እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ?

ክቡራት ተኸታተልቲ ፌስ ቡክ፡ ሓውኩምን ሓውኽንን ራያን ሓምደ (ወድ ሓምደ) ካብ ኣስመራ፡ ውዑይን ሓድሽን ሓበሬታታት ሒዘልኩም “እንታይ ይብሃል ኣሎ፧” እናበልኩ ዘዝተባህለ ናባኹምን ናባኽን ከብሎ እየ። ምኽንያቱ፡ ምፍላጥ ጸጋ ኢዩ ተኻፊልካ ምንባር ድማ ባህልና ኢዩ። እንታይ ይብሃል ኣሎ ሼር ሼር ከ ንበሎ።

እንታይ ይበሃል ኣሎ?

መጋቢት ብደረጃ ዓለም ዝተኸብረ ዓለማዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ብምንባራ ኣብዛ ዓለም እንታይ ዘይተባህለ። ዛንታ ደቀንስትዮ  ማእከል ዝገበረ ዝተፈላላየ ዘረባ፡ ጽሑፋትን ደረቕን ናይ ቪድዮ ስእልታትን ኣብ ሶሽያል ሚድያ ክጥቃዕ ቀንዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነገር ጽቡቕን ሕማቕን ሓበሬታ ኣበይ ይጠፍእ? እንታይ ከ ተባሂሉ?

ዝርዝር መዝገብ ህቡባትን  ሓምሳ ጸለውቲ ደቀንስትዮ ዓለምን ብዝብል ቴማ  ኣብ ዘውጽኦ ኣስማት ደቀንስትዮ ብዘይካ ናይ ኦፕራ ዊንፍሪን ሚቸል ኦባማን ኣብ ኻልኦት ጸለምቲ ኣብ ቅድሚት ብዘይምስርዐን ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፣ ዓበይቲ ማዕከና ዜና ዓለም ንብዙሓት ደቀንስትዮ  ካብ ኣዝዩ ትሑት ናብራ፣ ሽግርን መከራን ስንክልናን ጉድለት ጥዕናን ወጺአን ዛንታ ዕዉታት ከቃልሕ ቀንዩ። ብዘይካ እዚ እቲ ብናይ ፓራ ስፖርት ዝተራእየ ብቕዓት ምሕንባስ ስንኩላን ደቀንስትዮ ከም ናይ ኣግእዞ ተመክሮአን ምስክርነት ክቃላሕ ቀንዩ። ብደረጃ ኣህጉር ብትምህርቲ፣ ምህዞ፣ ስፖርትን ንግድን ብድሆታት ሰጊረን ዕዉታት ዝተሰሞያ ደቀንስትዮ ኣብዛ ዓለም ንኻልኦት ክምህራ ክኢለን። ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ናይ ዓለምን ኣህጉራዉያን ማሕበርት’ውን ኣፍልጦን ሽልማትን ክህባ ቀንየን።  ካልእ ከ እንታይ ይብሃል ኣሎ?

ጎደቦን ዞባን

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ቦይግ 737 ማክስ (Boing737max) ሽዱሽተ ደቓይቕ ምስ ተጓዕዘት ተኸስኪሳ ክበሃል ቀንዩ። ኣብታ ምሉእ ብምሉእ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ኣይተረኽበን። እንተኾነ ክልተ ተጓዓዝቲ ብሰንኪ ቀልጢፍካ ኣብ ቦታ ጌያሾ ዘይምርካቦም ካብቲ ሓደጋ እቲ ድሒኖም። ሲቪል ኣቭየሽን ዝተፈላለያ ሃገራት ስርሓት ቦይግ 737 ማክስ ዝኾና ነፈርቲ ከይበራ ኣጊዶም። ገለ ሃገራት’ውን ኣብ ሰማያዊ ክልል ናይተን ሃገራት ከይበራ ከልኪሎም። ጸላም ሳንዱቕ ብዙሕ ሓበሬታታት ትህብ ኣላ። ሓቂ እንተኾይኑ ኣመሪካ’ውን ክሳብ እቲ ሽግር ዝፍለጥ ነታ ቦይን 737 ካብ ስራሕ ጠጠው ክትብል ኣዚዛ ኣላ።  ካልእ ከ እንታይ ይብሃል ኣሎ?

ብተጻባእትን ተበለጽቲን

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተጻባእትን ተበለጽቲን እሞ እንታይ ዘይብሃል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገራሚ ላግጺ ባጫን ምሽክዕላልን ብዛዕባ መንእሰይ ኤርትራ ክበሃል ቀንዩ። ናይ መንእሰይ ኣርእስቲ ኩሉ ግዜ ከም መተዀሲ ጠያይት ኢዮም ዝጥቀምሉ። ከም ወረቐት መለመኒ ፕሮጀክት ድማ የዘውትሩዎ። ኣብ ዝሓለፍ 20 ዓመታት ክንደይ ማዓጹ ኣብያተ ጽሕፈት ውድባት ዘይኳሕኩሕሉ፧ ናይ መወዳእታ ካርታ ጠላዕ ምስ ተደርበየት ግን ቃናን ድምጽን ቀይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ጸላእቲ ኤርትራ መጋበርያ ኮይኖም፡ ከም መናገድን መሸቀጥን ዝተጻወትሉ ንጸጋም ገዲፎም ሓለይትን ግዱሳትን ብምምሳል ንብዓት ሓርገጽ ጠረብረብ ከብሉ ቀንዮም?መን’ዩ ስግር ባሕሪ እናሰፈረ ብዛዕባ መንእሰይ ክዛረብ ሞራል ዝውንን?  ንምንታይ ዕላማ ይዝረብ? እቲ ዝዝረብ ከ እንታይ እዩ። እንታይ ከ ይብሃል ኣሎ?

 

ካብቲ ቀንዲ ዘገረመንን ዘስሓቐንን ጉዳይ እዛ “ሃገራዊ ኣገልግሎት መንእሰያት ይትረፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ይቋረጽ? ኩሉ ይፋነው?” ትብል ቃል ኢያ። ልቢ ዘለዎ ዝሓስብ ርእሱ ዝጥቀመሉ ሰብ፡ ኣገዳዲ ትእዛዝ፡ መምርሒ ኣይህብን ኢዩ።  ጥዕና  ኣእምሮ ዝውንን ሰብ፡ ብኸመይ ዝብል ሕቶ ስለ ዝምልስ፣ ከምዚ ዓይነት ናይ ዓያሹ ዘረባ ኣየበግስን ኢዩ። ዋላ እቲ ብላጥ ዓሻ ክመስል ዝደሊ በለጸኛ። ምኽንያቱ ልዕሊ መንእሰይ ኤርትራ ብግዜ ዝተመኮረ ብልሕን ምስትውዓልን ዝወነነ ናይዚ መድረኽ ሰብ ክንደየናይ ከይህልው?

እዚ ሓልዮት ኮነ ተገዳስነት ዘይብሉ፡ ካብ ተራ ባጫን ላግጽን ምዃን ዘይሓልፍ ዘረባ እዚ፣ ልቢ መን ክሃርም ዝተሓስበ ይኸውን? ንዓይ…ኣብ ሎቖታ ኢዩ ነገሩ። ኣንቱም ኣሕዋት ኣንትን ኣሓት፡  ተበለጽትን ተጻባእትን ጥዕና ኣእምሮ ዶ ይገዶም ዶ ኣሎ? እዚ ሰላም ዶ ሰላም ከሊእዎም?

ንሕና መንእሰያት እኳ  ንኣስታት 20 ዓመት ኣብ ኣይ ኲናት ኣይሰላም ኢና ጸኒሕና። ግን ኩሉ ግዜ ኣብ እንተ ንነብር ኔርና። ሎሚ ዶ ጽባሕ ቶጒ ትብል ክንጻናቶ ንውዕልን ንሓድርን። ንሕና እቶም ጸኒዕና ዘጽናዕና ናይዚ መድረኽ ወርቃውያን ሓይሊ ሃገር ዶ ኣይኮናን? እሞ እንታይ ድኣ ኢዩ ዝብሃል ዘሎ?

ገና  ጉዳይና ከይተወድአን መዓልቦ ናይ ኩሉ ሕቶታት ህዝብን መንግስትን ከይተመለሰ፡ በቃ ከምዛ ጸወታ ገዛ ገዛ ተረኺቡስ ብህጹጽ ዝብል ቃል ንሰምዕ። ወረ መን ኢኹም ምስ ዝበሃሉስ መን ኢና ክብሉ ኢዮም? እዛ ዳዋ ነገር ኣለዋ?

ንሓድግ እምበር ንርስዕ እኳ ኣይኮናን ድዩ ዝበለ ሰብኣይ ከምዚ ምስ ረኸበ። እዞም ትማሊ ትማሊ ምስ ብዝተፈላለየ መስሓቢ ቋንቋን ኣጋጋዪ ሓበሬታታት ካብ ሃገር ክንወጽእ  መጋበርያ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝጸንሑን ዶብ ስግር ምስ በለ መንእሰይ ናትካ ጉዳይ’ዪ ዝበሎ ዶ ኣይኮኑን? እሞ ሕጂ ኸኣ ድኣ ነቲ ሕድሪ ኣጽኒዑ ኣብ ማሕላ ሃገር ተቢዑ ንሃገር ብኹሉ መገዲ ኣለኩልኪ ዝብላ ዘሎ ድዩ ድኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኣክል?

መንእሰይ ኤርትራ  ዕላምኡ ዝፈልጥ ብዕላማ ዝጓዓዝ ሃገራዊ ሕቶታት ንምምላስ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጽኑዕ ወለዶ ኢዩ። ክብደት ናይ ናብራ ፈተነ ናይ ምንባር፡ ምንዋሕ ናይ ግድላት ጻዕዳ ባንዴራ ከልዕል ኣይቅስቦን ኢዩ። ሎሚ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ሃገር ቅድሚት እናበልና ክንሰርሕ ዝጸናሕናን ዘሎናን ወለዶ፡ ማንም ዘይጠቅም ናይ ማዕዶ ወረጃ ሰብ ክማለደልና ንፈቅድ ኣይኮናን።

“ቁልፍኻ ፍታሕ ዕጥቅኻ ኣውርድ ሃገር ግደፍ  ከም ቀደምና  መንእሰይ ዘይብላ ሃገር እናበልና ክንነብር። ንስኻ ስራሕካ ግደፍ ንሕና ብሽምካ ስራሕ ክንረክብ” እዚስ ኣይዘረባን። ኣይጥዕመናን ኢዩ። ክድገም ዘይግብኦ ዘረባ ኢዩ። እንታይ ድኣ ይበሃል ኣሎ። ንሎምስ እዚ ይኣክል’ዩ። ከም ሎሚ ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ እንታይ ይብሃል ኣሎ ክቐርብ እየ። ራያን ወድ ሓምድ’የ ካብ ኣስመራ

 

267 total views, 4 views today

(Visited 103 times, 1 visits today)

Eri-Youth

The owner of this website is the Eritrean union of youth and students.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *