ምህዞን ምሕየሻን፡ መቐወም ዘላቒ ዕብየት

ኣብ ዝቕጽል ዕቑዳት፡ ክእለት ሃገራት ኣብ ምህዞን ምሕየሻን፡ ንዕብየት ቊጠበኣንን ተወዳዳርነተን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ወሳኒ ምዃኑ ኣየጠራጥርን። እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ንኣርቀቕቲ ፖሊሲ ዝበዝሓ ሃገራት ብሩህ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት፡ ምህዞን ምሕያሸን ንምትብባዕ ዘኽእል ሃገራዊ ስትራተጂካዊ መርሓ ጉደና ብምሕንጻጽ ይዓያ ኣለዋ። እዚ ድማ ብዓንደ ርእሱ ኣብ ምህናጽ ንምህዞን ምሕየሻን ዘተባብዕ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ዘተኰረ እዩ። በዚ ድማ ኣፍራይነት ክዓቢ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ዝሓሸ ቊጠባዊ ዕብየት ከምዝግባ ክኽእላ’የን።

ብሳላ ቅልጡፍ ስጒሚ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበትን ሓፈሻዊ ጥቕሚ (general purpose) ተክኖሎጂያዊ መሳርሒታትን (ከም ኣይ.ሲ.ቲን ባዮተክኖሎጅን) ዓውለማን፡ ምህዞን ምሕየሻን ብኣዝዪ ልዑል ናህሪ ይግስግስ ኣሎ። ኣብ ዝመጽእ እዋናት ድማ ዝያዳ ክሓንን ምዃኑ ኣየጠራጥርን።

ምህዞን ምሕየሻን ንሃገራዊ ገስጋስን ተወዳዳርነት ኣብ ዓለማዊ መድረኽን ወሳኒ እዩ። እዚ ግን ምህዞን ምሕየሻን ንሃገራዊ ብድሆታት ጥራይ ይፈትሕ ከስምዕ ኣይግባእን። ነቶም ከምእኒ ክሊማዊ ለውጢ ዝመሰሉ ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሓዙ ብድሆታት’ውን ንምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ።

ምህዞን ምሕየሻን ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ፡ ተማላላኢ ኣበርክቶ ዝተፈላለዪ ኣካላት ሕብረተ-ሰብን ማሕበራውያን ሓይልታትን የድልዮ። ኣርቀቕቲ ፖሊሲ፡ ዝተፈላለዪ ኣካላት መንግስቲ፡ ትካላት ምርምርን ተክኖሎጅን፡  ግዱሳትን ጸለውትን ውልቀሰባት፡ መሃዝትን ኣማሓየሽትን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ። ቅድሚ ኲሉ ግን፡ ኲሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣካላት ብዛዕባ ምህዞን ምሕያሸን ሓባራውን ተቐራራብን ርድኢት ክህልዎም ኣለዎ። ናይ ሎሚ ጽሑፍና’ምበኣር፡ ኣብ ምዕዛዝ ንቕሓት ሕብረተ ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ምህዞን ምሕየሻን ከተኩር’ዩ። ሰናይ ንባብ!

 

ምህዞ እንታይ እዩ፧

ምህዞ፡ ሓድሽ ሓሳብ፡ መስርሕ/ኣገባብ ወይ’ውን መሳርሒ እዩ። ደቂ ሰብ ምህዞ ይነድፉ ወይ ይፈጥሩ። ወዲ ሰብ ካብታ ዝተፈጥረላ እዋን ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ምህዞ ምሂዙ’ዩ። ገለ ንምጥቃስ፡ ኣብ ዘመነ እምኒ፡ ፋስን፡ ዝተፈላለዪ ካብ እምኒ ዝተሰርሑ መሳርሒታትን፡ ኣብ ዘመነ ብሮንዞ፡ ዕንክሊል፡ ማሕረሻ፡ መስኖን ጽሕፈትን፡ እዚኣቶም ነቶም ስዒቦም ዝመጹ ምህዞታት መሰረት እዮም ኔሮም። ኣብ ዘመነ ሓጺን፡ ዝተፈላለዪ ናይ ሓጺን መሳርሒታትን ናውቲ ውግእን፡ ኣብ ዘመነ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ፡ ናይ ሃፋ ሞተረ፡ ተለግራፍ፡ ዝሓሸ ኣገባብ ሕርሻ፡ ኣብ ዘመነ ሓበሬታ ድማ ቫክዩም ትዩብ፡ ትራንዚስተር፡ ኮምፕዩተርን ምጥቃስ ይከኣል።

ርኽበት እንታይ እዩ፧

ርኽበት፡ ንሓደ ካብ ባህርያት ተፈጥሮ ንፈለማ እዋን ምስትውዓል ማለት እዩ። ንኣብነት፥ ኤለክትሪክሲቲ ኣብ 1752 እዩ ተዳህሲሱ ወይ ተረኺቡ። እዚ ግን ምህዞ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ ምንታይ ናይ ተፈጥሮ ስራሕ እዩ። እቲ ምስትውዓል ግን ርኽበት እዩ። ካልእ ኣብነት’ውን ባዶሽ (vacuum) ምጥቃስ ይከኣል። እቶም ኣብ 1666 ብሰር ኣይዛክ ኒውተን ዝተደንገጉ ሕጋጋት ምንቅስቓስ (Newton’s laws of motion) እውን ምህዞ ዘይኰኑ ርኽበት እዮም። እቲ ምንታይ ቅድሚ ኒውቶን ዝነበሩ ኣሽሓት ዓመታት እዞም ሕጋጋት ኔሮም’ዮም። ብዘሎ ተፈጥሮ’ውን በዞም ሕጋጋት ተቐዪዱ እዩ ዝዓዪ ዝነበረ፡ ህላውነቶም ከስተውዕሎ ዝኸኣለ ግን ኒውቶን እዩ።

መሳርሒታትን ማሽናትን

እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም፡ ሓደ ዝተወሰነ ዕዮ ንኽዓዪ ዝንቀሳቐስ ኣካል ወይ ድማ ኤለክትሪካዊ መስመር ዘለዎም እዮም።

ፍርያት

እዚኣቶም ዝተሰንዑ ኢደ ስርሓት እዮም። ናይ ቀለም ብርዒ፡ ናውቲ ስፖርት፡ ኣልባሳት፡ ስነጥበባዊ ስርሓት፡ መዚቃ፡ መግቢ ወ.ዘ.ተ የጠቓልል።

 

ብመሃዝቲ ወይ ኣመሓየሽቲ ክሰዓብ ዘለዎ ናይ ምርምር ሜላ

መሃዝቲ ወይ ኣመሓየሽቲ በዞም ዝስዕቡ ሜላታት ተሓጊዞም ኣገዳሲ ዕዮ ከበርክቱ ይኽእሉ።

  1. ንክኢላታት ብምዝርራብ
  2. መጻሕፍቲ፡ መጋዚንን ናይ ኣካዳምያዊ ጆርናለታትን ምንባብ
  3. ንምዕባለኦም ብቐጻልን ብስሩዕን ኣብ መዘኻኸሪ መጽሓፍ ምስናድ
  4. ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ምኽታል

 

ናይ ምህዞ መስርሕ ምስቲ ብስነፍልጠታዊ ኣገባብ (scientific method) ትሕዝቶ ኣለዎ። እዞም ዝስዕቡ መድረኻት ድማ የጠቓልል። ምህዞ መስርሕ እዩ። ንጸገም ብዝግባእ ብምግላጽ ጀሚሩ፡ ብፍታሕ ዝውድእ መስርሕ።

 

  1. ንጸገም ብልክዕ ምግላጽ፥ እዚ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ብልክዕ ክትርድኦ ምኽኣል እዩ። ከም መሃዚ ወይ ኣመሓያሺ እቲ ክትፈትሖ ትደሊ ዘሎኻ ጸገም ብልክዕ ክትፈልጦን ሰፊሕ ትንታነ ክትህበሉን የድሊ።

ጸገም (problem) እንታይ እዩ፧

ጸገም፡ ዝዀነ ብመገዲ ለውጢ ክመሓየሽ ዝኽእል ኲነት እዩ። ንኣብነት፡ ልዑል ሃልኪ ነዳዲ ዘለወን መካይን ንጥዕናን ኣከባብን ጸገም እየን። እንተዀነ ሓደው ብቕዓት ሞተረአን ብምምሕያሽ ወይ ኣማራጺ ነዳዲ (alternative fuel) ብምጥቃም ነቲ ጸገም ክንፈትሖ ንኽእል ኢና።

 

ብድሆ (challenge)’ኸ እንታይ እዩ፧

ብድሆ ሓደ ክትገጥሞ ዘለካ መሰናኽል ወይ ክትበጽሖ ዘለካ ሸቶ እዩ። ንኣብነት፥ ንኤርትራ 50% ናይ ጸዓት ጠለባታ ካብ ተተካኢ ጸዓት ምምላእ ሓደ ብድሆ እዩ።

  1. ብፈጠራዊ መገዲ ምሕሳብ

ምሕሳብ ኣብ ኣእምሮ ይካየድ። ምሕሳብ ከቢድ እዩ። እቲ ምንታይ እንታይን ብኸመይን ስለምንታይን ትሓስብ ምፍላጥ ስለዘድልዮ። መሃዝቲ ንሓሳባቶም ንምርጓድ፡ ኣብ ወረቐት ይነድፉ( sketching) እዚ ነቲ ናይ ምፍጣር መስርሕ ይድግፎ እዩ። ብፈጠራዊ መገዲ ብምሕሳብ፡ ብዙሓት ነቲ ጸገም መፍትሒ ይዀኑ’ዮም ዝበልካዮም እማመታት ብምቕራብ፡ ብመስርሕ ምምያ እቲ ዝያዳ ተኻኣሊነት ዘለዎ መፍትሒ ትመርጽ።

  1. ፍተና (experimentation)

ፍተና፡ ኣብ ተክኖሎጂካዊ ፍርያትን ስርዓትን ምኮራ ንምግባር ዘኽእል መድረኽ ምፍታሕ ጸገም እዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ መሃዚ ንምህዞኡ ካብ ወረቐት ናብ ህላውነት የምጽኦ። እዚ መስርሕ እዚ ሰሙናት ወይ’ውን ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ።

  1. ክለሳ/ ዳግመ መርመራ

ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ መሃዝቲ ንመዝገቦም ብምምልካት፡ እቲ ምህዞ ብልክዕ ነቲ ጸገም ፈቲሕዎ’ዶ ኣይትፈትሖን የረጋግጹ። እቲ ምህዞ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቐመጠ ጸገም እንተዘይፈቲሕዎ፡ ናብ ቊ.1 ተመሊሱ መጽናዕቱ ከም ብሓድሽ ይጅምር። እቲ ጸገም እንተደኣ ተፈቲሑ ግን እቲ መስርሕ ምህዞ’ውን ተፈቲሑ ማለት እዩ። ስለዚ ምህዞ ፍልጠትን ክእለትን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ዓቕልን ተስፋ ዘይምቕራጽን ዘጠቓለለ ንጥፈት እዩ።

 

ሰባት ስለምንታይ’ዮም ዝምህዙ፧

ዝተፈላለዩ መሃዝቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተደሪኾም ይምህዙ። ብሓፈሻ ምህዞ ናብ ሰለስተ ይኽፈል። ንሳቶም ድማ ማሕበራዊ ምህዞ፡ ፊናንሳዊ ምህዞን ናይ ግዜ ዕረፍቲ (leisure) ምህዞን እዮም።

  1. ማሕበራውያን ምህዞታት፥

እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም፡ ነቲ መሃዚ ወይ ካልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ዝመሃዙ እዮም። እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም ንህይወት ዝሓሸት ከም ትኸውን ይገብሩ። ኣብ ሕብረት-ሰብ ድማ  ገዚፍ ጽልዋ ኣለዎም። ንኣብነት ክታበት ንህጻናት፡   ኣረጋውያን   ብዘይ  ጸገም ክንቀሳቀሱ ዘኽእሎም መሳርሒ ካሎትን ክንጠቅስ ይከኣል።

  1. ፊናንሳውያን ምህዞታት

እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም፡ ገንዘብ ንምርካብ ብዝብል ድርኺት ዝብገሱ ምህዞታት’ዮም። መብዝሕትኡ ግዜ፡ እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም፡ ነገራት ብዝቐልጠፈን ብዝቐለለን ኣገባብ ከም ዝዓዪ ይገብሩ።

  1. ናይ ትርፊ ግዜ (leisure) ምህዞታት

እዞም ምህዞታት’ዚኣቶም እቲ መሃዚ ንውሽጣዊ ናይ ምምሃዝ ድሌቱ ንምርዋይ ዝምህዞም እዮም።

 

ምሕያሸ

መሃዝቲ፡ ኲሉ ሳዕ ኣይኰኑን ሓደስቲ መሳርሒታት ዝምህዙ። ብዙሕ እዋን’ውን ምሕያሸ ይፈጥሩ እዮም። ምሕያሸ፡ ንሓደ ኣቐዲሙ ዝፈረየ ፍርያት ወይ ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕያሽ ወይ ምቕያር እዩ። ምሕያሸን ምርዓምን፡ መሳርሒታት፡ ፍርያትን መስርሓትን ንኽንጥቀመሎም ዝቐለሉ፡ ምህዞታት ድማ ዝሓሹን ዝበለጸ ጥቕሚ ከምዝህልዎምን ይገብሩ። ምሕያሸ ኣገዳሲ ክፋል ምህዞ እዩ።

ምርዓም (Adaptations)

እዚ ሓደ ምህዞ ካብቲ ክፍትሖ ተባሂሉ ዝተኣመመሉ ጸገም ወጻኢ ዝተፈልየ ካልእ ጸገም ንኽፈትሕ ኣብ ተግባር ምውዓሉ እዩ። ንኣብነት ገለ መድሃኒታት ካብቲ ክፍውስዎ ተባሂሎም ዝተሰርሑሉ ሕማም ወጻኢ ካልእ ሕማም ኣብ ምፍዋስ የገልግሉ እዮም።

ጫለዳ-ረብሓ (spin-off)

ትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ ማለት ናሳ፡ ካብቲ ዝተኣመመሎም ወጻኢ ካልእ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘገልግሉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ምህዞታት ኣቕሪቡ እዩ። እዚ ምርዓም’ዚ ድማ ጫለዳ-ረብሓ ይበሃል። ንኣብነት፡ ናይ ፍርሙላ ሓደ ተወዳደርቲ ዝጥቀሙሉ ኮምፕላስዮነ ንናይ ኣፖሎ ጠፈርተኛታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ እዩ። ኣባላት መፋእቲ ሓዊ ዝኽደንዎ ኽዳን ናይ ናሳ ምህዞ እዩ።

 

ናይ  መጻኢ ራእዪና ቊጠባዊ ዕብየት እዩ። ጭርሖና ድማ ‘ ምዕባለ ወይ ብልጽግና ብምህዞን ምሕያሸን! ‘ ክኸውን  ይግባእ። ንዝተፈላለዪ ሓሳባት ናብ ግብሪ  እንትርጉመሉ ባይታ ከነጣጥሕ  የድሊ። ጽሑፈይ’ምበኣር ብጥቕሲ ፖል ሮመር ዝተባህለ ጸሓፊ  ክዛዝሞ፡

‘ዘላቒ ቊጠባዊ ምዕባለ፡ ብምጥርቓም ወይ ብወፍሪ ወይ’ውን ብምስትኽኻል  ማክሮ ኢኮኖሚካዊ ፖሊሲ ወይ’ውን ብድጐማ ጥራይ ክረጋግጽ ኣይክእልን እዩ። እዞም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ፡ ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ዋጋ (value) ብዝውስኹ ንኣሽቱን ዓበይትን ምህዞታት ክስነዪ ይግባእ።’

ኢንጂ. ሚኪኤል ኣዳም

56 total views, 1 views today

(Visited 13 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *