ኣትሒዝካ(ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ንኤርትራ ከም ጎረሮ ናይ ኣክሱማዊ ስልጣነታትን ምድሪ-ፑንትን ዝጸዊ ታሪኽ ከይዘንጋዕካ ማለት ‘ዩ) ብምንሕናሕ ኣብ መንጎ ዓረባውያን ሓይልታትን ካብ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ዝብገሱ ናይ ሓበሻ ንግስነታትን ዘቐቢቡ ንረኽቦ። ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝተኻየደ ተደጋገምቲ ውግኣት ከም ኣብነት እንተወሲድና፣ ነቲ ክሳብ ምምጻእ ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ባህላውን ፖሎቲካውን ምትህልላኽ ናይ ክልቲኡ ደንበታት ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ግዳይ ይኾነሉ ከምዝነብረ መዛግብቲ ታሪኽ ብምልኣት ይምስክሩ። ኣብ ግዜ ኢጣልያዊ መግዛእቲን ክሳብ ምምጻእ ኢንግላዝውያንን ድሒሩ ‘ውን ኣብ ናይ ፈደረሽን እዋን ዝነበረ ፖሎቲካዊ ውረድ-ደይብ ኣብ እንግምግመሉ ድማ እቲ ንኤርትራ ከም ጸግዒ-ሓደ ደንበ (Pax-Arebia ወይ ድማ Pax Ethiopea) ጌርካ ናይ ምውሳድ ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ፣ ኣብ ግዜ ምጅጅማር ሰውራ ንዝነበረ ንሰውራ ኤርትራ ከም ዓረባዊ ተበግሶ ጌርካ ናይ ምውሳድ ጽውያ ወይ ድማ narriation እቲ መባእታዊ ደራኺ ነጥቢ ‘ኤርትራ ከም ንጥበ መራኽቦ ናይ ክልቲኡ ተፈኻኻሪ ስልጣነታትን ድምቕቲ ናይ ሓድነት እስታርተጂካዊት ነጥቢን’ እምበር መጋባርያ ሓዲኡ ስልጣነ ክትከውን ከምዘይትኽእል ኣብ ምርዳእ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጉድለት  ኣረዳደኣ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሓፈሻ፣ ንኤርትራን መትከላዊ መሪሕነታን ክነለለይሉ እንኽእል ቀንዲ መንገዲ ድማ ኣብ ውሽጢ ከሙኡ ዓይነት ናይ ጽውያ ዋጭዋጭታ ኤርትራውነት ዝሕላገቱ ናይ ሓርነት መስመር ስለዝፈጠርን ብቕልጽሙ ስለዘርዓመን ኢዩ።

ስለዚ፡ እዚ ኩሉ ታሪኽ ምስ ሓለፈ ኣብ ‘ዚ ግዜ እንዕዘቦ ዘለና ሓቅታት እምበኣር፣ ኣብ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ናይ ውሳነ ናጽነት፣ ክልቲኡ ደንበታት ብሰላምን ምትሕግጋዝን ሓድነታዊ እስትራተጂካዊ ውሳነታት ንኽሕንጽጽ፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝህልዎ ኣጣማምታ ብምልፋንን ብምውህሃድን እምበር ብምትህልላኽ ክውን ክኸውን ከምዘይክእል ታሪኽ ግሁድ ገይርዎ ዘሎ ጂኦ ፖሎቲካዊ ሓቂ ኢዩ። ድሕሪ ‘ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ናይ ስላም ስምምዕ ቀጺሉ፣ ክልቲኦም ሓይልታት ብሓባር ዞባውን ኣህጉራኣውን ረብሓታቶም ክቕይሱ ኣብ እንዕዘበሉን ንነፍሲ-ወከፍ ቁጠባዊ፣ ፖሎቲካዊን ጸጥታውን ውሳነታቶም ድማ ብዓይኒ ኣብ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪ ጽልዋ ዘለዎም ሓይልታት ብምጥማት ንሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዝተወፈይሉን፣ ኤርትራ ምስ ገዚፍ ባሕራዊ ጸጋኣን ኣማኢት ደሴታታን ነቲ ኣብ ዞባና ኣብ መንጎ ክልቲኡ ደንበታት ዝፍጠር እስትራተጂካዊ ናይ ጸጋታትን ጸጥታን  ምትእስሳር ከም ንጥበ-መራኸቢ ይገብራ። ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሕ.ኢ.ዓረብን ዝተበጽሐ ሱሉሳዊ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ብሓፈሻ፣ ነቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2018 ብመንጎኝነት ስዑድያን ወኪል ሕ.ሃ.፣ ሕ.ኣፍሪቃን ወኪል ሕ.ኢ.ዓረብን ዝተፈረመ ሸውዓተ ነጥብታት ዘጠቓለለ ናይ ሰላም ስምምዕ ብምዕዛብ ድማ ንድሌትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ህንጡይነት ብምሎኦም ሓይልታት በቲ ሓደ ወገን ንብመንገዲ ኤርትራ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጎደቦታት ክካይድ ዝኽእል ኩለንተናዊ ምድግጋፍን ኣወንታውነቱን ክንግምግም የክእለና። ኣብ ጽላት፣ ንግዲ፣ ጸጥታ፣ ቁጠባን ጸዓትን ዝግበር ምትሕግጋዝ ድማ ከም መበገሲ ነጥቢ ክውሰድ ዝከኣል ኢዩ።

                                                                                      ኣማኑኤል ዘካርያስ

327 total views, 3 views today

(Visited 185 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *